Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ማሕነቆ ቃልሲ ንለውጢ መንእሰያት ስደተኛታት ኤርትራ

ማሕነቆ ቃልሲ ንለውጢ መንእሰያት ስደተኛታት ኤርትራ (መንእሰይ ሮቤል እምባየ ኣባል ኤስደለ ኣብ ዘቕረቦ መግለጺ መጠናኸሪ ጽሑፍ)   ለውጢ ብዘይተሳትፎ መንእሰያት ኣይሰምርን ‘ዩ። ተራ መንእሰያት እቲ ዝለዓለ ቦታ ዝሕዝ ‘ዩ።  ኢሳይያስ ካብ ዝነቕሓሎም እቲ ቀዳማይ ነገር ናይ መንእሰያት ደላይ

ማሕነቆ ቃልሲ ንለውጢ መንእሰያት ስደተኛታት ኤርትራ

(መንእሰይ ሮቤል እምባየ ኣባል ኤስደለ ኣብ ዘቕረቦ መግለጺ መጠናኸሪ ጽሑፍ)

 

ለውጢ ብዘይተሳትፎ መንእሰያት ኣይሰምርን ‘ዩ። ተራ መንእሰያት እቲ ዝለዓለ ቦታ ዝሕዝ ‘ዩ።  ኢሳይያስ ካብ ዝነቕሓሎም እቲ ቀዳማይ ነገር ናይ መንእሰያት ደላይ ለውጢ ምዃንን ነዚ ኣተሓሳስባ ምድሃኽን ‘ዩ። ኣባል ኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራስያዊ ለውጢ መንእሰይ ሮቤል እምባየ ኣብ ኣኼባ ኤስደለ፡ ምኽንያታት ድኽመታት ተሳትፎ መንእሰይ ኣብ ምምጻእ ለውጢ፣ ዘቕረቦም ነጥብታት ስሒቦምኒ። እተን ምክንያታት ኣብ ኣሰና ዶት ኮም ወጺአን ዘለዋ እዚአን ‘የን።

  1. ዝተጋደሉ እንታይ ረኺቦም ዝብል ቀቢጸ ተስፋ መንፈስ ስለ ዝዓስሎም
  2. ኣተሃላልዋ ደምበ ተቓውሞን ብዝሒ ውድባትን ምትህልላኻቶምን
  3. ብህግደፍ ዝግበር ጸለመ ንጎረቤት መንግስቲ ኢትዮጵያ ከም ክድዓት ገይሩ ከም ዝቝጽር ካብ ከባቢ ሃገሩን ህዝቡን ኣርሒቑ ክስደድ ከም ዝሓስብ ስለ ዝገብሮ
  4. ኣብ መንጎ ምግዳልን ንድሕሪት ተሪፎም ዘለዉ ኣረጋውያን ወለዲ ናይ ምሕጋዝን ዘሎ ጸቢብ ምርጫታት ስለ ዘጨንቖ
  5. ብውድባት ዝግበር ምሕብሓባት ስለ ዝጎድልን
  6. ኣብ መዓርፎ ስደቱ ምስ በጽሐ ከኣ ቤቱ ሰቡ ንምሕጋዝ ብናይ ጣዕሳ ወረቐት ኣቢሉ ኣብ ዳግማይ ባርነት ናይ ህግደፍ ስለ ዝቝረን.. የጠቓልል።

 

