Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ምዕራፍ 9፡ ኣባላት ካሜራ 15

ክቡራት ኣንበብቲ፡ ኣብ ካሜራ 15 ገለ እዋን 17 ሰባት ኣብ ገለ እዋን ድማ ልዕሊ 54 ሰባት ኔርና። ስለዚ፡ ኣብ ምዕራፍ ብዛዕባ 44 ሰባት’ኳ ዘዕልል እንተኾንኩ፡ ኣንብ ኣንበብቲ 10% ጥራይ ማለት ናይ 5 ሰባት ጥራይ ክጠቅስ

ክቡራት ኣንበብቲ፡ ኣብ ካሜራ 15 ገለ እዋን 17 ሰባት ኣብ ገለ እዋን ድማ ልዕሊ 54 ሰባት ኔርና። ስለዚ፡ ኣብ ምዕራፍ ብዛዕባ 44 ሰባት’ኳ ዘዕልል እንተኾንኩ፡ ኣንብ ኣንበብቲ 10% ጥራይ ማለት ናይ 5 ሰባት ጥራይ ክጠቅስ እየ።                                                                                           

 

ምዕራፍ 9፡ ኣባላት ካሜራ 15

                                             

        ንዓለም ረስዑዋ። ኣብዚ ህይወት ካልእ ትርጕም’ዩ ዘለዋ። እዛ ሃገር’ዚኣ መዓስከር’ያ።  ኣብ ናይ ጆግራፍ፡ ናይ ስነኣእምሮ፡ ወይ ናይ ታሪኽ መጻሕፍቲ የላን። እዛ ሃገር’ዚኣ፡ እታ 99% ካብ ህዝባ ክነብዕ ከሎ ሓደ ሰብ ዝስሕቀላ ሃገር’ያ።

                                                                               ኣለክሳንደር ሾልዘኒስቲን 

ካሜራ ዓሰርተ ሓሙሽተ፡ ብዘይካ ንብሄራት ራሻይዳን ዓፈርን ንኹላቶም ብሄራት ዝሓቘፈት ነይራ። ብዕድመ እንተ’ረአና ድማ ካብቲ ዝነኣሰ ወዲ ዕስራ ክሳብ ልዕሊ ሰማንያ ዓመት ዝቀራረቡ ሰባት ዝሓቘፈት ነይራ። ኣብ ማሕበራዊ ኣቃውማ መጺእካ ሓረስታይ፡ ሸቃጣይ፡ ነጋዳይ፡ ሰራሕተኛ፡ ማስተርስ ዲግሪ ዘለዎ ናይ ቍጠባ ምሁር፡ ሓኪም፡ መምህር፡ ጓሳ ይርከቡዋ ነይሮም። ንሳቶም ድማ ሲቪል፡ ተጋደልትን ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎትን ኮይኖም ዝርዝሮም ይቕጽል።

1. ኣቦይዑስማን ኣብ ባርካ ጥሪቱ እናጓሰየ ዝቕመጥ ሕዳርበታይ ኮይኑ፡ ሰማንያ ዝረገጸ፡ ኣዝዩ ጽሙእ ግን ወላ ጽልም ኢሉ ይኹን ግርማ ሞገስ ዝመልኦ ሽማግለ’ዩ። ነታ ካብ ርእሱ ዘይትፍለ ኩፌት፡ ውዶ ክገብር ከሎ ስለ ዘውጽኣ በራሕ ምዃኑ ሽዑ ትዕዘብ። ኣብታ ካሜራ ንየው ነጀው ክብል ክትርእዮ ከለኻ ድማ ነቲ ሓለንጋይ ቍመቱ ተዓዚብካ፡ “መንእሰይ ከሎስ ከመይ ዝበለ ጕብዝናን ነብስን ኮን ነይሩዎ ይኸውን!” ብምባል ዓመታት ንድሕሪት ተመሊስካ ንቝመናኡ ብሓሳብ ክትስእሎን ከም ኢራብ እናነጠረ ከሎ ክትርእዮን ትፍትን። እቲ ዓሚ ዑስማን ንብሎ ዝነበርና ኳዕናን ሰብኣይ፡ ምጽያፍ ገዲፍካ ብዓረብኛን ትግረን ጽቡቕ’ዩ ዝረዳዳእ። ትግርኛ ግን ንመጀመርያ ግዜ ኣብ ቤትማእሰርቲ ከም ዝሰምዖ’ዩ ዝዛረብ። ብሰሪ ዕድመኡን ጥዕና ምስኣንን ብዙሕ ምስ ሰብ የዕልልን ይሕወስን ስለ ዘይነበረ ድማ እንታይ ይብሃል ከም ዘሎ መረዳእታ ነይሩዎ’ምበር ክዛረብ ወይ ክረዳዳእ ይኽእል ኣይነበረን። ብወገነይ ኣብ ትግረን ዓረብን ጸገም ስለ ዘይነበረኒ አዕልሎ ነይረ። ሓደ ሓደ ግዜ ድማ ኣብ ፖርትሱዳን ከለኹ ዝለቐምኩወን ቃላት ሕዳርብ ዘኪረ፡ “ናትበሪሃ፡ ናትኪሃ!” እናበልኩ ከስሕቖ እፍትን ነይረ። “ቅድሚ ናጽነት ኣብ ስዋኪን ነይረ፡ ኣብኡ ድማ ብዙሓት ሃደንደዋ ነይሮም፡” ኢለ ከዕልሎ ከለኹ፡ “ሂናክ ፊ ሰዋክን፡ ካን ዋህድ ኢስሙ መሃመድ ሃሩን፡” ክብል እፈልጦ እንተ ነይረ ደጋጊሙ ይሓተኒ ነይሩ። ኣነ ድማ ብሕቶኡ እናተገረምኩ ከም ዘይፈልጦ እምልሰሉ። ምስ ዓሚ ዑስማን ምዕላል ብዛዕባ ብዙሕ ነገራት ከም ትሓስብን ትመራመርን ስለ ዝገብረካ ብዙሕ ግዜ ከዕልሎን ከዘናግዖን እደሊ ነይረ። ብርቱዕ ናይ ስድራ ናፍቖት ስለ ዝነበሮ፡ ዝበዝሕ ግዜኡ ኮቦርታኡ ተጐልቢቡ፡ ‘ላ ኢላህ ኢላላህ፡ መሓመድ ረሱል ኣላህ!’ እናበለ ብመዝሙር መልክዕ ክቝዝም የሕልፎ ስለ ዝነበረ ግን ከም ድላይካ ክተዛርቦ ቀሊል ኣይነበረን። ምኽንያት መእሰሪኡ ምስ ሓተትኩዎ ብቓላቱ ክገልጾ ከሎ ከምዚ ዝስዕብ ነይሩ።

