Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ምምሓው ኤርትራዊት ያታዊ ኣሃዳዊት (ተርሞኑክሌሳዊ) ቤተ-ሰብ፡ ቅጽበታውን ነባሪን ሓደጋ ንቐጻልነት ኤርትራ ከም ሃገርን ከም ሕብረተ-ሰብን

ምምሓው ኤርትራዊት ያታዊ ኣሃዳዊት (ተርሞኑክሌሳዊ) ቤተ-ሰብ፡ ቅጽበታውን ነባሪን ሓደጋ ንቐጻልነት ኤርትራ ከም ሃገርን ከም ሕብረተ-ሰብን ገብረ ገብረማሪያም (ዶር.) ሕቶታት፡ ኣንበብቲ ቅድሚ ነዛ ጽሕፍቲ ምንባብ ምጅማሮም ክምልስወን ዝደልየን ሕቶታት ብምቕዳም ጽሑፎይ ክጅምር ይደሊ። ንሳተን ካኣ እዘን ዝስዕባ ኢየን፦ ሀ) ናይ

ምምሓው ኤርትራዊት ያታዊ ኣሃዳዊት (ተርሞኑክሌሳዊ) ቤተ-ሰብ፡ ቅጽበታውን ነባሪን ሓደጋ ንቐጻልነት ኤርትራ ከም ሃገርን ከም ሕብረተ-ሰብን

ገብረ ገብረማሪያም (ዶር.)

ሕቶታት፡

ኣንበብቲ ቅድሚ ነዛ ጽሕፍቲ ምንባብ ምጅማሮም ክምልስወን ዝደልየን ሕቶታት ብምቕዳም ጽሑፎይ ክጅምር ይደሊ። ንሳተን ካኣ እዘን ዝስዕባ ኢየን፦

ሀ) ናይ መጀመሪያ መምህርካ/ኪ መን ነበረ/ነበረት?

ለ)ሃገርካ/ኪ ትፈቱ/ትፈትዊ ዶ? መልስኻ/ኺ እወ እንተኾይኑ፡ ብኸመይን ካብ ማዓስን ጀሚሩ?

ሐ)ብዛዕባ ዓድኻ/ኺ (ተወሊድካ/ኪ ዝዓበኻሉ/ዝዓበኽሉ ናይ መበቖል ዓዲ ወይ ናይ ከተማ ከባቢ) እሞ ሕሰብ/ቢ፡

–    ካብ 16 ክሳብ 40 ዓመት ዕድመ ከባቢ ዘለዉ መናእሰይ ደቂ ዓድኻ/ ክንደይ ይኾኑ?

–    ካብዚኣቶም፡ ክንደይ ዝኾኑ (ክንደይ ሚኢታዊት) ሕጂ ኣብ ኤርትራ ኣለዉ?

–    ካብቶም ኣብ ኤርትራ ኣለዉ ትብሎም ዘለኻ/ ክንደይ ዝኾኑ ኣብ ኣገልግሎት ኣለዉ?

 

ቀዳማይ ክፋል፡

ባህርያዊ ከባቢ ኤርትራዊት ያታዊ ተርሞኑክሌሳዊ ቤተ-ሰብ (Eritrean Traditional Nuclear Family) እንታይ ይመስል?