ዝተጋደሉ እንታይ ረኺቦም ጥራይ ዘይኮነ ዝተመሃሩ ኣበይ በጺሖም፣ ዘዝዓበየ ንሳዋ፣ ወዘተ እንተትውስኸሉ ኣብ  መንእሰያት ንምግዳል ዘለዎም መንፈስ ንምድኻም ዝተጻወቶ ተራ ምጎልሐ። መንእሰያት ጉዳይ ትምህርቶም ከይገብሩ ብፍላጥ ትምህርቲ ከምዝዳኸምን እቶም ትምህርቶም ዝወድኡ ከኣ ተጠቀምቲ ትምህርቶም ከይኮኑ ተሰሪሒሉ። ብትምህርቲ ዓቢኻ ክንድቲ ትምህርትኻ ከኣ ኣይኽፈልን። ኣብ ትሕቲ ብደረጃ ትምህርቲ ትበልጾም ሰባት ትመሓደር። ብድሕረኻ ዝተቆጸሩ ሊዕሌኻ ይኽፈሉ። ፊደል ዝቆጸረ ደረጃ ትምህርቲ ክሳብ ዓሰርተው ሓደ ዘዝበጽሐ ንሳዋ ንኽፉት ኣገልግሎት ይኸይድ።  ነዚ ዝረኣየ መንእሰይ ንትምህርቲ ዝህቦ ዋጋ ቱሑት ይኸውን።  ከም ደላይ ለውጢ ናብ ስደት የማዕዱ። ዝተሰዱ ‘ዮም ስድርኦም ዝሕግዙ ዘለዉ። እስራኤል ዝበጽሑ ‘ዮም ገዛ ዝገዝኡ ዘለዉ። ሓቆም ዝተማህረ ተመሊሱ ሸኸም ስድራ ዝኾነሉ እዋን ትምህርቲ እንታይ ክዓብስ።

 

ብዝሒ ተቃውሞ ውድባትን ህልኸምን ዘምጽኦ ጸገማት፡ ፍታሕ መጨፍለቒ ጥበባት ኣብ ትብል ጽሑፈይ ኣብ ኣሰና ዶት ኮም ብዕለት 3 የካቲት 2015 ዝተዘርገሐት ገሊጸዮ ‘ለኹ። ብዛዕባ ብዝሒ ውዱባት ብምቅዋም ከምዚ፡ “እስከ ሕሰቡ ነዛ ቁንጣሮ ዝኾነት ሃገር ኣይኮነን እተን ዓበይቲ ዝበሃላ ሃገራት እንተኾና ‘ውን ክንዲዚ ዝኣክል ናይ ፖለቲካ ማሕበራት ኣየድልየን ‘ዩ። እዘን ዝበሃላ 30 ዝኾና ዘለዋ ውድባት በብዝኽተልኦ ርእዮተ ዓለም ኣተሓሳስበአንን እምነተንን ፈልየን ናብ ኣርባዕተ ወይ ክልተ ናይ ፖለቲካ ውድባት ክጥርነፋ ይግባእ። ፖለቲካዊን ወተሃደራዊን ሓይለን ኣብኡ ‘ዩ ዝረአ።” ዝብል ሓሳብ ኣስፊረ ኣለኹ። ብዛዕባ ህልኽ ዝምልከት ከኣ፡ “ህልኽ ካብ ናይ ሓሳብ ፍልልይ ዝመጽእ ውድድር እዩ። ህልኽ ቁዱስ ቅንኢ ኣይኮነን። ዓዕናዊ ውድድር’ ዩ። ህልኽ ክእለ ‘ለዎ። ናይ ካልኦት ሓሳብን እምነትን ከየነኣኣስካን ናትካ ከየዕበኻን ሚዛን ምሕላው ንህልኽ ይኣልዮ። ካባኻ ዝተፈለየ ናይ ካልኦት ሓሳብን እምነትን ምኽባር፡ ብኣንጻራዊ ኸኣ ናትካ ብኣታቶም ከምዝኽበር ይገብር።  ፍልልይ ሓሳባት መሰረት ዲሞክራሲን መልክዕ ቃልሲ ምዃኑ ኣሚንካ ምቕባል እዩ። ፍልልይ መልክዕ ፖለቲካዊ ውድድር ቃልሲ ‘ዩ። ናይ ሓሳባት ፍልልይ እንተዘየሎ ዲሞክራሲ ባይታ የብሉን በሃላይ እየ።” ዝብል ኣለዎ። ከምቲ ዝበልካዮ ብዝሒ ውዱባትን ኣብ ሊዕሊኡ ከኣ በብዘለውን ፖለቲካዊ ፕሮግራም ኣብ ህልኽ ኣትየን ኛኽ ክበሃላ ምርኣይ ጽልግላግ ሓሳባት ስለዝፈጥረሉ ንመናሰይ ኣበየናይ ውዱብ ክሳተፍ ከምዘለዎ ምርጫ ንኽወስድ ኣይሕግዞን እዩ።