“ሓደ ምሸት፡ ብረት ዝዓጠቑ ካብ ሓሙሽተ ኣቢሎም ዝኾኑ ተጋደልቲ፡ ‘ጤል ክትሸጠልና ደሊና፡’ ክብሉ ናብ ኣግነተይ መጺኦምኒ። ጸላም ስለ ዝነበረ ዕጥቂ ከም ዝነበሮም’ኳ እንተ’ስትውዓልኩ መልክዖም ከለልዮም ግን ኣይክእልን። ጥሪት ሸይጠ ስለ ዘይፈልጥ፡ ‘ኣነ ደኣ ጥሪት ሸይጠ ዘይፈልጥ፡ ካብ ካልኦት ዓድጉ፡’ እንተ በልኩዎም፡ ‘ህዉኻት ስለ ዝኾንና ግድነት ክትሸጠልና ኢኻ፡’ ምስ በሉኒ ተገዲደ ካብተን ዝፈትወን ጥሪተይ ሓንቲ ሸይጠሎም። ጤሎም ጐቲቶም ምስ ከዱ ድሕሪኡ ኣይረኣኹዎምን። ኣብ ወርሑ ምዃኑ’ዩ ሓደ ለይቲ፡ ‘ቅነጽ!’ ዝብል ድምጺ ሰሚዐ ካብ ድቃሰይ ተሲአ። በቲ ብርቱዕ ድምጺ እናተሰከፍኩ፡ ‘እንታይ ዝኾኑ ሰባት’ዮም ደኣ ለይቲ ምድሪ?’ እናበልኩ፡ መን ኢኻ?” እንተ በልኩ፡ ‘ሻዕቢየት ሕና!’ ዝብል ድምጺ ሰሚዐ። ‘ደቅና ዲኹም፡’ እናበልኩ ብውሽጠይ ንደገ ወጻእኩ። ዝኾነ ነገር ከይወሰኹ፡ ‘ምሳና ክትከይድ ኢኻ፡’ ምስ በሉኒ፡ ‘ለይቲ ምድሪ ደኣ ናበይ ክኸይድ?’ እንተ በልኩዎም፡ ‘ደሓን ቀልጢፍካ ክትምለስ ኢኻ፡’ ይብሉኒ። ‘ሕራይ በሉ ክዳነይ ክገብር፡’ ኢለ ንውሽጢ ምስ ኣተኹ፡ በዓልቲቤተይ እቲ ክብሃል ዝጸንሐ ክትሰምዕ ስለ ዝጸንሐት፡ ‘ኣይትኸይድን ኢኻ፡ ሰብ ደሓን እንተ ኾይኖም ቀትሪ ክመጽኡኻ ምተገብኦም፡’ ኢላትኒ ብዓውታ። ዝበለቶ ምስ ሰምዑ፡ ‘ትሰምዒዶ ኣለኺ፡ ብስራሕ መንግስቲ ስለ ዝደለናዮ ምሳና ክኸይድ’ዩ!’ ክብሉ መሊሶምላ ክልተ ካብኣቶም ድምጾም ኣትሪሮም እናተቐባበሉ። ሰበይተይ ሓያል’ያ ነይራ፡ ‘እሞ ኣነ ኣይሰዶን’የ ወይ ድማ ኡይ ክብል’የ፡’ ኢላቶም ብድፍረት።

“ድሕር’ዚ ሓደ ካብኣቶም ናብ ውሽጢ ይኣቱ’ሞ ክረድኣ ይፍትን። ምስ  ኣቕበጸቶ፡ ‘ሕማቕ እንተ ሓሲብና መን ከልኪሉና፡’ ኢሉ ኢዳ ጠውዩ ኣፋ ድሕሪ ምዕባስ ነቶም ካልኦት ክወስዱኒ ይነግሮም። ብኸምዚ ድማ ከም ጤል ተጐቲተ ለይቲ ምድሪ ናብ ኣቝርደት ተወሲደ። ኣብ ኣቝርደት ክልተ ወርሒ ምስ ጸናሕኩ ኸኣ ናብዛ ገዛ’ዚኣ መጺአ። ኣስመራ ከም ዘለኹ እቶም ኣብዚ ዝጸንሑኒ ሰባት ክዛረቡ ምስ ሰማዕኩ’የ ፈሊጠ። ካብ ዓደይ ወጻኢ ኣቝርደትን ከሰላን ጥራይ’የ ዝፈልጥ ነይረ። ከረን ካብ ኣቑርደት ትጽብቕ ትዓቢ ኸኣ ክብሉ እሰምዕ ነይረ። ‘ኣስመራ ካብ ከሰላ ከማን ትዓቢ’ ምስ በሉኒ፡ ‘ካብ ከሰላ ትዓቢ ከተማ ኣላ?’ ብምባል ማራ ዋሕድ ተገሪመ፡” ክብል ምስ ኣዕለለኒ፡ “ካብ ትእሰር ተሓቲትካ ትፈልጥዶ?” ዝብል ሕቶ ኣስዒበሉ። “ኣብዚ ምስ ኣተኹ ሓንቲ መዓልቲ እድሪስ ጸዊዑኒ ነይሩ። ‘ስለምንታይ ኣንጻር መንግስቲ ንዝኾኑ ጅሃድ ጤል ሼጥካሎም?’ ክብል ኣዋጢሩኒ። ኣነ ድማ፡ ‘መን’ዮም እዞም ጅሃድ? ትብሎም ዘለኻ? ኣነ ንተጋደልቲ’የ ሸይጠሎም። ደሓር ከኣ ባዕላቶም’ዮም ሽጠልና ኢሎምኒ። ጥሪት ሸይጠ ስለ ዘይፈልጥ ክሸጠሎም’ውን ኣይደለኹን ነይረ። ላኪን ተጋደልቲ ስለ ዝኾኑ ክብርዓሎም’ኳ ምተገብኣኒ ኢለ ሓንቲ ጤል ሸይጠሎም። ገንዘበይ ከኣ ሂቦምኒ፡’ ክብል መሊሰሉ። ወላሂ! ዘረባኡ ፈጺሙ ክርድኣኒ ኣይከኣለን።

“ካብኡ ምስ ተመለስኩ ገለ ካብዞም ኣብዚ ዘለዉ ጀማዓትና፡ ጅሃድ ብዝብል ክሲ ከም ዝተኣስሩ፡ ክሰይ ከኣ ከም ናታቶም ምዃኑ ገሊጾምለይ። ወላሂ! እዚ ክርድኣካ ዘይክእል ነገር’ዩ። ዕምረይ ይትረፍ ቤትማእሰርቲ ከተማ ከማን ርእየ ዘይፈልጥ ሰብ ካባይ እንታይ ይደልዩ ኣለዉ ክፈልጥ ኣይከኣልኩን ዘለኹ። ላኪን ክንደይ ይጭክኑ! ቍሩብ እተን ጥሪት ከደንግጽኦም ኣይክእላን! ብዘይካይ ክናብየን ዝኽእል ሰብ ስለ ዘየሎ ድሕረይ እንታይ ከም ዝኾና ምፍላጥ ሓርቢቱኒ ኣሎ። በስ ሕጂ ኢንሻላህ ቀልጢፎም የውጽኡኒ ይኾኑ፡” ክብል ዘረባኡ ዛዘመ። ዓሚ ዑስማን ቃላቱ እናጐተተ ክዛረበካ ከሎ ከብድኻ’ዩ ዝበልዓካ። እቲ ሰብኣይ ብሰሪ ዘይምፍላጡ ንኣባላት ጅሃድ ጤል ከም ዝሸጠ’ውን ገና ኣይተረድኦን ነይሩ። ዝፈልጦ ነገር ኣይነበሮን፡ ክህሉ’ውን ኣይክእልን። ንዑኡ ይትረፍዶ ኤርትራ፡ ዓለም ማለት እታ ዝነብረላ ጸባብ ከባቢ ጥራይ’ያ ነይራ። ኣሽንኳይዶ ብዛዕባ ኤርትራ ክፈልጥ፡ ካብታ ካሜራ ወጻኢ እንታይ ከም ዘሎ ነጊርካዮ’ውን ክርዳእ ዝኽእል ሰብ ኣይነበረን። ብወገነይ ብዛዕባ ሻዕቢያ፡ ጀብሃ፡ ጅሃድ፡ ተቓወምቲ ውድባት፡ ወያኔ ዝፈልጥ እንተ ነይሩ ሓቲተዮ። “ኣነ ብዘይካ ጥሪት እንታይ እፈልጥ። እዘን ራድዮታት ብዛዕባ እዚ ትብሎ ዘለኻ ከም ዝዛረባ ኣብዚ ምስ መጻእኩ ፈሊጠ። ላኪን ኣብ ዓደይ ከለኹ ከመይ ኢለ ክፈልጥ ትሓስበኒ? ተጋደልቲ ብረት ከም ዝሕዙ እፈልጥ ነይረ። ሕጂ ላኪን ብዙሓት ተንዚማት ከም ዘለዉ ኣብዚ ሰሚዐ፡” ክብል ፍልልያት ናይተን ውድባት ከም ዘይርድኦ ከረጋግጽ ክኢለ። ንኣብነት እቶም ኣቐዲሞም ዝመጽኡዎ ጅሃድን ድሕሪ ወርሒ ዝመጹዎ ተጋደልትን ከም ዝፈላለዩ ይርድኦ ስለ ዘይነበረ፡ ‘ወላሂ ሞሲባ’ዩ! ኣወል ጤል ሽጠልና ኢሎምኒ። ደሓር ላኪን ካልኦት ብጾቶም ሰዲዶም ስለምንታይ ጤል ሼጥካሎም ኢሎም ኣሲሮምኒ! ባዕላቶም ገንዘብ ሂቦምኒ ከብቅዑ ስለምንታይ ይሓቱኒ? ወላሂ! እዚ ረቢ ዘይፈትዎ ስራሕ’ዩ፡” ክብል ብግርህነት ኣዕሊሉኒ።

