Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ምዕራፍ 3፡ ምስጢራዊ ሰልፊ

መራሕ ብርጌድ ኢሳያስ ተወልደብርሃን (ወዲፍላንሳ)፡ ናይ ሓደ ስዉእ ብጻዩ ብሽክሊት ምስ ፈተሾ ምስጢራዊ ሰልፊ ከም ዘሎ ፈሊጡ። ብዛዕባ’ቲ ፍጻሜ ንሓደ ኣባል መሪሕነት ምስ ኣዕለሎ ድማ፡ “ብዛዕባ’ዚ ምስ ዝኾነ ሰብ እንተ ተዛሪብካ ሞት ከም ዝስዕበካ ፍለጥ”

መራሕ ብርጌድ ኢሳያስ ተወልደብርሃን (ወዲፍላንሳ)፡ ናይ ሓደ ስዉእ ብጻዩ ብሽክሊት ምስ ፈተሾ ምስጢራዊ ሰልፊ ከም ዘሎ ፈሊጡ። ብዛዕባ’ቲ ፍጻሜ ንሓደ ኣባል መሪሕነት ምስ ኣዕለሎ ድማ፡ “ብዛዕባ’ዚ ምስ ዝኾነ ሰብ እንተ ተዛሪብካ ሞት ከም ዝስዕበካ ፍለጥ” ኢሉዎ።

                                          ሓደ ኣባል ብርጌድ 58 ነበር

          ድሕሪ ናይ ኣርበጂ ዕላል፡ ብዛዕባ ምስጢራዊ ሰልፊ ዝያዳ ክፈልጥ ኣለኒ ስለ ዝበልኩ ንሰባት ምሕታት ስርሐይ ኢለ ተተሓሓዝኩዎ። ግንከ፡ ዝበዝሑ ኣባላት እንታይ ከም ዝረኸቦም ኣብ ዝርዝር ክኣትዉ ድሉዋት ይጸንሑኒ ኣይነበሩን። ኣብ 2008 ግን ነቲ ዝደልዮ ሓበሬታ በጋጣሚ ካብ ሰለስተ ኣብ ዝተፈላለየ ኣሃዱ ዘገልገሉ መሳልፍተይ ክረኽቦ ስለ ዝኸኣልኩ ብሰነድ መልክዕ ክሕዞ መዲበ። ኣቶም ክልተ ኣብ 1979 እቲ ሓደ ድማ ኣብ 1980 ከም ኣባላት ሰልፊ ዝተጸንበሩ ምሁራት ኮይኖም ብገርሆም ናይ ዘዕለሉኒ  ጽማቝ ናይ ሓበሬታኦም ቀጺሉ ይስዕብ።

ናይ በርሀ ተሞክሮ ከምዚ ዝቕጽል ነይሩ። “ሐደ ሰብ ኣባል ሰልፊ ክኸውን እንተ ኾይኑ ብሓደ ነዊሕን ሕልኽልኽ ዝበለን መስርሕ ክሓልፍ ኣለዎ። መጀመርያ፡ እቶም ኣባላት ሰልፊ ኣብ ሓይሎም ወይ ጋንታኦም ንዘለዉ ተጋደልቲ ብኣኼባ መልክዕ በብሓደ ክግምግሙዎም ኣለዎም። ነፍስወከፍ ተጋዳላይ ኣብ ዓውደውግእ፡ ኣብ ማእቶት፡ ኣብ ተወፋይነት፡ ኣብ ነቐፌታ ወዘተ ምስ ተገምገመ በብደረጃኡ ካብቲ ዝተሓተ መ፡ ጀሚሩ ሐ፡ ለ፡ ሀ እናተባህለ ደርጃኡ ይድይብ። ጨሪሾም ኣብ ገምጋም ዘይኣትዉ ሓመድ ሓፋሽ ከም ዘለዉ’ውን ምፍላጥ የድሊ። ንኣብነት ሓደ ሰብ ኣብ እንተ ተመዲቡ ንውሱን እዋን ትዕዝብቲ ይካየደሉ። ኣብ ቀጻሊ ኣኼባ ድማ ነፍስወከፍ ኣባል ነናቱ ትዕዝብቲ የፍስስ። ኣብዚ ከከም ሰብካ ወይ ከከም ኣረኣያኻ ስለ ዝኾነ ባዕላውነት ይሕወሶ ነይሩ’ዩ። ስለዚ፡ ሓደ ሰብ ካብ ናብ ክሳብ ዝኣቱ ዘሎ መስርሕ ኣዝዩ ነዊሕ ግዜ ክወስድ ከም ዝኽእል ክንርዳእ ይግባእ። ሓንሳብ ኣብ እንተ ኣትዩ፡ ግን ብፍሉይ ዝጠምቶ ኣሉታዊ ነገር እንተ ዘየጋጢሙዎ ዝዓግቶ ነገር ስለ ዘየሎ፡ ብኣኼባ መልክዕ ንኣባልነት ይሕጸ’ሞ፡ ብዛዕባ ኣመሰራርታ ሰልፍን ፖለቲካዊ ቍጠባን ዝገልጽ መጽሓፍ ይወሃቦ። ድሕሪ ሰለስተ ወርሒ ድማ ኣባል ምዃኑ ብሓላፊ ሰልፊ ናይ ግንባር ይንገሮ። ሳሕቲ ግን ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ናይ ጨንፈር ሓላፊ ከነግሮ ይኽእል’ዩ። እቲ ኣነጋግራ ንባዕሉ ናቱ ቅጥዒ ስለ ዘለዎ፡ መጀመርያ ሰልፊ ከም ዘሎ’ዩ ዝንገሮ። ብድሕሪኡ፡ ‘ኣባላት ሰልፊ በዓል መን’ዮም ኢልካ ትጥርጥር?’ ዝብል ሕቶ ይቐርበሉ። ምሳሉ ምስ ተዛረበ ድማ፡ ‘በል ካብ ሎሚ ጀሚርካ ኣባል ሰልፊ ዄንካ ኣለኻ። እከለን እከለን ድማ ኣባላት ምዃኖም ፍለጥ’ ይብሃል።