ቤተ-ሰብ (ስድራ)፡ መሰረት ቅርጺ፣ ሂወትን ቀጻልነትን ናይ ሓደ ሕብረተ-ሰብ ኢዩ። ያታዊ ተርሞኑክሌሳዊ ቤተ-ሰብ፡ ኣቦን ኣደን ምስ ደቆም (ይብዝሑ ይውሓዱ) ብሓደ ኣብ ሓደ ገዛ እንዳነበሩ ሂወቶም ንዘማሓድሩ ቤተ-ሰብ ዝገልጽ ኣምር ኢዩ። ኣሕዋትን ኣሓትን ምስ ኣቦን ኣደን ብሓደ እንዳነበሩ ኩሉ ናይ ሂወት ጸጋታት ሓቢሮም እንዳተኻፈሉ ተኾስዂሶም ዝዓብዩላ ኣሃዳዊት ትካል ናይ ሓደ ሕብረተ-ሰብ ኢያ። ሕድሕዳዊ ፍቕሪ፣ ምክብባር፣ ምትሕልላይ፤ ሓወይ-ሓፍተይ፣ ኣቦይ-ኣደይ፣ እዚ-ወደይ፣ እዛ-ጓለይ፣ እዞም-ደቀይ፣ ወ.ዘ.ተ. ዝብሉ ናይ ስነ-ኣእምራዊ፣ ግብራውን መንነታውን መተኣሳሳሪ ገመዳት ዝትነጉላ መበቆላዊት ባህርያዊ ሰፈር’ውን ኢያ። ጥቕልል ብዝበለ ኣገላልጻ፡ መንፈርን መዕለብን ሂወት ወዲሰብ ቤተ-ሰብ ኢያ እንተተባህለ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ኣይኮነን። እኩባት ቤተ-ሰባት ዝተወሰን ቅርጺ ሕጀን ማሕበረ-ሰባት የቑማ። ስለዝኾነ፡ ማሕበራዊ፣ ቁጠባዊ፣ ፖለቲካዊ፣ ባህላዊ፣ መንፈሳዊ፣ ወ.ዘ.ተ. ጥዕና ናይ ሓደ ሕብረተ-ሰብ ዝውሰን ኣብ ጥዕና ናይተን ዘቖሞኦ ቤተ-ሰባት ኢዩ።

ኣብ ሓደ ቤተ-ሰብ፡ ኩሉ ኣባል ቤተ-ሰብ ነናቱ ተራ ኣለዎ። ማዓልታዊ ሂወት እታ ቤተ-ሰብ ንምክያድ ካኣ ተርኡ ኣብ ምፍጻም ዓቲቡ ይነጥፍ።  መብዛሕትአን ቤተ-ሰባት ኤርትራ (ልዕሊ 80%) ኣብ ሕርሻን መጓሰን ዝተመርኾሰ ሂወት ስለዘለዎን፡ ምንጪ እቶተን’ውን ካብዞም ዓውደ-ንጥፈታት እዚኣቶም ኢዩ። ስለዝኾነ፡ ካብ ዝናኣሱ (4-5 ዓመት ዝዕድሚኦም) ኣባላት ቤተ-ሰብ ጀምርካ ክሳብ እቲ ዝዓበየ ናይ ዕድመ ባዓል/ቲ ጸጋ፡ ኣብ ማዓልታዊ ንቡር ሂወት ናይታ ቤተ-ሰብ ነናቱ ኣገዳሲ ዝኾነ ኣበርክቶ ኣለዎ። ንኣብነት፡ መን እንታይ ይጓሲ ኣብ ዝብል፡ ናኣሽቱ ቆልዑ (ካብ 4-5 ዓመቶም ጀሚርካ) ማሕሲኣትን ምራኩትን ይሕልዉ፤ ቁሩብ ፍርዝን ዝበሉ መናእሰይ ካኣ፡ ከብቲ፣ ኣብዑር፣ ጠለ-በጊዕን ኣድገ-ብቕልን ይጓስዩ።  እዞም ንጥፈታት እዚኣቶም፡ ኣገደስቲ ምንጪ እቶት እታ ቤተ-ሰብ እዮም። ዋላ እቶም ናኣሽቱ ኣባላት እታ ቤተ-ሰብ፡ ካብ ንእስነቶም ጀሚሮም ናይ ስራሕ ክብርን ሰሪሕካ ምንባርን ይማሃሩ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ሓላፍነት ምስካምን ኣብ ናትካ ሓልፍነት ታሓቲ ምዃንን ገና ካብ እግሪ ተኽሎም ኢዮም ምልባስ ዝጅምርዎ። ሓደ ማሓሲኣትን ምራኹትን ዝጓሲ ቆልዓ፡ እታ ምጉሳይ ናቱ ሓላፍነት ምዃና ምፍላጥ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ማሓሲኣቱን ምርኹቱን ከይጠምያ፣ ከይጸምኣን ኣዝርእቲ ከይበልዓን ብጉቡእ ክናብየን ከምዘለዎ ይፈልጥ ኢዩ። እንተጠመያ ወይ እንተጸምኣ ወይ’ውን ኣዝርእቲ እንተበልዓ፡ ብሓላፍነት ከምዝሕተት’ውን ኣጸቢቁ ኢዩ ዝፈልጥ። ቑሩብ ፍርዝን ኢሉ ኣብ ከብቲ፣ ኣብዑር፣ ጠለ-በጊዕን ኣድገ-ብቕልን ምጉሳይ ምስበጽሐ’ውን፡ እቲ ሓላፍነት ምሽካም እንዳዓመቐን ኣንዳገፍሐን ኢዩ ዝኸይድ። እቲ ቖልዓ ምስጎበዘ ካኣ፡ ካብ መጓሰ ናብ ናይ ሕርሻ ንጥፈታት ይሰጋገር።

ናይ ሕርሻ ንጥፈታት ብኣቦን ኣደን ብዝጎበዙ ደቆምን ኢዩ ዝዕመም።  እዚ ማለት፡ ኣቦ ምስ ዝጎበዙ ኣወዳት ደቁ ኮይኑ፡ ናይ ማሕረስ፣ ቆጥቓጥ፣ ሓጹር፣ መኼዳ ዓውዲ፣ ምዝራው፣ ዓጺድ፣ ጉንዃ፣ ወ.ዘ.ተ.  ናይ ሕርሻ ንጠፈታት ይዓምም። ኣደ ምስ ዝጎበዛ ደቃ ኮይና ካኣ፡ ናይ ምሕሽ፣ ጻህያይ፣ ጉንኣ፣ ምምሓው፣ ምግብላውን ካልኦት ናይ ሕርሻ ንጥፈታትን፡ ምስ ገዛ ምምሕዳር ዝተተሓሓዙ ከም ማይ ምውራድ፣ ዕንጨቲ ምእካብ፣ መግቢ ምድላው፣ ምሕቛን፣ ዕዳጋ ምግባር፣ ክዳን ምሕጻብን ምሽቃጥን፣ ህጻናት ምንባይን ዝዓበዩን ዝሓመሙን ምእላይን ዝኣመሰሉ ኣገደስቲ ቤተ-ሰባዊ ንጥፈታት ትዓምም። እዚ ከምዚ ዓይነት ምክፍፋል ስራሕ፡ ንኣሳልጦን ንብቑዕ አጠቓቕማ ጸጋታት እታ ቤተ-ሰብ ንምርግጋጽ እንተዘይኮይኑ፡ ዝኾነ ንጥፈት ቤተ-ሰብ ንኹሎም ኣባላት ቤተ-ሰብ ዝምልከት ከምዝኾነ ነብሲ-ወከፍ ኣባል ቤተ-ሰብ ስለዝፈልጥ፡ ኩሎም ብሓባር ኩሉ ዓይነት ንጥፈታት ቤተ-ሰብ ብዝግባእ ከምዝዕመም ኢዮም ዝገብሩ። ኣብ ቤተ-ሰብ፡ ናይ ንጥፈታት ወሰናስን (ዶባት) ወይ እዚ ናዓይ ኣይምልከተንን ኢዩ ዝባሃል ነገር የልቦን። ኩሉ ኣባል ቤተ-ሰብ ሓላፍነቱ ፈሊጡ፡ ስርሑ ብጉቡእ ይፍጽም ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ዘይታዓመ ንጥፈታት ቤተ-ሰብ ናይ ምዕማም ወይ’ውን ክዕመም ከምዘለዎ ናይ ምግባር ሓላፍነት ከምዘለዎ’ውን ይግንዘብ ኢዩ። መሰረት ህላዌን ቀጻልነትን እታ ቤተ-ሰብ፡ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰሉ ሕድሕዳዊ ምትሕግጋዝን ምድግጋፍን ዝተሰረተ፡ ፍሉጥን ቀጻልን ናይ እቶት ምንጪ ንምርግጋጽ ዝሕግዝ ማሕበረ-ሰብኣዊ ውዳበ ኢዩ።  ስለዝኾነ፡ ቤተ-ሰብ  ከም መባእታዊ  ማሕበረ-ሰብኣዊት ትካል ኢያ ትቑጸር። ንኣባላታ፡ መሰረታዊ ናይ ማሕበራዊ ርኽባት ክእለታት (social skills) ትምህር መባእታዊት ቤት ትምህርቲ ኢያ። እቶም ናይ ማሕበራዊ ሂወት መተኣሳሰሪ ገመዳት ዝትነጉ’ውን ኣብዛ መባእታዊ ቤት ትምህርቲ ኢዚኣ ኢዮም። ብኸመይ?

