Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ማሕለኻ ዘይብሉ ጸባ ድፉእ! ሕጊ ዘይብሉ ህዝቢ ጥፉእ!’ ቀዳማይ ክፋል

ማሕለኻ ዘይብሉ ጸባ ድፉእ! ሕጊ ዘይብሉ ህዝቢ ጥፉእ!’ ቀዳማይ ክፋል “ክወግሕ’ዩ ቀደድ ክብል ለይቲ!”  (ኣዝማሪኖ.ኮም)                                                                                                                       ዳስ ክንትክል ኢና ክነንጽፍ ሰቲ                                                                                                                             ክንቅበል ኢና ካብ ስደት ተመለስቲ                                                                                                                           ክንጎዪ ኢና ናብ ስራሕ ትምህርቲ                                                                                                                                      ኣብ ደምበ ሳዋ ክነልምዕ ኢና ኣሕምልቲ ህዝቢ

ማሕለኻ ዘይብሉ ጸባ ድፉእ! ሕጊ ዘይብሉ ህዝቢ ጥፉእ!’ ቀዳማይ ክፋል

“ክወግሕ’ዩ ቀደድ ክብል ለይቲ!”  (ኣዝማሪኖ.ኮም)                                                                                                                       ዳስ ክንትክል ኢና ክነንጽፍ ሰቲ                                                                                                                             ክንቅበል ኢና ካብ ስደት ተመለስቲ                                                                                                                           ክንጎዪ ኢና ናብ ስራሕ ትምህርቲ                                                                                                                                      ኣብ ደምበ ሳዋ ክነልምዕ ኢና ኣሕምልቲ

ህዝቢ ኤርትራ ዘይጸዓድ ጅግና ከም ዝነበረ ቅልጽሙ ዝጠዓሙ፡ መኪቱ ዝጎሓፎም፡ ባእዳውያን ከይተረፉ ዘረጋገጽዎ ሓቂ ኢዩ። ‘ኩናት ክገጥም ከሎ ወራድ መርዓ ኢዩ ዝመስል’ ብማለት ምግላጾም ከኣ ንጅግነቱ ዝምስክር ኢዩ። ናይ ህዝብና ጅግንነት ሚስጢርን ብኸመይ ናብ ዝመጽእ ወለዶ ይመሓላልፍ ከም ዝነበረን ብዕምቆት ንምርዳእ ናይ ብህዝቦም ዝግደሱ ንታሪኽ ምሁራትን ተመራመርትን ዝጽበ ዘሎ ገዚፍ ዕማም ምዃኑ ዝስሓት ኣይኮነን። ጅግና ከም ዝነበረ ዝዘንግዑ ክህልዉ ስለ ዝኽእሉ ግን፡ ካብ ታሪኹ ንመዘኻኸርን ንመወከስን ዝኣክል ብምጥቃስን፡ ነቲ ብደለይቲ ፍትሒ ዝጽሓፍን ዝንገርን፡ ብናይ ብሕቲ መራኸቢ ብዙሓን’ውን ዝቐርብን ዝቃላሕ ዘሎን ምርኩስ ብምግባርን፣ ‘ስለ ምንታይ ኢዩ ሎሚ ጅግና ከም ዘይነበረ ዝመስል ዘሎ? ብኸመይ ኢዩ ንሓደጋ ተሳጢሑ ዝርከብ ዘሎ? ብኸመይከ ነዚ ሓደጋን ስቓይን ቀንጢጡ፡ መሰሉን ክኽብሩን ልዑላዊነቱ ሓልዩ፡ ብስላም ዝነብር ሕብረተሰብ ክሃንጽ ይኽእል? ዝብሉ፡ ንኩሉ ኤርትራዊ ዜጋ ድቃስ ዝኸልኡ ሕቶታት ብምልዓል፡ ንመበገሲ ዝኸውንን ንምልዛብ ዝሕግዝን ሓሳብ ንምውፋይ ኢዩ። ደለይቲ ፍትሕን መራኸቢ ብዙሓንን ህዝብና ክሳብ መሰሉን ክብሩን ከምልስ ዝኽእል ቃልሶም ብዝሓየለ ከም ዝቕጽልዎ ጽኑዕ እምነት ኣለኒ። ዝተጋገ ምእራም፡ ዝተረፈ ምምላእን እዝኒ መሰታ ቀዳሞት ምዃኑ ከይንርስዕ ግን ሓደራ።

ህዝብና ሓይሉ ሓድነቱ ምዃኑ ኣሚኑ፡ ሓቢሩ ንጸላእቱ ዘባርር፡ ከቢሩን ተኸባቢሩን ዝነብር ህዝቢ ኢዩ ኔሩ። ወዲሰብ ክቡር ምዃኑን፡ ከም ከብቲ ብበትሪ ዝሕሎን ዝኹብኮብን  ዝዳጎንን ከም ዘይኮነ ኣሚኑ ብልዕልና ሕጊ ዝግዛእ፡ ነዊሕ ዘይዘሎ ሓጺር ዘይሾልኮ ሕጊ ተኺሉ ዝናበር ህዝቢ’ዩ  ዝነበረ። ባህሉን ልምዱን ስርዓቱን ንመጻኢ ወለዶ ይምህርን፡ የተግብርን የውርስን ኔሩ። ሓደ ክንዲ ብዙሓት፡ ብዙሓት ክንዲ ሓደ ይሓልፍ። ፍጮ ሕብረተሰብ ተረጋም ወይ ሽፍታ እንተተረኺቡ፡ መቕርቡን ለባማትን ይመኽሩዎ። ዘይምለስ ብሕጊ ይፍረድ። ህዝብና ድሕነት ህዝቦምን ሃገሮምን ጥራይ ዘገድሶም፡ ዝኣምኖም፡ ዝንየተሎም መራሕቲ በብከባቢኡ ኔሮሞ። ካብ ጸላእትን፡ ካብ ዝናኸሱ ኣራዊትን፡ ካብ ብዓሶ ተማስንን ትቐትልን ጣንጡ ንምክልኻልን፡ ብርኽ ዝበለ ቦታ መሪጹ ይሰፍር። ብለይቲ ሓደጋ እንተጋጢሙ ኣብ ዝበረኸ ቦታ ኮይኑ ኣውያት የስምዕ። ብለይቲ ካብ ርሑቕ ዝርአ ሓዊ ኣንዲዱ፡ ናይ ርድኡና ምልክት የመሓላልፍ። ኣውያት ዝሰምዐ፡ ናይ ሓደጋ ምልክት ዝረኣየ፡ ቀልጢፉ ሓቢሩ ይልዓል ይረድእ፡ ይረዳዳእ። ንመራሕቱ ተኸቲሉ ሓቢሩ ይዘምት፡ ንጸላእቱ የባርር። ከምቲ ሓቂ ተዛሪብካ ኣብ መገዲ ደቅስ! ዝብል ምስላ ዝገልጾ ንሓቂ ዝመውትን ቅኑዕን ገርሀን’ዩ ዝነበረ። ጽቡቕ ግበር፡ ንመን? ንሓላፍ መገዲ! እናበለ ንመጻኢ ትውልዲ ይምህር። ኣብነት ይኸውን። ቀደም ተፈጺሙ ዝብሃል ከም ኣብነት ክጠቅስ። ሓደ ሓረስታይ ዝሰወተ ግራቱ ክኾልል ከሎ፡  ጉምቦ ዕፉን ሰሊቱ ካሻ ዝመልእ ሰብ ይርክብ። ኣውያት ይኸውን። ዝሰምዑ ይረድኡ። ነቲ ዝሰልት ዝነበረ ብመጽዓን ኣሲሮም፡ ንዓዶም ይወስድዎ። ‘ዋሕስ ትኸል!’ ይብሃል። ካብ ርሑቕ ዝመጸ ስለ ዝነበረ ዝፈልጦን ዝወሓሶን ስኢኑ ይውዕል ይሓድር። ኣብ ሳልስቲ ሓደ ሽማግለ ዓዲ፡ ‘ኣነ ክወሓሶ ኢየ!’ ይብሉ። ዝሰምዐ ሰብ ኩሉ፡ ኣበይ ትፈልጥዎ!’ ይብሎም። ‘ወዲሰብ እንዲዩ!’ ኢሎም ተዋሖሶሞ ይኸይድ። ድሕሪ ዝተወሰነ ዓመታት ዝተዋሕሱዎ ሽማግለ ብስእነት ምስ ስድራኦም ይስደዱ። ኣብ ሓደ ገዛ ኣሕዱሩና ይብሉ። ሓንቲ ኣደ ገበለአን ይፈቕዳሎም። ወደን ምሸት ምስ መጸ፡ እንታዎት’ዮም? ይብለን። ‘ኣጋይሽ እግዚሔር!’ ይብላ። ‘ስለ ምንታይ ዘይትፈልጥዮም ኣጋይሽ ትቕበሊ!’ ይብለን። ነቶም ሽማግለ ይሓቶም። ወዮም ተዋሒሶሞ ዝነበሩ ምዃኖም ምስ ፈለጠ፡ ‘ኣጋይሸይ መጺኦም!’ ኢሉ ዝሰብሐ ምክት ሓሪዱ፡ ይሃበናን ይሃብኩምን ዘብል ፌስታ ኮይኑ። ሎሚኸ!

