Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ማሕበረ-ፖለቲካዊ ርእይቶ ኤርትራውያን ኣብ ስደት እንታይ ይመስል? – 2ይ ክፋል

ሓደ ሰብ ሓሚሙ ናብ ሓኪም ምስ ዝኸይድ፡ እቲ ሓኪም ሕማሙ ከየረጋገጸ መድሃኒት ኣይእዝዘሉን እዩ። ንሕና ኤርትራውያን ድማ፡ ሕማምና ከይፈለጥና ንሕማምና ዝፍውስ መድሃኒት ክንረክብ ከቶ ኣይንኽእልን። ሓሸውየ እዚ ዝሐለፈ 15 ዓመት ደምበ ተቋውሞ ዘረጋግጾ ሓደ ሓቒ

ሓደ ሰብ ሓሚሙ ናብ ሓኪም ምስ ዝኸይድ፡ እቲ ሓኪም ሕማሙ ከየረጋገጸ መድሃኒት ኣይእዝዘሉን እዩ። ንሕና ኤርትራውያን ድማ፡ ሕማምና ከይፈለጥና ንሕማምና ዝፍውስ መድሃኒት ክንረክብ ከቶ ኣይንኽእልን። ሓሸውየ እዚ ዝሐለፈ 15 ዓመት ደምበ ተቋውሞ ዘረጋግጾ ሓደ ሓቒ እንተሎ ድማ፡ ነዚ ክውንነት እዚ እዩ። ካብ’ዚ ብምብጋስ እምበኣር’የ፡ ሓደ ዓብን እዋናውን ሕቶ ከልዕል ዝተቐሰብኩ። ኣብ ከቢድ ጸበባ ኣቲና ሓሳረ መከራ እንጸግብ ዘለና ህዝቢ ክንስና፡ ስለምንታይ ሽግርና ንምፍታሕ ክንሰማማዕ ዘይክኣልና፡ ስለምንታይ ከ ወግሐ ጸብሐ ንሓድሕድና እንዳተጠቓቓዕና ንገማማዕ ዘለና? ዝብል ሕቶ ከልዕልን መልሱ ድማ ብመጽናዕቲ ከዳልው ዝወሰንኩ።

እዚ ኣስዒበ ብተኸታታሊ ዘቕርቦ ኣብ 20 ጉጅለታት ዝተመቕለ ዝተፈላለየ ርእይቶ ኤርትራዉያን፡ ገሌኹም ነብስኹም ኣብ ሓንቲ ወይ’ዉን ካብ ሓንቲ ጉጅለ ንላዕሊ ክትረኽብዋ ዝከኣል እዩ። ምናልባት ጌሌኹም’ውን ነብስኹም ዘይረኸብኩማ ሰባት ክትህልው ትኽእሉ ትኾኑ። እንተኾነ ግን፡ ብቐጥታዊ ይኹን ብተዘዋዋሪ መንገዲ፡ ካብዞም ትሕት ኢሎም ዝጥቀሱ ጉጀለታት ብዙሕ ዝርሕቕ ፖሊቲካዊ ሪኢቶን ማሕበራዊ ርድኢትን ዘለዎ ሰብ፡ ብቊጽሪ ኣዝዩ ዝተወሰነ’ዩ ዝብል ርድኢት ኣለኒ።

ምናልባት ኣብ ኣጠቓቕማ ቋንቋ ዝተጠቓዕኹም ኮይኑ ዝስምዓኩም ወገናት እንተለኹም፡ ዕላማይ ንሓደ ሓፍ ኣቢልካ፡ ነቲ ካልእ ምዝንጣል ከምዘይኮነ ኣቐዲመ ክትርድኡለይ አማሕጽን። ንእትህብዎ ሃናጺ ነቕፌታ፡ ንምቕባልን ምእራምን ድልውነተይ ከረጋግጸልኩም ድማ እደሊ። ካልኣይ ክፋል ይቕጽል፡ ሰናይ ንባብ።

ጉጅለ ዓሰርተ ሓደ፡ ጀበርቲ – (ፍሉያት ኢና)

