Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ምስሉይ ባህርያት ስርዓት ህግደፍን መጋበርያታቱን። Deceptive Lineaments of PFDJ and its Cronies

ግዕዙይ ስርዓትን ተበላጺ ዜጋን ናይ ሓንቲ ሳንቲም ክልተ ገጻት'ዮም ምኽንያቱ እቲ ሓደ ብዘይትሓደ ትንፋስ የብሉን።  ግዕዙይ ስርዓት ዝልለየሎም ባህርያት ነዞም ዝስዕቡ የጣቃልሉ: ብቀንዱ፡ንስልጣን ንህዝቢ ከገልግለሉ ዘይኮነ፡ ውልቀ ረብሕኡን ስልጣኑን  ንክዕቅብ ንህዝቢ ብአልማማ ከም ባርይኡ ጊላ

ግዕዙይ ስርዓትን ተበላጺ ዜጋን ናይ ሓንቲ ሳንቲም ክልተ ገጻት’ዮም ምኽንያቱ እቲ ሓደ ብዘይትሓደ ትንፋስ የብሉን።  ግዕዙይ ስርዓት ዝልለየሎም ባህርያት ነዞም ዝስዕቡ የጣቃልሉ: ብቀንዱ፡ንስልጣን ንህዝቢ ከገልግለሉ ዘይኮነ፡ ውልቀ ረብሕኡን ስልጣኑን  ንክዕቅብ ንህዝቢ ብአልማማ ከም ባርይኡ ጊላ ጌሩ ክረግጾሉ ሂርድግ ይብል። ርእይቶ ምኽርን ለበዋን ህዝቢ ምስማዕ አይናቱን፡ አብ ክንዲ  ነቲ ዝተኸተሎን ዝኽተሎ ዘሎ ጉጉይን ግዕዙይን አካይዳን፡ አብ ርእሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝገበሮ በደልን ሳዕቤናቱን ምግምጋም ወይ ጌጋኻ አሚንካ አራሚ ስጉምቲ ምውሳድ፡ ጌጋኻ ንምሽፋን መባድልቲ ምድላይ፡ አብ መገድን ጓል መገድን ብምትኳር፡ ባዕሉ ወይ ብመገዲ መጋበርያታቱ፡ ጸርፊ፡  ምጥቃን፡ ጽልእን ቅርሕንትን አብ ምዝራእን፡ አብ ባዶ ጃህራን የተኩር። ንምሳሌ፡ ጌግኡ ንኽሽፍን፡ ንተጋሩ፥ ከደምቲ ፡ሓሰውቲ፡ ዱሑራት፡ደናቁር፡ቀንአት፡ተንኮለኛታት፡ ቖማላት፥ ጡሙያት ወይ ሰለስተ ግዜ ንመዓልቲ ዘይበልዑን ካልእን ኢልካ ምንእአስን ምብዳዕን ከይአኽሎ፡ ንሓቅን ክውንነትን ብምጉሳይ “ወያኔ ይፈርሱ’ለዉ ወይ ክፈርሱ’ዮም”፡ “ህዝቢ ኤርትራ ምስ ዱሑራት ተጋሩ ዘራኽብ የብሉን”፡ ኢሉ ብምግዋሕ አብ መንጎ ክልተ ጎረባብትን መላምንቲ ሓውን ዝኾኑ ህዝብታት ናይ ጽልእን ቅርሕንትን ዘርኢ ክዘርእ ህርድግ ይብል። ክቡራት ደቂ ሃገር፡ ነቲ አብ ልዕሊ ህዝብና ዝፍጸም ዘሎ በደላት ገዲፍናስከ፡  አብቲ ሰራም ስርዓት ህግደፍ ከም መሕብኢ ንኽጥቀመሉ ዝወለዖ ኲናትን፡ ወያኔ ይፈርሱ’ለዉ ወይ ክፈርሱ’ዮም ዝብል አተሓሳስባ ህግደፍን መጋበርያታቱን፡ ጠልቆምቆም ናይዚ ሰራም ስርዓት ህግደፍን መጋበርያታቱን እንተዘይኮይኑ ወያነ ስለዝፈረሱ ህዝቢ ኤርትራ እንታይ’ዩ ረብሕኡ? ወይ ብድሕሪ ወያነ ዝመጽእ ስርዓት ንህዝቢ ኤርትራ እንታይ ውሕስነት ስለዝህብ’ዩ? ኢልና ንሕትት። አበው ክምስሉ ከለዎ’ኮ ‘እንተክትድቅስ ጎረቤትካ ክድቅስ ከሎ ደቅስ’ዮም’ ዝበሉ። ኢትዮጵያ ስለዘይቀሰነት፡ ወይ ተሓመሰት፡ ስርዓት ህግደፍ እንተዘይኮይኑ ህዝቢ ኤርትራ ሃስያ’ምበር ዝኾነ ዓይነት ረብሓ ክህልዎ አይኽእልን።

