Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ምንቅስቓስ ንደሞክራስን ፍትሕን ኤርትራ ተባሂሉ ዝፍለጥ ዕጡቕ ተቓዋሚ ኤርትራ ኣብ ረሀይ ዓባይ ዝተባህለ ቦታ ከባቢ ኣቑርደት ኣብ ልዕሊ ኣሃዱ ስለያ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ናይ ድብያ መጥቃዕቲ ብምፍጻም ሓደ ካፕቴን ዝርከቦም 4 ሰለይቲ ናይቲ ስርዓት ከምዝቐተለ ኣብ ዝለኣኾ መግለጺ ኣፍሊጡ።

ምንቅስቓስ ንደሞክራስን ፍትሕን ኤርትራ ብሓጺር ኣሰዋውዓ ምደፍኤ ተባሂሉ ዝፍለጥ ዕጡቕ ተቓዋሚ ውድብ ኤርትራ፡ ኣብ ረሀይ ዓባይ ዝተባህለ ካብ ኣቑርደት ንወገን ምብራቕ ዝርከብ ቦታ፡ ኣብ ልዕሊ 10 ዝኣባላታ መስርዕ ኣሃዱ ስለያ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፡ ብ 12

ምንቅስቓስ ንደሞክራስን ፍትሕን ኤርትራ ብሓጺር ኣሰዋውዓ ምደፍኤ ተባሂሉ ዝፍለጥ ዕጡቕ ተቓዋሚ ውድብ ኤርትራ፡ ኣብ ረሀይ ዓባይ ዝተባህለ ካብ ኣቑርደት ንወገን ምብራቕ ዝርከብ ቦታ፡ ኣብ ልዕሊ 10 ዝኣባላታ መስርዕ ኣሃዱ ስለያ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፡ ብ 12 ለካቲት ሰዓት 8፡00 ምሸት ኣብ ዝፈጸሞ ናይ ድብያ መጥቃዕቲ ሓደ ካፕቴን  ዓሊ ኢብራሂም ዝተባህለ መራሒኣ ዝርከቦም 4 ሰለይቲ ሃገራዊ ድሕነት ስርዓት ኢሳይያስ ብምቕታል 3 ከምዘቚሰለ፡ ኣርባዕተ ተዓጻፊ ካላሽን ምስ ምሉእ ዕጥቁ ከምዝማረኸ ኣብ ዝለኣኾ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣፍሊጡ።

ምደፍኤ ኣብ ጋዜጣዊ መግለጺኡ ከምዝሓበሮ፡ እቲ ስጉምቲ፡ እቲ ውድብ ቅድሚ ክልተ ወርሒ ኣብ ከባቢ ጋሽ ባርካ፡ ኮለኔል ዶማ ብዝተባህለ ሓላፊ ሃገራዊ ድሕነት ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ተማእኪሎም ህዝቢ ኣብ ምግፋዕን ምጭዋይን ተዋፊሮም ናብ ዝርከቡ ሰለይቲ ናይቲ ምልካዊ ስርዓት ድሕሪ ዘመሓላለፎ መጠንቀቕታ እዩ ተወሲዱ።

ብመሰረት እቲ ሓበሬታ እቶም ክልተ ግዜናይ መጠነቀቕታ ደብዳበ ዝተዋህቦም ሓሱሳት ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ እዞም ዝስዕቡ እዮም፥

  1. ኣብ ተሰነ ዝርከብ (ኮኔሬል ዶማ) ናይ ግንባር አዛዚ ሃገራዊ ድሕነት
  2. ምክትሉ (ሜጀር ገ/ሂወት ሃንስ) ብወዲ ሾጋዕ ዝፍለጥ
  3. አብ ግርማይካ ወኪል ቤት ጽሕፈት ሃገራዊ ድሕነት ገሬ
  4. አብ ሃይኮታ ወኪል ቤት ጽሕፈት ሃገራዊ ድሕነት ዑመር
  5. ቅድሚ ሕጂ አብ አቑርደት ኤሜግሬሽን ዝሰርሕ ዝነበረ ሕጂ አብ ሃገራዊ ድሕነት ከም መራሒ መስርዕ ኮይኑ ዘገልግል ዝነበረ ካፒተን ዓሊ ኢብራሄም እዮም ።

ብኻልእ ወገን፡ ድሕሪ `ዚ ፍጻሜ ማለት ንጽባሓይቱ 14 ለካቲት 2016 ዓ.ም ካብ ምደፍኤ ወጻኢ ዝኾኑ ካልኦት ዕጡቓት ደለይቲ ፍትሒ፡ አብ ሞንጎ (እንገርነን ሓጋዝን) ብዘጻወዱዎ ነታጒ፡ መንነቱ ዛጊት ዘይተፈልጠ ሓላፊ  ጸጥታ ስርዓት ኢሳይያስ ሒዛ ትጓዓዝ ዝነበረት ቶዮታ ድሕሪ ምሕምሻሻ ፡ እቲ ሓላፊ ምስ ኣውቲስትኡ ከም ዝሞቱ ናይ ዓይኒ መሰካክር ብምጥቃስ ምንቅስቓስ ንደሞክራስን ፍትሕን ኤርትራ ሓቢሩ።

