Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ምልካዊ መራሒ ስርዓት ህግደፍ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ ብዘይካ’ቲ መጋበርያ ስልጣኑ ዝኾነ ህግደፍ ኣብ ኤርትራ ፖለቲካዊ ህይወት ክህሉ ዘይሕሰብ ምዃኑ ደጊሙ ገሊጹ።

ኣሰና (10 ለካቲት 2014) ምልካዊ መራሒ ስርዓት ህግደፍ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ ትማሊ ምሸት ኣብ ዘካየዶ ቃለመጠየቕ፣ ብዘይካ ህግደፍ ኣብ ኤርትራ ፖለቲካዊ ህይወት ክህሉ ኢልካ ዘይሕሰብ ምዃኑ ደጊሙ ብምግላጽ፣ ኣብቲ ብስርቅን ዓመጽን ዝሓዞ ዘይሕጋዊ ስልጣን ናይ ምንባር ገባቲ

ኣሰና (10 ለካቲት 2014)

ምልካዊ መራሒ ስርዓት ህግደፍ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ ትማሊ ምሸት ኣብ ዘካየዶ ቃለመጠየቕ፣ ብዘይካ ህግደፍ ኣብ ኤርትራ ፖለቲካዊ ህይወት ክህሉ ኢልካ ዘይሕሰብ ምዃኑ ደጊሙ ብምግላጽ፣ ኣብቲ ብስርቅን ዓመጽን ዝሓዞ ዘይሕጋዊ ስልጣን ናይ ምንባር ገባቲ ሕልሙ ከም ቀደም ኣብ ቦትኡ ምህላዉ ብብድዐ ኣረጋጊጹ።

ንሱ ኣብቲ፣ ኣብ ወረቐት ዝነብሩ ዘይፍጸሙ መደባት ልምዓት እናጸፍጸፈ ከም ቀደሙ ንህዝቢ ብኣጉል ተስፋ ንምትላል ዝፈተነሉ ኣጋጣሚ፣ ኣብ ኤርትራ ብዙሓዊ ፖለቲካ ዶ ዲሞክራሲ ከነተኣታቱ ኢሉ ዝሓልም ሰብ ኣብ ወርሒ ወይ ካልእ ዓለም ዝነበር ክኸውን ኣለዎ ብምባል፣ ንፖለቲካዊ ብዙሕነት ከም ቀደሙ ተጻዋርነት ከምዘይብሉ ዳግም ኣገንዚቡ።

ኢሳይያስ ብተግባር፣ ከምኡ ‘ውን ኣብ ቃለመጠየቓት “ብዘይ ስልጣን ህይወት ኣይረኣየንን እዩ” ክብል ብቓል ምርግጋጹ ደረት ዝሓለፎ ዕብዳን ስልጣን ከምዘለዎ  ድሮ ብሩህ ኳ እንተኾነ፣ ነቶም ኣንጻር ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ፊትንፊት ምግጣም ሰልችዩዎም ሓደስቲ ምኽንያታት እናማእረሩ ዝማትኡ ክፋላት ሕብረተሰብና ንየዋህነቶም ኣጸቢቖም ክሓስቡሉ ዘዘኻኽር ንጹር መልኽእቲ ኣለዎ።

ንኢሳይያስ ብቛንቍኡ ምዝራቡ እምበር ምቅብጣር ፋይዳ ከምዘይብሉ ከኣ ክግንዘቡዎ ይግባእ።

ምልካዊ መራሒ ስርዓት ህግደፍ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ ብቓላት ኣብ ድርኵዅት ሓድሽ መድረኽ ኣለኹ ክብል ኳ እንተፈተነ፣ ብህዝቢ ኤርትራ ተፈንፊኑ፣ ብዓለም ተነጺሉ፣ ድሕረይ ሳዕሪ ኣይብቆላ ብዝብል ቅብጸታዊ ኩነት ንሃገርና ኣብ ገምገም ውድቀት ኣብጺሑዋ ከምዝርከብ ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ብሩህ ኮይኑ ‘ሎ።

ክቡራት ተኸታተልቲ ኣሰና፣ ኣብዚ ትማሊ ዘካየዶ ቃለመጠየቕ ዘተኮረ “ ሰኽራም ሲ ናይ ልቡ ይዛረብ” ዘርእስቱ ኣብ ናይ ሎሚ 10 ለካቲት ድምጺ ኣሰና ዝተፈነወ መደብ  ክትከታተሉ ነዘኻኽረኩም።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
57 COMMENTS
  • Semhar February 11, 2014

    ኣደታተይ ክብለክን ሓደራ
    ነበረ ኪብሃል እዚ ሽግር መከራ
    ማምዩቓ ክትነብር ዝቖረረት ስድራ
    ወፊራ ክትኣቱ ማእሪራ ድራራ
    ኣብ ግንባር ዘለዉ ደቅኽን ምኸራ
    ኣንጻር’ዚ መላኺ ከቕንዑ ጭማራ!
    ኣንጻር’ዚ ጉጅለ ከቕንዑ ጭማራ!

  • Tamrat Tamrat February 11, 2014

    Imagine different political parties of Eri made of chairmans of the follwoing People: ‘Truly Truly i say to you’ chairman of the party ‘Jesus unite eritrea’,Dawit Maconin’ chairman of the party ‘Anti woyane eri-patriot’ and L.T as the Chair man of ‘Hgdef of Diaspora.

    The sadest thing is these People could be as any normal People in Kenya or Tanzania but only eplf is the reason that they end up like this. They couldnt tolerate the change.

  • david February 11, 2014

    (መን ከም ሐቂ) ሐቅኻ ይጥፋእ፤ ወዲ ኮማሪት ኢልካ እትጻረፍ ጉዕዙይ ልሳን፤ አዲኡ እንታይ’ያ በዲላትካ? ስረ እንተሎካ ሃየ እንሆለካ ባዕሉ፤ ዕጡቕ ኩን ግጠሞ። እንተዘይኮይኑ ከምቲ መቐመጯኻ እቲ አፍካ’ውን ሓብሶ። ዝኾነት ትኹን አደ ክትጽረፍ ባህልና አይኮነን። መዕበይ ዘበደሎ ዝበሃል ከማኻ ዝበለ’ዩ። ወዲ አፎም ብሪ እንተኾይኑ ብናሃትካ ሀተውተው ካብታ ሥልጣኑ ሓንቲ ደቒቓ’ውን አይከጉድልን’ዩ። ግን ብምጽራፍካ ይነፍሰልካ ይኸውን፤ እንታይ ይፍለጥ።

    • Suleiman Salim February 11, 2014

      ” መን ከም ሓቂ ” ሓደ ጃጃዊን ድርባይን ሰብ እዩ።

  • afro February 11, 2014

    EZI UBUD KELBI BJE NAY SLTAN HRFAN KAL’E ZKONE LEWTI KEMTS’E ZEYKE’ALE ENTEHAWTETE KGERMENA YEBLUN.N ERITREA KE’A NAB TSEDFI KETSD’FA HZBI KIBETATN EJIB SLEZEYBLO BETA HANTI NSU ZRDE’A QUANQA HAYLI GERKA EYU K’ELE ZKE’AL.NEZOM ME’ANTA ZEYQOTSERU DEKI DEKU ZKONU MEN’ESEYAT AB KURNE’AT ALEM FAH BTN ELOM SHIGRN MEKERAN ZEHLFU ZELEWU EMO KE’A BSENKI NATU CHIKONA, BFTSUM BD’EN KEM SEB METEN KEMAN MNM HLNA ZEYBLU EKUY, KENASHIWOMN KENE’A ESOMN ENTAY KIBEHAL YKE’AL.EZI EKEY GBRI B EZNU MS TEWETETE TRAY EYU ZRDE’O.BZKONE MELEK’E N ERITREA HADE SGUMTI N KDMIT ZEYKONE ASERTETAT SGUMTI NDHRIT MELISUWA ALO. WDKET NMELAKN SE’ABTUN AWET KE’A NHZBI ERITREA!!!