እዚ ሕማቅ ህግደፋዊ አተሓሳስባ’ዚ፡ ስርዓት ህግደፍ ብባህሪኡ ካብ ኣፍንጭኡ ኣርሒቑ ዘይጥምት ስርዓት ምዃኑ፥ ናይ ስልጣን ዕምሩ ንምንዋሕ ኩሉ ትሕቲ ጸሓይ ዘሎ ነውርታት እንዳፈጸመ ዝነብርን፡ ምእንቲ ስልጣኑ ናብቲ ዝተሓተ መዓሙቕ ነውርታት ክኑቀት ድሕር ዘይብል ግዕዙይ ስርዓት ምዃኑ ኣጒሊሑ ዘርኢ ሓቂ’ዩ። ካልእ ግዕዙይ ባህሪ ስርዓት ህግደፍ ምስንምልከት፡ ንቅዋም፡ ንፍትሓዊ ምሕደራን፡ ንዉፍያት ዜጋታትን ሃገራውያንን ከምቀንዲ ተጻባእቱ ጌሩ ይወስዶም። ስለዝኾነ’ክኣ፥ ስርዓት ህግደፍ፡ ቅዋማዊ ምሕደራስ ይትረፍ፡ ብዉፍያት ዜጋታትን ሃገራውያንን  ንዝለዓሉ ሃነጽቲ ናይ ምእራምን፡ ለውጥን ርእይቶታትን ሕቶታትን ዘይምቅባል ጥራይ ዘይኮነ፥ እኳ’ድአ ካልእ ትርጉም ሂቡ ብምንእኣስን ምክፋእን አብ ልዕሊ ጉዱሳትን ዋጋ ዝኸፈሉን  ዜጋታት፡ ዕድሚኦም፡ ጾቶኦም፡ ወይ ማሕበርዊ ቦትኦም ብዘየገድስ ዘይሕጋዊ ስጉምትታት ምውሳድን በትሪ አብ ምውጥዋጥን ምጽናትን ተጸሚዱ ይርከብ። ህዝቢ ንምድንጋር፡ ስልጣን ንምውሓስን ተግባራውነት ቅዋማዊ ስርዓት ንምብርዓንን፥ ብሓደ ወገን ብኾነ ኢልካ ዝወላዕካዮ ኲናት ምስምስ ምፍጣር፡ ብኻልእ ሸነኽ’ካኣ ኣብ ባይታ ዘየሎ ዕብየትን ግስጋሰን ከምዘመዝገበ ባዕሉ ወይ ብመገዲ ዘዋደዶም ወይጦታት ጌሩ  ምጅሃርን ምሕሳውን ከም ቀንዲ ዋኒናቱ ርዒምዎም ይርከብ።  ክቡራት ደቂ ሃገር፡ አብ ኤርትራ እንርእዮ ዘሎና ዘይሓላፍነታዊ አሰራርሓ ዝሰረቱ፡ ኩሉ መዳያዊ ጥፍኣት፡ ፖለቲካዊ፡ ምምሕዳራዊ፡ ቁጠባዊ ፡ ማሕበራዊ፡ ሰብአዊ ቅልውላዋት ፡ ብጀካ ነቶም ኮነ ኢሉ ዝወደቦም ወይጦታት ወይ ብሃማት፡ ንኹላትና ፈተውቲ ሃገሮም አቲ ወሪዱ ዘሎ ሃስያታት ብሩህ እንዳሃለወ፡ ዓይንኹም ተዓመቱ፡ ኤርትራ ‘ደርማስ ዓወት ኣመዝጊባ ወይ ተመዝግብ አላ’ ይብለና’ሎ ስርዓት ህግደፍ። አስከ ስርዓት ህግደፍ ወይጦታቱን’ኳ ብመደብ ዝሪአ የዒንትን ዝሰምዓ የእዛንን ኣይናቶምን’የን፡ ንሕና ደቂ ሃገር ግን ከምዜጋታት ንሕልናና፡ ነዘን ቀጻሊ ዝለዓላ ዝስዕባ ሕቶታት ንነብስና ንሕተት፡

  1. ንስለ ነጻነት፡ ንሓርነትን፡ ሰላምን መስተርህዎትን ህዝቢ ኤርትራ፡ ስውአትና ዝተበጅውሉ ሕድርን ለበዋን ተኸቢሩ’ዶ? ክንዲ አድሪ ትኸውን ሕድርን ለበዋን ስውአትና ዘይተግበረ ስርዓት ህግደፍ፡ ጀጋኑ ብዝኸፈልዎ ዋጋ አብ ስልጣን ሸሸ ኢሉ ሃገር እንዳብረሰ፡ በብዓይነቱ ፈስቲቫላት ጓይላታትን እናገበረ ብዛዕባ ኣብ እዋን ብረታዊ ቃልሲ ዝተገብረ ጅግንነት ስውኣትናን፡ ዓወትን ገድልን ህዝቢ ኤርትራ እናተጅሃረ ን26 ዓመታት ተረጊጽና እንዳነበርና ከሎና፡ ክጥብረና ክፍት ከሎ ስዉኣትና ሕጂ እንተዝምለሱ  እንታይ ምበሉና?
  2. ህዝቢ ኤርትራ ካብ ነጻነት እንታይ ተጸብዩ? ብመንጽር ዝኸፈሎ ዋጋ’ኸ ትምኒቱ ሰሚሩ’ዶ ወይ ሞስኡ ረኺቡ’ዶ?  ህዝቢ ኤርትራ ሰላምን ቅሳነትን ረኺቡ ናብርኡ ከመሓይሽ፡ ካብ ድንቁርና፡ ጥሜት፡ ሕሰምን፡ ስደትን ክናገፍ፥ ሓድነቱን ክብርታቱን ከውሕስ፡ ስርዓት ህግደፍ፥ ቕኑዕን ዲሞክራስያውን ፍትሓውን ስርዓተ ምሕደራ ከተአታትው ወይ ክህልው ዘይደልየሉ ምኽንያት እንታይ’ዩ?
  3. ስርዓት ህግደፍ; ህዝቢ መስሉ ዘውሕስሉ፡ ነጻን አድማዕን ዝኾነ ሃገርዊ ባይቶ፥ሓጋጊ፡ ፍርዳውን ፈጻምን አካላት አብ ምህናጽ ተዋሲኡ ወይ ፈቂዱ’ዶ? ንህዝቢ ብውሕዱ ክአ  ንዓበይቲ ዓዲ፡ ኪኖቲ ከምቅዲ ዝረዓሞ ዕድሚኡ ብዘየገድስ ብጩቅ ዝበለ ምቅፋድ፥  ንኩነታት ህዝቢ ኤርትራን አተአላልይኡን ዓበይቲ ዓዲ እንታይ ሪኢቶታትን  ምኽሪን ከምዘለዎም ንምስማዕን ንምቕባልን መድረኽ ንምፍጣር ፈቲኑ’ዶ? እዚ ንምንታይ ዘይተደለየ? ሓደ ንረብሓ ህዝቢ ጠጠው ኢለ ኣለኹ ዝብል መንግስቲ ናይ ህዝቢ ሪኢቶ ክፈርሕ እንተጀሚሩ ነገር ተወዲኡ ኣሎ ማለት’ዶ አይኮነን?
  4. ንምሁራን ቦታን ክብሪን ክህብ፡ ከማኽር ወይ ባይታ ፈጢሩ ሉዑል አካዳምያዊ ብቅዓት ዘለዎ ዜጋን፡ ኪኢላዊ ዓቅሚ ሰብ ንምፍራይን ስርዓት ህግደፍ ጺዕቱ’ዶ?  ህዝቢ፡ ዓበይቲ ዓዲ ወይ ውን ብውሕዱ ንሙሁራት  ዘማእከለ አሰራርሓ እንተዝኽተል ኔሩን ዝብልዎ ብእዋኑ እንተዝሰምዕን ግቡእ ምላሽ እንተዝህብን ነይሩ ሎሚ ኣብዚ ኣቲናዮ ዘለና ዓዘቕቲ ምኣቶና’ዶ?
  5. አብ ኣድማሳዊ፡ ዞባዊ ወይ ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ክህልዉ ዝግብኦም ዝነበሩ ዝምድናታት፡ ብወድዓውን ኣወንታውን መገድታት ሒዝዎም”ዶ? ኤርትራ ሃገርና’ኸ አብ ዓለም ግቡእ  ክብርን ሚዛንን ክህልዋ ጺዕቱ’ዶ ወይ አውሒሱ’ዶ?
  6. ድሕነት ሃገር ከውሕስ፥ ሃገርና ኤርትራ  ሞያዊ ብቅዓት ዘለዎ ፡ ዉፉይን ዘመናውን መደበኛ ሰራዊትን ሓይልን ክህልዋ ባይታ አዋዲዱ’ዶ? ብውሑዱ ስርዓት ህግደፍ እዚኣ’ውን ተዝገብር ኔሩ፡ ክሊ ሰማያት ኤርትራ ብነፈርቲ ጸላእቲ ብዘይ ግብረመልሲ ከምዚ አብ ዕለት ሰኑይ 24 ሓምለ 2017 ኩሉና ዝሰማዕናዮ ብነፈርቲ ኩናት ኢትዮጲያ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ከባቢ እላላ ዝርከብ ኤምዳድ ዝፈጸምኦ ጥፍአት ምወረደ’ዶ ወይ ሰማያዊ ክልልና ምተደፍረ’ዶ?

ብመሰረቱ፥  ስለምንታይ  ህዝቢ ኤርትራ ሰላምን ቅሳነትን፡ መስረታውን መባኣታውን ዝኾነ ዲሞክራስያዊ መሰልን፡  ፍትሕን ግዝኣተ ሕግን ዝሰረቱ ምሕደራ አብ ገዛእ ሃገሩ ብህግደፍ ተነፊግዎ አደዳ ምክልባት፡ ስደት፡ ጥፈአትን ሞትን ይኸውን አሎ ?

