Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሚኒስትሪ ዜና መግለጺ ዲዩ መላገጺ

ሚኒስትሪ ዜና መግለጺ ዲዩ መላገጺ ስዒቡ ቀሪቡ ዘሎ መግለጺ ህግደፍ’ዩ 1.ኣብ’ዚ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ኣብ ዞባና ዝተራእየ ምዕባለታት፡ ንኣሸቀልቲ ወያነ፡ ከቢድ ሻቕሎትን ጭንቀትን ፈጢሩሎም ኣሎ። ንብዙሕ ዓመታት፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ጐረባብታን፡ ብፍሉይ ከኣ ምስ ንግስነት ስዑዲያ ኪምዕብል ዝግብኦ ዝነበረ ንቡር

ሚኒስትሪ ዜና መግለጺ ዲዩ መላገጺ

ስዒቡ ቀሪቡ ዘሎ መግለጺ ህግደፍ’ዩ

1.ኣብ’ዚ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ኣብ ዞባና ዝተራእየ ምዕባለታት፡ ንኣሸቀልቲ ወያነ፡ ከቢድ ሻቕሎትን ጭንቀትን ፈጢሩሎም ኣሎ።

ንብዙሕ ዓመታት፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ጐረባብታን፡ ብፍሉይ ከኣ ምስ ንግስነት ስዑዲያ ኪምዕብል ዝግብኦ ዝነበረ ንቡር ሽርክነት፡ ናብ ምጥርጣርን ምትፍናንን ምእንቲ ከምርሕ፡ ወግሐ-ጸብሐ ሕሱር ሓሶታት እናፈሓስካን እናጋዋሕካን ዝተኻየደ ኣጣቛሲ ዘመተን ሳዕቤናቱን፡ ዘየስደመሞ ወገን የለን። ናይ “ዊኪ-ሊክስ” ወረቓቕቲ፡ “ጫፍ እምባ-በረድ” ጥራይ’ዩ ኪበሃል ይከኣል።

ኣዘዝቲ ወያነን፡ ወያነን፡ በቲ ብቐጻሊ ንምሕንካሩ ሒዂ ዝብሉሉ ዝነበሩ ሕሱር ምጥቛስ ዝተራእየ ዝሕታለ ዝምድና ኤርትራን ስዑዲያን፡ ከም ዓቢ “ዲፕሎማስያዊ” ጨበጠ፡ ‘ባህታኦም’ ኣይሓብኡን። “ሓሶትን ምጥቛስን ብንፋስ ሓቂ ከምዝበንን”፡ መዓልቱ ኣኺሉ፡ ሓቂ ተጋሂዱ፡ ሽርክነት ኤርትራን ስዑዲያን ናብ ንቡር ተመሊሱ፡ ዑደት ፕረዚደንት ከኣ፡ ሓድሽ ምዕራፍ ከፊቱ።

2.እዚ ኣወንታዊ ምዕባለታት፡ ንለኣኽቲ ወያነን፡ ወያነን፡ ካብ ጭንቀት ናብ ዕብድብድ ኣምሪሑሎም ኪበሃል ይከኣል። መግለጺታት ፈኸራ ወያነ ኣንጻር ኤርትራ ከሪሙ’ኳ እንተዀነ፡ ኣብ’ዚ ዝሓለፈ ሰሙናት፡ ንብዙሓት “ከሰናብድዎም” ዝደለዩ ወገናት፡ በቲ ሓደ ኢድ ጉልቡብ ምህዳድ፡ ካብኡ ሓሊፎም ከኣ፡ “ኲናት ክንከፍት ኢና፡ ናይ ኣመሪካ ሓምላይ- መብራህቲ ረኺብና’ሎና” ክብሉ፡ ኣይተቘጠቡን። ኣሸቀልቶም ብዝተፈላለየ መንገዲታት ከካይድዎ ዝኸረሙን ዝቕጽልዎ ዘለዉን ጽዑቕ ዲፕሎማስያዊ ዘመተ’ውን፡ ካብ ማንም ኣይተሰወረን።

ካልእ ኣብ ሰዓቱ ክንመጾ ኢና። ኣጣቚስካ ህውከት ምዝራእ ግን፡ ይኣክል!

ኣስመራ 04 መስከረም 2015

ኣብ ላዕሊ ሰፊሩ ዘሎ ብስም ሚኒስትሪ ዜና ዝተጻሕፈ መልእኽቲ ህግደፍ ኣብ ክልተ ከፊልካ ንምርኣዩ ቁ1. ቁ.2 ገይረሉ::

  1. ”ኢሳያስ ናብ ስዑድያ ስለዝተዛወረ ንኣሸቀልቲ ወያነ ጭንቀት ፈጢሩሎም”:: በቲ ዘይውርዙይን ሰብ ዘይርድኦ ቃላት”ዊኪ ሊክስ” ”ጫፍ እምባ በረድ”:” ሓምላይ መብራህቲ” ዝጥቀም ኢሳያስ ስለ ዝኾነ እቲ ብስም ሚኒስትሪ ዜና ወጺኡ ዘሎ መግለጺ ናቱ ዘረባ’ዩ:: ሚኒስትሪ ዜና ከም ሽም’ምበር ናጻ ህላዌ የብሉን::ይትረፍ መግለጺ ከውጽእ ነቲ ብስሙ ዝተፈነው ካብ ስነ-ምግባር ጋዜጠኝነት ዝረሓቐ ኣጸሓሕፋ እውን ኢዱ ከንብረሉ ትብዓትን መሰልን የብሉን::ዝምድና ሃገራት ብዝኽተልኦ ናይ ወጻኢ ፖሊሲ’ምበር ብኻልኦት ሃገራት ከምዘይዝወር ዝተፈልጠ’ዩ:: ነቲ ዝምድና ክበላሾን ክጥዕይን ዝገብር እቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ’ዩ:: ስሩዕ መንግስታዊ ቅርጺ ኣብ ዘለወን ሃገራት: ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ግቡእ ስራሕ ዲፕሎማሲን ምስኡ ዝተኣሳሰር ፕሮቶኮልን ተኸቲሉ ይኸይድ::ኣብ ኤርትራ ግን ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ባዕሉ ኢሳያስ’ዩ:: እቲ ነቲ ስራሕ ክዓምም ዝተሰምየ ሚኒስትሪ ተለኣኣኺ’ዩ:: 1994-1996 ጴጥሮስ ሰለሙን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣብ ዝነበረሉ ናብ ስዑድያ ካብ ኢሳያስ ዝተላእከ ደብዳቤ ትሕዝቶኡ ከይፈለጠ ከምዘብጽሖን ንንግስነት ስዑድያ ዝዘልፍ ብምንባሩ ድማ ውርደት ከምዘጋጠሞ ኣብ’ቲ ቦታ ዝነበሩ ሰባት ዝዝክርዎ ፍጻመ’ዩ:: ዓሊ ሰይድ ሚኒስተር ኣብ ዝነበረሉ እውን ካብ ቤት ጽሕፈት ኢሳያስ ብስም ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ዝዝርጋሕ መግለጺታት እቲ ሚኒስትሪ ብዜና ከምዝሰምዖን ቅዳሕ ክወሃቦ ይሓትት ከምዝነበረን ይፍለጥ:: ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣብ ዝገሸሉ ከም ጽላሎት ዝስዕቦ ናይ ህግደፍ ሓላፊ ፖለቲካ ከም ዝኾነ ምዕዛብ ናጽነት ከምዘይብሉ ዘረጋግጽ’ዩ::