ብሓጺሩ ዓሚ ዑስማን ኣብ ቅድሚ ስሳ ዓመት ዘሎ ግዜ ዝነብር ዝነበረ ሰብ’ዩ ነይሩ እንተ ተባህለ ምግናን ኣይኮነን። ስለዝኾነ፡ ተራ ሰብ ክፈልጦ ዝኽእል ንቡርን ቀሊልን ነገራት ንዑኡ ሕልኽልኽ ዝበለን ክትርድኦ ዘጸግምን ረቂቕ ነገራት’ዩ ነይሩ። ኣብ ርእሲ ዕድመ ምድፋእን ድሐረትን፡ ናይ ዓይኒ ጸገም’ውን ስለ ዝነበሮ፡ ኣብታ ካሜራ ካብ ዝነበሩ ኣባላት እቲ ዝያዳ ዘደንግጽ ሰብ’ዩ ነይሩ። ልዕሊ ዅሉ ናፍቖት ስድራቤቱን ጥሪቱን ከም ዝኸፍኦ ካብቲ ሓሓሊፈ ምስኡ ዝገብሮ ዝነበርኩ ዕላል ክፈልጥ ክኢለ። ከም ሓቂ፡ ዓሚ ዑስማን ዝገበረ ይግበር ንዑኡ ኣሲርካ ዝርከብ ፋይዳ ከም ዘየሎ ርዱእ ስለ ዝኾነ፡ ዝኾነ ሰብ ኣብ ቦታ ናይቶም ኣሰርቲ እንተ ዝነብር፡ ክኣስሮ ዘይኮነ ጸገም እንተ’ልዩዎ ጸገሙ ፈቲሑ ናብ ዓዱ ምሰደዶ ነይሩ እብል። ምኽንያቱ እቲ ሰብ ሃገር ይኹን መንግስቲ ኣይፈልጥን’ዩ። ብኸመይ እዩ’ሞ ክፈልጥ? መንግስቲ ንባዕሉ ነዚ ሰብ’ዚ ከም ዜጋኡ ስለ ዘይፈልጦ ዝገበረሉ ነገር ኣይነበሮን። ሓደ ዜጋ ንመንግስቱ ከፈልጦ እንተ ኾይኑ፡ ካልእ እንተ ተረፈ፡ ግብሪ ዝኸፍልን ናይ መንነት ወረቐት ዝሓዘን ክኸውን ኣለዎ። ዓሚ ዑስማን ግን ነዚ ኣየማልእን ነይሩ። ተረካብ ኣይትኹን ከም ዝብሃል ግን ናይ ኣጋጣሚ ጕዳይ ኮይኑ ቦታን ግዜን ኣይሓገዞን። ስለዚ፡ ንዑኡ ምእሳር፡ ልክዕ ከም ንሓንቲ ኢራብ ወይ ዓገዜን ዶብ ሰጊርኪ ወይ ኣብ ሕዛእቲ በሊዕኪ ኢልካ ከም ምእሳር ገይረ እወስዶ።