ነዚ ቅድም ኢሉ ተዘርዘረ ሕቶታት ንምምላስ፥ ተመኩሮ ናይ ዝሓለፉ 26 ዓመታት ምስ እንምልከት፡ አዚ አብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ህግደፍ፡ ኪኖ  ስልጣኑ ምዕቃብ፡ ንልዕልና ሕጊ፡ ንግሉጹነትን ተሓታትነትን ቦታ ዘይህብ፡ ግህሰት ሰብአዊ መሰላት ስለዘይዓጦ፡ ብዘይ ገለ መስርሕ ሕጊ ነሽሓት ዜጋትት ዝቅፍድን ህጣሞም ዘጥፍእን ምዃኑ ንግዘብ። ዜጋታት ርእይትኦም ክህቡ ሙቛም ነጻ መራኸቢ ብዙሓንን ሲቪላዊ ማሕበራትን ዘየፍቅድን ከም ቁሪ ይፈርሆምን። ስልጣኑ ንምውሓስን፡ ነቲ ንቀጻሊ ከጋጥመኒ ይኽእል’ዩ  ዝብሎ ናይ መንእሰያት ተቃውሞ ከበርዕንን ንመንእሰያት መታን ከልምስን መወዳእታ ዘይብሉ ዕስክርና ብምውዳድ፡ ብስም ሃገራዊ አገልግሎት ንኣስታት ሓደ ሚሊዮን ዝኾኑ መንእሰያት አብዘየድምዕን፡ ገደብ ዘይብሉን ሃገርዊ አገልግሎት ጸሚዱ አይናብራ አይትምህርቲ ከልምሶም ጥራይ ዘይኮነ አብዘይምኽኑይ ኲናት የእትዩ ወይ አደዳ ሞት ወይ አደዳ ስደት ጌሩ ከጽንቶም ዝወሰነ ምዃኑ ነጋሪ አየድልዮን። አብ ናይ ግሊ ቁጠባዊ ዋኒን ወፍርን ውድድርን ዘየተባብዕ፡ ንሕቶ ዋኒን መሬት፡ ንጹርን ከስርሕ ዝኽእል ሕግን መምርሕን ዘይብሉ፡ እኳድአ ሕጊ ረጊጹ ከም መፋተውን መህጠር ጁባ ዉሱናት ሰበ ስልጣን ተቆጺሩ ብሃውሪ መምርሒታት ዝቀያይርን፡ ርእይቶ ህዝብን ነቀፈታን ብፍጹም ዘይቅበል፡ ሰብአዊን፡ ተፍጥሮአውን ጸጋትት ሃገር ከይተረፈ፡ እትዋቱን መዓልኡን ብዘይፍለጥ ዝብርብር ዝሸይጥን ዘጠፍእን ወይ አብ ወተሃደራዊ ዕንደራን ስለያን አዋፊሩ ውሽጣውን ግዳማውን ራዕዲ ብምፍጣር፡ ንድሕነት ሃገርናን ሓድነት ህዝብናን ክብርታትናን አብ ፈተና ዝእተወ’ዩ ስርዓት ህግደፍ።  ስርዓት ህግደፍ ንባዕሉ ንሕጊ ዘይምእዘዝን ቀይዲ በተኽ ስርዓት እንዳሃለወ፡ንገዛእ ህዝቡ እንዳሳጸየን እንዳጽነተን እንዳሳቀየን፡ ንባዕሉ ከዳሚ ግዳማውያን ሓይልታት ኮይኑ መሬታዊ፡ ማያውን፡ ሰማያውን ሉዓላውነት ሃገር እንዳሸጠ “ወያነ ከደምቲ ኮይኖም ከምዚ ገሮምና፥ አሜሪካ እዚ ደጊሞምና፥ ዓለም ሕጊ ረጊጻ ዘርያትና” ኢሉ ክዛረብ ባጫ እንተዘይኮይኑ ማይ ከዕቁር አይክእልን፡ ምኽንያቱ ሕግን ፍትሕን ካብ ነብስኻን ገዛኻን ህዝብኻን’ያ እትጅምር። ንባዕሉ ንሕጊ ዘይምእዘዝን፡ ብሕጊ ዘይስራዕን ስርዓት ህግደፍ፡ ሕጊ ተጎስዩ ኢሉ ክማጻደቅ ባጫ ጥራሕ’ዩ ክኸውን ወይ ንባሃም ጥራይ’ዩ ክመስሎ ዝኽእል።