“ኣባልነት ከምቲ ኣብ ግንባር ዝነበረ ውሽጣዊ መምርሒ ንጾታ ይኹን ንብሄር ኣብ ግምት ዘእቱ ኣይነበረን። ንትምህርቲ ይኹን ካልእ ንብቕዓትን ዓቕምን ዝምልከት ሕቶታት’ውን ትርጉም ይወሃቦ ኣይነበረን። ንሱ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣባላት ክኾኑ ዘይግብኦም ሰባት ብዕርክነትን ዝምድናን ይሕወሱዎ ከም ዝነበሩ ምፍላጥ ኣገዳሲ’ዩ። ከም ኣብነት ሓደ ሰብ ኣብ ሓደ ቦታ ከሎ ኣባል ኣይጸንሕን። ብተኽሊጥ ይኹን ብኻልእ ኣጋጣሚ ናብ ካልእ ኣሃዱ ክቕየር ከሎ ግን ከም ኣጋጣሚ ኣብኡ ሓደ ዝፈልጦ ሓላፊ ብርጌድ ወይ በጦሎኒ እንተ ጸኒሑ፡ ነቲ ዝተላእከሉ ጸብጻብ ነጺጉን ቅጥዕታት ሰልፊ ጥሒሱን ነቲ ዘይብቑዕ ሰብ ኣብ ሓጺር ግዜ ከም ኣባል ክምዝግቦ ይርአ ነይሩ። እዚ ብጭቡጥ ካብ ዘጋጥም ዝነበረ ተደጋጋሚ ተርእዮታት’ዩ። እብ ርእስ’ዚ፡ ገለ ሰባት ኣባልነቶም ኣብ ክንዲ ብቅጥዕታት ሰልፊ መሰረት ዝንገሩ፡ በቋራጭ ይንገሮም ኣሎ ተባሂሉ ዝተዘርበሉ እዋን ከይተረፈ ነይሩ። ስለዚ፡ እቲ ሕግታትን ቅጥዕታትን ብዙሕ ግዜ ይጠሓስ ከም ዝነበረ ዳርጋ ዅሉ ሰብ ኣዳዕዲዑ ይፈልጥ ነይሩ። ብዝኾነ ሓደ ሰብ ሓንሳብ ኣባል ኴንካ ኣለኻ እንተ ተባሂሉ ብኡ ንብኡ ምስ ኣባላት ሰልፊ ክእከብ ይጅምር። እቲ ኣኼባ ድማ ዝበዝሕ ግዜ ዓይኒ ምስ ሓዘ ድሕሪ ድራር ዝጅመር ኮይኑ፡ ካብ መዓስከር ርሕቕ ኢሉ ኣብ ዘሎ እልይ ዝበለ ስንጭሮታት’ዩ ዝካየድ ነይሩ። ነቶም ኣባላት ድማ ብጦፍ ይኹን ብገለ መልእኽቲ ኣመኽኒኻ ናብቲ ቦታ ከም ዝኸዱ ትገብሮም። ሓላፊኦም ኣባል እንተ ዘይነይሩ ግን ጸገማት ክገሃድ ይኽእል። ነዚ ድማ ብዝተፈላለየ ረቂቕ ሜላ ክትፈትሖ ግድነት ይኸውን። ምስ ንውሓት ግዜን ምብዛሕ ኣባላትን ግን ኣባላት ዘይነበሩ ሓለፍቲ ይኹኑ ካድራት ክጥርጥሩ ስለ ዝጀመሩ ኣኼባ ምክያድ ኣዝዩ እናጸንከረ ከይዱ።

