Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ምኽርኹም ሃቡና!

ምኽርኹም ሃቡና!   ከምቲ ንቡር ቀብሪ፡ ወግዒ ዘይረኸብኩም ሬሳኹም ዓጂብና ዘየፋነናኩም፡ ኣብ ጎቦን ስንጭሮን ኣብ ኩሉ ዘለኹም ጀጋኑ ሰማእታት ትሰምዑዶ ኣለኹም መላኽን ሰዓብቱን ጠሊሞም ሕድርኹም መከራ ኣጽጊቦሞ ብሕሰም ህዝብኹም!   ብመሬትን ባሕርን ህዝቢ እናኣባረሩ ካብ ሕድሪ ራኢኹም ሓንቲ ከይተግበሩ ሬሳኹም ረጊጾም ደፊሮም ንኽብሩ እዞም ጠለምቲ ሕድሪ ምንም

ምኽርኹም ሃቡና!
 
ከምቲ ንቡር ቀብሪ፡ ወግዒ ዘይረኸብኩም
ሬሳኹም ዓጂብና ዘየፋነናኩም፡
ኣብ ጎቦን ስንጭሮን ኣብ ኩሉ ዘለኹም
ጀጋኑ ሰማእታት ትሰምዑዶ ኣለኹም
መላኽን ሰዓብቱን ጠሊሞም ሕድርኹም
መከራ ኣጽጊቦሞ ብሕሰም ህዝብኹም!
 
ብመሬትን ባሕርን ህዝቢ እናኣባረሩ
ካብ ሕድሪ ራኢኹም ሓንቲ ከይተግበሩ
ሬሳኹም ረጊጾም ደፊሮም ንኽብሩ
እዞም ጠለምቲ ሕድሪ ምንም ከይሓፈሩ
ዕውት ስርሒትኩም ውቃው ክዝክሩ
ኣረቂ ምስ ዊስኪ ሰትዮም ክዕንድሩ
ኣብ ሳሕል ሓዲሮም ጓይላ እናገበሩ!
 
ፍርቂ ኣካላትኩም ሓዊ ተቓጺሉ
ትልኽ እናበልኩም ሓደራ ክትብሉ
ሓመድ ዘልበሰኩም ሕድሪ ተቐቢሉ
ሕድርኹም ኪጥለም ኢዱ ዘይምልዓሉ
ህዝቢ እናተገፍዐ ትም ሕትም ምባሉ
ዝፈልጦ ኣይመስለንን ጠንቂ ምግዳሉ!
 
ኣብ ሕቚፊ’ዛ መሬት ኣብ ኩሉ ዘለኹም
መላኽን ጃንዳኡን እንተ ጠለሙኹም
ዘገርም ኣይኮነን ስለ ዘይፈልጥኹም፡
እቶም ብጾትኩም ግን፡ ሓመድ ዘልበሱኹም
ትም ኢሎም ምርኣዮም ክብደል ህዝብኹም
እንታይ እዩ ጸገሞም ትፈልጡዎ ዲኹም?
 
እስከ ንገሩና ጀጋኑ ሰማእታት
ምርዳእ ኣብዩና ኣንፈት’ዚ ኩነታት
እዚ ኹሉ ዕንወት እዚ ኹሉ ጥፍኣት
እዚ ኹሉ ስደት ከም ኦሪት ዘጽኣት
እንታይ እዩ በደልና ንገሩ ስውኣት!
 
ምሉእ መዋእሎም ኣብ ስልጣን ክነብሩ
ብዘይሕግን ፍርድን ህዝቢ ዝሕዩሩ
ቈልዓ ምስ ሰበይቲ ጾምም እናኣሕደሩ
ብዊስኪ ጎጽጒጾም ጮማ ዝድረሩ
ኣታ ኣይሓፍሩንድዮምከ ስውእ ክዝክሩ!?
 
ፈጺሙ ኣይተኻእለን ኣሽካዕላል *ደማሒ    *መላኺ
ምኽንያት ኪደሊ ስልጣን መናውሒ
ካብቲ ሓደ ዓረ ናብቲ ሓደ ከውሒ
ምስ ኩሉ ክራጸም ኮይኑ መመክሒ
እዚ *ሮሶብ ኪእለ ዘኒቡ ከይጻሒ     *ጽዑቕ ጸሊም ደበና
ኣይሰላም ኣይኲናት ፈጢሩ ብሽርሒ
ይጥቀመሉ ኣሎ ከም መፈራርሒ!
 
ካብ ተመኩሮኹም ስለ እተማሃርና
ብሓውን ዓረርን *ዘላሚ ቀጺዕና        *ረጋጺ፡ ጨቋኒ
ሓራ ከይንወጽእ መስዋእቲ ከፊልና
ጎጽጒጽካ ዘይሕጸብ ደም ስኒ ኮይኑና
ጻማኹም ክንከፍል ሕድርኹም ፈጺምና
*ኣሶት እንተለኩም መፍትሒ ሽግርና     *መድሃኒት
ጀጋኑ ሰማእታት ምኽርኹም ሃቡና!
 
እዛ ሓዳስ ሃገር ምስዚ ኹሉ ሃብታ
ብቐትርን ብለይትን ክትነብር ጸልሚታ
ካብ ዓለም ነጺሎም ፍጹም ንብሕታ
መቃብር ጌሮማ ሲኦል ዜጋታታ፡
መንግስቲ ኪንተክል ኣሊና’ዚ ሽፍታ
ጀጋኑ ሰማእታት ጸዊዖም ብዓውታ!
 
ካብቲ ዘለውዎ እወ ወሃብቲ ሓደራ
ዳግም ካብ ጸውዑ ብስም’ዛ ባንዴራ
እቶም እነኽብሮም ሃገርና እነፍቅራ
ካብ *ዘለማ ምልኪ ከነውጽኣ ሓራ         *ጭቆና፡ ረገጻ
ነዛ ዓባይ ዳዕሮ ህግደፍ ከየሕርራ
ካብ ብርሰት ክትድሕን ሎሚ ብወፈራ
ይሓቱና ኣለዉ ሰማእታት ኤርትራ!!
 
ዘልኣለማዊ ክብርን ዝኽርን ንስውኣትና!


ሓርነትን ፍትሕን ንውጹዕ ህዝብና!

 
ብሽንሆት ንኽንነብር፡ ዕምሪ ምልኪ ነሕጽር!
 
ካብ ሓውኹም መሲናስ 20-06-2014

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT