Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ምዕራፍ 2፡ ግምሩክ ባጽዕ

ምዕራፍ 2፡ ግምሩክ ባጽዕ               ኣብ ፖለቲካ ወትሩ ምስቲ ጭፍራ ክትጐዪ ኣለካ። ምኽንያቱ፡ ጐተት ክትብል ኣብ እትርኣየሉ እዋን፡ ኣባላት’ቲ ጭፍራ ከም ዝተዳኸምካ ፈሊጦም ከም ተዅላ ክሰሃሉኻ’ዮም።                                                  ሪቻርድ  ኤ  ባትለር                                                                                                                                                    ብኸምዚ ኣብ ላዕሊ ክግለጽ ዝጸንሐ

ምዕራፍ 2፡ ግምሩክ ባጽዕ

   

          ኣብ ፖለቲካ ወትሩ ምስቲ ጭፍራ ክትጐዪ ኣለካ። ምኽንያቱ፡ ጐተት ክትብል ኣብ እትርኣየሉ እዋን፡ ኣባላት’ቲ ጭፍራ ከም ዝተዳኸምካ ፈሊጦም ከም ተዅላ ክሰሃሉኻ’ዮም።

                                                 ሪቻርድ  ኤ  ባትለር                                                                                                                                                   

ብኸምዚ ኣብ ላዕሊ ክግለጽ ዝጸንሐ ኣገባብ፡ ኣብ ባጽዕ ዝነበርና ተጋደልቲ ኣብ ካልእ ቦታታት ካብ ዝነበሩ ተጋደልቲ ዝሓሸ መነባብሮ ነሕልፍ ኔርና። ስለምንታይ እንተ ተባህለ፡ ኣቐዲመ ከም ዝገለጽኩዎ ካብ ዝዕጀባ መካይን ገለ ሚእታዊት ንምግብና ከም ውጽኢት ይኽፈል ስለ ዝነበረ ምግብናና ኣዝዩ ክመሓየሽ ኣብ ርእሲ ምኽኣሉ፡ ሓደ ገባሪ ሰናይ ዓባይ ፍሪጅ ስለ ዝዓደገልና ዝሑል ማይ ክንሰቲ ክኢልና። ኣመጻጽኣ ናይታ ፍሪጅ ምጥቃሱ’ውን ዝጽላእ ኣይኮነን። ኣብ ናይ ድሕሪ ቐትሪ ግዜ ኣብ ቤትጽሕፈተይ ከለኹ፡ ሓደ ኣባል ማሪታይም ናባይ ቅርብ ኢሉ፡ “ዓምናሲ ንጅዳ እኸይድ ኣለኹ’ሞ ነዚ ሓላፊ እንታይ ከምጽኣልካ በሎ ኢሉኒ፡” ክብል ተዛረበኒ። ቅድሚኡ ከምኡ ዓይነት ዘረባ ሰሚዐ ስለ ዘይፈልጥ ከም ቅጽበት ናብ ነብሪ ተቐየርኩ። ነቲ ዝተላእከ ሰብ ብሕማቕ እፈልጦ ስለ ዘይነበርኩ ግን ብትሕትና፡ “ስምዓኒ እከለ፡ ዓምኻ ስለምንታይ’ዩ ከምኡ ዝብል ዘሎ?” ክብል ድምጸይ ኣትሪረ ሓተትኩዎ። ንሱ ድማ፡ እንተ ብቕንዕና እንተ ብተንኰል፡ “ተጋደልቲ ደሞዝ የብሎምን፡ ስለዚ ክሕገዙ ኣለዎም ዝብል ኣረኣእያ ስለ ዘለዎ‘ዩ፡” ዝብል ልዙብ መልሲ ሃበኒ። ኣሉታዊ መልሲ ክህቦ ድንዕ በልኩ። ዳግም ሕስብ ኣቢለ ግን፡ “እዚ ዓምና ትብሎ ዘለኻ ሰብ ብሓቂ ንተጋደልቲ ዝሓሊ እንተ ኾይኑ፡ ኣብ ክንዲ ኣይፈልጠኒ ኣይጥይቐኒ ንዓይ እንታይ ትደሊ ኢሉ ዝሓተኒ፡ ነዞም ኣብዚ ዘለዉ ናይ መነባብሮ ጸገም ዘለዎም ተጋደልቲ ገለ ነገር እንተ ዝገብረሎም ምሓሾ ነይሩ፡” ምስ በልኩዎ፡ “እዚ’ሞ ዝበለጸ ነገር’ዩ! ስለዚ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ንኣባላትካ ተወከሶም’ሞ፡ እንታይ ከም ዝደልዩ ሓብረኒ ክነግሮ፡” ዝብል ዘረባ ኣስዓበለይ። “ናቱ ጸገም ኣይኮነን ንኣባላተይ ሓቲተ ድሕሪ ሳልስቲ ክሕብረካ እኽእል’የ። ብድሕሪኡ ንዓምኻ ባዕልኻ ትሕብሮ፡” ዝብል መልሲ ሂበ ድማ ኣፋነኹዎ።

እቲ ወርሓዊ እንገብሮ ናይ ተጋደልቲ ኣኼባ ግዜኡ ምስ ኣኸለ፡ ነዚ ጕዳይ’ዚ ከም ሓደ መዛረቢ ኣርእስቲ መታን ከኸውን ብኸምዚ ዝስዕብ ኣውረድኩዎ። “እምበኣር ሕጂ ሓደ ክሕግዘና ዝደለየ ገባሪ ሰናይ፡ ንመነባብሮና ብዝምልከት እንታይ ከም እንደሊ ክፈልጥ ደልዩ’ሎ። እቲ ጕዳይ ንኹላትና ስለ ዝምልከት ድማ መልሲ መታን ክንህቦ ርእይቶና ነፍስስ፡” በልኩዎም። ኣባላት በብወገኖም ኣብ ምግብናና ከድሊ ዝኽእል ነገራት ብምሕሳብ፡ “ጋዝ ምስ እቶኑ፡ ናይ ኤለትሪክ እቶን፡ ፍሪጅ” ዝብል ርእይቶታት ኣቕረቡ። ኣብ መጨረሽታ ድማ ፍሪጅ ዝብል ርእይቶ ዓበለለ። ንጽባሒቱ ንወኪል ገባሪስናይ ኣባላት እንታይ ከም ዝወሰኑ ሓበርኩዎ። ንሱ ድማ፡ “ንዓምና ሕጂ ደዊለ ኽነግሮ’የ፡” በለኒ። እታ ዝነበረትና ፍሪጅ ካብ ክቱር እርጋን ዳርጋ ካብ ጥቕሚ ወጻኢ ኮይና ስለ ዝነበረት፡ ምስቲ ዝነበረ ሃሩር ናብ ፍሉሕ ዝተቐየረ ማይ ኢና ንሰቲ ኔርና። ስለ ዝኾነ፡ ሓዳስ ፍሪጅ ክትመጽኣና ብሃንቀውታ ተጸበና። ፍሪጅ ግን ደሓን ኣይትእቶ ግዜ ወሲዳ። ሓቂ ዘረባ ምስቲ ዝነበረ ጻዕቂ ስራሕ ኣይዘከርኩዋን። ገለ ኣባላት፡ “ኣንታ’ዛ ፍሪጅና ደኣ እንታይ’ዩ ጉዳ! ንዓመታ ድያ ክትመጽእ?” ይብሉ ከም ዘለዉ ምስ ሰማዕኩ ግን ሓቃቶም ከም ዘለዉ ፈሊጠ ነቲ ወኪል፡ “ስማዕ‘ስኪ፡ ባዕልኻ ዘረባ ኣበጊስካስ ኣብ ዘይበላዕኩዎ በላዒ ትገብረኒ?” በልኩዎ። “እሂ እንታይ ተረኺቡ?” በለኒ ከም ስምብድ ኢሉ። “ንዓምኻ ብዛዕባ’ታ ፍሪጅ ኣይሓበርካዮን ዲኻ?” ምስ በልኩዎ፡ “ጽቡቕ ኣለኻ። ኣነስ ሓቢረዮ ነይረ። ረሲዑዎ ክኸውን ስለ ዝኽእል ግን ከዘክሮ’የ፡” ክብል ተመሻኺኑ መለሰለይ።

እቲ ምዝኽኻር ግዲ ሰሪሑ፡ ክልተ ሰሙን ኣብ ዘይመልእ ግዜ MASSAWA CUSTOMS ዝተጻሕፋ ፍሪጅ ኣብ በረንዳ ናይቲ ቤትጽሕፈትና ተዓዘብና። ኣብ ነንሓድሕድና፡ “እታ ናትና’ያ ትኸውን፡” እናተባሃሃልና ከለና ወኪል ከበስረና ደበኽ በለ። ኣቦኣ ቐሺ ሓዋ ዲያቆን ዘለዋ መርዓትስ ኣብ መንገዲ ትጥመቕ ከም ዝብሃል፡ ርብዒ ሰዓት ኣብ ዘይመልእ ግዜ ፍሪጅና ብዘይ ቀረጽ ኣውጺእና ናብ መንበሪ ቦታና ወሰድናያ። ቍመት ሰብኣይ እትኣክል ዓባይ ፍሪጅ ስለ ዝነበረት ኣዝያ ጠቒማትና። ንዝሃበ እዝጊ ይሃቦ እናበልና ድማ ካብቲ ቦታ ክሳብ እንቕየር ክንጥቀመላ ድሪሕሕሪ ምጽናሕ ምስቲ ኻልእ ናይ ሓባር ንብረት ነቶም ዝተክኡና ሰባት ኣረኪብናያ። እቲ ብዘይተሓስበ መንገዲ ኣብ መነባብሮና ዝፍጠር ዝነበረ ፍሉይ ለውጥታት ኣብዚ ኣየብቅዐን። ደድሕር’ዚ ክጠቀስ ዝጸንሐ ፍጻሜ፡ ሓደ ናይ ትራንዚተርነት ትካል ዝነበሮ ኣብ ስራሕ ጥራይ ዝፈልጠኒ ዝነበረ ነፍስሄር ተክአ ውብነህ፡ ናብ ቤትጽሕፈተይ ኣትዩ ቍሩብ ድሕሪ ምዕላል፡ ብሸነኽ የማነይ ዝነበረት ተመዛዚት ናይ ጠረጴዛ ስሒቡ ገለ ነገር ድርብይ ኣቢሉ ናብ ማዕጾ ገጹ ብግስ በለ። ኵነታቱ ባህ ስለ ዘይበለኒ ተመዛዚ ከፊተ እንተ ረኣኹ፡ ሰለስተ ሚእቲ ብር ኮፍ ኣለን ተዓዘብኩ። ብሕርቃን ተወሊዐ፡ “ንዓ ኣልዕሎ! ከምኡ ዓይነት ሰብ ምዃነይ ኣበይ ትፈልጠኒ ኢኻ ገንዘብ ደርቢኻለይ ክትከይድ ዝፈተንካ?” ኢለ ክጥሕሮ ደለኹ። ጥዑይ ሰብ ስለ ዝነበረ ከም ሰምብድ ኢሉ ገጹ ድሕሪ ምግልባጥ፡ “ኣንታ እስቲፍ፡ እንታይ ዄንካ ደኣ ነዚ ነገር ክንድዚ ተካብዶ? እንታይ’ዩ እቲ ጸገም?” ኢሉ ዘረባኡ ጀመረ ብህድኣት። ኣነ ግን መሊሰ ብምንሃር ቈየቛይ ቀጸልኩ።

ንሱ ግን፡ “ህድእ’ሞ በል ሰብ ከይሰምዓና፡” ኢሉ ናባይ ድሕሪ ምቕራብ፡ “ልደት ስለ ዝኣተወ ነዞም ብጾት ንእሽቶ ወጠጦ ክትሓርደሎም ኢለ’ምበር ብኻልእ መዓስ ኮይነ። ከመይ ዲኻ ትሓስበኒ? እንተ ኾነ ምሳይ ክትውዕሉ ምሓሸ ነይሩ። ኣስመራን ባጽዕን ሰፊርና ግን ኣይተኻእለን። ደሓር ከኣ መሳኪን እዚ መዓስ ዓብዩኩም!” ክብል ብመጠኑ ናብ ልበይ መለሰኒ። “ናይ ብሓቂ ከምኡ ሓሲብካ እንተ ዄንካ ንብጾተይ ከምኡ ኢለ ከም ዝነግሮም ፍለጥ። ካብኡ ተረፈ ግን ካብ ካልኦት ብጾትና ንላዕሊ ስለ ዘይኮንና ብዙሕ ዘዛርብ ኣይኮነን፡” ኢለ ዘረባይ ዓጸኹ። በጋጣሚ ኣኼባና ኣብ ሰሙኑ’ዩ ነይሩ፡ “ትራንዚተር ተክአ ውብነህ ሰለስተ ሚእቲ ብር ንልደት ኣወፍዩልኩም ስለ ዘሎ ክልተ ሰብ ተወኪልኩም የቐንየልና በሉዎ፡” ክብል ገለጽኩሎም። ከምቲ ዝበልኩዎም ስለ ዝገበሩ ድማ ሓደ ንግሆ ሕልፍ ክብል ኣብ በረንዳ ምስ ረኸበኒ፡ “እንታይ ዓይነት ሰብ ኢኻ’ታ! ነዚ ዘይጠቅም ነገርስ ክንድ’ዚ ሰሓቦ ጕተቶ ትፈጥረሉ!” ክብል ከም ኵርይ ኢሉ ተዛረበኒ። ከምኡ ዝገብር ስለ ዘይመሰሎ’ዩ ክሳብ ክንድኡ ክግረም ዝኸኣለ።

እቲ ኣብ መነባብሮ ንረኽቦ ዝነበርና ሓገዝ ኣብዚ ደው ኣይበለን። ኣብ ባጽዕ ብዘይ ቬንቲለተር ወይ ኮንዲሽነር ምንባር ኣመና ከቢድ ከም ዝኾነ ዝፈተኖ ዝኾነ ሰብ ዝፈልጦ ሓቂ’ዩ። በጋጣሚ እቲ ንነብረሉ ዝነበርና ቦታ ኣብ ውሽጢ ወደብ ዝተደኰነ ስለ ዝነበረ፡ ኵሉ ክፍልታት ኮንዲሽነራት ይኹን ቬንቲለተራት ነይሩዎ’ዩ። እርጋን ስለ ዝነበሮን ብዘይ ዕረፍቲ ስለ ዝሰርሕን ግን ብቐጻሊ ይበላሾ ነይሩ። ኣብቲ እዋን’ቲ ካብ መንግስቲ ገንዘብ ክትሓትት ዘይሕሰብ ኣብ ርእሲ ምንባሩ፡ ናይ ኮንዲሽነር መቀያየሪ’ውን ብቐሊል ይርከብ ኣይነበረን። ኣብዚ’ውን ዕድልና ጸቢቑ ብዘይተፈልጠ ሸነኽ ሓገዝ ረኸበና። በጋጣሚ ተስፋልደት ዝብሃል ዓራዪ ፍሪጅ ዝነበረ ቀይሕ መንእሰይ ብገለ ስራሕ ናብቲ መደብር ይመጽእ’ሞ፡ ብዘረባ ዘረባ ሞያኡ ምስ ፈለጥኩ፡ “በጃኻ ኮንዲሽነራት ምስራሕ ኣብየናና ተሸጊርና ኣለና። ክተዕርየልና ኣይምኸኣልካን?” ክብል ተወከስኩዎ። ንሱ ድማ፡ “ፍሪዮን ጋዝን ኦቶነን እንተ ረኺብኩም ጸገም የሎን፡” ክብል መለሰለይ። “እሞ ፍሪዮን ጋዝ ኣበይ’ዩ ዝርከብ?” ምስ በልኩዎ ድማ፡ “ፍሪዮን ጋዝ ደኣ ካብ ስዑዲ ጥራይ ኢኹም ክትእዝዙ ትኽእሉ። ነዞም ናይ ባዓቡድ ሱዳናውያን ባሕረኛታት እንተ ሓቢርኩሞም ክማልኡልኩም ይኽእሉ ይኾኑ፡” ዝብል ሓበሬታ ሃበኒ። ብኸምዚ ኣገባብ ድማ ገንዘብ ካብ ምግብናና ብምውጻእ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘይርከብ ፍሪዮንን ኦቶነን ብምምጻእ ተባላሽየን ዝነበራ ኮንዲሽነራትና ኣዕሪና ብሰላም ክንድቅስ ጀመርና።