  • Teclay February 12, 2014

    Do You Remember2004 ,,the so called Eritrean cabinet of minsters passed a low to restrict internet usage.that law killed my last hope.Until that day,even tough i had many questions about Eritrean Ghedli in general, i used to support the GOv in all forms.Now i believe the problem is not about ISSU, but our combination ,we do not have any real strong bound among us .Now it is bad tomorrow will be worse,,the civil war is ready ,who is going to stop? we do not have any untied figure,,,the only hope is to go back to our forefathers” shimagle Addi” if there are few at all,who are 80 or 90 years old .The generation less than 70 years old are the Ghedli generation ,who are the main cause of the today`s humiliation in the world,yes we are humiliated our name is Refuges

  • Freweyni February 13, 2014

    ክቡራት አርትራዊያን አሕዋትን አሓትን

    እዞም ከም ብዓል ሃያል፡ ሱልጣን፡ ኪዳነ ዝአምሰሉ ሃሱሳትን ጨካናትን ዝጽሕፍዎ ዘለው ነቶም ካብ ህዝቦም ንሰልጣን ዘቀምቱ ተቃወምቲ አካይዳኦም ዘይተዋሐጠልና’ሞ ካብአቶም እዚ ዘሎ ምስሽሕ ድኽመታቱ ይሓይሽ እንብል ብአገላልጻ ተቃወምቲ ክዳዓት እንበሃለ ዘጋታት ፈጺሞም አይውክሉን እዮም።ሓዘን ህዝብና ሓዘና እዩ ብኽያት ህዘብና በኸያትና ዓውት ህዝብና’ውን ዓወትና እዩ።

    ምስ ዝበዝሑ አብ ከባቢየ ማለት ዘለኽዎ ዓዲ ዘለዉ ሃገራዊያን ደገፈቲ ዘሎ መንግሰቲ ዝኾኑ፡ ዝኾነ ነገር ከም ናየ ላምባዱዛን ሲናይን ዘአምስል ዘሕዝን መዓንጣ ከብዲ ዝቆርጽ ነገራተ ከጋጥም ከሎ ንመያየጥ ኢና። ክሳብ ‘ዛ ሕጂ ንአካይዳን ፖሊስን ዘሎ መንግስቲ ድጊፉ አፉ መሊኡ ዝዛርብ ረኺበ አይፍልጥን እንታይ ድአ ናይ ኩሎም አመለኻኽታ እዚ ዘሎ መንግስቲ እንተተአልዩ በድሐሪኡ ሃገር እነታይ ክተከውን እያ መን እዩ’ኸ ዝርከባ እዞም ዘለዉ ተቃወምቲ እንተኾኑ ገና ስልጣን ከይሐዙ ዝናቆቱ ዘለው ሃገር ምርሑ ምስ ዘበሃሉ ሃገር አብ ውግእ ሕድሕድ ከትአቱ እያ ወይ ድማ ክትበታተን እያ ዝበል ፍርሂ ዘለዎም እዩም አነ እውን ከምኦም።

    ሃገር ክትምዕብልን ሰላም ከህሉን እነተኮይና ቅድም ቀዳድም አዞም መራሐቲ ተቃወምቲ ዝበሃሉ በሙሉኦም ተሓኺኾም ብሓቀኛታት ትተኪኦም አብ ሓደ ዘተጠርነፍ ግምባር ክምስረት አለዎ። ሽዑ አዚ ዘበዝሕ አማራጺ ስኢኑ ድጋፊ መነግሰቲ ኮየኑ ዘሎ ሀዝቢ ግልብጥ ብምባል ምሰቲ ግምባር ኮየኑ ነዚ ዘሎ መንግሰቲ አወጊዱ ዲሞክራሲ ዝሰፈና ሃገር ነምምስራት ንመሰሉ ክቃለስ እዩ። ናይ ሓባር ዓወት ዝመጽእ ድማ ሽዑ እዩ።

    ድጊም ክበሎ ዝደሊ ብዓል ሃያል፡ ሱልጣን፡ ኪዳነ ዝአምሰሉ ናይ ብሕቲ ቅርሕንቲ ምሰ ሀዝቢ አሪትራ ዘለዎም እምበር ንማንም ከምዘይውክሉ እዩ።

    ሃገርና አምላኽ አብ ዝሓሽ ይምረሓያ አመን።

  • Selam February 15, 2014

    I think it is good to discuss on Frteweyni’s idea

  • Michael Tedla November 6, 2015

    ስርዓት ህግድፍ ዳኣ ክፋአት አንበር ዝፈልጦ የብሉን ሽፍታ ስራዓት።

POST A COMMENT