Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ምዕራፍ 3፡ ምስጢራዊ ሰልፊ

    ምዕራፍ 3፡ ምስጢራዊ ሰልፊ መራሕ ብርጌድ ኢሳያስ ተወልደብርሃን (ወዲፍላንሳ)፡ ናይ ሓደ ስዉእ ብጻዩ ብሽክሊት ምስ ፈተሾ ምስጢራዊ ሰልፊ ከም ዘሎ ፈሊጡ። ብዛዕባ’ቲ ፍጻሜ ንሓደ ኣባል መሪሕነት ምስ ኣዕለሎ ድማ፡ “ብዛዕባ’ዚ ምስ ዝኾነ ሰብ እንተ ተዛሪብካ ሞት

 

 

ምዕራፍ 3፡ ምስጢራዊ ሰልፊ

መራሕ ብርጌድ ኢሳያስ ተወልደብርሃን (ወዲፍላንሳ)፡ ናይ ሓደ ስዉእ ብጻዩ ብሽክሊት ምስ ፈተሾ ምስጢራዊ ሰልፊ ከም ዘሎ ፈሊጡ። ብዛዕባ’ቲ ፍጻሜ ንሓደ ኣባል መሪሕነት ምስ ኣዕለሎ ድማ፡ “ብዛዕባ’ዚ ምስ ዝኾነ ሰብ እንተ ተዛሪብካ ሞት ከም ዝስዕበካ ፍለጥ” ኢሉዎ።

                                          ሓደ ኣባል ብርጌድ 58 ነበር

 

ኣብ ሳልሳይ ወራር ኣብ ግንባር ዓሰብ ብጅግንነት ዝተሰውአ፡ ዕሽው ኢሉ ዝመስል፡ ግን ከኣ ወተሃደራዊ ክእለቱ ዘመሰከረ ብጻይ’ዩ ነይሩ። እቲ ዕላል፡ ኣብ 1994 ካብ ባጽዕ ነስመራ ብስራሕ ጕዳይ ገይሸ ኣብ ዝመጻእኩሉ ናይ ክራማት ግዜ፡ ኣብ ከባቢ ገዛ ባንዳ ዘጋጠመ ኾይኑ፡ ጕዳይ ሰልፊ ምስ ኣልዓልና’ዩ ዝጅመር። ኣባል ሰልፊ ኔርካዶ ኣይነበርካን? ዝብል ሃንደበታዊ ሕቶ ምስ ኣቕረበለይ፡ ዕላሉ ክስምዕ ስለ ዝደለኹ ኣባል ከም ዘይነበርኩን፡ ብዛዕባ ኣባልነት ሰልፊ ብዙሕ ከም ዘይግደስን ገለጽኩሉ። “ንስኻን ከምዚ ከማኻን ሕጂ ተማሂርና ኢና ኢልኩም ትሓስቡ ትኾኑ። ካብ በዓል ንስኻ ግን ንሕና ንሓይሽ፡” በለኒ በተን ስሙራት ኣስናኑ እናሰሓቐ። ሓቂ ዘረባ ብዛዕባ ሰልፊ ዝነበረኒ ዕላል ጸንቂቐ ስለ ዝነበርኩ ካብኡ ብዙሕ ኣይተጸበኹን።

ኣብ ርእስ’ዚ፡ ብፍጥረቱ ዋዕዋዕ በሃላይን ተጫራቓይን ብምንባሩ ንዘረባኡ ብዙሕ ትርጉም ከይሃብኩ፡ “ብሕጂ እንተ በለጽካና’ምበር ክሳብ ሕጅስ ኣየርከብካናን ዘለኻ፡” ክብል ኰለፍኩዎ ብግደይ ክምስ እናበልኩ። “ማርያም ኣደይ ኢለ ቁምነገር’የ ዝዛረበካ ዘለኹ። ሓንቲ ክላበወካ ግን ንዝኾነ ሰብ ኣዕሊለላ ስለ ዘይፈልጥ ከም ምስጢር ሓዛ፡” በለኒ ገጹ ኣሲሩ። ብዛዕባ ምዕቃብ ምስጢር ጸገም ከም ዘየሎ ምስ ሓበርኩዎ፡ “በል ንዓይ ኣባል ሰልፊ ነይሩ ኢሉ ዝሓስበኒ ሰብ ክህሉ ይኽእልዶ? ፍጹም! ንስኻ’ውን ከምኡ ትግምት ኔርካ ትኸውን። እቲ ቀንዲ ዘረባ ግን ኣባል ሰልፊ ነይረዶ ኣይነበርኩን ዘይኮነ፡ ብኸመይ ኣገባብ ወይ ብልሓት ኣባል ክኸውን ከም ዝኸኣልኩ’ዩ። ንኣብነት በዓል ንስኻ ሕጂ ምስጢራዊ ሰልፊ ምንባሩ ሕጂ ምስ ሓፋሽ’ዩ ተገሊጹልኩም። ኣነ ግን ቅድሚ ዓሰርተ ዓመት ነቲ ሰልፊ ብናይ ገዛእ ርእሰይ ብልሒ ፈሊጠዮስ ኣባል ክኸውን ድማ ክኢለ፡” ክብል ኣብ ሓደ ልብኻ ዝሰቅል ዕላል ሸመመኒ።

እቲ ዕላል ኣብ ውሽጢ መኪና ኮፍ ኢልና ቢራ እናሰተና ነካይዶ ስለ ዝነበረና ሰብ ከይሰምዓና ወይ ከይዕንቅፈና ዝብል ስግኣት ኣይነበረናን። ብዝኾነ፡ ነዚ ዳሕረዋይ ቃላቱ ምስ ሰማዕኩ ተገዳስነተይ ሰማይ ዓሪጉ ገጸይ ናብኡ ጠውየ ዕላሉ ክቕጽል ብሃንቀውታ ተጸበኹዎ። ከም ሓቂ ምስኡ ኣይሰራሕኩን፡ ካብ ዝተራኸብናሉ ዕለት ጀሚርና ግን ኣብ ሓጺር ግዜ ጽቡቕ ስለ ዝተቐራረብና ይኣምነኒ ነይሩ፡ ኣነ‘ውን ኣሚነዮ። ኣብ ርእስ’ዚ ምስ ዝተፈላለዩ ወተሃደራዊ ሓለፍቲ ክራኸብ ዕድል ስለ ዝነበሮ፡ ብዙሕ ናይ ሜዳ ይኹን ናይ ኣስመራ ዕላላት ከምጽኣለይ ከሎ፡ ኣነ ድማ ትምህርቲ ጠቀስ ነገራት አዕልሎ ነይረ። እቲ ሰብ ብደገ ክትርእዮ ከለኻ ግርህ ኢሉ ዝመስል ክነሱ ልዕሊ ዝኾነ ሰብ ጐራሕ ወይ በሊሕ ስለ ዝነበረ፡ ዝኾነ ሰብ ከስተውዕለሉ ዘይከኣለ ነገራት ኣቐዲሙ ክዕዘቦ ይኽእል ነይሩ። ኣብቲ መጀመርያ ካልእ ዝውጥጥ ነገራት ስለ ዘይብሉ’ዩ ዝኸውን ዝብል ግምታት ስለ ዝነበረኒ ንብልሑ ዓቢ ግምት እህቦ ኣይነበርኩን።

ጽን ኢለ ክሰምዖ ስለ ዝጀመርኩ፡ “በል ኣነ ኣብ መጀመርያ ሰብዓን ሸሞንተን’የ ተሰሊፈ። ታዕሊም ወዲአ ኣብ ሓይልታት ምስ ተመደብኩ ድሮ ምዝላቕ ኣርኪቡ ኣብ ግንባር ናቕፋ ምዕራድ ኮይኑ። ሓቂ ዘረባ ሽዑ፡ ትሩፍ ደጊም! ኢለ ዳርጋ ተስፋ ቈሪጸ ነይረ። ካብ ፍርሒ ዝተበገሰ ዘይኮነ ግን ምስ ክንድ’ቲ ዝኣክል ሓሽከት ሰራዊት፡ እሞ መዓት ኣጽዋር ሒዙ ንድሕሪት ዝደፍኣና ዝነበረ ሓይሊ ክንገጥም ንኽእል ዲና? ኢለ ምሕሳብ ካን ሕርብት ኢሉኒ። ምኽንያቱ ኣብ ጐላጉል ሰምሃር ዝትኰስ ዝነበረ ከበድቲ መዳፍዕ፡ ፋሉላት ኣብ ከባቢ ኣፍዓበት ኴንና ንሰምዖ ኔርና ኢና። ንሱ ጥራይ ዘይኮነ፡ ምዝላቕ ስለ ዘርከበ ፖለቲካ ከይጸገብና ኢና ናብ ሓይልታት ተወዚዕና። ብድሕር’ዚ ግን ከም በዓል ንስኻ ነይሮም ቀለም ዝጸገቡ ንኡስ ቡርጅዋ ዝብሉዎም፡ ዝተናውሐ ኵናት ክምህሩና ምስ ጀመሩ፡ ‘ኣታ እሞ ክንዕወት ንኽእል ኢና’ባ’ ብምባል ገጥ ኢለ። ብፍላይ ሓደ በራኺ ንብሎ ኣብ ጋንታና ፖለቲካ ዝምህረና ዝነበረ ሰብ ኣዝዩ ፍሉይ ነይሩ። ንሱ ክምህር ከሎ ሃመማ ክዝምቢ ከሎ ኢኻ ትሰምዖ። በራኺ እንተ ምሂሩካ ትኽ ኢላ ናብዛ ሓንጐልካ’ያ ድርግም ትብል። ብዝኾነ ዝበዝሕ ግዜ ምስኡ አዕልል ስለ ዝነበርኩ፡ ብዙሕ ነገራት ክፈልጥ ክኢለ፡ ከም ሰብ መጠን ድማ ፈትየዮ። ናብ ቁምነገረይ ክምለስ ግን ኣብ ሓይልታት ዳርጋ ክልተ ዓመት ምስ መላእኩ ናይ ሓላፍነት ሕማም ክሕዘኒ ጀሚሩ። ብርቱዕ ሕማም ከኣ ኣይኮነን ቅልል ኢሉ’ዩ ነይሩ። ምኽንያቱ ዘጃህር ወተሃደራዊ ጥበብ ወይ ትብዓት’ኳ እንተ ዘይነበረኒ፡ ንሓደ ካባይ ዘይሓይሽ ኣልገፊፍ ምኽትል መራሕ መስርዕ ኢሎም ሓላፍነት ምስ ኣሰከሙዎ ግን  ካን ሓሚመ።

“ንሱ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣነን ካልኦት ብጾትን ምስ በዓል መምህር ድፋዕ ክንኵዕት ደም ክንርህጽ፡ ኣካዳሚ ክንመሃር ድማ ተኸኽ ኢልና እናወዓልና ከለና ቍሊሕ ዝብለና ሰብ ንረክብ ኣይነበርናን። በንጻሩ ኣኼባ ናይ ሓይሊ ክግበር ከሎ ጨረምረም ክብሉ ሞዅ ዘብሉና ዝነበሩ፡ ብገለ ስራሕ ክትደልዮም ከለኻ ኣውላይ ታውላይ ኢሎም ሽርብ ዝብሉ ሰባት ሓለፍቲ የቀባጥሩሎም ነይሮም። ኣብ ከምዚ ኵነታት፡ ሓደ ምሸት ጦፍ ተላኢኸ ክምለስ ከለኹ፡ ወርሒ ስለ ዝነበረት መታን ኣቋራጭ ክኾነለይ ከይተረድኣኒ ናብ ሓደ ጽብብ ኢሉ ስንጭሮ ኣምሪሐ። ኣብ መንጎ ድምጺ ዝሰማዕኩ መሲሉኒ ብረተይ መዚነ ጽን ክብል ፈተንኩ። ‘ጸላኢ ድሕሪ መስመርና ክሓልፍ ዘይሕሰብ’ዩ፡ ስለያ ደኣ ኮይነን፡’ ኢለ እናሓሰብኩ ኣብርዅ ኣቢለ ምጽንጻን ቀጸልኩ። እቲ ክሰምዖ ዝጀመርኩ ቃላት ትግርኛ ኮይኑ፡ እቶም ሰባት ድማ ገለ ደቂ ጋንታይ ገለ ድማ ደቂ ሓይለይ ምዃኖም ካብ ድምጾም ከለልዮም ኣይጸገመንን። ነገራቱ ደንጽዩኒ ኣብ ሓንቲ ደንጐላ ተጸጊዐ ኣእዛነይ ኵር ኣበልኩ። እቲ ኣብ ኣእዛነይ ዘቃልሕ ዝነበረ ቃላት፡ ብፍላይ ኣብቲ መጀመርያ ክርድኣኒ ኣይከኣለን። ኣኼባ’ዩ ከይብሎ ውሱናት ሰባት፡ እሞ ከኣ ብጸላም ዘይእመን ኮይኑኒ። ገለ ስዉር ጸረ ውድብ ምንቅስቓስ’ዩ ዝኸውን ከይብሎ ክንድኦም ዝኣኽሉ ሓለፍቲ ዝዋስኡሉን ተራ ኣባላት ዝተሓወሱዎን ዘይሕሰብ ነይሩ።

“ከምኡ እንተ ዝኸውን ነይሩ እቶም ዝምቡላት ወይ ንኡስ ቡርጅዋ ዝብሃሉ ምተሓወሱዎ ነይሮም። እዚ ድማ ኣብ ህግሓኤ ብተኣምር ዝከኣል ኣይኮነን፡ ናብ ዝብል መደምደምታ በጻሕኩ። ፍርሕን ውራመን ተሓዋዊሱኒ ልበይ ህርመታ ወሰኸት። ሓደ ነገር ከየጣለልኩ ካብቲ ቦታ ከልግስ ስለ ዘይደለኹ ግን ዝመጽአ ይምጻእ ኢለ፡ ኣብታ ደንጐላ ተላሒገ ዝቕጽል ዘረባ ክሰምዕ ኣእዛነይ ምጽላው ቀጸልኩ። ኣብ መንጎዚ፡ መራሕ ጋንታና ዝነበረ ብዙሕ ዘይፈትዎ ዝነበርኩ ወዲሸቃ ንብሎ ዝነበርና፡ ድሒሩ ዝሃደመ ስመይ ጠቒሱ፡ ‘ኣርበጂ ምስ በዓል መምህር ይጸጋጋዕ ስለ ዘሎ ኵነታቱ ባህ ኣይበለንን። ስለዚ ኣብ ምክትታል ክንገብረሉ ኣድላዪ ይመስለኒ፡’ ክብል ሰማዕኩዎ። ሃንደበት ካብ መሬት ናብ ሰማይ ዝተናጠርኩ ኮይኑ ተሰምዓኒ። ኣብቲ ግዜ’ቲ ዝምቡላት ተባሂሎም ንሓለዋ ሰውራ ዝተሰደዱ ብርክት ዝበሉ ብጾት ስለ ዝነበሩና፡ ‘ኦሮማይ! ከእትዋኒ’የን፡’ በልኩ ብውሽጠይ ፍርሐይ እናዛየደ። ብኡነት እብለካ’ለኹ ብድፍረት ዝመጽአ ምኵሕ’የ ነይረ፡ ኣብ ምሉእ ህይወተይ ግን ከም ሽዑ መዓልቲ ፈሪሐ ኣይፈልጥን። ነቶም ናብ ሓለዋ ሰውራ ዝኸዱ’ሞ ዘይተመልሱና ብጾት እናዘከርኩ፡ ከምዛ ንጽባሒቱ ናብ ሓለዋ ሰውራ ወሪደ ኣብ ስንጭሮ ብሌቓት ዝርሸን ኮይኑ ጥራይ ተሰሚዑኒ ብራዕዲ ኣንፈጥፈጥኩ።

“መራሕ ጋናታና ብዛዕባይ ዝነበሮ ኣሉታዊ ኣረኣእያ ጽቡቕ ገይረ እፈልጥ ስለ ዝነበርኩ፡ ኣብ ሓደጋ ከእትወኒ ከም ዝኽእል ከም ውዱእ ወሰድኩዎ። መበገሲ ናይ ዘይምቅዳውና ካልእ ዘይኮነ ካብ ቅንኢ ዝተበገሰ ምዃኑ ኣይስሕቶን’የ። ኣብ ስራሕ ይኹን ኣብ ኵናት ቀዳምነት እስራዕ ስለ ዝነበርኩን ዝንቀፍ ጠባይ ስለ ዘይነበረንን ኣብ ጋንታና ዓይንኻ ትደፈን ዝብለኒ ሰብ ኣይነበረን። ንሱ ግን ዋዛ እናምሰለ ወጋኢ ቃላት ይድርብየለይ ነይሩ’ዩ። ኣነ ድማ ኣድጊ ዝገበረካ ጠይቂ ግበሮ ብምባል እናሰሓቕኩ ከሕምሞ ይኽእል’ዩ ዝበልኩዎ ዓጸፌታ ቃላት እድርብየሉ ነይረ። ልዕሊ ዅሉ ግን ኣብ ልዕሊ በዓል መምህር ዝጠቅምን ዘይጠቅምን ነቐፌታ ከውርድ ከሎ፡ ኣይድግፎን ነይረ ጥራይ ዘይኮነ፡ ‘ዝኾነ ነቐፌታ ብፍላይ ቀሊል እንተ ኾይኑ፡ ቅድሚ ኣብ ኣኼባ ምውራዱ ብውልቂ ክእረም ኣለዎ ይብሃል ስለ ዝነበረ፡ ንመምህር ብውልቁ ክትእርሞ ፈቲንካ ኔርካ ዲኻ?’ ኢለ እዓግቶን እቃወሞን ነይረ። ከምኡ መግበርየይ ድማ ዝፈልጦ ነገር ስለ ዘይነበረንን፡ ንመምህር ከኣ ብጅግንነቱን ብብልሑን እፈትዎ ስለ ዝነበርኩን ጥራይ’ምበር ካልእ ምኽንያት ኣይነበረንን። በንጻሩ እዚ መራሕ ጋንታ ከም ጠባይ ግናይ፡ ኵሉ ግዜ ምስ ተጸወገ፡ ተንኰለኛ፡ ኣብ ድፋዕ ምዅዓት ይኹን ኣብ ካልእ ስራሕ ሳሕዳይ ስለ ዝነበረ፡ መራሕ ጋንታ ከይኮነ ከሎ’የ ከም ሰብ መጠን ጸሊአዮ። በዝን ክንድዝን ዝምድናና ህልኽ ስለ ዝተወሰኾ ኣኺሉና ዓይንን ሓመድን ኴንና። እታ መራሕ መስርዕ ብፍሉይ ኣጋጣሚ ረኺቡዋ’ምበር ትግብኦ ኣይነበረትን’ዮም ዝብሉ’ቶም ዘርከቡሉ ብጾት።

“ኣብ ግዜ ከበባ ናቕፋ እታ መስርዕ ናብ ድፋዕ እናኣተወት ከላ፡ ብገመድ ዝተጠናነገ ፈንጂ ረጊጻ ንሓኪም ጋንታን መራሕ መስርዕን ወሲኽካ ፍርቃ ተላሒሳ። ካብቶም ተወጊኦም ኣብ ሕክምና ዝበጽሑ ሰለስተ እግሩ ዝቝረጽን ዝስንክልን ስለ ዝኾኑ ኣብታ ጋንታ ሓሙሽተ ሰባት ጥራይ ተሪፎም። ኣብ መወዳእታ መምህር ንኡስ ቡርጅዋ ስለ ዝኾነ ንወዲሸቃ ግዝያዊ መራሕ መስርዕ ገይሮሞ። እታ መስርዕ ድማ ሽዑ ዝተወዝዑ ሓደስቲ ተወሲኾማ ዳርጋ ምሉእ ቍጽራ ክትሕዝ ክኢላ። ኣብ ከምዚ ኵነታት ከለዉ መስርዕ ብሓደስቲ ስለ ዝተዓብለለት ወዲሸቃ ከም ድላዩ ክቈጻጸራ ዕድል ረኺቡ። እቲ ግዜ ኣይሓገዘን ምዝላቕ ስለ ዘርከበ፡ ምስቲ ዝነበረ መስዋእትን ናይ ተብተብ ኵነታትን ግዝያዊ መራሕ ጋንታ ተመዲቡ። ኣነ ልክዕ ኣብዚ ግዜ’ዚ እየ ተወዚዐ። ኣብ ውድብ ህግሓኤ፡ ሓንሳብ ሓላፍነት እንተ ሒዝካ ነቲ ኣገባብ፡ ወይ ንስኻትኩም ሲስተም ትብሉዎ ስለ ተጽንዖን ድርብ ሰብነት ሒዝካ ስለ ትጐዓዝን ትም ኢልካ ኢኻ ትድይብ። መራሕ ጋንታና ዝነበረቶ እንኮ ብልጫ እታ፡ ‘ብስም ክንገብሮ ዘለና፡’ እናበልና ንጨርቀላ ዝነበርና ምስ ሓለፍቲ ናይ ምጽግጋዕን ምሕሽዅሻዅን ጥበብ ምምላኽ ጥራይ‘ያ። ካብኡ ተረፈ ኣብ ወተሃደራዊ ይኹን ኣብ ፖለቲካዊ መዳይ ትሕቲ ሰቡ ከም ዝነበረ ይፍለጥ።

“ብኸምዚ ኣገባብ ኣብ ስልጣን ዝደየበ ሰብ፡ እሞ ኸኣ ምሳይ ስኒት ዘይብሉ፡ ከጥፍኣኒ’ዩ ኢለ ኣብታ ሓጻር ህሞት ሐሕማቑ ጥራይ ክሓስብ ጀሚረ። ክትገልጾ ኣብ ዘጸግም ራዕድን ሽበራን ጥሒለ ከለኹ፡ ‘እወ ግን እንታይ ይመስለካ ወዲሸቃ፡ ኣርበጂ ከምዚ ትብሎ ዘለኻ ምስ በዓል መምህር እንተ ቐረበ ካብ ጕድለት ንቕሓት ተበጊሱ ምዃኑ ክርድኣና ኣለዎ። ቀዳማይ ነገር መምህር ኣብ ሳልሳይ ክፍሊ ይምህሮ ስለ ዘሎ፡ ምስኡ ጽግዕግዕ ምባሉ ብሰንኪ ጕዳይ ትምህርቲ’ምበር ብኻልእ ምኽንያት ክኸውን ከም ዘይክእል ኣብ ግምት ክነእቱ ይግብኣና። ብተወሳኺ ገለ ጭቡጥ ነገር ከይረኸብና ንከም በዓል ኣርበጂ ዝኣመሰሉ ተዋጋእቲ ክንከስሮም ወይ ካብ ሓፋሽ ክንንጽሎም ቅኑዕ ኮይኑ ኣይስምዓንን። ኣብ ርእስ’ዚ በዓል ኣርቢጂ ርሂጸበላዕ ስለ ዝኾኑ፡ ቀሪብና ክነረድኦምን ክንጕስጉሶምን ከም ዘለና ክንፈልጥ ይግባእ፡’ ዝብል ጉርንን ዝበለ ናይ መራሕ ሓይልና ድምጺ ሰማዕኩ። ሽዑ ልክዕ ከምዚ ዓቢ ጽዕነት ዘራገፈ ሰብ ኣበርቲዐ ኣተንፈስኩ። ሞራለይ ሰፊፈያ ከም ዘይነበርኩ ድማ ናብ ልበይ ተመሊሰ ዘረባ ከይሓልፈኒ ኣእዛነይ ኩር ኣበልኩ። ኣብ ጥቓኦም ተጸጊዐ ከለኹ ግን ብርክት ዝበሉ ሰባት በብኣፎም፡ ‘እንታይ ይመስለካ፡ ሓንሳብ’ሞ…፡ ኣብዚኣ’ሞ፡’ እናበሉ ጭራሕ ምራሕ ክብሉ ስለ ዝጀመሩ ናይ በዓል መን ድምጺ ምዃኑ ምፍላዩ ጸጊሙኒ። ኣብ መንጎ’ዚ መራሕ ሓይሊ፡ “ሓንሳብ ጸጥታ ንሓሉ፡” ዝብል ገናሒ ድምጺ ምስ ኣስምዐ መሬት ዳግማይ ጸጥ በለ። እንታይ ተኣማሚኖም ኣብ ጸላም ድላዮም ይዛረቡ ከም ዝነበሩ ክሳብ ሕጂ’ዩ ዝገርመኒ።

“ኣብ መጨረሽታ፡ ‘ዓንተቦ ክውድእ ዕድል ስለ ዘይሃብኩምኒ’ምበር ብስም ናብ መምህር ቀሪቡ ኣይኮንኩን ነቲ ጕዳይ ዘልዓልኩዎ። ኣርበጂ ንመምህር ዝትንክፍ ነቐፌታ ክወርድ ከሎ ከም ስርዓት’ዩ ዝከላኸለሉ። ስለ’ዚ ብነብሱ ፈትዩዎ ጥራይ ዘይኮነስ መምህር ወዲቡዎ ከይህሉ ክንጥንቀቕ ከም ዝግብኣና ንምሕባር’የ፡’ ዝብል ቃላት ወሰኸ  መራሕ ጋንታ። ድምጹ ቀጢን ኮይኑ ብፍላይ ሓደ ሓደ ግዜ ሓውሲ ናይ ጓል ዝጥዕም ስለ ዝነበረ ክፈልዮ ኣይጸገመንን። ‘መራሕ ሓይሊ ድማ ትቕብል ኣቢሉ፡ እዚ’ውን ከምቲ ኣቐዲመ ዝገለጽኩልካ’ዩ ወዲሸቃ። ኣርበጂ ኣምር ናይ ቃልሲ ኣይተረድኦን ዘሎ፡ ምስ ደሞክራስያውያን ኣይተጸግዐን እንተ በልካኒ ክቕበለካ እኽእል’የ። መሳርሒ ናይ ንኡስ ቡርጅዋን ተበለጽትን ክኸውን ዝኽእል ሰብ ግን ኣይመስለንን። ደሓር ከኣ እዚ ሰብዚ ካብ ዝውዛዕ ክልተ ዓመት ከም ዘይመልአ ክንግንዘብ ኣለና። ስለዚ፡ ኣብ ጋንታ ዓቢ ጽልዋ ስለ ዘለዎ፡ ቀስ ኢሉ ምስ ደሞክራስያውያን ባእታታት ዝጽጋዓሉ መንገዲ ክንፈጥር ጥራይ’ዩ ዘለና፡” ምስ በለ ናብ ካልእ ዛዕባ ብምሕላፍ፡ “ንኣባልነት ብዝምልከት እከለን እከለን ቅቡላት ኮይኖም ኣለዉ፡ በዛዕባ ሕጹያት ንዛረቦ ነገር እንተ’ልዩ ድማ፡ እከለ ካብ ናብ ደይቡዶ ወሪዱዶ፡ እከለ ድማ …’ ዝብል ገለ ክርዳኣኒ ዘይከኣለ ቃላት ሰማዕኩ። ኣልግብ ኣቢሎም ድማ ኣብ ሰልፊ ክጽንበሩ ዘለዎም ሰባት ጠቐሱ። ስመይ ግን ኣይተጠቕሰን።

“ነገራቱ ግር ኢሉኒ ምስ ነብሰይ እናተመራመርኩ ከለኹ፡ ‘ብዘይካ’ዞም ዝተጠቕሱ ዝቐረቡ ሓደስቲ ሕጹያት የለዉን። እቲ ሰልፊ ግን ምስ ዕብየት ውድብ ማዕረ ክኸይድ ስለ ዘለዎ ምስ ኵነታት መስዋእቲ ብቑዓት ሓደስቲ ኣባላት ብምልላይ ከም ሕጹያት ክነቕርብ ከም ዘለና ክንፈልጥ ይግባእ፡’ ዝብል መደምደምታ ዝመስል ዘረባ ምስ ሰማዕኩ፡ ከም ገለ ደርገፍ ክብል ከይሰምዑኒ እናፈራሕኩ ሰላሕ ኢለ መንገደይ ቀጸልኩ። ካብቲ ቦታ ቍሩብ ፍንትት ምስ በልኩ ድማ ጕያ ወሲኸ ናብ ቤትጽሕፈት ሓይሊ ሰጐምኩ። መልእኽተይ ነቶም ኣብኡ ዝጸንሑ ምልክት ኣረኪበ ድማ ተመሊሰ ከም ዘለኹ መታን ክሕብር ናብታ ከም ቤትጽሕፈት ጋንታ ንወስዳ ዝነበርና ንእሽቶ ኣንደር ኣምሪሐ። ወዲሸቃ ከም ዘይጸንሓኒ እናፈለጥኩ’የ ናብኡ ከይደ። መራሕ መስርዕና ምስ ካልኣዩ ከዕልል ምስ ጸንሓኒ ኣባል ሰልፊ ከም ዘይኮነ ተጋሂዱለይ። ከም ዝመጻእኩ ድሕሪ ምሕባሩ ድማ በዓል ደሓን ክመስል ገፈፍ እናበልኩ ናብ ደቂ መስርዐይ ቀጺለ።

“ነዚ ክገልጸልካ ዝጸናሕኩ ምስጢር ምስ ፈለጥኩ፡ እንታይ ስለ ዝተረኽበ’ዩ ኢሎም ብዓይኒ ጥርጣረ መታን ከይጥምቱኒ ምስ መምህር ብቕጽበት ዘይኮነ ብቐስታን ብጥንቃቐን ክርሕቆ መደብ ሓንጸጽኩ። ስለዚ፡ ‘መርመራ ቀሪባ’ንድያ፡ ክንተሓታተት’ባ፡’ ዝብል ምኽንያት ብምፍጣር ምስ ካልኦት ከማይ ኣብ ደርቢ ሓረስታይን ሸቃላይን ዝምደቡ ብጾት ክውዕልን ወጃዕ ክብልን ጀመርኩ። ድዉይ ተጣባባይ ኮይኑ’ቲ ነገር፡ ንኸምስል ናይ ስነፍልጠት ይኹን ናይ እንግሊዝኛ ጥራውዝተይ ተተዀልኵለ ናብቶም መማህረተይ ዘለዉዎ ቦታ እናኸድኩ፡ ‘ዌር ኢዝ ዘ ካት? ዘ ካት ኢስ ኢንሳይድ ዘ ሃውስ፡ ጸዓዱ ዋህዮታት ንምንታይ ይጠቕሙና? ከም ሰራዊት ካብ ጸላእቲ ይከላኸሉልና ወዘተ፡’ ክብል እውዕል ነይረ። ናይ ነዊሕ ዕላማይ ግን ምስጢር ናይዛ ፍሉያት ሰባት፡ ለይቲ ለይቲ ካብ ሓፋሽ ተመዅሊዮም ዝእከቡላ ዘለዉ ጕጅለ ፈሊጠ ክጽንበራ ጥራይ’ዩ ነይሩ። ናይ ኣጋጣሚ ነገር ኮይኑ ኣኼባ ኣይተገብረን’ምበር እቲ ዝኣምነሉ ዝነበርኩ መምህር ከም ገለ ነቐፌታ እንተ ዝቐርበሉ፡ ‘ኣብዚኣ ተወሳኺ ኣላትኒ፡’ ብምባል ኣፍኵስ ኣቢለ ፈይ ከብለሉ መዲበ ነይረ። ምኽንያቱ ከም ዝበልኩኻ ከም ውትህድርና ገይረ ዝፈትዎ ስራሕ ስለ ዘይነበረኒ፡ እንተ ወሓደ ከም መራሕ መስርዕ ተመዚዘ፡ ‘ንስኻ በዚ፡ ንስኻ ድማ በዚ፡’ ኢለ ክእዝዝ ኣመና እህንጠ ነይረ። ስለዚ፡ ንበዓል መምህር ካብ ዘይምንቃፍ ካብ ኮነ ዝዕንቀፍ ዘለኹ፡ ወላ ሕልናይ ዘይቅበሎ ነገር ይኹን ከጭፍጭፎ ኣብ ውሳኔ በጺሐ።