 

ኢሳይያስ እንታይ ይጸልእ ኢልኩም እንተሓቲትኩምኒ፡ እታ መልሲ ኣብ ቀረባ ኮይኑ ዝቃለሶ ምበልኩ። ተቃወምቱ ኣብ ጥቕኡ ኮይኖም ከይቃለስዎ ድሮ ነቂሒሉስ ክህልዉ ዝኽእሉ መስመራት ዓጺዎ ‘ዩ። ቀደም ኣብ መፈለምታ ተሰዓታት ብሽም ሓምሻይ መስርዕ ዝጠፍኡ ዜጋታት ክንዝክሮም ይግባእ። ሽዑ ‘ዃ ተደሃሊልና ኢና ኔርና። ፋብሪካ ሓሶት 03 ድሕሪ ውግእ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንመሬትን ህዝብን ኢትዮጵያን ፎእ ክንብሎም፡ ብእኡ ዝተሰደ ከምኦም ፎእ ክበሃል ዝዘርገሓቶ መርበብ ሰሪሑ ‘ዩ። ነገሩ ከምዚ ‘ዩ ዝመስል፡ ብሱዳን፣ ብየመን፣ ጁቡቲ፣ ሱዑድያ ዝተሰደ ደሓን ፍቁድ እዩ ከም ማለት፡  ስደት ደኣ ምርጫ ኣለዎ ድዩ። ሕቶ መዕቆቢ ሂይወት ናብ ዝጠዓመካ ኢኻ ትኸዶ ‘ምበር ስደተኛ ምርጫ ኣለዎ ድዩ?  ብዝኾነ ፋብሪካ 03 ስርሓ ጌራ እያ። ኢሳይያስ ኢትዮጵያ ጥራይ ተቃወምቲ ከተደራጁ ከምትኽእል ኣጸቢቁ ይፈልጥ ‘ዩ። ነተን ካልእ ብሽጣርኡ ክቆጻኣአረን ይኽእል ‘ዩ። ስለዝኾነ ህዝቢ ናብ ኢትዮጵያ ከይስደድ፡ ብኢትዮጵያ ዝተሰደ ሊዕሊ ኢትዮጵያውያን ክጽላእ ማለት እዩ። ኣብኡ መብጺሕኡ ምስ በጽሐም ከይቃወም ኣፉ ክልጎምን (በዚ እቲ መንእሰይ ኣብ ደንበ ተቃውሞ ኣይኣቱን) 2% ክገብር (በዚ እቶት ይረኽብ) ናይ ጣዕሳ ወረቀት ምህዞ ተጣበቡሉ። መቀባጠሪ ናይ ጣዕሳ ወረቀት ትመልእ፡ ኤርትራ ኣቲኻ ትወጽእ። ብጸገም ዝርከብ ፓስፖርት ብቀሊሉ ትረኽቦ። ግሩም ምህዞ። እቲ መንእሰይ እቲ ዕድል ከየምልጦ ሩሑቕ ሃገር ምስዳድ ክመርጽ እዩ ተገዲዱ። ብዙሓት ኣብ መንጎ ምግዳልን ምሕጋዝ ስድራን ኣብ ቀራና መንገድ ደው ኢሉም ዘለዉ ናይ ሓጺር ጊዜ ዓወታት ዝሓስቡ መመንእሰያት ከኣ ሓንጎፋይ ኢሎም ተቀበልዎ። ግዳይ ፈቀዶ በረኻን ባሕሪን ከኣ ኮኑ። ዘሕዝን ትራጀዲ።  ናይ ባርነቱ ቀጻልነቱ ከኣ ኣረጋገጹሉ። ካብ ባርነት ናብ ካልእ ዝተጠናነገ ባርነት። ብትራጀዲ ዝተዓጀበ ዘስካሕክሕ ድራማ።

 

ይኣክል!! መንእሰይ ተበራበር፡ ሃገር ኣብ ትከዶ የብላን። ብዘይካ ኢሳይያስ ሃገርካ ዝኸልኣካ የብልካን። ንሩሑቅ ጠምት። ብሓጺር ምሕሳብ ደው ኣብል። ከምዚ ንሕና ተዓሽና ናይ መንእሰይ ዕድመና ተሸቁሪርና ዘሕለፍናዮ ከይረኽበካ ንምልኪ እለዮ። ኣምላኽ ምሳኻ ይኹን።

ምልኪ ይፍረስ ፍትሒ ይንገስ!!

ደብረ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
4 COMMENTS
  • Weldu Birhan February 8, 2015

    ወያነ ንባዕሊም እቲ ብሃገሮም ጌሩ ንወጻኢ ዝኸይድ ኤርትራዊ ናይ ጣዕሳ ወረቐት ከም ዝመልእ ፈሊጦም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣየርፖርት ናይ መንግስቲ ኤርትራ ናይ ጣዕሳ ወረቐት ይዕድሉ ኣለዉ ሰሚዔ፣ክንደየናይ ሓቅነቱ ግን ኣይፈልጦን።እቶም መንእሰያት ኤርትራ ነቲ ቃልሲ ተቓወምቲ ዘይሳተፎ እቲ ቃልሲ ኤርትራ ዘየድልን ኣዕናውን ኮይኑ ስለ ዝተረድኦ እዩ ዝብሉ ወያናውያን ኤርትራውያን ከይንኣምን ንጠንቀቕ፣ምኽንያቱ ህግደፍ ምስ ተቐየረ እምበር, ሻዕብያ ከሎ ጻድቕ ከም ፈላሲ እዩ ኔሩ ቃልስና።

    ዕንወት ንትግራይ ትግርኚ
    ኤርትራ ብፔትሮ ጣፍ ንትግራይ ኣይትትሽየጥን እያ።

    • Eritreawit February 8, 2015

      Weldu Birhan, AKA COW FACE, ugoslavo, the ” NOBEL ” RATHER HASAD teacher. you are so obivouse, you came again when you see new strong faces coming to ASSENNA, to spoil, ANta Hasad, kondaf——, stay away from our forum. We don’t have any problem with Tigray OR Ethiopia. our problem is sick people who have no class and identity.

    • Debre February 9, 2015

      ክቡር ሓው ወልዱ ብርሃን
      ፋብሪካ ሓሶት ባዶ ሰለስተ ኣጸቢቀ ይፈልጣ ‘የ። ንሳ ኮ ነቲ ፍርያታ ብወርቃዊ ቀለም ለኻኽያ እያ ትቅርቦ። ማለት ብዘእምን መንገዲ። እዛ ናትካ ፋብሪካ መን እያ ትበሃል? እቲ ሓሶትካስ ብደረቁ!! ፋብሪካ ሓሶት እንተዘይብላካ ከኣ ተለማማዳይ ዕሱብ ባዶ ሰለስተ ከይትኸውን እጥርጥር። ኣጉል ጥርጣረታት እንዳነዛሕኻ ህዝቢ ካብ ቃልሲ ንለውጢ ንኸይሳተፍ ምግባር ቀንዲ ዕማም 03 ‘ዩ። ደምሂት ከኣ ኣካል እዚ ዕማም ‘ዮም። ኣይትሓዘለይ ኤርትራዊ ምዃንካ ተጠራጢረ። ዝበልካ በል ቃልሲ ደው ኣይብልን እዩ።

  • Weldu Birhan February 8, 2015

    ma’am

    whatever your animosity with hasad teacher does not concern me ,what is that you find untruth or unpatriotic about my opinion and who made you in charge to give permission or deny permission to this website mwhy do you not tell Dan Connel he is not Eritrean or because he is white you lick his boots ,you may not have problems with demhit ,we real eritreans do ,

POST A COMMENT