ከምዚ ሎሚ ዘይኮነ ህዝቢ ኤርትራ ጅግና ኔሩ። ጅግንነቱ ሕጂ’ውን ኣብ ደሙ ኣሎ። ዘመስክረሉ መዓልትን ኣጋጣምን’ዩ ዝጽበ ዘሎ። ቀዲሞም ብፖለቲካ ዝነቕሑን ዝተዓጥቁን፡ ንጅግነቱ ከም ውሕጅ ቆጺሮም፡ ናብ ግራቶም ኣልዮም፡ ኣብ ዘይቦትኡን ኣብ ዘይመዓልኡን የውዕሉዎ ስለ ዝነበሩን ዘለዉን ግን፡ ከም ዘይነበረ መሲሉ ይርከብ። ካብ ሓደ ስድራ ቤት ጀሚሩ ተጠርኒፉ፡ ተዳልዩ፡ ስለ ዝነብርን ክቡር ባህሉን ልምዱን ስርዓቱን ካብ ዓዲ ሓሊፉ ብደረጃ ሃገር ንወለዶታት የውርስ ስለ ዝነበረን፡ ብቀሊሉ ዝበታተንን ዝድፈርን ኣይነበረን። ንህይወቱ ከይሰግአ፡ ዝሓዘ ሒዙ ምስ ስድርኡን መቕርቡን በተግ ኢሉ ይረድእ። ጸላኢ ወይ ወራሪ እንተመጺኡ ብሃገራ ትልዓል። ይጉሕፎም። ብራእሲ፡ ደገዝማቲ፡ ሸኻት፡ ሱልጣን፡ ከንቲባ፡ ባሕሪ ነጋሽ፡ ድግለላት ወይ ብካልእ መዓርግ ዝፍለጡ፡ ህዝቢ ዝኣምኖምን ቅያ ጅግንነት ዝፈጸሙ፡ ከም ኣብነት፣ ናይ ደጊያት ባህታ ሓጎስ፡ ደጊያት ማሕራይ ካብ ማሕቡስ ጣልያን ካብ ናኹራ ኣምሊጦም ንኢትዮጵያ ዝሰገሩ፡ ‘ደጊያት ማሕራይ ሰንጥቑዎ ከደ ንቀላይ!’ ተባሂሉ ዝተዘንተወሎምን ዝተደርፈሎምን፡ ‘ከሺ ኣማራ ኣንድ ኣበራ!’ ተባሂሉ ዝተነግረሎም ደጊያት ኣበራ ዝኣመሰሉ፣ መራሕቲ ኔሮም። ቅያ ጅግንነቶም ናብ መጻኢ ወለዶ ከም ዝመሓላለፍ ንምግባር፣ ብማሰ፡ ኣውሎ፡ ደርፊ፡ ግጥሚ ክዝክሮምን ታሪኾም ብቃል እናተቐባለን እናወደስን ይነብር። ናይ ጸላእቱ ወራራት ከይርስዕ፡ ከም መዘኻኸርን መለበምን ዝጥቀመሎም ከኣ፣ ከም ‘ግዝኣት ቱርኪ! ‘ብግዜ ውቤ ዝጸመመ ውቤ!  ክብል ይነብር! ዝብሉን ካልእን ኔሮሞ። ‘ራእሲ ወልደንኪኣኤል ሰለሞን ኣንጻር ኣጼ ዮውሃንስ 4ይ ይዋግኡ ስለ ዝነበሩ፡ ራእሲ ኣሉላ ንራእሲ ወልደንኪኣኤል ከምበርክኹ ልኢኾሞም። ራእሲ ኣሉላ ግን ንራእሲ ወ/ሚ ብኩናት ክስዕሩዎም ከም ዘይክእሉ ተረዲኦም፡ ናይ ሰላም ውዕሊ ኣዳልዮም፡ ብመጽሓፍ ቅዱስ ምሒሎም ጥሒሎም ስለ ዘእመንዎም ንትግራይ ከይዶም፡ ኣብ መጻወድያ ከም ዝኣተዉ ይፍለጥ። (Ras Woldemichael Solomon fought against Emperor Yohannes IV who sent Ras Alula to fight him. When Ras Alula became aware of the difficulties fighting Woldemichael, he tricked him by arranging a peace treaty that he had no intention of observing, swearing on The Bible that he wouldn’t attack.) ራእሲ ወ/ሚ ክሳብ ዕለተ ሞቶም ተሓይሮም ምንባሮም ህዝብና ብሓዘን’ዩ ዝዝክሮ። ኣብ ማሕቡስ ከለዉ፡ ከመይ ከም ዘለዉ ምስ ተሓቱ ከኣ፡ ‘ኣነ ድኣ ስገመይ በሊዐ ማየይ ግስም፡ ጠላሚ ማሕላ ግን ክንደየናይ ከይቀስን!’ ከም ዝበሉ ኣቶ ሃይለሚካኤል ሃ/ስላሰ (ሊንጎ) ይገልጽ። ብግዜ ኣጼ ሃይለስላሴን ድርግን ዝተፈጸሙ ግፍዕታት ንምግላጽ ብህዝብና ዝጥቀመሎም ዝነበሩ መግለጽታት ግን ጸብጺብካ ዝውዳእ ስለ ዘይኮነ ክሓልፎ። ታሪኽ ህዝብና ከም ዘረጋግጾ ዝተማህረ ጥራይ ኣይኮነን ለባም። ከምቲ ጎባጥሲ መቓምጥኡ ይፈልጣ ዝብሃል፡ ህዝብና ኣብ ከባቢኡ ብኸመይ ከም ዝነብር፡ ካብ ዝኾነ ሰብ ንላዕሊ ይፈልጥ ኔሩ። ካብ ምህሮ ኣእምሮ ከም ዝብሃል፡ ዲሞክራሲ፡ ህዝብናን ለባማት መራሕቱን ዝጥቀሙሉ እምበር፡ ከምዚ ሎሚ ብቃል ዝስማዕ መላገጺ ኣይነበረን። ብተግባር ዝግለጽ መነባበሪ ህዝብና ኢዩ ኔሩ። ህዝቢ ዝደልዮ ሕጊ የውጽእ፡ የኽብር፡ የተግብር። መራሕቱ መሪጹ ቆጽሊ የውድቐሎም። ኣብ ዝደለዮ ግዜ ንመራሕቱ የውርድ ብካልእ ይትክእ። ዝነኣሰ ካብ ብዕድመ ዝዓቢ ይምሃር፡ ኣብነቱ ይኽተል። ‘መዕበያ ዝበደሎ!’ ከይብሃል ይጥንቀቕ። ከከም ዕድምኡ ሓላፍነት ይስከም። ዝውጥጦ ፖሊስ የለን። ኣብ ከተማ ዝዓበን ዝነብርን ሰብ ስለ ምንታይ ኣብ ሃገረሰብ ፖሊስ ከም ዘየለ ይግረም ይኸውን። ንምፍላጥን ንምርግጋጽን ዝደሊ ግን ንሃገረሰብ ከይዱ ከረጋግጽ ይኽእል።