“መርመራ ምስ ሓለፈ፡ ነገር ገጢሙለይ ጽቡቕ ነጥቢ ኣምጺአስ ኣብ ተርታ ካብ መበል ሻሙናይ ናብ ሳልሳይ ተርታ ስለ ዝተናጠርኩ፡ ተንኰለይ ዘይተረድኣ ጋንታ ብምልእታ፡ ‘ኣርበጂ ደኣ ትምህርቲ ከረው ኣቢሉ ሳላ ዝሓዛ ብልጫ መንጢሉዋ! እንታይ ትዛረብ ኣለኻ? ንበዓል ላውንቸር ገምጢሉዎም’ንድዩ፡’ ክሳብ ትብል ገይረያ። ተመሊስካ ሕስብ ክተብሎ ከለኻ ክትኣምኖ’ዩ ዘሸግረካ። ብዘይ ሓሰብኩዎ ሸነኽ ዝመጽአ ነገር ንብዙሓት ሰባት ከታልልን ከእምንን ኣኽኢሉኒ። እዚ ግን ቀቀሊሉ’ዩ። ኣብ መበል ካልኣይ ወርሒ እቶም ዝፈልጦም ሰባት በብሓደ ክስወሩ ምስ ረኣኹዎም ዝብሃል መታን ክሰምዕ፡ ዝሸይን መሲለ ሰብ ከየስተውዓለለይ ብሰላሕታ ናብታ ዝእከቡላ ቦታ ኣምሪሐ። እቲ ሽዑ ዝሰማዕኩዎ ምስጢር ድማ፡ እቲ ውድብ ብኸመይ ከም ዝሰርሕ፡ እንታይ እንተ ገበርካ ቦታ ወይ ተሰማዕነት ከም ትረክብ ብንጹር ክግንዘብ ኣኽኢሉኒ። እቲ ነገር ብሓጺሩ ሕልናኻ ዝበለካ ዘይኮነ ካድራትን ሓለፍትን ዝበሉዎ እናቘለብካ ክትደግምን ክትፍጽምን ከም ዘለካ፡ ሓደ ኣባል ሰልፊ ጌጋ ምስ ዝፍጽም ኣብ ቅድሚ ኣባላት ዘይኮኑ ሰባት ክትነቕፎ ከም ዘይብልካ፡ ከም ገለ ብኣባላት ምስ ዝንቀፍ ድማ ክትከላኸለሉ ከም ዝግብኣካን ካልእ ክሕዞ ዘይከኣልኩ ንጕዳያት ሰልፊ ዝምልከት ሓብጀርቀጀርን ፈሊጠ። ብዓቢኡ ኸኣ በዓል መን ክውቅዑ ከም ዘለዎም ተገንዚበ። ‘እሞ ኣርቢጂስ ሰኣን እዚኣ ኢኻ ነዛ መራሕ መስርዕ ስኢንካያ ዘለኻ!’ ብምባል ድማ ክኸፍሎ ዘለኒ ሕልናኻ ናይ ምሻጥ ጕዳይ ብዘየገድስ፡ ብዝኾነ ኣገባብ ሓላፍነት ክረክብ ዘኽእለኒ ውጥን ኣጽኒዐ ወዳእኩ። ናይ ሕልና ምሻጥ ጕዳይ ሕጂ ክሓስቦ ከለኹ’ዩ ዝስቈረኒ ዘሎ’ምበር፡ ኣብቲ ግዜ’ቲ ምስቲ ዝነበረኒ ንኡስ ዕድመን ምስቲ ዝነበረኒ ክቱር ናይ ሓላፍነት ሕማምን ፈጺሙ ይዓጠኒ ኣይነበረን ክብለካ እደፍር።

“ኣብ መበል ክልተ ቕነ፡ ብገለ ኣጋጣሚ ናይ ሓይሊ ኣኼባ ምስ ተገብረ ኣብ ልዕሊ መምህር ነቐፌታ ክቐርብ ከም ሕሱም ተጸበኹ። ንዕድለይ ድማ ሓደ ድሒሩ ንሱዳን ዝሃደመ ኣባል ባህሊ ዝነበረ፡ ብሓደ ዘይጠቅም ናይ ግጥሚ ድዩ ተዋስኦ ጕዳይ ናብ መምህር ነቐፌታ ስለ ዘቕረበ ጥዒሙለይ። ሓደ ሰብ ኣብ ርእሲኣ ምስ በለ፡ ሓውካ ተወሳኺ ኣለኒ ብምባል ለጢጠ ሓደግኩዎ። ሽዑ ብዘይካ’ቲ ዝበልኩኻ ኣብ ሓላፍነት ናይ ምድያብ ዕላማ ዝረኣየኒ ነገር ኣይነበረን። መምህር[1] ብዅነታተይ ተገሪሙ ግዲ ኾይኑ ኣትኵሩ ጠሚቱኒ። ሓውካ ግን ቅጭጭ ኣይበለንን። ኣብ ወርሑ ናይ ጋንታ ኣኼባ ምስ ተገብረ፡ መምህር ኣብ ኣካዳምያዊ ይኹን ፖለቲካዊ ትምህርቲ ከም ቀደሙ ይነጥፍ የለን ዝብል ነቐፌታ ወረደ። ነቲ ኣጋጣሚ ከምልጠኒ ስለ ዘይደለኹ ኣላታን የብላን ምስቶም በጻብዕ ዝቝጸሩ ሰባት ኮይነ ሆ! ብምባል ንመምህር ኣይብላዕ ኣይስተ ገበርኩዎ። ነዚኣ ምስ ገበርኩ ከም ሕልመይ ልክዕ ኣብ መበል ክልተ ወርሒ ምኽትል መራሕ መስርዕ ተመዚዘ። ሽዑ ገደፎ! ዓለም ዝጨበጥኩ ኮይኑ ተሰሚዑኒ። ኣይደንጐኹን ኣብ መበል ሽዱሽተ ወርሒ መራሕ መስርዕ ኮይነ። ድሕሪኡ’ሞ ኸኣ እንታይ ኢልካሉ ኢኻ! እቲ ሜላ ስለ ዘጽናዕኩዎ ከም ብርቱዕ ውሕጅ ትም ኢለ ንሰማይ ጥራይ ከንቃዕርር ጀሚረ። ሕሰቦ፡ ኣብ ሰማንያን ሓደን ምኽትል መራሕ መስርዕ ዝነበርኩ ናደው ክፈርስ ከሎ መራሕ በጦሎኒ በጺሐስ ምስ በዓል ውጩ እመያየጥ ኣለኹ። መንግስቲ መዓርግ ኣብ ዝህበሉ ግዜ ኸኣ ካብ ምሉእ ኮሎኔል ንታሕቲ ኣይጽበን’የ። እዚ ክብለካ ከለኹ ግን ሕልናይ ሸይጠ፡ ንሰባት ከም መሳልል ረጊጸ ዝበጻሕኩዎ ምዃኑ ፍለጥ።”

“እዚ ዅሉ ጌርካ ክተብቅዕ ሕጂ ተመሊስካ ክትሓስቦ ከለኻ ቍሩብ እንታይ ይስምዓካ?” ክብል ሓተትኩዎ ኵሉ ነገር ተሓዋዊሱኒ።

“ንመምህር፡ ወላ ይሰዋእ ክሳብ ሕጂ ከም ሓደ ብጹእ መምህረይ’የ ዝጥምቶ። ኣነ ግን ካብ ክነብር ክስዋእ ምሓሸኒ። ስለምንታይ እንተ በልካ፡ ንመምህር ክዝክሮ ከለኹ ነብሰቕትለት ፈጽም ዝብል ሓሳብ’ዩ ቅጅል ዝብለኒ። ብፍላይ መስተ ኣብ ዘብዝሓሉ ግዜ ኣብ ሕማቕ ኵነታት’የ ዝወድቕ። ብኡ’የ ድማ ሽጕጥ ምሓዝ ዘቋረጽኩዎ። መምህር ፈላጥ ከሎ ከም ዘይፈልጥ፡ ክኢላ ኸሎ ከም ዘይክእል፡ ኮታ ንሓፋሽ መሲሉ ዝኸይድ ትሑትን ኣመና ቅኑዕን ሰብ’ዩ ነይሩ። ትኽ ዝበለ መንገዲ ጥራይ ሒዙ ስለ ዝኸይድ ግን ክህሰ ኽኢሉ። እቲ ግርም ዝብለካ፡ እታ ንመምህር ኣብዚ ዅሉ ሽግር ዘእተወቶ ቀንዲ ምኽንያት ኮንቱር ትብል ነጥቢ’ያ። ንሱ ኵሉ ግዜ ልዕሊ ሰብ ሰጕሙ ከም ዝጸንሕ ብዙሓት ደቂ ሓይልና ይፈልጡ’ኳ እንተ ነበሩ ኣነ ግን ድሒሩ’ዩ ተረዲኡኒ፡” ምስ በለኒ፡ “ከመይ ማለትካ’ዩ?” በልኩዎ ኣብ መንጎ ኵልፍ ኣቢለ።

