Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ምስማዕን ምውህላልን ትምህርቲ እዩ።

መበገሲ ጽሑፈይ ብክልተ ገዳይም ተጋደልቲ ዝነበሩ፣ ተስፋይ ተምነዎን ኣድሓኖም ገረማርያምን ዝቐርብ ዘሎ በበይኑ ታሪኻዊ ኣገላልጻ ዝምልከት እዩ። ክልቲኦም ተጋደልቲ ብ 1972 ናብ ህዝባዊ ግንባር ብሓንቲ መዓልቲ ዝተሰለፉ እዮም። ኣብ ታሪኻዊ መግለጺኦም ዘሎ ፍልልዮም ብዘየገድስ፣ ንሃገራዊ

መበገሲ ጽሑፈይ ብክልተ ገዳይም ተጋደልቲ ዝነበሩ፣ ተስፋይ ተምነዎን ኣድሓኖም ገረማርያምን ዝቐርብ ዘሎ በበይኑ ታሪኻዊ ኣገላልጻ ዝምልከት እዩ። ክልቲኦም ተጋደልቲ ብ 1972 ናብ ህዝባዊ ግንባር ብሓንቲ መዓልቲ ዝተሰለፉ እዮም። ኣብ ታሪኻዊ መግለጺኦም ዘሎ ፍልልዮም ብዘየገድስ፣ ንሃገራዊ ናጽነት ስለዝተቓለሱ ንእስነቶም ስለዝወፈዩ የኽብሮም።

ኣነ ብ-1981 ስለዝተወለድኩ ብክልቲኦም ዝግለጽ ዘሎ ታሪኽ ንዓይ ብዕድመ መሰታይ ውን ኣይኮነን። ናይ 9 ዓመት ቅድሚ ምውላደይ ዝነበረ እዩ። ስለዝኾነ ኣይፈልጦን እየ። ስለዚ ቕድሚ ምውላደይ  ዝነበረ ታሪኽ ብዓቕልን ምስትውዓልን ክከታተሎ ይፈቱ።

ስለዚ እቶም ብዕድመ ዘየርከብናሉ፣ ንዘይንፈልጦ ታሪኽ ብስምዒት ተበጊስና፣ ኣበይ ነይሩ ዝብሉ ዘየድሊ መግለጺ ምሃብ ገዲፍና፣ ናይ ሓደ ከም ቕኑዕ ናይቲ ካልእ ከም ጌጋ ምውሳድ ሚዛናዊ ስለዘይኮነ፣ ዘየድሊ ጸግዒ ሒዝና ኣብ ክንዲ ምምዛን፣ ንዘይሓላፍነታዊ ባህርያት ኣወጊድና፣ ብህድኣትን ዓቕልን ጽን ኢልና “ ምስማዕን ምውህላልን ትምህርቲ እዩ”።

ታሪኽ ህዝባዊ ግንባር፣ ተጋድሎ ሓርነት ይኹን ናይ ካልኦት ውድባት፣ ናይ ኣሽሓት ሃገራውያን ውህሉል ታሪኽ እዩ። ሰራሕ ታሪኽ ህዝቢ’ዩ ከምዝበሃል: ብዘይተሳታፍነት ህዝቢ ዝዕወት ቃልሲ የለን። ስለዚ ህዝቢ ኤርትራ ንብረታዊ ቃልሲ ምእንቲ ናጽነት ምኻኑ ኣሚኑ ኣብ ጎኒ ሰውርኡ ተሰሊፉ። ህዝባዊ ቃልሲ ብምክያድ ድማ ጽንዓቱን ተወፋይነቱን ኣመስኪሩ። ህዝቢ ንዝኣመነሉ ዕላማ ብኹሉ ዓቕሙ ኩቡር ዋጋ ከፊሉ’ዩ ናጽነት ኣረጋጊጹ። ስለዚ ታሪኽ ብረታዊ ቃልሲ 30 ዓመታት ክንብል ኮሎና: ታሪኽ ኩሎም ተጋደልትን ህዝብን: ክቡር ዋጋ ህዝብን ሃገርን ስለዝኾነ: ነቲ ኣወንታዊ ታሪኽ ኣኽቢርና: ንኣሉታዊ ጸሊም ታሪኽ ብዕምቖትን መጽናዕትን ፈሊጥና ንከይድገም ከም መምሃሪ ክንወስዶ: ካብ ዝነበሩ ዝወዓሉ ሰብ ታሪኽ ጽን ኢልና ምስማዕን ምውህላልን ትምህርቲ እዩ።

