Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ምርቓን መርገምን

ሚዛን ብወለዳ  ክትምረቕ ብዘይድሌታ ንዘይትፈልጦ ሰብኣይ ተመርዓወት:: ወለዳ ፍቓዶም ስለዝመልኣትሎም ምዉቕ ሓዳር መስሪታ ፈራይትን ጸጋይትን ክትኮነሎም ተመንዮም ኣፋነውዋ:: ኣብ ዓመታ ቆልዓ ተበኩራ: እንተኾነ ሰብኣያ ሓላፍነት ዘይስምዖ ብምንባሩ: እታ ብርኽቲ ውላድ ናብ ቤታ ተመልሰት:: እቲ ምርቓ

ሚዛን ብወለዳ  ክትምረቕ ብዘይድሌታ ንዘይትፈልጦ ሰብኣይ ተመርዓወት:: ወለዳ ፍቓዶም ስለዝመልኣትሎም ምዉቕ ሓዳር መስሪታ ፈራይትን ጸጋይትን ክትኮነሎም ተመንዮም ኣፋነውዋ:: ኣብ ዓመታ ቆልዓ ተበኩራ: እንተኾነ ሰብኣያ ሓላፍነት ዘይስምዖ ብምንባሩ: እታ ብርኽቲ ውላድ ናብ ቤታ ተመልሰት:: እቲ ምርቓ ኣይጠቐማን ከይበሃል ምናልባት ካብ ሰብኣያ ብምፍልላያ ዝሓሸ ዕድል ይገጥማ ይኸውን:: ከምቲ ፈረንጅ ዝተኸወለ ምርቓ ዝብልዎ ዓይነት::ምናልባት ዶ እቶም ወለዳ ካብ ፍቓዳ ወጻኢ ስለዘመርዓውዋ ጎይታ ኣይተሓጎሰሎምን ኮይኑ: ወይ ድማ እቲ ሰብኣያ ብወለዱ ዘይተመረቐ ኮይኑ  እቲ ሓዳር ተበቲኑ:

ሰለሙን ምስ መዛኑኡ ንኽጋደል ንገድሊ ምስ ወፈረ ኣዲኡ ናብ ሳንታ ኣንቶንዮ ጎዳይፍ ብምምልላስ ጸሎት የብጽሓን ይማባጻዕን ከምዝነበራ ናጽነት ምስ ተረኽበ ኣዕሊለንኦ:: ንሰን ኣብቲ ቤት ክርስትያን ደኒነን ክልምና ዝተዓዘበ ካህን  ወድኺ ክመጽእ ጸሎት ንገብረልኪ ኣሎና:: ደሓን ኣይትሻቐሊ ክመጽእ ኢዩ ብምባል ተስፋ ይህበን ነበረ:: እቶም ምሳኡ ንገድሊ ዝወጽኡ: ገሊኦም ተሰዊኦም ገለ ሰንኪሎም ገለ ከም ሰለሙን ናጽነት ርእዮም ምስ ስድራቤቶም ተጸንቢሮም::

እቶም ዝተሰውኡ እውን ጽኑዕ ርገጹ ብሰላም ተመለሱ ብምባል  ኣዴታቶም በብእምነተን ጸሎት: መብጽዓ:ምህለላ ይገብራ ነበራ:: መስዋኣቶም ምስ ተነግራ ድማ ንስለ ናጽነት ፍረ ማህጸነን  ሞባእ ብምሃበን ተጸናኒዐን:: ኣብ ፐራዲዞ ደቀን ዝተሰውእወን ኣደ ዝተዛረበኦ ረዚን መልእኽቲ ኣለዎ:: ንሰን ” ደቀይ ምእንቲ ሃገሮም ወዲቖም ኢለ ኣይሓዝንን ኢየ:: ኣነ ዝሓዝን ደቀይ ዝተሰውኡሉ ዕላማ ውሑዳት ክረብሑሉ ከለው ምስ ዝርእይ ኢዩ ””በላ:: ገበርቲ ሰናይ ብጹኣን ኢዮም ትብል ጥቕሲ ድማ ነቶም ህዝቢ መታን ክሕሾን ካብ ቅትለትን ማእሰርትን ክድሕንን ሂወቶም ዝወፈዩ ተጋደልቲ ትበቅዕ ኢያ:: ፈጣሪ ነቲ ዝደልዮ ኣቐዲሙ ይወስድ ይበሃል::ገለ እዋን ድማ ርጉም ሰብ ኣይመውትንዩ ክፍተን ስለዘለዎ ይበሃል:: በቲ ሓደ ድማ ወለድና ክምርቑ ከለው ዕድመን ጥዕናን ይሃብካ ይብሉ:: ዕድመ ዝጸግብ ምሩቕ ዲዩ ርጉም ዘካትዕ ኢዩ::መለክዒ ብቑዕ ሂወት ብንውሓት ዘይኮነስ መንፈሳዊ ፍስሃ:ጥዕናን ንኻልኦት ብእትገብሮ ሰናይ ተግባርን ኢዩ ዝውሰን::  ተጣባቒ መሰል ሰብ ጸሊም ኣሜሪካዊ ማርቲን ሉተር ኪንግ ንሓጎስ ብኸምዚ ይገልጾ:: ሕጉስ ክትከውን ትሓስቦ ትዛረቦን ትገብሮን ዝሳነይ ክኸውን ኣለዎ ይብል::