ህዝብና ዕድሉ ከፊኡ ንሚእቲ ዓመታት ዝኣክል ካብ ኩናትን ተጻብኦታትን ከም ዘየዕረፈን ታሪኽ ዘረጋግጾ ሓቂ ኢዩ። ብሓደ ወገን ብወራራት መሳፍንቲ ትግራይ፡ በቲ ካልእ ከኣ ዝበናዊ ዕጥቂ ዝሓዘ፡ ናይ ዘበኑ ሓያል መንግስቲ ዝነበረ ቱርክን (ኦቶማን ኤፓየር)፡ ኣብ ጎቦታት ዓዱ ዓሪዱ ስለ ዝመከቶ፡ ካብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ዝርከብ ጎላጉል ክሓልፍን ንከበሳ ክድይብን ኣይከኣለን። ግብጻውያ’ውን ካብ ወደባት ምሓዝ ኣይሓለፉን። ነዚን ነቲ ብደቡብ ዝመጽእ ዝነበረ ናይ መሳፍንቲ ትግራይ ወራራት ጉራደን ጭማራን ሰናድርን ተዓጢቑ፡ ሓቢሩ ይምክትን ይዕወት ከም ዝነበረ’ዩ ታሪኹ ዘረጋግጽ። ኣውሮጳውያን ንሃገራት ኣፍሪቃ መቓቒለን ክገዝኣ ሃነፍነፍን ዝብላሉ ግዜ ስለ ዝነበረ ከኣ፡ ጣልያን ህዝብና ብወራራት ከም ዝተዳኸመ ስለ ፈለጠ’ዩ ንሃገርና ክሕዝ ዝሓሰበ። ህዝብና ሓያል ምዃኑ ስለ ዝፈልጠ ከኣ ብቀጥታ ክወርር ኣይደፈረን። ብወረራት መሳፍንቲ ትግራይ ይሳቐን ይዳኸምን ከም ዝነበረ ብምፍላጥ፡ ንመከላኸሊ ዝኸውን ዕጥቂ ብምቕራብ ንምሕጋዝ፡ ዕላምኡ ከኣ ሃይማኖት ምስባኽን ህዝቢ ምስልጣንን ምዃኑ ብምግላጽን ንገለ ካብ መራሕቲ ኤርትራውያን ከእምን ስለ ዝኸኣለን ንሃገርና ክኣቱ ዝኸኣለ። ስልጣኑ ምሰደላደለ ኢዩ ‘ኤርትራ!’ ትብሃል ሃገር ግዝኣቱ ምዃኑ ንዓለም ዝኣወጀ። ካብ ዝኣተወሉ ጀሚሩ ከኣ፡ እዚ ህዝብ’ዚ ክእከብን ዘመናዊ ትምህርቲ ክረክብን እንተኽኢሉ ኣየቐምጠናን’ዩ! ብዝብል ሓሳብን እምነትን ተመሪሑ፡ ኮነ ኢሉ ን50 ዓመታት ዝኣክል፡ ህዝብና ተፈላልዩን ተበታቲኑን ከም ዝነብርን፡ ታሪኹ ክርስዕን ዘይተሓለለ ጻዕሪ ኣካይዱ። ታሪኹ ዝፈልጡን ክመርሑን ይእኽሉ ዝበሎም ናኹራ ኣስፊሩ። ናይ ታሪኽ መጻሕፍቲ ከካብ ዘለዉዎ ኣርዩ ኣጥፊኡ። ህዝብና ዝመሓደረሉ ዝነበረ ሕግታት ኣብ ዓድን ወረዳን ተወሲኑ ከም ዝተርፍ ጌሩ። ካብ ጣልያን ዝመረጾ ቦታታት ርሒቑ ክነብር ቀሲቡዎ። ከይምሃር ከልኪሉ። ዝተማህረ ይሃድን ስለ ዝነበረ ናብ ኢትዮጵያ ዝሃደሙ ብዙሓት ኔሮም። ጣልያን ንሃገርና ከም ካልኣይቲ ሃገሩ ቆጺሩ፡ ኣብ ከተማ ዝነብር፡ ካብ ጸዓዱ ዝነብሩሉ ቦታት ርሒቑ፡ ከም ኣባሻውል ዝኣመሰለ ሰፈር ሓበሻ ተባሂሉ ዝተኽለለ፡ ከም ካልኣይ ደረጃ  ዜጋ ኮይኑ ክነብር ተቐሲቡ። ጣልያን ኣብ ሃገርና ምስቲ ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝመሳሰል ስርዓት ኣፓርተይድ ክፈጥር ዘይፈጸሞ ኣይነበረን። ብዝሖም ዘይተመዝገበ ኤርትራውያን ገፊፉ ናብቲ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ሶማልያ ሊብያ ንምሓዝ ዘካይዶ ዝነበረ ኩናት ጠቢሱ ኣጥፊኡዎም። ብዙሓት ሰብኡተን ዝተመንጠላ ኣንስቲ፡ ‘ባቡር መጸት ትኪ ተኸዲና! ጓልነኻ ትበኪ ደኒና!’ እናበላ እናቖዘማ ዕድመአን ከሕልፋ ተገዲደን። ቁጽሮምን ብዝሖምን ዘይፍለጥ ዘኸታማት ደቀን ንበይነን ወይ ምሰዝማደን የዕብያ ኔረን። ኣብ ሊብያ ዝጠፍኡን ስቅያትን ሞትን ዝወረዶምን ኤርትራውያን፡ ‘ኣብ ትሪፖሊ ዘሎ መሓመዶ! ብካራ ገዲፉ ብጋለዶ! (ጋሌዶ፡ ሓጺር ኣብ ጫፉ ዝተጠውየ ሰይፊ፡ ካብ ብዶ/ር ኪዳነ/ማ ዘርእዝጊ ብ2008 ዝተሃትመ መጽሓፍ መዝገበ ቃላት ዝተወስደ) ብማለት ንጥፍኣቶም ይገልጹ ከም ዝነበሩ’ዩ ዝፍለጥ። ኣብ ሊብያ ዝብተኽ ኣእዋም ስለ ዘየለ ጎዞሞ (ነውሕ ለዓት ዘለዎ ፋስ) ኣይፍለጥን ኢዩ። ህዝብና ዝወርዶ ንዝነበረ ግፍዒ፣ ‘ሙሶሊኒ ብዓል ጋዶ! ሎምስ ኣይምነወካንዶ!’ ብማለት ብደርፊ ይገልጾ ከም ዝነበረ’ዩ ዝዝንቶ። ኣብ ሶማል ዝካየድ ዝነበረ ኩናት ዝለዓለ መዓርግ ዝነበሮ ኤርትራዊ ወተሃደር፡ ካብቶም ኣብ ኩናት ዝሞቱ፡ ናይ ጣልያን ሬሳታት ጥራይ ከልዕል ምስ ተኣዘዘ ብሕርቃን ከም ዝተሰልበጦም ይንገር። ጣልያን  ኣብ ኢትዮጵያ ብእንግሊዝ ምስ ተሳዕረ፡ እንግሊዝ ንጣልያን ምሩኻት ሓለዋ ክገብረሎም ከሎ፡ ንኤርትራውያን  ምሩኻት ግን ንኢትዮጵያውያን ኣሕሊፉ ስለ ዝሃቦም፡ ብዙሓት ምሩኻት ኤርትራውያን ብኢትዮጵያውያን ከም ዝተቐትሉ’ዩ ዝፍለጥ። ብፍላይ ልዑል ኣስራተ ካሳ ክልተ ኣሕዋተይ ዝቐተሉ ኤርትራውያን’ዮም ብዝብል ምኽንያት ንብዙሓት ምሩኻት ኤርትራውያን ከም ዝቐተለ ኢዩ ዝንገር። ህዝብና ብግዜ ጣልያን ዘመናዊ ትምህርቲ ክረክብ ስለ ዘይከኣለ፡ ኣተሓሳስብኡ’ውን ካብቲ ብማሕረስን መጓሰን ዝናበረሉ ኣከባቢ ዝሓልፍ ኣይነበረን። ብዘይካ ባህሉን መንፈሳዊ  እምነቱን ኣኽቢሩ ኣብ ዝተወሰነሉ ቦታ ምንባር ምርጫ ኣይነበሮን። ንጣልያን ከገልግሉ ኣብ ከተማታት ዝነበሩን፡ ኣብ ሰገነይትን ከረንን ኣቕሽቲ ካቶሊክ ክኾኑ ዝተማህሩን ናይ ምዕራባዊ ስልጣነን ኣተሓሳስባን ከማዕበሉ ዝኸኣሉን ውሑዳት ኢዮም። ካብኦም ብዙሕ ክምሃር ዝኸኣለ ህዝብና ግን ውሑድ ኣይኮነን። ህዝብና ጣልያን ብፍቓድ ኣምላኽ ዝመጸ ገዛኢ ምዃኑ ኣሚኑ ክጽሊ፡ ኣብ ልዕሊ ጣልያን ገበን ምፍጻም ክሳብ ሾውዓተ ወለዶ ዘቕጽዕ ገበን ምዃኑ ፈሊጡ ፈሪሁ ክነብር፡ ከይምሃርን ከይነቅሕን፡ ኣተሓሳስባኡ ከይምዕብልን፡ ብጎዳኢ ባህልታት ተታሒዙ ክነብርን ዝተኻየደ ጻዕሪ ቆጺርካ ዝውዳእ ኣይኮነን። ንምርዳእ ዝሕግዝ ቁሩብ  ምጥቃስ ይከኣል’ዩ። ዝነገሰ ንጉስና ዝበረቐ ጸሓይና! ንጉስ ኣይክሰስ ሰማይ ኣይሕረስ! ንጉስ በሎ እዝጊ በሎ! ዝብል። እዚ ጣልያን ጥራይ ዘይኮነ ህዝቢ ብሓይሊ ምግዛእ ዝመቀሮም ዓመጽቲ ዝጥቀሙሉ ብልሓት ምዃኑ ዝስሓት ኣይኮነን። ህዝብና ጅግና ስለ ዝነበረ ግን ክብሩን መንነቱን ንምሕላው ዘካይዶ ቃልሲ ኣየቋረጸን። ገለ ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ውሑዳት፡ ‘ንሕና ኢና ንፈልጠልካ! ንሕና ንብሎ ስማዕ! ካብ ካልኦት ሃገራት ዘጽናዕናዮ ናይ ቃልሲ ብልሓት ተጠቐም፡ ቅዳሕ፡ ወዘተ…’ ዝብሉ ኣለዉ። ብዛዕባ ካልእ ኣብ ኣምሮኦም ዝፈጠሩዎን ዝሰኣልዎን ሕብረተሰብ ዝዛረቡን ዝጽሕፉን’ዮም ዝመስሉ። ኣባላት ሻዕብያን ጀብሃን ዝነበሩ ከኣ ኣትሓሳብኦም በቲ ኣብ ሜዳ ዘማዕበሉዎ ተሞክሮ ዝተዓብለለ ኢዩ ዝመስል። ነቲ ኣብ ሜዳ ዝነበረ ናይ ሕድሕድ ኩናት ቦታ ለዊጦም ዝቕጽሉሉ ዘለዉ ኢዮም ዝመስሉ። ካብቲ፡ ዝገበሩኒ ክገብር ዓዲ ነየጋብር! ዝብል ምስላ ህዝብና እንተዝመሃሩ ዓወት ህዝቦም ንምቅልጣፍ ምሓገዞም። ሓደ ሕብረተሰብ መሰሉ ከኽብርን ህልውንኡ ውሑስ ክገብር ዝኽእል፡ ካብ ዝሓለፈ ተማሂሩ፡ ዘበናዊ ትምህርቲ ቀሲሙ፡ ምስ ግዜን ኩነትን እናተቐዳደመ ንቕድሚት ንምስጓም ክሕልን ከሎ ምዃኑ ምግንዛብ ኣድላዪ ኢዩ። ኣብ ዝሓለፈ ታሪኽ ጠንቀላዕላዕ ካብ ምባል ክድሕን ከሎ ኢዩ።

ብግዜ ጣልያን ክዳኸምን ክርመስን ዝጀመረ ባህልን ልምድን ስርዓትን ህዝብና ክሳብ ብ1941 ጣልያን ብእንግሊዝ ተሳዒሩ ዝወጽእ ቀጺሉ። ወተሃደራዊ ምምሕዳር እንግሊዝ ምስ ጀመረ’ዩ ህዝብና ብሃገር ደረጃ ነንሕድሕዱ ክራኸብ ዝኸኣለ። ተጻዒኑዎ ዝነበረ መግዛኣትን ሕሰምን ክቕንጠጥ ምስ ጀመረ’ዩ ድላዩ  ክዛረብን ክጽሕፍን ዕድል ዝረኸበ። ምምሕዳር እንግሊዝ፡ መራሕቲ ሃይማኖት ክኾኑ ብግዜ ጣልያን ዝተማህሩ ኤርትራውያን ቆጺሩ ኣብ ብዙሓት ዓድታት ቤት ትምህርቲ ከፊቱ። ብዛዕባ ህዝቦም ዝግደሱ ዝነበሩ መማህራን ከኣ፡ ህዝብና ካብቲ ባእዳውያን ዘሕደርሉ ጎዳኢ ጽልዋን ማህሰይትን ብዝቐልጠፈ ግዜ ክላቐቐ፡ ትምህርቲ ንሃገር ዕብየትን ምዕባለን መሰረት ምዃኑ ተርዲኡ፡ መጻኢ ዕድሉ ንምውሳን ክዳሎን ብዙሕ ጽዒሮም። ተመሃሮ፡ ‘ዘይተማህረ ኣየድሕን ዘይተወቕረ ኣየጥሕን!’ እናበሉ ክዝምሩን ንህዝቢ ከስምዑን ዘይተሓለለ ጻዕሪ ኣካይዶም። ብምስተር ሸረር ዝብሃል ላዕላዋይ ፈራዳይ እንግሊዛዊ መሪሕነት፡ በብከባቢኡ ዝዝውተር ዝነበረ ባህልን ሕግን ብምእካብ፡ ምስ ዘመናዊ ሕግታት ተወሃሂዱ ብሃገር ደረጃ ህዝቢ ክሰርሓሉ ጻዕሪ ተኻይዱ። ሚስተር ሸረር ምስ ናይ ባህላላዊን ዘመናዊን ሕግታት ልምድን ክእለትን ዝነበሮም፡ ካብ ኩሉ ከባቢታት ዝተመርጹ ለባማትን ዓበይቲ ዓድን ብምዕዳም ብዙሕ ጽዒሩ። ጻዕሩ ከይተዛዘመ  ስርዓት ፈደረሽን ስለ ዘርከበ ግን ተቛሪጹ። ሕቡራት መንግስታት መጻኢ ዕድል ሃገርና ንምውሳን ድምጺ ህዝቢ ክስማዕ ምስ ወሰነ ከኣ፣ ቀንዲ ተዋሳእቲ ዝነበሩ ውሑዳት ምሁራትን፡ ምስለነታትን ናይ ሃይማኖት መራሕትን፡ ኣብ ዝተፈላልዩ ወረዳታት ዝነበሩ ለባማትን ኔሮም። ኣብ ወረዳ ዝነብር ህዝቢ ምስለንኡ ዝብሎ ይመረጽ ኔሩ። ናይ ብዙሓት መራሕቲ ናይ ፖሊቲካ ንቕሓት’ውን ውሱን ኔሩ። ምስ ኢትዮጵያ ዝብሉ ማሕበር ኣንድነትን፡ ኤርትራ ንኤርትራውያን ዝብሉን፡ ማሕበር ኣል ራቢጣ ኢስላሚያን ኔሮም። ብዙሕ ምስሕሓብን ዘይምስምማዕን ምክፍፋልን ስለ ዝነበረ መራሕቲ ዝነበረ ጸገም ብልዝብ ንምፍታሕ ኣብ ቤት ገርግስ ክእከቡ ተሰማሚዖም። ወከልቲ መራሕቲ ማሕበር ኣንድነት ግን፡ ኣባትር ዝሓዙ ኣጓብዝ ተማሊኦም መጺኦም። ንራቢጣ ኣል ኢስላሚያ ወኪሎም ዝመጹ ሸኽ ኢብራሂም ሱልጣን ነቶም ኣጓብዝ ምስ ረኣዩ፣ ‘ንሕና ከምቲ ልምድና ሽግርና ተላዚብና ንምፍታሕ’ምበር ንባእሲ ኣይመጻእናን!’ ኢሎም ከም ዝኸዱን ኣኼባ ክቕጽል ከም ዘይከኣለን’ዩ ዝፍለጥ። ሸኽ ዓብደልቃድር ከቢረ፡ ኤርትራ ከምተን ግዝኣት ጣልያን ዝነበራ ሊብያን ሶማልያን ናጻ ሃገር ክትከውን ከም ዝግብኣ ኣብ ኒው ዮርክ ተረኺቦም ንሕቡራት መንግስታት ንምርዳእን ንምምሕጻንን ምስ ነቐሉ፡ ብድርኡ ማሕበር ኣንድነት ብዘዋፈሮም እሸበርቲ ተቐቲሎም። ኣቦና ወልድኣብ ወልደማርያም’ውን ሾውዓተ ግዜ ናይ ምቕታል ፈተነ ከም ዘጋጠሞም’ዩ ዝፍለጥ። ምሁራት ኤርትራውያን ስለ ዝወሓዱን ህዝብና ስለ ዝተኸፋፈለን፡ ኣመሪካ ከኣ ንስትራተጂካዊ ረብሓኣ ቀዳምነት ብምሃብ ምስ ኢትዮጵያ ስለ ዝተሰማምዐትን፡ ሃገርና ኤርትራ ናጽነታ ክትጎናጸፍ ኣይከኣለትን። ብ1950 ምስ ኢትዮጵያ ብፈደረሽን ክትቁረን ተፈሪዳ። ከም ሳዕቤኑ ከኣ ህዝብና ኣብዚ ክሳብ ሎሚ ክውዳእ ዘይከኣለ ዘበን ስቓይን ሓሳረ-መከራን ተሸኺሉ ይርከብ። ፈደረሽን ምስ ኢትዮጵያ ምስ ተኣወጀ  ትራቫስኪስ (G.K.N.Travaskis) ዝብሃል ኣብ ኤርትራ ብዓል ስልጣን ዝነበረ ኣብ Eritrea, a Colony in Transition) ኣብ ዝብል መጽሓፉ፡ ‘ኢትዮጵያ ንስርዓት ፈደረሽን ከተፍርሶ ከም ትደሊ ርዱእ ኢዩ። ክተፍርሶ’ውን ትኽእል’ያ። ግን እንተዘይተፍርሶ ምሓሻ። ምኽንያቱ እንተፈሪሱ ኣብ ኤርትራ ዝባራዕ ሓዊ ክልክማ ኢዩ!’ ብማለት ኣብ መጽሓፉ ዝገለጾ ትምቢት ጥራይ ኮይኑ ኣይተረፈን። ኣብ ኤርትራ ንዓመታት ክስርሓሉ ዝጸንሕን ምስቲ ናይ ኤውሮጳውያን ዝቀራረብ ደረጃ ዝነበሮ ናይ ምሕደራ ስርዓት፡ ብኸመይ ምስቲ ኣብ ኢትዮጵያን ዝስርሓሉ ዝነበረ ድሑር ፊውዳል ምሕደራ ስርዓት ንምስምማዕ ከም ዝተሓስበ እንድዒ።

