Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ምዕራፍ 9፡ ኣባላት ካሜራ 15

ምዕራፍ 9፡ ኣባላት ካሜራ 15                                                       ንዓለም ረስዑዋ። ኣብዚ ህይወት ካልእ ትርጕም’ዩ ዘለዋ። እዛ ሃገር’ዚኣ መዓስከር’ያ።  ኣብ ናይ ጆግራፍ፡ ናይ ስነኣእምሮ፡ ወይ ናይ ታሪኽ መጻሕፍቲ የላን። እዛ ሃገር’ዚኣ፡ እታ 99% ካብ ህዝባ ክነብዕ

ምዕራፍ 9፡ ኣባላት ካሜራ 15

                                             

        ንዓለም ረስዑዋ። ኣብዚ ህይወት ካልእ ትርጕም’ዩ ዘለዋ። እዛ ሃገር’ዚኣ መዓስከር’ያ።  ኣብ ናይ ጆግራፍ፡ ናይ ስነኣእምሮ፡ ወይ ናይ ታሪኽ መጻሕፍቲ የላን። እዛ ሃገር’ዚኣ፡ እታ 99% ካብ ህዝባ ክነብዕ ከሎ ሓደ ሰብ ዝስሕቀላ ሃገር’ያ።

                                                                               ኣለክሳንደር ሾልዘኒስቲን 

4. ዓብደላ፡ እዚ መንእሰይ’ዚ ኣቡወርዳ ብዝብል ሳጓ’ውን ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣብ ምዕጕርቱ ዘለዋ ዓበይቲ ጥባሓት ዝረኣየ ሰብ ጽሩይ ቢንዓምራዊ’ዩ ምበሎ። ንሱ ግን ወዲ ኣስማጥ ኮይኑ ማርያዊ’ዩ። ኣቡወርዳ ዳርጋ ካብ ጉስነት ወጻኢ ዝፈልጦ ህይወት ኣይነበሮን። ኣብቲ መጀመርያ፡ “ኣንታ እዝስ ከም ስርዓት ምተጸምደ፡” ዘይበልና ኣይኮንና። ከም መንእሰይ መጠን ንለውጢ ቅሩብ ስለ ዝነበረ ግን ኣዝዩ ቅልጡፍ ምዕባለ ከርኢ ኽኢሉ። ኵነታቱ ስለ ዘተባብዓና ምጽሓፍን ምንባብን ክንምህሮ ጽዒርና። ይሓፍረና ስለ ዝነበረ ንገለ መዓልታት ጸሓሒፉ። ጸወታ ካርታ ኢሉ ምስ ጀመረ ግን ርሳስን ጥራዝን ከም ሕሱም ጸሊኡወን። ቀንዲ ጸገሙ ትህኪት’ዩ ነይሩ። ምስ ገለ ካብቶም መንእሰያት ዕርክነት ስለ ዝጀመረ ድማ፡ ኣብ ጸወታ ካርታ ተጸሚዱ ክውዕልን ክሓድርን ጀሚሩ። ብኸምዚ ድማ ግዜኡ ሓንቲ ቍምነገር ከይገበረሉ ብኸንቱ ኣሕሊፉዎ። ኣቡወርዳ ከም ሰብ መጠን እምብዛ በሊሕ ነይሩ። ምስቲ ዅሉ ድሕረቱ ዝበልካዮ ነገር ብኣጋ ቆብ የብል ነይሩ ጥራይ ዘይኮነ፡ ሓደ ሓደ ግዜ ልዕሊ መምህሩ ክኸይድ ንዕዘቦ ኔርና። እቶም ሰብ ገንዘብ፡ ካርታ ኣብ ዝጻወቱሉ ግዜ ብጐድኒ ኾይኑ ካብ ምዕዛብ ካርታ ከም ዝተወድአት ቅድሚ ዋናኣ ይፈልጥ’ሞ፡ “ወረገት ክልሲት ህለት፡” ብምባል ነቲ ሒዙዋ ዘሎ ሰብ ሓበሬታ ይህቦ ነይሩ። ምስቲ ፍቱው ምንባሩ፡ ነጊርካ ኢሉ ዝገንሖ ሰብ ኣይነበረን። ክልተ ብኽልተ ኮይኖም ክጻወቱ ኸለዉ ድማ ንሱ ዘለዋ ጋንታ ጥራይ ትስዕር ነይራ።