”ዝምድና ኤርትራን ስዑድያን ብምዝሕታሉ: ኣዘዝቲ ወያነ ባህታኦም ኣይሓብኡን::” ህግደፍ  ኣብ የመን ነቶም ብኢራን ዝድገፉ ሑቲ የሰልጥን ከም ዝነበረ ምንጭታት ይገልጹ ነይሮም:: ንግስነት ስዑድያ ኣንጻር ሓይልታት ሑቲ  ንዝቖመ ኪዳን ሃገራት ወሽመጥ ስለዝመርሕ ዝምድናኡ ምስ ህግደፍ ተበላሽዩ:: ብመሰረት እዚ ናይ ህግደፍ መግለጺ ግን ዝምድና ስዑድያን ኤርትራን ዝተበላሸው ብሰንኪ ወያነ’ዩ ምባሉ ዕዮ ገዛ ከምዘይዓየየን ሰንኮፍ ኣካይዳኡን ይኣምን ከምዘሎ ከይተፈለጦ ተፈዲሑ:: እቲ በኒኑ ዝተባህለ ሓሶት ንሑቲ ኣይደገፍናን ንምባል እንተኾይኑ: ኢሳያስ ኣብ ቐጠር ኣብ ዝኸደሉ ናይ የመን ፕረዚደንት ዓብዱ ረቦ መንሱር ሃዲ ከይረኸቦ ምኻዱ  በቲ ንሑቲ ዝህቦ ዝነበረ ደገፍ ከምዝተቐየመሉ ኣብ ኩሩምቱ ስለዝሓዞ’ዩ:: ዳሕራይ ግን ኢሳያስ ካብ ንግስነት ስዑድያ መጠንቀቕታ ብዝበጽሖ ናብ’ታ ሃገር በጺሑ:: ኣብኡ ድማ ብስዑድያ ዝምራሕ ልፍንቲ ሃገራት ወሽመጥ ንወደብ ዓሰብ ነቲ ኣብ ልዕሊ ሑቲ ዝካየድ  ወተሃደራዊ ምንቅስቓስ ክጥቀማሉን ኣምሳይኡ ቁጠባዊ ደገፍ ክግበረሉን ከምዝረደየን ምንጭታት ይገልጹ:: ብዘይካ’ዚ ሚኒስተራት መንግስቲ የመን ብዓሰብ ናብ ዓደን ንኽኣትው ኢሳያስ ተሓባቢሩ:: ህግደፍ ነቶም ናይ ወያነ ኣሸቀልቲ ዝብሎም ሓባል በልያ ከይትቅድመኪ’ዩ:: ስዑድያ በታ ህግደፍ ዝውንጅላ ኣሜሪካ’ያ ትሕብሓብ:: በዚ መንጽር ድማ ብኣዘራርባ ህግደፍ: ኢሳያስ ናይ ኣሸቃሊ ሸቃሊኮይኑ’ሎ::

ሓሶትን ምጥቛስን ብንፋስ ሓቂ ከምዝበንንዝምድና ምስ ስዑድያ ናብ ንቡር ተመሊሱ::

እዚ ንወያነ ዘይኮነ ንንግስነት ስዑድያ ዘናሹ ሕሱር ዘረባ’ዩ:: ንግስነት ስዑዲ ብሓሶት ወያነ ተመሪሑ ምስ ህግደፍ ዝነበሮ ዝምድና ኣዛሕቲልዎ ምባል ነዚ ብዓለማዊን ዞባውን ፖለቲካ ተመሪሑ ዝኸይድ ንግስነት ምጉጣይ ክሳራ ከምዘስዕበሉ ኣይግንዘቦን’ይ ክበሃል ኣይከኣልን::እንተኾነ: ኢሳያስ ብኣሽሙር ምጉጣይ ትብዓት ስለዝመስሎን ጉድለታቱ ንምሽፋን ንጊዚኡ’ውን እንተተጠቕመሉ ዕጉብ’ዩ::

  1. ”ህግደፍ ምስ ስዑድያ ዝምድና ኣመሓይሹ ንወያነ ኣዕበድቢድዎ::ኣብ’ዚ ዝሓለፈ ሰሙናት ከሰናብድዎም ዝደለዩ ወገናት ንኤርትራ ክንወርር ካብ ኣሜሪካ ሓምላይ መብራህቲ ረኺብና”::