ስርዓት ፈደረሽን ጸዲቑ ምስ ተባህለን፡ ምምሕዳር እንግሊዝ ካብ ኤርትራ ንምውጻእ ኣብ ዝቀራረበሉ ዝንበረ ግዜን፡ ካብ ኢትዮጵያ፡ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዝነበረ ምምሕዳር ስርዓት ንምጽናዕ ብም/ሚኒስተር ዘገየ ዝምራሕ ኮሚቲ መጺኡ። በናይ ምምሕዳር ክእለትን ልምድን ዝነበሮም ኤርትራውያን መግለጺ ተዋሂቡዎ። ኣብ ኤርትራ ዝነበረ ናይ ምምሕዳር ስርዓት ዝበለጸን ምስ ናይ ኣውሮጳውያን ዝቀራረብን ምዃኑ’ኳ እንተረጋገጸ፡ በቶም ዝገልጽሉ ዝነበሩ ኤርትራውያን፡ ‘ናይ ኤርትራ ምሕደራ፡ ዝበለጸ ኮይኑ ስለ ዝረኸብኩሞ ናይ ኢትዮጵያ ምምሕዳር ክትልውጡዎ ኢኹም ማለት ኢዩ!’ ዝብል ሓሳብ ምሰቕረበሉ ግን፡ ናይ ኮሚቲ መራሒ፡ “በኩባያ ያለው ወደ ባልዲ መገልበጥ ነው የሚቻለው!’ ይብሎም። ይስምብዱ። ‘እዚ ድኣ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ምምሕዳር ምፍራስ ማለት’ዩ ዝመስል!’ ምስ በሉ፡ ‘ምርጫ የለንም።’ ብማለት መሊሱ። ጃንሆይ፡ ነቲ ኣብ ኤርትራን ዝምስረት ዝነበረ ስርዓት ፈደረሽንን መንግስቲ ኤርትራን ንምድኻምን ንምፍራስን፡ መጀመሪያ፡ ንሰብኣይ ጓሎም እንደራሴ ራስ እንዳርጋቸው መሳይን፡ ምክትሎም ቢትወደድ ኣስፍሃ ወ/ሚካኤልን ልኢኾም። ማእለያ ዘይብሉ ሕልኽላኻት ክፍጠር ጀሚሩ። ራስ እንዳርጋቸው፡ ጣልያን ተሳዒሩ ካብ ኢትዮጵያ ምስ ወጸ፡ ናይ ጎንደር ኣማሓዳሪ ኣብ ዝነበሩሉ ዓመታት፡ ናይ ጣልያን ዝነበረ ንብረት፡ ‘የጥላት ንብረት!’ እናበሉ ከም ዝወረሱን ይጥቀሙሉ ከም ዝነበሩ’ዩ ዝፍለጥ። ንኤርትራ ምስ መጹ ከኣ፡ ንገዛውቲ መንግስቲ ከም ናይ ብሕቶም፡ ክራይ ይቕበሉ ኔሮም። ጀነራል ኣቢይ ኣበበ ምስ ተተክኡ’ዩ ጉዶም ዝተቓልዐ። ዘኽታማት ቋልዑ ዘዕብያ ደናግል ኪራይ ገዛ ክኸፍላ ምስ መጻ፡ ዝኸፍላሉ ዝነበራ ናይ ክራይ ኣባይቲ ሰነዳት ተደልዩ ስለ ዘይተረኽበ ካብ ክራይ ምኽፋል ድሕነን። እዚ ካብ ብዙሕ ገበኖም ሓደ ኣብነት ኢዩ። መንግስቲ ኤርትራ ብሓገዝ ካብ ብሕቡራት መንግስታት ዝተወከለ ኣንዘ ማቴንዞ ኢዩ ክምስረትን ኣባላት ባይቶ ምምራጽን ዝጀመረ። ዝበዝሕ ህዝቢ ኤርትራ ዝውክልዎ ክመርጽ ብቕዓት የብሉን ስለ ዝተባህለ፡ ኣብ ኣስመራን ባጽዕን ዝነብር ህዝቢ’ዩ ብቀጥታ ክመርጽ ዝኸኣለ። ካልእ ህዝቢ ከካብ ዓዱ ወይ ከተማ፡ ሰሰለስተ መሪጹ ብምስዳድ ክመርጽ ተወሲኑ። ኣብ ገሊኡ ዓድታትን ከተማታትን ከኣ ነቶም ሰለስተ ቀዲሙ ዝረኸቦም ተወዳዳሪ፡ ብልዕን መስተን እናቕረበ ኣብ ሓድ ገዛ ሓቢኡ ቀንዩ፡ ብመረጻ መዓልቲ ናብቲ ነቑጣ ወሲዱ፡ ከም ዝመርጹዎ ይገብር ከም ዝነበረ’ዩ ዝፍለጥ። ኣባላት ባይቶ ኤርትራ ክኾኑ ዝተመርጹ 68 ኣባላት ዝርከቡዎ ባይቶ ምስ ተመስረተ፡ ንህዝብን ሃገርን ኤርትራ ክትውክል  ዝመረጹዋ ሰማያዊት ባንዴራ ኣብ ኤርትራ ኣምበልቢላ። መንግስቲ ኤርትራ በቲ ዝጸደቐ ሕጊ መሰረት ከይሰርሕ ዝዕንቅፉ ታኸላታት ይውስኹ ኔሮም። ኣባላት ባይቶ ብእንደራሴ ቤት ጽሕፈት ተኸፋፊሎም ሓቢሮም ከሰርሑ ኣይከኣሉን። ህዝቢ ኤርትራ ትግርኛን ዓረብኛን ገዲፉ ኣምሓርኛ ክምሃርን ክዛረብን ተገዲዱ። ቅድሚ ኩሉን ልዕሊ ኩሉን ከኣ ብጣዕሳ ተበሊዖም  ዝሞቱ ኢትዮጵያን ዝነበረቶ ናይ ምሕደራ ዓይነትን ደረጃን ከይፈለጡ፡ ‘ኢትዮጵያ ሞት! ዝብሉ ዝነበሩ ኢዮም።  ለባማትን ዓበይትን ኤርትራውያን፣ ‘ግደፉ ቅድሚ ሕጂ ዝተጋገናዮ ይኣክል! ሓይልና ሓድነትና ምዃኑ ፈሊጥና ስርዓት ፈደረሽን ኣኽቢርና ክንጉዓዝ እንተዘይክእልና፡ ደም ኣሽሓት ደቂ 25 ደቅናን ደቂ ደቅናን ክንከፍለላ ኢና እዛ ሃገር! ደሞም ከም ውሕጅ ክዛሪ ኢዩ!’ እናበሉ  የጠንቅቑ ከም ዝነበሩ’ዩ ይፍለጥ። ከምቲ ዝበልዎ ከኣ፡ ህዝብና ናብ ዲቕ ዝበለ ን30 ዝቐጸለ ደማዊ ኩናት ኣትዩ። ቀጺሉ ንሃገርና ዝመጸ፡ ናይ ጃንሆይ እንድራሴ ልዑል ኣስራተ ካሳ ከኣ፡ ንህዝብና ከበሳብስን ከሳቕን ከቃትልን ዳግማይ ዕድል ምርካቡ ዘሕዝን ኢዩ። ካብ ስልጣኑ ተኣልዩ ንኣዲስ ኣበባ ክኸይድ ከሎ፡ ካብ ህዝብና ዝዘረፎ ሃብቲ ዝጸዓና ዓበይቲ መኻይን ብዝሐንን ዝጸዓንኦ ንብረት ዓይነት ዝረኣዩ፡ ንዓመታት ብሓዘን ይዝክሩዎ ኔሮም። ብግዜ ሃይለስላሴ ብዝካየድ ዝነበረ ደማዊ ኩናት ምኽንያት ኣብ ሃገርና፡ ‘ሰላም ስለ ዘየለ’ ተባሂሉ ቤት ትምህርቲ ምውሳኽ ተሪፉ ዝነበራ ብዙሓት ተዓጽየን። ህዝብና ዝነበሮ ናይ ትምህርቲ ዕድል’ውን እናጎደለ ክይዱ። ህዝብና ብስርዓት ፈደረሽን መሰረት ተፈቒዱ ዝነበረ ናይ ምጽሓፍን ምዝራብን መሰል ክተግብር ኣይከኣለን። ካብ ኤርትራውያ’ውን ጋዜጠኛታት ሓደ ዝኾነ ኣቶ ኢልያስ ተኽሉ፡ ብስርዓት ፈደረሽን መሰረት ብዛዕባ ናይ ምምሕዳር ጉድለትን፡ ስርዓት ፈደረሽን ከይጠሓስን ብቐጻሊ ብጋዜጣ ብምጽሓፉ ተኸሲሱ። ኣብ ኣስመራ  ንሽዱሽተ ዓመት ምስ ተኣስረ ንኣዲስ ኣበባ ተወሲዱ ናይ ገዛ ሕዩር ኮይኑ ዕድምኡ ኣሕሊፉ። የኤርትራ መንግስቲ ብስርዓት ፈደረሽን መስረት ዝተመደበሉ ዓመታዊ ባጀት ክወሃቦ ይሓትት’ኳ እንተነበረ፡ ‘ብባጀትኩም መስጊድን ቤተክርስትያናትን ሰሪሕናልኩም!’ ብዝብል ምኽንያት ስለ ዝተኸልፍከለ  ብባጀቱ  ክጥቀም ኣይከኣለን። ናይ ምምሕዳር ዓቕሙን ንምድኻም ዝፍጸም ዝነበረ ሽርሕታት ከኣ መወዳኣታ ኣይነበሮን። ኣብ ወሰናስን ኤርትራ ክሰፍር ዝግብኦ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ማእከል ኣስመራ ሰፊሩ። ስልጣን ፖሊስ ኤርትራ ይምንጥል ኔሩ። ብፈላሊኻ ግዛእ ምህዞ ዝተፈላለዩ ኣባላት ባይቶ ኤርትራ፡ ብህዝቢ ከም ዝተመርጹ ዘንጊዖም ንህዝቦም ከየፍለጡ ንስርዓት ፈደረሽን ንምፍራስ ተሰማሚዖም ተባሂሉ ተበቲኖም። ገሊኦም ኣማኸርቲ ተባሂሎም ናይ ሚኒስቴር ዲ አታን መኻይን ምስ ኣውቲስትአን ተሸሊሞም። ሰማያዊት ባንዴራ ኤርትራ ወሪዳ ብባንዴራ ኢትዮጵያ ተተኪኣ። ጃንሆይ፡ ‘ነቲ ኤርትራ መሬታ’ምበር ህዝባ ኣየድልየናን’ዩ!’ ዝበሉዎ ብግብሪ ምስላጥ ቀጺሎሞ። ብ1961 ስርዓት ፈደረሽን ፈሪሱ ሃገርና ሓንቲ ካብ 14 ጥቅላይ ግዝኣት ኮይና ተባሂሉ። ህዝብና ብሰላማዊ መገዲ ዘካይዶ ዝነበረ ቃልሲ ከም ዘይዕወት ምስ ተረድአ፡ ናብቲ 30 ዓመታት ዝወሰደ ደማዊ ኩናት ኣትዩ። ብዝሒ ናብ ኢትዮጵያ ዝዛወሩ ሰራሕተኛታት፡ ዝእሰሩ፡ ዝጠፍኡ ኤርትራውያን ወሲኹ። ስርዓት ሃይለስላሰ ህዝቢ መታን ሰኪሑ ንገድሊ ምድጋፍ  ከቋርጽ ኣብ ኩናት ዝተሰውኡ ተጋደልቲ ሬሳ ኣብ ኣደባባይ ሰቒሉ። ዓድታት ኣቃጺሉ፡ ህዝቢ ኣመዛቢሉ። ኣብ ባጽዕ ዝነበረ ብሔራዊ ጦር፡ ‘ኣሕዋቶም’ዮም ዝዋጉኡና ዘለዉ!’ ብዝብል ምኽንያት፣ ዓሰርተ ክልተ ኤርትራውያን፡ ማለት ክልተ ናይ ፐቲ ኦፊሰር መዓርግ ዝነበሮም ናይ ባሕር ሓይል ኣባላት፡ ካብ ሲቪላት ከኣ፤ ክልተ ደቂ ሉባ ዝብሃሉ ደቂ ማዕረባ፡ ካልኦት ሾመንተ ብሓንቲ ሰንበት ምሸት ጨውዩ ኣጥፊኡዎም። ሃገርና ናጻ ምስ ኮነትን ኣብ ባጽዕ ብኮርያውያን ዝስራሕ ዝነበረ ገዛውቲ ንምስራሕ መሰረት ክኩዓት ከሎ ኣዕጽምቶም ምስ ተረኽበ፡ ስድርኦም ከም ዝተረዳኡ’ዩ ዝንገር። ቃልሲ ኤርትራ ግን  ይባላሕ ኔሩ’ምበር ኣይዛሕተለን። ናብ ህዝብና ዝወርድ ዝነበረ ግፍዒ ይጋደድ ከም ዝነበረ ንምግላጽ ከኣ ህዝብና፡ ‘ሰምበል ሕደጊ ተባሪሮም ኢዮም’ዞም ደቂ!’ ብዝብል ጉልባብ ደርፊ ንኤርትራውያን ኣባላት ኮማንዶ ዝነበሩ ደቁ ይምሕጸን ኔሩ። ካብቶም ምሕጽንትኡ ዝተሰወጦም ብዙሓት ንበረኻ ዓዶም ወፊሮም ቅያ ጅግንነት ዝፈጸሙ ከም ዝነበሩ ከኣ ዝከሓድ ኣይኮነን። ዘውዴ ረታ ግን፡ ኣብ ‘በቀዳማዊ ሃይለሥላሴ ዘመነ መንግስት የኤርትራ ጉዳይ’ ዝብል መጽሓፎም፣ ‘በፈዴረሽን ኣስተዳደር ሆነ በፍጹም ኣንድነት ዘመን፣ ኣብረን በኖርንበት በኣርባ ዓመታት ጊዜ ውስጥ፣ እኛ ኢትዮጵያውያን በወንድሞቻችን ኤርትራውያን ላይ ምንም ዓይነት በደል እንዳልፈጸምንባቸው መዘንጋት የለባቸውም፡’ ነሕዋትና ኤርትራውያን ኣይበደልናዮምን! ዝብል ብምጽሓፎም ከኣ ዘደንጹን ዘሕዝንን ኢዩ። ብፍላጥ ድዮም ብዘይፍላጥ እግዚኣብሔር ዋንኦም። ብስርዓት ፈደረሽን ግዜ፡ መንግስቲ ዝብል ቃል  ንኢትዮጵያ ንጉሠ ነገሥት መንግስት ጥራይ ዝምልከት ምዃኑ ስለ ዝኣምኑ ይኾኑ፡ ‘መንግስቲ ኤርትራ ወይ መራሕ መንግስቲ፡’ ዝብሉ ቃላት ምጽሓፍ ስለ ዝኸበዶም፡ ን መራሒ መንግስቲ ኤርትራ፡  ‘ቺፍ ኤግዜኩቲፍ!’ ብዝብል ቃል ጥራይ ኣብ መጽሓፎም ዝገልጹ። ተማሂርና ድግሪ ሰቒልና ዝብሉ ኢትዮጵያውያን’ውን፡ ‘መንግስቲ ኤርትራ!’ ማለት ዝወሓጠሎም ኣይነበረን። ከምቲ ኣቦና ኣቶ ወልደኣብ ወ/ል ዝበሉዎ ግን፡ ህዝብና ባዕሉ፡ ንሃገርና ናጻን ልዑላዊትን ከም ዝገብራን፡ ‘ሃገረ ኤርትራ! ተባሂላ ብዓለም ትፍለጠሉ መዓልቲ ከም ዝመጽእን፡ ንኤርትራዊ ጥራይ ዝርአ ሓቂ ከም ዝነበረን’ዩ ዘረድእጽ። ሎሚ ህዝብና ኣብ መርዓታትን ዓበይቲ ብዓላትን ዲኖ ተኸዲኖም፡ እናደበሉ፡ ንመርዓውቲ ከሰንዩን ከማዕርጉን ዝርኣዩ ከኣ ነቲ ዝነበረ ናይ ህዝብና ጅግንነት ሚስጢር ዝገልጽን ዘዘኻኽርን’ዩ ዝመስል።

 

ምልኪ ይፍረስ ሕጊ ይንገስ፡ ህዝብና ነናብ ገዝኡ ክምለስ

ምስሉ ተኪኤ 5 ለካቲት 2018

 

 
Subscribe ASSENNA YouTube to get Radio Assenna shows on time:

aseye.asena@gmail.com

Review overview
5 COMMENTS
  • meretse February 11, 2018

    ዘዝወለደቶም – ሽላ እንዳመንጠላ
    ሕማቕ ዘመን ኮይኑ – ኣደ ተጸሊላ
    ኣብ ኾፍ ዝበለቶ – እንዳፈሓረት ዒላ
    ዓባያ ክትደሊስ – ሃቡኒ ነጸላ
    ኣርብዓን ኣርባዕተን- ዕንቚ እንዳቖጸረት
    “ኣበ ሂማን” ትብል – ሕሉፍ እንዳዘከረት
    ዕድመኣ ይትፈልጦን – መኣስ ከምተዎልደት
    ንእስነት ዘሊላ – ስለ ዝኣረገት
    ኩሉ ገዲፈ ግን – ካብ ተዘኩሮኣ
    ኣብ ናይ ጽባሕ ተስፋ – ኣሎኹ ምስኣ

  • AHMED SALEH !!! February 12, 2018

    Hawna Mislu Tekie
    Thank you for your interesting article about history of Eritreans under foreign forces occupation .
    This kind of information is important to challenge some suspicious individuals who try to twist
    facts for sinister motives .
    ‘ HISTORY LAUGHS AT BOTH THE VICTIM AND THE AGRESSOR .
    M . Darwish , poet
    Wisdom of gifted people speak words that sounds funny but time proved us likewise to be true .

  • Lula February 13, 2018

    Courtesy of Meretse, here is the summary of the so called “history” in a nutshell:

    “ኣርብዓን ኣርባዕተን- ዕንቚ እንዳቖጸረት
    “ኣበ ሂማን” ትብል – ሕሉፍ እንዳዘከረት
    ዕድመኣ ይትፈልጦን – መኣስ ከምተዎልደት
    ንእስነት ዘሊላ – ስለ ዝኣረገት”