ጀበርቲ ዘልዕልዎ ሕቶ መሰል ብሄር ኢዩ። ኤርትራ ኣብዚ እዋን፡ እዚ ኣብ ስልጣን ዘሎ መንግስቲ ኣፍልጦ ዝሃበን ትሽዓተ ብሄራት ኣለዋ። ጀበርቲ ብሄረ ትግርኛ ኣይኮናን ብምብል፡ ብብሄር ደረጃ ጀበርቲ ተባሂሎም ብወግዒ ክፍለጡ ይጽዕቱ። ነዚ ሕቶ ዝምልስ፡ ንብዙሕነት ዘተኣናግድ ደሞክራስያዊ ስርዓት ተተኺሉ፡ ረብሕኦም ዝረጋገጸሉ ፖሊቲካዊ ባይታ ኣብ ምፍጣር ኣብ ደምበ ተቋውሞ ብንጥፈት ዝዋስኡ ዘለው እዮም።

እንተኾነ ሓደ ሰብ፡ በቲ ዝዛረቦ ቋንቋ ኣደ እምበር፡ ሃይማኖት ከም መለክዒ ተጠቒምካ፡ ካብቲ ካልእ ዝፈልዮን ብብሄር ደረጃ ከጠምቶ ዝኽእል እኹል ረቋሒ የብልኩምን ዝብል መልሲ ይወሃቦም። ጀበርቲ’ውን ሃይማኖት ጥራሕ ዘይኮነ፡ ፍሉይነት  ታሪኻዊ ድሕረባይትኦምን፡ ኣብ ኤርትራ ኣመጻጽኦኦምን ከም ፍሉይ ረቋሒ ተወሲዱ ንሕትኦም ዝምልስ ብቑዕ ረቋሒታት ምኻኑ ይምጉቱ። ገለ ካብ ብሄረ ትግርኛ ግን፡ ጀበርቲ ምስ ክርስትያን ኣብ ሓደ ብሄር ብሓደ ስም ምጽዋዕ ብዘለዎም ጽልኣት እምበር፡ ከም ብሄር ዘፍልጦም ረቋሒታ ስለዘለዎም ኣይኮኑን ብምባል፡ ነቲ ዘልዕልዎ ሕቶ ቅቡል ኣይኮነን ብምባል ዉዱቕ ይገብርዎ። ጀበርቲ ብወገኖም፡ ንሕቶ መሰል ብሄር ዝዕድለና ኣካል የልቦን፡ ጠለብና ኣብ ደሞክራስያዊት ኤርትራ ዘይምለሰሉ ምኽንያት ድማ የለን ይብሉ።

 ጉጅለ ዓሰርተ ክልተ፡ ኣምቸ (ጺላ ኣይኮንኩን)

እዞም ኣብዛ ጉጅለ ዝኣትው፡ እቶም ኣብ ኢትዮጵያ ዝዓበዩን ዝተወልዱን፡ ድሕሪ ግጭት ኤርትራን ኢትዮጵያን ድማ ናብ ኤርትራ ዝተሰጎጉን እዮም። ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝነበርሉ እዋን ኤርትራዊ ስምዒት ዋላ’ኳ ካብ ወለዶም ይሰርጾም እንተነበረ፡ ድሕሪ ምስጓጎም ግን፡ ካልእ ኤርትራ’ያ ኣብ ባይታ ጸኒሓቶም። መብዛሕትኦም ግዳያት ድንግርግርን ቅልውላው መንነትን ድማ ኮይኖም እዮም። ምስቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ሕብረተ-ሰብ ኣብ ምውህሃድ፡ ሓያለ መሰናኽል ኣጋጢምዎም። በዚ ድማ፡ መብዛሕትኦም ካብ ኤርትራ ቀልጢፎም ንደገ  ክወጹ ተራእዮም። እቶም ዝተረፉ ድማ፡ ኣብተን ዝሰዓባ ዓመታት ብስግረ-ዶብን ብሱዳን ኣቋሪጾምን፡ ናብታ ተወሊዶም ዝዓበዩላ ኢትዮጵያ እንደገና ክምለሱ ይርኣዩ።