2. ሼኽ ዳውድ፡ ኣብ ትግራይ፡ ጐንደር፡ ኤርትራ እናተመላለሱ ዝነብሩ ብዕድመ ማዕረ ዓሚ ዑስማን ዝስርዑ ኢትዮጵያዊ ኮይኖም፡ ከም ቍመት ሕጽር ኢሎም’ኳ እንተ ነበሩ፡ ቅይሕ ኢሎም፡ ብርቱዕ ጭሕሚ ዝነበሮም ኳዕናን ሽማግለ’ዮም ነይሮም። ኣዒንቶም ናይ እርጋን ይኹን ናይ መበቈል ናብ ጻዕዳ ዝዘምበላ ነይረን። ሳሕቲ እንተ ዘይኮይኑ ኩፌት ካብ ርእሶም ዘይፈልዩዋ’ኳ እንተ ነበሩ፡ ጸጕሮም ዕሙር ስቤት ዘለዎ ስሕው ዝበለ ምዃኑ ምርኣይ ዘጸግም ኣይነበረን። ክስጕሙ ከለዉ ካብ ምንታይ ከም ዝኾነ ሕልኽ ሕልኽ እናበሉ’ዮም ዝኸዱ። ለይትን መዓልትን ቍርኣን ክቐርኡ ይውዕሉን ይሓድሩን ኣብ ርእሲ ምንባሮም፡ ምስ ዝኾነ ዝቐረቦም ሰብ ብዛዕባ ዝኾነ ኣርእስቲ ከዕልሉን ክካትዑን ጸገም ኣይነበሮምን። ብሃይማኖት ተጸልዮም ግዲ ኾይኖም ግን ኣብ ደቂኣንስትዮ ብዝነበሮም ትሑት ኣረኣእያ ምስ ብዙሕ ሰብ ይሰማምዑ ኣይነበሩን። ከም ኣጋጣሚ ሓደ መዓልቲ ብዕላል ዕላል ጕዳይ ዕድመ ምስ ኣልዓልና፡ “ሼኽ ዳውድ ዓቢ ኢኹም ማለት’ዩ፡” ምስ በልኩዎም፡ “እንታይ ክኣቢ ደኣ፡ ገና ኣለሁ’ምበር። ህጂ ካብ ቤትማእሰርቲ ምስ ወጻሁ ሃንቲ ጓል ኣሰርተ ሽዱሽተ ኣመት ክምርኦ’የ፡” በሉኒ ክምስታ ወሲኾም። ዝዋዘዩ ዘለዉ መሲሉኒ፡ “ጓል ዓሰርተ ሽዱሽተ ዓመት ደኣ ጓል ጓልኩም ማለትን’ድያ። እዚ’ኳ ፈጺሙ ዘይመስል’ዩ፡” ክብል ተሪረ መለስኩሎም። ቍሩብ ምጽያፍ ገዲፍካ ጽቡቕ ትግርኛ’ዮም ዝዛረቡ። “ናይ ብሃቂ እኮ’የ ዝነግረካ ዘለሁ፡ እንዲያውም ናይ ኣላህ ነገር ኮይኑ እስሪ ኣጋጢሙኒ’ምበር እቲ ጕዳይ ተጨሪሱ ነይሩ’ኮ፡” ዝብል መልሲ ምስ ኣስምዑኒ፡ “እዚ ትብሉዎ ዘለኹም ብመንግስቲ ኤርትራ ክልኩል ስለ ዝኾነ ዝሰልጠኩም ኣይመስለንን። ምናልባሽ ኣብ ትግራይ ወይ ጐንደር እንተ ኾይኑ ክቕበለኩም እኽል’የ፡” በልኩዎም ናይ ሕርቃን ምልክት ከርኢ ብምጅማር። “ህጂ’ኮ ቀልዲ ዘይኮነ ቁምነገር ኢና ንዛረብ ዘለና ኣቶ እስጢፋኖስ። እቲ ነገር ድማ ሰይድና መሃመድ፡ ሰለላህ ኣሌሁ ወሰለም ፈቂዶሞ እዮም። ኢንሻላህ ካብ እስሪ ምስ ወጻእኩ ናብ ከረን ከይደ፡ ነታ ጓልሰብ ድማ ብህጊ ሸሪኣ መሰረት ኣቅድ ክገብረላ’ዩ ሃሳበይ፡” በሉኒ ርእሰምትእምማን።

ዘረባኦም ክጻወሮ’ኳ እንተ ዘይከኣልኩ፡ ከም ዘይርድኡኒ ፈሊጠ ነቲ ኣርእስቲ ከቋርጾ ተገደድኩ። ካብ ሽዑ መዓልቲ ንደሓር ስለ ዝጸላእኩዎም ድማ ምስኦም ዝነበረኒ ርክብ እናኣዛሕተልኩዎ ኸድኩ። ብኸምዚ ዳርጋ ካብ ብዙሕ ሰብ እናተነጸሉ ከይዶም። ንኣብነት ኣብቲ መጀመርያ ምስቶም ደቂ ሃይማኖቶም ኤርትራውያን ብሓባር ይሰግዱን ይጾሙን ነይሮም። እኳ ደኣ ከም መራሒ ሰላት ኮይኖም ንነዊሕ ቀጺሎም። ድሒሮም ግን ንበይኖም ተፈልዮም ክሰግዱን ክጾሙን ጀሚሮም። እቶም ኣመንቲ ምስልምና ንሕና ዘይንፈልጦ ንሕግታት ስግዳን ብዝምልከት ዘየረዳድእ ነገር ከም ዘጋጨዎም በጨቕታ ንሰምዕ ኔርና ኢና። ኣፍልጦ ስለ ዘይነበረና ግን ተገዲስና ንሓቶም ኣይነበርናን። እቶም ሰብኣይ ግን ኣብ ቍርኣን ይኹን ኣብ ሓዲስ ልዕሊ ዝኾነ ሰብ ከም ዝፈልጡ ንሰምዕ ኔርናይ። ኣብ ርእስ’ዚ፡ ብዙሕ ግዜ ምስ ኣመንቲ ክርስትና ብዛዕባ እዚ’ታት ምዝራብ ከም ልምዲ ወሲዶሞ ነይሮም። ብዙሕ ሰብ ይግደሰሎም ስለ ዘይነበረ ግን ነቲ ነገር እናዋደቑዎ ከይዶም። ከምቲ ዅሉ ሰብ ዝገብሮ ኣብቲ ምድሪቤት ንበይኖም ኰለል ክብሉ ኸለዉ፡ ዝኾነ ሰብ፡ “ሼኽ ዳውድ፡ ከመይ ኣለኹም?” ኢሉ ዘረባ ክጅምረሎም ከሎ ድማ ናብ ዝደልዩዎ ኣርእስቲ ብምእታው፡ እቲ ሰብ ደኺሙ ክሳብ ዝሓድጐም ሌፍ ክብሉ እዕዘቦም ነይረ። ኮታ ምስ ሰብ ናይ ምዕላል ጽምኣት ስለ ዝነበሮም፡ ዕድል ክረኽቡ ከለዉ ከም መሕለፊ ግዜ ይጥቀሙሉ ነይሮም ጥራይ ዘይኮነ፡ ብዝከኣሎም መጠን ንሰብ ሃይማኖታዊ ፍልጠት ከቕስሙ ይፍትኑ ነይሮም። ሓይሊ ነገሮም ናብ ሃይማኖት የተኵሩ ኣብ ልዕሊ ምንባሮም ንዓይ ጥራይ ስምዑኒ ይብሉ ስለ ዝነበሩ ዝስዕቦም ሰብ ኣይነበረን።