እቲ ጕዳይ ግን ኣብዚ ኣየብቅዐን። መንግስቲ ዝኸፍሎ ገንዘብ ስለ ዝኾነ፡ እቲ ኮንዲሽነራት ቀትርን ለይትን ብዘይ ዕረፍቲ ኣብ ርእሲ ምስርሑ፡ ሓደስቲ ኣባላት ስለ ዝተወሰኹና ገለ ነገር ክግበር ነይሩዎ። ስለዚ፡ ተስፋልደት ገንዘብ ኣይቅበለኩምን’የ ግን ነዞም ባሕረኛታት ጥራይ ኦቶነ ክልኣኹኒ ተሓባበሩኒ ስለ ዝበለ፡ ብገንዘቡ ዘድልዮ ኣቕሑ ከም ዘምጽኡሉ ክንገብር ክኢልና። ነዚ ከም ዓቢ ሓገዝ ስለ ዝሓሰቦ ድማ ነተን ኮንዲሽነራት ባዕሉ እናመጽአ ክጽግነን ከሎ፡ ዓቢ ነገር ከባላሽዋ ከለዋ ድማ ካብተን ኣብቲ በረንዳታት ተደርብየን ዝነበራ ኣረገውቲ ኮንዲሽነራት መቀያየሪ እናፈትሐ የዕርየን ነይሩ። ብዘይካ ኣባላት ወደብ፡ ካልኦት ኣሃዱታት ቬንቲለተር ጥራይ እናተጠቕሙ ከለዉ፡ ንሕና ከምቶም ሰብ ንዋይ ኣብ ከትከት ዝብል ገዛ ንውዕልን ንሓድርን ኔርና። ከም ሳዕቤን ናይዚ ድማ ሃልኪ ኤለትሪክ፡ ብፍላይ ኣብ ግዜ ሃሩር ክሳብ ክልተ ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን ብር ኣቢሉ ይበጽሕ ነይሩ። በጋጣሚ ሓደ መዓልቲ ክሳብ ዝርእዮ፡ ክንድኡ ዝበጽሕ ይመስለኒ ኣይነበረን። እቲ ኣሃዝ ቀሊል ከም ዘይኮነ ስለ ዝተረድኣኒ ድማ ፈለማ ብነብሰይ ብምጅማር፡ ምሉእ ለይቲ ወሊዐዮ ዝሓድር ዝነበርኩ ኮንዲሽነር ድሕሪ ፍርቂ ለይቲ እናጥፋእኩ ቬንቲለተር ክጥቀምን ጀመርኩ። ኣብ ኣባላት ከምኡ ዝበለ ትእዛዝ ምሕላፍ ተግባራዊ ክኸውን ከም ዘይክእል እፈልጥ ስለ ዝነበርኩ ግን ብዕላል መልክዕ እናምሰልኩ ኤለትሪክ ክቝጥቡ እሕብሮም ነይረ። ናይ ሓባር ንብረት፡ ኣብ ልዕሊ ቍጠባ ሃገር ዕንወት  ከም ዘውርድ ብክልሰሓሳብ እፈልጦ’ኳ እንተ ነብርኩ ሽዑ ብጭቡጥ ተገንዚበዮ።

ድሕር’ዚ ናይ ቲቪ ሕቶ ስለ ዝተቐልቀለ ካብ ናይ ምግብናና ገንዘብ ክንገዝእ ተረዳዳእና። ቴለቪዥን ድሕሪ ምዕዳጋ ድማ ወዲሰብ ብቐሊል ስለ ዘይዓግብ ናይ ቪድዮ ሕቶ ተላዕለ። ካብ ምግብና ክንድኡ ዝኣክል ገንዘብ ምውጻእ ጥሜት ምዕዳም ስለ ዝኾነ ግን ገለ ነገር ክንባላሓት ነይሩና። ሓደ መዓልቲ ኣብ ባጽዕ ምስ ዝነበረት ሓላፊት ባዶ ትሽዓት ለቱ እናዕለልና ከለና፡ “ኣባላት ቪድዮ እናበሉ ተኸኽ ኣቢሎምና፡” በልኩዋ ልባ ክፈልጥ። ንሳ ድማ፡ “እሞ ንደሱ ከምኡ ኢልካ ሓብሮ’ሞ ካብዘን ናይ ኢትዮጵያ መራክብ ክንዕድገልኩም ክንፍትን፡” ክትብል መለሰትለይ። ኣይደንጐኹን ንደሱ እንተ ደልወልኩሉ ዘረባይ ክሳብ ዝውድእ ኣይተጸበየንን፡ “ደሓን ንዓይነይ ክሕብራ’የ ብዙሕ ኣይትሸገር፡” ክብል ልቢ ዘረስርስ ቃላት ኣስመዓኒ። ኣብ ሰሙኑ ድማ ሳላ ባዶ ትሽዓተ፡ ካብተን ሽዑ ኣብ ወደብ ኣትየን ዝነበራ መራክብ ሓንቲ ሓዳስ ቪድዮ ተገዝአት። ድሕሪ ቪድዮ ግን ናይ ካሴት ሕቶ ሰዓበ። ደሓን ይእቶ ሓደ ብጅዳ ዝመጽአ ገያሻይ፡ “ነዚ ዘይጠቅም ዘገለገለ ንብረት ክንድዚ ቀረጽ ኣይከፍለሉን’የ፡” ኢሉ ዝገደፎ ናይ ቪድዮ ካሴታት ስለ ዝነበረ ክሳብ ምስ ካልእ እቕሑ ነስመራ ንልእኮ ንነዊሕ ግዜ እናቐያየርና ክንዘናግዓሉ ጀሚርና። መብዛሕትኡ’ቲ ካሴታት ግዜኡ ዘሕለፈ ናይ ህንድን ናይ ኣክሽንን ፊልምታት’ኳ እንተ ነበረ፡ ምስቲ ሽዑ ዝነበረ ኵነታት ከም መሕለፊ ግዜ ጠቒሙና ነይሩ።