መብዛሕትኦም ምስ ሕብርተ-ሰብ ኤርትራ ተወሃሂድካ ኣብ ምንባር ዘጋጠሞም ሓርፋፍ ተመኩሮ፡ ኣብ ኤርትራ እንደገና ተመሊስካ ናይ ምንባር ተስፍኦም ዝማህመነ ይመስል። ኣብ ደምበ ተቓውሞ ይኹን ኣብ ደምበ ደገፍቲ፡ ብብዝሒ ኣይትረኽቦምን። ገለ’ውን እቲ ዘዕበዮም ኢትዮጵያዊ ባህሊ ብምንፋቕ ወይ ምስ ከምኦም ኣብ ኢትዮጵያ ተወሊዶም ዝዓበዩ ኤርትራውያን፡ ወይ ኢትዮጵያዉያን ክመሓዘውን ክቀራረቡን ይመርጹ። ብሰሪ ግጭት ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ እቶም ዓቢ ዋጋ ዝኸፈሉን፡ ኣዝዮም ዝተጎድኡን ወገናት እንተለው ድማ ንሶም እዮም። ክሳብ እዚ እዋን እዚ፡ ፍቖድኡ ተበታቲነን ዘይተኣኻኸባ ስድራቤታት ሓያለ ኣለዋ። ብኸም’ዚ ዝኣመሰለ ከቢድን ፍሉይን ኩነታት ይሓልፉ ስለዘለው ድማ፡ ካብ ቃልሲ ንለውጢ ምብካሮም ኣየሕምዩምን ይብሉ ገለ ተዓዘብቲ።

ጉጅለ ዓሰርተ ሰለስተ፡ ፍርቂ ጎኖም ኤርትራውያን (ግዳያት ናጽነት)

እቶም ኣብዛ ጉጅለ ዝምደቡ ቅድምን ድሕርን ናጽነት ኤርትራ፡ ካብ ኢትዮጵያዊ ኣቦ ወይ ኢትዮጵያዊት ኣደ ዝውለዱ፡ ኣብ ኤርትራን ኣብ ኢትዮጵያን ተወሊዶም ዝዓበዩ ዜጋታት ኢዮም። ኤርትራ ኣካል ኢትዮጵያ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን፡ ሓያለ ኢትዮጵያውያን ኣብ ኤርትራ፡ ከምኡ’ውን ሓያለ ኤርትራውያን ኣብ ኢትዮጵያ ብሰላም ይነብሩ ከምዝነበሩ ይፍለጥ። እዞም ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ካብ ክልቴአን ሃገራት ዝውለዱ ዜጋታት እምበኣር፡ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ሃዋህው ዝተወልዱ እዮም። ኣብዚ ኣዋን ግን፡ ከቢድ ቅልውላው መንነት ኣጋጢምዎም ይርከብ። ኤርትራ ነጻነታ ድሕሪ ምእዋጃ፡ ካብ ኢትዮጵያውያን ናብ ተወለድቲ ዜጋታት ክልተ-ሃገራት ተሰጋጊሮም ሓድሽ ድርብ መንነት ለቢሶም።

ብፍላይ ድሕሪ እቲ ናይ 1998-2000 ግጭት ክልቴአን ሃገራት፡ ኣብዞም ዜጋታት ከቢድ በሰላ ተፈጢሩ። ብሰሪ እቲ ኲናት ዝፈጠሮ ረስኒ ሃገራዊ ስምዒት፡ ሓያለ ሰብ ሓዳር ክፈላለዩ ተቐሲቦም እዮም። ብፍላይ ድማ ኣብ ኤርትራ እቲ ቓንዛ እዞም ወገናት ዝኽፈአ ኔሩ። ካብ ኢትዮጵያዊት ወሊድካ/ወሊድኪ፡ ወይ ኢትዮጵያዊት ተመርዒኻ/ተመርዒኺ ተባሂሎም፡ ሓያል ተነጽሎ ቤተሰብ ክሳብ እዚ እዋን ዘጋጥሞም ኣለው። እዞም ብዘይ ዝኾነ ይኹን ውልቃዊ ምርጭኦም ዝተወልዱ ዜጋታት፡ ከም ገበነኛታት ተቖጺሮም ኣደዳ ጸርፊን ተነጽሎን ኮይኖም እዮም። ፖሊቲካዊ ሓሸውየ መራሕቲ ክልቴአን ሃገራት፡ ተሰከምቲ ከቢድ ስነ-ኣእምሮኣዊ በሰላ ጌርዎም እዩ።

ብዘይካዚ ኣብ ፈለማ ዓመታት ናጽነት፡ ህዝባዊ ግንባር ንገለ ተጋሩ ገዲፉ፡ ንኹሎም ኢትዮጵያውያን ሲቪል ሰራሕተኛታት ዝነበሩን፡ ኤርትራውያን ኣንስቶምን ደቆምን ብኣልማማ ካብ ኣባይቶም እንዳፈናቀለ ብማርቸዲሳት ጽዒኑ ናብ ኢትዮጵያ ሰጒጕኦም እዩ። መብዛሕትኦም ኣብ ኢትዮጵያ ብቐረባ ዝድግፎም ናይ ቀረባ ቤተሰብ ብዘይምርካቦም፡ ሓያለ ካብኣቶም ኣብ ከቢድ ማሕበረ-ቊጠባዊ ሽግር ተሸሚሞም ከብድ ናብራ ከሕልፉ ተቐሲቦም እዮም። በዚ ምኽንያት እምበኣ፡ እቶም ዝበዝሑ ፍርቂ ጎኖም ኤርትራዉያን ኣብ ኢትዮጵያ ኣብዚ እዋን ንረኽቦም።

ብመንጽር እቶም ኣብ ኢትዮጵያ ዘለው ፍርቂ ጎድኖም ኤርትራዉያን፡ እቶም ኣብ ኤርትራ ዘለው ዝኸበደ ማሕበራዊ ናብራ የሕልፉ። ተወላዲ ኢትዮጵያ ኢኻ ተባሂሎም ካብ መውስቦ ዝግለሉ፡ ‘ፍርቂ ጎድንኻ ኢትዮጵያዊ ስለዝኾንካ ዋላ ኣብ ኤርትራ ተወሊድካ እንተዓበኻ ኤርትራዊ ኣይኮንካን፡ ብዛዕባ ኤርትራ ክትዛረብ’ውን መሰል የብልካን’ እንዳተባህሉ ይሽምጠጡ። ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ብፍርቂ ጎድኖም ጥራሕ ዘይኮነስ ምሉእ ብምሉእ ካብ ኤርትራውያን ዝውለዱ፡ ምስቶም ኣብ ኤርትራ ዘለው ብምዝማድ ዝሓሸ ማሕበራዊ ቦታ ኣለዎም። ኤርትራዊ መበቆሎም ኣብ ግምት ኣትዩ’ውን፡ ካብ ዝኾነ ፖሊቲካዊ መሪሕነት ኣይዕገቱን። ናይ’ዚ ቀረባ ኣብነት፡ እቲ በቦን በደን ኤርትራዊ እዩ መበቆለይ፡ ግን ከኣ ኢትዮጵያዊ’ዩ ስሚዒተይ ዝብል ኣማኻሪ ቀዳማይ ሚኒስተር ሃይለማርያም ደሳለኝ ኮይኑ ኣብዚ ኣዋን ዝሰርሕ ዘሎ በረኸት ስምኦን፡ ከምኡ’ውን ነቲ በዲኡ ኤርትራዊ ምኻኑ ዝገልጽ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ነበር መለስ ዜናዊ ምጥቃስ ይክኣል።

በዚ ኣብ ሕሉፍ ጸቢብ ዓሌትነት ዝተሞርኮሰ፡ ኤርትራውን ዘይ ኤርትራውን ዝብል ስሚዒታት፡ ግዳይ ንዘይ ምኻን ካብ ሕብረተ-ሰብ ኤርትራ ይኹን ካብ’ቲ ፖሊቲካዊ ተሳትፎን፡ ነብሶም ዘግለሉ ሓያለ ከምዘለው ይርአ። እንተኾነ፡ ክልቴአን ሃገራት ናብ ንቡር ሰላማዊ ዝምድና ተመሊሰን፡ ኣብ ክልቴአን ሃገራት ዝርከቡ መቕርቦም ተሓቋቒፎም ዝርእዩሉ እዋን ጋህዲ ክኸውን ዓቢ ሃንቀውታ ኣለዎም። እንተኾነ ግን፡ ነዚ ሃንቀውታ ጋህዲ ዝቕይርሉን ተጠርኒፎም ቋንዝኦም ዘስምዕሉን ባይታ ግን ዛጊት የብሎምን።

እዞም ዜጋታት፡ ብገለ ኤርትራውያን ኢና በሃልቲ፡ ዝወረዶምን ዝወርዶም ዘሎ ጸርፊን ማሕበራዊ ተነጽሎን፡ ነቲ ብምርጭኦም ዘይለበስዎ ድርብ መንነት ብዘየገድስ፡ ከምዝኾነ ካልእ ዜጋ ማዕረ ኤርትራውያን ምኻኖም ዘይቅንጠጥ መሰሎም ምኻኑ፡ ኤርትራውነት ድማ ስሚዒት እምበር፡ ብዘርኢ ጥራሕ ከምዘይኮነ፡ ዘረጋግጸሎምን ንቃንዝኦም ዝድብስን ኣካል የድልዮም። ብርግጽ፡ ዓው ኢልካ ዘይብከዮ ሞት ሕጹይ እንተሎ፡ ስቕያት ናይ’ዚኦም ግዳያት ታሪኻዊ ኣጋጣሚ ክልቲኤን ሃገራት ዝኾኑ ንጹሃት ዜጋታት ኢዩ።

ይቕጽል……….