“እቲ ዝካየድ ዝነበረ ምስጢራዊ ኣኼባታት ወርሓዊ ስለ ዝኾነ ኣዝዩ ኣድካምን ነዊሕ ግዜ ዝወስድን’ዩ ነይሩ። ንኣብነት ንሚእትን ዕስራን ሰባት በብሓደ ክትግምግም እንተ ዄንካ ግድን ክትካታዕ ኣለካ። እዚ ድማ ኣብ ውሽጢ ሰዓታት ዝውዳእ ስራሕ ኣይነበረን። ንሱ ጥራይ ዘይኮነ፡ ጸብጻብ ክተቕርብ እንተ ዄንካ ናይ ነፍስወከፍ ኣባል ንጥፈት ኣብ ወተሃደራዊ፡ ኣብ ማእቶት፡ ነቐፌታ ወዘተ ክተዳሉ ቀሊል ስራሕ ኣይነበረን። ንኣብነት ብደረጃ ጨንፈር ንሚእትን ሓምሳን ሰባት ዝጥርንፉ ሓለፍቲ ነይሮም። ናይ ሚእትን ሓምሳን ሰባት ናይ ሰለስተ ወርሒ ዝርዝራዊ ጸብጻብ ክቕርቡ ኣዝዩ ይኸብዶም ከም ዝነበረ ዝኾነ ሰብ ዝርድኦ ነገር’ዩ። በዝን ክንድዝን፡ ብፍላይ ናይ ንኡስ ጨንፈር ወይ ናይ ጨንፈር ሓለፍቲ፡ ኣብ ርእስ’ቲ ስርሖም ካልእ ሰብ ዘይፈልጦ ተደራቢ ስራሕ ስለ ዝነበሮም ህሱያት ነይሮም ክብሃል ይከኣል። ዝያዳ ንጹር መታን ክኸውን፡ ብወገነይ ብደረጃ ናይ ወረቐት ስራሕ ዝነበረ ሃልኪ ክግምገሞ ከለኹ፡ እቲ ምስጢራዊ ሰልፊ ንክፍሊ ዜና ገዲፍካ፡ ካብቲ ግንባር ዘህልኾ ዝነበረ ወረቐት ሰለስተ ዕጽፊ ይዛይድ ነይሩ ዝብል ገምጋም ኣለኒ። ምስዚ ተኣሳሲሩ ዝኸይድ፡ ማዕረ ኣባላት ማእከላይ ሽማግለ ዝኣኽሉን ግንባር ዝመርሑን ሰባት ኣባላት ሰልፊ ዘይምንባሮም ንብዙሓት ተራ ኣባላት ሕማቕ ስምዒት የሕድረሎም ከም ዝነበረ ትዕዝብቲ ነይሩኒ። ኣባል ክትከውን ከለኻ ድማ ከይትግራህ ተሰኪፎም ግዲ ኾይኖም፡ ኢሳያስ ወዲፍላንሳ፡ ኣድሓኖም ገብረማርያም፡ ዓብደላ ሙሳ ወዘተ ኣባላት ከም ዘይነበሩ ኣቐዲሙ ይንገረካ።” እዚ ክግለጽ ዝጸንሐ ነቲ ሓፈሻዊ ኣገባብ ኣመላምላ ኣባላት ዝምልከት ኮይኑ፡ ተሞክሮ ኣባላት ምስ እንዕዘብ ግን ነዚ ዝስዕብ ናይቲ ዝቕጽል ኣባል ሰልፊ ነበር ጸብጻብ ንመልከት።

*          *          *

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
23 COMMENTS
  • kk January 11, 2014

    I was not in any shape or form a member of EPL. For those who were part and parcel of this evil organisation I say to you, you were sacrificing your self not to free Eritrea and Eritreans but to empower DIA to dehumanize Eritreans. It is not possible that one person able to do all those bad deeds alone. What he did is he established EPLF as organisation to get where he is now, and you were instrument for that. Now you have two options to undo what you have done or to feel guilty and watch your family your country been destroyed and becomes history. i believe the x-EPLF members have the keys to our problems, because they know the codes of how the regime works as explained above, most probably still they have connection with enfluencial people inside the country including military.

    • Genet January 11, 2014

      KK
      Well said!
      They have the key to undo the mess we are in. Tell the story of cold blooded killer. We need to know. Without their story, nothing make sense.
      Genet

    • Teclay January 12, 2014

      KK
      Why is only ex Eplf responsible,every one of us directly or indirectly were passengers of the mad Ghedli train,so all of us are responsible

  • Hinzi gedli January 12, 2014

    Teclay , u can not b responsible coz u were not there, there in the meda,the hell on earth. The meda was not Hafash wdbat, totally different. I remember a guy fr. hamburg , germany, active member if not a chairman there, executed as spy of CIA, name him plz, forgot his name he was asmarino.

POST A COMMENT