ካብዚ ክጥቀስ ዝጸንሐ ፍልይ ዝበለ ነገር እንተ’ልዩ ምስ ወደብ ዝነበረና ዝምድና ከመይ ነይሩ? ዝብል ሕቶ’ዩ። ምምሕዳር ወደብ ካብ ዝመጽእ ኣትሒዞም ንብምሉኣትና ተጋደልቲ ጽቡቕ’ዮም ተቐቢሎምና። ምኽንያቱ ኣልጀዲድ ማሕቡብ ከም ዝብሃል ገና ኣይተመነናን ኔርና ጥራይ ዘይኮነ፡ ህዝቢ ደርማስ ለውጢ ክነምጽእ ትጽቢት ነይሩዎ። ደሓር ከኣ ሽዑ ኵሉ ሰብ ፍቕሪ፡ ሓልዮት፡ ሰናይ ድሌት ነይሩዎ ሓላፍነት’ውን ይስምዖ ነይሩ። ቀሊል ኣብነት ክኾነና፡ ሓላፊ ወደብ ዝነበሩ ኣቶ ኣማረ ንኣባላቶም፡ “ኣቶ እስጢፋኖስ ዝኾነ ነገር ክሓቱኹም ከለዉ ንዓይ ከይተወከስኩም ከም ትፍጽሙሎም ግበሩ፡” ዝብል ቀዋሚ መምርሒ ሂቦሞም ነይሮም። ስለዚ፡ ግምሩክ ዝኾነ ነገር ክሓትት ከሎ ኩላቶም ኣባላት ይኹኑ ሓለፍቲ ወደብ ደቒቕ ኣጸብዮምና ኣይፈልጡን ነይሮም። ብወገንና ድማ ኣብ ግምሩክ ዝነበረ ክሽየጥ ዘይክእል ጨርቀ መርቂ ንጋራጅ መወላወሊ ክኾኖም ፍታሕ ንገብረሎም ኔርና። እቲ ከም መኪና ምሕጻብ፡ ዘይቲ መኪና ምቕያር ዝኣመሰለ ቀንጠመንጢ ገዲፍና፡ ኣብቲ ዝዓበየ ቁምነገር ምስ እንኣቱ ናይ ዓራውቲ ጸገም ስለ ዝነበረና፡ ንኹላቶም ኣባላትና ዝኣክል ዓራውቲ ሰሪሖም ኣረኪቦምና።

ብዘይካ’ዚ ቴድሮስ ንዝብሃል ገዛ ስኢኑ ምሳና ተጸጊዑ ዝነበረ ሲቪል ኣባልና፡ ብመድፍዕ ጸላኢ ፈሪሱ ንዝነበረ ገዛ ብግቡእ ድሕሪ ምጽጋን፡ ገመድ ኤለትሪክ ይኹን ኣምፑላትን ቬንቲለተርን ከም ዝግጠመሉ ብምግባር ብቐሊል ዘይግመት ሓገዝ ከም ዝበርከቱልና ምሕባር ኣገዳሲ’ዩ። ንዘይፈልጥ ሰብ ፍሉይ ሓለፋ ዝተገብረልና ክመስሎ ይኽእል ይኸውን። እቲ ነገር ግን ዜርካ ዜርካ ኵሉ ሓደ’ዩ። እኳ ደኣ፡ ኣብ ክንዲ ንሕና ንሚኒስትሪ ፋይናንስ ባጀት ሓቲትና ድሕሪ ነዊሕ ግዜ ብኻልኦት ናይ ደገ ሰባት፡ እሞ ብኽቡር ገንዘብ እነስርሖ፡ ወደብ ብዘለዎም መሳርሒ፡ ብቐሊሉን ብዝሓሰረ ዋጋን ክገብሩዎ ምኽኣሎም መንግስቲ ዝያዳ ይረብሕ ነይሩ ክብሃል ይከኣል። ምኽንያቱ እቲ ገንዘብ ይኹን እቲ ንብረት ውዒሉ ሓዲሩ ብመንግስቲ ዝወጽእ ካብ ኮነ፡ ብስሉጥነት ይኹን ወጻኢ ኣብ ምንካይ ዝያዳ ተመራጺ ይገብሮ። ብዛዕባ’ቲ ዝነበረ ጽቡቕ ዝምድናን ጥዑም ግዜን ዘይፈልጥ ሰብ፡ “ወደብ ሃብታማት ስለ ዝኾኑ፡ እከለ ሓላፊ ስለ ዝነበረ፡” ዝብል ርእይቶ ክህብ ይኽእል ይኸውን። እቲ ጕዳይ ብኸምኡ ኣቃሊልካ ዝጥመት ኣይኮነን። እቲ ግዜ ኣመና ጥዑም ኣብ ርእሲ ምንባሩ፡ ነፍስወከፍ ሰብ ብኣድማዕነት ክሰርሕን ክደጋገፍን ይጓየ ነይሩ። ይትረፍ ከምቲ ድሒሩ ዝማዕበለ ኣብ ነንሓድሕድካ ምጥምማት፡ ብዝጠቅምን ዘይጠቅምን ምውንጃል ወይ ብዛዕባ መሳርሕትኻ ሕማቕ ምዝራብ ልሙድ ኣይነበረን። ኣብ ርእስ’ዚ፡ እቶም ዝነበርና ናይ ዝተፈላለዩ ትካላት ሓለፍቲ፡ ንግሆ ንግሆ ኣብታ ኣብ ፊት ግምሩክ ዝነበረት ቤትሻሂ እናዕለልና ቡን ንሰቲ ስለ ዘነበርና፡ ንስራሕ ዝምልከት ጕዳይ ከጋጥም ከሎ ብኣጋኡ ንፈትሖ ኔርና።

እዚ ንባዕሉ ኣብ ምውህሃድ ስራሕ ዓቢ ተራ ስለ ዝነበሮ፡ ከም ሓደ ሓጋዚ ረቛሒ ክጥቀስ ይከኣል። ሽዑ ዝነበረ ሓድነትን ፍቕርን፡ ናይ ስራሕ ምውህሃድን ህርኵትናን ብቓላት ክትገልጾ ብሓቂ ዘጸግም’ዩ። መንግስቲ ብዝፈጠሮ ግጉይ ኣሰራርሓ ስለ ዝተበረዘ፡ እቲ ሰብ ድማ ሓንሳብ ልቡ ስለ ዝቐሓረን ግን እቲ ሰናይ ተርእዮ’ቲ ተመሊሱ ክቕልቀል ከቶ ዝሕሰብ ኣይኮነን’። ስለ ዝኾነ፡ ቀደም ነይሩ ጥዑም ዝብል ዘረባ ብዅሉ ሰብ ክቃላሕ እንተ ተሰምዐ ብዙሕ ዘገርም ነገር ኣይኮነን።