ከምቲ ቅድም ኢሉ ዝተገልጸ፡  ግዕዙይ ስርዓትን ተበላጺ ዜጋን ናይ ሓንቲ ሳንቲም ክልተ ገጻት’ዮም። ስለዝኾነ’ክአ፡ ስርዓት ህግደፍ ከም ሕማቅን ግዕዙይን ስርዓት፡ ብቀዳምነት ነዚ ቅድም ኢሉ ተዘርዘረ ሃስያትት አብ ልዕሊ ሃገርን ህዝብን ከፍጽም፡ ከም መጋበርያ ዝሓጽዮም፡ ንዘሳላስሎም ሕጊ አልቦ ተግባራት ብዘይ ሕቶ ዘተግብሩ፡ ሕማቃት ሰባትን ተበለጽቲ ዜጋታትን ጥራይ ይኾኑ። እዚኦም ገበንኦም ክሽፍኑ ህርድግ ዝብሉ፥ ሕልኖኦም ዝሸጡ፡ ብገበንን ብደም ንጹሃትን ዝጠልቀዩን፡ ካብ አብ ሕግን ምስ ህዝብን ምውጋን፡ ምስ ሓደ ውልቀ መላኺ ዝወገኑን፥ ብሞዮኦም ወይ ብብቕዓቶም ዘይኮነ ነዚ ዘሎ ውልቀ መላኺ ወይ ገባቲ ስርዓት ብዘለዎም ተአማንነት ተሓጽዮም ወይ’ውን ኣበይ’አለኻ ከይተባህሉ ወይ ብግዝያዊ ጥቅሚ ንህዝቢ ክሳጽዩ ከርዕዱን፡  ህጣሙ ከጥፍኡን ከለዉ ባህ ዝብሎም፡ ገለ ገለ ሰብ መዝን ሰብ ባሊቃን በርጌሳውያን  ሰባትን የካትቱ።  ስለዝኾነ፥ ስርዓት ህግደፍ ከም መጋበርያ ግዕዙይ ተግባራቱ ዝሓጽዮም ነዞም ዝስዕቡ ክፋል ሕብረተሰብ፡ ውልቀስባት ወይ ጉጅለታት የጠቃልሉ፥

1ይ. ንቅሓትን ሰብአውነትን  ዝጎድሎም ዜጋታት

እዚኦም ንሳዕሪ ካብ እኽሊ፡ ንብርሃን ካብ ጸልማት ክፈልዩ ዘይክእሉ፡ ሰብአውነትን ንቅሓትን ዝጎደሎም፡ ብወድዓውነት ወይ በእምሮኦም ዘይኮነ ብዝተነግሮም ጥራይ ዝዝወሩ፡ ብዕራይ ወሊዱ ኢልኩም አጋውሑ እንተ ተባሂሎም’ውን፡ ብዘይ ሕቶን ምምዝዛንን፡ ንዝተባህሎም ከጋውሑ ሕንኽ ዘይብሉ፡ ብሃማትን ናይ አተሓሳስባ ድኹማትን፡ አዚርካ ናይ ምስትብሃል ዓቅሚ ዝጎድሎም ሰባትን የጠቃልሉ። ስለዝኾኑ’ክአ ስርዓት ህግደፍ፡ ነዚኦም ከም መጋበርያ ግዕዙይ ተግባራቱ ብቀዳምነት ዝሓጽዮም ክፋል ሕብረተሰብ’ዮም።

2ይ. የዋሃት

እዚኦም መንግስቲ ዝተኸተሎ አዕናዊ ፖለቲካዊ፡ ቁጠባዊን ማሕበራውን ፖሊሲታትን ሃስያታቱን ዝግንዘቡ እኳ እንተኾኑ፡ ‘መንግስትና’ዩ ከመይ ጌርና የሕሊፍና ክንህቦ’ ዝብል ዕባራ ምኽንያት ይኽተሉ። ሓደ መንግስቲ ፡ ንሃገርካን ህዝብኻን አብ አዕናዊ ፖለቲካዊ፡ ቁጠባዊን ማሕበራውን ቅልውላው ሸሚሙ፡ ንህላወ ህገርካን  ንመንነት ህዝብኻን እንዳዕነወን እንዳሳጽየን ሃገር ከብርስ ከሎ፡ ዓገብ ክትብሎ እምበር  ‘መንግስተይ’ዩ ከመይ ጌረ የሕሊፈ ክህቦ’ ምባል ንዝገደደ ጥፍአት ይዕድም እምበር ፍታሕ አይምጽእን ምዃኑ ክግንዘቡ አይካአሉን ወይ ንኽግዘቡ ግዜ ይወስደሎም።

