Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፡ ንፋና ተስፋማርያም፡ ከም መተካእታ ኣቶ ምስጦፋ ኑሕሸን ኣመሓዳሪት ዞባ ደቡብ ገይሩ መዚዙዋ።

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፡ ከም መተካእታ ናይቲ ኣብ ማሕዩር ስርዓት ህግደፍ ተዳጕኑ ዘሎ ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡብ ነበር ኣቶ ምስጦፋ ኑርሕሸን፡ ንኣማሓዳሪት ከተማ ማጽዕ ነበር ፋና ተስፋማርያም፡ ከም ዝመዘዛ ብጎቦ ጎቦ እቲ ስርዓት ኣረጋጊጹዎ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፡ ከም መተካእታ ናይቲ ኣብ ማሕዩር ስርዓት ህግደፍ ተዳጕኑ ዘሎ ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡብ ነበር ኣቶ ምስጦፋ ኑርሕሸን፡ ንኣማሓዳሪት ከተማ ማጽዕ ነበር ፋና ተስፋማርያም፡ ከም ዝመዘዛ ብጎቦ ጎቦ እቲ ስርዓት ኣረጋጊጹዎ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዜና ኣሰና ኣቐዲምና ኢሳይያስ ኣማሓዳሪት ዞባት ክትከውን ሓጽዩዋ ከምዘሎ ኣብ ዝጠቐስናሉ ኣጋጣሚ ከምዝኣመትናዮ፡ ኢሳይያስ ንፋና ተስፋማርያም ብዓቕማን ናይ ምምሕዳር ተመክቶኣን ዘይኮነ፡ ብተኣማንነታ ንተማእዛዝነት ስልጣኑ እዩ መሪጹዋ።

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፡ ብኣኼባ ኣምሲሉ ብጎቦጎቦ ንፋና ኣማሓዳሪት ዞባ ደቡብ ምሻሙ ሓዱሽ ባህሪ ናይቲ ስርዓት ኳ እንተዘይኮነ፡ ንሓያለ ዓመታት ኣመሓዳሪ ዞባ ንዝነበረ ምስጦፋ ኑርሕሸን ኣበይ ከምዘእተዎ ንህዝቢ ከይሓበረ ከምዚ ዝኣመሰለ ስጉምቲ ምውሳዱ ግን፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዘለዎ ክቱር ንዕቀት ዘርኢ እዩ።

ናይ መባእታ ደረጃ ትምህርቲ ጥራይ ዘለዋ ፋና ተስፋማርያም፡ ኣብ ግዜ ገድሊ ኣብ ብርጌድ 31 ኮምሽነር ጋንታ በጺሓ ዝነበረት ኮይና፡ ብድሕሪኡ ኣብ ክፍሊ ህዝቢ፡ 06 ኣብ ዝብሃል ኣሃዱ ትሰርሕ ነይራ። ቀጺላ ኣብ 72 (ስለያ) ክትሰርሕ ኳ እንተጀመረት ብቕዓት ስለዘይነበራ ናብ ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ (ሃማድኤ) ተመዲባ። ኣማሓዳሪት ከተማ ባጽዕ ቅድሚ ምዃና፡ ኣማሃዳሪት ዞባ ዕዳጋ ሓሙስን ከባቢ ዩኒቨሲቲን ዝነበረት እያ።

ፋና ተስፋማርያም፡ ንብዓል ቤታ ምስ ጉጅለ 15 ይደናገጽን ይተሓባበርን እዩ ኢላ ስለዝሓሰወትሉ፡ ከምኡ’ውን  ኣብ ባጽዕ ናቫል በይዝ ኢሳይያስ ክፈርስ ንዝደልዮ ዝነበረ ክልተ ዓበይቲ ህንጻታት ብምፍጻም፡ ምእዙዝነታትን ተኣማንነነታን ንኢሳይያስ  ስለዘረጋገጸት እያ ከም ኣማሓዳሪት ዞባ ትሽየም ዘላ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
49 COMMENTS
  • peace March 1, 2013

    if any religion can change the regime well and fine any hell we need change

  • Daniel March 2, 2013

    Assena, it is Ephriem Gebrekristos who replace Mustafa Nurhusien not Fana Tesfamatiam.

    • mona March 2, 2013

      Daniel,
      we know how manipulative eseyas is. if you really think Efrem is going to replace Mustofa b/s eri tb said so then i think you are mistaken.

  • Million March 2, 2013

    What I can wittness is that fana is much better than Tsigereda and the other ladies who are much more ovidient to the hangolima on so many aspects. As to her hasband, he was one of the great heroes who fought and contrubute a lot in side Ethiopia before the liveration of both countries. He deserves to be a great general. How ever, Hangolima and his crews entitle him to be leutenat colonel. Becuase, there are enough Generals from addi Nefas. He said no, and remain jailed in side his house helping fana up bring kids. Had he been a hasband of a regular wife, we can’t hear any thing of him. And had he been tried like wedi Ali Jegna, …. it would be a safe heaven.

Post a Reply to Sahil Cancel Reply