*          *          *

            ሚኒስትሪ ፋይናንስ ገና ዳግመ ውዳበኡ ከይወድአ ስለ ዝጸንሐ፡ ተራ ኣባላት ዝኾነ ምቅይያር ከይተገብረሎም’ዩ ጸኒሑ። ድሒሩ ከም ዝተጋህደ፡ እቲ ዝድለ ዝነበረ ምቅይያራት መሰረታዊ ክኸውን’ዩ ዝድለ ነይሩ። ከም ሳዕቤን ድማ፡ ዝበዝሑ ኣብ ግምሩክ ዝነበሩ ሲቪል ናብ ትረዠሪ፡ ኣብ ትረዠሪ ዝነበራ ደቂ’ንስትዮ ናብ ግምሩክ፡ ኣብ ኣታዊ ውሽጢ ሃገር ዝነበሩ ናብ ትረዠሪ ብምምዳብን ናብ ኣውራጃታት ከም ዘቕየሩን ብምግባር ምጡን ምትሕውዋስ ተገብረ። ካብዚ ዝመጽእ መሰረታዊ ለውጢ ከም ዘይህሉ ርዱእ’ኳ እንተ ነበረ፡ ሓደ ሰብ ኣብ ሓደ ቦታ ንነዊሕ እዋን ክሰርሕ ብዅሉ መዳይ ጽቡቕ ስለ ዘይከውን፡ ኣብ ደቂቕ ከይኣተና እቲ ምቅይያራት ቅኑዕ ነይሩ ክንብል ንኽእል። ጽጹይ ሓበሬታ ካብ ዘይምእካብ ዝተላዕለ ግን ሓሓሊፉ ዝተራእየ ሓላፍ ዘላፍ ነይሩዎ። ምኽንያቱ እቲ ብዛዕባ ሲቪል ሰራሕተኛታት ዝውሕዝ ዝነበረ ሓበሬታ፡ ኣብቲ ኣሃዱ ካብ ዝነበሩ ተጋደልቲ ጥራይ ዝመንጭው ስለ ዝነበረ ባዕላውነት ይሕወሶ ነይሩ። ስለዚ ጽፉፍ ወይ ዝተማልአ ነይሩ ክብሃል ኣይክእልን። ኣብቲ ፈለማ፡ እቶም ዝነበሩ ሓለፍቲ ነቲ ስራሕ ክውድቡዎን ከጻፍፉዎን እንተ ኾይኖም፡ ካብ ብጾቶምን ኣባላቶምን ንላዕሊ፡ እሞ ገለ ካብኣቶም ብደረጃ ካድር ዝፍለጡ ሓሊፎም ንዝሓቱዎ ኣካል ክህሉ ዘይሕሰብ’ዩ። ኣብቶም ወሃብቲ ሓበሬታ ጸገም ስለ ዝነበረ ግን እቲ መስርሕ ጽቡቕ ኣይቀጸለን።

ርግጽ’ዩ እቶም ሲቪል ዓው ኢሎም፡ “ኣብ ግዜ ደርግ በሊዕና ሰቲና፡ ረቢሕና’ውን ኢና። ሎሚ ግን ሃገር ብስዉኣት ሓራ ወጺኣ ክተብቅዕ ኣብ ብልሽውና ክንኣቱ! እሞ ኸኣ ደም ስዉኣትና ከይነቐጸ! እዚ’ኳ ብተኣምር ዘይሕሰብ’ዩ፡” ዝብል ቃላት የስምዑ ነይሮም እዮም። ከምኡ ስለ ዘበሉ ፍጹማት ነይሮም ዝብል መደምደምታ ምሃብ ዝከኣል ኣይኮነን። ንሲቪል ዘቦኡ ከም ብልሹው፡ ንተጋዳላይ ድማ ከም ብጹእ ናይ ምቝጻር ተርእዮ ግን ዶብ ጥሒሱ ከም ዝነበረ ክፍለጥ ይግብኦ። እቲ ዝዓበየ ጌጋ ድማ ንሱ ነይሩ። ሰባት ኣብ ክንዲ ብተግባራቶም ዝምመዩ ወይ ዝፍረዱ፡ ናይ ኣጋጣሚ ጕዳይ ኮይኑ ኣብ ግዜ ደርግ ስለ ዘገለገሉ ጥራይ ሓደ መጸውዒ ተዋሂቡዎም። ወዲሰብ ተቐያያሪ ባህሪ ስለ ዘለዎ፡ ሎሚ ኣንጻር ሕልናኡ ክሰርሕ ጸኒሑ ጽባሕ ክጠዓስን ኣብ ቅኑዕ መስመር ክኣትውን ይኽእል’ዩ። በንጻሩ፡ ንዓመታት ብቕንዕና ክጐዓዝ ዝጸንሐ ሰብ ኣብ ሓደ ፍሉይ መድረኽ ናብ ዲያብሎስ ተቐዪሩ ክትኣምኖ ዘጸግም እከይ ተግባር ክፍጽም ይኽእል’ዩ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኵነታት፡ እቲ ዝተገብረ ምቅይያራት፡ ብፍላይ ነቶም ሲቪል ንውሱን እዋን ገልታዕታዕ ኣቢሉዎም። ኣብ ስራሕ’ውን ከምቲ ዝድለ ከድምዑ ኣይሓገዞምን ክብሃል ይከኣል። ዳርጋ እቶም ምስጉናት ዝነበሩ’ውን ብዝተፈላለየ ቅቡልን ዘይቅቡልን ውልቃዊ ምኽንያታት ካብቲ ስራሕ ተኣልዮም ኣብ ዝምእምኦም ስራሕ ክዋፈሩ ተራእዮም። እቲ ፍጻሜ ግን ንገለ ካብኣቶም ዝተደጐለ ምርቓ ከም ዝነበረ ድሒሩ ተጋሂዱ።

ናብ ተጋደልቲ ምስ እንሰግር፡ ብፍላይ ኣብ ግምሩክ ዝነበረ ኣወዳድባ፡ እከለ ኣብ ሜዳ ኣብ ፋይናንስ ሰሪሑ ነይሩ፡ እከለ ድማ ካድር’ዩ፡ ገዲም’ዩ ዝብል ነቲ ስራሕ ከሰጕም ኣብ ዘይክእል ኣተሓሳስባ ዝተሰረተ ነይሩ። ካብቲ ዝነበረን ክሳብ ሕጂ ዘይበለየልናን ዘሎ ናይ ሜዳ ኣሰራርሓ ሃንደበት ክንወጽእ ከቶ ዝሕሰብ ኣይነበረን። እቲ ዕላማ’ውን ከምዚ ዝኣመሰለ ጕድለት ተፈጺሙ ነይሩ ወይ ከምዚ ስለ ዘይተገብረ ብዙሕ ጸገም ተፈጢሩ ነይሩ፡ በዓል እከለ ተሓተትቲ’ዮም ንምባል ዘይኮነ፡ እቲ ሽዑ ዝነበረ ኵነታት ከመይ ከም ዝነበረ ንምሕባር ጥራይ’ዩ። ዝኾነ ሰብ፡ ወላ እቲ ወሃ ዘበለ ሊቅ’ውን ድሒሩ’ዩ ከመዛዝን ዝኽእል። ስለዚ፡ ካብቲ ሽዑ ዝነበረ ኣተሓሳስባ ክንወጽእ ቀሊል ብድሆ ኣይነበረን። ከም ኣጋጣሚ ለባም ተረኺቡ ርእይቶኡ እንተ ዝህብ’ውን ይትረፍ ክስማዕ፡ ፈትዩ ክሳብ ዝጸልእ ብሓለንጊ ሓፋሽ ምተሓንዘፈ ነይሩ። ካብዚ ክግለጽ ዝጸንሐ ነጥቢ ዝተበገሰ፡ እቲ ንተጋዳላይ ከም እሙን ወይ ብጹእ ዘገምቶ ዝነበረ ኣተሓሳስባ ንበይኑ ገዲፍና፡ ኣብ ዓቕሚ መጺእናኸ ተጋዳልቲ ብቕዓት ነይሩዎም’ዶ ኣይነበሮምን ንዝብል ወሳኒ ሕቶ ንመልስ።

በጻብዕ ዝቝጸሩ ገዲፍካ፡ ዝበዝሑ ተጋደልቲ ኣተሓሳስባኦም በቲ ናይ ሜዳ ባህሊ ስለ ዝተሓጽበ፡ እዚ ስራሕ’ዚ ካብ ዓቕመይ ንላዕሊ’ዩ ምባል ብሓቂ ዓቐብ ይኾኖም ነይሩ። ገለ ድማ ኣብ ክንደይ’ቲ ብቕዓቶም ብዓውታ፡ “እዚ ስራሕ’ዚ ካብ ዓቕመይ ንታሕቲ’ዩ፡” ክብሉ ይስምዑ ነይሮም። እቲ ድሕሪ ናጽነት ዘተጋህደ ኵነታት ካብቲ ናይ ሜዳ ኣዝዩ ዝፍለ’ኳ እንተ ነበረ፡ ተጋዳላይ ከም ልማዱ ኣይክእሎን’የ ኣይበለን። በተሓሳስባ ተጋደልቲ፡ “ኣይክእልን” ምባል ምልክት ፍርሒ ወይ ሕመቕ ስለ ዘስምዕ ከመይ ኢልና ከምኡ ክንብል? ስለዚ፡ እቲ ስራሕ ብዝኽእሉዎን ዘይክእሉዎን ሰባት ክምላእ ግድነት ነይሩ። ከም ሳዕቤን ድማ ዳርጋ ተስዓ ካብ ሚእቲ ነቲ ስራሕ ክመልኩዎ ስለ ዘይከኣሉ ኣብ ክልተ ዓመቶም ክጽልጸሉ ከለዉ፡ እቶም ዝተረፉ ውሑዳት ብምኽታትን ብውልቃዊ ድሌቶምን ካብቲ ስራሕ ተኣልዮም ወይ ተቐዪሮም። ኣብ መጨረሽታ ድማ ግምሩክ፡ ከም ዘይቲ ጸብለል ዝብሉ ከም ሓለፍቲ ዘገልግሉ ተጋደልቲ ጥራይ ሒዙ ስለ ዝተረፈ፡ እቲ ዓንዲ ሕቘ ናይቲ ስራሕ ብሲቪል ሰራሕተኛታት ክትካእ ግድነት ኮይኑ። ካብዚ እንመሃሮ ነገር እንተ’ልዩ፡ ሃገርና ክትዕወት እንተ ኾይና፡ ፈቲና ጸሊእና ብቕዓት ዘለዎም ሰባት ኣብ ዝግብኦም ቦታ ክንምድቦም ከም ዝግብኣና ምፍላጥ’ዩ። እዚ ድማ ኣብ ማእከልን ኣብ ታሕትን ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ዝለዓለ ጽፍሒ ከይተረፈ። እዚ ግን ነቶም ብምግዳልና እንምካሕ ተረርቲ ልቢ ስለ ዘይተዋሕጠልና፡ ብዙሓት ክኢላታት ሲቪል ኣብ ዘይቦታኦም ተደርብዮም ከርተት ክብሉ ምዕዛብ ልሙድ ተርእዮ ኮይኑ። ኢሳያስ ባዕሉ፡ ኣብ 1993 ህግሓኤ ሓድሽ የድልዮ ኣሎ ኢሉ ንሮሞዳን መሓመድኑር ከም ዘይጸልጸሎ፡ ኣብ ነብሱ ምስ በጽሐ ኣንጻር ሓድሽ ደምን ሓድሽ ሓይልን ከም ዝኾነ ተጋሂዱ።