ምምሕያሽ ዝምድና ህግደፍን ስዑድያን ምስ ወራር ዝተኣሳስር እንተልይዎ ባዕሉ ህግደፍ ጥራይ’ዩ ዝፈልጦ:: እቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ንኤርትራ ክወርር ዝበሃል ምንጪ ኣይተጠቕሰን:: ቅድሚ ሰለስተ ወርሒ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ሃይለማርያም ደሳለኝ” ኤርትራ ካብ ጎጣይ ተግባራትን ንጎረባብቲ ካብ ምህዋኽ እንተዘይተገቲኣን ስጉምቲ ክንወስደላ” ኢሉ:: ስዒቡ ሚኒስተር ጉዳያት እታ ሃገር ተድሮስ ኣድሓኖም  ብተመሳሳሊ ግን ትርር ብዝበለ ህግደፍ መጥቃዕቲ እንተወሲዱ መወዳእታኡ ከምዝኸውን ኣጠንቂቑ:: ህግደግ ሽዑ ምዕጎ ኣይመለሰን ጥራይ ዘይኮነ ኣብ መዐደኒ ወርቂ ቢሻን መኽዘን ኣጽዋር ማይዕዳጋን ንዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሚሳይል እዝኑን ዓይኑን ለኩቱ ሓሊፍዎ::

ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ኣምብልታ ኩናትን ወረ ኩናትን ምንፍሑ ኣቓልቦ ህዝቢ ናብ ካልእ ኣንፈት ንምጥምዛዝ’ዩ::

ሀ. ህግደፍ ኣብ ቁጠባውን ፖለቲካውን ወተሃደራውን መዋጥር ኣሎ::

ቁጠባ- ኣብ ኣስመራ እታ መሰረታዊት መተርከስ ጎረሮ ማይ ከም ጠስሚ ከቢራ:: ዋጋ ሓደ ፊስቶ ማይ ካብ 100-300 ናቕፋ ከምዝኾነ ምፍላጥ ጥራይ እቲ ጸገም ኣዝዩ ከቢድ ከምዘሎ የነጽር:: ወርሓዊ ደሞዝ ማእከላይ ሰራሕተኛ መንግስቲ ካብ 1000-1500 ናቕፋ ኣይሓልፍን:: ንግዲ ብህግደፍ ተባሒቱ: ኣፍራይ ኢንዱስትሪ የልቦን::

ለ. ፖለቲካዊ- ኣብ ኣኼባታትን ዝተፈላለየ ሃይማኖታዊ በዓላትን ህዝቢ ነቲ ተጻዒንዎ ዘሎ ጸገም ብጋህዲ ክዛረበሉ ብምጅማሩ: ህግደፍ ናይ ስለያ መሓውሩ ኣብ ኩሉ ክሊ ዕድመን ጾታን  የዋፍር ከምዘሎ ጸብጻባት የመልክቱ::ኤርትራውያን ኣብ ወጻኢ መርማሪ ኮሚሽን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንሰብኣዊ መሰል ኤርትራ ዘውጽኦ ጸብጻ ንምድጋፍ ሰፊሕ ምድላዋት ይገብሩ ኣለው::

ሐ. ኣብ ሳዋ ዝተዓለሙን: ካልኦት መንእሰያትን ነታ ሃገር ገዲፎማ ይወጽኡ ስለዘለው: ነቲ ሃገራዊ ኣገልግሎት ናብ ሓደ ዓመትን መንፈቕን መሊስናዩ ብምባል ብሓሶት ዝነፍሖ ወረ ንክድምስሶ ኩናትን ወረ ኩናትን ምፍናው::

