Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ምሁር ደንቆሮ ዋላስ ሃብታም ስሱዕ

መጋቢት 2015   ምሁር ደንቆሮ ዋላስ ሃብታም ስሱዕ እዚ ኣብ ልዕሊ ህዝብናን ሃገርናን ወሪዱ ዘሎ ጸልማት መዋእል ንኸብቅዕ፡ ናይ ኩሉ ኤርትራዊ ዝተዋደደ ሓባራዊ ቃልሲ ከምዝሓትት ንኹሉ ብሩህ’ዩ። ይኹን እምበር ኣድማዒ ፍረ ንምምጻእን ሓፋሽ ንምውዳብንን፡ መሪሕ ተራ ናይቲ ምሁርን

መጋቢት 2015

 

ምሁር ደንቆሮ ዋላስ ሃብታም ስሱዕ

እዚ ኣብ ልዕሊ ህዝብናን ሃገርናን ወሪዱ ዘሎ ጸልማት መዋእል ንኸብቅዕ፡ ናይ ኩሉ ኤርትራዊ ዝተዋደደ ሓባራዊ ቃልሲ ከምዝሓትት ንኹሉ ብሩህ’ዩ። ይኹን እምበር ኣድማዒ ፍረ ንምምጻእን ሓፋሽ ንምውዳብንን፡ መሪሕ ተራ ናይቲ ምሁርን  ምኩርን ዜጋ ይሓትት። ንኣብነት ኣብ  ግዜ ብረታዊ ቃልስና፡ ዝለዓለ  እጃም ፈላጣት፡ ምኩራትን ሰብ ጸጋን ኤርትራውያን፡ ህይወቶም፡ ክእለቶምን ገንዘቦምን  ብምውፋይ ልዑል እጃም ኣበርኪቶ’ዮም። ካብ ድሕሪ ናጽነት ክሳብ ለይቲ ሎሚ‘ውን ዝበዝሑ ምሁራትን ርኹባትን ዜጋታት፡ ግዜኦም፡ ፍልጠቶምን ገንዘቦም ንህዝቦምን ሃገሮምን ብምውፋይ  ብዝተፈላለየ ኣገባብ ንስርዓት ኢሳያስ ይምክቱ  ኣለው። እቲ ወትሩ፡ ራህዋን  ብልጽግናን ዝምነ ህዝብና፡  ካብ ምሁራቱን ርኹባትቱን ዜጋታት  ዝጽበዮ እንኮ ህያብ ድማ፡ ‘’ኣጆኻ ኣብ ጎድንኻ ኣለና’’ ዝብሉ እምበር፡ ምስ ደመኛ ጸላኢኡ ስርዓት ኢሳያስ ተሓንጊሩ ስቃዩ ዘናውሕ ኣይደልን’ዩ።

እቲ ዘገርም ድማ፡ ነዚ  ተበላጽን ስሱዕን  መርገጺ  ብምምራጽ፡ መጋበርያ ስርዓት ኢሳያስ ኮይኖም ዘለዉ ምሁራት ኤርትራውያን፡ እቶም ኣብ ዲሞክራስን ሰብኣዊ መሰል ደቂሰባትን ዝሰፈነለን ሃገራት ዝቅመጡን እንታይነትን ትርጉምን ፍትሕን ክብሪ ሰብ  ኣዳዕዲዖም ዝፈልጡን ኢዮም። እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ቁጠባዊ፡ ፖለቲካውን ማሕበራውን ክውንነት፡ ኣብ ታሪኽ ኤርትራ ዝኽፍአን መዘና ዘይርከቦን ገሃነብ እሳት ክንሱ፡ ገለ ምሁራት ኤርትራ ግን ዓይኖም ዓሚቶም “ኤርትራ ሰላምን ቅሳነትን ዝሰፈና ኣብነታዊት ሃገር’ያ፥ ቁጠባ ኤርትራ ቀጻሊ ዕቤት የርኢ’ሎ፥ ኣብ ኤርትራ ወርቅን ነሓስን ይሕፈስ ኣሎ፥ ኤርትራ መስሕብ  ወጻእተኛታት በጻሕቲ’ያ”  ወዘተ እናበሉ ከወናብዱን ሓቂ ክጥምዝዙን ምፍታኖም’ዩ። ንምሳሌ፡ ኣብ 2013፡ ኣደ  ኣብ ሰሜን ኣመሪካን ኤውሮጳን እናተዘዋወረ ህዝባዊ ኣኼባታት ዘካይድ ዝነበረ ምሁር ዜጋ፡ ኣብ ኤርትራ  ብዝተፈላለያ ኩባንያታት ወጻኢ ዝካየድ ዘሎ ዕደናዊ ዳህሳስን ድሮ ፍርያት ክህብ ጀሚሩ ዘሎን ጸጋታትና፡ንዕቤት ቁጠባ ኤርትራ ነባሪ ውሕስነት ከምዝህብ ሓቢሩ። ኣብ ኤርትራ ባህርያዊ ጸጋታት ክርከብን  መነባብሮ  ህዝብና ክመሓሽን ባህጊ ኩልና’ዩ። ይኹን እምበር፡ ህላወ  ባህርያዊ ጸጋታትን ምቹእ ጂኦግራፍያዊ ኣቀማምጣን፡ ምስ ምልካውን ግሉጽነት ዘይብሉን ስርዓት ትርጉም ከምዘይብሉ ነዚ ምሁር ሓውና ስለምንታይ ተሰዊርዎ?። ወይ ድማ ከምቲ “እናፈለጠ ዝደቅሰስ ነቅኒቕካየ ነይሰምዕ’ዩ” ነገራቱ!

ነቶም  ብግዝያውን ውልቃውን ረብሓ  ምስ ስርዓት ኢሳያስ ዝቆማጥዑ ዘለዉ ገለ ምሁራት ኤርትራውያን ሓደ ኣጸቢቆም ዝፈልጥዎ ጉዳይ ከተምብሃሎም እፈቱ። “ብልዒ ሓላፊ ስም ተራፊ” ከምዝብሃል፡ መዓልቱ ሓልዩ ስርዓት ኢሳያስን እከይ ተግባራቱን ክሓልፍ’ዩ። ንስኻትኩም ‘ውን ዕድሜኹምን ሎሚ  ትረኽብዎ ዘለኹም ዓስቢ ሓሶትኩምን

ምስሉይነትኩምን ምስኡ ከብቕዕ’ዩ። እቲ ጸሊም ተግባራትኩም ግን፡ ንዉሉድ ወለዶ ኣብ ኣእምሮናን ምዛግብናንን  ክተርፍ’ዩ። ስለዚ፡ ካብ ምሁር ደንቆሮ ወይ ሃብታም ስሱዕ ስም ትወሃቡ፡  ነቲ ኣብ ኤርትራ፡  መባእታዊ ማሕበራዊ ዕድላት  ተሓሪምዎ ከርፋሕ መዋእል ዘሕልፍ ዘሎ፡ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ዝሳቀ ዘሎ፡ ኣብ ኣጻምእን ባሕርን ዝመዉት ዘሎ ኤርትራዊ ጸገማቱ ንዓለም ከተእውይሉ፡ ምእንቲ ሓፋሽ ክትጣበቁን ክትብጀዉን የምሕረልኩም። እዚ ክትፍጽሙ ኣይክኣልኩምን፡ እግርኹምን ኣፍኩምን ኣክቡን ስቃይ ህዝቢ ኤርትራ ኣይተናውሑ።  ተስፋ ይገብር ምኽረይ ተረዲእኩም፡ ስምኩምን ተግባርኩምን ካብ ምሁር ደንቆሮ ናብ ምሁር ወረጃን ተቆርቋሪ ህዝቡን ክትኮኑ። በዚ ዘለኽሞ ጽዩፍ ተግባራት ክትቅጽሉ እንተመሪጽኩም ግን ምሕረት የውርደልኩም።

ጽላል

ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • Keren March 4, 2015

    This may not be related to the topic but this is the top world news on BBC today:

    “‘First human’ discovered in Ethiopia
    Pallab Ghosh By Pallab Ghosh Science correspondent, BBC News
    Fossil jawbone The fossil’s teeth are smaller than those of other human relatives

    Scientists have unearthed the jawbone of what they claim is one of the very first humans.

    The 2.8 million-year-old specimen is 400,000 years older than researchers thought that our kind first emerged.

    The discovery in Ethiopia suggests climate change spurred the transition from tree dweller to upright walker.

    The head of the research team told BBC News that the find gives the first insight into “the most important transitions in human evolution”.

    “This is the most important transition in human evolution”

    Prof Brian Villmoare University of Nevada

    http://www.bbc.com/news/science-environment-31718336

POST A COMMENT