  • MGLmedia February 14, 2018

      By Fitwi Kifle እዚ ኣርእስቲ ኣልዒልካ ክዝተየሉ ዝደለኹ ኣብ ጉዕዞ-ቃልስና ይኹን ብፍላይ ኣብዚ እዋን ዝካየድ ዘሎ ኣጋባብ ቃልሲ መገዱ ዘይሓዘን ንቡዙሕነት/ድርብነት ኣብ ግምት ዘየእቱ ኾይኑ ስለ ዝረኸብክዎ እዩ፡፡እቲ ዘገሪም ብወገን ውልቀ መላኽነት ስርዓተ እሳያስ ነቲ ኻብ መዋእል መልክዑ እናሓዘ ዝመጸ ምጥርናፍ ህዝብና ኻብ ዓዲ /ወረዳ/ኣውራጃ፤ኣብ ምክብባርን ባህልታት፣ንእምነት ከም ውልቃዊ ኮይኑ ብምርጫኡ ምትእኽኻቡን ንእምነቱ ምክልኻል ባህርያዊ ኮይኑ፣ ደቂሰባት ተቐቢሎም መሰላታቶም ከረኽቡን፣ዘካይዶምን ዘዋሃህዶምን ሕግታት ክህልዎም ይጽዕሩ፣ጡርኑፍ ሕግታት ቅዋም ክምስረቱ፣ምዕባለ ማሕበረሰብ- ዝምስክሮ ታሪኻዊ ጉዕዞ እዩ፣እዚ ገባቲ ውልቀ መላኺ ነዚ ተዋሃሂዱ ዝነብር ዝነበረ ህዝብና ምትእኽኻቡ ዘሪጉ፣ ናብ ዞባታት መቓቒሉ/ሰናጪሩ ኣብ ጸገም/ሂወታዊ-ሽግር ኣእትይዎ፣ ናይ ዘይምቅባልን ምንጻግን ድምጽታት ዘረባታት ክስማዕ ከሎ፣ባህርያት ዲክታተር ፈላሊኻ ግዛእ ክኣ ከምኡ እዩ። እቲ ዘገርመካ ኣብ ደምበ ፍትሒ ኢና ዘለና እናበልካ ንብዙሕነት ብስነፍልጠታዊ ኣጋባብን ኣራኣእያ ንድሩብነት ከም መሀብተሚኻን መሰረት ዲሞክራሲያዊ ባይታን ዘጣጥሕ ብፕሮግራም፣ ቅዋም ከማሕድረካ ዝኽእል አጋባብ ክትጥቀምን ተዋሃሂድካን ሓቢርካ ክትቃለስ ንዝፍጠሩ ግርጭታት ክትፈትሕ ዘይምኽኣል ዘይቡቈዕ ዘብለካ፣ ፖለቲካዊ ብስለት ዘይምውናን እዩ ዘመስክር።ካብዚ ዝነቐለ ካብ መጽሓፍ ጆቫኒ ሳርቶሪ ዓቢ ፍላስፋ ናይ ታሪኽ ተማራመሪ፣ አብ ዝተፋላለዩ ዩንቨርሲቲታት ኢጣልያ፣እንግልዝ፣ኣመሪካ ዝመሃረ ብዛዕባ ብዙሑነት/ድርብነት ኣርእስቲ ኣልዒሉ ንተማሃርቱ ዝሃቦ ጠቓሚ ኮይኑ ስለተሰማዓኒ ከካፍለኩም መሪጸ።እዚ ክኣ ብፍላይ ነቶም ሓላፍነት ተሰኪሞም ንውድባት/ምንቅስቓሳትን ዝመርሑ በዚ ናይ መምህር ሳርቶሪ ዘቕርቦ ኣጋባብዶ ንዝተዋህቦም ሓላፍነት የተግብሩ ዝብል ሕቶ ስለ ዘምጽእ።ብዙሕነት ዝጀመረሉ፣ ኣብ ተቋውምነት ዘለዎን፣ ናይ ራኢ ፍልልይነትን፣ ምንጽጻር/ምውድዳር ዝትርጎሙሉ ኮይኑ፣ነዞም ባህርያት እዚኣቶም ክትጥቀሞሎም ሕማቕ ኣይኮነን፤-ውግእ ሕድሕድ ሳዕበኑ ውድባውን መንግስታት ዕንወት የኽትል። ኣብ ተገዲድካ ምስምማዕ፣ ብሓደ ሸነኽ፣ብረታዊ ውግእ ምክያድ በቲካልእ ወገን፣ዘሎ ሰፊሕ ቦታ ቃልሲ፣ዝተፋላለዩ ነጻ ሓሳባትን፣ ባህርያትን፣ ዘለዎም ዝዋሳኡሉ ባይታ፣ ነቲ ማሕበራውን ፖለቲካውን ስራዓት አይጎዶን እዩ፣ የማዕብሎ ደዓምበር፣ ይብል ሳርቶሪ። ድርብነት ሓደ ሰፊሕን ሉኡምን ማእከላዊ ባይታ ናይ ፍልልያት/ብዙሕነትን፣ናይ ናጻ ኾንካ ምሕሳብ ዘለዎን፣ንማሕበራዊ- ሂወት ዘይጎድእ፣ንፍልጠት ዘህብትምን ዲናምክ/ኑጡፍ፣ኾታ ንለውጢ ዝዕድምን ዝሕግዝን እዩ።እዚ እንተ-ደኣ-ኾይኑ እቲ-ስነሞጎት፣ ኣብ ፍልልይ፣ ዝፍቀዶ ስነ-ሓሳብ ድኣምበር፣ ኣብ ሓደ-ዛዓይነቱ/ዘይቃያየር ስነ-ሓሳብ ኣይኮነን። ኣብ 1562 ስጋብ 1648 እቲ ዝኸፍኤ ጭካነ ዝመልኦ ዕንወት ኣብ መንጎ እምነታት ምስ ተኻየደ ቡዙሕነት ዝብል ዝተጀመረ። ፍልልይ/ኣራኣእያን ምንዳይ መሰልን-ለውጥን ሰረተ ብዙሕነት ጠቕሙን ሩጉጹነቱን ዝምስከረሉ :፡እዚ ኣጋባብ እዩ ኸኣ እቲ ሊበራል-ዲሞክራሲ ምዕባሉኡን ጐዕዞ ቓልሱን ዘራጋገጸ። ሳላ እዚ ቓልሲ እዚ ክኣ እቲ እዚ ሕጂ እንነብረሉን እንርእዮን እንደልዮን ዲሞክራሲ ተራጋጊጹ ወይ ንምርግጋጽ ዝጓዓዝ።ኣውተክራሲ-ውልቀ መላኽነት-ፍጹም ምልኪ- ዱስቡጣውያን ዘበሉ፣ሓደ ዝዓይነቶም ዝዋሱ ስርዓታት ዝመልአት ዓለምና ኢና ንነብር ዘለና። ስለዚ ክኣ እዩ ኣብ ክልተ ዓይነት ሓሳብ ዓለምና ተመቕላ ትርከብ ዝባሃል፣እቶም መሰልን-ናጽነትን ዝህቡን ዘይህቡን ኢልካ ዝምቀል። መን እዩ ን-ብዝሑነት ሚሂዝዎ/ረኺብዎ ? መልሱ ዋላ-ሓደ እዚ እዩ፣ክባሃል ኣይክኣልን፤እቲ ጽንሰ-ሓሳብ ናይ ፕሮተስታንት ጽገና እዩ ዝብሉ ኣለዉ፤ እዚ ግን ሓቂ ክትብሎ ይጽግም እዩ፣ ዋላ’ዃ እቲ ናይ እግዚኣብሔር ንእግዛኣብሔር፣እቲ ናይ ቀይሳር ን-ቀይሳር ዝብል ብዕዙዝ ዝዝረበሉ እንተኾነ ካብዚ ዝጀመረ እዉን እምነት ናይ ውልቂ ሃገር ናይ ሓባር ዝብል ሓሳብ እንተ ኣማዕበለ፤ ከም ህዝባዊ ኣዛራርባ እዉን መድበልተኛ (pluralism)ክጋነን ዘይግብኦ እንተኾነ፣ ሓቂ እዩ ንናጽነት ናይ ሕልና ናይ ርእይቶ-ሓሳብ ይጠልቡ እንተ ነበሩ፣ ጠለቦም ንዕኦም ናታቶምን- ኮይኑ ፣ ቁጽሮም ውሑድ እዩ ነይሩ፤ እዞም ን-ብዙሕነት ዝዋስኡ ዝነበሩ፣ እሶም እዉን ንኻልኦት ድርብነት ዝነጽጉ ዝነበሩ እዮም፣ ይብል መምህር ሳርቶሪ። እዚ ስለ ዝኾነ : ብዙሕነት መን’ዩ ጀማሪ ንዝብል ሕቶ መልሲ ክትረኽበሉ ኣሸጋሪ እዩ። እቲ ንብዙሕነት ዘለሊ ባህርያት ግን ኸነሊልዮ ኣጸጋሚ ኣይኮነን፤ ብዙሕነት/ድርብነት ከም ጽነ-ሓሳብ/እምረት ክውሰድ ዘለዎ ከም ሞራላዊ-ባህርያት/ሞያዊ-ባህሪ መተክል ሓድነት ኮይኑ፣ ከም ብዙሁነት ተጻዋውርነት-ተዓጋስነት-ተጻማምነት ሃልይዎ፣ ንዶግማንነት-ፋናቲስም ይነጽግ። ብግቡእ ንብዙሕነት ዝጥቀሙ ናይ ሓባር ሂወትን ምውህሃድ ዝጥቀምን ንዝጓነፍ ጸገማት-ግርጭታት ዝፈትሕ፣ ውድብ-ማሕበር -ምንቅስቓስ ሩጉኡን ቁሱኑን ምዕቡሉን ሂወት ከሕልፍ ይኽእል። መምህር ሳርቶሪ ብዛዕባ ብዙሕነትን/ድሩቡነትን ንተማሃርኡ ክገልጽ ከሎ፣ ኣብ ናይ ኤውሮጳን ኣመሪካን ብፍላይ፣ ኣብ ኢጣልያ ብዝያዳ ብሓፈሻ ክኣ ዓለምለኻዊ ከመይን/ኣጋባብን ከምህር ከሎ፣ንዓይ ግን ብዝያዳ ናይ ሃገረይ ኤርትራ ኣጋብብ ምማይ ስለ ዝኮነ፣ ናብኡ ዝጠመተ ኣድህቦይ እየ ዝቕጽል። እቲ አብ ኣስመራ ዘሎ ውለቀ መላኺ ዝጥቀመሉ ፈላሊኻ ግዛእ ኩላትና ንፈልጦ ስለ ዝኾነ ምድጋም ዘድሊ አይመስለንን፣ከም ባህርያት ናይ ኩሎም ውልቀ መለኽቲታት ስለ ዝኾነ ንምቅላሱ ተበጊስና ኸምዘልና ዕለታዊ እንዝምሮን እንጽሕፎን እውን እዩ። ካብዚ ባህርያርያት አብ ደምበ ፍትሒ ናጻ ዝኾና ኣይመስለንን ። ከም እንፈልጦ ኩለን ውድባት ምንቅስቓሳት ፕሮግራመን ቅዋመን ብዙሕነት ዝመሰረቱ ንዲሞክራስን ግዝኣተ-ሕግን ንምምጻእ ብፍላይ ክኣ ልእላውነት ንምሕላው፣ሓድነት ህዝቢ ምጥንካር፣ኣብ ኩሉ ቦታት ዝዝምርሉ እንሰምዖን ነንብቦን እኳ እንተሃለና፣ ብግብሪ ግን ኣብ ናይ ፍትሕን ዲሞክራስን ረጊጸን ይዋሳኣ ኣለዋ ኽትብል ኣይካኣልን።ምኽንያቱ ብዝሕነት ዝኣምኑን ዝሰርሑሉን እንተዝነብሩ ውሽጣዉን ደጋዉን ግርጭታት ክፈትሑ ምስተራእዩ፡፡ብግብሪ ዝርኤ ኣብ ክንዲ ምክብባር ምንእኣስ፣ ክንዲ ንሕና ኣነ፣ ታሕትን ላዕልን፣ መንነት ዜግነት፣ዝዓይነቱ ባህርያት ሒዞ እዮም ዝጓዓዙ ዝመስሉ፣ ንህዝቢ ዝጥርንፍ፣ዝውድብ፣ናይ መሰልን ዲሞክራሲን ባይታ ዘጣጥሕ፣ባይታ ነካዋውን ኣለና ክብሉ ዶ ይኽእሉ ? ኣይመስለንን ፤ ሳርቶሪ ዝበለና መሰረት ናይ ዲሞክራሲ ኣብ ተቛወምነት፣ናይ ራኢ ፍልልይነት፣ምንጽጻር/ምውድዳር እዞም ባህርያት እዚኦም ጎዳእቲ ዘይኮኑስ ጠቐምቲን ኣድለይቲን ብኦም እዩ ተኾስኲሱ ዝዓቢ ዲሞክራሲ፣ እንተ ደአ ነዘን ንፍትሕን ዲሞክራሲን ንቃለስ አለና ዝብላ ክትርኢ ከለኻ ካብዚ ዓይነት መስርሕ መመጠኒ ዘይብሉ ርሕቀት እየን ዘለዋ ። ንኣብነት አብቲ ኣነ ዝዝምብዮ ዝነበርኩ ውድብ ሰ.

    • k.tewolde February 15, 2018

      I agree,this is not a healthy contest or engagement of pluralistic views,it is pluralism of political kiosks selling the same product to those who can convince using the language which appeases them to solicit individual gain.There is no grain of democracy there.Makes you wonder where they learned the trade. Activism is not something you wear like a lapel,it is a living breathing dynamic ever evolving,committed selfless endeavor that puts others well being first,in a spiritual context,it is a calling. Ex. Mahatma Gandhi, Dr. King, Nelson Mandela………does this nation of good people where I came from and was reared has what it takes to breed individuals of that caliber.?

Post a Reply to meretse Cancel Reply