Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ምዕራፍ 4፡ ናጻ ቀረጽን ኮንትሮባንድን: ሰውራታት፡ ንሓደ ውልቀመላኺ ብኻልእ ውልቀመላኺ ክትክኡ’ምበር ኣርዑት ጭቈና ክኣልዩ ኣይተራእዩን።

ምዕራፍ 4፡ ናጻ ቀረጽን ኮንትሮባንድን       ሰውራታት፡ ንሓደ ውልቀመላኺ ብኻልእ ውልቀመላኺ ክትክኡ’ምበር ኣርዑት ጭቈና ክኣልዩ ኣይተራእዩን። ጆርጅ በርናርድሾው እቲ ከም መሰጋገሪ መድረኽ ዝሰርሐ ታሪፍ ግምሩክ ድሕሪ ምቕያሩ፡ ብትራንዚት ናብ ሱዳን ዝኣቱ ዝነበረ ንግዳዊ ንብረት በብቝሩብ እናወሰኸ ክኸይድ

ምዕራፍ 4፡ ናጻ ቀረጽን ኮንትሮባንድን

      ሰውራታት፡ ንሓደ ውልቀመላኺ ብኻልእ ውልቀመላኺ ክትክኡ’ምበር ኣርዑት ጭቈና ክኣልዩ ኣይተራእዩን።

ጆርጅ በርናርድሾው

እቲ ከም መሰጋገሪ መድረኽ ዝሰርሐ ታሪፍ ግምሩክ ድሕሪ ምቕያሩ፡ ብትራንዚት ናብ ሱዳን ዝኣቱ ዝነበረ ንግዳዊ ንብረት በብቝሩብ እናወሰኸ ክኸይድ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብ መፋርቕ 1994 ኣብ ዝለዓለ ደረጃኡ በጽሐ። እዚ ናይ ትራንዚትን ምዱብ ቀሪጽን ከፊሉ ናብ ሱዳን ይሰግር ንዝነበረ ንብረት’ውን የጠቓልል። ብትራንዚት ዝሓልፍ ኣቕሑ 5% ጥራይ ይኸፍል ስለ ዝነበረ፡ እቶም ነጋዶ ኣብ ሱዳን ክኸስቡሉ ከም ዝኽእሉ ርዱእ ነይሩ። ራሻይዳ ኣብ ባጽዕ ኣቕሪጾም ንሱዳን ዝወስዱዎ ዝነበሩ ንብረት፡ ብፍላይ ጨርቀ መርቂ ግን ማእለያ ኣይነበሮን። ኣብቲ መጀመርያ ኣብ ዕዳጋታት ባርካ ዝሸጡዎ ይመስለና ስለ ዝነበረ፡ “እዚ ህዝቢ ባርካ ዝኣኸለ ጨርቂ ኣይኣኽሎን’ዩ፡” ካብ ምባል ዓዲ ውዒልና ኣይንፈልጥን ኔርና። ድሒርና ግን ንሱዳን የስግሩዎ ከም ዘለዉ ምስ ፈለጥና፡ “እሞ ናብ ሱዳን ብኮንትሮባንዳ ስለ ዘእትዉዎ’ዮም ዝኸስቡ ዘለዉ፡” ኣብ ዝብል ኣተሓሳስባ ዘንቢልና። ኣብ ስራሕ ስለ ዝተዋሓጥና’ምበር ነቲ በጋጣሚ ዝተረኽበ ሽርሒ ከሎ ገና ክንፈልጦ ምተገብኣና ነይሩ። መሳለጥያን ዓቕሚ ሰብን ስለ ዘይነበረ ግን ራሻይዳ ንውሱን እዋርሕ ከም ሕሱም ክጻወቱልና ክኢሎም። እቲ ዘገርም፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ጕዳያት ብዝተጸንዐ መንገዲ ዘይኮነ ብገለ ኣጋጣሚ ይኽሻሕ ምንባሩ እዩ።

እቲ ጨርቀመርቂ ኣብ ቦንዳታት ተዓሺጉ’ዩ ዝመጽእ ነይሩ። እቲ ሓሪር መሪር ዝዓይነቱ ናይ ፓኪስታን ጣቓታት ውርዱን ቍመቱን ፍሉጥ ስለ ዝኾነ፡ ኣብ ግዜ ተፍትሽ ኣብ ሓደ ቦንዳ ክንደይ ጣቓ ኣሎ እንተ ዘይኮይኑ፡ ከም ልምዲ ንነፍስወከፍ ጣቓ ምብታን ኣገዳሲ ኣይነበረን። ካብዚ ዝተበገሰ፡ ዋናፈታሽ ይኹን ኢንስፐክተር ዓይነት ጨርቂ መታን ክፈልጡ፡ ፈተሽቲ ንመርኣዪ ዝኸውን ጨርቂ ጥራይ ጨሪሞም የምጽኡሎም ነይሮም። ነዚ ድኹም ጐድኒ ዝፈለጡ ራሻይዳ ብምሉኣቶም ጣቓ ኣብ ልዕሊ ጣቓ እናደረቡ፡ ከም ብሓድሽ ኣብ ቦንዳታት ብምዕሻግ፡ ንነዊሕ ኣዋርሕ ኣብ ዘይሕጋዊ ንግዲ ክዋፈሩን ዘይተኣደነ መኽሰብ ክግሕጡን ክኢሎም። ምኽንያቱ፡ ኣብ ሓደ ቦንዳ ሰላሳ ጣቓ ኣሎ ተባሂሉ እንተ ተፈቲሹ፡ ተደሪቡ ስለ ዘሎ ስሳ ጣቓ ይሕዝ ነይሩ ማለት’ዩ። ገባር ክፉእ ዕዉት ስለ ዘይኮነ፡ ሓደ መዓልቲ ኢንስፐክተር መልኣከ ገለ ዘይተረድኦ ነገር ስለ ዘጋጠሞ ንዝምልከቶ ፈታሻይ ጸዊዑ ኣዘራረቦ። እንተ ኾነ ኣብ ቍመትን ውርድን ናይ ሓደ ጣቓ ምርድዳእ ስለ ዝሰኣኑ ኣብ ዕጹው መንገዲ በጺሖም። ኣብ መጨረሽታ መልኣከ ነቲ ነገር ከሕጽሮ ብምሕሳብ ንፈታሻይ፡ “ኣብ ክንዲ ትም ኢልና ኰለል ንብል ንመርኣዪ ዝኸውን ሓንቲ ምልእቲ ጣቓ ሒዝካ ምጻእ፡”  ክብል ኣዘዞ።

