Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ምዕራፍ 2፡ ግምሩክ ባጽዕ

ኣብ ፖለቲካ ወትሩ ምስቲ ጭፍራ ክትጐዪ ኣለካ። ምኽንያቱ፡ ጐተት ክትብል ኣብ እትርኣየሉ እዋን፡ ኣባላት’ቲ ጭፍራ ከም ዝተዳኸምካ ፈሊጦም ከም ተዅላ ክሰሃሉኻ’ዮም።                             

ኣብ ፖለቲካ ወትሩ ምስቲ ጭፍራ ክትጐዪ ኣለካ። ምኽንያቱ፡ ጐተት ክትብል ኣብ እትርኣየሉ እዋን፡ ኣባላት’ቲ ጭፍራ ከም ዝተዳኸምካ ፈሊጦም ከም ተዅላ ክሰሃሉኻ’ዮም።                                                                                        ሪቻርድ  ኤ  ባትለር                                                                                                                                                   

መደበር ግምሩክ ባጽዕ፡ ንወደብ ክትኣቱ ከለኻ ንየማን ኣብ ዝነበረ ኣብ ግዜ መግዛእቲ ጥልያን ዝተሰርሐ ዓቢ ህንጻ ዝርከብ ኮይኑ፡ ብኽልተ ክፍልታት ዝቘመ ነይሩ። እቲ ህንጻ፡ ብመሰረት ሓድሽ ማስተር ፕላን ወደብ ኣብ 2000 ዓመተምህረት ዓንዩ’ምበር፡ ከም ካልኦት ጥንታውያን ህንጻታት ከተማ ባጽዕ ብእምብዛ ገዘፍቲ፡ ጻዕዳ ዝሕብሮም ኣእማን ባሕሪ ዝተሃንጸ’ዩ ነይሩ። ኣዝዩ ረጕድ መንደቕ ስለ ዝነበሮ፡ ከም ድልዳለኡ ንልዕሊ ሰለስተ ሚእቲ ዓመታት ከገልግል ዝኽእል፡ ብውሕሉል ጥበብ ዝተሃንጸ ደርማስ ትርኢት ነይሩዎ። ቀልደዳዊ ቅርጺ ዝነበሮ ገበላታቱ፡ ኣመና መሳጢ ነይሩ ጥራይ ዘይኮነ፡ ምስ ኵነታት ኣየር ባጽዕ ክተዕርፈሉ ዘብህግ ቦታ’ዩ ነይሩ። ካብዚ ዝተበገሰ፡ ዝኾነ ናብ ወደብ ዝኣተወ በዓል ጕዳይ ኣብቲ ብተዛማዲ ከትከት ዝብል ገበላ ኣራጢጡ፡ ናብ ባሕሪ እናጠመተ ወጃዕ ክብል ምዕዛብ ልሙድ ተርእዮ ነይሩ። ባጽዕ ናጻ ኣብ ዝወጽኣትሉ ግዜ፡ ላዕለዋይ ደርቢ ናይቲ ህንጻ ብመጠኑ ፈሪሱ ስለ ዝነበረ፡ ቤትጽሕፈት ኢሚግረሽን ወደብ ኣብ ላዕለዋይ ደርቢ፡ መደበር ግምሩክ ድማ ኣብ ታሕተዋይ ክፋሉ ጥራይ ተሓጺሮም ይሰርሑ ነይሮም። ምስቲ ሽዑ ዝነበረ ፍሉይ ኵነታት ግን ጽበት ቦታ ነይሩና ክብሃል ኣይከኣልን። እኳ ደኣ፡ እቲ ስራሕ ዳርጋ ብምሉኡ ኣብቲ ቀዳማይ ክፍሊ ይውዳእ ስለ ዝነበረ፡ ንተገልገልትን ኣሳለጥትን ኰለል ካብ ምባል ኣብ ምድሓን ዓቢ ተራ ነይሩዎ ክብሃል ይከኣል። እቲ ብተዛማዲ ጽብብ ዝበለ ካልኣይ ክፍሊ፡ ምስ’ቲ ቀዳማይ ክፍሊ ብማዕጾ ዝራኸብ ኮይኑ ንሓላፊ መደበርን ምኽትሉን የገልግል ነይሩ።

ንባጽዕ ምስ ወረድኩ፡ ኣይደንጐኹን ምስ ብጻይ ሰለሙን[1] ብምርኻብ መደበይ ስርሐይ ሰራዕኩ። ንሱ ናብ ዝተመደቦ ሓድሽ ቦታ መታን ክኸይድ ኣብ ምርኽኻብ ግዜ ክንቀትል ኣይደለናንን። ሕጂ’ውን እቲ ናይ ተጋደልቲ ልምዳዊ ኣሰራርሓ ስለ ዝዓብለለ፡ ከምቲ ኣብ ማእከላይ ቤትጽሕፈት ዘጋጠመኒ፡ ኢንስፐክተር ዝተሓወሶ ናይ ንብረት ምርኽኻብ ኣገባብ ክንክተል ኣይሓሰብናን። እቲ ዝርከቦ ዝነበርኩ ቤትጽሕፈት፡ ንቐለልቲ ናይ ጽሕፈት መሳርሒታት ገዲፍካ፡ ነቲ ማእለያ ዘይብሉ ብሚልዮናት ብር ዝግመት ዋጋ ዝነበሮ፡ ወርሓዊ ናብ ኣታዊ ውሽጢ ሃገር ዝለኣኽ ዲክለረሽናት’ኳ እንተ ነበረ፡ ኣብ ግምት ዘእተዎ ሰብ ኣይነበረን። ስለ ዝኾነ፡ ነቶም ኣባላት ብሓባር ናይ መፋነውን መላለዪን ኣኼባ ምስ ኣካየድናሎም ተረኻኺብና ተባሂሉ፡ ኣነ ብኡንብኡ ምዱብ ስርሐይ ክጅምር ከለኹ ቀንጠብ ድማ ናብ ቦታኡ ተበገሰ።

እቲ መደበር፡ ብኣባላት ግምሩክን ፍላንሳን ዝቘመ ኮይኑ፡ ኣብ ፍላንሳ እቶም ሲቪል ክበዝሑ ከለዉ፡ ኣብ ግምሩክ ግን ተጋደልትን ሲቪልን ዳርጋ ዝተዛነቐ ቍጽሪ ነይሩዎም። ከም ዓቕሚ ክርአ ከሎ፡ እቶም ሲቪል ነዊሕ ተሞክሮ ዝነበሮምን ነቲ ስራሕ ኣጸቢቖም ዝመልኩዎን’ዮም ነይሮም። ካብ ተጋደልቲ ግን ወላ’ኳ ደረጃ ትምህርቱ ትሑት ይንበር፡ ሓደ ሰብ ጥራይ ከም ኢንስፐክተር ክሰርሕ ጸኒሑኒ። እቲ ዝያዳ ዝደንጸወኒ፡ ሓደ ክብ ዝበለ ዓቕሚ ከለዎ ከም ተራ ፈታሽ ተመዲቡ ክሰርሕ ናይ ዝጸንሓኒ ሰብ ኵነታት ነይሩ። ነቲ ኵነታት ስለ ዘይተቐበልኩዎ ግዜ ኣይወሰድኩን ብጐቦጐቦ በዛዕባ ኵነታቱ ሓተትኩ። ንፈልጦ ኢና ካብ ዝብሉ ክልተ ሰለስተ ሰባት ዝረኸብኩዎ መልሲ ድማ፡ “ስነኣእምሮኣዊ ጸገም ኣለዎ፡” ዝብል ነይሩ። ነቲ መልሲ ፈጺመ ኣይተቐበልኩዎን። ምኽንያቱ ስነኣእምሮኣዊ ጸገም ዘለዎ ሰብ ከም ተራ ፈታሽ ክሰርሕ ይትረፍ ዝኾነ ነገር ክሰርሕ ኣይክእልን’ዩ። ንሱ ጥራይ ዘይኮነ፡ ነቲ ሰብ ድሒረ ብኣካል ስለ ዘዕለልኩዎ ከምኡ ዓይነት ጸገም ከም ዘይነበሮ ክፈልጥ ክኢለ። እንኮ ጸገሙ፡ ኣብ ዘድምዓሉ ቦታ ስለ ዘይተመደበ ጥራይ’ዩ ነይሩ። ጸብጻቡ ከሕልፎ እናበልኩ ከለኹ ግን ምቅይያር ናይ ተራ ኣባላት ስለ ዝተገብረ ጽቡቕ ዕድሉ ኮይኑ ካብ ባጽዕ ተቐየረ። ብዛዕባ’ቲ ሰብ ካብ ምሕሳብ ዓዲ ውዒለ ኣይፈልጥን ነይረ። እቲ ዘሕጕስ ነገር ድማ ንነዊሕ ግዜ ከይተራኸብና ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብ መበል ዓሰርተ ዓመትና ኣቢሉ ኣብ ጐደና ሓርነት ተራኺብናስ፡ ኣብ ሓደ ተመኒኻ ዘይትረኽቦ ብሕታዊ ትካል ይሰርሕ ከም ዘሎ ፈሊጠ።

ድሕሪ ሰሙን፡ ኣብ ስራሕ ኣባላት ክእረም ኣለዎ ዝብሉዎ ነገራት ምስ ዝህሉ ብኣጋኡ ንምእራሙን፡ ኣብ ኣተሓሕዛ ኣባላት ክጥቀመሉ ዝመደብኩ ኣገባብ መታን  ክሕብሮምን ፈላሚ ኣኼባ ኣካየድኩ። ብተወሳኺ ነቲ ምስ ቀንጠብ ዝገበርናሎም ኣኼባ ንመላለዪ ጥራይ ተጠቒመሉ’ምበር፡ ካብኣቶም ዝኾነ ሓድሽ ነገር ስለ ዘይረኸብኩ ርእይቶኦም ክሰምዕ ኣገዳሲ ኮይኑ ተራእዩኒ። ኣብቲ ኣኼባ፡ ብዘይካ’ቲ ልሙድ ዝኾነ ሓላፊ ዝገብሮ፡ ብስም ክንገብሮ ዘለና ዝፍለጥ ሓፈሻዊ መደረ፡ ብፍሉይ ኣብ ጕዳይ ስራሕ ብምትኳር፡ “ስራሕ ግምሩክ ምስ ገንዘብ ስለ ዝተኣሳሰር ኣዝዩ ተኣፋፊ ከም ዝኾነ፡ ምስ  ባህርን ጻዕቅን ናይቲ ስራሕ ድማ ናይ መስርሕ ጌጋ ከጋጥም ንቡር’ዩ። እዚ ኾይኑ ግን፡ ነፍስወከፍ ኣባል ብዝከኣሎ መጠን ብጥንቃቐን ትኵርነትን ክሰርሕ ከም ዘለዎ ክርዳእ ኣለዎ። ካብዚ ወጻኢ፡ ዝኾነ ሰብ ብሓላፍነት ዘሕተት ጕድለት ምስ ዝፍጽም፡ ኣብ ስራሕ ተደጋጋሚ ሸለልትነት ምስ ዘርኢ ወይ ከኣ ግሁድ ዝኾነ ምድንጋር ምስ ዝፍጽም ንሳዕቤኑ ባዕሉ ተሓታቲ ከም ዝኾነ ክትፈልጡ ይግብኣኩም። ንሱ ጥራይ ዘይኮነ፡ ዝኾነ ሰብ ብዝፈጸሞ ጭቡጥ ጕድለት ወይ ጌጋ እንተ ዘይኮይኑ፡ ኢሎምኒ ካብ ዝብል ዘረባ ተበጊሰ ተሓታቲ ከም ዘይገብሮ ክትግንዘቡ እደልየኩም። ኣብዚ’ውን መጀመርያ እቲ ሰብ መጠንቀቕታ ክወሃቦ’ዩ፡ እንተ ዘይተኣሪሙ ድማ ብሕጊ ተሓታቲ ክኸውን’ዩ፡” ዝብል ሓጺር መደረ ምስ ወዳእኩ፡ እቲ መድረኽ ንሕቶን ርእይቶን ከፈትኩዎ።

ኣብቲ ዝነበረ ናይ ሕቶን ርእይቶን መድረኽ፡ ብገለ ካብቶም ገዳይም ሲቪል፡ “ትራንዚተራት[2] ከለዉ ሰብ ንብረት ዲክለረሽን ሒዞም ኰለል ይብሉ ስለ ዘለዉ እዚ ኣሰራርሓ’ዚ ክተርፍ ኣለዎ። ዋሕዲ ትራንዚተራት ስለ ዘሎ ግን መፍትሒ ክርከቦ ይግባእ” ዝብል ርእይቶ ክቐርብ ከሎ፡ “በዚ ዘስማዕካና ዘረባ ብሓቂ ዕጉባት ኢና። ካልእ ዘይኮነ፡ ንሕና እዞም ሲቪል ሰራሕተኛታት፡ ከም ስምና ሲቪል ብምዃና ጥራይ ስምናን ዘይስምናን ክወሃበና ስለ ዝጸንሐ ተሸቝሪርና ኢና ንሰርሕ ኔርና። ስለዚ፡ ‘ዝኾነ ሰብ ብተግባሩ’ዩ ዝሕተት’ ምባልካ ብሓጐስ ኢና ንቕበሎ። ምኽንያቱ፡ እቲ ጌጋ ዝገበረ ሰብ ተፈልዩ ክሕተት እንተ ዘይኮይኑ ኣጠቓሊልካ ክውንጀል የብሉን፡” ዝብል ምሕጽንታን ካልእ ደቀቕቲ ርእይቶታትን ቀሪቡ። ኣብ ፈላሚ ኣኼባና እቶም ኣባላት ናጻ ኾይኖም ብሓድሽ መንፈስ ክብገሱ ከም ዝወሰኑ ካብ ገጾም ከንብቦ ክኢለ። ድሒረ፡ ተሓዚት ገንዘብን ሓላፊት ሕሳብን ዝነበራ ደቂኣንስትዮ፡ ኣዝየን ትጉሃት ምንባረን ነቲ ስራሕ ድማ ልዕሊ ሰብ ከም ዝድምዓ ክፈልጥ ክኢለ። እቶም ደቂተባዕትዮ’ውን ሰነፋት ነይሮም ማለት ኣይኮነን። ግንከ፡ ኣብ ከምኡ ዓይነት ትንፋስ ዘይህብ ስራሕ፡ ሻሂ ክንሰቲ፡ ክንናፈስ ወይ ክነዕርፍ ከይበላ ዝሰርሓ ሰባት ስለ ዝነበራ፡ ዝያዳኦም የድምዓ ብምንባረን ብሓቂ ምስጋና ዝግብአን ምዃኑ ምሕባር ኣገዳሲ’ዩ። ልዕሊ ዅሉ ግን ተጋደልቲ ብዘይ ደሞዝ ንሰርሕ ስለ ዝነበርና፡ “ንስኻትኩም’ኳ ዘለኹሞ! ንሕና ደኣ ደሞዝና እናወሰድና’ንዲና ንሰርሕ ዘለና፡” ዝብል ሓልዮት ዘበገሶ ኣተሓሳስባ ስለ ዝነበረን፡ ኣብ ስራሕ ኣዝዩ ልዑል ኣበርክቶ ነይሩወን። እቲ ኵነታት ንዅሉ ሰብ ብእወታ’ዩ ዝጸሉ ነይሩ።

ኣብ መደበር ግምሩክ ዝካየድ ንብረት ናይ ምጽራይ መስርሕ ንውሕ ዝበለ’ኳ እንተ ኾነ፡ ከምቲ ሰብ ዘምርሮ ከም ዘይኮነ ክገልጽ እፈቱ። እቲ ምድንጓያት ዝፍጠር ተገልገልቲ ንተራ ትራንዚተር ይኹን ኣገባብ ስራሕ ካብ ዘይምፍላጦምን፡ ዝተማልአ ሰነዳት ሒዞም ካብ ዘይምቕራቦምን ዝብገስ ነይሩ። ብዘይካ’ዚ፡ እቲ ስራሕ ብዙሕ ሰነዳት ዝጠልብ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ብፍላይ ኣብ ወደባትን መዓርፎ ነፈርትን፡ ምስ ዝተፈላለዩ ብግምሩክ ዘይእዘዙ ከም ወደብ፡ ማሪታይም፡ መንገዲ ኣየር፡ ሲቪል ኣቭየሽን፡ ባንክ ዝኣመሰሉ ትካላት ስለ ዝተኣሳሰር ካብ መጠን ንላዕሊ ዝተሓላለኸ ክመስል ይኽእል’ዩ። ንሱ ጥራይ ዘይኮነ ሰብ ንብረት፡ ነጋዶ ይኹኑ ሰብ ውልቃዊ ንብረት፡ ነቲ ስራሕ ኣብ ክንዲ ንኣሳለጥቲ ዝሓድጉዎ፡ ገንዘቦም እናኸፈሉ ከለዉ ነቲ ዘይፈልጡዎ ስራሕ ባዕላቶም ይተሓሓዙዎ። እቲ ጸገም ግን ኣብዚ ኣየብቅዕን’ዩ። ኤርትራውያን ብተፈጥሮና ህዉኻት ስለ ዝኾንና ዋና ንብረት፡ “ንብረትካ ተጻርዩ ኣሎ። ሕጂ ኽትመጽእ ትኽእል ኢኻ፡” ምስ ተባህለ ኣብ ክንዲ ዝመጽእ፡ ገና መጽዓኒ ሰነድ (BILL OF LADING) ካብ ማሪታይም ከይተፈረመ ሃሊሉ ንባጽዕ ክወርድ ይርአ ነይሩ። ኣብ ከምዚ ኵነታት፡ ኵሉ ሰነዳት ጐደሎ ዘይብሉ ጽፉፍ እንተ ጸኒሑ፡ ኣብ ሓደ ወይ ክልተ መዓልቲ ክሰልጦ ይኽእል። በጋጣሚ ንእሽቶ ጌጋ ወይ ጕድለት እንተ ተረኺቡ ግን እቲ ጌጋ ተለልዩ ክሳብ ዝጻረ: ዋና ንብረቱ ከይተረከበ ንሰሙናት’ውን ክቕኒ ይኽእል። እዚ ተርእዮ’ዚ ኣብ 1993 ልሙድ ነይሩ። ከም ሳዕቤን ድማ ግምሩክ ኣደናጕዮምና ወይ ማሪታይም ኰለል ኣቢሎምና ዝብል ዘረባ ብቐጻሊ ይስማዕ ከም ዝነበረ ክፍለጥ ይግብኦ።

*          *          *

            ኣብ መነባብሮ ናይ ተጋደልቲ ምስ እንመጽእ፡ ካብቲ ናይ ሜዳ ህይወት ብዙሕ ዝፍለ ነገር ኣይነበሮን። ዝፈልዮ ነገር እንተ ነይሩ፡ ኣብ ናጻ መሬት ምስ ህዝብና ተሓናፊጽና ንሰርሕ ምንባርና’ዩ። ካብኡ ተረፈ፡ ወላ’ኳ ካብቲ ናይ ሜዳ ዝነበረ መነባብሮ ዝሓሸ ህይወት ነሕልፍ እንተ ነበርና፡ ጽቡቕ ወይ ሕማቕ ክብሃል ከሎ ተዛማዲ ስለ ዝኾነ፡ ብዙሓት ተጋደልቲ ኣብ ምስትምሳል ክኣትዉ እዕዘብ ነይረ። ምኽንያቱ ምሸት ካብ ስራሕ ምስ ተፈደሱ፡ እቶም ሲቪል ደሞዝ ስለ ዘለዎም ናብ መዘናግዒ ቦታታት ከምርሑ ከለዉ፡ ዝበዝሑ ተጋደልቲ፡ ብፍላይ ድማ እቶም ምስ ሰብ ፍልጠት ዘይነበሮም ናብ ዘብሉዎ ይጠፍኦም ነይሩ። ምኽንያቱ እተን ናይ ጁባ ገንዘብ ካብ ሓምሳ ብር ስለ ዘይሓልፋ ድሮ ኣብ ሳልስቲ ተወዲአን ኣለዋ። ብወገነይ ግን ርኡይ ሽግር ኣይነበረንን ክብል እደፍር። ምኽንያቱ መሳርሕተይ ዝነበሩ ሲቪል፡ ከም ሓላፊኦም ጥራይ ዘይኮነ ከም ሰብ’ውን ጽቡቕ ይቐርቡኒ ስለ ዝነበሩ፡ ምሸት ምሸት ምስኣቶም ቢራ እሰቲ፡ ደሞዘይ ክቕበል ከለኹ ድማ፡ “ኣይትኸፍልን ኢኻ፡” ኢሎም ወጠጥ እናበሉኒ ነተን ዝርካበን ገንዘበይ ክሳብ ዝንገፋ ከስትዮም እቕኒ ነይረ።

ኣብ ከምዚ ኵነታት ከለኹ ግን ጸገም ዘለዎም ብጾት ከም ዘለዉ ኣይፈልጥን ነይረ ማለት ኣይኮነን። ኣብቲ መጀመርያ ከም ፍታሕ ዝወሰድኩዎ ድማ ምስቶም ብቐረባ ዝርድኡኒ ብምምይያጥ፡ ካብቲ ካብ ምግብና ዝተርፍ ዝነበረ ሓርጭ ስርናይ ንስድራኦም ክወስዱ ምፍቃድ ነይሩ። ሽዑ ስርናይ ዋጋ ኣይነበሮን ንተረንሽዋ ሰላሳ ብር’ዩ ዝሽየጥ ነይሩ። ሰላሳ ብር ግን ብዙሕ’ዩ ሽዑ። ከም ካልኣይ ስጕምቲ ድማ ኣብ ኣስመራ ዝቕረጻ ንኣሽቱ ይኹና ዓበይቲ መካይን ተዓጂበን ይኸዳ ስለ ዝነበራ፡ ኣብቲ መካይን ናይ ምዕጃብ[3] ስራሕ፡ ዝያዳ እቶም ስድራ ቤቶም ጸጉማት ዝኾኑ ሰባት ብቐጻሊ ኣብቲ ስራሕ ብምስታፍ ከም ዝጥቀሙ ምግባር ነይሩ። ዝኾነ መኪና ዓጂቡ ነስመራ ዝኸይድ ሰብ ካብ ሓንቲ መኪና ኣርባዓ ብር ኽረክብ ከሎ፡ ክሳብ ኣርባዕተ መካይን ዓጂቡ ክኸይድ ይኽእል ነይሩ። ስለዚ ሓደ ጽጉም ሰብ ኣብ ወርሒ፡ ክልተ ወይ ሰለስተ ግዜ ክዕጅብ እንተ ክኢሉ ብመጠኑ ይሕገዝ ነይሩ ማለት’ዩ። እቲ ጕዳይ ግን ልዕሊ ምትሕጋዝ ዝኸይድ ምትሕልላይን ሓድነትን ክፈጥረልና ክኢሉ። ድሒሩ ዝተቐልቀለ፡ ናይ ስድራቤት ሽግር ንዝነበሮም ኣመና ጽጉማት ብጾት ብሰናይ ድሌት ዝግበር ዝነበረ ምጡን ሓገዝ’ውን ነይሩ።

መራክብ ኢትዮጵያ ኣብ ወደብ ክኣትዋ ከለዋ፡ እቶም ባሕረኛታት ከም ፍሪጅ፡ ቴለቪዥን፡ ብቺክለታ ዝኣመሰለ፡ ካልኣይ ኢድን ሓድሽን ንብረት ሒዞም ይመጽኡ ነይሮም። እዚ ልምድ’ዚ ኣብ ምሉእ ዓለም ዘሎን ካብ ቀደም ኣትሒዙ ዝጸንሐን ልምዲ ኮይኑ ባሕረኛ ዝጥቀመሉ ስራሕ’ዩ። እቲ ንብረት ቀንጠመንጢ ስለ ዝኾነ ቀረጽ እንተ ኸፊሉ ሕጋዊ ኣቕሓ’ዩ። ስለዚ፡ እቲ ንብረት ኣመና ሕሱር ስለ ዝነበረ፡ ንተጋደልቲ ንቐንጠመንጢ ነገራት ናጻቀረጽ ምስ ተፈቕደ፡ እቶም ጽጉማት መሰሎም ተጠቒሞምሉ ከብቅዑ፡ ብስም ብጾቶም ከውጽኡ ይፍቀዶም ነይሩ። ዝኾነ ሰብ ካብ ሓንቲ ዓይነት ኣቕሓ ሓንሳብ ጥራይ ስለ ዝፍቀዶ ድማ ነፍስወከፍ ኣባል ክደግም ኣይክእልን’ምበር ሓንሳብ ክጥቀም መሰሉ ሕሉው’ዩ። ዝበዝሑ ኣባላት፡ እንተ ብናይ ገንዘብ ጸገም እንተ ዘይተገደሱ ኾይኖም ካብ ሓንቲ ወይ ክልተ ኣቕሓ ሓሊፎም ኣይፈልጡን ነይሮም። ብወገነይ ሓንቲ ፍሪጅን ሓንቲ ቴለቪዥንን ጥራይ’የ ክዕድግ ክኢለ። ንናቱ መሰል ጥራይ ዘይኮነ፡ ንናይ ካልኦት ሰባት መሰል ከይተረፈ ጽቡቕ ገይሩ ዝተጠቕመሉ ወዲወልዳይ ጥራይ ነይሩ። ንሱ እኹል ገንዘብ ስለ ዘይነበሮ፡ ተለቂሑ ድዩ ተመርቂሑ ሓንቲ ቴለቪዥን ይዕድግሞ ናጻ ካብ ቀረጽ ይፍቀዶ። ነታ ቴለቪዥን ኣብ ኣስመራ ሸይጡዋ ብምምጻእ ድማ ቪድዮ ወይ ፍሪጅ ካብ መርከብ ይገዝእ። ናይ ናጻ ቀረጽ መሰሉ ተጠቒሙ ምስ ወድአ ብስም ካልኦት ብጾት ሓንቲ ካልእ ኣቕሓ ናጻ ካብ ቀረጽ የውጽእ። ኮታ ምስ ዝነበሮ ክብድ ዝበለ ናይ ስድራ ቍጠባዊ ጸገም ዳርጋ ኩላቶም ኣባላት ይተሓጋገዙዎ ስለ ዝነበሩ፡ ዝቐደመ ንብረት እናሸጠ ነቲ መስርሕ ብምድግጋም፡ ዕዳኡ ብዘይ ጸገም ከፊሉስ ነሕዋቱ ድሌቶም ከማልኣሎም ከም ዝኸኣለ ክፈልጥ ክኢለ። ስእነት ዘይገብሮ የብሉን።

ንወዲወልዳይ[4] ኣብዚ ዅሉ ዘብጽሖ ሓደ ነገር ነይሩ። ኣብ ገዛኦም ቲቪ ስለ ዘይነበረት፡ ኣሕዋቱ ብተዛማዲ ኣብ እንዳ ሓደ ሃብታም ሓወቦኦም ክርእዩ ይግደዱ ነይሮም። ድሕሪ ነዊሕ ኣዋርሕ ጸገሙ ምስ ፈትሐ፡ ኣዒንቱ ተኺሉ ናብታ ነሕዋቱ ኢሉ ዝዓደጋ ዓባይ ሕብራዊት ቴለቪዥን እናጠመተ፡ “እዛ ትርእያ ዘለኻ ቴለቪዥን ኣብ ገዛና ኮፍ ምስ ኣበልኩዋ ሕልመይ ጋህዲ ክኸውን’ዩ። ድሕሪ ሕጂ ኸኣ ንዓኻ ይኹን ንኽልኦት ብጾት ኣይከሸግረኩምን’የ፡” ዝብል ቃላት ኣስመዓኒ። ኒሕ ዝሓዞ ሰብ ዘይጣበቦን ዘይገብሮን ነገር የብሉን። ብኸምዚ ጽቡቕ ተወሃሂድና ክነዕልል ስለ ዝጀመርና ከይፈለጠኒ ከሎ ይጸልኣኒ ከም ዝነበረ፡ ግን ከኣ በዲለዮ ዘይኮንኩ ምኽትል ሓላፊየይ ዝነበረ ብዛዕባይ ሕማቕ ጥራይ የዕለሎ ስለ ዝነበረ ከም ዝኾነ ከይሓብአ ገለጸለይ። ድሕሪኡ ብሓቂ ተኣማሚንና ኣሎ ዝብሃል ምስጢር ክነዕልል ጀሚርና። ብፍሉይ ዝዝክሮ፡ ኣብ ሓለዋ ሰውራ ተመዲቡ እናሰርሐ ከሎ ዝፍጽሙዎ ዝነበሩ ግፍዒ ዝምልከት ዕላል ነይሩ። “በዓል ጆን ምግቢ ምስ ተሓሰሙ፡ ‘በሉዎም’ ስለ ዝተባሃልና፡ ኣብ መሬት ኣደቂስና ‘ብልዑ’ እናበልና በብተራ ብስላዕ ሕ. . .ም. .ል! ውዒልና ኣይብልዑ ኣይስተዩ ጌርናዮም። ንሳቶም ግን፡ ‘ሙሴ ከይበልዐ ኣይንበልዕን ኢና፡’ ብምባል ኣቕቢጾምና። ‘ሙሴ በሊዑ’ዩ’ እንተ በልናዮም ድማ፡ ‘ኣብ ቅድመና መጺኡ ክበልዕ ከይረኣናዮ ፍጹም!’ ኢሎም ድርቕ ኢሎም። ሙሴ ድማ ብዘይካ ትምባኾ ምስፋፍ ኣይበልዕን ኢሉ ዕጭ ሓንፊፉ እዩ። ኣብ ህይወተይ ከምኣቶም ዝጸንዕ ሰብ ርእየ ኣይፈልጥን። ኣብ መወዳእታ ኢሳያስ፡ ‘ቅተሉዎም’ ዝብል ትእዛዝ ምስ ሃበ ተረሺኖም። እታ ናይ ምግቢ ምሕሳም ኣድማ ምስ ጀመሩ’ዩ ጕዳዮም ከሪሩ እዩ ዝብሃል፡” ድሕሪ ምባል፡ “ኣብቲ እዋን’ቲ ነቲ ናይ ኣከለጕዛይ ሕማም ዘለዎም’ዮም፡ ዝብል ዘረባ እኣምኖ ስለ ዝነበርኩ ዕላማኦም ብግቡእ ይርድኣኒ ኣይነበረን። ኣብ 78 ደቂ ሓማሴን ንዝነበሩ ሃይለ ጀብሃ፡ ዶክተር እዮብ፡ መሓሪ ቐሺ፡ ኣማኒኤል፡ ኣቤቶ ወዘተ የሚን ብዝብል ስም ተጠሚቖም ምስ ተቐንጸሉ ግን ሰብኣይ በብተራ ከጥፍኣና ከም ዝመደበ ብንጹር ተጋሂዱለይ፡” ክብል ዘረባኡ ደምደመ።

እቲ ዕላል ናብ ካልእ ኣርእስቲ ከየምርሓና’ሞ ዘረባ ከይመልቈኒ ስለ ዘተሰከፍኩ ናብ ካልእ ጕዳይ ከም ዝቐንዕ ክገብሮ ነይሩኒ። ምኽንያቱ ወዲወልዳይ ኣያታት ስለ ዘለዉዎ ዝትንክፎ ሰብ ከም ዘየሎ እፈልጥ ነይረ። ምስ ወዲወልዳይ ክልተና ካብ ባጽዕ ድሕሪ ምቕያርና ጸጸኒሕና ንራኸብ’ኳ እንተ ነበርና፡ ካብ ተራ ወግዒ ሓሊፍና ቍምነገር ኣልዒልና ኣይንፈልጥን። ብዝኾነ፡ እዚ ኣቐድም ኣቢሉ ክጥቀስ ዝጸንሐ ናይ መዕጀቢ ኣታዊ ኵሉ ግዜ ስለ ዘየጋጥም ብዙሕ ሚዛን ይወሃቦ ኣይነበረን። እቶም ደሞዝ ዘይጀመሩ ተጋደልቲ ጥራይ ክሰርሑዎ ከም ርዱእ ስለ ዝተወስደ ድማ ካብ ሲቪል ክዕጅብ ዝሓትት ሰብ ኣይነበረን። ብዙሕ ከይደንጐየ ግን ካልእ ዘይተሓሰበ ንሲቪል ዝሓወሰ ናይ ኣታዊ ምንጪ ክርከብ ተኻእለ። እዚ ግን በጋጣሚ ዝተፈጥረ ጕዳይ’ምበር ከም መፍትሒ ሽግር ተሓሲቡ ብመደብ ዝተሃንደሰ ነገር ከም ዘይነበረ ክፍለጥ ይግብኦ። እቲ ጕዳይ ሓንሳብ ምስ ተፈልጠ፡ መሰል ከኣ ስለ ዝኾነ ተቓሊስና ክነተግብሮ ክኢልና። ኣበጋግሳ ናይቲ ነገር ብዘረባ ዘረባ  ዝተላዕለ ኾይኑ ከምዚ ቀጺሉ ዚስዕብ ነይሩ።

መንግስተ ሰማይ የዋርሶ ሓላፊ ፍላንሳ ኮለኔል ተኽሉ በርሀ፡ ሓደ መዓልቲ ኣብ በረንዳ ናይቲ ቤትጽሕፈት እናዕለልና ከለና፡ “ካብ ሓርነት ባጽዕ ኣትሒዝና ክሳብ ድሕሪ ናጽነት ዝሰራሕናዮ ሰብዓ ሽሕ ብር ዝጽጋዕ ናይ መራክብ መቐበሊ ገንዘብ’ኮ ንእውድ ኢና። እንተ ኾነ ንማሪታይም ክንደይ ግዜ ሓቲትናዮም፡ ‘ካብ ላዕለዋይ ኣካል ፍቓድ ኣምጽኡ’ እናበሉ ላል ኣቢሎምና። እቲ ዘጕሂ ግን ንሳቶም ሰብ ደሞዝ ከለዉ ገንዘቦም ወሲዶም ከብቅዑ ንዓና ግን ክሳብ ሕጂ ኣቕቢጾምና፡” ክብል ሰሚዐዮ ዘይፈልጥ ዘረባ ደርበየለይ። “ናይ ምንታይ ገንዘብ ኢኻ ትብል ዘለኻ?” ክብል ሕቶ ኣስዓብኩሉ ኵነታቱ ምርዳእ ሓርቢቱኒ። “መራክብ ክመጽኣ ከለዋ፡ ንማሪታይም፡ ንኢሚግረሽን፡ ንግምሩክ ዝወሃብ ናይ መቐበሊ መርከብ ገንዘብ ኣሎ። እቲ ገንዘብ ብዶላር ስለ ዝኽፈል ድማ ከም ወኪል መራክብ መጠን ማሪታይም ካብ መራክብ ተቐቢሉ ንዘዝምልከቶ ኣካል የከፋፍሎ። እዚ ኮይኑ ከብቅዕ፡ ክሳብ ሰብዓ ሽሕ ብር ዝኣክል ንልዕሊ ዓመት ዝተኣከበ እጃምና ክሳብ ሎሚ ኣይሃቡናን፡” ክብል ምስጢር ናይቲ ጕዳይ ብሰፊሑ ዘርዘረለይ። ብዛዕባ’ቲ ጕዳይ ምስ ወዲበርሀ ብዕምቈት ድሕሪ ምዝርራብን ጽቡቕ መረዳእታ ድሕሪ ምሓዝን፡ “ከምዚ እንተ ኾይኑ ማሪታይም ንዓና ጥራይ ክፈልዩና ብዝኾነ መምዘኒ ቅቡል ስለ ዘይኮነ፡ ነዚ ጕዳይ’ዚ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ኣብ መዕለቢኡ ከም ዘብጽሖ ፍለጥ፡” ክብል ኣቕሰንኩዎ ሕርቃን ብዝተሓወሶ ስምዒት።

ወዲበርሀ ብወገኑ፡ “ናይ ዝሓለፈ ባዕሉ ምፈለጠ ናብ መን ከይዱና: ከምኣቶም እናሰራሕና ከለና ካብቲ ሽሻይ ክሓርሙና ከለዉ ግን ፍትሓዊ ስለ ዘይኮነ ነዚ ነገር’ዚ ኣብ ዝብጻሕ ክነብጽሖ ኣለና፡” ክብል ተወሳኺ ርእይቶ ኣስዓበለይ። ብኸምዚ ድማ ነቲ ጕዳይ ካብ ዝምልከቶ ሓበሬታ ሓቲተ ከጻሪ ወሰንኩ። ተቐዳዲመ ናብ ኣቶ ገብረሂወት ማእከላይ ቤትጽሕፈት ብምድዋል ድማ ብዛዕባ ናይ መርከብ መቐበሊ ዝብሃል ገንዘብ ዝፈልጡዎ ነገር እንተ’ለዎም ተወከስኩዎም። ንሶም ድማ፡ “ዝኾነት መርከብ ናብ ወደብ ኣብ ትኣትወሉን ትወጽኣሉን ግዜ፡ ግምሩክ ስለ ዝቕበላን ዘፋንዋን ናይ ተቐባሊ ማኒፈስት፡ ተሓዝ መዝገብ፡ ሓላፊ መደበር ብድምሩ ንሸውዓተ ዝኣኽሉ ሰባት ዝግባእ ገንዘብ ንማሪታይም ትኸፍል። እዚ ገንዘብ’ዚ ናብ ናይ ሃገር ባጤራ ተቐዪሩ ብወግዒ ናብ ሓላፊ ግምሩክ ይመጽእ’ሞ፡ እቶም ዝምልከቶም ሰባት ይማቐሉዎ። ስለዚ ኣይከፍልኹምን እንተ ነይሮም ሕጋዊ መሰልኩም ስለ ዝኾነ ክትሓቱ ትኽእሉ ኢኹም፡” ዝብል መልሲ ሃቡኒ።

መልሶም ምስ ሰማዕኩ ብዛዕባ’ቲ ዝነበረ ኵነታት ኣሕጽር ኣቢለ ድሕሪ ምግላጽ ከም ዝበሉኒ ክገብር ምዃነይ ብምሕባር ኣድህቦይ ናብ ማሪታይም ኣቕናዕኩ። ብዛዕባ’ቲ ጕዳይ ንዝምልከቶ ሰብ ኮፍ ኣቢለ ብወግዒ ምስ ኣዘራረብኩዎ ግን “ሕራይ፡ ጸገም የሎን ክንሓተልኩም ኢና፡” ዝብል ዕቱብ ዘይኮነ መልሲ ሃበኒ። ኣነ ድማ፡ “ስምዓኒ፡ ንሕና ማዕረኹም ዘይኮነ ልዕለኹም እናሰራሕና ከለና ስለምንታይ እቲ ንዓና ዝምልከት ገንዘብ ትኽልክሉና ኣለኹም። ንግምሩክ ኣይትኽፈሉዎም ዝብል መምርሒኸ ኣለኩም ድዩ? ኣነ እነግረካ ኣለኹ፡ እቲ ዝግብኣና ዘይትህቡና እንተ ዄንኩም ካብ ሕጂ ንንየው ካብ ምዱብ ሰዓታት ወጻኢ ንዘጋጥም ስራሕ ከም ዘይንሰርሖ ክትፈልጥ ኣለካ። ሰብ ደሞዝ ክነስኹም ተወሳኺ ገንዘብ እናረኸብኩም ሰብ ኣይትዝክሩን! ካልእ እንተ ተረፈ ነዞም ደሞዝ ዘይብልና ተጋደልቲ ቍሩብ ኣይትድንግጹልናን! ደሓር ከኣ መሰልና’ምበር ጕንዖ መዓስ ኴንና ንሓትት ዘለና፡” ክብል ኣምሪረ ተዛረብኩዎ።

እቲ ጕዳይ ሸለልትነት ግዲ ተሓዊሱዎ ዝኾነ ስጕምቲ ከይተወስደ ወርሒ ሓለፈ። ስለዚ ኣብ ክንዲ ብቓላት ጥራይ ብግብሪ ምዝራብ ዝሓሸ ምዃኑ ብምግንዛብ ምቹእ ኵነታት ክጽበ መረጽኩ። ኣብ ከምዚ ኵነታት ከለኹ፡ ኣብ መጀመርያ ወርሒ 12/1993 ሰዓት ክልተ ናይ ለይቲ ማዕጾ ናይ ገዛይ ተዃሕኵሐ። ማሪታይም ብዙሕ ግዜ ቀትሪ ይኹን ለይቲ፡ “መርከብ ኣትያትና፡ ካብ ጅዳ ጃልባ ኣትያትና፡ ንወጻኢ ዝስደድ ንብረት ስለ ዘሎና ተረኛ መድበልና፡” ወዘተ ብዝብል ጕዳያት ስራሕ ኣብ ዘይምቹእ ሰዓታት የተስኡኒ ነይሮም’ዮም። ናይ ሽዑ ለይቲ ግን ፍሉይ ኣጋጣሚ ግዲ ኣጓኒፉዎም ኣብ ከውታ’ዮም ኣተሲኦምኒ። ኣብ ጥዑም ደቃስ ስለ ዝነበርኩ፡ ‘እንታይ ዝኾነ ሰብ’ዩ ደኣ ኣብዚ እዋን’ዚ ዝዅሕኩሕ፡’ እናበልኩ ብውሽጠይ፡ “መን ኢኻ?” በልኩ ካብ ዓራተይ ከይተሳእኩን ዓይነይ እናሓሰኹን። “ኣነ’የ፡” ክብል መለሰለይ።

ኣብ ናይ ኤክስፖርት ደስክ ሓላፊ ዝነበረ ነፍስሄር ብርሃነ መከተ ከም ዝኾነ በቲ ልሕትት ዝበለ ድምጹ ፈሊጠዮ። “እንታይ ደኣ ኣምጺኡካ ለይቲ ምድሪ?” በልኩዎ ዘይፈለጥኩ ተመሲለ። ንሱ ድማ፡ “ናይ ያሲን ብድሆ ቈርበት ኣለዋ ኤክስፖርት ዝኾና’ሞ ኣብ መርከብ ክንጽዕነን ክትፍርመለይ፡ ሰብ ከኣ ክትምድበለይ ደልየ፡” በለኒ ተማሻኺኑ። ኣነ ድማ፡ “ኣይፈለጥካን ዲኻ? ኸምዚ ዓይነት ስራሕ ደው ኣቢልናዮ’ንዲና። ንስኻ ሓቅኻ ትኽፈል ስለ ዘለኻ ኦቨርታይምካ ከይጐድለካ ለይቲ ምድሪ ትጐዪ ኣለኻ። ንሕና ብዝሰራሕናዮ ድማ ብሓለፍትኻ ትምስገን ትኸውን። ሕጂ ግን ዝመጽአ ይምጻእ’ምበር ኣነ ተንከስ ኢለ ኣይወጽእን’የ፡” በልኩዎ ቃላተይ ጸቒጠ። ንሱ ግን ነቲ ጕዳይ ይከታተሎ ግዲ ነይሩ ተዳልዩ’ዩ መጺኡ። “ስምዓኒ እስጢፋኖስ፡ ብዛዕባ ክፍሊት እንተ ዄንካ ድሮ ምስ ላዕለዎት ኣካላት ተዛሪበ ስለ ዝኾንኩ ንዓይ ኣብ ዝምልከት ስራሕ ክኽፈለኩም ከም ዝኾነ ሕጂ ክፍርመልካ እኽእል’የ። ስለዚ እታ መርከብ ድሕሪ ሓደ ሰዓት ክትነቅል ስለ ዝኾነት ንበገስ ጥራይ፡” ክብል ልብኻ ዘረስርስ ዘረባ ኣስመዓኒ። ብኸምዚ ድማ ከም ፈታሻይ ዘገልግል ካልኣይ ሰብ ከየተሳእኩ ናብ ቤትጽሕፈት ኣምራሕኩ። ኤክስፖርት ቀረጽ ስለ ዘይከፍል እቲ ስራሕ ግዜ ዝወስድ ኣይነበረን። ስለዝኾነ፡ ብኡንብኡ ነቲ ጽዕነት ድሕሪ ምርኣይ ሰነዳት ፈሪመሉ ናብ ድቃሰይ ተመለስኩ።

ድሕርዚ ብኦቨርታይም ዝተረኽበ ኣታዊ ኣይነበረን። ግንከ፡ እቶም ቀንዲ ሓለፍቲ፡ ንሱ ብዝወሰዶ ተባዕ ተበግሶ ተገዲዶም ነቲ ምዱብ ናይ መራክብ ኣበል ክህቡና ግድን ኮይኑዎም። ኣብ መወዳእታ ዓመት ካብ ማሪታይም ናብ ሸውዓተ ሚእትን ሓምሳን ብር ዝቀራረብ ገንዘብ ብቼክ ተረከብና። ስለዚ ንኹላቶም ኣባላት ኣኪበ፡ “እሞ ሕጂ ካብ ማሪታይም ንመጀመርያ ግዜ ናይ ሃፈ ጻማና ገንዘብ ተቐቢልና ኣለና። እዚ ገንዘብ’ዚ ከም ግቡእ ኣብቲ ስራሕ ንዝተዋፈሩ ሰባት ዝምልከት’ኳ እንተ ኾነ፡ ንስኻትኩም ትብሉዎ እንድዒ’ምበር ብወገነይ ብዘይ ኣፈላላይ ንዅሉ ኣባል ማዕረ ክካፈል ምመረጽኩ። ምኽንያቱ ነንዝምልከቶም ጥራይ ይወሃብ ክብሃል እንተ ኾይኑ፡ ኣብ መንጐ ኣባላት ኣነ ኣይረባሕኩን፡ ኣከለ ግን ረቢሑ ኣብ ዝብል ዘየድሊ ምጥምማት ከእትወና ይኽእል’ዩ። ንገዛእ ርእሰይ ነንዝምልከቶ ጥራይ ክወሃብ ከሎ ዝያዳ ምረብሓኩ ነይረ። ብሕልና ግን ኣይቅበሎን፡” ድሕሪ ምባል፡ “ንስኻትኩምከ እንታይ ርእይቶ ኣለኩም?” ዝብል ሕቶ ኣቕረብኩሎም። ነቲ ሰናይ ሓሳብ ድማ ብሓደ ድምጺ ደገፉዎ።

እቲ ገንዘብ ምስቲ ሽዑ ዝነበረ ኵነታት ብዙሕ’ኳ እንተ ነበረ፡ ናብ ሰላሳ ሰብ ክመቓቐል እንተ ኾይኑ ትርጉም ከም ዘይህልዎ ርዱእ ነይሩ። ስለዚ ነቲ ሽዑ ዝተረኽበ ገንዘብ ብኸመይ ክንጥቀመሉ ከም ዝሓይሽ ርእይቶ ክህቡሉ ተጸበኹ። እቲ ጕዳይ ካብቲ ምስ ገለ ካብ መሳርሕተይ ዝተዘራረብናሉ ኣይሓለፈን ዳርጋ ብምሉኣቶም፡ “ሕጂ ናይ ብርክት ዝበሉ ኣባላት ምቅይያር ተገይሩ’ሎ። እቲ ገንዘብ ከኣ ንኣፍ ጠልቈም ንኸብዲ ሓጥያት ከም ዝብሃል፡ እንተ ተማቐልናዮ ካብ ቢራን ካብ ሻሂን ዝሓልፍ ስለ ዘይኮነ፡ መጀመርያ ነቶም ሓደስቲ ኣባላት ከም መላለዪ፡ ነቶም ዝቕየሩ ዘለዉ ድማ ከም መፋነዊ እንተ ንጥቀመሉ ይሓይሽ። ሓድሽ ዓመት ድሕሪ ሰሙን ይኣቱ ስለ ዘሎ ድማ ብሓባር ነኽብሮ።” ንዝብል ብገለ ሰባት ዝቐረበ ሰናይ ሓሳብ ኩላቶም ደገፎም ገለጹ።

ብኸምዚ ኣብ ድሮ ሓድሽ ዓመት ንኣባላት ማሪታይም፡ ንወደብ፡ ንትራንዚተራት፡ ዝወክሉ ሰባት ዝተሳተፉዎ ብሕሩድን ቢራን ዝማዕረገ ኣነ ዝበለ ውራይ ኣሕለፍና። ብሓቂ እቲ ውራይ ከም ዕላማኡ ንዅሉ ሰብ ከም ዝላለ ኣብ ርእሲ ምግባሩ፡ ኣብ ኣእምሮ ነፍስወከፍ ሰብ ዘይሃስስ ተዘክሮ ፈጢሩ። ድሕሪ ነዊሕ እዋን እረኸቦም ካብ ዝነበርኩ ብርክት ዝበሉ ሰባት፡ ነታ ጥዕምቲ ምሸት ከም ዘይርስዑዋ ይገልጹለይ ነይሮም። ካብ መራክብ ዝተረኽበ ገንዘብ ብኸምዚ ፈሊሙ ከብቅዕ፡ ምስ ምብዛሕ ናብ ወደብ ዝኣትዋ መራክብ ኣብ ቀዳማይ ወርሒ ናይ 1993 ዝተዓጻጸፈ ኮነ። እቲ ገንዘብ ግብሪ መንግስቲ ጐዲሉዎ ብማዕረ ምስ ተመቕለ፡ ኵሉ ሰብ በቲ ዘይተጸበዮ መጠን ገንዘብ ገጹ በርሀ። ነፍስወከፍ ድማ ናጻ ኮይኑ ቢራ ክሰትን ከስትን ጀሚሩ። ነተን ዝረኸቡወን ገንዘብ ኣዋህሊሎም ቁም ነገር ዝገበሩለን ሰባት’ውን ኣይተሳእኑን። እዚ’ኳ ተጋዳላይ ካብ ገንዘብ ተፈልዩ ንነዊሕ ዓመታት ስለ ዝጸንሐ ጥቕሚ ገንዘብ ረሲዑዎ’ምበር፡ ገንዘብ ተዋህላላይ ስለ ዝኾነን ናይ ሽዑ ገንዘብ ክብሪ ስለ ዝነበሮን፡ ቁምነገር ክገብር ንዝደለየ ሰብ ቀሊል ከም ዝነበረ ድሒሩ ተጋሂዱለይ። ጽቡቕ መረዳእታ ንኽህልወና፡ እቲ ገንዘብ ብሚእትን ሓምሳን ንሓደ ሰብ’ኳ እንተ ጀመረ፡ ድሕሪ ዓመትን ሸሞንተ ወርሕን ካብ ባጽዕ ድሕሪ ምቕያረይ ንነፍስወከፍ ሰብ ማዕረ ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን ብር ይበጽሖ ከም ዝነበረ ካብቶም ኣብኡ ዝገደፍኩዎም ኣባላት ክፈልጥ ክኢለ። ኣብ ዝነበርኩሉ ግዜ ግን እቲ ኣሃዝ ካብ ሓሙሽተ ሚእቲ ንላዕሊ ሓሊፉ ኣይፈልጥን ነይሩ። እዚ ንባዕሉ ንዓይ ቀሊል ገንዘብ ስለ ዘይነበረ ኣብ ውሱናት ኣዋርሕ፡ ንሕማቕ ግዜ ዝኾነኒ ከዋህልል ኣለኒ ኢለ ስለ ዝሓሰብኩ፡ ኣብ ዓመትን ፈረቓን ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን ብር ከጠራቕም ክኢለ ነይረ።

ክንድዚ ዝኣክል ገንዘብ ክበጽሕ ዝኸኣለ ናቱ መንገዲ ነይሩዎ። ምኽንያቱ ኣብቲ መጀመርያ ንፈልጦ ነገር ስለ ዘይነበረና ማሪታይም ዝሃቡና ኢና ንቕበል ኔርና። ናይ ሸርፊ ምቅይያር ምስ ተገብረ ግን ንማሪታይም ኣብ ክንዲ 2.05 ብር ንሓደ ዶላር ብ5.00 ብር ሓሲቦም ክኸፍሉና ከም ዘለዎም ገለጽኩሎም። ንሳቶም’ውን ብዘይ ዕጥይጥይ በቲ ሕጋዊ ሸርፊ ክኸፍሉና ተገዲዶም። እቲ ጕዳይ ግን ኣብዚ ኣየኽተመን። ሸርፊ ዶላር ብጨረታ ተቐዪሩ ብገምጋም ናብ ሽዱሽተ ብር ምስ ደየበ’ውን ምስ ድሒሩ ምስ ዝተራእየ ብዝሒ መራክብ፡ ኵሉ ሰብ ዝያዳ ክረብሕ ክኢሉ። ብኸምዝን ክንድዝን ኣብ ባጽዕ ዝተመደበ ሰብ፡ ተጋዳላይ ይኹን ሲቪል ብዙሕ ሰብ ዘይፈልጦ ረብሓ ከም ዝነበሮ ክንርዳእ ንኽእል። እቲ ዘሕጕስ ግን፡ ኣብ መንጎ ሲቪልን ተጋደልትን ዝኾነ ምቅንናእ ይኹን ስስዐ ኣይነበረን። በጋጣሚ እቲ ዝበዝሕ ሰብ ቅኑዕ ስለ ዝነበረ’ምበር፡ ኣብ መንጎና ከም ገለ ሓደ ክልተ ስሱዓት እንተ ዝነብሩ፡ ሲቪል ደሞዝ ስለ ዘለዎም ማዕረና ክምቀሉ የብሎምን፡ ዝብል ዘረባ ከልዕሉ ምኸኣሉ ነይሮም። እቲ ነገር ድማ ኣዕናዊ ኣንፈት ምሓዘ ነይሩ ይኸውን። እቶም ሲቪል ዝረኽቡዎ ዝነበሩ ኣታዊ ካብ ናይ ተጋደልቲ ዝወሓደ ነይሩ ክብሃል ይከኣል። ከምዚ መኾኒኡ ምኽንያት ድማ ግብሪ ክቝረጾም ከሎ ምስቲ ቀንዲ ደሞዞም ተደሚሩ ስለ ዝቕመር፡ ምስቲ ሽዑ ዝነበረ ልዑል ናይ ደሞዝ ምጣኔ ግብሪ ሃሳዪ ነይሩ። ንኣብነት ተጋደልቲ ሓሙሽተ ሚእቲ ክንቅበል ከለና፡ እቶም ሲቪል ግን ግብሪ ምስ ተቘርጾ ናብ ኣርባዕተ ሚእቲ ዝጽጋዕ ጥራይ’ዮም ዝረኽቡ ነይሮም።

 

*       *       *


[1] ሰለሙን እምባየ፡ ቀንጠብ ብዝብል ሳጓ ዝጽዋዕ ኮይኑ ተባዕ ተዋጋኣይ ከም ዝነበረ ይንገረሉ። ድሕሪ መውጋእቱ ኣብ ኮሚሽን ፋይናንስ ተመዲቡ ክሰርሕ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ድሕሪ ናጽነት ኣብ ባጽዕን ዓሰብን ከም ሓላፊ መደበር፡ ድሕሪኡ ድማ ኣብ ማእከላይ ቤትጽሕፈት ግምሩክ ከም ምኽትል ሓላፊ ኦፐረሸን ኣብ ትሕተይ ሰሪሑ። ቀንጠብ ተንኰል ዘይፈልጥ፡ ኣዝዩ ቅኑዕ፡ ዝመሰሎ ዝውስንን ለቝመጽመጽ ዘይፈልጥን ሰብ’ዩ።

[2] ትራንዚተር ብትግርኛ ናይ ግምሩክ ኣሳላጢ ተባሂሉ ክትርጐም ዝኽእል ቃል ኮይኑ፡ ስራሓት ግምሩክ ተራ ሰብ ክፈልጦ ስለ ዘይክእል ጥራይ ዘይኮነ፡ ንዘጋጥም ተረፍ ሕሳብ፡ ግምሩክ ኣብ ክንዲ ምስ ዋና ዝዛረብ ምስ ወኪል ክዛረብ ዝሓሸ ስለ ዝኾነ፡ ብግምሩክ ፍቓድ ዝተዋህቦ ክኢላ ከም ትራንዚተር ይሰርሕ። ኣብ ውልቃዊ ንብረት ግን ዋና ባዕሉ ከጻሪ መሰሉ ፍቑድ’ዩ። ኣብ ግዜ ጃንሆይ፡ ትራንዚተርነት ብኣዝየን ዝተወደባ ዓበይቲ ትካላት’ዩ ዝካየድ ነይሩ። ብደርግ ቅድሚ ምህጋረን፡ ጌላትሊ ሃንኪ፡ ሳቮንሪየስ፡ ኮንቶሚካሎስ፡ ጐንድራንድ፡ ፊሊ ቢጋ ወዘተ ዝብሃላ ገለ ካብተን ኣዝየን ፍሉጣት ዓበይቲ ትካላት ከም ዝነበራ ይፍለጥ።

[3] ምዕጃብ ክብሃል ከሎ፡ ኣብቲ ዝኣተዎ መደበር ብዝተፈላለየ ምኽንያት ክቕረጽ ዘይከኣለ ንግዳዊ ኣቕሑ፡ ብፍላንሳ ተሰንዩ ናብ ካልእ መደበር ክግዕዝ ከሎ ማለት ኮይኑ፡ ዕላማኡ እቲ ንብረት ከይተኸፍተ ወይ ከይጐደለ ትኽ ኢሉ ናብ ዝምልከቶ መደበር መታን ክበጽሕ ተባሂሉ ዝግበር መስርሕ’ዩ። ብፕሎምብ ዝተዓሸገ ንብረት ወይ ካብ መበገሲ ቦታኡ ኣብ ኮንተይነር ተዓሺጉ ዝመጽአ ንብረት ግን ምዕጃብ ኣየድልዮን’ዩ። ኣብ ግዜ ምዕጃብ፡ ዋና ንብረት ናይ ዓጃባይ ኣበል ክኸፍል ይግብኦ። ብተወሳኺ፡ ዋና መድሕን ከም ዝህልዎ ክገብር ዝግባእ’ኳ እንተ ነበረ፡ ሽዑ ግን ብሰሪ ዘይምፍላጥን ጕድለት ተሞክሮን ይስርሓሉ ኣይነበረን።

[4] ወዲወልዳይ፡ ኣብ 1973 መንእሰይ ከሎ ኣብ ህሓሓኤ ዝተሰለፈ ኮይኑ፡ ድሕሪ ታዕሊም ኣብ ሓለዋ ሰውራ ብሌቓት ከም ሓላዊ እሱራት ተመዲቡ ሰሪሑ። ድሕሪ ምዝላቕ ኣብ ተዋጋኢ ሰራዊት ከገልግል ጸኒሑ ብሰንኪ ኣብ እግሩ ዘጋጠሞ መውጋእቲ፡ ኣብ ኮሚሽን ፋይናንስ ከም ኣባል ፍላንሳ፡ ድሕሪ ናጽነት ቅድም ኣብ ባጽዕ ድሒሩ ድማ ከረንን ኣገልጊሉ። ወዲወልዳይ ኣብ 2010 ከም ዝተሰውአ ኣብ ጋዜጣ ኣንቢበ። ንድሕነቱ ዓቂበዮ ዝነበርኩ ስሙ ድማ ከግህዶ ዕድል ረኺበ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
22 COMMENTS
  • Stefanos Temolso December 10, 2013

    ወ/ሮ ኣብርሃ፡ ሰብኣይ እንተዄንካ መን ምዃንካ ገሊጽካ ግጠም። ካብኡ በለ ኣነ ምስ ሓደ ኣነ ጥራይ ዝፈልጦ ካልኦት ዘይፈልጡዎ ወ/ሮ __ ከንቱ መጐተ ክጅምር ኣይደልን እየ። ግዜይ ኣይተባኽነለይ። ኣብ ፈይስቡክ ቅረብ ምስ ስእልኻ ከምዚ ናተይ ድሕሪኡ መን’ዩ ሓቂ ዝዛረብ ዘሎ ክፍለጥ። ብዛዕባ ወንገቦ ድማ ክልተ ምዕራፍ ኣሎ ኣጆኻ። ዓቂበዮ ነይረ ንካልእ ግዜ ሕጂ ግን ኣብ መጨረሽታ ንበይኑ ከቕርቦ እየ። እዚ ናይ መጨረሽታ መልሰይ እዩ ንወ/ሮ __።

    • Abrhet December 10, 2013

      እስቲፍ ዓቢ ሰብ፣ በል ኣድራሻ ና ፈይስ ቡካ ሃበኒ ብስቱር ኪከዉን ካብ ደለካዮ።

      • Stefanos Temolso December 10, 2013

        NSKA KTHBENI TKIEL IKA

        • Abrhet December 10, 2013

          Dear Ayte Estif,
          I think it was your invitation to face in the Facebook. Can I say you started to retreat. If so you allowed me to continue writing what I had started.

          Just I am writing in English in order to help you to guess who is communicating with you. Hoppas nu du kan förstår.

          • Stefanos Temolso December 11, 2013

            I do not care who you are or what you say. If you are sincere just start the chat in face book because you are the one who kickstarted this.

          • Abrhet December 11, 2013

            Dear Estif abi seb,
            U get started to become calm, good for u. Do not be hot tempered and also do not run to insult. If u want to be a politician, the first rule is to be polite.

            I think ur mind is still in Customs. Pls forget about it, that is history and be European, specially Scandinavian.

            Hope u will explain how Wongobo Shipping and Chartering Company was bankrupted and the lay out of Embassoyra and the capsize of Himbol, as per ur words, just this is a reminder. If u did this we will be best friends, OK, Cheers.

          • Stefanos Temolso December 11, 2013

            I will not include Wongobo’s hsitory here because there are some people in Eritrea who can suffer because of it. Nevertheless, I will try to narate it in a way that could not hurt any innocent fellow. As for being calm, I am always calm, and do not care about anyone who tries to blackmail me. I did a noble job for my country and my people before and after independence there I feel no guilty consciosnes. You tried to annoy me for no reason, and I can’t guess what your aim is. I hope this will be my last reply to you.

        • Abrhet December 11, 2013

          Hi Estif,
          Did you think partial history could be helpful. I appreciate ur concern about those whom u said innocent. Never mind I have the detailed history and have already started writing.

          I hope will meet you soon in Oslo to discuss about the situation. Till then I wish u all the best and keep it doing the good job.

  • bini December 10, 2013

    stifanos loms ab halewlew atika

POST A COMMENT