Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፣ ኣብ ሱዳን ካርቱምን ከባቢኣን ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ኤርትራ ዝኾነ ናይ ሰብኣዊ መሰላት ምግሃስ ጸገም ከምዘየጋጠሞም ኣብ ዝገልጽ ባዕሉ ዘዳለዎ ሰነድ ክፍርሙ ዘስገድድ ኣኼባ ንምክያድ ጻውዒት የቕርብ ከምዘሎ ምንጭታት ካብ ካርቱም ሓቢሮም።

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፣ ኣብ ሱዳን ካርቱምን ከባቢኣን ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት  ኣብ ኤርትራ ዝኾነ ናይ ሰብኣዊ መሰላት ምግሃስ ጸገም ከምዘየጋጠሞም፣ እንታይ ደኣ ቁጠባዊ ሽግራቶም ክፈትሑ ከምዝተሰደዱ ኣብ ዝገልጽ ባዕሉ ዘዳለዎ ሰነድ ክፍርሙ ዘስገድድ ኣኼባ ን ዓርቢ

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፣ ኣብ ሱዳን ካርቱምን ከባቢኣን ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት  ኣብ ኤርትራ ዝኾነ ናይ ሰብኣዊ መሰላት ምግሃስ ጸገም ከምዘየጋጠሞም፣ እንታይ ደኣ ቁጠባዊ ሽግራቶም ክፈትሑ ከምዝተሰደዱ ኣብ ዝገልጽ ባዕሉ ዘዳለዎ ሰነድ ክፍርሙ ዘስገድድ ኣኼባ ን ዓርቢ 8 ጥሪ 2016 ንምክያድ ጻውዒት የቕርብ ከምዘሎ ምንጭታት ካብ ካርቱም ሓቢሮም።

ማዕረማዕረ ‘ዚ ጻውዒት፣ እቲ ስርዓት ነቲ ኣዳልዩዎ ዘሎ ኣብ ኤርትራ ናይ ሰብኣዊ መሰላት ኮነ ፖለቲካ ጸገም ከምዘየለ ብሓሶት ዘመሳኽር መፈረሚ ቅጥዒ ገዛ ገዛ እናዞረ ድሮ ስድራቤታት ናይ ምፍራም ጎስጓሳት ተታሓሒዙዎ ከምዘሎ እቶም ምንጭታት ብተወሳኺ ኣረዲኦም።

እቲ ብናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት መርማሪ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት፣ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላት ከምዘየኽብር ብዘየማትእ ዝተመስከረሉ፣ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ፈጺሙ ክኸውን ከምዝኽእል ኣብ ምልክት ሕቶ ኣትዩ ብዝያዳ ንምጽራዩ ኣብ መስርሕ ምርመራ ዝርከብ ዓማጺ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፣ ነዚ ኣብ ሱዳንን ካልኦት ብቐሊሉ ከረኻኽበሎም ዝኽእል ሃገራትን ናይ ዘሎ ጽጉም ህዝቢ ኤርትራ ፌርማታት ዝእክበሉ ዘሎ ምኽንያት፣ በንጻር ‘ቲ ኣብ ባይታ ዝፍጽሞ ዘሎ ግፍዕን ዓመጽን ናይ ሓሶት መልክዕ ፈጢሩ ንማሕበረሰብ ዓለም ንምድንጋር ዝገብሮ ዘሎ ፖለቲካዊ ምንዝርና እዩ።

እዚ ብቐጥታ ምልካዊ ስርዓቱ ንምንዋሕ ዝጥቀመሉ ዘሎ ናይ ቅብጸት ስልቲ ግን ብዘይካ ‘ቲ ንሃገርን ህዝብን ብሓፈሻ ዘለዎ ጉድኣት፣ ኣብ’ቶም ርእሲ ‘ቶም እንተ ብፓስፖርት እንተ ብእዋናዊ ማሕበራዊ ምኽንያታት ተገዲዶም ኣብዚ ናይ ሓሶት ሰነድ ዝፍርሙ ኤርትራውያን ዜጋታትን ስድራቤታትን፣ ኣብ ካልኦት ሃገራት ኣብ ዝገብሩዎ ሕቶ ዑቕባ፣ እቲ ስርዓት ናይ ፖለቲካ ሽግር ከምዘይብሎም ከም መመስከሪ እናቕረበ ዕንቅፋት ክፈጥረሎም ከምዝኾነ ብምዝካር ኣብቲ ሰነድ ፌርማኦም ካብ ምንባር ክጥንቀቑ ከምዘለዎም ክግንዘቡ ይግባእ።

እቲ ብዘይካ ፖለቲካዊ ኣጀንዳኡ ምስላጥ ቅንጣብ ናይ ህዝቢ ሓልዮት ዘይብሉ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፣ ነቶም ብሰንኪ ብልሹው ፖለቲካዊ ምሕደራኡ ኣብ ከም ብዓል ሱዳን ዝኣመሰሉ ሃገራት ተጻጊሞም ዝነበሩ ዘለዉ ኤርትራውያን ርግኣትን ቅሳነትን ዝረኽቡሉ ኩነታት ንምፍጣር ኣብ ክንዲ ዝንቀሳቐስ፣ ወትሩ ከምዚ ዝኣመሰለ ነቲ ጸቢብ ግዝያዊ ፖለቲካዊ ረብሓኡ ዘገልግል ግዝያዊ ሕሱር ሜላታት እናመሓዘ ቅሳነት ከሊኡ መሊሱ ጸቕጢ ከብዝሓሎምን ሸገርገር ከብሎምን ምርኣይ ልሙድ እዩ።

ኣብ ዜናታት ኣሰና ከምዝተኸታተልኩሞ፣ እቲ ምልካዊ ስርዓት ኣብ ዝሓለፈ ሳምንቲ ኣብ ሱዑዲ ዓረብ ተመሳሳሊ ኣኼባ ኣካይዱ ነቲ ውጹዕ ህዝቢ ሸገርገር ከምዘበሎ ይፍለጥ። ብድሕሪኡ ኣብ ዱባይን ጁባን ንዝርከቡ ኤርትራውያን ‘ውን ኣብዚ ኣጀንዳ ‘ዚ ዘተኮረ ኣኼባ ከምዘካየደሎም ይፍለጥ።

ኣብ ሱዳንን ካልኦት ሃገራትን ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ እዚ ሜላ ‘ዚ መቐጸልታ ናይቲ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ኣብ ወጻኢ ዝንርከቡ ኤርትራውያን፣ ‘ፐቲሽን’ ወይ ከኣ ናይ ምሕጽንታ ደብዳበ ብምጽሓፍ ዓለም ንምድንጋር ፌርማታት ዝእክበሉ ዝነበረ ጎስጓስ ምዃኑ ብምርዳእ፣ ከምኡ ‘ውን ብቐጥታ ንውልቃዊ ሕቶ ዑቕባኦም ዘበላሹ ውዲት ምዃኑ ተገንዚቦም፣ ነቲ ኣኼባ ክዅንኑዎን ኣብቲ ሰነድ ፌርማኦም ካብ ምቕማጥ ክቑጠቡን ከምዝግባእ ክዝክሩ ኣለዎም።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
4 COMMENTS
  • Fisehaye December 31, 2015

    Antum sebat etom fitah kemtseyu zekelu wegenat ezi melkawi serat kulu ab leli hzbi zefetsemo gebenat chebut mergagetsi alewom. Ftah kemtseu zedelu entekoinom kab gujle 15 athizka gazetegnatan kaleot kulom nay poletica esuratn mahbereseb alem akel taref meregagetsi
    alewom.Slezi fetah kemysey entedelyom feserya kebzhu yeblomn.

  • Berhe Tenesea December 31, 2015

    Every one in the world knows that that there is brutal dictatorship in Eritrea. The regime is trying its best to control the damage to its image, as it afraid of future UN fact finding missions,
    The Eritrean regime is is only unable to control the hundreds of thousands of refugees in Ethiopia, who have exposed its brutality to the world.
    The regime must understand that no matter what intimidating tactics it uses on the poor refugees in Arab countries and Sudan, it will not succeed.
    Death to the dictatorial regime and the shifta Tembenay.

  • ኣርዓዶም December 31, 2015

    Because HGDF is breathing through the savage Arabs, Thus that means there is links with America. Because we know America has a close relationship with Suadi Arabia. Hence we can calculate that, hgdef is breathing well and he thinks that, no one will touch him as long as he has relationship with Suadi Arabia.
    However in the other hand, despite Ethiopia has no strategical location or attraction to the U.S and Arabs, Ethiopia has maintaining the relationship with US and Arabs.

    Technically HGDf knows that, relationship with Arabs will be vital to prevent the invasion of Ethiopians and he can destroy the people of Eritrea as no one will stop him.

    Thus even Human Rights will not stop him now, because the US and Suadians are just enough to cover hgdef is criminal activities. Its long war unless the people and all the oppositions stand together and fight in reality.

  • Nsane January 4, 2016

    Way ane gidi
    Agleglot keleku abal HGDEF eika elom nay abalnet endabelu kabten 150 nakfa ykortsley.

    N hade medakstey ata koyna dina HGDEF tebelkuwo?…. emo men aleka kalie eleni……. tim eile.
    Yzkereni Passport kewtsie nab hade Embassy ms kedku ambassador bhgawi dika weys fentiska wetsieka eluni …gerimuni hiteu ayyyyyyy sigredob eye eleyo sebeb keyemtsaley ele…. bel ferim nay taesa wereket abzia ferim ….teamite ferimeya entay tbil neyra eta wereket wala ayenbebkuwan gizie ewin ayhabenin tahdid ztehaweso atemamta ytmteni sileznebere… passportey dhri 9 werhi mmlilas hizeya.

    Lomi wn gele werekakti adlyuni s eza tbhal wereket kfrim mukaney hilnay yrbsheni alo.
    Entay ygeber adina gedifnalom egri egrna kab misabn migdadn ayerfun……..yaw u kulu ab kulu kem tsilalot alewu.

    Wey hayal mukan

POST A COMMENT