እዞም ዕድሚኦም ምሉእ ንናጽነት ተቓሊሶም ናጽነት ክርእዩ ዝበቕዑ ተጋደልቲ ምሩቓት ድዮም ነይሮም: ዳሕራይከ ተረጊሞም ዲዮም ብኢሳያስ ኣብ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝበልዩ ዘለው:: ኣይፋሉን ቀደም ምሩቓት ዳሕራይ ምሩቓት ኢዮም:: ብወለዶም ተመሪቖም ንስለፍትሒ ሰላምን ልምዓትን ህዝቢ ዝኣተውዎ መብጽዓ ብምሕዳስ ንሕልናኦም ተገዚኣኦም መስዋእቲ ክኸፍሉ ዝተመርጹ ብጹኣን ኢዮም::ብዛዕባ እቲ ቅሩብ ዝፈልጦ ምዝካር ንኩሎም እቶም ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ዝሳቐዩ ዘለውን ብመስዋእቲ ዝሓለፉን ይውክል ይኸውን:: እዚ ነቲ ዝኸፈልዎ ረዚን ዋጋ ዝዳረግ  ከምዘይኮነ ስለዝኣምን ድማ ሕልናይ ይወቕሰኒ::

ተጋዳላይ በራኺ ገብረስላሰ ካብ ዩኒቨርሲቲን ሞያ ምምህርናን ናብ ህዝባዊ ሓይልታት ተሰሊፉ:ዕስራ ዓመት ኣብ ውዑይን ዝሑልን ተጠቢሱ ናጽነት ርእዩ:: ኣብ ፈለማ ዓመታት ናጽነት ሚኒስተር ትምህርቲ ነይሩ:: ብድሕሪኡ ሚኒስተር ዜና ኣብ ዝነብረሉ  ድማ ምትእትታው ኢሳያስ ኣብ ስራሕ ዜና ብምቅዋሙ ኣምባሳደር ተባሂሉ ናብ ጀርመን ርሒቑ:: ነቲ ኤርትራ ኣብ ዓሰርተ ዓመት ናጽነት ዝሓለፈቶ ፖለቲካዊ ሓጎጽጎጽ ክግምገም ተደጋጋሚ ምሕጽንታን ሕቶን ብምቕራቡ  ተጸዊዑ ኣስመራ ኣተወ:: ተጋዳላይ በራኺ ሕማቕ ምርኣይን ምስማዕን ኣይጻወርንዩ:: ኣብ 1993 ብዛዕባ ስርቅን ምጥፍፋኣን ኣብ ሲኒማ ኣዝማራ ንሱ ዝመርሖ ኣኼባ ነይሩ::ኣብቲ ኣኼባ ሓሊባይ ሕጂ ብርገደር ጀነራል ዘሎ ምስ ሓደ ካልኣዩ ገንዘብ መንግስቲ ንሓረጣ ሂቡ ዝብል ክሲ ቀሪብዎ ተኣሲሩ:: ኣቲ ዛዕባ ድማ ኣብኡ ዘተኮረ ነበረ:: በራኺ ሽዑ ተጋዳላይ ብፖለቲካ  ምበር ብስርቂ ክእሰርስ ኣይጽቡቕን ብምባል መግለጺ ሃበ::በራኺ ቅንዕና ስለዝነበሮ እምበር ብስርቂ ዝኽሰሱ ሓሊባይ ጥራይ ዘይኮነ ኩሎም ኣዘዝቲ ሰራዊትን ካልኦትን ምንባሮም ንመብዛሕትኡ ፍሉጥ ኢዩ::

በራኺ ክዳኑ ከይቀየረ ካብተን ቅሩብ ደሞዙ ነክዩ ንወላዲኡ ቀሺ ገብረስላሰ እኽሊን ካልእን የብጽሓሎም ብምንባሩን ንወላዲኡ ዝነበሮ ኣኽብሮትን ብብዙሓት መዛኑኡን ኣብ ትሕቲኡ ዝሰርሑ ዝነበሩን ሞሳ ይወሃቦ ነበረ:: ኣቦይ ቀሺ ገብረስላስ ንውላዶም መሬት እናጠብጠቡ ይምርቕዎ ነበሩ:: ንሶም ውላዶም ካብ ቤት ማኣሰርቲ ወጺኡ ክርእዩን ኣቦይ እናበለ ከፋንዎምን እናተመነዩ ምስ ናፍቖቶም ሞይቶም::