ቴድሮስ ኣብርሃም

aseye.asena@gmail.com

Review overview
6 COMMENTS
  • hp September 23, 2015

    ኣቶ ተድሮስ፡ኣብ ዝቅጵል ክፋል ጵሑፍካ ኢቲ” ናይ ኣቦ ንመን ንሃቦ “ዝብል ቢሂል ኦስከ ገለ በል።መንነት ብሃገራውነት ዝግለጵ ኮይኑ፡ ኢቲ ኣባታዊ’ኸ?

  • keshi mars September 23, 2015

    መንነት፦ ብዓጽመ ስጋ ወይ ብመቦቆል ኣይኮነን ዝፍጠር፡ እንታይ ደኣ ምስ ሓደ ከባቢ ካብ ዘለካ ዝምድና፡ ኣብ ሂወትካ ብዝተፈላለየ መልክዑ(ቋንቋ፤ ባህልን ልምድን፤ ስነ ምግባርን ስነ ሓሳብን ተዛማድነት፤ ወዘተ)ዝግለጽ፡ ካብ ነዊሕ ጊዜ ኣብ ውሽጥኻ ክጥጃእ ዝጸነሐ ስምዒታት፡ ምስ ዕብየትካ ምስቲ ከባቢ ፍሉይ ምትእስሳር ብምፍጣር ካብ ውሽጥኻ ዝምንጩ ደራኺ ሓይሊ እዩ። ንጀበርቲ ብሓይሊ ትግርኛ ኢኹም ክትብሎም ኣይትኽእልን ኢኻ፡ ብዙሓት ካብ ጀበርቲ ከምኡ ዝኣምኑ ክኾኑ ይኽእሉ ግን ውሽጦም ኣብ ዝኣመነሉን፡ ዝረቶዖም መንነት ይጸጉዑ፡ ምርጮዖም እዩ። ነቶም ካብ ክልተ ሃገራት ዝውለዱ ዜጋታትን ኣምቸን ናይ መንነት ቅልውላው ኣለዎም ዘስምዕ ጽሑፍካ ውን ግጉይ እዩ፡

    • Suleiman Salim September 24, 2015

      እዚ ኩሉ ኮለል መበሊኻ ትግራዎት እዮም፡ ገሊኦም ኣብ ዘበን ኣጼ ዮሃንስ ገሊኦም ድማ ኣብ ዘበን ሃይለ-ስላሴን ደርግን እዮም ናብ ኤርትራ መጺኦም ንምባል ድዩ? እቲ ኣብ ልብኹም ዘሎ ዘይንፈልጦ ከይመስለካ። ዶርጉሓዮ ኣይትፍራህ!!

  • Natnael September 24, 2015

    Identity is mainly defined by the nation where someone is for a definite time. This nation in turn is a political entity in the sense of the 21st century. Look the Europeaan countries how they exist now especially after the World War II. Because of the border shift (example Germany x Tcheckoslavakia, Germany x France (state Saarland),…etc) some countries lost their former territories and consequently some nationals changed their identity inevitably.

    Therfore I find the article or the differntiation of our people absurd! The political entity ‘ERITREA’ exists no matter how, whethter it is by the Italians or greek people,…etc. We need now to narrow our difference and move forward as a unit as it belongs to a civilized people into the next generation. People are educated about the core problems in a society – the stratification of people by race, religion and region alredy in the struggle time (Gedli,Mieda)!

    Don’t divert the existing DIA – issues (COIE!) down to other valueless Themes. First let’s solve the main problem of a dictatorship that has consumed a nation and soooooooo many nationals! You may live in another country and got its nationality just after only some years! The issue of NATIONALITY is so minor that it doesn’t deserve mentioning it here unless someone has other intention.

  • shmdelay September 24, 2015

    Anta hawna eritrawi moboqel zbahal yelennn asmrelu

  • shmdelay September 24, 2015

    Asiebe ezi hizka zelo hmam Nska eka nhkmna zedlyeka kemti ab metewi tsuhufka nab Hakim kedka tefewes

POST A COMMENT