Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ምዕራፍ 3፡ ምስጢራዊ ሰልፊ

ምዕራፍ 3፡ ምስጢራዊ ሰልፊ መራሕ ብርጌድ ኢሳያስ ተወልደብርሃን (ወዲፍላንሳ)፡ ናይ ሓደ ስዉእ ብጻዩ ብሽክሊት ምስ ፈተሾ ምስጢራዊ ሰልፊ ከም ዘሎ ፈሊጡ። ብዛዕባ’ቲ ፍጻሜ ንሓደ ኣባል መሪሕነት ምስ ኣዕለሎ ድማ፡ “ብዛዕባ’ዚ ምስ ዝኾነ ሰብ እንተ ተዛሪብካ ሞት

ምዕራፍ 3፡ ምስጢራዊ ሰልፊ

መራሕ ብርጌድ ኢሳያስ ተወልደብርሃን (ወዲፍላንሳ)፡ ናይ ሓደ ስዉእ ብጻዩ ብሽክሊት ምስ ፈተሾ ምስጢራዊ ሰልፊ ከም ዘሎ ፈሊጡ። ብዛዕባ’ቲ ፍጻሜ ንሓደ ኣባል መሪሕነት ምስ ኣዕለሎ ድማ፡ “ብዛዕባ’ዚ ምስ ዝኾነ ሰብ እንተ ተዛሪብካ ሞት ከም ዝስዕበካ ፍለጥ” ኢሉዎ።

                                          ሓደ ኣባል ብርጌድ 58 ነበር

ኣብ ካልኣይ ውድባዊ ጉባኤ 700 ዝኣኽሉ ኣባላት ሰልፊ ተሳቲፎም ነይሮም። ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተገልጸ ተገይሩ ንኽብሃል ይግበር ስለ ዝነበረ፡ ተሳተፍቲ፡ ንመን ከም ዝመርጹ ዝገልጽ ዝርዝር ኣስማት ተዋሂቡዎም’ዩ። ኣብቲ ዝተኻየደ ምርጫ እቲ ናይ ድምጺ ፍልልይ ካብ ላዕሊ ንታሕቲ፡ ብሓደን ብኽልተን ክበላለጽ ጸኒሑ፡ እናገፍሐ ብምኻድ ሓደ ምሩጽ ድሕሪኡ ንዘሎ ካብ ሰላሳ ክሳብ ሰላሳን ሽዱሽተን እናተበላለጹ ቀጺሎም። ኣብ ፍስሃየ ወልደገብርኤል ክበጽሕ ከሎ፡ እቲ ፍልልይ ናብ 400 ኣቢሉ ወሪዱ። እዚ ድማ፡ ዝበዝሑ ኣባላት ሰልፊ ከም ዘይመረጹዎ ብንጹር የረድኣና። ብሓጺሩ እቶም ንእከለ ምረጽ ዘይተባህሉ (ኣባላት ሰልፊ ዘይኮኑ) ጥራይ እዮም መሪጾሞ። ኣነ ንባዕለይ፡ ምስ ግድምናኡን ከም ማእከላይ ሽማግለ ሰሪሑ ምንባሩን ኣብ ግምት ኣእትየ መሪጸዮ ነይረ። በዓል ሙስጠፋ ከይተረፉ እናተመርጹ ፍስሃየ ይኹን ቢትወደድ ዘይምረጹሉ ምኽንያት ኣይነበረን። ብሽርሒ ናይ ኢሳያስ ግን ክልቲኦም ካብ ማእከላይ ሽማግለ ከም ዝግለፉ ተገይሩ። እቶም ዝገለፉዎም ሰባት ድማ ተራኦም ከም ዝበጽሕ ኣይፈልጡን ነይሮም። ፍስሃየ ነዊሕ ኣይጸንሐን ኣብ 1990 ኣብ ግንባር ጊንዳዕ ክስዋእ ከሎ ቢትወደድ ኣብርሃ ድማ ክሳብ ሕጂ ኣብ ቤትማእሰርቲ በልዩ ኣሎ። ፍስሃየ ብድሕሪት እዩ ተሃሪሙ ዝብሉ ሰባት ኣለዉ፡ ብወገነይ ዘረጋገጽኩዎ ነገር ግን የሎን።

ብዝሒ ኣባላት ሰልፊ ምስ እንርኢ፡ እቲ ኣሃዝ ናብ ከባቢ 2500 ይበጽሕ ነይሩ። ብዝሒ ኣባላት ግንባር ድማ ብሓርፋፍ ናብ 100 ሽሕ ይጽጋዕ ነይሩ። ስለዚ፡ ሓደ ኣባል ሰልፊ ዳርጋ ንዕስራን ሓሙሽተን ሰባት ይውክል ነይሩ ማለት’ዩ። እዚ ኣሃዝ’ዚ፡ ነቲ ኣብ ተዋጋኢ ሰራዊትን ኣብ ደጀንን ንዝነበረ ሓይሊ ሰብ ዘጠቓልል ኮይኑ፡ ኣብ እንዳ ህዝቢ፡ ሱዳን፡ ማእከላይ ምብራቕ ኤውሮጳን ኣመሪካን ዝነበሩ ውፉያት ወይ ንጡፋት ኣባላት ምስ ተወሰኾ ምዃኑ ክፍለጥ ኣለዎ። እዞም 2500 ሰባት’ዮም እምበኣር፡ ኣጫፈርቲ ናይ ኢሳያስ ኮይኖም ነቲ ውድብ ከም ድላዮም ዘካውሱዎ ዝነበሩ። ሓደ ሰብ ከድይብ ወይ ክወርድ እንተ ደልዮሞ፡ መራሕቲ ሰልፊ፡ ወግዓዊ ብዘይኮነ መንገዲ ኣብ ኣባላት ሰልፊ ምውዕዋዕ ይፈጥሩ። ኣባላት ሰልፊ ድማ ነቲ ምውዕዋዕ ኣብ ኣባላት ግንባር ብምቅላሕ ዕዮ ገዝኦም ይሰርሑ። ብመሰረት ጸብጻብ ኣባላት ሰልፊ፡ ኣብ ሳልሳይ ውድባዊ ጉባኤ ዝተፈጸመ ሃንደበታዊ ናይ ሮሞዳን[1] ካብ ሓላፍነት ምውራድ ርኡይ ግፍዒ እዩ ነይሩ። ኢሳያስ፡ ኣብ ቫሊነኪ ኣብ ዝተገብረ ንምስጢራዊ ሰልፊ ዘፍረሰ ኣኼባ፡ “ውድብ ሓድሽ ሓሳብ ከምጽኡ ዝኽእሉ ሓደስቲ ሰባት ክንትካእ ኣለዎ። ውድብ ሓድሽ ደም የድልዮ ኣሎ፡” ድሕሪ ምባል፡ እቲ ኣብ 1989 ይደስክል ተባሂሉ ዝነበረ ምስጢራዊ ሰልፊ ብወግዒ ከም ዝፈረሰ ገሊጹ። ግንከ፡ ብናቱ ድሌት ጥራይ ክፈርስ ነይሩዎዶ?

ሰልፊ ይኹን ግንባር ግን ሓድሽ ወይ ጽሩይ ደም ክቕበል ኣይረኣናዮን። ኣብ ሳልሳይ ውድባዊ ጉባኤ ድማ ኢሳያስ፡ ‘ሮሞዳን ክርፈት ወይ ክጥረዝ ኣለዎ’ ኢሉ ኣዕገርጊሩ። ድሩዕን ወዲሰለሙንን ድማ፡ “ኣብ ክንዲ ዝስጐግ ባዕሉ እንተ’ወረደ ይሓይሽ። እዚ ነቲ ውድብ’ውን ከም ታሪኽ ጽቡቕ ኣይኮነን፡” ስለ ዝበሉ ግን ሮሞዳን ድሩዕ ዘርቀቖ ጽሑፍ ከንብብ ተገዲዱ። መስኪናይ ህዝቢ ኤርትራ ኸኣ ነቲ ዝተቐናጀወ ጽሑፍ ናይ ሮሞዳን ኣብ ግዜጣ ምስ ኣንበበ፡ ከም ሓደ ኣብነታዊ መራሒ ወሲዱዎ። ፖለቲካ ሸርሙጣ ስለ ዝኾነ ሮሞዳን ጕጅለ ዓሰርተ ሓሙሽተ ክንቀሳቐሱ ምስ ጀመሩ፡ ፈለማ ነቲ ለውጢ ደጊፉ ከብቅዕ፡ ኢሳያስ ብጫ ካርድ ምስ ኣውጽኣሉ ግን መርገጺኡ ብምቕያር ነቶም ጽቡቕ ዝገበሩሉ ጠሊሙ ምስ ኢሳያስ ከጣቕዕን ምስ ጥቕሙ ክጐዓዝን ተራእዩ። ምስጢራዊ ሰልፊ ምስ ፈረሰ ዳርጋ ብዙሕ ሰብ እንቋዕ ፈረሰ እዩ ኢሉ። ክፈርስ ኣይነበሮን ዝብሉ ሰባት ግን ውሑዳት ኣይኮኑን። ምኽንያቱ ኢሳያስ ነቲ ዝነበረ ሕመረት ናይቲ ሰልፊ ወይ ሓይሊ ኣጥፊኡ ስልጣኑ ከደልድልን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ሸይሸይ ክብልን ዕድል ከፊቱሉ። ኣብ ዴሳዊ ስርዓታት ሰለስተ ኣዕኑድ ከም ዝነበረ ይፍለጥ። ንሱ ድማ፡ ፓርቲ፡ ጸጥታን ሰራዊትን’ዩ። ናይ ሶቬትሕብረት ፕረሲደንት ነበር ጎርባቸቭ፡ ነቲ ብዙሕ ዝተዘርበሉ ብስም ግላስኖስትን ፕረስትሮይካን ዝፍለጥ፡ ኣብ ሶቬት ሕብረት ደርማስ ለውጥን ሕንፍሽፍሽን ዘስዓበ መስርሕ ከካይዶ ዝኸኣለ፡ ነቶም ሰለስተ ዓበይቲ ትካላት  ትካላት (ሰራዊት፡ ሰልፊ፡ ስለያዊ ትካል ኬይጂቢ) ብተናጸል ከዳኽሞምን፡ ነቶም ክልተ እናሓዘ በብተራን ነጻጺሉን ስለ ዝዘበጦም ጥራይ’ዩ።

ኢሳያስ ድማ፡ መጀመርያ ንሰልፊ ኣሕቂቑ ንዑኡ ብዝጥዕሞ ኣገባብ ንህግደፍ መስሪቱ። ጽንሕ ኢሉ ንዅሉ ሰብ ብምድህላል ንጸጥታ ወይ እንዳ ሰብዓን ክልተን ደምሲሱዎ። ነቲ ሳልሳይ ማለት ንሰራዊት ድማ ባዕሉ ሒዙዎ። ስለዚ፡ ፓርቲ ጕድለታቱ ኣሪሙን ድኻማቱ ኣወጊዱን ወግዓውነት ብምልባስ ስርሑ ቀጺሉ እንተ ዝነብር፡ ምናልባት ኢሳያስ ከምዚ ኢሉ ኣይምዓንደረን ነይሩ ይኸውን። ሕጂ ግን ፓርቲ ይኹን ትካል ጸጥታ ኣብ ዘይብሉ፡ መሪሕነት ሰራዊት ባዕሉ ሒዙ ምልኪ ከንግስ ክኢሉ። ህግደፍ እንተ ኾይኑ፡ ንኢሳያስ ብዝጥዕም ኣገባብ ተወዲቡ ንዑኡ ብዘገልግሉ ኣብዚ ነይሮም ዘይብሃሉ እሺ በሃልቲ ጥራይ ስለ ዝተጨርሐ፡ ልክዕ ናብ ሓደ ጓህማም ዝብኢ ከም ዝተቐየረ፡ ተራ ሰብ ዝርድኦ ነገር ኮይኑ ኣሎ። ኢሳያስ፡ ካብ ንረብሓ ሃገርን ህዝብን ንላዕሊ ንስልጣኑ ስለ ዝሓስብ፡ መዘና ብዘይርከቦ ምስሉይነቱን ሽሕጣኑን ህዝቢ ኤርትራ ብገርሁ ከሎ ነቲ ክገብሮ ዝግብኦ ነገራት ፈጺሙዎ’ዩ። ነቶም ክቃወሙዎ ዝኽእሉ ሰባት ብኣጋኡ ሰብ ኣብ ዘይረኽቦም ክስወሮም ከሎ፡ ነቶም ክንቀሳቐሱ ዝኽእሉ ማእከሎት ካድራትን ናይ ሰራዊት ሓለፍትን ድማ ንነፍስወከፎም ገዛ ዓዲሉ ብውልቃዊ ጥቕሞም ስለ ዝሓዞም፡ ኣብ ልዕሊ ህዝብን ሃገርን ብዛዕባ ዝፍጸም በደል ክግደሱ ከቶ ዝሕሰብ ኣይኮነን።

ካብዚ ዝተበገሰ፡ እቶም ብህዝቢ እምነት ዝተነብረሎም ሰባት ኣብ ውልቃዊ ረብሓኦም ጥራይ ብምድሃብ፡ ‘ናይ እከለ ቪላ ብኸመይ መንገዲ ካብ ናተይ ክትበልጽ ክኢላ?’ እናበሉ ምሉእ ለይቲ ከይደቀሱ ይሓድሩ ኣለዉ። ኮታ፡ እቲ ኵሉ ህዝባዊ ቃልሲ፡ እቲ ኵሉ መስዋእቲ ጽውጽዋይ ኮይኑ ተሪፉ። ኣሉታውን እወታውን መዳዩ ተገምጊሙ ከም ታሪኽ እንተ ዝጸሓፍ’ውን ቁምነገር ነይሩ። ንመሳርሒ ውልቀመላኺን ኣጫፈርቱን ንኸገልግል ጥራይ ተባሂሉ ኣብ ነፍስወከፍ በዓል ንፕሮፓጋንዳ ከም ዘገልግል ብዝጥዕም ኣገባብ ተዳልዩ ስለ ዝቐርብ ግን ትርጕም ኣልቦ እዩ። እዚ’ዩ ድማ ውጽኢት ናይታ ኣደ ህግደፍ ዝኾነት ምስጢራዊት ሰልፊ። ካብ ህዝቢ ብዝተኣከበ ግብሪ፡ ካብ ሕብረት ኤውሮጳ ዝተለገሰ ገንዘብን ናጻ ጕልበት ዋርሳይን ድንድል ሰሪሐ፡ ጽርግያ ደጊመ፡ ሕክምና መስሪተ እናበለ ኣእዛን ህዝቢ ዘደንቍር ፕሮፓጋንዳ እንተ ደርደረኸ ህዝቢ እንታይ ረብሓ ኣለዎ? ህዝቢ ብስእነት ፍትሒ፡ ስእነት ሃለኽቲ ኣቕሑ ተዋሪዱ፡ ናይ ምንቅስቓስ መሰሉ ተሓሪሙ ከይኣኽሎ፡ ኣዒንቲ ከለዎ ዕዉር፡ ኣእዛን ከለዎ ጸማም ካብ ኮነ፡ ብጥሜት መዓንጣኡ ተላጊቡ ክነሱ ጸጊበ ክብል ጥራይ’ዩ ዝኽእል። ናይ ወላድ መኻን ኮይነን ታኒካ ማይ ዘቐብለን ዝሰኣና ኣደታት ናይ ሕሰምን መከራን ናብራ እናሕለፋ ከለዋ፡ ‘መን ከም ኣደታት ኤርትራ?’ ይብሃለለን። ከይዛረብ ኣፉ ተዓቢሱ ዘሎ መስኪን ህዝቢ፡ ‘ጽኑዕ፡ ህዝቢ፡ ውፉይ ህዝቢ’ እናተባህለ ስግንጢር መደረታት ክሰምዕ ይግደድ። ስለዚ፡ ህዝቢ ኤርትራ በቶም ኣሚኑ ፍትሒ ሒዞም ክምለሱ ዘፋነዎም ተጋደልቲ ደቁ ካብ ተጠልመ፡ ንጕዳዩ ባዕሉ ክተሓሓዞን እምቢ ንጭቆና ክብልን ጥራይ’ዩ ዘለዎ።