ተጋዳላይ ሃይለ ወልደትንሳኤ(ድሩዕ) ካብቶም ኣብ ጀብሃ ኣብ መወዳእታ 60ታት ዝተሰለፉ ተመሃሮ ዩኒቨርሲቲ ኢዩ:: ካብ ጀብሃ ምስ ተመልሰ ድማ  ኣብ ህዝባዊ ሓይልታት ተሰሊፉ ኣብ ምውዳብን ስርሒት ፈዳይንን ተኣፋፊ ዕማማት እናካየደ ኣብ 70 ታት ኣብ ከባቢ ኣስመራ ኣብ ድብያ ወተሃደራት ጸላኢ ኣትዩ ተታሒዙ;; ንሱ: ብዝወርዶ ዝነበረ መግረፍትን መርመራን ተጻዊሩ:ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኤርትራውያን ይውድብ ነይሩ:: ኣዲኡ ንድሩዕ ነቲ ብደም ዝተጨማለቐ ክዳኑ ካብ ቤት ማእሰርቲ ክመጽአን ከሎ: ሕልናአን ከየዕረባ ካብቲ ጸበባ ክወጽእ ጸሎት የብጽሓ ነበራ:: ጸሎተን ሰሚሩለን ድማ ብስርሒት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ድሩዕ  ካብ ቤት ማእሰርቲ ወጺኡ ሃገራዊ ገድሊ ቀጺሉ:: ሚኒስተር ፋይናንስን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢን ተመዚዙ ድማ ብብቕዓት ሰሪሑ:: ነቲ ግጉይ ኣካይዳ መንግስቲ ንነብሱ ሓዊሱ ብምንቃፍ መስመሩ ከትሕዝ ኣብ ዝተንቀሳቀሰሉ ድማ ብኢሳያስን ጉጅለኡን ኣብ ዒላዒሮ ተሓይሩ ብሕማም ይሳቕ ከምዘሎ ቅድሚ ውሑድ ዓመታት ተሰሚዑ ::ድሩዕ ቅድሚ ምእሳሩ ብዛዕባ ብልሽውና ተሓቲቱ” ብዛዕባ ብልሽውና ስኽፍ ኣይብለንን ኢዩ; ካብ ብስልጣን ምብዕላግ ዝኸፍእ ብልሽውና የልቦን” ክብል መሊሱ;;ኢሳያስ ሕጊ ረጊጹ ሃገር ኣዕንይዋ:ብወፈያ ህዝቢ:ካብ ሽያጥ ኣጽዋር:መሸጣ ወርቂ:ጫትን ካልእን ዝተኣከበ 700 ሚልዮን ዶላር ሰሪቑ ብስም ሓጎስ ክሻን ካልኦትን  ኣብ ስዊዝ ባንክ ሓቢኣዎ ኣሎ;;ህዝቢ ንቑራስ ባኒ ተሰሪዑ ክሓድርን ማይ መብራህቲ ብዓይኑ ሕልፍ እናበለት ክሓልምን ይሓልፎ ኣሎ::ንድሩዕ ብብልሽውና ክኸስስ ኣሽካዕላል ብንቕሓት ህዝቢ ኢዩ:: ሓጎስ ክሻ  ንጣብ ደም ከይከዓወ ጎይታ ሃገር ኮይኑ::ንሱ ኣብ ሓደ እዋን ምስ የማነ ገብረኣብ ኣብ ዝገበሮ ርክብ እዞም ተጋደልትኻ ኣርሕቐለይ ብምባል ዘለዎ ጽልኢ ደርጉሒዎ::

ድሩዕ ፈታው ኣዲኡ ብምንባሩ ጻዕቂ ስራሕ ከይዓንቀጾ  ኣብ ዝደለየኦ ቦታ ከብጽሐንን ከዘናግዐንን ፍሉይ ጊዜ መዲቡ ብዝገበሮ ሞያ በተን ሃይማኖተኛን ትዕግስተኛን ኣዲኡ ምርቓ ሰኒቑ ኢዩ::

እዚኦምን ካልኦት ከምኣቶምን ብወለዶም ዝተመረቑን ኣብ ቤትማእሰርቲ ይሳቐዩን መስዋእቲ ይኸፍሉን ኣለው::ሓርበኛ  ኣቦና ወልደኣብ ወልደማርያም ናጽነት ምስ ኮነ ኣብ 1991” ዓጻዶን ዘራኦን ዝራኸቡሉ ሳሕቲ ኢዮ ሞ: ኣን ድማ ምስ ክልቲኦም ብምርኻባይ ሓጎስ ይስምዓኒ ” ኢሎም::

ኢሳያስ ነዞም ብደሞምን ኣዕጽምቶን ኣብ ዝፋን ዘቐመጥዎ ዘራኦን ዓጻዶን ኣሲሩ:መርዓን ጥምቀትን ወዱን ወዲ ወዱን:የሕልፍ ኣሎ:: ንሱ ብጥርሙስ ኣረቂ እናደቀሰ: ሓርበኛታት ብማይ ጽምኢ ደሪቖም ይማስኑ ኣለው:: ንሱ ንፋስ ኣዱንያ ክርእይ ተመሪቑ ኣሎ እንተኢልና:ኣስዓንደ ዝጸግብ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ድማ ተረጊሙ ክበሃል ዲዩ: ወይ ድማ መስጣ ናይቶም ክእሰሩ ከለው ክምዘይርኣየ ኣሕሊፉ ዝሃቦም ተጋደልቲ ወሪድዎ::

መፈጸምታ ኢሳያስ ካብቶም ከምኡ ዝእመሰሉ ውልቀመለኽቲ ዝፍለይ ከምዘይከውን:ታሪኽ ሃብታም መምህርዩ::

ደጎል ድራር

aseye.asena@gmail.com

Review overview
6 COMMENTS
  • semhar February 11, 2015

    What goes around comes around.

    ፔጥሮስ ሰሎሙን : ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ : ሃይለ ወልደትንሳኤ : ዑቑበ ኣብረሃ:
ብርሃነ ገብረዝገኣቢሄር :ኣስተር ፍስሓጼን :መስፍን ሓጎስ:
These are not different from their master DIABLO Isayas. They are all killers.

    They deserve where they are they betrayed our land and our people they are not different from the tyrant, mad dog Isayas. Knowing the mad dog is a killer, they were serving him to the point they could not defend themselves.

  • berhe February 13, 2015

    wecho tegelbetikayo wecho, all these people are 2 faces of one coin so their father also follow them to receive justice.

  • Debre February 13, 2015

    ክቡራት የሕዋት ሰምሃርን በርሀን
    እዞም ሰባት ቀደም ጌሮሞ ተባሂሉ ብዝንገረና ሕጂ ክንወቅሶምን በቲ ዝገበርዎ ክንከሶምን ኣይግባእን። ድሕሪ ናጽነት ኣማዕድዮም ከምቶም ካልኦት ተጋደልቲ ተዳህሊሎም ኣትዮም እንተኾኑ ከ መን ይፈልጥ? እሳቶም ኣብ ስልጣን ኣብ ዝነበሩሉ እዋን ‘ኳዩ ቅዋም ተነዲፉ። ቅዋም ይተግበር ስለዝበሉ ‘ኳዮም እልቢ ኣልቦ ዋጋ ከፊሎም። ይኣክል ስልጣን ንህዝቢ ነረክብ ስለዝበሉ ‘ኳዮም ተወንጂሎም።
    ፍርዲ ንምሃብ ኣይንተሃወኽ። ስለምንታይ ኢልና ሕሙሽተ ጊዜ ንነፍስና ንሕተት። ምርዳእ እንተኣቢይና ‘ከኣ ለባማት ንወከስ። ዎ ድሓንኩም።

  • vanity rules February 13, 2015

    let us be fair to this tegadelti that challenged isaias.ppl should have followed them

    • Semhar February 16, 2015

      Debre,
      What did they do when our disabled veterans were murdered?
      What did they do when our provinces dissolved?
      What did they do when our Liberation fighters were gunned?
      What did they do when our region leaders were jailed?
      What did they do when our culture, our religions, our Highi Indaba were dismantled?
      What Dodge they do when our Liberation Flag was replace by the dictators flag?…..

    • Semhar February 17, 2015

      Where were Petros Solomon, Haile Duru, Sherifo, and Oqube Abreha when the tyrant dictator Isayas wedi berad eliminated Eritrean revolutionaries in 1973?
      Where were they when ELF was dissolved?
      Where were they when the disabled veterans were gunned?
      Where were they when Bademe was handed to TPLF in the 1980?
      Where were they when he took down our Liberation flag and replaced it by his own flag in 1993?
      Where were they when he dissolve our original provinces and replaced them by his zobas in 1993?
      Where were they when he stared war with Yemen? Djbouti? Sudan? And Ethiopia?
      Who gave them power?
      Who brought them down?

POST A COMMENT