ካብዚ ዝተበገሰ፡ ወግሐ ጸብሐ ምስቶም ሰብ ገንዘብ ኮፍ ኢሉ ክዕዘብ ወይ ድማ ደንጊጾም እንተ ኸፊሎምሉ ሓመድ ክጋበር ይውዕል። ሓደ ሓደ ግዜ ማዕረ ሰላሳ ብር ይበልዕ’ሞ፡ “በል ሕጂ ጸወታ ግደፎ ኮመደረ፡ ሽኮር ግዛእ፡” ክብሃል ከሎ፡ “ሕደገና ንተልሀ ያኣኺ፡” ብምባል እተን ገንዘብ ክሳብ ዝንገፋ ይጻወት። ዝሓዘ ዘይብሉ፡ በተኽ ክነሱ ብገንዘብ ዝመጽአ ቀባጽ ነይሩ። መብዛሕትኡ ግዜ ኣሮን ዝብሃል ነጋዳይ ዳርጋ ናብ ዓርኩ ስለ ዝተቐየረ፡ “ኣቡወርዳ ንዓ ካልኣየይ ኩን፡” እናበለ ይኸፍለሉ ነይሩ። እንተ በልዐ ጽቡቕ፡ ኣይበልዐን ከኣ ንጽባሒቱ’ውን ይኸፍለሉ ነይሩ። ናይ ኣሮንን ኣቡወርዳን ዕርክነት ፍሉይ ካብ ምንባሩ ዝተላዕለ፡ ኣቡወርዳ ብሽኮር ይኹን ኮመደረ ተሸጊሩ ይፈልጥ ኣይነበረን። ብዘይካ’ዚ ኣብ ቤትማእሰርቲ ምስ ዝተላለዮም ሰባት ጽቡቕ ዝምድና’ኳ እንተ ፈጠረ፡ ምስ ኩላቶም ደቂ ከባቢኡ ይኹን ደቂ ሃይማኖቱ ዝነበሮ ዝምድና ግን ከምቲ ዝድለ ኣይነበረን። እቲ ምኽንያት ድማ ምስ ኣተዓባብያኡ ይኹን እምነቱ ዘይቃዶ ተግባራትን ኣተሓሳስባን የተኣናግድን ይቕበልን ብምንባሩ’ዩ። መጀመርያ ካርታ ሒዙ እንተ ጸኒሑ፡ “ሓር ግል እሰለቱ፡” ብምባል ስግዳን ሸለል ክብል ጀሚሩ። ጸኒሑ ድማ ጠቕሊሉ ስግዳን ብምቍራጹ ንኹላቶም ኣመንቲ ኣብ ስምባደ ኣእተዎም። ገለ ካብኣቶም ክመኽሩዎ’ኳ እንተ ፈተኑ፡ “ረቢ እንተ ዝህሉ ኣብዚ ኣይምደርበየናን፡” ብምባል ጸማም እዝኒ ሂቡዎም። ብዛዕባ ሃይማኖት ምስልምና ምጡን ተሞክሮ ኣለኒ። ከም ኣቡወርዳ ኣዝዩ ፍሉይ ዓይነት ሰብ ከጋጥመኒ ግን ንመጀመርያ ግዜ ነይሩ።

ናይ ኣቡወርዳ ነገር መወዳእታ የብሉን። ይምሰለሉ ይኸውን ኢሎም ብተስፋ እናተጸበዩዎ ኸለዉ ሮሞዳን ኣትዩ ጾም ተጀመረ። ኣቡወርዳ ግን ጾም ኣይገደሶ፡ ክሰግድ ኣይበለ፡ ክጸውም ኣይበለ ጨሪሹ ካብ ምስልምና ረሓቐ። እቶም ክርስትያን ከይተረፍና፡ “ኣቡወርዳ፡ ናይ ካልእ እዋንስ ደሓን፡ ብፍላይ ኣብ ግዜ ጾም ግን ክትጸውምን ክትሰግድን ይግብኣካ፡” ኢልና በብወገንና ዘይመዓድናዮ ኣይኮናን። ብፍላይ ሓደ ካባና፡ “ረቢ ከምዚ’ዩ ዝብል፡ ቍርኣን ድማ፡” ኢሉ ገለ ቃላት ካብ ቁርኣን ጠቒሱ ምስ ተዛረቦ፡ ‘ሕደገና’ስኪ፡ ኣበይ ዘሎ ረቢ’ዩ! ኣነ ከም ዘይሰግድ ሓንሳብ ነጊረኩም’የ፡” ክብል ዘሰምብድ ዘረባ መሊሱሉ። “በሉ ግደፉዎ። ብጾቱ እንቋዕ ኣይሰምዑዎ፡” ኢልና ድሌቱ ክገብር ሓዲግናዮ። ብጾቱ’ውን በብዓቕሞም ፈቲኖም ክዕወቱሉ ግን ኣይከኣሉን። ብኸምዚ ድማ ክሳብ ዘርከብናሉ፡ ኣይሰግድ፡ ኣይጸውም ካርታ ክጻወትን ምስ ገለ ሰባት ኣብ ማዕጾ ተጸጊዑ ወጃዕ ክብልን ጥራይ መሬት ይዓርቦ ነይሩ። ሕብረተሰብና ሰላማዊ ስለ ዝኾነ እዩ’ምበር፡ ኣብ ካልእ ሃገር እንተ ዝኸውን ኣቡወርዳ ብሰንኪ መልሓሱን ተግባሩን ብካራ ተሓሪዱ ህይወቱ ምሰኣነ ነይሩ ዝብል ገምጋም ኣለኒ።

ኣቡወርዳ ብምንታይ ከም ዝተኣስረ ክሕተት ከሎ፡ “ኣጣለይ እናጓሰኹ ከለኹ ተጋደልቲ መጺኦም ካብ ድኳን ሽኮርን ሽጋራን ገዚእካልና ምጻእ ኢሎምኒ። እቲ ድኳን ቀረባ’ዩ ነይሩ ከይደ ኣምጺአሎም። ካልእ መዓልቲ’ውን ከምኡ ልኢኾምኒ ከይደ ኸኣ ኣምጺአሎም። ድሕሪ ወርሒ ኣብ ምምሕዳር ትድለ ኣለኻኢሎም ብምጽዋዕ ኣሲሮምኒ። ካብኡ ናብ ከረን፡ ካብ ከረን ድማ ናብዚ ኣምጺኦምኒ። ብጕዳይ ጅሃድ ከም ዝተኣሰርኩ ኣብዚ ምስ ኣተኹ ካብ ካልኦት ብጾት’የ ሰሚዐ። ብዘይካ ኣጣል ምሕላው ካልእ ዝፈልጦ ነገር ኣይነበረንን፡” እዩ ዝብል። ብርግጽ፡ ኣቡወርዳ ዝፈልጦ ነገር ክህሉ ከም ዘይክእል ካብ ኵነታቱ ርዱእ ነይሩ። ንኣባላት ጅሃድ፡ እንተ ብፍላጥ እንተ ብዘይፍላጥ ክለኣኾም ይኽእል’ዩ። ይደናገጽ ወይ ይድግፎም ነይሩ ኢልካ ክትዛረብ ግን ካብ ሓቂ ምርሓቕ’ዩ። ይትረፍ ንሱ፡ ዝኾነ ዓቢ ዓዲ ጅሃድ ተለኣኸና ኢሎሞ እንተ ኣብዩ ወይ ምስ ተላኣኾም ንመንግስቲ ብዛዕባ ምንቅስቓሶም እንተ ሓቢሩ፡ ኣብ ቅድሚ እኩብ ህዝቢ ብወተጉ ከም ዝሕረድ ይፈልጥ’ዩ። ኣብቲ እዋን’ቲ ድማ ሚሊሽያ ህግሓኤ ብምሉኣቶም ብትእዛዝ መንግስቲ ብረቶም ኣረኪቦም ስለ ዝነበሩ ንመከላኸሊ ዝጥቀሙሉ ብረት ኣይነበሮምን። እዚ ጭካኔ ዝመልኦ ተግባር’ዚ ብኣባላት እስላማዊ ጅሃድ ይፍጸም እንተ ነይሩ ሓቲተሉ፡ ብጭቡጥ ይፍጸም ከም ዝነበረን ብሰንኩ እስላማዊ ጅሃድ ደገፍ ህዝቢ ከም ዝሰኣነ ምሳይ ተኣሲሮም ንዝነበሩ ብጾት ብምሕታት ከረጋግጽ ክኢለ።