መደምደምታ፡ ህግሓኤ ሃገር ሓራ ኣውጺአ፡ ተኣምራት ሰሪሐ፡ ብርእሰሓያላን ንዝሕገዝ መግዛእታዊ ስርዓት ስዒረ ወዘተ ኢሉ እንተ ተጃህረ፡ ምስቲ ዝፈጸሞ ገበን ክነጻጸር ከሎ ብዝኾነ መምዘኒ መልክዕ የብሉን። ሰውራ ኤርትራ፡ ውስብስብ ብዝበሉ ዝተፈላለዩ ረቛሒታት ከም ዝተዓወተ ዘየካትዕ’ኳ እንተኾነ፡ እቲ ወሳኒ ረቛሒ ናይቲ ዓወት መላእ ህዝቢ ኤርትራን ተወፋይነትን ጽንዓትን ተጋደልትን ከም ዝነበረ ክፍለጥ ኣለዎ። በንጻሩ ህግሓኤ ኣብ ታሪኹ ዘፈጸሞ ገበናት ነቲ ተፈጺሙ ዝብሎ ተኣምራታዊ ጅግንነት ተጋደልቲ ብኣሉታ ከም ዝጸልዎ ምግንዛብ ኣገዳሲ እዩ። ኣብ ሓደ ቃልሲ ድርብ ጠባይ ከም ዝነበረ ምርዳእ የድሊ። ብሓጺሩ፡ መሪሕነት ህግሓኤ ብፍላይ ድማ ምስጢራዊ ሰልፊ ንተወፋይነትን መስዋእትን ስንክልናን ተጋደልቲ፡ ብሓፈሻኡ ድማ ንታሪኽ ሰውራ ከም ሕሱም ከም ዝደወኖን፡ ከም ሳዕቤን ድማ እቲ ንምስፋን ግዝኣት ሕጊን ደሞክራስን ዝካየድ ቃልሲ በዚ ከም ዝተሃስየን ንዕዘብ ኣለና። ኣብ ከምዚ ኵነታት፡ ብገበን ዝሕተቱ ሰባት ከም ዘለዉ ኣብ ግምት ከንእቱ ዝግባእ’ኳ እንተኾነ፡ ከምቲ ንምሉኡ ህዝቢ ምውንጃል ወይ ተሓታታይ ምግባር ዘይከኣል፡ ኵሉ ተጋዳላይ ድማ ተሓታታይ ከም ዘይኮነ፡ እኳ ደኣ ግዳይ ናይቲ ገበነኛ መሪሕነት ምስጢራዊ ሰልፊ ከም ዝነበረ ንዘክር።

 

ክቡራት ኣንበብቲ፡ ምስጢራዊ ሰልፊ ኣብዚ ይድምደም። ኣብ ዝቕጽል ራብዓይ ምዕራፍ ብሰላም የራኽበና።

*          *          *


[1] ሮሞዳን ካብቶም ብኢሳያስ ዝተጸፍዑ ሰባት ሓደ ምዃኑ ክፍለጥ ኣለዎ። ሽዑ ነዚ ዝፈለጡ ከም በዓል ዓሊሰይድ ዝኣመሰሉ ሓለፍቲ ግን ኣብ ክንዲ ንኢሳያስ ምግናሕ፡ ንሮሞዳን ከም ዝተሳህሉዎ ብዙሓት ገዳይም ተጋደልቲ ይምስክሩ። ኣብ 2001 ጕጅለ 15 ክንቀሳቐሱ ምስ ጀመሩ ሮሞዳን ኣብ ጋዜጣ፡ “ፍልልይ ክህሉ ንምዕባለ ሓጋዚ’ዩ፡” ኢሉ ከም ዘይተዛረበ ድሒሩ ከጽቅጥ መሪጹ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
20 COMMENTS
  • Haile G. Tensae February 5, 2014

    IT is great job well done Estifanos Temelso thank you
    keep doing the good work.
    Haile G. Tensae
    Indianapolis Indiana

  • belay nega February 5, 2014

    Stefanos

    “ክቡራት ኣንበብቲ፡ ምስጢራዊ ሰልፊ ኣብዚ ይድምደም።”

    መቃብር ስዋአት ምንቅናቅ’ውን አብዚ ክትድምድሞ ተስፋ ንገብር::

  • Habtom February 5, 2014

    we knew that FSAHAYE W/GHEBRIEL KILLED BY HIS OWN PARTY.

    • belay nega February 7, 2014

      Habtom

      “we knew that FSAHAYE W/GHEBRIEL KILLED BY HIS OWN PARTY.”

      ታሪኽ ጅግና አይተባላሹ::ፍሳሃየ ጅግና ጥራይ ዘይኮነ ለዋህ’ውን ስለ ዝነበረ: አብ ግንባር ደቀምሐረ ተጋደልቲ ብደብዳብ ነፋሪት ሕማቅ ጉድአት ክበጽሖም ምስ ራአየ: ካብቲ ዝነበሮ ውሑስ ቦታ ጠኒኑ አብአቶም ስለ ዝኽደ እዩ ተሰዊኡ::

POST A COMMENT