Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ክትሃድሙ ሓሲብኩም ኢሉ ዝኣሰሮም ብዙሓት ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ብለበዳ ሕማም ተጠቒዖም ኣብ ኣስጋኢ ኩነታት ከምዝርከቡ ተፈሊጡ።

ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ክትሃድሙ ሓሲብኩም ኢሉ ኣብ ናቕፋ ኣሲሩዎም ዘሎ ብዙሓት ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ብለበዳ ሕማም ተጠቒዖም ክንሶም ግቡእ ሕክምናዊ ክንክን ብምስኣኖም ኣብ ኣስጋኢ ኩነታት ከምዝርከቡ ካብ ኤርትራ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣረዲኡ። እቶም ምልካዊ

ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ክትሃድሙ ሓሲብኩም ኢሉ ኣብ ናቕፋ ኣሲሩዎም ዘሎ ብዙሓት ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ብለበዳ ሕማም ተጠቒዖም ክንሶም ግቡእ ሕክምናዊ ክንክን ብምስኣኖም ኣብ ኣስጋኢ ኩነታት ከምዝርከቡ ካብ ኤርትራ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣረዲኡ።

እቶም ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ኣብ መንደፈራ ንልዕሊ ክልተ ወርሒ ኣሲሩዎም ዝነበረ ‘ሞ፣ ንስድራቤቶም “ኣካዳምያዊ ትምህርቲ ከነስተምህሮም ኢና” ኢሉ ብምትላል ኣብ ዝሓለፈ 3 ሰሙን ናብ ሳሕል (ናቕፋ) ዝወሰዶም ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ብለበዳ ሕማም ተጠቒዖም ምህላዎም ምስ ሰምዑ ስድራቤቶም ሸቐልቀል ይብሉ ከምዘለዉ፣ ባዕሎም ከሐክምዎም ዘቕረቡዎ ጥርዓን ‘ውን ብሰበስልጣን ህግደፍ ኣውንታዊ ምላሽ ከምዘይረኸበ እቲ ሓበሬታ ብተወሳኺ የረድእ።

መብዛሕትኦም ኣቦታት ናይቶም ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ኣብ “ሃገራዊ ኣገልግሎት” ተጸሚዶም ብምህላዎም እቲ ኣሻቃሊ ኩነታት ናይቶም ቆልዑ ኣብ እንግድዓ ናይተን ብቐረባ ዝኣልያኦም ኣዴታት ተጻዒኑ ዓቕለን ኣጻቢበን ዝገብራኦ ሓርቢቱወን ከምዘሎ ‘ውን እቶም ምንጭታት ብተወሳኺ ኣገንዚቦም።

ህዝቢ ብሓፈሻ፣ ብፍላይ ድማ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘለኹም ዜጋታትን ኣባላት ሰራዊትን፣ ደሃይን ኩነታትን ናይዞም ኣቦታት እንከለዉዎም ዘኽቲሞም ዝሳቐዩ ዘለዉ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ንምፍላጥን ንምድሓኖምን ብኣግኡ ክትንቀሳቐሱ ነዘኻኽር።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
18 COMMENTS
  • The candid true July 10, 2013

    Thanks New Hope Eritrea for your comments and sharing the challenges you have to deal with.It is safe to say that 99.9% of Eritreans suffer from psychological problems/psychiatric conditions. A journalist once said, that “Naizghi told them that they have to keep secrets..that’s what lead to our success. If this people knew what we have done in meda they will all go mad..”. The shefatu have been working day and night to drive Eritrans to madness, and they’ve succeeded. May God help Eritrea and the good Eritreans (wonder how many good out there).

Post a Reply to The candid true Cancel Reply