አብቲ ዕለት `ቲ ምሸት ሰዓት 7:00 አብ (ማይ ሽግሊ) ዝተብሃለ ቦታ አብ ልዕሊ ሓንቲ ጉጅለ ስለያ (ህ.ግ.ደፍ) ብ ዝተገበረ መጥቃዕቲ አዛዚ ናይታ ጉጅለ ዝነበረ ቀያሕታይ ብዝብል ሳጓ ዝፍለጥ የማነ ከምዝሞተ እቶም ካልኦት ኣባልት ድማ ተበታቲኖም ከምዘምለጡ እቲ ሓበሬታ ብተወሳኺ ኣረዲኡ።

ኣብ ጽባሕ ናይዚ ስርሒት ኣሃዱታት ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ናብቲ ቦታ ብምምጻእ አብቲ ከባቢ ዝርከቡ ጓሶት ከም ዝአሰረን ከምዘበሳበሰን `ዉን ኣገንዚቡ።

በዚ ኣብ ዞባ ጋሽ ባርካ ተወዓዊዑ ዘሎ መጥቃዕትታት ደለይቲ ፍትሒ፡ ርዒዱ ዝርከብ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ኣብቲ ዞባ ብዝርከቡ ሓለፍቱ ካብ 17 ክሳብ 19 ኣብቲ ከባቢ ቀጻሊ ኣኼባታት ከካይድ ከምዝቐነየ ድማ ተፈሊጡ።

ዕጡቓት ተቓወምቲ ምደፍኤ፡ ብ 22 ታሕሳስ 2015 `ውን ንሂምቦልን ባርካን ኣብ ዘራኽብ `ሃላይ ቁሩሕ` ኣብ ዝበሃል ጎቦ ኣብ ሓለዋ ተዋፊሩ ንዝነበረ ናይ ክፍለ ሰራዊት 18ተን ስልያ ግንባርን ዕቁር ሰራዊትን ተመሳሳሊ መጥቃዕቲ ብምፍጻም ኣብ ልዕሊ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ጉድኣት ኣውሪዶም ከምዝነበሩ እቲ ውድብ ኣብ መግለጺኡ የዘኻኽር።

ምንቅስቓስ ደሞክራስን ፍትሕን ኤርትራ ኣብ ምወዳእታ መግለጺኡ ኣብ ዘመሓላለፎ መተሓሳሰቢ፡ ሰለይትን ልኡኻትን ናይቲ ስርዓት ኣብ ልዕሊ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ዘውርዱዎ ዘለዉ ግፍዕን ስቓይን ደው እንተደኣ ዘየቢሎም፡ ስጉምቲ ብምውሳድ መቕጻዕቱ ክቕጽል ምዃኑ ኣጠንቂቑ።

ምሉእ ትሕዝቶ ናይቲ መግለጺ ንምንባብ፡ ንባብ ቀጽሉ፦

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
20 COMMENTS
  • Bereket February 23, 2016

    ጎንጺ ከይተጠቐምካ ፍታሕ ክንረክብ ስለ ዘይከኣል ግድነትዩ የእዳውና ወስ ክንብል።ምኽንያቱ ተገዲድና ኢና ምበር ፈቲና ኣይኮናን።ስለዚ እታ እንኮ ፍታሕ ከምዛ ተታሒዛ ዘላ ኢያ።

  • Nsane February 23, 2016

    Eti solution neti eikey Iseyasn gujleun mktal kedhbu alewom kemey si resi endhir teharimu kalie akalat ayserhin eyu

  • segem Tigrai February 23, 2016

    THE BEGINNING OF THE END
    Eritrean opposition forces who have slept for quarter of a century seem now to wake up and start to make one stride forward against the brutal and MAFIA group of SHABIYA. Both the peoples of Eritrea and Ethiopia are the victims of the greedy and misguided policies of the CRIMINAL group in Asmara. Now these brotherly peoples must join hands to eradicate once and for all the anti people regime for a common good.A good beginning is a good ending!

  • Hagherawi February 23, 2016

    “Now these brotherly peoples must join hands to eradicate once and for all the anti people regime for a common good.A good beginning is a good ending!”

    segem Tigrai

    Indeed, the regime in Asmara is the most brutal on planet. Having said that, it’s the responsibility of Eritreans to remove them from power. Then, the two brotherly, sisterly, countries, will live in peace by abiding by international laws, respecting each others sovereignty, and helping each other to eradicate poverty along their common demarcated borders. Then and only then there will be a durable peace, prosperity and progress for future generation. All other roads, will lead to another cycle of lost opportunities and violence, in which, sooner or later, all will be implicated, and eventually lose whatever good they had achieved in the past. It’s easy to go to war, but very difficult to come out of it safe.

  • Musa Ali February 23, 2016

    There is no other option. Simply the solution is to assassinate the top ones.

  • Musa Ali February 23, 2016

    If we do not take the fight to them they will bring the fight to us.

  • Tseghezeab February 24, 2016

    ANABS BELWOM MKSHMADOM EYU.

  • Elias February 26, 2016

    Day dream, terrorists, you will get nothing

POST A COMMENT