ኣባላት ሓንቲ ቤተ-ሰብ፡ ማዓልታዊ ሂወት እታ ቤተ-ሰብ ንምንባይ ኣብ ዝገብርዎ ሓባራዊ ቁጠባዊ ንጥፈታት ጥራሕ ዘይኮነ ዝራኸቡ፡ ኣብ ንኹሉ ዓይነት ማሕበራዊ ሂወቶም ትሓቁፍ ሰፈር ኢዮም’ውን ዝነብሩ። በቲ ዝገብሩዎ ማዓልታዊ ማሕበራዊ ርክባት፡ ንማሕበራዊ ሂወት ኣባላት ቤተ-ሰብ ዝገዝኡ ወግዕታት፣ ልምዳታትን ቤተ-ሰባዊ ሕግታትን ይምዕብሉን ይስስኑን፤ እቶም ዝናኣሱ ካብቶም ዝዓበዩ ኣባላት ቤተ-ሰብ ይማሃሩ። ማኣዲ፣ ናይ ቡን ስነስርዓትን ድቃስን ውሑዳት ካብተን ቀንዲ ናይ ማሕበራዊ ርክባት ክእለታት (social skills) መምሃርን ኣብ መንጎ ወሎዶታት ከም መሰጋገሪ ወግዕታት፣ ልምድታትን ናይ ስድራ ቤት ሕግታትን ኮይነን ዘግልግላ ቤተ-ሰባዊ ትካላት ኢየን። ንኣብነት፡  መብዝሕትኡ ጊዜ፡ ኣባላት ቤተ-ሰብ ከቢቦም ክፍ ብምባል፡ ካብ ሓደ ቅርጫት ኢዮም ዝበልዑ/ዝምገቡ። መን ኣበየናይ ኮፍ መበሊ (ድዃ፣ መደብ፣ መምበር፣ ወ.ዘ.ተ.) ኮፍ ይብል፣ መን እድ የሕጽብ፣ መን ጸሎት ይገብር፣ መን ይባርኽ፣ መን ጸብሒ ይጸብሕ፣ መን ይዕድል (እቲ ጸብሒ ዶርሆ እንትኾይኑ ወይ’ውን የዕጽምቲ(ቀላጽም) እንተዳኣ ሃልይዎ)፣ መን እንታይ ሜላ ደርሆ ይዋሃቦ፣ መን ይሕንስስ (ኣብ መወዳእታ ሕሳስ ይበልዕ)፣ ወ.ዘ.ተ. ዝውስኑ ልምድታትን ወግዕታትን ኣብ ማኣዲ ዝባሃል ቤተ-ሰባዊ ትካል ኢኻ ትማሃሮ። “ንሰበይቲስ ጎሎ ሃባ’ሞ ልቢ ይሃባ” ተባሂሉ ክምሰል ሰሚዕኹም ዶ ትፈልጡ? ማኣዲ ከይተባረኸ ወይ’ውን ከይተባረኸካ ከምዘይብላዕ፣ ዘይተዋህበካ ከምዘይምንጠል፣ ካብ ዘይቅድሜኻ ከምዘይብላዕ፣ ካብ መባልዕትኻ ዝኹልስዎ ንላዕሊ ኣግጂፍካ ከምዘይኩለስ፣ ወ.ዘ.ተ.፡ ማዓልቲ ማዓልቲ ኣብ ማኣዲ ክፍለ ትምህርቲ ኢኻ ትማሃሮ። እዚ ኻኣ፡ “ፍትሒ፣ ሓልዮት፣ ትሕትና፣ ፍቕሪ፣ ስኒት፣ ንዓበይቲ/ንኻልኦት ምኽባር፣ ንቡርነት፣ ሓቂ፣ ቅንዕና፣ ርህራሄ፣ ወ.ዘ.ተ.” ዝተባህሉ መሰረታውያን ናይ ማህበራዊ ሂወት ርክባት ክእለታት ይምህረካ። “ዓመጽ፣ በለጽ፣ ጉርሒ፣ ሸፈጥ፣ ቅጥፈት፣ ሓሶት፣ ምትላል፣ ወ.ዘ.ተ.” ካኣ ጽዩፋትን ዘይቁቡላት ስነምግባራትን ምዃኖም’ውን ኣብዛ ቤተ-ሰብ ትባሃል ትካል ኢካ ትማሃሮ።