ሼኽ ዳውድ እንታይ ከም ዝኣበሱ ክሕተቱ ከለዉ፡ ብዛዕባ ናይ ሰበይትን ናይ ቈልዓን ጕዳይ ዘበገሶ ዘይመስል ምኽንያት’ዮም ዝህቡኻ። ካብ ዝተፈላለዩ ሰባት ዝምንጩ ሓበሬታ ግን፡ “ናብ ዓቢዓዲ ሰራየ፡ ኣብ ናይ ሼኽ ሙዘሚል በዓል ክሳተፉ ምስ ከዱ፡ ገለ ንጥሩፍነት ዝዕድም መደረ ስለ ዘስምዑ’ዮም ተኣሲሮም፡” ዝብል ነይሩ። ምስቲ ብዘይ ፍርዲ ክንድኡ ዝኣክል ግዜ ምእሳሮም ድማ እቲ ሓቂ ናብዚ ዳሕረዋይ ጠንቂ የዘምብለና። እዚ ኾይኑ ግን ዝገበሩ ይግበሩ ብዘይ ክስን ፍርድን ክዳጐኑ ግቡእ ኣይነበረን። ሼኽ ዳውድ ድሕሪ ውሱን እዋን፡ ባዕሎም ብዝፈጠሩዎ ጠንቂ ዳርጋ ኵሉ ሰብ ጨሪሹ ክርሕቆም ጀሚሩ። እቲ ምኽንያት ከምዚ ዚስዕብ ነይሩ። ገለ እሱራት ኣብ ውሽጢ ቀጽሪ እንዳ ወንጀል ካብ ዘሎ ድኳን ለሚን ዝዕድጉ ነይሮምና። ሸኽ ዳውድ ድማ ነቲ ተጸሚቝ ኣብ ጓሓፍ ዝተደርበየ ለሚን ኣርዮም ክጥቀሙሉ ጀሚሮም። እቲ ዝኸፍአ ነገር ድማ፡ ነቲ ዝተደርበየ ቍራጽ ምራጽ ለሚን ኣርዮም ኣብ ማይ ኣሊኾሞ ይቕንዩ’ሞ፡ እቲ ክበኵዕ ዝቐነየ ለሚን ተባላሊዑ ብሽታ መሬት ምስ በከለ ከም ጽማቝ ይሰትዩዎ ነይሮም። እዚ ዅሉ ክኸውን ከሎ ኣብቲ መጀመርያ ዝፈልጥ ሰብ ኣይነበረን።

