Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ምስጋና!

28/12/2015 ምስጋና! ኩሉኩም ሰብ ሕልና ዘምሴኹም ምሳና ልግሲ ዘወፌኹም ንማሕበረተሰብና ብስም መላእ ማሕበር ይብጻሕኩም ምስጋና። ልግሲ ዝኣመሎም ሓሊዮት መበቆሎም ዘለዎም ዝነግፉ ንድሕነት ማሕበሮም ሞራል ዘሐድሱ ልቢ ዘረስረሱ ዝያዳ’ቲ ዝሃብኩም ይሃብኩም እግዚሀር ለጊሱ፡ ሳላ ንጹህ የእዳው ንጹህ ልቢ ለጋስ በዓልሕልና ኩልጊዜ ወሃቢ ሳላ መንፍዓትኩም ሳላ ሓላል ተበግሶ በቂዕና

28/12/2015

ምስጋና!

ኩሉኩም ሰብ ሕልና ዘምሴኹም ምሳና

ልግሲ ዘወፌኹም ንማሕበረተሰብና

ብስም መላእ ማሕበር ይብጻሕኩም ምስጋና።

ልግሲ ዝኣመሎም ሓሊዮት መበቆሎም

ዘለዎም ዝነግፉ ንድሕነት ማሕበሮም

ሞራል ዘሐድሱ ልቢ ዘረስረሱ

ዝያዳ’ቲ ዝሃብኩም ይሃብኩም እግዚሀር ለጊሱ፡

ሳላ ንጹህ የእዳው ንጹህ ልቢ

ለጋስ በዓልሕልና ኩልጊዜ ወሃቢ

ሳላ መንፍዓትኩም ሳላ ሓላል ተበግሶ

በቂዕና ማሕበርና ናብ ንቡር ክንመልሶ፡

ኣቱም ዝሃብኩም ኣምላኽ ዝያዳ ይሃብኩም

ኣቱም ዘይለገስኩም ኣምላኽ ይፍትሓዮ ኢድኩም

ማዕጾ ማሕበረተሰብ ክፉትዩ ሕጂውን ጊዜ ኣለኩም፣

ኣቱም ዘይነበርኩም ብምኽንያት

ኣምላኽ ይስረየልኩም ሓጢያት

ኣቱም ዝተረፍኩም እንዳፈለጥኩም

ቤትኩምዩ ሕጂ’ውን ማዕጾ ነርሕወልኩም

ሓሊዮት ተመሃሩ ግደፉ ኣመልኩም

ሓድነትዩ ሓይሊ “ንመሃር” ንብለኩም

ሃየ ንተኣከብ ተንኮል ይኣኽለኩም ዎድሓንኩም!

ስለ ስኒት ይጽንሓልና ምኽኒት! ስለሓቦ ንዑሞ ንጠመር ከይሕጎስ ወደቦ!

ንዑሞ ንጠመር ከም ቖጽሊ መኣዶ፣ ንተዋጋኢ እሾኽ ኮስቲርና ክንሰዶ፡

ስለፍቕሪ ንበገስ በብእምነትና ብስም ረቢ በስመ ፈጣሪ፡

ዓለም ሓላፊትያ ንበገስ ብግብሪ ብንጹህ ዕላማ ግጉይ ከነዕሪ። ደሓን ኩኒ 2015 ደሓን ምጺ 2016 ሰላም ፍቕሪ ራህዋ ቅሳኔት ንምነየልኩም። ጴጥሮስ ተኽሉ (ሓላዪ)

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT