Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ምትእትታው ስርዓት ህግደፍ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብዝሓየለ መልክዑ ይቕጽል ኣሎ።

ስርዓት ህግደፍ፥ ምሉእ ብምሉእ ምቁጽጻሩ ክጥዕሞ፥ ኣብቲ ቤተ ክርስቲያን ከምድላየይ ክዕንድር ይዕንቅፉኒ እዮም ንዝበሎም፥ ምሁራትን ለባማትን ደቂ እታ ቤተ ክርስቲያን  ፓትርያርክ ኣቡነ እንጦንዮስ፥ እንኮ ናይ ስነ መለኮት ምሁር ኣቡነ መቃርዮስ፥ ናይ ታሪኽ ገዳማትን ታሪኽ ኤርትራን

ስርዓት ህግደፍ፥ ምሉእ ብምሉእ ምቁጽጻሩ ክጥዕሞ፥ ኣብቲ ቤተ ክርስቲያን ከምድላየይ ክዕንድር ይዕንቅፉኒ እዮም ንዝበሎም፥ ምሁራትን ለባማትን ደቂ እታ ቤተ ክርስቲያን  ፓትርያርክ ኣቡነ እንጦንዮስ፥ እንኮ ናይ ስነ መለኮት ምሁር ኣቡነ መቃርዮስ፥ ናይ ታሪኽ ገዳማትን ታሪኽ ኤርትራን ፈላጥ መምህር ተወልደብርሃን ዓምደመስቀል፥ ናይ ትርጓሜ መጻሕፍቲ መምህር መጋቤ ምሥጢር መብራህቱ ሞባእ፥ ናይ ቀኖናን ሰርዓት ቤተ ክርስቲያን ተሓታቲ መርጌታ ተወልደ መድህን መንግስቱ፥ ዝተፈላለዩ መጻሕፍቲ ናብ ቋንቋ ትግርኛ ዝተርጎሙ መምህር ዓምደብርሃን ገብረማርያም፥ ናይ ባሕረ ሓሳብን ኣቡሻክርን ምሁር ዘውገ ምሁራን መርጌታ ይትባረኽ በርሀ፥ ንብዙሕ ዓመታት ኣብ ቤተ ትምህርቲ ሰንበት ዓቢይ ኣስተዋጽኦ ዝገበሩን ምሁራንን ናይ ስነ መለኮት ምሁር ቀሺ ገብረመድህን ገብረጊዮርጊስ፥ መርጌታ ሰመረኣብ ወልደገብርኤል፥ ቀሺ ዶር ፍጹም ብርሃን ገብረንጉስ፥ ቀሺ ዶር ተኽለኣብ መንግስተኣብ፥ መንቋሕቃሕታ ዘለዎም ኣዝዮም ብዙሓት መነኮሳትን ካህናት ዲያቆናትን ደቂ ቤተ ክርስቲያን ስሞም ብምጽላም፥ ብምእሳር፥ ብምስጓግ፥ ከቢድ ማህሰይቲ ኣውሪዱ ነታ ቤተ ክርስቲያን የማህምናን ይኸፋፍላን ኣሎ።

ከም መቐጸልታ ናይዚ ድማ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ንዝርከባ ቤተክርስትያናት ብኢድ ኣዙር ብኤምባሲታቱ ኣቢሉ ንምቁጽጻር ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያናት ሃሱሳት ብምውፋር፥ ከቢድ ዕንወት ይፍጽም ኣሎ።

ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ኣብ እስራኤል ዝርከብ ብስም እንዳመድሃኔ ኣለም ዝፍለጥ ቤተ ክርስቲያን ምሉእ ብምሉእ ኣብ ቁጽጽሩ ንምእታው፥ መንግስቲ ህግደፍ ብኢድ ዮፍታሄን ኤምባሲ ህግደፍ ተስፋማርያም ተኸስተን፥  ዘይተሓለለ ናይ ዕንወት ጻዕሪ የካይድ ኣሎ።

ኣብ መንጎ ተመሃሮ ትምህርቲ ሰንበትን ውሉደ ክህነትን ብዝወልዕዎ ህውከት ድማ እቲ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ምክፍፋል ይርከብ። ብፍላይ ነቶም ከም መሳርሒ ውሽጣውሽጢ ክጥቀሙሎም ዝጸንሑ ናይ ቤተ ክርስቲያን ሓላፊ ቀሺ ጸጋይ ኣበራ፥ ብምኽንያት ናይ ጸጥታ ጸገም ኣመኽንዮም ገንዘብ ናይቲ ቤተ ክርስቲያን ናብ ኤምባሲ ክወሃብ እሞ፥ ብኡ ኣቢሉ ናብ ኣስመራ ክለኣኽ ዮፍታሄን ተስፋማርያም ተኸስተን ብዝተሰማምዑሉ፥ እቶም ካህን ኣየረክብን ስለ ዝበሉ፥ ከቢድ ጸለመን ምፍርራህን ይወርዶም ኣሎ ንህይወቶምውን ኣብ ስግኣት ይርከቡ።

ኣቐድም ኣቢሉ ብስም እቶም ሃሱሳት ህግደፍ ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስትያን ዝርከቡ፥ ብስም ገዳማት ኣመኽኒኻ ዝተላእከ ገንዘብ፥ ክልተ ኣዛብእ ዮፍታሄን ኣባ ሉቃስን፥ ንዓይ ንዓይ ተባሂሎም፥ ድሕሪ ምስሕሓቦም፥ ክሳብ ኣብ መንጎ ጳጳሳት ምክፍፋል በጺሖም ኣለዉ።

ገለ ጳጳሳት ብገርሆም ኣይበልዑ ኣይሰተዩ ምስ ዮፍታሄ ክውግኑ ከለዉ፥ ገለ ድማ ምስ ኣባ ሉቃስ ኮይኖም፥  ተከፋፊሎም ኣብ ከቢድ ምፍጣጥ ይርከቡ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም፥ ዮፍታሄን ጸሓፊኡ ኣቶ ሃብቶም ርእሶምን፥ ካብ ምሉእ ናይ ሓላፍነት ስልጣን ክወርዱ፥ ጳጳሳት ብብዝሒ ድምጺ ወሲኖም። እንተ ኾነ ዮፍታሄ ናብ ፕረሲደንት ህግደፍ ጠሪዑ፥ ክትንከፍ ከም ዘይክእል፥ ኣብ ስልጣኑ ክጸንሕን ውህስነት ረኺቡ ኣሎ።

ድሕሪ እዚ ውሳኔ ገለ ዝፈርሁ ጳጳሳት መትከሎም ለዊጦም እታ ዋና ኣማሓዳሪ እትብል ስም ተለዊጣ ጸሓፊ ምምሕዳር ዝብል ስም ንክሕዝ  ምስ ዮፍታሄ ወጊኖም ኣለዉ። ባእሲ ዮፍታሄን ኣባ ሉቃስን ጉዳይ ገዘብ ነዓይ ነዓይ እምበር ጉዳይ ቤተ ክርስቲያን ከም ዘይኮነ ዝተረድኦም ጳጳሳት ድማ ጸግዖም ሒዞም ይዕዘቡ ኣለዉ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
14 COMMENTS
  • evenezerzedebreselam October 8, 2014

    Sle qdst tewahdo kzareb zgbo seb wedan deqan mkanom aqedime kesmrelu yfetu!! sle mengsti ertra seb kab seb btemekuron b fltetn da yfelale ember neger shaebya wey dma hgdef xbuqn hmaqn zeyfelt alo aynbln. Sle abune luqasn yfthayen kemue ewn neger aboy keshi xegayn betekrstiyan medhaniealem etzarebwo zelekum
    1) Mejemerta zexeyf xhufn qalatn bmtqamkum zehnk eyu. bhaqi seb awi bahri zelewo emo ka wedi betekrstiyan “” hargaf”” elu n papas kxerf msmae yehzn eyu bezi menxr ka smeetn xlaatn da ember kab haqi wexaee mkanu bruh ygebro
    2) Kab israel ztelaeke genzeb wenatat alewwo wanatatu ka ab israel zela betekrstiyan eye. Ezi ka nhzbn kahnatn bxhufn bchbtn ztenegre ksae zkone ab zey mentebtikn ayteeetwa edkn elna nhalfo
    3) Wedi bashay nay piletica luek ksae zkone nkulu kxbt kem zdeli hton reeyton zedlyo aykonen. Haqi eyu luekat ab kulu medrek alewwo wela ewn ab betekrstiyan neger gn sebat ember betekrstitansi nay hgdef ktkewn aytkeeln eya
    4) Ab mengo kahnatn men eseyat tmhrti senbet zbelkayo ewn hasot ente zeybelkuka gega kbleka gn haqey eye mknyatu sle zeykone
    5) Sle betekrstiyan etzarebwo zelekum assena gn wela ewn azyu eyu zgerm. Eski dhan weyo poletikenat ena endkum tkone tgebru zelekum gn ke wela eske ernub zereba zeytzarebu kan qole ttqo
    Please first and for most behave as poleticians and say the truth

POST A COMMENT