Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ምዕራፍ 6፡ ዑደት ጋናን ምፍላይ ፍላንሳን

ምዕራፍ 6፡ ዑደት ጋናን ምፍላይ ፍላንሳን            ሕግታት ንበይኖም፡ ንህዝቢ ሓሳቡ ናይ ምግላጽ መሰል ከውሕሱ ኣይክእሉን’ዮም።  ነፍስወከፍ ሰብ ክይተሸቝረረ ርእይቶኡ ክገልጽ እንተ ኾይኑ፡ ኣብ ምሉእ’ቲ ህዝቢ ናይ ተጻዋርነት መንፈስን ባህልን ክምዕብል ክኽእል ኣለዎ።                                                                                    ኣልበርት

ምዕራፍ 6፡ ዑደት ጋናን ምፍላይ ፍላንሳን

 

         ሕግታት ንበይኖም፡ ንህዝቢ ሓሳቡ ናይ ምግላጽ መሰል ከውሕሱ ኣይክእሉን’ዮም።  ነፍስወከፍ ሰብ ክይተሸቝረረ ርእይቶኡ ክገልጽ እንተ ኾይኑ፡ ኣብ ምሉእ’ቲ ህዝቢ ናይ ተጻዋርነት መንፈስን ባህልን ክምዕብል ክኽእል ኣለዎ።                                  

                                                 ኣልበርት ኣንሽታይን

እቲ ምስ ማክሮ ፖሊሲ ተወሃሂዱ ዝተነድፈ እናተባህለ ነዊሕ ዝተዘርበሉ ሓድሽ ታሪፍ ድሕሪ ምእዋጁ ብዙሕ ናይ ዕዳጋ ምዝንባል ከም ዝተፈጥረ ክፍለጥ ይግብኦ። በቲ ሓድሽ ታሪፍ መሰረት ከም ዊስኪ፡ ጂን ጐርዶን፡ ሽጋራን ጨናመናን ዝኣመሰሉ ሃለኽቲ ኣቕሑ፡ መጋየጺ ተባሂሎም እምብዛ ክብ ዝበለ ቀረጽ ስለ ዝተሰልዓሎም ብኮንትሮባንድ ክኣትዉ ባህርያዊ ነይሩ። እቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝጸንሐ ዊስኪ ካብ ኣዋርሕ ክሓልፍ ከም ዘይክእል ርዱእ ስለ ዝኾነ፡ ዊስኪ ዋጋ ከይወሰኸ እሞ ኸኣ ከም ድላይካ ዝርከብ እንተ ኾይኑ፡ ብኮንትሮባንድ ይኣትው ከም ዘሎ ምፍላጥ፡ ይትረፍ ኣብቲ ስራሕ ንዘሎ ሰብ ንተራ ሰብ’ውን ብዙሕ ዘጸግም ኣይነበረን። ኣብ ከምዚ ኵነታት ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ እንታይ ክግበር ከም ዘለዎ ንዘራረብ ስለ ዝነበርና፡ ሓበሬታ ካብ ምእካብ ዓዲ ኣይወዓልናን። ኣብ ሕቶ ዊስክን ሽጋራን ወዲየማነ ኣመና ይምረር ስለ ዝነበረ፡ ሓደ መዓልቲ ሓላፊ ክፍሊ ዕድጊ ናይ ባዶ ትሽዓተ ንዝነበረ ተኸስተ፡ “እዚ ወዲየማነ ዓርክኻ’ዩ ዝብሃል፡ ግን ከኣ ኣብ ኮንትሮባንድ ይነጥፍ’ዩ ዝብል ዘረባ ኣሎ። ብዛዕባ’ዚ ትፈልጦ ነገር እንተ’ሎ ብንጽህና ክትነግረኒዶ ምኸኣልካ?” ክብል ኣግሂደ ተወከስኩዎ። “ካብ ገለ ነጋዶ ዲክለረሽን ዘለዎ ዊስክን ካልእ ንብረትን ከም ዝገዝእ እፈልጥ’የ። ባዕሉ ኣብ ኮንትሮባንድ ከም ዘይሳተፍ ግን አረጋግጸልካ ኣለኹ፡” ክብል መለሰለይ።

ቅንይ ኢልና፡ ምስ ወዲፋሲል ተራኺብና በብወገንና ብዛዕባ ዝኣከብናዮ ሓበሬታ እናተዘራረብና ከለና ሃንደበት ወዲቐሺ ሕውስ በለና። ሽዑ ኣብ ግምሩክ ምድሪባቡር ተመዲቡ’ዩ ዝሰርሕ ነይሩ። ብዝኾነ ገለ ሓበሬታ ይህልዎ ይኸውን ብምባል፡ ወዲየማነ ኣብ ኮንትሮባንድ ይነጥፍ ኣሎ ብዛዕባ ዝብል ሓበሬታ እንታይ ከም ዝፈልጥ ተወከስናዮ። ከም ቅጽበት ገጹ በሪሁ፡ “ወዲየማነ ደኣ ብገማግም ባሕሪ እዚ ዘይብሃል ንብረት ከም ዘእቱ እፈልጥ’የ። ካብ ባሕሪ ትኽ ኢሉ ናብ’ቲ ንሱ ጥራይ ዝፈልጦ መኽዘናት’ዩ ዝኣቱ። ነቲ ንብረት ዘራግፉን ዝጽዕኑን ድማ ምስኡ ጥራይ ዝራኸቡ ፍሉያት ሰባት ከም ዝኾኑ ጽጹይ ሓበሬታ ኣሎኒ፡” ክብል ዝያዳ ኣነሃሃረና። ይፈልጥ’ዩ ክብሃልን ንርእሱ ከተዓባብን ኢሉ ከምኡ ከም ዝበለን እቲ ሓቂ ከምኡ ከም ዘይኮነን ግን ድሒሩ ተጋሂዱ። ብዝኾነ ንግዜኡ መሲሉና ስለ ዝተቐበልናዮ ንሓበሬታኡ ምስ ናትና ኣዛሚድና ሓጺርን ቅልጡፍን ስጕምቲ ክንወስድ ወሰንና። ወዲቐሺ ምስ ተፈልየልና ድማ ኣብ ልዕሊ ናይ ወዲየማነ መኽዘናት ኣብ ሓደ እዋን ሃንደበታዊ ተፍትሽ ከም ዝካየድ ገበርና።

እቲ ዅሉ ድኻምና ግን ክዕወት ኣይከኣለን። ምኽንያቱ ዳርጋ ዝበዝሕ ካብ መኽዘናት ወዲየማነ ሽኮር፡ ቡን ወዲቡን ጥራይ ሒዙ ክጸንሕ ከሎ፡ ኣብ ሓንቲ መኽዘን ግን ዓሰርተ ሸውዓተ ካርቶን ማርልቦሮ ሽጋራ ተረኺበን። ወዲየማነ ብዛዕባአን ምስ ተሓተተ ድማ፡ “ካብ ሰብ ዓዲገዮ፡” ስለ ዝበለ፡ “ካብ ዝሸጠልካ ሰብ ዲክለረሽን ክሳብ ተምጽእ ከም ኮንትሮባንድ’ዩ ዝሕሰብ፡” ተባሂሉ ኣብ መኽዘን ግምሩክ ኣትዩ። ኣብ ሳልስቱ ንሸያጣይ ረኺቡ ዲክለረሽን ምስ ሓተቶ፡ ሸያጣይ ብወደብ ገልዓሎ[1] ከም ዘእተዎ ዝገልጽ ሰነድ ሃቦ። ብማሕተም ዝተወቀጠ ዲክለረሽን ስለ ዘቕረበልና ድማ ንብረቱ ክነረክቦ ተገዲድና። እቲ ስራሕ ግን ኣብዚ ደው ኣይበለን። እንተ ኾነ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታ ሽጋራ ይትሓዝ፡ “ኣቐዲሙ ብዓሰብ ዝኣተወ’ዩ። ብገልዓሎ ዝኣተወ’ዩ፡” እናተባህለ ዲክለረሽን ይቐርበሉ ስለ ዝነበረ ይልቀቕ ምንባሩ’ዩ። ስለዚ ሓደ ብልሓት ክፍጠር ስለ ዝነበሮ ምስ ወዲመስፍን ክንመኻኸር ግድነት ኮይኑ። ብመሰረት ምርድዳእና ድማ፡ ታሪፍ ግምሩክ ካብ ዝእወጅ ድሮ ሽዱሽተ ወርሒ ሓሊፉ ስለ ዝነበረ፡ ሽጋራ ኸኣ ብፍላይ ኣብ ኣጻምእ ቦታ ክዕምልን ክበላሾን ስለ ዝኽእል፡ ብዓሰብ ኣትዩ ዝብሃል ሽጋራ ከም ኮንትሮባንድ ክቝጸር ምዃኑ ዝገልጽ ሕጋዊ ምልክታ ኣውጻእና። ድሕሪ ገለ ኣዋርሕ ግን ሓለፍቲ ፍላንሳ ነዚ ሕጋዊ ምልክታ’ዚ ብምጥሓስ፡ ነቲ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ ለይቲ ምድሪ ኣብ ከባቢ ፎሮ ብብረት ዝተታሕዘ ሽጋራ ሕጋዊ’ዩ ብምባል ብዘይ ኣገባብ ንዋና ኣረኪቦሞ።

እዚ ኵሉ ክኸውን ከሎ ኣብቲ ሓሓሊፉ ዝካየድ ዝነበረ ናይ ሚኒስትሪ ፋይናንስ ኣኼባታት፡ እንታይ ምግባር ይሓይሽ እናበልና ንካትዓሉ ኔርና ኢና። ንኣብነት ሓደ እዋን፡ “ማክሮፖሊሲ ኣብ ግምሩክ ከመይ ሰሪሑ?” ዝብል እርእስቲ ተላዒሉ ነይሩ። ኣባላት ግምሩክ ብዝነበርና ሰባት ድማ፡ “ብፍላይ ኣብቲ ከም በዓል ዊሲኪ፡ ሽጋራ፡ ጨና መና ዝኣመሰለ ልዑል ታሪፍ ተሰሊዑሉ ዘሎ ነገራት ክሰርሕ ስለ ዘይከኣለ፡ ድሕሪ ኣዋጅ ብሕጋዊ መንገዲ ዝኣተወ ሽጋራ ይኹን ዊሲኪ ወይ ጨና ኣይነበረን። ኣብ ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነ ኣብተን ምዕቡላት ሃገራት ከይተረፈ ከምዚ ዓይነት ታሪፍ ኣይሰርሕን’ዩ። ስለዚ፡ እቲ ንብረት መንግስቲ ግብሪ ከይኣከበ ብዘይ ሕጋዊ ኣገባብ ኣብ ክንዲ ዝኣቱ እቲ ታሪፍ ዳግማይ ክግምገም ኣገዳሲ’ዩ፡” ዝብል ርእይቶ ኣቕሪብና ኔርና። ብርክት ዝበሉ ሓለፍቲ ሚኒስትሪ ፋይናንስ’ውን፡ “ርእይቶ ግምሩክ ቅቡል’ዩ፡ ምኽንያቱ ንሕና ኣዝዩ ሰፊሕ ገምገም ባሕርን ማዕረኡ ዝንውሓቱ ጐላጉልን ብሰንሰለት ክንሕልዎ ዓቕሚ ስለ ዘይብልና፡ ሓደ ነገር ክግበር ኣለዎ ዝብል ርእይቶ’ዩ ዘለና፡” ክብሉ ተወሳኺ ርእይቶ ሂቦም።

ነቲ ኣኼባ ዘካይዶ ዝነበረ እንጦጦ ግን ከም ስርዓት ነዲሩ ክውሕጠና ቍሩብ ተረፎ። “እዚ’ኮ ማክሮ’ዩ! ጸወታ ቈልዑ ኣይኮነን። ትማሊ ኣዊጅና ሎሚ ከምዚ ኾይኑ’ባ፡ ከምዚ ተረኺቡ’ባ ኢልና ክንቅይሮ ዘይሕሰብ’ዩ። ካልእ ክንገብር እንተ ዘይከኣልና ነቲ ኣብ ሞኖፖሊዮ ዝስራሕ ሽጋራ ኣብ ባኮኡ ባንድለት ማለት ተለጣፊ ክንገብረሉ ንኽእል ኢና። ነቲ ብሕጋዊ ዝኣቱ ዊስኪ’ውን ብተመሳሳሊ ከምኡ ንገብረሉ…” ኢሉ ክጥሕረና ምስ ደለየ ገብርኤል ፋሲል፡ “እዚ ትብሎ ዘለኻ ኣብ ዘበነ ሃይለስላሴ ከይተረፈ ዝተፈተነ ሜላ’ዩ። እንተ ኾነ ክልተ ጸገማት ኣለዎ። በቲ ሓደ ነጋዶ ክገብሩዎ ቀሊል ስለ ዝኾነ ኣይሰርሕን’ዩ። ከም ካልኣይ ኣብ ዋጋታት ወሰኽ ስለ ዘስዕብ ተግባራዊ ኣይኮነን፡” ብምባል ህድእ ኢሉ ክምልሰሉ ፈተነ። ንሱ ግን ወላ ነቲ ምኵርን ክኢላን ምዃኑ ናይ ዝእመነሉ ገብርኤል ፋሲል ርእይቶ’ውን ግምት ኣይሃቦን። እንጦጦ ነቲ ስራሕ ይከታተሎ ስለ ዘይነበረ ወይ ስልጣኑ ክሕሉ ጥራይ ስለ ዝደለየ እዩ’ምበር፡ እቲ ብስም ማክሮፖሊሲ ተጠሚቑ ብዙሕ ከበሮ ዝተሃርመሉ ቍጠባዊ ፖሊሲ፡ ብግስ ከይበለ ከሎ ብላዕለዎት ኣካላት ከም ዝለምስ ተገይሩ’ዩ። ብኸምዚ ክግለጽ ዝጸንሐ ንክትዕን ልዝብን ዘየፍቅድ ሃዋህዉ ድማ እቲ ኣኼባ ብዘይ ሓደ ቍምነገር ተደምደመ።

ስለዚ ነገራት ንምዕራይ ይፍተን ነይሩ’ዩ። እቲ ጸገም ግን ሓለፍቲ ሚኒስትሪ ፋይናንስ፡ ኣብ ባይታ ዘሎ ኵነታት እንታይ ከም ዝኾነ ከይፈለጡን ምስ ዝምልከቶም ታሕተዎት ኣካላት ከይተመያየጡን፡ ኣብ ክልሰሓሳብ ጥራይ ተመርኵሶም መምርሕታት ይህቡ ስለ ዝነበሩ፡ ንልዕሊ ሽዱሽተ ወርሒ ዝኣክል መንግስቲ ሚልዮናት ክኸስር እናረኣና ትም ክንብል ተገደድና። ከም ሳዕቤን ከኣ እቲ ስራሕ ይትረፍ ጽቡቕ ክስጕም፡ ኣብ ዘለዎ ክረግእ’ውን ስለ ዘይከኣለ ብቐሊሉ ክውገድ ዝኽእል ዝነበረ ሃሳዪ ሳዕቤናት ተፈጢሩ።   ብተደጋጋሚ ከም ዝተገልጸ እቲ መንግስታዊ መኪና ኣዝዩ ገዚፍ ስለ ዝኾነ ከም ኣባ ጐብየ ገፈፍ ይብል ነይሩ። ስለዚ ሓደ ነገር ከጋጥም ከሎ ቀልጢፉ ግብረመልሲ ክወስድ ጸገም ነይሩዎ። ህግሓኤ ኣብ ግዜ ሰውራ ኣዝዩ ውዱብ ስለ ዝነበረ፡ ይጥቀም ኣይጥቀም ዝኾነ ነገር ከጋጥሞ ከሎ ካብ ክርቢት ንላዕሊ ይነጥፍ ነይሩ እንተ ተባህለ ምግናን ኣይኮነን። ድሕሪ ናጽነት ግን እዚ ኣገባብ’ዚ ኣይሰርሐን። ኢሳያስ ኣብ ዝተራእዮ እዋን ወይ ደስ ኣብ ዝበሎ እዋን ኣዋጅ ከውጽእ፡ ዝበዝሑ ላዕለዎት ሓለፍቲ ድማ ዘዝመስሎም መምርሒ ብዘዋሪ ደብዳቤ ክዝርግሑ እንተ ዘይኮይኑ፡ ከምቲ ናይ ቀደም ካብ ታሕተዎት ንዝምንጩ ሓበሬታ ሰሚዖም ስጕምቲ ምውሳድ ፈጺሞም ኣቋሪጾሞ። እቲ ዝገደደ ግን እቲ ዝሓበረ ወይ ከምዚ ምሓሸ ነይሩ ዝበለ ሰብ፡ ከም ሓደ ዘይምእዙዝ ባእታ ስለ ዝውሰድ ብኽፉእ ዓይኒ ይጥመት ነይሩ። ካብዚ ዝተበገሰ፡ መንግስቲ ከም ሓንቲ ደግዳጊት መኪና ገፈፍ ክብል ከሎ፡ ነጋዶ ግን ከም ሓንቲ ንእሽቶ መኪና ይውንጨፉ ነይሮም።

ኣብ ከምዚ ኵነታት፡ እቲ “ኮንትሮባንድ ገኒኑ ኣሎ፡” ዝብል ዘረባ ዳርጋ ናብ መጽረዪ ዘረባ ተቐዪሩ። ኣብ ዝበዝሕ ኣባል ግምሩክ ዝነበረ መረዳእታ፡ “ምስ ምንዋሕ ገማግም ባሕሪ ብደንከል ይኣቱ’ሎ፡” ዝብል’ዩ ነይሩ። ነዚ ድማ ይትረፍ በቲ ዘሎ ድሩት ዓቕሚ፡ ኣዝዩ ገዚፍ ሓይሊ ኣዋፊርካ ክትቈጻጸሮ’ውን ከቢድ ምዃኑ ንጹር ነይሩ። ሓደ መዓልቲ ግን ምኽትል ሓላፊ ፍላንሳ ዝነበረ ሚኪኤል እምባየ ሓድሽ ሓበሬታ ሒዙ መጽኣኒ። እቲ ሰብ ኣቐዲሙ ኣባል ስለያ ዝነበረ ኮይኑ ርጡብ ሰብ ምዃኑ ኣስተውዒለሉ ነይረ። ካብዚ ዝተበገሰ ድማ ጽቡቕ ርክብ ነይሩና። እቲ ዘምጽኦ ሓበሬታ፡ “ብትራንዚት ይሓልፍ ኣሎ እናተባህለ ኣብ ኣስመራ ዝራገፍ ንብረት ኣሎ፡” ዝብል ነይሩ። ከምኡ ምስ በለኒ፡ በቲ ሓደ ኣብ ማእከል ኣስመራ ከምኡ ከጋጥም ምኽኣሉ ክገርመኒ ከሎ፡ ንኸምዚ ዓይነት ስራሕ ዝተሓባበሩ በዓል መን ምዃኖም ክፈልጥ ኣመና ተረበጽኩ። እቲ ፍጻሜ፡ ፍላንሳ ኣብ ክንዲ ንሃገር ዝጠቅም ስራሕ ኣብ ምዕማም ዝዋፈሩ፡ ስልጣኖም ኣብ ምድልዳል ተጸሚዶም ከም ዝነበሩ ዘረድእ ንጹር መርኣያ ነይሩ። ብዝኾነ፡ እቲ ንሚኪኤል ሓበሬታ ዝህቦ ዘሎ ሰብ ብትራንዚት ዝተመዝገበ ንብረት ካብ ባጽዕ ክብገስ ከሎ ክሕብረና ዝሓሸ ምዃኑ ተረዳዳእና። ቅንይ ኢሉ ሚኪኤል ናብ ቤትጽሕፈተይ ብምምጻእ፡ “እሞ እቲ ሰብ፡ ‘ሓደ ነጋዳይ ክልተ ኮንተይነር ዊስኪ ሒዙ ካብ ባጽዕ ይብገስ ኣሎ፡’ ዝብል ሓበሬታ ልኢኹለይ ስለ ዘሎ እንታይ ንግበር?” ክብል ተወከሰኒ።

ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኵነታት ንተራ ኣባላት ክኣምኖም ስለ ዝጸገመኒ ኣብ ሓለፍቲ ጥራይ ክምርኰስ ግድነት ነይሩ። ሽዑ ኣብ ዓዲዃላ ዝነበረ ሓላፊ ቅሱን ዝብሃል፡ ዝሑል ግን ከኣ ርጡብ ብጻይ’ዩ ነይሩ። ኣብ ሰንዓፈ ድማ መራሕ ሓይሊ ዝነበረ ወዲደጐል ዝብሃል ካብ ምክልኻል ዝተወዝዓና ተሪር ሰብ ነይሩ። ስለዚ ንኽልቲኦም ታርጋ ናይተን ዊሲኪ ጽዒነን ክመጽኣ ዝተባህላ ክልተ መካይን ሂበ፡ ንዝኾነ ሰብ ከይሓበሩ ባዕላቶም ብምስጢር ለይትን መዓልትን ክከታተሉወን ሓበርኩዎም። ኣብ ሳልስቱ ግን ወዲደጐል፡ “ሳክት ኣድኪምካና እስጢፋኖስ። መካይን ክልቲአን ተመራሪሐን መጺአን። ባዕለይ ፈቲሸየን ግን ዝኾነ ነገር ስለ ዘይተረኽበን ኣሕሊፈየን። ኣብ ብሎኮ ኮቦርታይ ተጐምጕመ ክድቅስ ተካለይ ቀንየ፡” ክብል ነቲ መርድእ ኣስመዓኒ። ነዚ ምስ ሰማዕኩ እቲ ዝብሃል ዘሎ ጕዳይ ካብ ናይ ነጋዶ ምቅንናእ ዘተበገሰ ዶኾን ኮይኑ ዝብል ሓሳብ ኣሕደርኩ። ኣብ መጨረሽታ ግን፡ “ሰረጀቓ[2]፡ ብፍላይ ንተኽለ ርእሶም ዝተባህለ ነጋዳይ፡ ንብረት ኣብ ኣስመራ ኣራጊፉዎ ከሎ፡ ዲክለረሽን እናፈረመት ትህቦ ነይራ ዝብል ሓበሬታ ረኸብኩ። ሽዑ ነቲ ሓበሬታ ክቕበሎ ኣይከኣልኩን። ምኽንያቱ ማክሮ ድሕሪ ምእዋጁ ብዙሕ ከይሰርሐት’ያ ካብ ዓዲዃላ ናብ ግምሩክ መዓርፎ ነፈርቲ ተቐዪራ። ወዲመስፍን ጽቡቕ ገይሩ ስለ ዝፈልጣ’ውን ገለ እንተ ሓገዘ ኢለ ብዛዕባ ሰረጀቓ ዝሰማዕኩዎ ገሊጸሉ ነይረ። ድሒረ ብዛዕባ’ቲ ጕዳይ ኣየዕለልኩዎ’ንምበር ሽዑስ ነቲ ዕላል ክኣምኖ ኣመና ከም ዝጸገሞ ካብ ገጹ ከንብቦ ክኢለ። ካብ ማእሰርቲ ድሕሪ ምውጽአይ ግን ሰረጀቓን ሓደ ካልእ ሰብን ብርግጽ ኣብ ከምኡ ዓይነት ስራሕ ተዋፊሮም ከም ዝነበሩ ካብ ሓደ መርማሪ ሰሚዐ። ምስቲ ድሒሩ ዝሰዓበ ካብ ተኽለ ርእሶም ምውላዳን ብመንገዱ ናብ ኣመሪካ ምኻዳን ከኣ ነቲ ዝሰማዕኩዎ ብገለ ሚእታዊት ከም ሓቂ ተቐቢለዮ።

ንሰረጀቓ ኣብ ጥርጣረ ከእትዋ ዘየኽኣለኒ ምኽንያት ነይሩኒ። ኣብ ዓዲዃላ ከም ሓላፊት መደበር ተመዲባ እናሰርሐት ከላ ብገለ ስራሕ ናብ ባጽዕ ትድውለለይ ነይራ’ያ። ብወረ’ምበር ብኣካል እፈልጣ ኣይነበርኩን። ስለዚ ኣብቲ መጀመርያ ድምጻ ናይ ንእሽቶ ቈልዓ ኮይኑ ይስምዓኒ ስለ ዝነበረ፡ “መን ኢኻ ኣይሰምዓካን ዘለኹ፡” ክብላ ከለኹ፡ “ኣነ ሰረጀቓ እየ’ታ!” ትብለኒ ነይራ። ሓደ መዓልቲ ብውልቃዊ ጕዳያ ንባጽዕ ምስ መጽአት ግን ብኣካል ክላለያ ክኢለ። ኣብቲ ብስራሕ ዝተራኸብናሉ ውሱን እዋናት ብዘይካ ከም ንጥፍቲ ሰብ ዝረኣኹላ ኣሉታዊ ነገር ኣይነበረን። ኣብ ግምሩክ መዓርፎ ነፈርቲ ከም ምኽትል ሓላፊት ምስ ተመደበት ድማ ብሓደ ፍሉይ ናይ ስራሕ ኣጋጣሚ ከም ሓንቲ በላሕ ሰብ ክኣምነላ ክኢለ። እታ ሰብ፡ ከምቶም ካልኦት ሓለፍቲ ንስራሕ ግምሩክ ኣብ ሜዳ ኣይትፈልጦን’ያ። ዳርጋ ዕድመኣ ምሉእ ኣብ ክፍሊ ንግድን ሸቐጥን’ያ ኣገልጊላ። ኣብቲ ሓጺር ግዜ ግን ንግምሩክ ጽቡቕ ገይራ ኣጽኒዓቶ። እቲ ጕዳይ፡ ሓደ ነጋዳይ ካብ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ሳምሶናይት ወርቂ ሒዙ ምስ ኣተወ’ዩ ዝብገስ። ሽዑ እቲ ኣሰራርሓ ብመሰረት መምርሒ ማክሮፖሊሲ ናብ ምዕቡል ደረጃ ክድይብ ኣለዎ ስለ ዝተባህለ፡ ፈተሽቲ ብዘይካ ንዝጠርጠሩዎ ሰብ፡ ንዝኾነ ገያሻይ ሳንጣኻ ክፈተልና ክብሉዎ የብሎምን ዝብል መምርሒ ተሓላሊፉ ነይሩ። ነዚ ዝፈለጠ ሰብኣይ ሳምሶናይቱ እንታይ ሒዛ ከም ዘላ ምስ ተሓተተ፡ ብዘይካ ናይ ገያሻይ ክዳንን ቀንጠመንጥን ወላ ሓንቲ ከም ዘይብላ መሊሱ። እንተ ዘይተጋግየ ጓልኣንስተይቲ’ያ ነይራ’ታ ፈታሺት። “እሞ ክትከፍቱለይዶ ምኸኣልኩም?” ክትብል ምስ ተወከሰቶ ኣማራጺ ኣይነበሮን ዕረ እናጠዓሞ ከፊቱላ።

ኣብ ውሽጥ’ቲ ሳምሶናይት ድማ ዋጋ ክልተ ሚእቲ ሽሕ ብር ወርቂ ጸኒሑ። እታ ፈታሺት ግን እቲ ግቡእ ናይ ምውራስ መስርሕ ኣብ ክንዲ ትጅመረሉ፡ “እሞ ቀረጽ ክትከፍሉሉ ኢኹም፡” ኢላቶ። ሽዑ ናይ ስልማት ቀረጽ 212% ስለ ዝነበረ፡ ቀረጽ ከፊልካ ወርቂ ክትሸይጥ ምሕሳብ ክሳራ ምዕዳም እንተ ዘይኮይኑ መኽሰብ ኣይነበሮን። ብዝኾነ ዋና ናብ ሓላፊ መደበር ዝነበረ የማነ ዓማ ብምኻድ ኣቤት ስለ ዝበለ፡ እቲ ጕዳይ ተዋዓዊዑስ ሰረጀቓ’ውን ተሓዊሳቶ። ኣብ መጨረሽታ ድማ ብጕድለት ናይ የማነ ዓማ ቀረጹ ከፊሉ ክወስዶ ተወሲኑሉ። ሰረጀቓ፡ እቲ ንብረት ክህገር ነይሩዎ ዝብል መርገጺ’ዩ ነይሩዋ። ዋና ሓቢኡ ከሕልፎ ስለ ዝሓሰበ ኸኣ ንሱ’ዩ ነይሩ’ቲ ቅኑዕ ኣሰራርሓ። ዋና ዓቕሉ ጸቢቡዎ ናብ ዝለዓለ ኣካል ክጠርዕ እናተሃንፈፈ ናብ ማእከላይ ቤትጽሕፈት መጽአ። ቅድሚኡ ብማዕዶ እርእዮ ነይረ’ምበር ብስራሕ ኣጓኒፉኒ ስለ ዘይፈልጥ ወዲቐሺ ዝብሃል ጕልቡት ሰብ ምዃኑ ጥራይ ኣጽኒዐ። ጕዳዩ ንዑኡ ብዝጥዕሞ መንገዲ ኣጸባቢቑ ምስ ገለጸለይ ዝያዳ ከጻሪ ናብ መደበር ደወልኩ። በጋጣሚ ሰረጀቓ ስለ ዝጸንሐት ብዛዕባ’ቲ ጕዳይ ኣነጺራ ገለጸትለይ። “እዚ ንብረት’ዚ ከም ግቡእ ክህገር’ዩ ነይሩዎ፡ ዕድልካ ጸቢቑ ግን ብጌጋ ናይ ፈታሻይ ኣቕርጾ ተባሂልካ ኣለኻ። ስለዚ ቀረጽ ክትከፍል ግድነት’ዩ፡” እንተ በልኩዎ ከይሓፈረ፡ “ቀረጽ ክንድኡ ምዃኑ እፈልጥ ኣይነበርኩን፡ ስለዚ ናብ ስዑዲዓረብ ክመልሶ ይፈቐደለይ፡” ዝብል ሓሶትን ልማኖን ሓዋዊሱ ተቐባጠረ።

ናይ ወዲቐሺ ዘረባ ደው በለለይ ክብለጸልካ ስለ ዝነበረ፡ ትርጕም ላንዲን ሰርቲፊከት[3] ድሕሪ ምግላጽ፡ “ናብ ስዑዲዓረብ ክትመልሶ ትሓስብ እንተ’ሊኻ፡ኣብ ስዑዲ ዓረብ ከም ዝበጽሐ ዘረጋግጽ ናይ ግምሩክ ሰነድ ማለት ላንዲን ሰርቲፊኬት ካብ ናይ ስዑዲዓረብ ግምሩክ ክተምጽእ ኢኻ፡” ዝብል መልሲ ሃብኩዎ። ነዚ ዘረባ’ዚ ምስ ሰምዐ ገጹ ጸልመተ። “ከምኡስ ክገብር ዝኽእል ኣይመስለንን?” ኢሉ ድማ ከመሻኸን ጀመረ። ድሕሪ ነዊሕ ምጕት ግን ሕራይ ናብ ስዑዲያ ክመልሶ’ሞ ላንዲን ሰርቲፊከት ከምጽእ ስለ ዝበለ፡ “እምበኣር ኣቐዲምካ ማዕረ’ቲ ቀረጹ ዲፖዚት ክተትሕዝ ኢኻ። ላንዲን ሰርቲፊከት ምስ ኣምጻእካ ድማ ገንዘብካ ትወስድ፡” ኢለ ኣፋነኹዎ። ሽዑ ሕጊ ግምሩክ ብግቡእ’ዩ ዝሰርሕ ነይሩ። ምኽንያቱ ከምቲ ድሒሩ ዝተራእየ መንግስቲ ኣንፈቱ ኣየጥፍአን ነይሩ። ዝበዝሕ ሰብ ድማ ብመጠኑ ብርእሰምትእምማን ይሰርሕ ነይሩ።

ንኽልቲኦም ሓለፍቲ እቲ ክኽተሉዎ ዝግብኦ መስርሕ ምስ ኣረዳእኩዎም፡ ዋና ክልተ ሚእትን ሓምሳን ሽሕ ብር ኣትሓዘ። እቲ ወርቂ ድማ ብሕጊ ግምሩክ መሰረት ክብገስ ከሎ መዓልቲ ናብ ኣየር ሒዙዎ ከም ዝድይብ ተገብረ። ኣብ መበል ክልተ ቕነኡ ኣቢሉ ኣጋ ሰዓት ዓሰርተ ሓደ ግን ሰረጀቓ ስልኪ ደዊላ፡ “ስማዕ’ስኪ እስጢፋኖስ፡ እቲ ዋና ወርቂ ናይ ብቐዳማይ ላንዲን ሰርቲፊከት ከምጽእዶ ኣይኮንናን ተረዳዲእና?” ክትብል ተወከሰትኒ። ብእወታ ምስ መለስኩላ፡ “እሞ የማነ ዓማ ዋና ንብረት ላንዲን ሰርቲፊከት ከየምጽአ ኸሎ ገንዘቡ ክምለሰሉ የፍቅደሉ ኣሎ፡” ዝብል ዘይተጸበኹዎ መሰምበድ ዝኾነ ሓበሬታ ኣስመዓትኒ። መቸም ሽዑ ጸቕጢ ደም ጸኒሑኒ እንተ ዝነብር ምወደቕኩ ነይረ እኸውን። ብሕርቃን ጐረሮይ ጋርጋር እናበለኒ ናብ የማነ ዓማ ስልኪ ደወልኩ። ዘረባይ ሓጺር’ዩ ነይሩ። “እቲ ብቐደማይ ብዲፖዚት ዝተታሕዘ ገንዘብ ብኸመይ መንገዲ ንዋና ይመለሰሉ ትብል ኣለኻ?” ኢለ ምስ ኣዋጠርኩዎ፡ ዘይተረድኦ ክመስል ወልደፍደፍ ክብል ጀመረ። ሕቶይ ምስ ኣነጸርኩሉ ግን ጌጋ መረዳእታ ከም ዝጸንሖ ኣምሲሉ ክዛረብ ፈተነ። ብወገን’ቲ ሰብኣይ ይኹን ብወገን የማነ ዓማ ርኡይ ቅጥፈትን ምድንጋርን ምንባሩ ስለ ዝተረድኣኒ ድማ በቲ ሕጊ መስረት ክሰርሕ ተሪር ትእዛዝ ሃብኩዎ። የማነ ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ’ውን ተመሳሳሊ ምድንጋር ክፍጽም ረኺበዮ ነይረ።

ወዲቐሺ፡ ንብረቱ ተባላሒቱ ከውጽኦ ፈቲኑ ምዃን ምስ ኣበዮ ኣይሓፍርን’ዩ ዳግማይ ክጠርዕ እናላህልሀ መጽኣኒ። “እቲ ጕዳይ’ኮ ሎሚ ኣይኮነን ተወዲኡ። ብቐደማይ መጺእካኒ ከለኻ ሓቢረካ ነይረ’የ። ብንጹር ተነጊሩካ ከብቅዕ ግን ገንዘብ ህዝቢ ኣታሊልካ ክትወስድ ፈቲንካ፡” ምስ በልኩዎ፡ “ኣታ እስጢፋኖስ ሓወይ! ከምኡ ክገብር ከም ዘይክእል ደኣ ንስኻስ ትፈልጥ’ንዲኻ! ካብ ስዑዲዓረብ ደኣ’ሞ ብኸመይ መንገዲ’የ ወርቀይ ኣብኡ ከም ዝበጽሐ መረጋገጺ ከምጽኣሉ?” ክብል ተጨኒቑ መለሰለይ። ኣነ ድማ፡ “እሞ እዚ ዅሉ’ኮ ባዕልኻ ዝፈጠርካዮ ጸገም’ዩ። ካብ ስዑዲዓረብ ዲክለር ከይገበርካ ኣበጊስካዮ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብዚ’ውን ሕጊ ብምጥሓስ ኣታሊልካ ቀረጽ ከይከፈልካ ክተሕልፎ ፈቲንካ። ስለዚ፡ ሕጊ ግምሩክ ከምኡ ስለ ዝብል ኣባኻ በጺሑ ሕጊ ክቕየር ኣይክእልን’ዩ። እቲ ሓበሬታ ተረዲኡካ፡ ሕራይ ኢልካ ተበጊስካ ክተብቅዕ ስለምንታይ ሕጂ ዘረባ ትቐይር ኣለኻ? ዘረባ እንተ’ብዛሕና ዋጋ የብሉን። እቲ ገንዘብ ብሕጊ ግምሩክ መሰረት ናብ መንግስቲ ኣታዊ ክኸውን’ዩ፡” ዝብል ናይ መጨረሽታ ቃል ኣስማዕኩዎ። ተስፋ ቈሪጹ ዝባኑ ገልበጠ። እቲ ጕዳይ ግን ብዙሕ ከይደንጐየ ካልእ መልክዕ ሓዘ። ንሱ ዝሰደዶም ሰባት ኣባላት ጸጥታን ሃገራዊ ድሕነትን ከይተረፉ፡ “እዚ ናይ ወዲቐሺ ጕዳይ ከመይ’ዩ በጃኻ?” እናበሉ ከም ሕሱም ክተዃትኹኒ ጀመሩ። ፈለማ ግርህ ኢለ እምልሰሎም ነይረ። ምስ በዝሐ ግን፡ “ኣባላት ጸጥታ ተባሂልኩም ኣብ ክንዲ ትሕግዙናስ ተገምጢልኩም ሃገር ከዕንዉ ንዝሓስቡ ውልቀሰባት ክትማልዱሎም ትፍትኑ ኣለኹም!” ኢለ ምስ ገናሕኩዎም ብመጠኑ ከዕገሱ ክኢሎም።

እቲ ሰብ ግን ሓይሉ ኣይውዳእን’ዩ። ሓድሽ ዓመት ኮይኑ ምስ በዓልቲቤተይ ኣብ ከባቢ ገዛውትና ዘወር እናበልና ከለና፡ መብራህቶም ዝተባህለ ኣብ ትሕተይ ዝሰርሕ ኣባል ጐፍ በለና’ሞ፡ ሰላም ክንብሎ ደው ምስ በልና፡ ወዲቐሺ በጋጣሚ ምስኡ ስለ ዝጸንሐ ሰላም ክንብሎ ግድን ነይሩ። ምናልባት ብዛዕባ ጕዳዩ ሓበሬታ ይእክብ ነይሩ ይኸውን። ብዝኾነ ሰላምታ ሂብናዮም ብግስ ምስ በልና፡ ወዲቐሺ ንበዓልቲቤተይ ንበይና ፈልዩ፡ “እሞ ኣብ ገለ ቦታ ሻሂ ዘይንስቲ፡” ኢሉ ወጠጥ ስለ ዘበላ፡ ምሳይ ጽቡቕ ሌላ ዘለዎ መሳርሕተይ መሲሉዋ፡ “እዚ ብጻይካ ሻሂ ንስተ ይብል ስለ ዘሎ ኣብ ገለ ቦታ ኮፍ ኢልና ዘይነዕልል፡” በለትኒ ግርህ ኢላ። “ዘይትፈልጥዮ ጕዳይ ስለ ዘሎ ትም እንተ በልኪ ዝሓሸ’ዩ፡” ዝብል ሓጺር መልሲ ሃብኩዋ። ኣይደንጐናን ኰለል ጸሊእናዮ ናብ ገዛና ተመለስና። እቲ ነገር ግን ኣብዚ ኣየብቅዐን። ዋና ዘይሩ ዘይሩ ናብ ሚኒስትሪ ፋይናንስ ኣቤት ከም ዝበለ ብሰበሰብ ሰማዕኩ። ኣብ መጨረሽታ፡ እቲ ጕዳይ ናብ ክፍሊ ሕጊ ቀሪቡ ተባሂሉስ ዋና ከይደግም ከም ዝተሓበሮ፡ ገንዘቡ ድማ ክምለሰሉ ከም ዝተወሰነ ብመንገዲ መሳርሕተይ ፈሊጠ። ሽዱሽተ ዓመት ድሕር’ዚ ፍጻሜ’ዚ ወዲቐሺ ብኻልእ ኮንትሮባንዳዊ ጕዳይ ስለ ዝተደልየ ካብ ሃገር ከም ዝጠፍአ ክፈልጥ ክኢለ።

*          *          *

            ክፍሊ ግምሩክ ምስቲ ኵሉ ሽግራቱን ዕግርግራቱን ንምምዕባሉ ዝካየድ ዝነበረ ጻዕሪ ደው ኣይበለን። ብወገን ኮሜሳ ይኹን ኣህጉራዊ ማዕከን ገንዘብ ዝተፈላለየ ናይ ምኽሪ፡ ስልጠና፡ መሳለጥያ ሓገዛት ይግበረልና ነይሩ’ዩ። ንኣብነት፡ ሳላታቶም ግምሩክ ዝነበሮ ናይ ፎቶኮፒ መሳርሒ፡ ኮምፕዩተራት፡ መካይን፡ ሬድዮ ሃለው ወዘተ ፍታሕ ረኺቡ። ኣብ ስልጠናን ምኽርን’ውን ካብ ኮሜሳ ዝተላእከ ጀላል ዝብሃል ሱዳናዊ ብዛዕባ’ቲ ኣብ ኮሜሳ ዝጥቀሙሉ ኣሲኩዳ ዝብሃል ፕሮግራም ኣፈናዊ ዝኾነ ትምህርቲ ሂቡ ነይሩ። ድሒሩ’ውን ሚስተር ፒተር ብሎምፊልድ ዝብሃል፡ ብኣህጉራዊ ማዕከን ገንዘብ ዝተላእከ እንግሊዛዊ ክኢላ ንኣስታት ሽዱሽተ ኣዋርሕ ኣቢሉ ኣብ ግምሩክን ኣታዊ ውሽጢ ሃገርን ከም ኣማኻሪ ሰሪሑ። እቲ በብግዜኡ ዝውሃብ ዝነበረ ምኽርን ሓበሬታን ኣዝዩ ጠቓሚ’ኳ እንተ ነበረ፡ ብወገን ሚኒስትሪ ፋይናንስ ይኹን ብመንግስቲ ቅሩብነት ስለ ዘይነበረ፡ እቲ ኣብ 1998 ክሰርሕ ክጅምር ዝተባህለ ኣሲኩዳ፡ ኣብ ከባቢ 2005 ብሕታዊ ንግድ ብኣዋጅ ምስ ተኸልከለ ክትግበር ጀሚሩ። ድሕሪ ማይ ናብ በዓቲ ስለ ዝኾነ ግን እንታይ ክዓብስ?

ምስዚ ብዝተኣሳሰር፡ ምስቶም ኣማኸርቲ ኣህጕራዊ ትካላት ብዛዕባ ኣወዳድባ ግምሩክ’ውን ንዘራረብ ኔርና ኢና። ሽዑ ፍላንሳ ካብ ግምሩክ ይፈለዶ ኣይፈለ ዝብል ሕቶ ርሱን ነይሩ። ብፍላይ ጀላል፡ “ፍላንሳ ካብ ግምሩክ ተፈልዩ ክሰርሕ እንተ ወሲንኩም ዕድመኹም ምሉእ ክትሳቐዩ ክትነብሩ ኢኹም። እዚ ጕዳይ’ዚ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃን ዓለምን ተፈቲኑስ፡ ውጽኢቱ ዕንወት ጥራይ ኮይኑ ስለ ዝተረኽበ ኩላቶም ናብቲ ዝነበሩዎ ኣወዳድባ ክምለሱ ተገዲዶም፡” ክብል ኣትሪሩ ገሲጹና ነይሩ። ሚስተር ፒተር ወኪል ኣህጉራዊ ማዕከን ገንዘብ ንባዕሉ ካብ ናይ ጀላል ዘይፍለ ምኽሪ ሂቡና። ብዘይካ’ዚ ካብ ናይ ዓለም ባንክ ዝተላእኩ ዝተፈላለዩ ክኢላታት ይኹኑ ካልኦት ኣማኸርቲ ተመሳሳሊ ሓበሬታ ነይሩዎም። ልዕሊ ዅሉ ግን ነቲ ስራሕ ብግብሪ ንዕዘቦ ኔርና።

