Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ዕደናዊ ኣታዊታቱ ከዕቢ ይፍትን ‘ኳ እንተሎ፣ ብሰንኪ ‘ቲ ንዘይስነምግባራዊ ወፍሪ ብዝምልከት ዝቐርበሉ ዘሎ ቀጻሊ ወቐሳታት ኣብ ናኣሽቱ ኩባንያታት ተሓጺሩ ከምዘሎ ሮይተርስ ሓቢሩ።

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፣ ኣብ ወርቂ፣ ፖታሽ ነሓስን ዝኣመሰሉ ማዕድናት  ዕደናዊ ንጥፈታቱ ብምስፋሕ ኣታዊታቱ ከዕቢ ይፍትን ‘ኳ እንተሎ፣ ብሰንኪ ‘ቲ ንዘይስነምግባራዊ ወፍሪ ብዘርኢ ንመሻርኽቱ ዝቐርበሎም ዘሎ ቀጻሊ ኣህጉራዊ ወቐሳታትን ተቓውሞን፣ ዓበይቲ ኣውፈርቲ ንዕድሚኡ ሃንደፍ ኢሎም ስለዘይኣተዉዎዎ

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፣ ኣብ ወርቂ፣ ፖታሽ ነሓስን ዝኣመሰሉ ማዕድናት  ዕደናዊ ንጥፈታቱ ብምስፋሕ ኣታዊታቱ ከዕቢ ይፍትን ‘ኳ እንተሎ፣ ብሰንኪ ‘ቲ ንዘይስነምግባራዊ ወፍሪ ብዘርኢ ንመሻርኽቱ ዝቐርበሎም ዘሎ ቀጻሊ ኣህጉራዊ ወቐሳታትን ተቓውሞን፣ ዓበይቲ ኣውፈርቲ ንዕድሚኡ ሃንደፍ ኢሎም ስለዘይኣተዉዎዎ ኣብ ዘይምኩራት ናኣሽቱ ኩባንያታት ተሓጺሩ ተሪፉ ከምዘሎ ሮይተርስ ኣብ ዘመሓላለፎ ዜናዊ ጸብጻብ ሓቢሩ።

ሓደ ካብቶም ካብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣትሒዙ ኣብ ዕደና ወርቂ ቢሻ ነጻ ጉልበት ሃገራዊ ኣገልግሎት እናተጠቕመ ምስቲ ውልቀመላኺ ስርዓት ተሓባቢሩ ሃብቲ ኤርትራ ዝምዝምዝ ዘሎ ንኡስ መጠን ዘለዎ ካናዳዊ ኩባንያ ኔቭሱን ሪሶርስስ መሻርኽቲ ናይቲ ከም ናይ “ኣፍሪቃ ሰሜን ኮርያ” ዝፍለጥ ዓማጺ ስርዓት ኮይኑ ናይ ደም ገንዘብ ይግሕጥ ብምህላዉ ብማዕከናት ዜና ካናዳን ዓለምን ቀጻሊ ምስ ተዋረደ እዩ።

ምስዚ ኣብ ዝተኣሳሰር ፍጻሜ፣ ኣብ ካናዳ ቶሮንቶን ዝርከቡ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ፣ ነቲ ኔቭሱን ሪሶርስስ ምስ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ተሓባቢሩ ዘካይዶ ዘሎ ኣብ ጽዩፍ ወፍሪ ብምቅዋም ሰፊሕ ሰላማዊ ሰልፊ ንምክያድ ምድላዋት የካይዱ ኣለዉ።

እቲ ሰላማዊ ሰልፊ፣ ኔቭሱን ዝርከቦም 123 ኩባንያታት ዕደና ካብ 4 ክሳብ 8 መጋቢት 2016 ኣብ ቶሮንቶ ዋዕላ ኣብ ዘካይዱሉ ኣጋጣሚ ክግበር ተመዲቡ ከምዘሎ ካብ ወደብቲ ናይቲ ሰላማዊ ሰልፊ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣረዲኡ።

ኣቐዲሙ CBC ዝተባህለ መደበር ቴለቭዥን ካናዳ፣ ነቲ ኔቭሱን ምስ ውልቀምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ተሓባቢሩ ዘካይዶ ዘሎ ዘይስነምግባራዊ ወፍሪ ዝምልከት መደብ ፈንዩ ብምቅልዑ እቲ ጽዩፍ ተግባሩ ኣብ ህዝቢ ካናዳን ዓለምን ኣቓልቦ ረኺቡ ከምዘሎ ይፍለጥ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • k.tewolde February 27, 2016

    They just robbing us in broad daylight.The irony is the owners are leaving their home in droves looking for a bag of peanuts while complete strangers are harvesting gold and striking 40/60 deal.Is it a taboo in this nation to fight and take back what is yours?

POST A COMMENT