ብዘይካ’ዚ ኣብ’ዚ ቀረባ መዓልታት ኣብ ኤርትራ ዓስኪሮም ዘለው ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝቃወሙ ውድብ ዓፈር:ትግራይ: ኣምሓራ: ኣርበኞችን ግንቦት ሽውዓተ ዝተባህሉ ኣርባዕተ ውድባት: ብሓባር ዝእዘዝ ወተሃደራዊ ክንፊ ከምዘቖሙ ገሊጾም:: እዚኣቶም ካብ ኤርትራ ተበጊሶም ንዝወስድዎ መጥቃዕቲ ካብ ኢትዮጵያ ንዝመጽእ ግብረ መልሲ: ህግደፍ ካብ ተሓታትነት ንምህዳም ዘውጽኦ መግለጺ ክኸውን ከምዝኽእል ንህግደፍ ብቐረባ ዝፈልጡ ወገናት የተንብሁ::እቲ ኣብ መደምደምታ ካልእ ኣብ ሰዓቱ ክንመጽኦ ዝበሎ መፈራርሒ ቃላት ንህዝቢ ሰንፈላል ንምግባር ዝተማህዘ’ዩ::

ደጎል ድራር

aseye.asena@gmail.com

Review overview
7 COMMENTS
  • A H September 11, 2015

    ሕኽኽ ተሓደርኩስ ቕራፍ፡ ኣጽፋሩውን ተንወሔ ስጋ ወያነ ዝረሓቖ፡ ሕጂውን በጃኹም ኣይትሓዙለይ፡ ኣድልዉኒ ዚዓይነቱ ጣዕሳ እናኮማስዔ ግዜና ከህልኽ ተዘይኮይኑ፡ መኒኻ ዘይበልዎስ ኣብዚ’ለኹ እናበለ ከደናግር ናተይ ኢሉ ተዓጢቑዎ ዘሎ ሕዱር ሕማሙ’ዩ። ቲዝሓሸ ጉዳይና (ብራብዓይ ማርሻ ነመርሾ(ብሂል ድሩዕ)።

  • gerimuna September 12, 2015

    This is a government who needs a deep soul search. Abey aleka tzeybelows abet. The system is so rotten It is replete with madness and inferiority.
    It is desperate to impress the few supporters dwindling every day. It is expressing its hallow existence while all others know they are dead yesterday.
    Honestly, I am ashamed to be ruled by such hooligans and wicked personnels.
    it would advice them to shut up and die slowly and no body cares about them.

  • habtom negasi September 12, 2015

    poor erirea. nothing is left except revenge against those who lost you –wedmedhin berad and his cronies. i will be satisfied only when i drink his blood and wash my hands and face with his blood. this is not bestialism. even the bible said blood can drain only with counter blood. if we want to stop blood of the innocent, the blood of the criminals must flow. negative equals positive law of nature

  • ሰላም September 12, 2015

    ህግደፍ ሞይቱ’ዩ ናብ መቃብር ከነብጽሖ ግን ኣይካኣልናን!

    • k.tewolde September 12, 2015

      Yes Selam, HEGDEF is clinically dead on a ventilator, but this is the scenario, the clueless supporters want to keep him on the ventilator, and the so called opposition are squabbling how to take him off the ventilator , and all of them are infected by the disease he left behind , we have a major decontamination to do. In the meantime , the suffering of our poor people continues.

  • fetsum abraham September 12, 2015

    poor dude still thinks the people will back him up on zis belony. no more sir, u r on ur own from now on. no eritrean will ever take u seriously. get out of z way u losers, it is time for u to pay your karma…keep on fooling urself till u get caught alive

  • Yohannes September 12, 2015

    Remember PFDJ has nothing of truth and good left to its core. They will do anything…anything to prolong their grip on Eritrean people. Esayas and his PFDJ cronies are massing millions in offshore HSBC account and his colonel and generals are selling the organs of their brothers. They are entirely beyond redemption: we know it now and they know it.

    Esayas and PFDJ are the refuse of history. The only thing left for them to do is to fight their survival by their tooth and nails. We Eritrea and especially the youth has the obligation and moral duty to hasten their demise. There is more at stake and historical duty for the youth of Eritrea. The old did not do their duties. We the oldies actually messed up for them.

POST A COMMENT