ስለዚ፡ ብዘይካ’ቶም ኣብ ውግእ ዝተማረኹ፡ እቶም ተላኢኽካ’ባ ኣይሓበርካን’ባ ብዝብል ምስምስ ዝተኣስሩ ብርክት ዝበሉ ሰባት፡ ክእሰሩ ከም ዘይነበሮም ትድምድም። እንተ ገደደ ኸኣ ንገለ ኣዋርሕ ኣሲርካ ምስኡ’ውን ትምህርቲ ሂብካ ምስዳዶም ይሓይሽ ነይሩ። ካብኡ ተረፈ፡ ሓንቲ ዘይፈልጡ ጓሶት ንዓመታት ምእሳር ምስ ድንቍርና ይቝጸር ጥራይ ዘይኮነ፡ ካብ ስድራቤቶም ንዓመታት ነጺልካ ካብ ምድጓኖም ዝርከብ ትርፊ ክህሉ ኣይክእልን። እኳ ደኣ መንግስቲ ንዓታቶም ዘውጽኦ ቀለብ ኣብ ርእሲ ምኽሳሩ፡ ከም ሰባት መጠን’ውን ይኸስሮም’ዩ ነይሩ። ምኽንያቱ ብዘይ ሕቶን መርመራን፡ ብዘይ ሕጋዊ ፍርድን ንኽንድኡ ዝኣክል ዓመታት ክእሰሩ ከለዉ፡ ንመንግስቲ ከም ጸላኢኦም ስለ ዝጥምቱዎ ካብ መኽሰቡ ክሳራኡ ከም ዝበዝሕ ርዱእ’ዩ።

5. ዓሚ ግላይዶስ፡ ኣዝዩ ሓጺር ሰብኣይ ኮይኑ፡ መልክዑ ዳርጋ ካብ ሰብ ናብ ህበይ ይቐርብ እንተ ተባህለ ምግናን ኣይኮነን። እዚ ንምቁንጻቡ ዘይኮነ እቲ ሓቂ ንሱ’ዩ። ዓሚ ግላይዶስ ኣብ ጠባይ’ውን ኣመና ተኣፋፊ ሰብ’ዩ ነይሩ። ብሓደ ፍሉይ ምኽንያት ግን ልዕሊ ዝኾነ ሰብ ናባይ ይቐርብ ነይሩ። እቲ ዝያዳ መቀራረቢና ከምዚ ዝስዕብ ነይሩ። ንሱ ብሰንክ’ቲ ቀጢን ጠባዩ ደቂ ዓዱ ምስ ዝነበሩ መተኣስርቱ ብዝተፈላለየ ቀንጠመንጢ መዓልታዊ’ዩ ዝብኣስ ነይሩ። ዝያዳ ዘቀራሓኖ ጕዳይ ቁርኣን ነይሩ። ኣብ መንጎ ኩላቶም ኣመንቲ ምስልምና፡ ናይ ሼኽ ዳውድ ገዲፍካ ኣብታ ካሜራ ሓንቲ ቁርኣን ጥራይ’ያ ነይራ። ነዛ ቁርኣን’ዚኣ ኣብ ምንባብ ብደንጕኻኒ’ባ ከሊእካኒ’ባ ዝተበገሰ፡ ብፍላይ ምስ ገለ ካብ ደቂዓዱ ኣብ ባእስን እንክሔራን ስለ ዝበጽሐ ማዕረ፡ “ደጊም ምሳኻትኩም ስግዳን ይትረፈኒ፡” ብምባል ንበይኑ ክሰግድ ጀሚሩ ነይሩ። ንኵነታቱ ድሕሪ ምዕዛበይ፡ “ዓሚ ግላይድዮስ፡ እግል ሚ ክእኒ ትወደ ህሌካ?” ክብል ተወከስኩዎ። “ወላሂ እሎም ጀማዓቼ ሙጅሪሚን’ቶም። ትርእዮም ህሌካ ኪታብ ኣላህ እንደ መንዓውኒ፡ ንኦሶም ሌጣ ቀርኡ ህለው። ዛቱ ሙእሚኒን እግል ቲበሎም ይትቐድርኒ፡” ክብል ከም ኣመንቲ ምስልምና ከም ዘይቈጽሮም ኣፍ ልቡ ነፊሑ መለሰለይ።

ንዓታቶም ረኺበ ምስ ኣዘራረብኩዎም ግን እቲ ነገር ኣብኡ ዘብጽሕ ከም ዘይነበረ ስለ ዝተረድኣኒ፡ እቲ ጸገም ካብቲ ሰብኣይ ከም ዝዝኾነ ተገንዚበ። ንዑኡ ኣደዓዒሰ ድማ ናብ ጕዳየይ ኣድሃብኩ። ለይቲ ምስ ደቀስኩ ኣብ ገዛ ሓዳስ ቁርኣን ከም ዝነበረትኒ ዘከርኩ። ብመጽሓፍ ስለ ዝግደስ ኣብ ባጽዕ ከለኹ ዝረኸብኩዋ’ያ ነይራ። ንቐዳሙ ንበዓልቲቤተይ፡ “ኣብ ገዛ ዘላ ቁርኣን ቀልጢፍኪ ከም ትሰድለይ ግበሪ፡” ዝብል መልእኽቲ ጸሓፍኩላ። ኣብ ሰሙኑ ድማ እታ መጽሓፍ ከተፍ በለት። ዓሚ ግላይድዮስ ነታ መጽሓፍ ኣብ ኢዱ ክሳብ ዘረክቦ ይፈልጥ ኣይነበረን። ኣብ ኢደይ ምስ በጽሐት፡ “ዓሚ ግላይድዮስ!” ኢለ ምስ ኣድሃኹዎ፡ “ሚቱ ፋኑስ፡” በለኒ ፍሽኽ ብምባል ኣብ ፍርናሸይ ኮፍ እናበለ። ልዕሊ ሰብ እቐርቦን ተስፋ እህቦን ስለ ዝነበርኩ እምብዛ’ዩ ዝፈትወኒ ነይሩ። “እብ ሰበብ ቍርኣን ምስል ጀማዓትካ ትትበኣስ ዓልካ ምሽ?” ምስ በልኩዎ፡ “ኣበ፡ ኣስክ ኣዘ ከማን መሽክለቼ ሓል ኢረክበትኒ። ዲብ ስጅን ህሌኩ እንደ ኢኮን፡ ኣና ግላይድዮስ ኣና፡ ዓስር ቍርኣን ወኣምጤኩ ዓልኩ፡” ክብል ተጃሃረ። “ጠይብ ቍርኣን ሓቆ ኣምጤኩ ግልካ ምስል እሎም ጀማዓትካ ትትዓረ ወላ ይትትዓረን?” ኢለ ተወከስኩዎ። “ወላሂ ኣሳስ ናይላ መሽክለት ቍርኣን ሰበት’ታ ናየ ቁርኣን ሓቆ ጸበጥኮ እግልሚ ይትዓረን?” ምስ በለኒ፡ ነታ ኣብ መተርኣሰይ ኣቐሚጠያ ዝጸናሕኩ ቁርኣን ኣቐበልኩዎ።

ሰብኣይ ከምዚ ሓደ መለኮታዊ ሓይሊ ካብ ሰማይ ዘንጠባ መሲሉዎ ነዒንቱ ክኣምነን ኣይከኣለን። ክርስትያን ክነሰይ ማዕረ ክንድ’ዚ ተገዲሰ ቍርኣን ክህቦ ምኽኣለይ እናገረሞ ነታ መጽሓፍ ገማጢሉ ተዓዘባ። ሓዳስ ካብ ባኮ ዝወጽአት’ያ ነይራ። “ወድ ረቢ እንታ ወላሂ!” እናበለ ኢደይ ድሕሪ ምስዓም ደጋጊሙ ኣመስገነንን መረቐንን። ኣብ መጨረሽታ፡ ነታ መጽሓፍ ከም ናይ ውልቁ ሓሲቡ ንብጾቱ ክኽልክሎም ከም ዘይብሉ ምዒደ ኣፋነኹዎ። ብድሕሪኡ ናብቶም ዝቐርቦም ከይዱ ብኢዱ ናባይ ገጹ ኣናመልከተ ሰፊሕ መግለጺ ክህቦም ከሎ ተዓዘብኩዎ። ዓሚ ግላይዶስ ምሳይ ዝነበሮ ዝምድና ሰማይ ዓሪጉ፡ “መን ፈጠረካ? ፋኑስ” ኮነ ዘረባኡ። ስለዝኾነ፡ ገለ ነገር እንተ ኣጋጢሙዎ ቅድሚ ናብ ባእስን ዕግርግርን ምእታዉ ናባይ መጺኡ እንታይ ክገብር ከም ዘለዎ ምኽሪ ይሓተኒ፡ ንምኽረይ ተቐቢሉ ድማ ኣብ መስመር ይኣቱ ነይሩ። ናይ ዓሚ ግላይድዮስ ነገር ግን መመላእታ ኣይነበሮን። ሎሚ ምስ ሓደ፡ ጽባሕ ምስ ካልእ ክብኣስ መሬት ይዓርቦ ነይሩ። ዝብኣሶ እንተ ስኢኑ ድማ ባዕሉ ገለ ዘባእስ ነገር ክፈጥር ነይሩዎ። ሓደ ግዜ ንሃብተ ኮልጌት ክዕድግ ምስ ረኣዮ፡ “እዚ ሒዝካዮ ዘለኻ እንታይ’ዩ?” ክብል ተወከሶ። ሃብተ ትግረ ይመልኽ ኣብ ርእሲ ምንባሩ፡ ካብ ለውሃት ተበጊሱ ብጕዳይ ጅሃድ[1] ንዝተኣስሩ ኣመንቲ ምስልምና ከም ሽኮር፡ ዓሲር፡ ኮመደረ ይዕድገሎም ነይሩ’ዩ። ዓሚ ግላድዮስ ምስኡ ጽቡቕ ርክብ ስለ ዝነበሮ ድማ ልዕሊ ዅሉ ሰብ ተጠቃሚ ነይሩ።

ሃብተ፡ ኮልጌት ምዃኑን ንስኒ መጽረዪ ከም ዝጠቅምን ምስ ነገሮ፡ “እሞ ንዓይ ከኣ ከምኡ ዓድገለይ፡” ስለ ዝበሎ ኣየዛረቦን ንጽባሒቱ ኮልጌት ምስ ብራሹ ዓዲጉ ኣረከቦ። ገለ ንዓሚ ግላይድዮስ ዘይፈትዉዎ እሱራት፡ “ግላይድዮስ ከኣ ኣየናይ ስኒ ሒዙ እዩ ንሃብተ ኮልጌት ዝሓተቶ! እዚ ዅሉ እናገበረሉ ከሎኸ ማዕረ ኮልጌት ክሓቶስ ቍሩብ ኣይሓፍርን ድዩ? ላተልሓሱ ዘሚለክ ሓታ የኩን ዓሰል ይብሉ ዓረብ፡” ክብሉ ተዛሪቦምን ሓምዮምን። ዝምድና ዓሚግላይዶስን ሃብተን ግን ኣብ ግዜኡን ቦታኡን ክንርእዮ ኢና’ምበር ከምቲ ዝድለ ኣይቀጸለን። ብወገነይ እቲ ሰብኣይ ብሰንኪ ናፍቖት ናይ ስድራቤቱ ብርቱዕ ናይ ሓንጐል ጸቕጢ ከም ዝነበሮ ክዕዘብ ክኢለ። ምኽንያቱ፡ ብዛዕባ ዝኾነ ነገር ኣልዒልካ ክተዛርቦ ከለኻ ጽቡቕ ይርዳእ ነይሩ ጥራይ ዘይኮነ፡ ንኻልኦት ሰባት’ውን ክምዕድን ከረድእን ይፍትን ነይሩ። ዝበዝሕ ግዜ ብጸቕጢ ናይ ሓንጐል ስለ ዝሳቐ ግን ማናቲለኡ ይቕልቀላ’ሞ፡ ብዝጠቅምን ዘይጠቅም ነገር ናብ ነብሪ ተቐዪሩ ንምልእቲ ካሜራ ዕግርግር የእትወላ። ንመባእስቱ ብዝረኸቦ ነገር ይሃርም ኣብ ርእሲ ምንባሩ ምስ ዓረቕቱ ከይተረፈ ይበኣስ ነይሩ። ስለዝኾነ፡ ብዘይካይ ዳርጋ ንካሜራ ብምልእታ ኣረኻኺቡላ ነይሩ ክብሃል ይከኣል።

ዓሚ ግላይዶስ ከም ዝበዝሑ ብጾቱ ብጕዳይ እስላማዊ ጅሃድ ከም ዝተኣስረ ነፍወከፍ ሰብ ይፈልጥ’ዩ። ብንጹር ብምንታይ ከም ዝተኸሰሰ ዝሕብር ሰብ ኣይረኸብኩን፡ ተገዲሰ’ውን ኣይሓትተኩሉን። ንሱ ከም መወለድ መንሳዓይ ኮይኑ ወዲ ገለብ’ዩ። ምስ ናይ ብዙሓት ጕዳይ ኣዛሚደ ክርእዮ ከለኹ ግን፡ “ኣስቤዛ ተላኢኽካዮም ወይ ረኺቦምኻ ክነሶም ንመንግስቲ ኣይሓበርካን፡” ዝብል ልሙድ ክሲ’ዩ ዝኸውን ዝብል ገምጋም’ዩ ዘለኒ። ብፖለቲካ ዝተኣስሩ ሰባት ናብ ቤትፍርዲ ስለ ዘይቀርቡ ግን ዓሚ ግላይዶስ’ውን ንፈውሲ ማሕላ’ውን ሓንቲ መዓልቲ ተሓቲቱ ወይ ተጸዊዑ ኣይፈልጥን። ኣብ መጨረሽታ ድማ ኣብ ቤትማእሰርቲ ከሎ እግሩ ከም ዝለመሰን ከም ዝሞተን ድሒረ ክኢለ።

6. ኣሮን፡ ብጕዳይ ትራንዚት ዝተኣስረ ነጋዳይ ኮይኑ ድሒሩ’ዩ ተሓዊሱና። ብዙሕ መደባት ፋሕ ስለ ዝበሎን ከም ባህሪ ድሩት ዓቕሊ ስለ ዝነበሮን፡ ማእሰርቶም ክጻወሩዎ ዘይክኣሉ ሰባት ብልጫ ዝወሃቡ እንተ ዝነብሩ ኣሮን ብዘይ ጥርጥር ብብሉጽ ነጥቢ ምተዓወተ ነይሩ። ብሓበሬታ ናይ ፈተውቱ ስለ ዝተኣስረ ኵሉ ግዜ ኣሕ! ካብ ምባል ዓዲ ውዒሉ ስለ ዘይፈልጥ ድማ ኵሉ ግዜ ንሕርቃን ወይ ንዅራ ድሉው ነይሩ። ጥዑም ዕላል እንተ ጀሚርካሉ ግን ኣብ ቤትማእሰርቲ ከም ዘሎ ረሲዑ ወጃዕ የብለካን ክሳብ ዝነብዕ ይስሕቅን ነይሩ። ምሳይ ዳርጋ ምጽእ ምስ በለ ኢና ተላሊና። ከዕልል ከሎ ኣዝዩ ጥዑም ሰብ ኮይኑ ሓያል ነጋዳይ ከም ዝነበረ ካብ ዕላሉ ክረዳእ ክኢለ። ሓንጐሉ ወትሩ ኣብ ጸቕጢ ስለ ዝነበረ ግን ኵሉ ግዜ ከብደይ ኣሕሚሙኒ ምስ በለ’ዩ ነይሩ። ዝበዝሕ እዋን ኣብ ጭንቀት ክኣቱ ኸሎ’ዩ ከምኡ ዝብል ነይሩ። መድሃኒት’ዩ እናበለ ድማ ጐረሮኡ እናሓርሓሮ ጻዕዳ ሽጕርቲ ብጥረኡ ይበልዕ ነይሩ። እዚ ንባዕሉ ጽቡቕ ይህቦ ስለ ዘይነበረ ግደፎ ኢልና ምስ ተቛየቝናዮ ክገድፎ ተገዲዱ። ድሕርዚ ምስ ጃዕፈር ጽቡቕ ምስ ተላለየ ማሳጅ ግበረለይ እናበለ ኣብ ፍርናሽ ደቂሱ ንርብዒ ሰዓት ይድረዝ። “ሕጂ ተማሒረ፡” ኢሉ ድማ ብድድ ይብል። መትንታቱ ተወጢሩ ውዒሉ ሕማቕ ይስምዖ ስለ ዝነበረ እቲ ማሳጅ ይጠቕሞ ከም ዝነበረ ርዱእ ነይሩ።

ኣሮን፡ ቀቅድሚ ናጽነት ብወገን ባርካን ሱዳንን ክነግድ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ድሕሪ ናጽነት ድማ ካብ ዓሰብ ናብ ኢትዮጵያ ይነግድ ነይሩ። ንግዲ ፈለጥና ማለት ከም ኣሮን የሎን ክብል እኽእል። ስለ ዝኾነ ጽቡቕ ከይዱ ከብቅዕ ድሕሪ ማክሮ ብዝተኸስተ ኵነታት ከም ኩላቶም መሳርሕቱ ናብ ዳስ ሓውያ ኣምሪሑ። ኣብታ ምሳና ዝጸንሓ ካብ ክልተ ዓመት ዘይትበዝሕ እዋን ብሓቂ ጽቡቕ ግዜ ኣሕሊፍና። ኣሮን ኣብ ጐድነይ’ዩ ዝድቅስ ነይሩ። ከምዚ ኾይኑ ግን ንሱ ኰለል ክብል ስለ ዝውዕል ኣብ ዳማ ጥራይ ንራኸብ ኔርና። ቅድሚ ምድቃስና ምስኡ ቍሩብ ድሕሪ ምዕላል ድማ ሬድዮ እናሰማዕኩ እድቅስ። እንተ ንሱ፡ ድቃስ ኣብዩዎ ተመሊሱ ኣብ ጥቓ ዓይኒምድሪ ኣብ ዘሎ ጐልጎል፡ ንልዕሊ ክልተ ሰዓት ኰለል ድሕሪ ምባል ክድቅስ ይፍትን። ሓንጐል ከይቀሰነ ግን ድቃስ በየን ክመጽእ ይኽእል? ኣሮን ብዘይካ ብዛዕባ ንግዲ ብዛዕባ ካልእ ነገር ኣፍልጦ ስለ ዘይነበሮ ኣብ ዕለታዊ ህይወቱ ክተዓጻጸፍን ንዅሉ ከከም ኣመጻጽኣኡ ክብድሆን ጸገም ነይሩዎ። ምስ ኣሮን ካብ ማእሰርቲ’ውን ርክብና ኣየቋረጽናን። ጸጸኒሕና ኣብ ከባቢ ገዛይ ኣብ ዝነበረ ባራት ንራኸብ’ሞ: “ይዝከረካዶ” እናበልና ነዊሕ ነዕልልን ንስሕቕን ኔርና።

ኣብ መጨረሽታ ብፍሉይ ክገልጾ ዝደሊ ናይ ሓደ ኣብ የማንና ኣብ ዝነበረት፡ ካብ ሽዱሽተ ሰባት ንላዕሊ ሒዛ ዘይትፈልጥ ካሜራ ዓሰርተ ሽዱሽተ ናይ ዝነበረ እሱር ክዝርዝር። ታሪኽ ናይቲ ሰብ ካብ ካሜራና ምስ ወጻእኩ ብወዝቢ’የ ሰሚዐዮ። እቲ ኣዝዩ ቀይሕ፡ ጽቡቕ ቍመና ዝነበሮ ካብ 22 ዓመት ዘይሓልፍ ምልኩዕ መንእሰይ ንዓመት ዝኣክል ብፌሮ ተኣሲሩ። ኣብ ውሽጢ ዓመት ንልዕሊ ወርሒ ኣቢሉ ተገሪፉ፡ ብዙሕ ግዜ ድማ ንመርመራ ክመላለስ ንርእዮ ኔርና። ታሪኽ ናይዚ መንእሰይ ከምዚ ዚስዕብ ነይሩ። ሓደ መዓልቲ ኣብ እዋን ክራማት ኣብ ሰዪዲቺ ዘላ ሆቴል ተሰሪቓ ሓዲራ። ዋና ሆቴል ድማ ናብ ነፋሲት ብምውራድ ኣብ መደበር ፖሊስ ኣመልኪቱስ፡ “ትጥርጥሮ ሰብ ኣለካ ድዩ?፡ ተባሂሉ ተሓቲቱ፡ “የብለይን” ክብል መሊሱ። ድሕሪ ሳልስቲ ሓደ ሰብ ናብ ዋና ሆቴል ብምኻድ፡ “ገንዘብካ ካብ’ዞም ኣብ ጽርግያ በለስ ዝሸጡ ዘለዉ እከለን እከለን ዝተባህሉ መንእሰያት ከም ዝኾኑ ኣረጋጊጸ ኣለኹ፡” ክብል ስለ ዝሓበሮ፡ ዋና ዳግማይ ናብ ነፋሲት ብምውራድ ንፖሊስ ሓቢሩ። ብኸምዚ ኣገባብ እቶም ንጹሃት መንእሰያት ኣብ እንዳ ወንጀል ድሕሪ ምድጓኖም፡ ንዓመት ብፌሮ ተሲሮምን ተቐጥቂጦምን።