ከም ሓቂ ኣብቲ ተጋዳላይ ከም ሓደ ከሃሌኵሉ ፍጥረት፡ ንዓቕሙ ሰማይ ሰቒሉ ነቶም በጃኦም ክሓልፍ ዝመሓለሎም ሰባት ዝንዕቀሉ ዝነበረ ወቕቲ፡ ከምዚ ዓይነት ኣተሓሳስባ ይትረፍ ዓው ኢልካ ክትዛረበሉ ክተተንብሆ’ውን ከቶ ዝሕሰብ ኣይነበረን። እቲ ወቕቲ ድርብ መለክዒ ዝሰፈነሉ ግዜ ስለ ዝነበረ፡ ንዘጓነፈካ ሰብ፡ “ገባር ድዩ ተጋዳላይ? ብጻይና ድዩ ሲቪል?” ዝብል ሰንኮፍ ሕቶታት ከም ንቡር ይውሰድ ነይሩ ጥራይ ዘይኮነ፡ ንበዝሕ ተጋደልቲ ኣብ ዝኾነን ዘይኮነን ኣጋጣሚ፡ “ገባር ደምባር ተባሂሉ’ንድዩ፡ እዞም ሲቪል ከምዚ’ዩ ሕብሮም፡ እዚኣቶም ብላሽ’ዮም፡” እናበልና ካባና ንዝሕሹን ዘይሕሹን ዜጋታት ብጅምላ ምስትንዓቕ ከም ንቡር ወሲድናዮ ኔርና። ማስጣ ስለ ዘለዎ ድማ ኣምላኽ ኣብ እዋኑ ሃየንታኡ ከም ዘርኣየና ኵልና እንግንዘቦ ነገር’ዩ። ከምዚ ክብል ከለኹ ማዕረ ክንድዚ ዝግለጽ ዘሎ’ኳ እንተ ዘይኮነ፡ ካብ ቀረባ ቤተሰበይ ንህግሓኤ ዝሓሚ ወይ ዝነቅፍ ሰብ ክሰምዕ ከለኹ ከም ስርዓት እቝጣዕ ነይረ። ነቶም ዝነቕፉ ድማ ይዕበዩ ይንኣሱ፡ ይፍለጡ ኣይፍለጡ ብጅምላ ከም ሓንቲ ዘይፈልጡ፡ የዋሃት፡ ወይ ድማ ካብ ሓደ ፍሉይ ነገር ተበጊሶም ንምሉእ ውድብ ይሓምዩ ኸም ዘለዉ ገይረ እወስዶ ነይረ። ህዝቢ ዘውሕዞ ዝነበረ ንምምሕዳራዊ መዳይ ዝምልከት ነቐፌታ ግን ውዒሉ ሓዲሩ ሓቂ ኾይኑ። ከም ሳዕቤን ድማ ሃገር በብቝሩብ ናብ ናይ ጥፍኣት ዓዘቕቲ ክተምርሕ ክኢላ። እቲ ገባር ንብሎ ዝነበርና ህዝቢ ከሎ ገና ክግምግሞ ዝኸኣለ ነገር፡ እቶም በላሕትን ተባዓትን እንብሃል ተጋደልቲ፡ ድሕሪ ማይ ናብ በዓቲ ከም ዝብሃል ኵሉ ምስ ተኻዕወ’ዩ ተረዲኡና። ከም ሳዕቤን ድማ ኣብ ትንታኔን ገምጋምን ኣቲና ጫቝ ክንብልን ነንሓድሕድና ክንናቘትን፡ ክንተሓማመን ተራኢና። እዚ ተርእዮዚ ህግደፍ ወይ ኢሳያስ ስልጣኑ ንምንዋሕ፡ ኮነ ኢሉ ኣብ መንጎ ተጋደልትን ሲቪልን ጋግ ከም ዝፍጠር ከም ዝገበረ ክንርዳእ ይግብኣና። ከም ሳዕቤን ድማ ነፍሰወከፍ ሰብ መበገሲኡ ብዘይፍለጥ ሽርሒ ኣብቲ ተርእዮ ከም ዝጥሕል ኮይኑ። እዚ ሜላዚ ውልቀመለኽቲ ኣብ ስልጣን ንኽጸንሑ ዝጥቀሙሉ ንቡር ሜላ እዩ።

 

*       *       *

aseye.asena@gmail.com

Review overview
4 COMMENTS
  • belay nega December 14, 2013

    Stefanos,

    ጠባይ ተመሃራይ

    1)ሚእት አምጺኤ: ሓሊፈ
    2)ባዶ[ዤሮ] ሂቡኒ: አትሪፉኒ…..ወዘተ ሐዲግካ

    ክምቲ በዓል ማጉላ ንዝበጠስዎ ስጋለት ቀጣን አሃዱታትና……ወዘተ ትብሎ ዝነበርካ
    አብ ግዜ ብልሽውናውን ንሕና ብምባል እጃምካ ክሳብ ዘየልዓልካ ሰማዒ ትረክብ አይመስለንን

  • wedi mekonnen December 15, 2013

    Steve -you admitted you were part of the problem and you only knew it after it was too late. So don’t just pass the problem or sickness to one person. The entire gedli system was full of anarchy and every one had his own cult. This is a sickness in in gedli as weaa as in Eritrean society. See what Amanuel Mahdere wrote as “chequani hizbi chequani merahti yiweld”. The entire Eritrean fabric and line of thought (timkhti, jahra, hasot, etc.) needs a radical change or revolution. That is why still there is no clear ideology and leader/leadership that could rally the people. Blind patritism alone of one or another type will not move any where and is doomed to fail the entire thing at worst. I see people like Adhanom and Yosief writing radical papers but not sure if they are hitting the ground to lead.

  • Dr Zoba-Debub December 17, 2013

    I think I would like to read the book. It looks like “st Agustin’s confession book”!!!

  • Dr Zoba-Debub December 17, 2013

    Can somebody please tell me what the title of the book is??? I know it is part II bot it would be wise to put Author’s name and book title every time you post; in that way people can always go back and order the book or write you feedback.

POST A COMMENT