ስነስርዓት ቡን፡ ናይ ባዕላ ዝኮነ ወግዕታት ምህላዋ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ካብ ኣባላት ሓንቲ ቤተ-ሰብ ወጻኢ ምስ ኣባላት ጎራባብቲ ቤተ-ሰባት ኣባላት ከም መራኸቢት ክትከውን ትኽእል ኣገዳሲት ትካል’ውን ኢያ። እቲ ቀደም ጊዜ፡ ቡን ምስታይ ንዓበይቲ ኣባላት ቤተ-ሰብ ዝምልከት ጥራሕ ኢዩ ዝነበረ። ቡን ብዘይ ቁርሲ-ቡን ስለዘይስተ ዝነበረ፡ ኣደ ቡን ከተፍልሕ ከላ፡ ቆልዑ ክሳብ ቁርሲ-ቡን ተቖሪሱ እጃሞም ዝዋሃቦም፡ ካብ ከባቢ ገዛ ኣይርሕቁን ኢዮም። “ነዞም ቆልዑ ቁርሲ-ቡን ሃቦኦም’ሞ ደገ ከይዶም ይጽወቱ” ይባሃል’ውን። ምናልባት፡ ኣዴታትኩም “ኣብዛ ኣወል ቡነይ ኣይተዕርግረኒ” ክብላኹም ትዝኩሩ ትኮኑ። ኣወል፣ ካላኣይ፣ በረካ፣ ደረጃ እንዳተባህለ፡ ክሳብ ስነስርዓት ቡን ዝወዳእ፡ ተሳተፍቲ እቲ ስነስርዓት (ብፍላይ ጎራባቢቲ ዝሓወሰ እንተኾይኑ) ብዙሕ ማሕበረ-ሰባዊ ዕላላትን ጉዳያትን ኢዮም ዝላዓሉ። ኣብ ከምዚ ዓይነት መስርሕ ካኣ ፍቅርን ስኒትን ኣብ ሞንጎ ኣባላትን ቤተ-ሰባትን ይኹስኮስ። ነዚ እንዳራኣዩ ዝዓብዩ ቆልዑ ካኣ (ጎራባብቲ ኣዴታት ሓቢረን ቡን ክሰትያ ከለዋ፡ ደቀን ቁርሲ-ቡኖም ሕጆም ኣብ ደገ ሓቢሮም ኢዮም ዝጻወቱ)፤ ነቲ ኣብ ሞንጎ ቤተ-ሰባት ዓዲ ዝጸንሐ ስኒትን ፍቅርን ወሪሶም ከምዝቕጽል ይገብሩ። ብተወሳኺ፡ ኣብ ጊዜ ባዓል፡ ጎራባብቲ ኣዴታት (ኣነ ቡን ከፍልሕ ንስኺ ካኣ ቁርሲ-ቡን ኣምጽኢ እንዳተባሃሃላ) ኣብ ጎረቤተን ወይ’ውን ኣብቲ ዓዲ ቡን ዘፍላሓሎም ዘይብሎም ዓበይቲ (ኣንስቶም ዝገሻ፣ ኣንስቶም ዝመተኦም) እንድሕር ዳኣ ሃልዮም፡ ቡን ኣፍልሐን ጸዊዐን የስትያ ነይረን ኢየን። እዚ ሰናይ ተግባራት እዚ ናይ ባዕሉ ዝኾነ ማሕበረ-ሰባዊ ረብሓታት ነይርዎ ኢዩ። ኣቦታትን ኣዴታትን፡ ንደቆም ብቓል ብምንጋር ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ሰሪሖም ብግብሪ ብምርኣይ ንደቆም ሰናይ ስነምግባርን ኣገደስቲ ናይ ማሕበረ-ሰባዊ ርክባት ክእለታት ይምህርዎም ነይሮም ኢዮም። እዚ ከም ኣብነት ልዕል ኢሉ ዝተጠቕሰ ናይ ኣዴታት ሰናይ ተግባራት፡ ካብ ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ብተግባር መምሃሪ ሜላታት ሓደ ኣብነት ኢዩ።

ማዓልቲ ተወዲኡ ኣባላት ቤተ-ሰብ ካካብ ዝዋዓልዎ ናይ ማዓልታዊ ቁጠባዊ ንጥፈታት ገዛ ምስኣተዉ፡ ስነስርዓት ማኣዲ ድራር፡ ከምዚ ልዕል ኢሉ ዝተገልጸ፡ ይካየድ። መስዩ እዋን ድቃስ ምስኮነ፡ ኩሎም ኣባላት ቤተ-ሰብ መመደቀሲኦም መዛግብ ይሕዙ። መን ኣበይ ይድቅስ፣ መን ምስ መን ይድቅስ፣ መን እንታይ ይንጸፍ፣ መን እንታይ ይኽደን፣ ወ.ዘ.ተ. ዝውስኑ ልምድታትን ወግዕታትን ኣለዉ። ንኣብነት፡ ኣቦ ንበይኑ ይድቅስ፤ ኣደ ምስ ዝናኣሱ ደቃ ትድቅስ፤ ዕብይ ዝበሉ ቆልዑ ካኣ ብሓደ ንበይኖም ይድቁሱ። ስለምንታይ ከምኡ ኮይኑ (ናይ ባዕሉ ማሕበረ-ሰባዊ ምክንያታት ኣለዎ) ገድፍና፡ እቶም እዚ ዝፈጥሮምን ዝኹስኩሶምን ማሕበረ-ሰባዊ ዝምድናታት ንርአ። ቆልዑ ሓንቲ ነጸላ ወይ ኮበርታ ተኸዲኖም ኣብ ሓንቲ ማእሲ ወይ ተንኮቦት ምድቓሶም ዝፈጥረሎም ሓይል ናይ ሕውነት ፍቕሪን ስሚዒታትን መሰረት መንነት ቤተ-ሰብ ኢዩ። “ፍቕሪ፣ ስኒት፣ ምትሕልላይ፣ ፍትሒ፣ ወ.ዘ.ተ.” ዝብላ ስነኣእምራውን ማሕበረ-ሰባውን ስሚዒታት ኣብዞም ትሕቲ ሓንቲ ነጻላን ወይ ኮቦርታን ኣብ ልዕሊ ሓንቲ ማእሲን ወይ ተንኮቦትን ዘለዉ ፍጡራት (የሕዋት/አሓት) ዘሕልፍዎ ናይ ሓባር ሂወት ኢዩ መሰረተን። እቲ  ናይ ፍቕርን ሓልዮትን ቤተ-ሰብ (family value) ገምድ ኣብዚ ኢዩ ክትነግ ዝጅምር። ቆልዑ ፡ ሓቆም ዲዮም ፈሊጦም ብዘይገድስ፡  “ኣደይ፡ ይቕንጥጠኒ ኣሎ፣ ሸይኑለይ፣ ረጊሑኒ፣ ቀንጥዩኒ፣ ወ.ዘ.ተ.” እንተባሃሃሉ፡ ናብ ስድርኦም ከጠርዑ፤ ኣቦ ይኩን ኣደ ካኣ “ኣቱም ቆልዑ፡ ስቅ ኢልኩም ደቅሱ፡ ድቃስ ከሊእኩሙና እኮ” እንክብሉ ከለዉ ኢዩ እቲ ሂወት ናይታ ቤተ-ሰብ መቐረት ዝህልዎ። እቶም ቆልዑ እንተኣዚሖሞ ካኣ፡ “ኣንታ ትዕምጽ ዘለክ ፈሊጠካ ኣለኹ፡ ትውጋሕ’ሞ ከሪአካ ኢየ ስራሕካ” ኢሎም ስድራ የፈራርሑዎም፤ ለይቲ፡ ቆልዓ ዋላ እንተበደለ ኣይህረምን ኢዩ።  ምስ ወግሐ ካኣ ኩሉ ይርሳዕ። ቤተ-ሰብ ማለት ከምኡ ኢዩ፤ ቅም ምሓዝ ዝባሃል ነገር የልቦን።

“ሓንቲ ነጸላ ተከዲና ኢና ዓቢና” ክባሃል ዶ ሰሚዕኩም ትፈልጡ? ነዚ ከምዚ ልዕል ኢሉ ዝተጠቕሰ ማሕበራዊ ሂወት ናይ የሕዋትን ኣሓትን ዝገልጽ ኮይኑ፡ “ከም ናይ የሕዋት ጽኑዕ ፍቕሪ፣ ምትሕልላይ፣ ስኒት፣ ምክብባር፣ ወ.ዘ.ተ.” ኣለና ንኽትብል ትጥቀመሉ ቢሂል ኢዩ። ጥቅልል ብዝበለ ኣባሃህላ፡ “ቤተ-ሰብ” ነቲ ኩሉ ንሰብ ሰብ ዘብሎ ማሕበራዊ ባህሪ፡ እንዳማሃረትን እንዳኾስኾሰትን ብቑዓት ዜጋታት እተፍሪ መባእታዊት ናይ መምሃሪ ትካል ኢያ። መንነትናን ኩለንተናዊ ባህሪያትናን ካብ መንነትን ባህሪያትን እታ ዘዕበየትና ቤተ-ሰብ እና ንለብሶን ንወርሶን። ስለዝኾነ ኢዩ ካኣ “ንቡር ዝፈልጥ ዜጋ” ኣብ ባህሪያዊ ከባቢ ቤተ-ሰብ (Natural Family Environment) ዘላ ቤተ-ሰብ (ስድራ) ጥራሕ ዝህነጽ።  ስለዚ፡ መልሲ ናይታ ኣብ (ሀ) ሰፊራ ዘላ ሕቶ፡ ማለት፡ ናይ ምጀመሪያ መምህርካ/ኪ መን ነበረ/ነበረት?  “ኣደ/ስድራ” ኢልኩም እንተመሊስኩም፡ መልስኹም ምስ ናተይ መልሲ ተሰማሚዑ ማለት ኢዩ። ትኽክል መልሲ ካኣ ኢዩ።

ሕጂ፡ “ናይ ሎሚ ኩነታት ‘ባህሪያዊ ካብባ ቤተ-ሰብን’ ቤተ-ሰባትን ኣብ ኤርትራ ከመይ ይመስሉ?  ዝብሉ ሕቶታት ኣልዒልካ መልስታት ምንዳይ ኣገዳሲ ኢዩ። እቲ ሕጽር ዝበለ መልሲ፡ “ባህርያዊ ከባቢ ቤተ-ሰብ  ኤርትራ ተዘራሪጉ፡ ቤተ-ሰባት ኤርትራ ካኣ ተማሕየን ፋሕ ጭንግራሕ ኢለን ይባታተና ኣለዋ” ኢዩ። ብኸመይን ስለምንታይን፡ ኣብ ዝቅጽሉ ክፋላት እዚ ጽሑፍ እዚ ብዝርዝር ክግለጽ ኢዩ። ኣብ 2ይ ክፋል፡ ብዛዕባ “ባህሪያዊ ከባቢ ኤርትራውያን ዓድታት” እንታይ ከምዝመስል ክንርኢ ኢና።

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
3 COMMENTS
  • k.tewolde April 25, 2018

    I couldn’t agree more,one of the most dangerous campaign that’s being waged by the tyrant and his party is and was the intentional assault and calculated dismantling of the Eritrean family unit.That is why we see mistrust among family members,suspicion and paranoia paralyzed the society,loved ones turning on each other and throwing one another under the bus and that includes those in diaspora.The tyrant knew from the get go who to target and conquer first and sure enough by obliterating the family he brought the nation to its knees,making himself the sole father figure who everybody bows to and adheres to his commandment.It is a Bob Jones scenario cooking in that little nation,the poison spiked wine is already being served daily and the society is going through a slow agonizing death.The sad thing is ,the ones who can stop this grim spectacle are simply watching it happen.

  • Nahon April 26, 2018

    “The sad thing is ,the ones who can stop this grim spectacle are simply watching it happen.”

    K.Tewolde

    Indifference is killing us.
    Will we ever learn to stand for “others” instead of waiting till they come for us ?

    • k.tewolde April 27, 2018

      Yes indeed Nahon,”Indifference”,self loathing,opportunism,ignorance….it is a deadly un Eritrean character flaw introduced and patented by HGDEF which we are playing Russian roulette with.Brother,I take comfort knowing there are still sane people like you out there.Good Friday.

POST A COMMENT