እቲ ዝወንጀሎም ሰብ፡ ካብ ግዜ ሰውራ ኣትሒዙ ምስ ስድራቤት እዞም ደቂ ጽልኢ ነይሩዎ። ኣብ ርእስ’ዚ፡ ብኳደረ ክእዘዝ ከሎ’ውን ጸማም እዝኒ ዝህብ ዝነበረ ሰብ ምንባሩ ይፍለጥ። ኣብ ሰማንያታት ከባቢ ሰዪዲቺ ጸላኢ ብዝቐበሮ ነታጕ መሕለፊ ኣይነበሮን። ኣብዚ ግዜ’ዚ፡ እዞም ሽዑ ቈልዑ ዝነበሩ ክልተ መንእስያት ገለ ካብተን ዝሕልዉወን ዝነበሩ ኣጣል ፈንጂ ስለ ዝረገጻ፡ እዚ ገባር እከይ ናብ መዓስከር ጸላኢ ብምኻድ፡ “እዞም ነዘን ኣጣል ዝጓስዩ ቈልዑ ኮነ ኢሎም ነጣሎም ናብቲ ፈንጆ ዘለዎ ቦታ ከም ዝሰደዱወን ጭብጢ ኣለኒ፡” ዝብል ሓበሬታ ኣቕሪቡ። ከም ሳዕቤን ድማ እቶም ቈልዑ ተኣሲሮም ኣብ ቤትፍርዲ ቀሪቦም። ነቲ ጕዳይ ዝመርመሩ ፈራዶ ቅኑዓት ጸኒሖም ድማ “እዚኣቶም ቈልዑ ስለ ዝኾኑ ናብ ፍርዲ ክቐርቡ ኣይክእሉን’ዮም፡” ዝብል ውሳኔ ሂቦም። ብኸምዚ ድማ ክሳብ ናጽነት ሰላማዊ ህይወቶም ክመርሑ ጸኒሖም። እቲ ኣመለኛ ብዝኾነ ኣካል ስለ ዘይተሓተተ ግን ኣብ ግዜ ናጽነት’ውን ነቲ ግናይ ጠባዩ ቀጺሉዎ። ሰማዒ ስለ ዝረኸበ ድማ ንንጹሃት ሰባት ዳግማይ ክውንጅል ክኢሉ።

እቶም ደቂ ዕድሎም ገይሩዎ ድሕሪ ዓመት ሰራቒ ስለ ዝተረኽበ ብዘይዋሕስ ክፍትሑ ከለዉ እቲ ልሙድ፡ “ኣብ ከምዚ ቦታ ኔርና፡ ተገሪፍና፡ ተቐጥቂጥና ኢልኩም እንተ ተዛሪብኩም ናብ ዝነበርኩሞ ቦታ ከም ትምለሱ ፍለጡ፡” ዝብል ከቢድ መጠንቀቕታ ግን ተዋሂቡዎም። ኣብዚ እንሃለ እቲ ህግደፍ ዝስሙ ውድብ ዝኽተሎ ኣገባብ ፍትሒ።

ኣብ ካሜራ 15 ብርክት ዝበልና በብውልቅን በልማማን ዝተኣሰርና ሰባት ኔርና። ብፍሉይ ክጥቀስ ዘለዎ እንተ ነይሩ ብጕዳይ ኣስላማዊ ጅሃድ ናይ ዝተኣስሩ ዜጋታት’ዩ። ጭፍራ ህግደፍ፡ “ንዅሉ ግዜ ኣለዎ፡” ዝብል ናይ ንጉስ ሰለሙን ቃል ዝኽተል ክመስል ኣብ ዝተፈልየ ግዜ ፍሉይ ጭርሖ እናልዓለ ንዜጋታቱ ምእሳር ከም ልምዲ ወሲዱዎ ነይሩ። ስለዝኾነ፡ ካብ 1993 ኣትሒዙ በብመድረኹ ሰባት ክኣስር ተራእዩ። እቲ ዝያዳ ፍሉይ ግን ብጕዳይ እስላማዊ ጅሃድን ብፖለቲካ ናይ ዝኣሰሮምን ሰባትን ነይሩ። ምኽንያቱ፡ ህግደፍ ንዜጋታቱ ብብልሽውና ኣሲረዮም ክብል ከሎ፡ ንህዝቢ መታን ከነቓንቕን ኣብ ጐድኑ መታን ከሰልፍን መለኸቱ ብዓውታ’ዩ ዝነፍሓ። ዕላማኡ ህዝቢ፡ ‘መንግስቲ ብዘይ ምኽንያት ኣይኣስርን’ዩ፡’ ክብል’ምበር፡ ‘ኣብ ኤርትራ ናይ ፖለቲካ ሽግር ኣሎ፡ ወይ ድማ እስላማዊ ምንቅስቓስ ተላዒሉ፡’ ዝብል ስምዒት ከሕድር የብሉን። ስለዝኾነ፡ ማእለያ ዘይብሎም ርእይቶኦም ንዝገለጹ ወይ ንዝተቓወሙ ሰባት ክኣስር ከሎ ብምስጢር ከም ዝተሓዝ ብምእዛዝ ብመራኸቢ ብዙሓን ሓንቲ ቃል ክፍኖ ከቶ ኣየፍቀደን።