3ይ. ቅልውላው መንነት ዘለዎም

ኣብዚ ክፍሊ’ዚ ዝምደቡ አዚዮም ሓደገኛታት ኮይኖም፥ ቅልውላው መንነት ዘለዎም ወይ መሕብኢ ዝረኸቡ ኮይኑ ዝስመዖም  ክልተ ሰፋሕቲ ክፋላት የጠቃልሉ። ቀዳማይ ብዘርኢ ኤሪትራውያን ዘይኮኑ መንነቶም ክሓብኡ ዝፍትኑ። ካልኣይ ክፋል፡ ብዘርኢ ኤሪትራውያን ኮይኖም፥ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዘካየዶ ደማዊ ብረታዊ ቃልስን ዝኸፈሎ ዋጋን፡ ጥውይውይ እንተዘይኮይኑ፡ ክንዲ አድሪ ውን ትኹን አበርክቶ ዘይነበሮም፥ እኳ ዳኣ መብዛሕትኡ እዋን ምስ ንህዝቢ ኤርትራ ዝሳጸዩ ስርዓታት ብቀጥታ ወይ ተዘዋዋሪ መገዲ ዝዳናገጹን መጋበሪያታት ኮይኖም ዘገልግሉ ዝነበሩን፡ ነዚ ገበነኦም ንምሽፋን ህርድግ ዚብሉን ዝርከቡን’ዮም። ‘ሓባል በልያ ከይትቅድመኪ’ ከምዝበሃል፥ ህዝቢ ኤርትራ ድሕሪ ናይ ዘበናት ሰንሰለታዊ መግዛእትታትን፡ ናይ 30  ዓመታት መሪር ቃልስን ዓወቱን፥ ክፉትን ነጻን መድረኽ ከውሕሰሉ ዝኽእል ቅዋምን ሕግን ተነፊግዎ፥ ምንባር ሲኢኑ አደዳ ሞትን ስደትን ኮይኑ እንዳረኣይዎ፥ መንነታዊ ገበነኦም ክሓብኡን፡ ጸቢብ ረብሕኦም ከውሕሱን ጥራይ፥ ድምጺ ሓፋሽ ኮይኖም ንፍትሒ ደው ንዝበሉ ደቂ ሃገር ‘ትሕቲ   ሃገራውያን’ ‘ጠላማት’  ብምባል፥ መሪርዎም ንስደትን ሞትን ዝጋለጹ ዘለዉ መንእሰያት ግዳይ ሃገራዊ አገልግሎት ድማ ‘ከደዓት’ ‘ኮብለልትን’ ክብልዎም ይስምዑ። ዘውደልደለስ ንዘገልገለ’ዩ ነገሩ።

4ይ. ረብሓ ዘቐድሙ

ሕጊ ተጎስዩ ዜጋታት መሬት ከም ዑንቚ ጸቢባቶም፡ ስድርኦም፡ ዓዶም፡ ቤቶም፡ ንብረቶምን፡ መረበቶምን፡ ራሕሪሖም አብ ዝስደድሉን፡ ሃገር አብ ትባድመሉን ዘላ እዋን፡ ገለ ገለ የሕዋትን አሓትን፡ ንኽውንነት እንዳፈለጡ፡ ንስለ ዘላቶም ንእሽቶ ንብረትን ንዋትን ክብሉ ስቕ ዝመረጹ፡ ወይ ውን፡ ገለ ገሊኦም ብዝገደደ መልክዑ ነዚ አብ ሃገርና ዘሎ ብልሹው ስርዓት ዝሕብሕቡን ዘቖናጅዉን አይተሳእኑን። ‘ብጻይካ ክላጸስ ጭሕምኻ ማይ ልኸ’ ከምዝባሃል፡ እዚ አብ ህዝብና ወሪዱ ዘሎ ሕሰም፡ ብዝኸፍኤ መልክዑ ጽባሕ’ውን ናባኹም ናብዞም ነዚ ናይ በለጽ ኣተሓሳስባ ሪዕምኩም ትጓዓዙ ዘለኹም ከምዝኸውን ክትግዘቡን፡ ንብረትን ጥቅምን ክአ ብዘይ ህልውና ፍትሒ፡ ርትዕን ሰላምን ዝዕሰላ ሃገር ከንቱ ምዃኑ ክተስተውዕሉን አብ ልብኹም ክትምለሱን ይግባእን ትጽቢት ይግበረልኩምን።

5ይ. ጽሕግንታዊ ወይ Sadist ስሚዒት ዘለዎም ሰባት

አብዚ ክፋል’ዚ ብመቦቆል ደቂ ሃገር ዝኾኑ ወይ ዘይኮኑ፡ ግን ብዘለዎም  ጽሕግንታዊ ወይ sadist ስሚዒት፡ ንሶም ጽቡቅ ከምዘለዉ ኮይኑ ዝርድኦም፡ ወገኖም ዝኾነ ህዝቢ ወይ ቤተሰቦም ወይ ዓርኮም፡ ክሳቀ፡ ክሽገርን፡ ክኸፍኦን ከሎ ክርእዩ ከለዉ ጥራሕ’ዩ። ስለዝኾነ ክአ፡  እቲ ወገኖም ዝኾነ ህዝቢ ወይ ቤተሰቦም ወይ ዓርኮም፡ ክሳቀ፡ ክሽገርን ክኸፍኦን ከሎ ክርእዩ ህርድግ ዝብሉን ብኡኡ ፍሉይ ባህታ ዝሓድሮምን’ዮም።

6ይ.ብጥቅሚ ዝተገዝኡ

አብዚ ክፋል’ዚ ሳሕቲ ብመቦቆል ደቂ ሃገር ዝኾኑ ወይ መብዛሕትኦም ዘይኮኑ፡ አንጻር ረብሓ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብንዋታዊ ጥቅሚ ተገዚኦም ፍሉይ ረብሓ ናይ ሓደ ጉጅለ ወይ ወገን ክውሕሱ ደው ዝበሉ፡ ውልቀሰባት፡ ጉጅለታት lobbyists, journalists ወይ politicians ክኾኑ ይኽእሉ። ቀንዲ ተልእኾኦም፡ ንገበናታት ስርዓት ህግደፍ ምሕባእን ምቁንጃውን ጥራይ ዘይኮነ፥ ብቀንዱ ዘየለ ታሪኽ ፈብሪኾም፡ ንህዝቢ ኤርትራ ብወገን፡ አውራጃ፡ ሃይማኖትን ካልእን ጎጃጂሎም ሓድነቱ ብምልሕላሕ፡ ወይ ተደናገጽቲ መሲሎም፡ ህዝቢ ሰሚሩ ንመሰሉን አንጻር ምልካዊ ስርዓት ከይላዓል ክበታትንዎን ከዳኽምዎን፡ ብግዳማውያን ተጻባእትን ብህግደፍን ዝተዓስቡ’ዮም።  ከም አብነት ናይዚ፡ “አግአዚያን” ዶ “ፓን ትግሪኛ” ዶ ካልእን ዝብል ስም ንነብሶም ኣጠሚቆም ቆርበት በጊዕ ዝተኸድኑ ተዃሉ፥ ወይ አብ ፓልቶካት ዝተዋፈሩ ወይጦታት ክጥቀሱ ይከአሉ።   እዚኦምን ኣብ ተራ ቁጽሪ 5ን ዝተዘርዘሩ ‘ዘይስንኻ ሑጻ ቆርትመሉ’ ንዝብል ብሂል ዝረዓሙ ኮይኖም፡ ብፍላይ፡ ስርዓት ህግደፍ፡ ህዝቢ ብስእነት ሰላም፡ ቅሳነትን ጥሜትን እንዳተጣርዔ፡ ስልጣኑ ንኸውሕስ ጥራይ ጸጋታት ሃገር ቦርቢሩ ሚልዮናት ዶላራት አብዚ እኩይ ተግባራት ክዋስኡ ከምዝኽስክስሎም ብሩህ’ዩ።

ከም መጠቃለሊ፡ ሎሚ ህዝቢ ኤርትራን ሃገሩን፡ ኣብ መንቀራቕሮ  ናይ ጃንዳ ህግደፍ ጥፍኣትን መጋበርያታቱን ብሓደ ወገን፡ ብደለይቲ ፍትሒ ዝሳላሰል ዘሎ ቃልሲ ንልዕልና ሕግን  ንህንጸት ዲሞክራስያዊ ስርዓትን ብኻልእ ወገን ተንጠልጢሉ ይርከብ። ምብሓት ስልጣንን ምልክን ዝመበቆሉ፡ መርገጽትን ዓመጽን ስርዓት ህግደፍ አብቂዑ፡  ንሓቂ ደው ንብለሉ፡ ናይ ነብስና ምሕታትን ምንሳሕን፡ ንሕጋዊ ምስግጋር ስልጣን ናብ ህዝባዊ መንግስትን፡ ህንጸት ዲሞክራስያዊ ቅውማዊ ስርዓትን ንቃለሰሉን እንኮ  እዋን ሕጂ ጥራሕ’ዩ። ክቡራን ደቂ ሃገር፡ ብመንጽር’ቲ ንነጻነት ዝተኸፍለ ዋጋ፥ ድሕነት ሃገር፡ ሓርነት፡ ሰላም ቅሳነትን ዕብየትን፡ ተቃሊስካ እምበር ብኸምኡ ኢድካን እግርኻን አጥሚርካ ኣማዕዲኻ ብምርአይ ወይ ካልኦት ክገብሩልካ ብምጽባይ ጥራይ አይርከባን። ሉኣላውነት፡ ድሕነትን፡  ክብርን ሃገር ዝዕቀብ፡ መጀመርያ አብ ሃገርን ህዝብን ፍትሕን ሕግን ዝሕመረቱ ምሕደራ አንጊስካ፡ ስኒት ሓድነትን ተወፍይነትን ህዝቢ ኮስኲስካን ዓቂብካን፡ ንህዝብኻ ሓቚፍካን እምበር፡ ብአስገዳድነት፡ ብሓይልን ንህዝቢ ብፖለቲካዊ። ብቁጠባውን፡ ማሕበራዊን፡ ስብአውን መሰላት ረጊጽካ ብምርዓድን ንሃገር ብምድሃኽን  ዝገደደ ዕንወት’ምበር፡ ሉዓላውነት ሃገር ምዕቃብን፡ ቅሳነት፡ ሰላምን ምዕባለን አይርከባን።

ክቡራት ኤርትራውያን ደቂ ሃገር፡ ከም ብሌን ዓይንና እንርእያን ንፈትዋ ሃገርናን ህዝብናን እንዳራኣናዮም ይሽየጡን ይበርሱን አለዉ። ከምቲ ህዝቢ ኤርትራ ንፍልልያቱ አውንዚፉ፡ ክቡር ዋጋ ከፊሉ፥ ብሓይሉ፥ ብቓልሱ መስዋእቱን ብድምጹን ዘረጋገጾ ነጻነት፡ ሕጂ’ውን ኩሉ ኤርትራዊ’የ ዝብል፡ ንመበቖላውን ማሕበራዊን ባህላውን ብዙሕነትን ካልእ ኣቃውማታት ሕብረተሰብ ኤርትራ አማእኪሉ፡ ሓድነቱ ብምዕቃብ፡ ነዚ ኣብ ቅድሚኡ ተገቲሩ ዘሎ ሃስያ ህግደፍን መጋበርያታቱን ብድሆ ብምግጣም ንሓርነት፡ ድሕነት ሃገርን ህዝብን፡ ንፍትሒ ምንጋስን ልዕልና ሕግን ክንቃለስ እዋኑ ሕጂን ሕጂን ጥራሕ’ዩ። ምኽንያቱ ድሕነት ሃገረ ኤርትራ፡ ኤርትራዊ መንነትን ዜግነትን ልዕሊ ግዝያዊ ውልቃዊ ረብሓን ዝንባለን ክስራዕ ስለዝግባእን ንግዜ ዘይግደፍን ጉዳይ ስለዝኾነን። ነዚ ክዉን ክኸውን፡ ነቲ አብ ውሽጢ ሃገር ብኢዱ ብእግሩ ብኣፉን ብኸብዱን ተቀፊዱ፡ ዝሳጺ ዘሎ ህዝብና፥ እዞም አብ ስደት ዘሎና ብዓቢኡ ነጻነት፡ ብመጠኑ’ክአ ተዛማዲ አካዳምያውን ቁጠባውን ዓቕሚ ስለዞሎና ኣጆኻ ክንብሎ፡ ክንጣበቀሉን፡ በብዓቅምና አንጻር ገባትን ደሃኽን ስርዓት ህግደፍን፡ ኣሉታዊ  ተግባራቱን ስዕቤናቱን ክንቃልስን፡ ንምውሓስ ዲሞክራስያዊ ስርዓት፡ ልዕልና ሕግን ድሕነት ውጹዕ ህዝብናን ሃገርናን ሕጂ ደው ክንብል  ይግባእ።  ልዕልና ሕጊ ክህሉን ተግባራዊ ክኾውን ምቅላስን፡ ህዝቢ ውሕስነት ሕጊ፡ ሰላምን ቅሳነትን ረኺቡ ሰሪሑ ወፊሩ ክኣቱን ከፍሪ ብምግባርን’ዩ፡ ሉኡላውነት  ሃገር ዝውሓስ፡ ህዝቢ ኤርትራ ከም ህዝቢ ረብሕኡ ዝኽበርን፡ ኤርትራ  ሚዛን ዘለዋን ሕፍርትን ሃገር ትኸውንን። ካብዚ ወጻኢ ግን ብሓደ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ ናብ ስልጣን ብዝመጸ ናይ ስልጣን ጽምእን ዕድመ ስልጣኑ ጥራይ ንምንዋሕ ክብል፡ ዘይርትዓዊ ምሕደራ፡ ኲናትን፡ መጋበርያትትን አዋዲዱ ንህዝቢ ዘሳቂ፡ ዝጎጃጅል፡ ሰብአዊ መሰላቱ ዝዕፍንን ዝግህስን፡ ንዝሰላሰል ዘሎ ፍትሓዊ ቃልሲ ፋሕፋሕ አቢሉ ከገዝእ ህርድግ ዝብልን ስርዓት ህግደፍን ዘዋደዶም  ባኣታታትን ወይጦታትን ክንነቅሓሎምን የአኽለኩም ክንብሎምን ይግባእ። ምኽንያቱ ሰፍ ዘይብል ዋጋ ዝተኸፍላ ሃገር ንኸነድሕን፡ ኩላትና ሓላፍነት ዝስማዓና፡ አብ ጎኒ’ቲ ሞሳኡ ሲኢኑ ዝካላበትን ዝበርስን ዘሎ ህዝቢ ሕጂ ደው እንተዘይበልና ታሪኽ ክሓተና’ዩ።

ሕድርን ለበዋታትን ሰማእታትና ይከበር

ክብርን ሞጎስን ንመትከላት ስውአትናን ሓፋሽ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራን

ዶር. ዮሃንስ ወልደማርያም ጉብሳ፡ አባል ደለይቲ ፍትሒ ስኒት ሚነሶታ .መንግስታት አሜሪካ.

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • k.tewolde August 7, 2017

    Very accurate classification of Hgdef and its cronies,however one thing remains glaringly true,nobody knows the Eritrean mind set specifically the highlanders better than,you guessed right -the tyrant.It is like the knee jerk reflex,the overwhelming subliminal sympathy is what keeping him and his party alive.It is high time to frisk our frontal cortex.

Post a Reply to k.tewolde Cancel Reply