Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ማዕረጭቆና: ንደቅንስትዮ ድርብ ወጽዓ እዩ:

ህዝቢ ዓለም ኣብ መሰልን ማዕርነትን ደቀንስትዮ ዘለዎ ኣረኣእያ ንደቀንስትዮ "ማዕረ ወዲ ክሃልካ ኣለወን" ኣብ ዝብል ኣምር ዝተመስረተ ኣይኮነን:: ኣብ ትምህርትን ምርምርን ዘለዎ ኣበርክቶን ጸጋ ተፈጥሮ ዝዓደለን ኣደነትን ንደቀንስትዮ ብምክንኻን ጥዑይ ሕብረተሰብ ምፍጣር ንዓለምና  ቀንዲ ሕመረት

ህዝቢ ዓለም ኣብ መሰልን ማዕርነትን ደቀንስትዮ ዘለዎ ኣረኣእያ ንደቀንስትዮ “ማዕረ ወዲ ክሃልካ ኣለወን” ኣብ ዝብል ኣምር ዝተመስረተ ኣይኮነን:: ኣብ ትምህርትን ምርምርን ዘለዎ ኣበርክቶን ጸጋ ተፈጥሮ ዝዓደለን ኣደነትን ንደቀንስትዮ ብምክንኻን ጥዑይ ሕብረተሰብ ምፍጣር ንዓለምና  ቀንዲ ሕመረት ምዕባለ ምዃኑ ብምእማን እዩ::

መሰል ደቀንስትዮ ህያብ ኮይኑ ወይ ዋና ሃልዩዎ: ዝኽላእ ወይ ፍትወት መራሕትን ስርዓታትን ዝባርኾ ኣይኮነን:: ኣብቲ ደቀንስትዮ ኮስኪሰን ዘማዕብልኦ ሕብረተስብ ዝሰፍን ምዕሩይ ኣተሓሳስባን ሓልዮትን እዩ:: ደቀንስትዮ ባዕለን ዘረጋግጽኦ ውሑስ ሃዋህው ክንብል እንከለና መእሰሪ ሕብረተሰብ ኮይነን ናብ ቅኑዕ ኣተሓሳስባ ከሰጉማ ዘለወን ተኽእሎ ዘዕዝዝ: ህያብ ኣደነት ስለዝውንና ፈጠርቲ ሕብረተሰብ እየን::

ሃገርና’ኸ  ኣብዚ እዋንዚ ነዚ ጸጋ ምዕባለ ክኸውን ዘለዎ ኣካል እትጥዕም ኮይና ዶ ትኸይድ ኣላ፧

ደቀንስትዮ ኤርትራ ሕመረት ሕብረተሰብ ዶ: ወላስ ማዕርነት ከም ህያብ መንግስቲ ጌርናልክን ይበሃላ ኣለዋ፧ ኣረጋጊጸንኦ’ዶ ወይስ ተረጋጊጹለን፧ ኣብ ምንታይ እየን ከ ማዕረ ኮይነን ዘለዋ ፧ እንተ ኢልና እቲ ወጽዓ ጎሊሑ ይርአ።

ኣዴታት ኤርትራ ካብ ዘመነ መግዛ እቲ ዝገደደ ብስ እነት ሰላም ይሳቐያ:: ዘዝበጽሐ ውላደን ንመስዋእቲ እናቐረባ ተሸቑሪረን ይነብራ:: ጎራዙትና ተበሃጊ ዕድመአንን ናይ ምውላድ ዕድለንን ኣብ ሃልኪን ባርነትን የሕልፍኦ::

ስብኡተን ጅሆ ብምሓዝ ዝተበታተነ ሓዳር ብምፍጣር: ድርብ ሓላፍነት ቆልዑ ተሰኪመን: ውላደን ከም ትሕጃ እናተቖጽሩ ናብ ሃገራት ክባርያ ይሽየጣ:: ብእግረን ዶባት ክሰግራ ዝተረኽባ ራሄላት ብተመልከተለይ ይርሸና:: ኣብ ባሕሪን  ምድረበዳን ይሞታ::

ኣየናይ እዩ ዳኣሉ’ ሞ መሰልን ማዕርነትን : ኣየናይ እዩ’ኸ እቲ ጉንዖ፧ ንናጽነት ሃገርን ን ማዕርነት ዝተቓለሳን ዝመሃራን ኣብ ማሕዩር ምሕቃቕ፧ ማዕረ ደቂ ተባዕትዮ ኣብ ወፍሪ ምጽማድ፧ ከምኡ እንተኾይኑ ኣብ ማ ህደር 8 መጋቢት የለን::

ብርሃን ከሊእካ “ብርሃን ኢኺ” ምባል ዘይስምዕ ባዶ ጭርሖ ኣየዕንግል ኣየዳህልል። ደቅንስትዮ ኤርትራ ነዚ ብባዶ መሰል ማዕረ ደቅ ተባዕትዮ ዘባርየን ዘሎ ኣጽናቲ ስርዓት ብንቕሓት ክገጥምኦ ይግባእ::

ብማዕረ ኣብ ሰላምን ምዕባለን እምበር: ማዕረ ጭቆና ኣብ ደቀንስትዮ ድርብ ወጽ ዓ ስለዝኾነ::

8 መጋቢት 2012

ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ መንእሰያት ኤርትራ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
5 COMMENTS
  • tegadalay March 8, 2012

    thank you for bringing this topic there are woman in eritrea who dirve TRACTORS TANKS PILOTS FOR MILTARY AIR DIFFENCE POLICES & MORE so what are you going to say abaout this

  • selomon March 8, 2012

    tegadalay denqoro shim keyr “METAQIE ” kindey eyen ab air force zelewa kindey eyen ab police zelewa fetyen diyen neti moya atiyeneo wela tegediden kurub
    eti haki kitishufunu tekek tiblu ewae hatyat ke wedey aytiferhun dikum hasot mimiskar kebid hatyat do ke aykonen eta eritrea kuluna nifelta ni kebabi asertetat ametat dekimnala rihitsinala dem zefsesnala hager esukum abzi konkum hatyat aytiferhu gele aytiferhu mis meibeykum tufuu zibahalu kemzi kemaka eyom denqoro

    • haki ytakeb March 10, 2012

      WE HAKIKA KEDEM AB JEBHA ABAY MESEL DEKI ANSTYO YHILO NIRU KITBL ANTEKOYNKA KAB ASLAMEYTIN KISTANEYTN TEGADALIT WIN BZEABA MESEL DEKI ANSTIYO KABOU EU ZIJIMR.AZI ZEBEKAYO KULU FALSO EU. S E L O M O N Y E!!!!!

  • Semhar March 9, 2012

    We should read and implement the advise of the founders of our revolution.

    1) Woldeab W/ Mariam: “God blessed this crown (Eritrea) for us,
    Woe to him who dares touch it.”

    2) Ibrahim Sultan. “ Stand united my dear folks.
    Unite and work together for Eritrea.”

    Death to the mad dog, the tyrant dictator and his followers!

    • haki ytakeb March 10, 2012

      U WILL FIRST!!!!!

POST A COMMENT