Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ኣብ ዑደት ንዘሎ ወረቐት ባጤራ ናቕፋ ክቕይሮ ምዃኑ ኣዊጁ።

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ኣብ ዑደት ንዘሎ ወረቐት ባጤራ ናቕፋ ክቕይሮ ምዃኑ ትማሊ 4 ሕዳር ብመንገዲ መራኸቢ ብዙሓኑ ኣዊጁ። ብመሰረት እቲ ኣዋጅ፣ ነቲ ኣብ ዑደት ዝጸንሐ ባጤራ ብሓዱሽ ናቕፋ ናይ ምቕያር መስርሕ ብመንገዲ እተን በቲ ስርዓት

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ኣብ ዑደት ንዘሎ ወረቐት ባጤራ ናቕፋ ክቕይሮ ምዃኑ ትማሊ 4 ሕዳር ብመንገዲ መራኸቢ ብዙሓኑ ኣዊጁ።

ብመሰረት እቲ ኣዋጅ፣ ነቲ ኣብ ዑደት ዝጸንሐ ባጤራ ብሓዱሽ ናቕፋ ናይ ምቕያር መስርሕ ብመንገዲ እተን በቲ ስርዓት ዝውነና ንግዳዊ ባንክታት ዝካየድ ካየድ እዩ።

ውልቀ ተገልገልቲ ይኹን ትካል ፣ ሓደ እዋን ኣብ ሓደ ንግዳዊ ባንክ ጥራይ ገንዘብ ከቐይሩ ከምዝፍቀደሎም ፣ ብጥረ ገንዘብ ክቕይሩዎ ፍቀደሎም ዓቐን ገንዘብ ከኣ 20 ጥራይ ምዃኑ እቲ ትእዛዝ ይጠቅስ።

እቲ መስርሕ ምቕያር ኣብ ውሽጢ 6 ሳምንታት ዝውዳእ ምዃኑን ካብኡ ንደሓር እቲ ኣረጊት ናቕፋ ኣገልግሎት ከምዘይህልዎን ብምምልካት ከኣ፣ ነቲ መምርሒ ዘይተኸተለ መቕጻዕቲ ከዝገጥሞ የፈራርሕ።

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ካብ ባንክ ናይ ዝወጽእ ገንዘብ ይኹን ኣብ ኢድ ክተሓዝ ዘለዎ ዓቐን ናይቕፋ ወሲኑዎ ከምዝቐነየ ይፍለጥ።

ክቡራት ተኸታተልቲ ኣሰና፣ ነዚ ጉዳይ ‘ዚ  ብዝምልከት ምስ ሓላፊ ትሬዠሪ ኤርትራ ነበር ኣቶ ክብሮም ዳፍላ ዝግርበርናዮ ሓጺር ዝርርብ ኣብ ናይ ሎሚ መደብ ድምጺ ኣሰና ተኸታተሉ። 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
13 COMMENTS
  • Saul November 6, 2015

    ካብ ተመክሮ ካልኦት ውልቀመለኽቲ ከም ዝተዓዘብናዮ፥ እዚ ባጤራ ናይ ምቕያር ተግባር ልሙድ ኮይኑ፥ ኣብ ብቁጠባ ተረሚሱን ተዓፊኑን ዘሎ ህዝቢ፥ ውሑዳት ሰብ ገንዘብ እንተተረኺቦም፥ ብገንዘቦም ተቓወምቲ ክጫጭሑልካ ስለዝኽእሉ ባዶ ከተትርፎም ኣሎካ። ናብ ናይ ኤርትራ እንተተመሊስና ድማ ከምካልኣይ ጥቕሙ፥ ነቲ ዝትግበር ዘሎ ዜጋታት ካብ ሃገሮም ናይ ምስጓግ መስርሕ ንኣብነት ምፍራስ ኣባይቲ መደርዒ ክኸውን ይኽእል ኢዩ።

  • Jones November 8, 2015

    Even thought the Tiyrany Iseias was ver severely ill or may be dead, to cover this Current Issue the Mafia-Bandits PFDJ announced the shit Announcement on 4th Nov. 2015. It is very funny to hear such announcement without a Government.Eritrea is in momen a failed State with a Vaccum Leadership.
    Regarding to change the “Paper Money NAKFFA” invalid Currency, These Bandits without their mad President Iseias, they just pretending as if the Government of “Hadas-Eritrea” existed. But their vision is to finish Hafash-Eritrea economically, Socially,physical and genetically. Periode…
    .
    This is a scandal to steal the money of Traders and the Hafash.

POST A COMMENT