Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ኣባይቲ ህዝቢ ናይ ምፍራስ ተግባሩ ብምቕጻል ኣብ ጎዳይፍን ሕምብርትን ዘካየዶ ወፈራ ዕንወት፣ መቐጸልታ ኣዕናዊ ፖሊሲኡ ምዃኑ ነቲ ኩነታት ዘረጋገጹዎ ምንጭታት ሓቢሮም።

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፣ ነቲ ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዓት ሃገርና ከካይዶ ዝጸንሐ ኣባይቲ ህዝቢ ናይ ምፍራስ ተግባሩ ብምቕጻል ሎሚ ቕነ ኣብ ጎዳይፍን ሕምብርትን ዘካየዶ ወፈራ ዕንወት፣ መቐጸልታ ናይቲ ህዝባዊ ሓልዮት ዘይብሉ ኣዕናዊ ፖሊሲኡ ምዃኑ ነቲ ኩነታት ዘረጋገጹዎ

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፣ ነቲ ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዓት ሃገርና ከካይዶ ዝጸንሐ ኣባይቲ ህዝቢ ናይ ምፍራስ ተግባሩ ብምቕጻል ሎሚ ቕነ ኣብ ጎዳይፍን ሕምብርትን ዘካየዶ ወፈራ ዕንወት፣ መቐጸልታ ናይቲ ህዝባዊ ሓልዮት ዘይብሉ ኣዕናዊ ፖሊሲኡ ምዃኑ ነቲ ኩነታት ዘረጋገጹዎ ምንጭታት ሓቢሮም።

ንሳቶም፣ “ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ነዚ ናይ ዕንወት ተግባር ዝህቦ መመኽኔታ፣ ‘ብሕጋዊ ፍቓድ መንግስቲ ዘይተሰርሑ ኣባይቲ’ ዝብል ኳ እንተኾነ፣ ይኹን’ምበር እቶም ኣባይቲ ከም ቃንጥሻ ኣብ ሓደ መዓልቲ ቦቝሎም ዝሓደሩ ኣይኮኑን። እቲ ንባዕሉ ሕጋውነት ዘይብሉ ስርዓት ህዝባዊ ሓልዮት እንተዝህልዎ ነይሩ፣ ነቶም ኣብ ዝሓለፈ 20 ዓመታት ናይቲ ድኻ ህዝቢ ምልዮናት ገንዘብ ፈሲሱዎም ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ዝተሃንጹ ኣባይቲ፣ ገና ገንዘብን ጉልበትን ከይባኸነሎም ከሎ ብኣግኡ ክቋጻጸሮም ነይሩዎ። እንተኾነ፣ እንሆ ነቲ ንኣፉ ገዲፉ ጨቖቝ ኢሉ መጽለሊ ዝሰርሐ ውጹዕ ህዝቢ ምስ ቆልዓ ሰበይቱ ብዘይ መዕቆቢ በታቲኑዎ፣ ክፉእ ንርኢ ኣለና፣” ብምባል የምርሩ።

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ነዚ ኣዕናዊ ስጉምቱ ንምምስማስ ዝኾነ ምኽንያት እንተምጽአ ሞራላውን ሕጋውን ተቐባልነት የብሉን። ቅድሚ ኹሉ፣ እቲ ጉዳይ፣ እቲ ምልካዊ ስርዓት ብቑዕ ናይ ኣባይቲ ፖሊሲ ከማዕብል ስለዘይከኣለ ህዝቢ ኣማራጺ ስኢኑ ዝኣተዎ እዩ። ኣብ ርእሲ ‘ቲ ናይ ፖሊሲ ፍሽለት፣ ነቲ ናይ ምቍጽጻር ድኽመቱ ብሓይሊ ጠበንጃን ሽበራን ነቲ ውጹዕ ህዝቢ ከምዝስከሞ ምርኣይ ‘ውን ካብ ሓላፍነት ንምህዳም ዝገብሮ ዘሎ ድርብ ገበን እዩ። ህዝቢ ድማ ብትሪ ክቃወሞ ይግባእ፣

aseye.asena@gmail.com

Review overview
11 COMMENTS
  • Yemane Samuel October 1, 2015

    ህግደፍ ገዛውቲ ኣብ ዓዲ ቀይሕ ከፍርስ ምስ ጀመረ ገለ ሰባት ተቓውሞ ኣርእዮም ነይሮም፣ ሓደ ሰብእውን ገዛይ ኣይትፈርስን እያ ኢሉ ከም ዝሞተ ይንገር። ኣብ ሰገነይቲ ሓደ ተባዕ ዜጋ ንምፍራስ ገዛውቲ ብምቅዋም ንሓሙሽተ ካብቶም ገዝውቲ ዘፍርሱ ብምቕታል ተሰዊኡ። ከምዚ ዓይነት ጅግንነት ኣሰና ከተቃልሖ ይግባእ። ሰብ ጎዳይፍን ሕምብርትን ግና ገዛውቶም ክፈርስ ከሎ ኣብ ማይ ከምዝኣተወት ኣንጭዋ ኮይኖም። ይገርም እዩ።

    • ሲሞን October 1, 2015

      Yemane
      እንታይ ከምዝገበሩ ስለ ዘይትፈሊጥ፡ ክሳብ ኢቲ ዝተገብረ ትሰምዕ ትም ዶ ኣይመሃሸን

    • Tedros October 1, 2015

      Abey konka rikayom ata hadami yemane Samuel

  • Eyob Ghirmay October 1, 2015

    “A wise man….build his house on the rock. The rain came down, the streams rose, and the winds blew and beat against that house; yet it did not fall, because it had its foundation on the rock.
    But….a foolish man…. built his house on sand. The rain came down, the streams rose, and the winds blew and beat against that house; and it fell with a great crash”. Mathew.

    What type of house did Eritreans start to build? On what foundation was the house built? Is Eritrea built on sand, and heading towards destruction? When you start from the wrong premise, it is obvious that you would end up at the wrong conclusion. What was the premise from which we started this long and bitter struggle? Was it the right premise? Was all the sacrifice and carnage worth it?

  • A H October 1, 2015

    ንባዕዳዊ ግዝኣት ክነጽግ እናኸኣለ፡ ንውሽጣዊ ስርዒት ህግደፍ ኣይፋለን ምባል ዝኣገሞ ህዝቢ፡መንኮን ይኸውን ኣብ ክንድኡ ሽግ ናይ ብጻይ ህቡብ ተወልዳ ረዳ ዘልዕለሉ?

  • ኣርዓዶም October 1, 2015

    ክልና መብዛሕትና ህዝቢ ኤአርትራ ኣብ ኤርትራ ከምዘይንቕመጥ ዘለና ትፈልጡ ኣለኹም። ስለዚ ድማ ብዘይ ህዝቢ መን ኢዩ ክከላኸሎም ትደልይዎ። መንእሰይ ኩሉ ወጽዩ፡ኢ

    ይኹን እምበር ሎሚ`ውን ሓለንጊ ፍትሒ ትቐራረብ ስለዘላ፡ ነዞም ገዛውቲ ህዝብ ክፍንጥሑ ዝውዕሉ ዘለዉ ተጻይ ህዝቢ፡ ሓለንጊ ፍትሒ ክሳዶም ክትረግጾም ምኵና ኣጸቢቖም ይፈልጡ ኢዮም።
    ብዝኾ ንሕና ከም ህዝቢ እንታይ ክንገብር ንኽእል፡ ክንሓበሉ ይግባእ።

    ዝወፈሩ መንእሰያት ብውሑድ ቁጽሪ እለዉና፡ ምንቕስቓስ መንእሰያት ንደሞክራሲን ፍትሕን ኤርትራ ድማ ይብሃሉ፡ እዞም መንእሰያት እዚ ኦም ብቑጽሪ ውሑዳት ኢዮም። ከም`ዚ ንስምዖን ንርእዮን ዘለና፡ ምስ ሰምዑን ምስ ር ኣዩን ዘርከበ የርክበና፡ ኢሎም ንስርዓት ህግደፍ ክገጥሙ ኣብ ተዳሎ ኣለዉ።
    ሓደራ ኩልኹም ተቓወምቲ ከይተቓጸጽኩም፡ ኣብ ሓደ ኮይና በቢ ዝኽእለትና፡ እቲ ይኽእል ኢየ ዝብል ክስዕቦም፡ ኣቶም ዘይክእሉ ድማ፡ ህዝቢ ንኽስዕቦም ከፍልጡ ንላቦ።
    ንዕ ኦም ንስዓቦም ዕምሪ ዓንዳሪ ህግደፍ ክሓጽር፡ ካብ ኩሉ ሽግራትናን መከራናን ክንገላገል፡ ሓደራ ነዚ ምንቕስቓስ መንእሰያት ስዓብዎን ፍለጥዎን።

    ኣርዓዶም ኣባል ምንቕስቓስ መንእሰያት ንደሞክራሲን ፍትሕን ኤርትራ።

  • k.tewolde October 1, 2015

    Araadom, a piece of good news,otherwise, in a very desperate situation.That’s what is going to take. NIKID NEREEDOM!

  • MY LAND October 1, 2015

    what a pity..

  • ዩራኔም-235 October 1, 2015

    Is wedi Gerahtu himbirti’s house ok? I ma just curious.

  • AHMED SALEH October 1, 2015

    Eritreans culture of each other support , sharing , compassion and to confront wrongs
    in united voice stopped after HGDF took power . Their own sons with guns terrorize
    the whole society to bring confusion and disbelieve .
    Eri-tv and 03 , the two organised propaganda contributors played well to distort people
    mind to divide and conquer policy . That is why we cry only when it effected personal
    interest .

POST A COMMENT