ሓደ መዓልቲ ግን ኣብ ጥቓኦም ዝድቅሱ ዝነበሩ ሰባት ሕማቕ ሽታ ኮፍ ምባል ከልኦም። “እንታይ’ዩ ዝሽትተ ዘሎ?” ኢሎም ሃሰስ እንተ በሉ ነቲ ምስ ካልእ ዘይጽሩይ ነገራት ተሓዊሱ ክበኵዕ ዝቐነየ ሽታኡ ዘየቕርብ ለሚን ኣብ ሓደ ታኒካ ጸንሖም። ከም ሳዕቤን ድማ ዋዕዋዕን ዕግርግርን ተፈጥረ። ብዛዕባ’ቲ ጕዳይ ኩላትና ምስ ፈለጥና ንጥዕናኦም ጐዳኢ ከም ዝኾነ ክንሕብሮም በብወገንና ተጓየና። ክሰምዑና ግን ኣይከኣሉን። ምሳይ ጽቡቕ ምቅርራብ ስለ ዝነብሮም፡ “ሼኽ ዳውድ እዚ ትገብሩዎ ዘለኹም ሕማም ከስዕበልኩም’ዩ። ኣብቲ ጓሓፍ ባክተርያ ስለ ዘለዉ ህይወትኩም ኣብ ሓደጋ ከይተእትዉ ኣቋርጹዎ፡” ክብል ኣትሪረ መኺረዮም ነይረ። ዘረባ ሰብ በዚሑዎም ግዲ ኾይኑ ግን፡ “ንስኻትኩም እንታይ ትፈልጡ? ዝምሕር ዝቐትል’ኮ ኣላህ’ዩ። ለሚን ድማ ጺን ከም ዘይብሉ ፍለጥ፡” ክብሉ ናይ ዓያሹ መልሲ ሂቦምኒ። “ሕራይ ለሚንስ ጺን የብሉን ንበል፡ እቲ ኣብ ጐሓፍ ዘሎ ርስሓት ግን ጺን ኣለዎ። ደሓር ከኣ እቲ ለሚን ከይተጓሕፈ ኸሎ ካብቶም ሰባት እንተ ትወስዱዎ ዝሓሸ ነይሩ፡” ኢለ ከረድኦም እንተ ፈተንኩ፡ “ንስኻ ብዛዕባ’ዚ ክትምህረኒ ኣይትኽእልን ኢኻ። የቐንየለይ! ትምህርትኻ ንዓኻ ይጥቀምካ፡” ዝብል መልሲ ምስ ሃቡኒ ቀቢጸ። እቲ ጕዳይ ካብ ዝበልናዮ ኣይሓለፈን ኣብ ወርሑ ብርቱዕ ውጽኣት ስለ ዝሓመሙ ሓኪም ተጸዊዑ መድሃኒት ናይ ውጽኣት ሃቦም። ንግዜኡ ስለ ዝተዓገሰሎም ቍሩብ ትንፋስ ረኸቡ።

ኵሉ ሰብ ዓዓቕሙ እናሓገዞም ደሓን ቀነዩ። ብዙሕ ከይደንጐዩ ግን ሓያል ተቕማጥ ስለ ዝጀመሮም ማዕረ ደገኦም ምቍጽጻር ሰኣኑ። ናይ ሓካይም ሸለልትነት’ውን ነይሩ’ዩ። ኣብ ክንዲ ተቐላጢፎም ናብ ሕክምና ዝውስዱዎም፡ ካፖ ካሜራ ይኹን ኵሉ ኣባል፡ “እንታይ ተርእዩና ኣለኹም! እዞም ሰብኣይ ሕክምና ዘይትወስዱዎም፡” ኢሉ ምስ ኣማረረ ክብገሱ ተወሰነ። ሓካይም ክሳብ ዝስነፉ ስለ ዝተጸበዩዎም፡ ደው ምባል ስኢኖም ብዳጌፋ’ዮም ካብ ካሜራ ወጺኦም። ብኸምዚ ንካሜራ ዓሰርተ ሓሙሽተ ንመጨረሽታ ግዜ ተፋነዉዋ። ኣብ ሰሙኑ ከም ዝዓረፉ ምስ ሰማዕና ከቢድ ሓዘን ተሰምዓና። ሽዑ ሓደ ዘይጽልኦ እሱር፡ “ኣብ ሕክምና በጺሖም ናይ ደገ መርመራ ምስ ተገብረሎም፡ እቲ ዝመርመሮም ዶክተር፡ ‘እዞም ሰብኣይ ብርግጽ ኣበይ’ዮም ነይሮም? ናይ ምሉእ ዓለም ጀርምታት ኣብ ከብዶም ዎርክሾፕ ከካይዱ እዮም’ኮ ጸኒሖም፡’ ኢሉ ተዛሪቡ፡” ክብል ኣስሒቑና። ሓለፍቲ ቤትማእሰርቲ ገበን መርመራ እንተ ዝቀላጠፉ ሼኽ ዳውድ ምደሓኑዶ ነይሮም ኣይምደሓኑን ብዘየገድስ፡ ኵሉ ሰብ ግደፉ ኢሉ እናተቛየቘም ከሎ ብዝወሰዱዎ ግጉይ ተግባር ዘገምታዊ ነብሰ ቕትለት ፈጺሞም ክብሃል ይከኣል።