መልኣከ ኣብ ንኡስ ዕድመኡ ኣብ ተሓኤ ድሕሪ ምስላፍ፡ ምስ ምድምሳስ ተሓኤ ኣብ ህግሓኤ ተጸንቢሩ። ኣብ ህግሓኤ ኣብ ግምሩክ ተመዲቡ ኣብ ዝሰርሓሉ እዋን ዓበይቲ ስራሓት ከም ዝሰርሐ ብዕላል እፈልጥ’የ። እቲ ዝያዳ ዘገርመኒ ግን እቲ ሓያል ናይ ምዝካር ክእለቱ ነይሩ። ብገለ ዕላል ሓደ ጕዳይ እንተ ተጠቒሱ፡ ብጻብዕቱ ጸጕሩ እናጠወየ፡ “እቲ ኸምዚ ዝበለ ሰብ፡ በዚ ዕለት’ዚ ብቍጽሪ ዲክለረሽን ክንድ’ዚ ከምዚ ዓይነት ንብረት ኣእትዩ ዝነበረ እከለ ዝብሃል፡” ብምባል ክምልሽ ዝኽእል ሰብ’ዩ ነይሩ። ዛጊት ማዕረኡ ዝዝክር ሰብ ኣጋጢሙኒ ኣይፈልጥን። ንሱ ጥራይ ዘይኮነ፡ ዲግሪ ዘለዎም ምሁራት ክረኽቡዎ ዘይክእሉ ጌጋታት ካብ መልኣከ ሓለፈ ማለት ዘበት ነይሩ። ንዝበዝሕ ዓይነት ኣጭርቕቲ ይኹን ካልእ ንብረት፡ ዓቐኑን ዋጋኡን ምስ ምጣኔ ቀረጹ ወረቐት ከይገንጸለ ክሕብር ይኽእል ነይሩ። እቲ ሰብ ብባህሪኡ ንናይ ምቍጽጻር ስራሕ ዝተፈጥረ ኮይኑ’ዩ ዝስምዓካ። ብኣጋኡ ስለ ዝተጸልጸለ ግን ዓቕሙ ኣይተኸስበን።

ብዝኾነ ፈታሻይ ነታ ጣቓ ተሰኪሙዋ ምስ መጽአ፡ መልኣከ ነቲ ብያርድ ይፈላለ’ዩ ኢሉ ክማጐተሉ ዝጸንሐ ጨርቂ መታን ክዕቅን ነቲ ጣቓ ክዝርግሖ ጀመረ። ኣብ መጨረሽታ ግን እቲ ጣቓ ምስ ተወድአ ኣብ ትሕኡ ካልእ ጣቓ ጸንሐ። ክልቲኦም  ደንጽዩዎም ተጠማመቱ። ብድሕር’ዚ ነገር ላዕሊ ስለ ዝበጽሐ፡ ኵሉ ኣብ መኽዘናት ዘሎ ቦንዳታት ዝተቐርጸ ይኹን ዘይተቐርጸ ኣብ ዘለዎ ደው ይበል ተባህለ። ምድረ ራሻይዳ ዕግርግር ኣትዩዎም ናብ ዘብሉዎ ጠፍኦም። ነቲ ዝያዳ ኾይኑ ዝተረኽበ ንብረት ቀሪጾም ከውጽኡዎ ከም ዘይፍቀደሎም ስለ ዝፈለጡ ድማ ብፍላይ እቶም ንብረቶም ገና ኣብ መስርሕ ቀረጽ ዘይበጽሐ ሰባት፡ መጽዓኒ ሰነድ መኣረምታ ክገብሩ ላዕልን ታሕትን ክብሉ ተራእዩ። ከሎ ገና ተንኰሎም ስለ ዝተፈልጠ ግን እቲ ዘቕረቡዎ ብፋክስ ዝተላእከ ሰነድ ተነጺጉ፡ ኵሉ’ቲ ብማኢት ዝቝጸር ቦንዳታት ብዘይ ሕቶን ርእይቶን ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ኣታዊ ክኸውን ከኣለ። እቲ ናይ ምኽሳስ መሰሎም ሕሉው’ኳ እንተ ነበረ፡ ራሻይዳ   ብባህሪኦም ኣብ ክስን ዕላጅን ክኣትዉ ስለ ዘይደልዩ፡ እንተ ኸሰሱ’ውን ካልእ መዘዝ ከይስዕቦም ስለ ዝሰግኡ ዝኸስስ ሰብ ኣይተረኽቦምን። ደሓር ከኣ ነዋርሕ ቀረጽ ከይከፈሉ ብዙሕ መኽሰብ ስለ ዘኻዕበቱ፡ ዓቢ ክሳራ ከጋጠሞም ከም ዘይክእል ርዱእ ነይሩ።

ኣብ ሕጊ ግምሩክ ብዘይካ ምውራስ ካልእ መቕጻዕቲ ስለ ዘይነበረን፡ ምስቲ ፍሉይ ኵነታት ራሻይዳን ተራእዩ እቲ ነገር ሸለል ተባሂሉ’ምበር፡ ኣብ ቍጠባ ሃገር ዕንወት ኣውሪዶም ዝብል ክሲ ክምስረቶም ምተኻእለ ነይሩ ጥራይ ዘይኮነ፡ ካብ ምእሳር’ውን ኣይምደሓኑን ነይሮም እብል። ምስ ድሒሩ ዝሰዓበ ኵነታት ተዛሚዱ ክርአ ከሎ መንግስቲ ክኸስቦም ይደሊ ስለ ዝነበረ ሸለል ክብሎም ተገዲዱ ዝብል ግምት ኣሎ።

*          *          *

            እቲ ካልኣይ ፍጻሜ ንጕዳይ ዲክለረሽን ዝምልከት ኮይኑ፡ ፍልይ ዝበለን ከም ኣበጋግሳ ኣዝዩ ሓደገኛን ምንባሩ ክንዕዘብ ኢና። ስራሕ ንግዲ መኽሰብ ንምግሓጥ ስለ ዝኾነ፡ ነፍስወከፍ ነጋዳይ ብዝከኣሎ መጠን ብሕጋዊ ድዩ ብዘይ ሕጋዊ መኽሰብ ክግሕጥ ክፍትን ባህርያዊ’ዩ። ፈቲኑ ምስ ዝትሓዝ ድማ መንግስቲ ብነጋዶ ንዝፍጸም ገበን ይኹን ንግዳዊ ሽርሒ፡ ፍሉይ ተርእዮ ከም ዘጋጠመ እናምሰለ ብማዕከናት ዜና ናብ ስምዒት ብዘእቱ መሳጢ ኣገባብ ናብ ህዝቢ የቕርቦ ነይሩ። ህዝቢ ብወገኑ ኣፍልጦ ስለ ዘይብሉ፡ “እዋይ! እዚኣቶምስ ኣስሓኮ ዘይብሎም። ደም ስዉኣትና ከይነቐጸስ ንብረት ከኻዕብቱ ክንድዚ ጸደፍደፍ ይብሉ!” ክብል ይስማዕ ነይሩ። ንሱ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ መስመር ናይቲ መንግስታዊ ጐስጓስ ብምእታው፡ “ነጋዶ ዓድናስ ኣመና ኣኽፊኦሞ!” እናበለ ከይተረድኦ ንድኽመት መንግስቲ ክሽፍን ይስማዕን ይርአን ነይሩ። እቲ ጕዳይ ግን ኣብ ከምኡ ዘብጽሕ ኣይነበረን። ነጋዶ ዕድል እንተ ረኺቦም ከጠፋፍኡ ክፍትኑ፡ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ድማ ዓቕሞም ብዘፍቅዶ ነጢፎም ክቈጻጸሩ ባህርያዊ መስርሕ’ዩ። ነጋዶ ዓድና ድማ ምስ ናይ ከባቢና ሃገራት ነጋዶ ክነነጻጽሮም ከለና ዝሓሹ ኮይኖም ኢና ንረኽቦም።

ካልእ ክፍለጥ ዘለዎ፡ እቶም ከምኡ ዝገብሩ ዝነበሩ ነጋዶ ኩላቶም ዘይኮኑ ውሱናት ጥራይ’ዮም። ኣብዚ’ውን ነጋዶ ደንደንቲ ስለ ዝኾኑ ትካላት መንግስቲ ዝፈጥሮ ናይ ኣሰራርሓ ሃጓፍ ወይ ድኻማት ምስ ዝህሉ’ዮም ከምኡ ዓይነት ፈተነታት ዘካይዱ። ኣብዚ’ውን ኣብ ተኣፋፊ ቦታታት ዘለዉ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ጽቡቕ ደሞዝ ክኽፈሉ እንተ ዘይክኢሎም፡ ክሰድዑን ክታለሉን ከም ዝኽእሉ ምፍላጥ ኣገዳሲ’ዩ። ኣብ ዝበዝሕ ሃገራት ሳልሳይ ዓለም እንተላይ ኣብ ሃገርና፡ ኣብ ኣታዊ ውሽጢ ሃገር ይኹን ኣብ ግምሩክ ዝሰርሑ ኣባላት፡ ይትረፍ እቶም ተራ ኣባላት ሓለፍቲ ከይተረፉ፡ ብሚልዮናት ዝኣክል ገንዘብ ንመንግስቲ ኣታዊ እናገበሩ፡ ካብ ኢድ ናብ ኣፍ ብዝኾነ ደሞዝ’ዮም ዝሰርሑ። ኣብ ጥሙይ ከብዲ ብቕንዕና ክሓስብ ዝኽእል ሓንጐል ክህሉ ስለ ዘይክእል ድማ፡ ይትረፍ እቶም ናይ ሰውራ ተሞክሮ ዘይነበሮም ሲቪል፡ ብጾቶም ቀቢሮም ዝኣተዉ፡ ብውዑይን ዝሑልን ዝተፈተኑ፡ ንዝበዝሕ ክፋል መዋእሎም ኣብ ተዋጋኢ ሰራዊትን ክፍልታትን ዘገልገሉ ዓበይትን ምኵራትን ተጋደልቲ ከይተረፉ’ዮም ክጋገዩ ተራእዮም።

መበገሲ ናይ’ቲ ጕዳይ እዚ ኣብ ላዕሊ ክጥቀስ ዝጸንሐ ጥራይ’ዩ ማለት ግን ኣይኮነን። ኣተዓባብያ ዝበደሎም ሰባት’ውን ዝሰኣኑ ዘይብሎም፡ ስልጣኖም ተጠቒሞም ንሰብ ዝብድሉን ገንዘብ መንግስቲ ከልዕሉን ተራእዮም’ዮም። ንሓደ ሰብ ብግቡእ ክትቈጻጸሮን ክትቀጽዖን እንተ ዄንካ ግን መጀመርያ መሰላቱ ከተማልኣሉ ኣለካ። ደቁን ሰበይቱን እናጠመዩን እናዓረቑን ከለዉ፡ መዛኑኡ ምስ ስድራቤቶም ብሃብቲ ክስንጠቑ እናረኣየ፡ ንሱ ድማ ኣብ ጥሙይ ከብዱ፡ ዋና ከም ዘይብሉ ኣድጊ ብዘይ ዕረፍቲ ክግዛእ እንተ ኾይኑ ንፈራዳይ ይጭነቆ ኢልካ’ዩ ዝሕለፍ። እቲ ዝገደደ ድማ፡ “ሓሲሙኒ፡ እዝን እዝን ጸገም ኣሎኒ’ሞ ፍታሕ ይገበረለይ፡” ኢሉ ዝሰምዖ ኣካል ዘይምህላዉ’ዩ። ምኽንያቱ፡ እቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ሰብ፡ ኣብ ገዝኡ ብኰናትል ጻዕዳ ጣፍ ተዀሚሩ፡ በዓልቲቤቱ ሽጉርትን ኮመደረን ጥራይ ዘይኮነ፡ ስጋን ጠስምን ዒፍ ኢሉዋ ትሓልፎ እንተ ኾይና፡ ደቁ ናብቲ ዝበለጸ ቤትትምህርቲ ብመኪና እናተመላለሱ ዝመሃሩ እንተ ኾይኖም፡ ከመይ’ሉ ብዛዕባ’ቶም ኣብ ትሕቲኡ ዝሰርሑ ነዳያት ክሓስብ ይኽእል?

እዚ ብተኣምር ዘይሕሰብ’ዩ! ስለዚ፡ ሕሰምን መከራን ጠንቀላዕላዕ ዝብለሎም ተራ ሰራሕተኛታት፡ ብላዕ በሊዖም ወይ ገንዘብ መንግስቲ ኣልዒሎም ተባሂሎም ብግቡእ ከይተኸሰሱ ኣብ ዝእሰሩሉ እዋን፡ እቶም ብክቱር ምቾት ተሰርኒቖም ንሓፋሽ ህዝቢ ብብድዐ ዝጥምቱዎ ሰባት፡ ብዛዕባ’ቶም ግዳያት ኣብ ዜና ማዕከናት ብምክሐ ዝተባዕጠ ውሕሉል መደረ እንተ’ስምዑ፡ ንሃልኪ ወይ ህዝቢ ንምድንጋር ተባሂሉ ዝካየድ ካብ ምዃን ሓሊፉ ካልእ ትርጉም ክህልዎ ኣይክእልን። ከምቲ ኣቦታት ዝብሉዎ፡ ኣብ ከብዲ ጽጉብ ከቶ ጥሙይ ክህሉ ኣይክእልን። እቶም ጨቈንቲ ኣብ ናይ ስልጣን ኮረሻ መታን ክጸንሑ ዘይፍጽሙዎ ኣከይ ተግባር የሎን። እቲ ነገር ከምኡ ምዃኑ ድማ ይትረፍ ሓፋሽ ህዝቢ ንሳቶም’ውን ዝዝንግዑዎ ኣይኮኑን። ሓደ ዜጋ ብግቡእ ክሰርሕ እንተ ኾይኑ መጀመርያ መሰሉ ክሕለወሉ ኣለዎ። ካብዚ ወጻኢ ግን ሰብ እንስሳ ስለ ዘይኮነ፡ መዛኑኡ ጽቡቕ ናብራ ከሕልፉ እናረኣየ ናይ ገዛእ ርእሱ ስጕምቲ ካብ ምውሳድ ድሕር ኣይብልን’ዩ።

ናብቲ ጕዳይ ምስ እንምለስ፡ ኣቐዲመ ጠቒሰያ ዝነበርኩ ኣባል ሓላፊት ዶኩማ፡ ደሞዛ ክመሓየሸላ ወይ ድማ ኣብ ዶኩማ ዝሰርሕ ሰብ ክልኣኸልና ካብ ምምልካት ዓዲ ኣይወዓልናን። ወዲመስፍን ብመንገዱ እቲ ዝኽእሎ ይገብር ከም ዝነበረ እፈልጥ ነይረ። ሚኒስትሪ ፋይናንስ ግን፡ “ባጀትዶ፡ ሲፒኤዶ” ክብል ፍታሕ ኣይገበረን። እዚ ንባዕሉ ብመንግስቲ ዝፍጸም ዝነበረ ቅሉዕ ስርቂ’ዩ። ምኽንያቱ፡ እዛ ሰብ’ዚኣ ኣብ ወርሒ ናይ ሽዱሽተ ሚእቲ ብር ስራሕ እናዓመመት ክነሳ ሚእትን ሓምሳን ብር ጥራይ’ዩ ነይሩ ደሞዛ። እሞ ባዕልኻ እናመዝመዝካ ደኣ ነጋዶ መዝመዝቲ’ዮም ኢልካ ምጭራሕ እንታይ ትርጉም ኣለዎ? ጥሜት ከኣ ባጀትን ሲፒኤን ዘይግድሶ ትንፋስ ዘይህብ ተርእዮ’ዩ። ልዕሊ ዅሉ ግን ኣደ ቈልዓ ምንባራ ጥራይ ዘይኮነ፡ በዓልቤታ ስለ ዝጠለማ ድርብ ሓላፍነት ተሰኪማ ነይራ። ከም ትምህርቲ ሳልሳይ ራብዓይ በጺሓ ትኸውን፡ ከም ዕድመ ድማ ናብ ሰላሳታት ትጽጋዕ። ሕሰምን ጥሜትን ምስ ተደራረባ ምስቲ ሕውስቲ ምንባራ ተደሚሩ ነጋዶ ከታልሉዋ ባህርያዊ ነይሩ። ድሒረ ከም ዘረጋገጽኩዎ፡ እቲ ጕዳይ ብቐሊል ነገር’ዩ ዝጅምር። እታ ሰብ ብሰሪ ባህሪ ስራሓ ምስ ሓደ ነጋዳይ ሌላ ትፈጥር’ሞ፡ መጀመርያ ንማይ ዘገልግል ፕላስቲክ በርሚል፡ ጽንሕ ኢሉ ድማ ናይ ኢድ ሰዓት ይህባ። በብቝሩብ ሌላኦም እናደልደለ ስለ ዝኸደ፡ “ኣንቲ እከሊት ዲክለረሽን’ንድያ ጠፊኣትኒ። ቅያር ግዳ ሃብኒ፡” ምስ በላ፡ ካብቲ ንመንግስቲ ክተርፍ ዝግብኦ ቅዳሓት መዚዛ ሂባቶ። ምስ ኵነታት ዓቕማ ሳዕቤን ናይቲ ጕዳይ ክትርድኦ ከቶ ዘይሕሰብ’ዩ።

ብኸምዚ ወዲኸምዚ ህያባት እናበዝሐ ዲክለረሽን ምውሳድ ድማ ከም ሓደ ንቡር ነገር እናቐጸለ ከይዱ። እቲ ሓበሬታ ናብ ካልኦት ነጋዶ ስለ ዝሰገረ ግን ዓሰርተታት ኣሽሓት ግብሪ ክኸፍል ዝግብኦ ዲክለረሽናት ብዘይጠቅም ጉንዖ ክትህቦም ጀሚራ። እታ ሰብ ትፍጽሞ ናይ ዝነበረት ተግባር ሳዕቤን ዝርድኣ ነይሩ እንተ ዝኸውን፡ ወይ ነቲ ጕዳይ ኣይምወዓለቶን ወይ ድማ ማእለያ ዘይብሉ ገንዘብ ግሒጣ ክትስወር ምኸኣለት ነይራ። ሽዑ ሳላ ጽቡቕ ዝምድና ኢትዮጵያን ኤርትራን ናብ ዝደለኻዮ ሃገር ክትሃድም ኣዝዩ ቀሊል ነይሩ። ነቲ ጕዳይ ንስለ ምንባር ኢላ ትገብሮ ስለ ዝነበረት ግን ነዚ ነገር’ዚ ክትሓስቦ ኣይከኣከትን። ከም ሳዕቤን ድማ ናይ ተግባራታ ግዳይ ኾይና። እቲ ጕዳይ ነዊሕ ከይከደ፡ ሓደ ረፋድ ክፍሊ ኢንስፐክሽን ማ/ቤ/ጽሕፈት ግምሩክ፡ “ትሰዱልና ዘለኹም ዲክለረሽናት ቍጽሪ ይነጥር ኣሎ። ስለዚ እዘን ዝስዕባ ምሳኹም እንተ’ለዋ ሓብሩና፡” ክብሉ ስልኪ ደወሉልና። ብዲፖዚት[1] ዝስራሕ ዲክለረሽናት መስርሑ ከይወድአ ናብ ማ/ቤ/ጽሕፈት ግምሩክ ስለ ዘይለኣኽ ንሱ እዩ ዝኸውን ብምባል ብዙሕ ኣይተሰከፍናን።

ኣብ ከምዚ ኵነታት ንምርግጋጽ ዝኣክል ምስ ክፍሊ ሕሳብ ዝነበረት ሳራ ተዘራሪብና ብዲፖዚት ተታሒዙ ናይ ዘሎ ዲክለረሽናት ቍጽሪ ብምዝርዛር ነቲ ዝደለዩዎ ሓበሬታ ሃብናዮም። እቲ ጕዳይ ኣብዚ መብቅዐ ነይሩ። ኣብ ከምዚ ኵነታት፡ እታ ሰብ ብዛዕባ ዲክለረሽን ክንዛረብ ስለ ዝሰምዐት፡ ተሰኪፋ ግዲ ኾይና በጋጣሚ ንሓደ ነጋዳይ ዝሃበታ ዲክለረሽን መታን ክትትክእ፡ ሓድሽ ዲክለረሸን ሰሪሓ ንኹላቶም ድሕሪ ምፍራም ናብታ ብዙሕ ዘይትፈትዋ ዝነበረት ተሓዚት ገንዘብ በጽሐት። “ዲክለረሽን ስለ ዝጐደለትኒ ቅዳሕ ሰሪሐስ ክትፍርምለይዶ?” ምስ በለታ፡ መንፈሳዊት ምንባራ ተደሚሩዎ፡ “ሓላፊ ዘይፈልጦ ነገር ኣይፍርመልክን’የ፡” ዝብል ደረቕ መልሲ ሃበታ። እቲ ጕዳይ ቀስ እናበለ ናብ ኣእዛንና ስለ ዝበጽሐ ኣብ ጥርጣረ ኣተና። ነስመራ ክኸይድ ዝተቐረበ ዲክለረሽናት ምስቲ ዲፖዚት ተሰሪሑ ተባሂሉ ንበይኑ ዝተፈልየ እንተ’ነጻጸርናዮ ድማ ብርክት ዝበለ ዲክለረሽናት ከም ዝጐደለ ፈለጥና። ብተግባራት’ታ ሰብ ዝያዳ ስለ ዝተጠራጠርና፡ ጸዊዕና እንተ ሓተትናያ ቍልቍል ዝኣፋ፡ “ዝፈለጦ ነገር የብለይን፡” ክትብል መለሰት። ምስ ኢንስፐክሽን ማእከላይ ቤትጽሕፈት ድሕሪ ምዝርራብ ብዙሕ ዲክለረሽናት ከም ዘይበጽሖም ስለ ዝፈለጥና ድማ ጕዳይ ኣመና ተረረ።

ኣብ ሳልስቱ ነቲ ዝጐደለ ዲክለረሽናት ቍጽሩን ኣስማት ዋናታትን ካብ ቅዳሕ ናይ መደበር ጽሒፍና ናብ ኢንስፐክሽንን ኣታዊ ውሽጢ ሃገርን ድሕሪ ምልኣኽ ናይ ገዛእ ርእስና መርመራ ጀመርና። እታ ሰብ ወላ’ኳ እንተ ዘይኣመነት ጕድለት ከም ዝፈጸመት ስለ ዝተረዳእና፡ ኣብ ካልእ ዕግርግር ከይኣተና ብዛዕባ’ቲ ኵነታት ብደብዳቤ ንማእከላይ ቤትጽሕፈት ሓበርና። ነቲ ጕዳይ ኣብ ከምዚ ኵነታት ሓዲገዮ ድማ ከም ሓላፊ ኦፐረሽን ክፍሊ ግምሩክ ተመዲበ ነስመራ ደየብኩ። ድሕሪ ገለ ኣዋርሕ ምስ ወዲመስፍንን ጸሃየ ፋሲልን ኣብ ቤትጽሕፈት እናዕለልና ከለና ብገለ ኣጋጣሚ ነቲ ጕዳይ ነልዕሎ’ሞ፡ ሳዕቤኑ ከም ዘይተረድኦም ስለ ዝተገንዘብኩ፡ “እቲ ጕዳይ ከም’ዝን ከም’ዝን’ዩ መበገሲኡ። ንሕና ንኢንስፐክሽን ይኹን ንኣታዊ ውሽጢ ሃገር ብጽሑፍ ስለ ዘፍለጥና ተሓተትቲ ኣይኮንናን። ጽባሕ ንግሆ ግን ኣዝዩ ተኣፋፊ ከም ዝኸውን ፍለጡ፡” ምስ በልኩዎም፡ ኣፈርኩቡ ከም ዝተባህሉ ሰባት ንዝምልከቶ ኣካል ክሕብሩ ተጓየዩ። ከም ቅጽበት ክልተ መርመርቲ ናብ ቤትጽሕፈትና ደበኽ በሉ። እቲ ሓደ ናይ ኣስመራ ክኸውን ከሎ እቲ ካልኣዩ ድማ በጋጣሚ ካብ ባጽዕ ናብ ኣስመራ ዝደየበ ወዲዕምረ ዝብሃል መርማሪ ነይሩ።

እዚ ክኸውን ከሎ ድሮ ናብ ቤትጽሕፈተይ ተመሊሰ ስለ ዝነበርኩ፡ ተጸዊዐ ምስ ከድኩዎም ነቶም መርመርቲ ብዛዕባ’ቲ ጕዳይ ብሰፊሑ ኣዕለልኩዎም። ስርሖም ከም ዝጅምሩ ገሊጾምልና ድማ ናብ ቦታኦም ተመልሱ። እቲ ጕዳይ ኣብ ኣስመራ ስለ ዝተታሕዘ፡ ሓደ በጋጣሚ ዝፈልጦ ዝጸናሕኩ መርማሪ ነቲ ጕዳይ ሒዙዎስ ሓበሬታ ንኽሓተኒ ናብ ቤትጽሕፈተይ ክመላለስ ጀመረ። ክስስቲ ኣሉ ኢላ ከም ዘላ’ውን ሓበረኒ። ኣብ መንጎ’ዚ፡ ክስስቲ ብመንገዲ ሓደ ክበጽሓ ዝመጽአ ኣባል ግምሩክ ባጽዕ ዝነበረ ሰብ፡ “ለማዕኩ ጠፋእኩ ብእስጢፋኖስ’የ፡ ስለዚ ንዑኡ ንገረለይ፡” ኢላትኒ ዝብል መልእኽቲ ሰደደትለይ። ኣነ ድማ፡ “እንተ ክትለምዕ እንተ ክትጠፍእ ሓቂ ምስ እትዛረብ’ምበር ኣነ ከልምዓ ኣይክእል ከጥፍኣ ኣይክእል፡” ድሕሪ ምባል፡ እቲ ዘጋጠመ ጕዳይ ብልክዕ ገሊጻ ብዋሕስ ክትወጽእ ከም ዝሕሻ ክመኽራ ገለጽኩሉ። ድሕሪ ሳልስቲ መርማሪ ናብ ቤትጽሕፈተይ ብምምጻእ፡ “እታ ሰብ ደኣ መን ከም ዘማኸራ ኵሉ’ንድያ ኣሚና፡” በለኒ ስዋኣ ከም ዝፈልሓላ ኮማሪት ክምስምስ እናበለ።

ሽዑ ብዘይ ምግናን ሕልናይ ስለ ዝወቐሰኒ፡ “በል ስማዕ፡” በልኩዎ ሽጋራ እናወላዕኩ። “እዛ ሰብ’ዚኣ ሓንቲ ርሂጸበላዕ’ያ። ንመንግስቲ’ውን ትእውዶ’ምበር መንግስቲ ኣይእውዳን’ዩ። እቲ መዘዝ ከኣ ባዕሉ መንግስቲ ዝፈጠሮ ምዃኑ ፍለጥ። ብሰሪ ድኽነታን  ድንቍርናኣን ነቲ ክወርድ ዝኽእል ሓደገኛ ሳዕቤን ክትፈልጦ ከቶ ዘይሕሰብ’ዩ። ንሱ ጥራይ ዘይኮነ፡ ተለኣኣኺት ክነሳ ሰብ ስለ ዘይብልና ኣብ ዘይምልከታን ከቢድ ሓላፍነት ዘለዎን ስራሕ ኢና ደም ነርህጻ ኔርና። ኣፍና ደም ክሳብ ዘውጽእ፡ ‘ወይ ደሞዛ ኣመሓይሹላ ወይ ከኣ ሰብ ስደዱልና፡’ ኢልና ኣመልኪትና ዝሰምዓና ኣይረኸብናን። ስለዚ፡ እቲ ጕዳይ ካብዚ ከም ዝብገስ ክትርዳእ ኣለካ። ብኡነት እብለካ ኣለኹ፡ ስልጣን እንተ ዝህልወኒ፡ ነቶም ዘታለሉዋ ነጋዶ ሰፍ ዘይብል መቕጻዕቲ ሂበ ንዓኣ ሓንቲ ኣይሓተትኩዋን፡ ወይ ድማ ቅልል ዝበለ መቕጻዕቲ ምወሰንኩላ ነይረ፡” በልኩዎ ቃላተይ ጸቒጠ።

እቲ መርማሪ ግን ከም ዝበዝሑ ብጾቱ፡ እቶም ዝምርምሮም ዘሎ መሳኪን ዝያዳ ክሳቐዩ ከለዉ ጽሩራ ዝወስኸ ዘሎ ይመስሎ ግዲ ነይሩ ንዘረባይ ብዙሕ ኣይተገደሰሉን። ብዝኾነ እታ ሰብ ሳላ ዝተዛረበት ከይደንጐየት ብዋሕስ ክትወጽእ ከኢላ። እቲ ጕዳይ ብቤትፍርዲ ዞባ ማእከል ተታሒዙ ንልዕሊ ዓመት ብቘጸራታት ስለ ዝቐጸለ፡ ኣነ’ውን ሓደ መዓልቲ ሓበሬታ ክህብ ተጸዊዐ ነይረ። እቲ ዝተሓተትኩዎ ነገር ብዛዕባኣ ዘይኮነ፡ ዲክለረሽን ዘይወሰዱ ግን ክወሃቦም ብዛዕባ ዝሓተቱ ነጋዶ ዘለኒ ርእይቶ ነይሩ። እቲ ጕዳይ ዘይምልከተኒ ኣብ ርእሲ ምንባሩ፡ ሕጊ’ውን እንታይ ከም ዝብል እፈልጥ ስለ ዘይነበርኩ፡ ‘ካብቶም ዝወሰዱ ፈልየ ኣይርእዮምን’የ። እታ ሰብ ግዳይ ከም ዝኾነት ግን ይርድኣኒ፡’ ክብል መልሲ ከም ዝሃብኩዎም እዝክር። ኣብ መጨረሽታ ቤትፍርዲ ነቲ ብሬድዮ ዝተቓልሐ ውሳኔኡ ሃበ። እታ ሰብ ጌጋ ይኽልኣለይ’ምበር ሰለስተ ዓመት ክትፍረድ ከላ፡ ካብቶም ልዕሊ ሰላሳ ዝበጽሑ ነጋዶ ግን ዝበዝሑ ተረፍ ሕሳብ ምስ መቕጻዕቱ ክኸፍሉ፡ ገለ ድማ ከም ተወሳኺ ካብ ዓመት ዘይበዝሕ ግዜ ክእሰሩ ተበዪኑሎም። እቲ ጕዳይ ኣብዚ እንሃለ ፍርዲ ዘብል ስለ ዝነበረ ዳርጋ ብዙሕ ሰብ ኣይተቐበሎን። እቲ ዘገርም፡ ኣኽባር ሕጊ ይግባይ ክብል ይኽእል’ኳ እንተ ነበረ፡ ኢሳያስ በቲ ውሳኔ ስለ ዘይዓገበ፡ ባዕሉ ኣኽባር ሕጊ ብምዃን፡ ነቲ ክሳብ ሕጂ ንዓለም ዘዛርብ ዘሎ ፍሉይ ቤትፍርዲ ብኣዋጅ ከም ዝቐውም ብምግባር፡ ኵሉ ንብልሽውና ዝምልከት ዝተወሰነ ይኹን ዘይተወሰነ ጕዳያት በቲ ግፍዐኛን ዘይሕጋውን ቤትፍርዲ ዳግማይ ከም ዝርአ ገበረ።

ብድሕር’ዚ ክልተ ፍጻሜታት’ዚ ኣተሓሕዛ ዲክለረሽን ኣዝዩ ክተርር ከሎ፡ እቲ ብብዝሒ ዝመጽእ ዝነበረ ቦንዳታት ድማ ብሕጋዊ እንተ ኣትዩ መኽሰብ ክርከቦ ስለ ዘይክእል ዳርጋ ጠጠው ኢሉ። ዝበዝሑ ራሻይዳ ድማ፡ ወላ’ኳ ብሕጋዊ ክሰርሑ እንተ ጀመሩ፡ ሃልክን ጥርጣረን ክበዝሖም ከም ዝኽእል ስለ ዝተረድኡ፡ ንገለ ወኪላት ኮሚሽን እናኸፈሉ ናይ ትራንዚት ንግድ ቀጺሎሞ። እቶም ወኪላቶም ዝነበሩ ነጋዶ ነቲ ንብረት ካብ ባጽዕ ክሳብ ተሰነይ የብጽሑሎም። ንሳቶም ድማ ብዝጥዕሞም ኣገባብ ብኮንትሮባንድ ናብ ሱዳን የስግሩዎ። ህግደፍ ከሎ ኣብ ኤርትራ ንግድ ምክያድ ጸገም ስለ ዝኾነ ግን እቲ ናይ ትራንዚት ስራሕ ካብዚ ክጥቀስ ዝጸንሐ ጕዳይ ዝኸፍአ ዕግርግር ስለ ዘስዓበ፡ ብዙሕ ሰብ በቲ ኵነታት ክጽሎን ከልበትበት ክብልን ክኢሉ። ኣብ መጨረሽታ ህግደፍ ንዅሉ ንግዲ ባዕሉ ከም ዝበሓቶ ቀስ ኢልና ክንዕዘብ ኢና።

ብኣጠቓላሊ ክርአ ከሎ፡ እቲ ኣብ ግምሩክ ዘጋጥም ዝነበረ ጸገማት ካበይ ይምንጩ ነይሩ እንተ ተባህለ፡ ልክዕ ከም ኣብ ኵሉ ኣሃዱታት፡ እቲ መንግስቲ ግምሩክ ብኸመይ ክካየድ ኣለዎ? ንዝብል ናይ ፖሊሲ ሕቶ ብንጹር ይፈልጦ ስለ ዘይነበረ ወይ ድማ ኮነ ኢሉ በቲ ሕጋዊ ወይ ኣድማዒ ኣገባብ ክሰርሕ ስለ ዘይደለዮ’ዩ። ነቲ ኣሃዱ ብግቡእ ክኣልዩዎን ክመርሑዎን ዝኽእሉ ሰባት ኣይነበሩን ማለት ኣይኮነን። ብዝተፈላለየ ንሰብ ክርድኦ ብዘይክእል ምኽንያት ግን ብኣድማዕነት ክሰርሑ ይድለ ስለ ዘይነበረ ከድምዑሉ ዝኽእሉ ባይታ ይፍጠረሎም ኣይነበረን። ስለዝኾነ፡ እቲ ኣሃዱ ኣንፈት ክሕዝ ይጅምር ይዅለፍ። ከምኡ እናበለ ክዳኸም ድሕሪ ምጽናሕ ነቲ ዕለታዊ ስራሓት ብግቡእ ክሰርሓሉ ኣብ ዘይክእል ደረጃ በጺሑ። ገለ ሰባት፡ ምስቲ ሓድሽ መንግስቲ ምዃኑ ጕድለት ከጋጥም ይኽእል’ዩ፡ ዝብል ከም ማስቲካ ዝሕየኽ ርእይቶ ክህቡ ይስምዑ ከም ዝነበሩ ክፍለጥ ይግብኦ። እዚኣቶም ግን ክፍተዉ ኢሎም ወይ ድማ ብዕዉር ስምዒት ንመንግስቲ ዝድግፉ ሰባትዮ’ም ክኾኑ ዝኽእሉ። ምኽንያቱ፡ መንግስቲ ሓድሽ ምስ ዝኸውን ወይ ዓቕሚ ምስ ዝጐድሎ፡ ኣሎ ዝብሃል ሓይሉ ጠርኒፉ ንስራሕ ክብገስ’ዩ ዝጓየ። እብ ሃገርና ግን ክሰርሑ ዝኽእሉ ሰባት ይጐሓፉ ወይ ይድስክሉ ነይሮም።

ኢሳያስ፡ ነቲ ክሰርሕ ዝኽእል ዓቕሚ ሰብ እናኣደስከለ፡ ውልቃዊ ጥቕሞም ጥራይ ዝዓጦም ጥልዕ ጕንብስ በሃልቲ ኣብ ናይ ስራሕ ቦታ ምጽፍጻፍ ከም ሓደ ንቡር ነገር ይሰርሓሉ ነይሩ። እቲ ዝኸፍአ ድማ፡ “ስለምንታይ ገለ ሰባት ደስኪሎም ከለዉ ደሞዝ ዝወስዱ? ዘየድልዩ እንተ ኾይኖም ካብ ናይ ደሞዝተኛ ፋይል ዘይእለዩ?” ተባሂሉ ምስ ተሓተተ ቍልቍል ዝኣፉ፡ “ምድስካል ዝብሃል ከመይ’ዩ? ብወገነይ ዝደስከሉ ሰባት ኣይፈልጥን’የ፡” ክብል መሊሱ። ነቲ ምድስካል ከም መፈራርሒ ስለ ዝጥቀመሉ ድማ ከከም ኵነታቱ ከም ሕሱም ክቕጽሎ ተራእዩ።

 

*          *          *

 


[1] ገለ ንብረት ዋጋኡ ብንጹር ምስ ዘይፍለጥ፡ ክሳብ ዋጋኡ ተጻርዩ ቀረጹ ዝንጸር ብትሕጃ ወይ ብዲፖዚት ተሰሪሑ ክወጽእ ይኽእል። ዋጋኡ ምስ ተፈልጠ ድማ እቲ ሕሳብ ይወራረድ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
25 COMMENTS
  • Stefanos Temolso February 17, 2014

    ህግደፍ ከም ስምካ መጋበርያ ህግደፍ ስለ ዝኾንካ ንዓኻ መልሲ ኣብ ምሃብ ኣይክጽመድን’የ። ኣይርድኣካን እዩ’ምበር ምናልባሽ ገለ እንተ ተረድኣካ ወስ ከብለልካ። እቲ ጽቡቕ ነገር ጽሑፋተይ ካብ ሮዛን ሰሌን ጀሚርካ፡ ሓኔታን መቓብር ህሉዋትን እቶም ዕሉላት መጋበርያ ህግደፍ ዝኾንኩም ክተንብቡዎ ምግዳድኩም እዩ። ዓንዴል ወይ ዕረ እናጠዓመኩም ተንብቡዎ ትህልዉ። ኣብ ዓለም ክልተ ሓቂ የሎን። ህግደፍ ድማ ዓለም ብዓለሙ ዝፈንፈኖ ጭፍራ ክነሱ እንተ ብጥቕሚ፡ እንተ ብድንቁርና ደድሕሪኡ ዘዅ ዘዅ ትብሉ ኣለኹም። ምስ ወደቐኸ እንታይ ኮን ክትብሉ ኢኹም? ከም ኣባላት ደርግ ኢሰፓ ነበር ኣብ 1991፡ “ምስ ህግሓኤ እተሓባበር ነይረ እየ፡” ዝብሉ ዝነበሩ፡ “ምስ ተቓወምቲ እተሓባበር ነይረ እየ፡ እከለ ምስክረይ እዩ፡” ክትብሉ ዲኹም ትሓስቡ ዘለኹም? ከምኡ ስለ ትሓስቡ ዘለኹም ኢኹም ድማ ሕጂ ህግደፍ፡ ሰለሙን፡ ሱለይማን ወዘተ እናበልኩም መንነትኩም ሓቢእኩም ትጽሕፉ ዘለኹም። እምበር፡ እቶም ንህግደፍ ንቃወም ሰባትስ ስምናን ስእልናን ኣሰኒና ኢና ንጽሕፍ ንቃወምን። ካብ ኣስናኑ ዝጐረፈ ህግደፍ ይኹን ሓንጐሉ ዝተናወጸ ሓሳዊን መደናገርን መራሒኹም ንፈርሖ ነገር የብልናን። ብዛዕባ ማእሰርተይ ድማ ክንዲ ፍረ ጣፍ ስኽፍ ዝብለኒ ነገር የብለይን፡ ኣፍልበይ ነፊሐ ዝኸይድ ሰብ’የ! ከምኡ ስለ ዝኾነ እየ ከኣ ክልተ ልብወለድ መጽሓፍ ክደርስን ሃደ መጽሓፍ ክትርጕምን ዝኸኣልኩ። ባዝዕባ’ዚ ድማ ካብ ምዕራፍ ሸውዓተ ጀሚሩ ብዝርዝር ክትንተን ስለ ዝኾነ፡ ኣጆኻ ኦኣቕሊ ጥራይ ግበር መልሓስካ ክትሓይኽ ኢኻ። ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ብዛዕባይ ዝጸሓፎ ከይተረፈ ከቕርበልካ እየ። ካብቶም ዘእሰሩኒ ሰባት ሓደ ከም ዝኾንካ ድማ ንነብስኻ ኣብቲ መጽሓፍ ክትረኽባ ኢኻ። ግዜ ኣሎ ናይ ኵሉ መምህር ዓቕሊ ጥራይ! ይትረፍ ህግደፍ ዕስዕስ ወይ ኢሳያስ እዚ ሓሞት ዘይብሉ መንደላሓቒ፡ ሶቬት ሕብረት፡ ጃንሆይ፡ ደርግ፡ ሳዳም ከይተረፉ ኣብ ናይ ታሪኽ ጐሓፍ ተደርብዮም!!!

    • Mightyembasoyra February 17, 2014

      ST,
      Ignore those riffraffs and keep publishing. You are doing just fine.

      • belay nega February 20, 2014

        Dear Mighty,

        “Ignore those riffraffs and keep publishing. You are doing just fine.”

        The UN ignores Eritrea
        The government ignores the so called oppositions
        The so called oppositions ignore each other……etc

        Are we ignoring oriented[destined]people?

    • shemshedin February 21, 2014

      ኣንታ እስቲፋኖስ ገብረሚካኤል እዚ ርእይቶ ንመን ኢኻ ጺሕፍካዮ? ግልጺ ኣይኮነን እሞ ፣ ካብ ብስውር ብግልጺ ነቲ ትወቕሶ ዘለኻ ሰብ ስሙ ጥቒስካ እንተትጽሕፎ ንኣምባቢ ምተረደኦ…….. ምስ ብዙሕ ከበሬታ

  • gerimuna February 17, 2014

    Anbesssa the hawey! Honorary Steve!

  • jumbo February 17, 2014

    Thank you Ato Stifanos for the well written and informative article. I’m one of your die hard fan. I read Rosan Selen both of your books and really enjoyed reading it. Keep up the good work and don’t pay attention to the pfdj hooligan. They don’t know better. just shelel azizelom.

  • ann February 17, 2014

    i think you find all eritrean ills that we suffer from now is caused by ተጋደልቲ, the same ተጋደልቲ you tring to paint as saints in the above article. one more time i think ናይ ሰውራ ተሞክሮ ዘይነበሮም ሲቪል though they were more educated and experianced, they were replaced by ተዋጋኢ ሰራዊትን and ተጋደልቲ ክፍልታትን therefore, we find ourselves in this hell we call eritrea today.

    ተጋደልቲ፡ ንሓደ ውልቀመላኺ ብኻልእ ውልቀመላኺ ክትክኡ’ምበር ኣርዑት ጭቈና ክኣልዩ ኣይተራእዩን።

  • M Andu February 17, 2014

    Well said Steve. Coherent and educational article. Do not give a damn to those barking behind you. They will always bark. They will only stop when Isaias dies. You nail the point as usual. Thanks.

  • aberhane February 18, 2014

    Hi Stif.good job.please ignor to the rumminant of dictetor. Go on do ur nice work. I am eager to read your Artikels. Go go on.

  • BINIYAM February 18, 2014

    Selam Kubur Estifanos . Readers Digest. we all have Good Digest on What You had written and stiil writing . Your Intelligences. Now at this moment and harmony of democracy. You owned again and agin Good POSITION.BETTER THAN CUSTOMS DIRECTEUR OF MASSAWA.SO DO NOT GIVE UP AND RESPOND TO THOSE WHO DIED. ( ህግደፍ ከም ስምካ መጋበርያ ህግደፍ ስለ ዝኾንካ ንዓኻ መልሲ ኣብ ምሃብ ኣይክጽመድን’የ። ኣይርድኣካን እዩ’ምበር ምናልባሽ ገለ እንተ ተረድኣካ ወስ ከብለልካ። እቲ ጽቡቕ ነገር ጽሑፋተይ ካብ ሮዛን ሰሌን ጀሚርካ፡ ሓኔታን መቓብር ህሉዋትን እቶም ዕሉላት መጋበርያ ህግደፍ ዝኾንኩም ክተንብቡዎ ምግዳድኩም እዩ። ዓንዴል ወይ ዕረ እናጠዓመኩም ተንብቡዎ ትህልዉ። ኣብ ዓለም ክልተ ሓቂ የሎን። ህግደፍ ድማ ዓለም ብዓለሙ ዝፈንፈኖ ጭፍራ ክነሱ እንተ ብጥቕሚ፡ እንተ ብድንቁርና ደድሕሪኡ ዘዅ ዘዅ ትብሉ ኣለኹም። ምስ ወደቐኸ እንታይ ኮን ክትብሉ ኢኹም? ከም ኣባላት ደርግ ኢሰፓ ነበር ኣብ 1991፡ “ምስ ህግሓኤ እተሓባበር ነይረ እየ፡” ዝብሉ ዝነበሩ፡ “ምስ ተቓወምቲ እተሓባበር ነይረ እየ፡ እከለ ምስክረይ እዩ፡” ክትብሉ ዲኹም ትሓስቡ ዘለኹም? ከምኡ ስለ ትሓስቡ ዘለኹም ኢኹም ድማ ሕጂ ህግደፍ፡ ሰለሙን፡ ሱለይማን ወዘተ እናበልኩም መንነትኩም ሓቢእኩም ትጽሕፉ ዘለኹም። እምበር፡ እቶም ንህግደፍ ንቃወም ሰባትስ ስምናን ስእልናን ኣሰኒና ኢና ንጽሕፍ ንቃወምን። ካብ ኣስናኑ ዝጐረፈ ህግደፍ ይኹን ሓንጐሉ ዝተናወጸ ሓሳዊን መደናገርን መራሒኹም ንፈርሖ ነገር የብልናን። ብዛዕባ ማእሰርተይ ድማ ክንዲ ፍረ ጣፍ ስኽፍ ዝብለኒ ነገር የብለይን፡ ኣፍልበይ ነፊሐ ዝኸይድ ሰብ’የ! ከምኡ ስለ ዝኾነ እየ ከኣ ክልተ ልብወለድ መጽሓፍ ክደርስን ሃደ መጽሓፍ ክትርጕምን ዝኸኣልኩ። ባዝዕባ’ዚ ድማ ካብ ምዕራፍ ሸውዓተ ጀሚሩ ብዝርዝር ክትንተን ስለ ዝኾነ፡ ኣጆኻ ኦኣቕሊ ጥራይ ግበር መልሓስካ ክትሓይኽ ኢኻ። ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ብዛዕባይ ዝጸሓፎ ከይተረፈ ከቕርበልካ እየ። ካብቶም ዘእሰሩኒ ሰባት ሓደ ከም ዝኾንካ ድማ ንነብስኻ ኣብቲ መጽሓፍ ክትረኽባ ኢኻ። ግዜ ኣሎ ናይ ኵሉ መምህር ዓቕሊ ጥራይ! ይትረፍ ህግደፍ ዕስዕስ ወይ ኢሳያስ እዚ ሓሞት ዘይብሉ መንደላሓቒ፡ ሶቬት ሕብረት፡ ጃንሆይ፡ ደርግ፡ ሳዳም ከይተረፉ ኣብ ናይ ታሪኽ ጐሓፍ ተደርብዮም!!! )

  • belay nega February 19, 2014

    Stefanos,

    አብ ቃልሲ ዕድሜኻ ዋላዉን አብቲ ዝጸንከረ ግዜ ሓንት ግዜኳ ዘይምኽታትካ ካብምንታይ ዝነቀለ ይኸውን?
    መንቸም ካብ በዓል እስቲፋኖስ ዳኘው ንላዕሊ ዓቅሚ ከምዘይነበረካ ሕልናኻ ይምስክር ኢለ ይአምን

  • Tesfu Kbrom February 19, 2014

    በላይ ነጋ ዝብሃል ሰብ ኣብ ትሕዝቶ ጽሑፍ ዘይኮነ ንሰባት ኣብ ምዝላፍ ጥራይ እዩ ዘተኵር። እዚ ድማ ስራሕ ወይጦታት ህግደፍ ኢዩ። ዝኸበርካ እስቲፋኖስ ካባኻ ብዙሕ ነገር ንፈልጥ ስለ ዘለና ንናይ ከምዚኦም ቀተፍቲ ሰባት ቆሎጥጥቖ ዘረባ ረሲዕካ ኣብ ጽሑፍካ ጥራይ ኣተኩር። ኣብ ሕክምና ሰበርቀጠ ብሓደ ተወጊእካ ምስ መጻእካና ጽቡቕ ገይረ ስለ ዝዝክረካ በላይ ነጋ ከምኡ ክብል ከሎ ካብ እከይ ዕላማ ተበጊሱ ከም ዝኾነ ይርድኣኒ እዩ።

  • belay nega February 20, 2014

    Tesfu Kbrom,

    ህግደፍ ኮይነ አይፈልጥን አይክኽውንን እየ ድማ::
    ብዛዕባ ቅጥፈት እንተዘይተመልከተኒ’ኳ:ቀጣፊ ሰብሲ ትእርሞ:ቀጣፊ ጉዳይክ እንታይ ትገብሮ?

    “ኣብ ሕክምና ሰበርቀጠ ብሓደ ተወጊእካ ምስ መጻእካና ጽቡቕ ገይረ ስለ ዝዝክረካ በላይ ነጋ ከምኡ ክብል ከሎ ካብ እከይ ዕላማ ተበጊሱ ከም ዝኾነ ይርድኣኒ እዩ።

    አየር አብዘይ ትበጽሖ ከምዘይብላ ፍለጥ

POST A COMMENT