“ሓደ ግዜ ብዛዕባ’ዚ እዞም ምሁራት ኮንቱር ማፕ ትብሉዎ ምስ ሓደ ካልኣዩ እናዕለሉ ከለዉ፡ ‘ኣብ ውሱን መድረኽ’ኳ ወተሃደራዊ ኣካዳሚ ምህናጽ ከድልየና’ዩ። እንተ ወሓደ ካብ መራሕ መስርዕ ንላዕሊ ዘሎ ሰብ ኮንቱር ክመሃር ኣለዎ፡’ ክብል ኣዕሊሉ። ከም ሓቂ ድማ ኣብቲ ግዜ’ቲ ዝኾነ ሰብ ክሓስቦ ዘይክእል ዘረባ’ዩ ነይሩ። እቲ ምስኡ ዘዕልል ዝነበረ ሰብ ተንኰለኛ ስለ ዝነበረ ግን ቅንይ ኢሉ፡ ‘መምህር እዚ እነካይዶ ዘለና ወተሃደራዊ ሜላ፡ ኣብ ተሞክሮ ጥራይ ዝተመርኰሰ ስለ ዝኾነ፡ ብዘይ ወተሃደራዊ ኣካዳሚ ብላሽ’ዩ ኢሉኒ፡’ ክብል ካብ ኣፉ ዘይወጽአ ዘረባ ኣሸክም ኣቢሉዎ። መስኪናይ መምህር! ከምዛ ዝሓንከሰት ላም ዝረኸቡ ኣዛብእ ዝልዝል ዝልዝል ኣቢሎም ናብ ሓለዋ ሰውራ ከም ዝለኣኽ ገይሮሞ። እዚ ክብለካ ከለኹ፡ ነቲ ፍጻሜ ብዕላል’የ ሰሚዐዮ። ምኽንያቱ ሽዑ ንእሽቶ መውጋእቲ ኣጋጢማትኒ ኣብ ሕክምና ብርጌድ ስለ ዝነበርኩ ነቲ ኣኼባ ብኣካል ክሳተፎ ኣይከኣልኩን። መምህር ነታ ባቡር ቀዲሙዋ ዝኸይድ ንጹህ ተቃላሳይ’ዩ ነይሩ። ከም ብዙሓት ካልኦት ተቓለስቲ ድማ ግዳይ ብልሑ ኾይኑ።

“ብዛዕባኡ ክሓስብ ከለኹ ድቃስ ለይቲ’የ ዝስእን። ብኡነት እብለካ ኣለኹ፡ ኵሉ ግዜ ድቃስ የብለይን። ምኽንያቱ በቲ ሓደ ብህይወት እንተ ዝህሉ ነይሩ እናበልኩ ንህላወኡ እምነ፡ በቲ ሓደ ድማ እንተ ዝህሉ ነይሩስ ከመይ’ለ ገጹ እናረኣኹ ክነብር? እናበልኩ ወትሩ ኣብ ከቢድ ወጥሪ ምንባር እጸልኦ። ኮታ ከም ሰብ መጠን ንማለቱ እንቀሳቐስ ኣለኹ’ምበር ንቡር ህይወት ኣለኒ ክብል ኣይደፍርን። ሕራይ መምህር ብሰንክና ኣይተሰውአን ይኸውን፡ እቲ ኣብ ልዕለኡ ዝፈጸምናዮ ገበን ግን ካብኡ ፈልየ ኣይጥምቶን’የ። ስለ ዝኾነ፡ ድሕሪ መምህር ምንባር ንዓይ ህይወት ኣይኮነን። ኣነ ይኹን ካልኦት ንዓይ ዝመስሉ ምስሉያት፡ ንተቓለስቲ ንዕንቅፍ ኔርና’ምበር፡ ኣፍና መሊእና ንሓፋሽ ንቃለስ ኔርና ክንብል ግቡእ ኣይኮነን። ነቲ ዕላል ክምልኣልካ ግን፡ ኣብ ሓለዋ ሰውራ ነዊሕ ከይጸንሐ ድሕሪ ምምላሱ ብመጠኑ ኣዕሊሉኒ ነይሩ። ሞራሉ ዘይትንከፍ ተሪር ሰብ’ኳ እንተ ነበረ፡ እቲ ሰውራ ብኸምኡ ክቕጽል እንተ ኾይኑ ናበይ’ዩ ኽበጽሕ? ዝብል ኣተሓሳስባ ይሳቐ ከም ዝነበረ ኣብ ገጹ ይንበብ ነይሩ። ካብ ሓለዋ ሰውራ ድሕሪ ምምላሱ፡ ኣብ ክንዲ ከም ቀደሙ ኣብ ፖለቲካን ኣካዳሚን ንጡፍ ዝኸውን ብምእኩል ደረጃ ምስ ተኣዘዘ ጥራይ ክሰርሕ ጀሚሩ። ቅድሚ’ቲ ኣቐዲመ ዘዕለልኩኻ ነቐፌታ፡ ‘ስማዕ’ስኪ መምህር፡ ስለምንታይ ኢኻ ከም ቀደምካ ኣካዳሚ ይኹን ፖለቲካ ብተበግሶኻ ዘይትምህረና ዘለኻ?’ ክብል ምስ ተወከስኩዎ፡ ‘ድሕሪ ሓለዋ ሰውራ ምብጽሐይ፡ ኣብዚ ውድብ ተበግሶ ወሲድካ ንብጾትካ ክትምህር ይኹን ክተረድእ እንተ ፈቲንካ፡ ኣነነት ከም ዘሎካ ወይ ብሓፋሽ ተፈላጥነት ክትረክብ ትገብሮ ዘለኻ ናይ በለጽ ተግባር ገይሮም ስለ ዝርድኡዎ፡ ኣብ ክንዲ ብተበግሶይ ሰሪሐ ኣብ ሽግር ዝኣቱ፡ ብሓለፍቲ ተኣዚዘ ጥራይ ክሰርሕ ኣለኒ ኣብ ዝብል ውሳኔ በጺሐ፡’ ክብል ገሊጹለይ።

