Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ምልካዊ ስርዓትኣስመራ ንመነጸሪ መንነት(DNA) ግዳያት ላምፐዱሳ ነፍስወከፍ መቕርብ 150 ኤውሮ ክኸፍል ዝገበሮ ፈተነ ፈሺሉ።

ምልካዊ ስርዓት ኣስመራ፣ ንመርመራ መነጸሪ መንነት(DNA) ናይቶም ኣብ ገምገም  ባሕሪ ላምፐዱሳ ብዘሰቅቕ ኩነታት ዝሞቱ 360 ኤርትራውያን ካብ ነፍስወከፍ መቕርብ 150 ኤውሮ ክሽምጥጥ ዝኣለሞ ኣስሓኮ ኣልቦ ውዲት ፈሺሉ። ጉጅለ ህግደፍ ትርጁማን ኣምሲሉ ዝለኣኾም ሃሱሳት፣ ንኩነታት ናይቶም ብሓዘን

ምልካዊ ስርዓት ኣስመራ፣ ንመርመራ መነጸሪ መንነት(DNA) ናይቶም ኣብ ገምገም  ባሕሪ ላምፐዱሳ ብዘሰቅቕ ኩነታት ዝሞቱ 360 ኤርትራውያን ካብ ነፍስወከፍ መቕርብ 150 ኤውሮ ክሽምጥጥ ዝኣለሞ ኣስሓኮ ኣልቦ ውዲት ፈሺሉ።

ጉጅለ ህግደፍ ትርጁማን ኣምሲሉ ዝለኣኾም ሃሱሳት፣ ንኩነታት ናይቶም ብሓዘን ተኾምቲሮም መቕርቦም ንምልላይ ላዕልን ታሕትን ዝብሉ ዝነበሩ ኤርትራውያን  መዝሚዞም፡ መንነት ሬሳ ንምንጻር ገንዘብ ክኸፍሉ ዘካየድዎ ውዲት ብተባዕ ተቓውሞ ኤርትራውያን በርዒኑ፣  ብደም ሰብ ክጻወቱ ዝገበርዎ ፈተነ ምስ ተሳዕረ ካብቲ ቦታ ብሕፍረት ከምዝተባረሩ ተፈሊጡ።

እቲ ጉጅለ ብፈነወ ፕሮፓጋንዳኡ ነቶም ብ3ጥቅምቲ ዝሞቱ ኤርትራውያን ቆልዓ ሰበይትን መንእሰያትን  ዘይሕጋውያን ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ኢሉ ብምጽዋዕ  መንነቶም ክሒዱ፡ ከብቅዕ መነጸሪ መንነት ሬሳ ገንዘብ ምሕታቱ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዜጋታት ደረቱ ዝሓለፈ ንዕቀት ከምዘለዎ ዘመልክት ኢዩ ክብሉ ብዙሓት ቁጠዐኦም ገሊጾም።

ነቶም ንዓለም ብዘሰንበደ ኩነታት ሂወቶም ዝሰኣኑ ግዳያት ላምፐዱሳ፣ መንግስቲ ጥልያን ሃገራዊ ስነስርዓት ቀብሪ ክገብር ቃል ኣትዩ ’ኳ  እንተነበረ፣ ኣብ ኣግሪጀንቶ ዝተባህለት ከተማ ኢጣልያ ዝኽሪ ምዉታን ብምፍጻሙ ተቓውሞ ገጢምዎ ኢዩ። ኣብቲ ስነስርዓት ድማ እቶም ውጻእመዓት ከምዘይተጸንበሩ ይፍለጥ።

ነቶም ኣብ ላምፐዱዛ ዝተቐዝፉ ዳርጋ ኹሎም ኤርትራውያን ግዳያት ንምዝካር፣ ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ቅድሚ ትማሊ 3 ሕዳር፣ ብኣህጉር ደረጃ መዓልቲ ሓዘን ኮይና ክትውዕል ኣመሓላሊፉዎ ብዝቐነየ ኣዋጅ መሰረት ከም መዓልቲ ሓዘን ተኸቢራ ’ኳ እንተወዓለት፣ ስርዓት ኢሳይያስ ኣይዘከራን።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
19 COMMENTS
  • haile November 5, 2013

    ህግደፍ ንህግደፋውያን እንበር አይውክልን ንEritreawyan ዋላ እካ አብ ባህሪ ሃደጋ እንተአጋኖፎም የህዋትና ሽዑ ከማን illegal immigrant ዝበሎም ደአ ህጂ 3 November ብዘይ ምክባሩ አየገርምን እዩ ብከደሙ ዘይ ህጋውያን ተባሂሎም እዮም ማዕረ ክንደይ ንእከት አብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ PIR

  • Yohannes Araya Norway November 5, 2013

    ዓምልካዋ ስርዓት ኣስመራ ናዓና ኣይውክለናን ዩ። ምክንያቱ ንሕና ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ኣፍሪቃውያን ኣይኮናን ዘጋታት ኣረትራውያን አና።

  • Bereket and Wedi negash 2 November 5, 2013

    there is full evidence in video why assenna is not posting the video regarding this DNA issues.

    • Fithi November 5, 2013

      Bereket and Wedi negah 2,
      Give it up losers! We heard this same old cry again and again. It is not working for you. A shameful practice that continues to humiliate Eritreans allover!!! you sold your soul for money and your are made with the same material as your leader Isaias.

      • ERITRAWIT November 5, 2013

        Fithi,I think u need to read BWN 2 comment again he is right there is a video link to this issue.

  • selamawi November 5, 2013

    I know Sirak fucklbi, he is a pedophile who is prostituted in London, all people know him, his is one of the worst pedeophilers, he should be stoped by any Eritrean Living in London UK

  • Fithi November 5, 2013

    What do you expect from an evil gang of thugs, more evil than those bedouin and rashaida who savagely beat up and gun down our people.

  • elssa November 5, 2013

    dear Bereket I have seen the video but I don’t have it. If you have the video please share it because the Nehna nessu as usual will say “it is a lie” .

POST A COMMENT