ብኣጠቓላሊ ክርአ ከሎ፡ ኣንፈት ህዝቢ ንምጥምዛዝ ተባሂሉ ዝግበር ውዲታትን ሽርሕታትን ደረት የብሉን። ህግደፍ፡ ኣብ ውሻጠኡ ማእለያ ዘይብሎም ናይ ሕልና እሱራት ተሰኪሙ ክነሱ፡ “ኤርትራ ሰላማዊት ሃገር’ያ! ናይ ኣፍሪቃ ኣብነት’ያ!” እናበለ ንሓቀኛ ምስሉ ኰሓሒሉ ብምቕራብ ዘይንሱ ክመስል ብዙሕ ፈቲኑ። ኵነታት ናይ ሕልና እሱራት ክዕዘቡ ንዝሓተቱ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት’ውን፡ “ናይ ፖለቲካ ጸገም የብልናን፡ ኣብ ኤርትራ መሰል ደቂሰብ ክቡር’ዩ፡” ብምባል ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ዑደት ክገብሩ ንዘቕረቡዎ ጠለብ ብተደጋጋሚ ነጺጉ። እቲ ሓቂ በንጻሩ ምዃኑ ዘይፈልጥ ሰብ እንተ’ልዩ፡ ናይ ህግደፍ ዕሱባት ጥራይ’ዮም። ዝበዝሑ ካብኣቶም’ውን እናፈለጡ ዘይፈለጡ ክመስሉ ዝፍትኑ ምዃኖም ክዝንጋዕ የብሉን። ቀሊል ኣብነት ንምሃብ’ምበኣር፡ ኣብ ካሜራ 15 ጥራይ ልዕሊ ሓደ ሲሶ ተሓባበርቲ እስላማዊ ጅሃድ ብዝብል ክሲ ዝተኣስሩ ነይሮም። እዚኣቶም ዳርጋ ኩላቶም ሓረስቶትን ጓሶትን ክኾኑ ከለዉ፡ ኣብ ካልእ ካሜራታት ከም በዓል እቲ ብኣካል ዝረኣኹዎ እስታዝ ዓብደላ ዝኣመሰሉ ድሒሮም ዝተቐንጸሉ ምሁራት ከም ዝነበሩ እፈልጥ። ስለዚ፡ ኣብ እንዳ ወንጀል ጥራይ ናብ ሚእቲ ዝጽግዑ ከም ዝነበሩ ካብ ተፈልጠ፡ ኣብ ሰምበል፡ ዓዲዃላ፡ ባረንቱን ቍጽሮም ዘይተፈልጠ ምስጢራውያን ኣብያተ ማእሰርትን ክንደይ ናይ ሕልና እሱራት ነይሮም ክኾኑ ከም ዝኽእሉ ምግማት ዘሸግር ኣይኮነን። ከምቲ ‘ሰይጣን ከምስል መጽሓፍ ቅዱስ ይጠቅስ’ ዝብሃል ህግደፍ ከም ኣመሉ ጻድቕ ክመስል ካብ ስልጣኑ ክሳብ ዝግለፍ ኣሉ ክብል’ዩ።


[1] ብክሲ ናይ እስላማዊ ጅሃድ ዝተኣስሩ ኩላቶም ገንዘብ ይኹን ክዳን፡ ኮታ ዝኾነ ነገር ክኣትወሎም ክልኩላት ነይሮም። ስለ’ዚ፡ ዓቕሚ ዘለዎ ሰብ ክሕግዞም ይግደድ ነይሩ። ካብዚ ዝተበገሰ ብርክት ዝበለ ሰብ ነቲ መሰረታዊ ሽግራቶም ኣብ ምፍታሕ ይተሓጋገዝ ነይሩ። መብዛሕትኦም በዚ ጕዳይ’ዚ ዝተኣስሩ ሰባት ካብ ኣውራጃ ሰንሒት ከም ዝነበሩ ይፍለጥ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
10 COMMENTS
  • ተወልደመድህን April 20, 2014

    ዓሚ ግላድይዎስ፡ኣድሪስ ገላድዮዎስ፡ዘካርያስ፡ዩሱፍ፡ያቆብ፡እምበረሚ ………ኣስማት መን’ዮም።ብርግጽ ናይ ክርስትያን ኣይኮኑን።ግን መበገሲ ኣለዎም።ዘይፈለጥናዮ ታሪኽ ኣሎ ይመስለኒ።

  • haile April 20, 2014

    anta tewelde medhin ezi asmat ezi nay amenti mislimina eyu gin eti zegedis eti meliekti eyu enber bizaeba kalie tarik aykonen kab mesmer aytwtsae malet kab shibaka hahahaha

  • robiel April 20, 2014

    Dear Stiff, your story touched me. Can you please publish it twice a week. Once a week is not enough.

  • Stefanos Temolso April 21, 2014

    The book will be published in a month’s time. Just wait a little.

    • Sorobeti April 21, 2014

      Dear Stefanos

      I am reading your narration about the notorious prison of PFDJ since the first part, it is heartbreaking and very educational at the same time. I realized fairness and great credibility on your narration in general but specially when I read the story of two people whom I know very well.

      By the way incase you don’t know that Abdella is in Khartoum Sudan working in money remittance company.

      Regards

  • Berhane Amdemariam April 21, 2014

    Stif good job this is our real histotry and life ,because of Higdef

    Thank u

  • ahmed saleh April 21, 2014

    Stifanos
    Well done to write a book .I hope you find an easy access to reach on all interested Eritreans .

  • Tesfu Kidane April 21, 2014

    This is a story that must be read by every justice seeking person. It is written in plain and simple language. Specially the youth must try to understand the atrocities of the rgime. Brother Stefen keep the torch of literature burning. I have read Rozan Selien and Hanieta but this is very spectacular.

  • ERITRAWIT April 23, 2014

    Dear Estifanos,
    Happy Easter thank God you are alive and others too. keep writing and tell us what you have witnessed zeytenegre enber zeytegebre yelen abza hager.

  • Tikish April 30, 2014

    Shaebia serekti, fegerat, afafat, lebatat, medenagerti, belaeti sga, seteyti dem, chemalk, kufuat, sheyet-ti adom, lebatat, ametsti, negramat, zeynatom zdelyu, akkkkkkkk niakumsi, kemey aso teblekum ifif.

POST A COMMENT