ሓለፍቲ ግምሩክ፡ ልዕሊ ዅሉ ድማ ወዲመስፍን ነቲ ስራሕ ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ከብጽሖ እናተቓለሰ ከሎ፡ ብላዕሊ ይኹን ብታሕቲ ዝሕግዝ ኵነታት ኣይነበረን። እቲ ብሚኒስትሪ ፋይናንስ ዘጋጥም ዝነበረ ጸገም ክብድ ዝበለን ነቲ ስራሕ ፋሕብትን ዘእቱን’ዩ ነይሩ። ኣብ መደበራት ርኡይ ናይ ክኢላታት ጸገም ነይሩ። ሓለፍቲ መደበራት ዓቕሞም ድሩት ምንባሩ ከይኣክል፡ ካብ ግምሩክ ዝተኣስሩ ሰባት ስለ ዝነበሩ ካብ ፍርሒ ተበጊሶም ንዝኾነ ሕቶ ናብ ማእከላይ ቤትጽሕፈት የምርሑዎ ነይሮም። እዚ ድማ ንተገልገልቲ ገልታዕታዕ ኣብ ርእሲ ምባሉ፡ ማ/ቤ/ጽሕፈት ስርሑ ኣብ ክንዲ ዝሰርሕ ናይ ተገልገልቲ ጥርዓን ኣብ ምስማዕ ክሕጸር ይግደድ ነይሩ። ሓለፍቲ መደበር ኣብ ክንዲ ኣብ ሕጊ ተመርኵሶም እቲ ዝግባእ ዝሰርሑ፡ እንተ ደልዩ ዋና ይኽሰስ እናበሉ ዘይተኣደነ ዲፖዚትን ዋጋን ይስልዑ ነይሮም። ስለ ዝኾነ፡ እታ ኣብ ማ/ቤ/ጽሕፈት ዝነበረት ኮሚቴ ነዚታት ክትርኢ ግዜ ክተባኽን ትግደድ ነይራ። እታ ኮሚቴ’ውን ጽቡቕ ክትሰርሕ ጸኒሓ፡ ኣብ ውሱን ግዜ ክልተ ሰባት ክሕንግዱ ስለ ዝጀመሩ፡ ንዝቐረበልና ጕዳያት ሕጊ ተወኪስና፡ መሚናን ወሲንና ክነብቅዕ፡ ውሳኔ ተጻሒፉ ኣብ ምፍራም ምስ በጻሕና፡ “ጽባሕ ንግሆ ተሓተቲ ክንከውን ስለ ዘይንደሊ ኣይንፍርምን ኢና። እንተ ደለየ ዋና ናብ ልዕለና ይጥራዕ” ክብሉ ጀሚሮም። እቲ ስራሕ መታን ከይዕንቀፍ፡ ሓላፊ ድማ ናቱ ውሳኔ መታን ክህብ በቲ ሕጊ መሰረት ነቲ ውሳኔ ዝደገፉዎን ዘይደገፉዎን ተባሂሉ ነናትና ክንፍርም ንግደድ ኔርና።


[1] ማክሮ ፖሊሲ ቅድሚ ምእዋጁ፡ ሽጋራ ብዘይካ ብሞኖፖል ብኻልኦት ትካላት ክኣቱ ክልኩል ከሎ፡ ካብቲ ናይ ደርግ ራስገዝ ብዘይፍለ ኣገባብ ምምሕዳር፡ ኣብ ደንካልያ ብውልቀ ነጋዶ ክኣቱ ፍቑድ ነይሩ። ድሕሪ ኣዋጅ ማክሮፖሊሲ ግን ሽጋራ 212% ተሰሊዑሉ ጥራይ ዘይኮነ፡ ብዓሰብ ከይኣቱ’ውን ስለ ዝተኸልከለ፡ ብዓሰብ ኣትዩ ዝነበረ’ዩ ዝብሃል ሽጋራ ብዙሕ ጸገም ክፈጥር ተራእዩ። ድሕሪ ማክሮ’ውን ገልዓሎ ንባዕላ ከም ማርሳ ትሰርሕ ነይራ’ያ። ከም ሳዕቤን ድማ ነቲ ዘይሕጋዊ ተግባራት ንምዕጋት ሕጋዊ ምልክታ ክነውጽእ ተገዲድና።

[2] ሰረጀቓ፡ ድሕሪ ምጥያሳ ብዙሕ ኣይደንጐየትን ነደኣ ክትርኢናብ ሆላንድ ክትገይሽ ሓቲታ። ተፈቒዱላ ድማ ብሕጋዊ መንገዲ ካብ ሃገር ወጽአት። ጕዳይ ትራንዚት ናብ ሓደ ርሱን ሕቶ ተቐዪሩ እሰር ኣሳራይ ምስ ኮነ ሚኒስትሪ ፋይናንስ፡ “ሰረጀቓ ኣበይ ኣላ?” ዝብል ሕቶ ብኣባላት ገበን መርመራ ቀሪቡሉስ፡ “ናብ ሆላንድ ከይዳ፡” ክብል መሊሱ። ብኸመይ ከይዳ? ዝብል ሕቶ ምስ ሰዓበ ድማ፡ “ጥይስቲ ስለ ዝኾነት ብሕጋዊ መንገዲ ተፈቒዱላ ወጺኣ፡” ዝብል መልሲ ኣስዒቡ። ብኸምዚ ኣብ ክንዲ ንዓመታት ኣብ እንዳ ወንጀል እትበሊ ኣብ ኣመሪካ ቈልዓኣ ሓቝፋ ጽቡቕ ህይወት ተሕልፍ ከም ኣላ። ካብቲ ድሒረ ኣብ ቤትማእሰርቲ ዝረኸብኩዎ ተኽለ ርእሶም ክፈልጥ ክኢለ። ኣብታ ምስኡ ንዓሰርተ መዓልታት ዝጸናሕኩላ ግዜ፡ ንተኽለ ርእሶም ሰረጀቓ ዲክለረሽን ፈሪማ ትህቦ እንተ ነይራ ሓቲተዮ ነይረ። ከምኡ ዝብሃል ነገር ከም ዘይነበረ ገሊጹለይ። ብወገነይ ሰረጀቓ ኣብ ከምኡ ነገር ውዒላ ዝብል እምነት የብለይን። ጕዳይ ተኽለ ርእሶም ኣብ ዝቕጽል ምዕራፋት ክጥቀስ’ዩ።

[3] ላንዲን ሴርቲፊኬት ክብሃል ከሎ፡ ሓደ ኣቕሓ ናብ ሃገር ምስ ኣተወ፡ ዋና ብቀረጽ ምብዛሕ ይኹን፡ ግጉይ ኣቕሓ ስለ ዝተላእከሉ ወይ ብኻልእ ምኽንያት፡ ነቲ ናብ ሃገር ዘእተዎ ኣቕሓ ናብ ዝተበገሰሉ ቦታ ክመልሶ ምስ ዝደሊ፡ ናብ ግምሩክ ጥርዓን የቕርብ’ሞ፡ ቀረጽ ናይቲ ንብረት ከም ትሕጃ ምስ ከፈለ፡ እቲ ንብረት ብግምሩክ ተዓጂቡ ኣብ መርከብ ወይ ነፋሪት ይድይብ። ዋና ነቲ ንብረት ኣብ ዝተበገሰሉ ቦታ ምስ ኣብጽሖ፡ ካብ ናይ ዝምልከቶ ሃገር ግምሩክ መረጋገጺ ሰነድ የምጽእ። እዚ ላንዲን ሰርቲፊኬት ታባሂሉ ይጽዋዕ። ዕላማኡ ድማ ዋና ነቲ ንብረት ቀረጽ ከይከፈለ መታን ከየሕልፎ ከም መቈጻጸሪ ከገልግል ተባሂሉ ኣብ ምሉእ ዓለም ዝሰርሕ ሕጊ ግምሩክ’ዩ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • MightyEmbasoyra March 13, 2014

    This is economics and history combined and very educational. Thank you, Ato Estifanos!

  • honest March 15, 2014

    Love to read it profession, corruptions management

POST A COMMENT