እቶም ኣብ በበይኑ ግዜን ቦታን ቀጥታዊ ናይ ታሪኽ ተዋሳእቲ ዝነበሩ ናይ ዕድመ ጸጋ ዘለዎም ካልኦት ኣካላት ታሪኽ ክመጹ ክገልጹ ስለዝኽእሉ: ንዝወዓሉዎ ነቲ ዝፈልጥዎ ሓቂ ከድምቑ፣ ንጉጉይ ታሪኻዊ መግለጺ ክነቕፉ፣ ብጭቡጥ ብመርትዖ ዝተሰነየ  መኣረምታ ከቕርቡ ብሕልና ቅኑዕ ብታሪኽ ድማ ግዴታ እዩ። ኣበይ ነይሩ ምባል ግና ኣብ ክንዲ ምውህላል ምንጻግ ስለዝኾነ ኣየርብሓናን’ዩ። ኣየተባብዕን ‘ውን ‘ዩ።

ታሪኽ ኣብ ኩሉ መዳያት ብደቂ ሰባት ዝፍጸም መዓልታዊ ተግባርን ፍጻሜታትን ስለዝኾነ: ዘየቃርጽ መስርሕ ናይ ወለዶታት ቃልስን ውጽኢቱን እዩ። ፍልልዩ ብግዜን መድረኻዊ ምዕባሌኡን እዩ። ናይ ታሪኽን ስነ ሕብረተ-ሰብ ተመራመምርቲ ከምዝገልጽዎ: ታሪኽ ሓደ ኣካል ስነፍልጠት ስለዝኾነ: ኣብ መጽናዕትን ምርምምርን ዝተሰነየ መስርሕ እዩ ይብሉ። ገለ ካብ ናይ ታሪኽ ኣገደስቲ ኣዕኑድ ዝጥቕሱዎ ድማ: ታሪኽ ብግዜን ቦታን: ብፈጸምቱን ናይ ኣፈጻጽማ ኣገባቡን መርዖታቱን ተሰንዩ ክቐርብ: ከም ቀንዲ መለለዪ ናይ ታሪኽ መትከላት ከምዝውሰዱ ይሕብሩ።

ስለዚ ዝኾነ ሰብ ኣብ ታሪኽ ውልቃውን ሓባራውን ኣስተዋጽኦ ስለዘለዎ: ውልቀሰብ ኣካል ናይ ታሪኽ እዩ። ብኣበርክትኡ ፍልልይ ክህልዎ ባህርያዊ እዩ። ምኽንያቱ ሓደ ፈላስፋ ሊቕ ብዘለዎ ፍልጠት ሓዲሽ ምህዞ ንህዝቡ የበርክት። ህዝቢ ድማ ተጠቃሚ ናይ ፍልጠቱ ክኸውን ግድነት እዩ። ከም ኣብነት ምህዞ ተክኖሎጂ ዓለምና መራኸቢታትን ነፈርትን ተጠቀምቲ ኮይና ኣለና። ስለዚ ተራ ውልቀሰባት ኣብ ታሪኽ ህዝቢ ዓቢ ቦታ ኣለዎም።