“እዚ ግን ጽቡቕ ኣይሃቦን። ካልእ ትርጉም ስለ ዝተዋህቦ ተመሊሱ ዘውቅዖ ኮይኑ። ኣብ ወተሃደራዊ መዳይ ጐደሎ ዘይብሉ ጅግና ስለ ዝነበረ ግን ምስቲ ዅሉ ኣንጻሩ ዝተኻየደ ጽዑቕ ጐስጓስ ክብድሁዎ ኣይከኣሉን። ኣብ መጨረሽታ ክስዋእ ግዲ ደልዮሞ፡ ወተሃደራዊ ስለያ ኣመኽንዮም ምስ ሓደ ንኡስ ቡርጅዋ እናበሉ ዘቈናጽቡዎ ዝነበሩ ምሁር ብተደጋጋሚ ናብ ድሕሪ መስመር ጸላኢ ክልእኩዎ ጀሚሮም። ብዕድል ግን እቲ ዅሉ ፈንጂ ከይረኸቦም ግቡኦም ፈጺሞም ብተኣምር ይምለሱ ነይሮም። ሽዑ ድሮ ኣባል ሰልፊ ኮይነ ስለ ዝነበርኩ ድማ መራሕ ጋንታ ዝተካእኩዎ ዕሽው ኢሉ መራሕ ሓይልና ከይሓፈረ፡ ‘ኣንታ እንታይ ፍጥረት’ዮም እዚኣቶም! ኣይስውኡ ኣይስልሙ! ነዚ ዅሉ ፈንጂ ጸላኢ ጥሒሶም ከመይ ኢሎም ይምለሱ’ለዉ!’ ክብል ብኣንክሮ ኣዕሊሉኒ። ብኡነት’የ ዝብለካ! ተጋዳላይ ኣብ ልዕሊ ብጾቱ ማዕረ ክንድኡ ዝበጽሕ ዶብ ዝጠሓሰን ዝኸሓነን፡ ጽልእን ቅርሕንትን ከተኣናግድ ከም ዝኽእል ሽዑ ተሰዊጡኒ። ካብ መጠን ንላዕሊ ስለ ዘስደመመኒ ሰብነተይ ከም ቅጽበት ቀዝሒ ወሪሩዎ። መጀመርያ ብጥርጣረ ንዝጥምቱዎም ሰባት ስለምንታይ ንበይኖም ይሰዱዎም ከም ዝነበሩ ምርድኡ ሓርቢቱኒ ነይሩ። ካብዚ ዝብለካ ግዜ ንደሓር ግን ተጋዳላይ ዝብል ስም ካብ ዝተሰከሙ ብጾት ክሳብ ክንድኡ ዝኣክል ኣራዊታዊ ጭካኔ ከም ዘሎ ፈሊጠስ ክጥንቀቕ’ውን ጀሚረ ።

“ብዝኾነ ዘረባ ኣንዊሐልካ ኣይትሓዘለይ፡ ሻድሻይ ወራር ኣብ ምውድኡ መምህር ግደፍ እናተባህለ፡ ንሓደ ኣብ መንጎናን ኣብ መንጎ ጸላእን ተወጊኡ ዝተረፈ ማንጁስ ንብሎ ዝነበርና ኣባል ቤትትምህርቲ ሰውራ ነበር ከድሕን ክብል፡ ኣብ ኣፍልቡ ተሃሪሙ ተሰዊኡ። ማንጁስ’ውን ሽዑ’ኳ እንተ ደሓነ ኣብ ወፍሪ ባሕረ ነጋሽ ንመምህር ስዒቡዎ። ጭርሖኡ፡ ‘ድሕሪ መምህር እንታይ ዝኸውን ህይወት’ዩ፡’ ትብል’ያ ነይራ። ስለዚ ነዝን ወድዝን ተዘክሮታት ስለ ዘገናዝብ፡ ኣብ ቀጻሊ ስቓይን ናይ ሕልና ነውጽን ከም ዘለኹ  ክገልጸልካ እፈቱ፡”  ኢሉ ኣበርቲዑ ኣተንፈሰ።

 

 

*          *          *

 


[1] ኣርበጂ፡ ኣብዛ ህሞት’ዚኣ ድምጹ ክቕየርን ንብዓቱ ቍጽርጽር ክብሎን ጀመረ። ድምጹ ክቕየር ምስ ረኣኹዎ፡ ኣነ ባዕለይ ስዉኣት ኣሕዋተይን ኣዕሩኽተይን ዘኪረ ክነብዕ ቍሩብ ተሪፉኒ። ምናልባሽ ሓደና እንተ ዝጅምር ተተሓሒዝና ምነባዕና ኔርና ንኸውን።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
69 COMMENTS
  • Almaz Gual Asmera January 8, 2014

    ሳልሳይ ንሕዝቢ ዝነበሮ ከበረታ ዘንእዶ ኣይኮነን። ዘውቅሶ ኸኣ ብዙሕ ኣብነታት ኪግለጽ ይኽእል እዩ። ብተጋደልቲ ዝተደፍሩ ብዙሓት ቤተሰባት ኣሎዉ። ኣብ ሞንጎ ቤተሰብ ተራእዩ ዘይፈልጥ ጭካኔን ምክሕሓድን ዘስዓቡ ተጋደልቲውን “ውሑዳት ንተጋደልቲ ዘይውክሉ እዮም” ተባሂልካ ዝሕለፍ ኣይኮነን።
    ራብዓይን ናይ መጨረሻን ንዓይ ከም ውልቀ ሰብ ኣዝዩ ዘገድሰንን ብዙሓት ሓቲቶም ኣዕጋቢ መልሲ ዘይረኸብሉን ከኣ እዚ ዝስዕብ እዩ። “ሕዝቢ ሓቀኛ ታሪኽ ደቁ ኪፈልጥ ዕድል ኣይረኸበን። ሓበሬታ ሓይሊ ስለዝኾነ በቶም ቅኑዓት ተጋደልቲ ዝተበገሰ ናይ ለውጢ ፈተነታት ካብ ሕዝቢ ደገፍ ኣይረኸበን። ንሰብ ሓቀኛ ሓበሬታ እንተነፊግካዮ ብተግባር ኣልሚስካዮ ማለት እዩ። ግንባሮም ንጥይት ኪህቡ ዘይፈርሑ ጀጋኑ ኣብ ውሽጦም ሰይጣውንቲ ከምዘሎውዎም ምሕባር ንምንታይ ይፈርሑ? ን ኣስታት 20 ዓመታት ኣዕጋቢ መልሲ ዘይተረኽቦ ሕቶ እዩ።
    እዚ ንተጋደልቲ ሕዝባዊ ግንባር ይኹን ንናይ ጀብሃ፣ ብርእይቶይ ብማዕረ ዝምልከቶም ጉዳያት እዩ።
    ጽቡቕ ናይ ገድሊ ዓቂብና ሕማቑ ኸኣ ከም መምሃሪ ክንጥቀመሉ ይግባእ።

1 3 4 5

POST A COMMENT