ብኣንጻሩ ድማ ኢሰያስን ካልኦት ዘይፍትሓውያን ብዝሃንጽዎ ምልካዊ ምምሕዳራዊ ትካል: ኣብ ህዝብን ሃገርን ኣዕናዊ ተግባራት ስለዝፍጽሙ: ጸሊም ታሪኽ ወላ እንተኾነ ኣሉታዊ መዳይ ታሪኽ ናይ ህዝቢ ስለዝኾነ: ጸሊእካዮ ትጉሕፎ ታሪኽ ኣይኮነን። ምኽንያቱ  ናይ 2ይ ኩናት ዓለም ብምልካዊ ምምሕዳር ሂትለር ዝተፈጸመ ጸሊም ታሪኽ፣ ኣብ ቤተመዘክር ጀርመን ብመጻሕፍትን ፊልምታትን ዝተሰነደ ስለዝኮነ፣ ናይ ጀርመን ታሪኽ ኣይኮነን ዝብል ናይ ታሪኽ ተመራማሪ ዘሎ ኣይመስለንን። ፍልልዩ ተሓታትነቱ ነቶም ፈጸምቱ እዩ። እቲ ገበናት ድማ ንዳሕረዋይ ወለዶ ዝውክል ስለዘይኮነ ከም መምሃሪ ጥራይ የገግልግሎ። ስለዚ ካብ ናይ ዕድመ ሰብ ጸጋን ቀጥታዊ ኣካል ታሪኽን ሰባት ብህድኣትን ምስትውዓልን ጽን ኢልካ ምስማዕን ምውህላልን ትምህርቲ እዩ።

የቐንየለይ

ዓወት ንደለይቲ ፍትሒ

ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንሰማእታትና

የሴፍ መንግስተኣብ

02/06/2013

aseye.asena@gmail.com

Review overview
15 COMMENTS
  • ባረንቱ 33 June 3, 2013

    ጽቡቅ ምክሪ ተኮነ ካብ ኣድሐኖም ንጽበዮ ዘለና ኣይመስለንን !

  • Truly truly i say to you June 3, 2013

    Ambasador Adhanom G/ Mariam is not only mistaken when he argue with Tegadaly Tesfay Tememwo but he didn´t bring any new or useful idea which helps for the struggle movement as well. His attempts seems as like he defending his and some of his comrades past crime to cover up. Actually for everyone of us is clear with that long struggle time, let alone Tegedelti like Haile duru, Patros Solomon and alike even Mesfin Hagos and Adhanom self he be, Isayas after systematically used and at last because thrown them from anger now who started blowing dust as if like oppositioners, even Tesfay Temenowo would be no one thinks he would be completley free from that time was committed mistake or crime. Even Tesfay in his speach he was admitting about because he is real hero and honest. But the reason we respect and accept you former Tegadelties it is not because we believe you are clean for that time was committed crime, but because you turn from your past mistake, and now willingly or unwillingly because you sided with oppressed masses of Eritreans to collaborate, because we respect your later decision and we gave you forgiveness is only. So the Outstanding Mesinas has truth in one of his comment tells Adhanom to be kept from his useless argumentation this, “ገዲም ተጋዳላይ ሓርበኛ ተስፋይ ተምነዎ፡ መመላእታን እርማትን’ምበር ምብዳህ ኣየድልዮን’ዩ! ታሪኽ ሰውራ ኤርትራ ኸኣ ስሙ ከም ዝሕብሮ ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ’ምበር ታሪኽ ውልቀ ሰባት ስለ ዘይኮነ፡ ፍሉያት ጠበቓታት ኣይደልዩዎን እዮም።”

  • Kilite mot. June 4, 2013

    A very constructive comment from a young smart brother.I was following all your articles which have a big content to learn.Keep it up I am 100% sure we will learn a lot from you.

  • MightyEmbasora: DITTO! …you appear to comprehend how our skin complexion is even used to tracomitize our minds.

    2pac22: Hitler cared none whether Germany with its entire population was about to be wiped out from East to West when he realized he was losing the war, and Isaias won’t a bit. And so fighting to rid off PFDJ by any means necessary and recording the deplitating tragic daily life our people are bogged down go hand-in-hand.
    so, having cool, articulate, who command their language well in the likes of youngsters the writer of this piece Yoseif is a good thing!

    Kudos to you Yosief! Keep it up! Eritrea as we know it have NO dictionaries, literatures and people like Yosief can help when the time comes, as it inevitably will !

  • Mike June 5, 2013

    Even though I understand your point, It is not the TIME to hear WHO is RIGHT? and WHO is WRONG?. NOW is the time to stand together and liberate our people from the dictatorial regime !!

POST A COMMENT