3. ግራዝማች ገብሩ፡ ዕድመኦም ካብ ስሳ ቍሩብ ዝሓልፍ ጸሊም ሕንክስ ዝብሉ ሰብኣይ ኮይኖም፡ ከም ሞያ ኮንትራክተር ከም ዝነበሩ’ዮም ዝዛረቡ። መእሰሪኦም ምኽንያት ኣብ ግዜ ደርግ ዝተፈጸመ ጕዳይ ኮይኑ፡ ኣባል ቀበሌ ከለዉ ዝፈጸሙዎ ነገር፡ ፖለቲካዊ መልክዕ ስለ ዝሓዘ ብገለ ሰባት ከም ክሲ ቐሪቡሎም’ዩ ዝብሃል። እቲ ጕዳይ ቀሊል ክነሱ ግን ብፖለቲካ ከም ዝተኣስሩ ፈጺሞም ይዛረቡ ኣይነበሩን። ግራዝማች፡ ምስ ሰብ ሕዉስን ብልሓተኛን ካብ ምንባሮም ዝተላዕለ ዳርጋ ናይ ነፍስወከፍ እሱር ጕዳይ ይፈልጡ ነይሮም ክብሃል ይከኣል። መዳቕሶኦም ኣብ ጥቓ ኣፍደገ ስለ ዝነበረት ድማ ሓድሽ እሱር እትው ክብል ከሎ፡ “ንዓ በዚኣ ‘ዝወደይ፡” ብምባል ቅድሚ ዅሉ ሰብ’ዮም ዝቕበሉዎ። ብዛዕባ መእሰሪኡ፡ ዓዱ፡ ስርሑ ወዘተ ሓቲቶም ምስ ወድኡ፡ “ኣብ ከምዚ ቦታ’ዩ ዓድኻ! ኣምላኽ ባዕሉ’ንድዩ ደኣ ስሒቡ ኣምጺኡካ! ብገዛእ ወዲሓወይ፡ በል እንቋዕ ኣብ ካልእ ካሜራታት ኰለል ኣየበሉኻ፡’’ ድሕሪ ምባል፡ ‘‘ናይ ደሓን ደኣ ተኣሲርካ?” ብምባል ሕቶ የስዕቡሉ። “ኣነ’ኳ ብኸምዝን ከምዝን’የ ተኣሲረ፡” ምስ በሎም ድማ፡ “ክላ! እዚ ደኣ ኣየናይ ጕዳይ ኮይኑ! ሕጂ ሕጂ ክፈትሑኻ’ዮም፡” ክብሉ ልቡ ዝመልእ ዘረባ የስምዑዎ። ትሕዝቶ ዘለዎ ሰብ እንተ ኾይኑ ንጽባሒቱ ወይ ኣብ ሳልስቱ፡ “እሞ ከም ጸባ፡ ፍርናሽ፡ እንቋቝሖ መሳሊ ክትገዝእ እንተ ደሊኻ፡ እዞም ፖሊስ ምሳይ ጽቡቕ ርክብ ስለ ዘለዎም ከሎ ገና ክልእከልካ ገንዘብ ሃባ፡” ይብሉዎ። ጋሻ ዓሻ ስለ ዝኾነ ድማ ኣርብሕ ኣቢሉ ገንዘብ ይህቦም። ነቲ ዝዓደጉሉ ንብረቱ ከረክቡዎ ኸለዉ ግን ስሱዕ’ኳ እንተ ዘይነበሩ፡ ከም ፍረ ጻማኦም ካብቲ ንብረት ከም ኮሚሽን ይቝርምሙ። እቲ ጋሻ ኣጸቢቑ ከይተላለየ ከሎ ድማ ንገለ ሰሙን ከም ስርዓት ኣብ ትሕቲ ቍጽጽሮም የእትዉዎ።

እቲ ጋሻ ብወገኑ ክሳብ ዝለማመድ ሰብ ረኺበ ኢሉ ንግራዝማች፡ “እቲ ኣብ ወሰን ዘሎ ሓጺር ደኣ እንታይ ዝኣበሰ’ዩ?’ ኢሉ ክሓቶም ይጅምር። “ነዚ’ኳ ሓርጭ ፊኖ ሼጥካ’ባ እኽሊ ደጊምካ’ባ ኢሎም’ዮም ኣሲሮሞ። ናይቲ ኣብ ማዕዶ ትርእዮ ዘለኻ ግን የድሕነና’ዩ ዘብል! ኣብ መንግስቲ ዝሰርሕ ዝነበረ ሰብ ኮይኑ ሃገር ዘጥፈአ’ዩ። በዚ ዓመተ ምህረት’ዚ ክወጽእ ኢልካ ክትሓስቦ’ውን ኣመና የጸግም፡” ኢሎም ዘረባኦም ከይወድኡ፡ እቲ ጋሻ እንታይነት ናይቶም ምስኡ ዘለዉ ሰባት ክፈልጥ ስለ ዝህንጠ፡ “እቲ ኣብ ጸግዒ ዘሎ ረጕድከ?” ክብል ሕቶኡ የስዕበሎም። ግራዝማች ድማ፡ “ናቱ’ሞ ኸኣ ዘረባ የብሉን! ክንደይ ሚልዮናት’ዩ ኣጠፋፊኡ ዘሎ። መንግስትን ህዝብን ዘደንገለ’ዩ ኢሎሞ። ኣደይ ካብ ትወልደኒ ከምዚ ናቱ ሰሚዐ’ኳ ኣይፈልጥን። ናይዝስ ንበይኑዩ!” ክብሉ ነቲ ጋሻ ኣብ ሓድሽ ኵነተ ኣእምሮ የእትዉዎ። ብሓጺሩ በቲ ዝሃቡዎ መግለጺ መሰረት፡ ጕዳዩ ቀሊል ኮይኑ ስለ ዝስምዖ ካብ ዝነበሮ ስክፍታ ብመጠኑ ተገላጊሉ ፍዅስ ይብሎ። ድሒሩ ባህሪ ግራዝማች ምስ ፈለጠ ግን ዝያዳ ይስሕቕ። ብሓጺሩ ናይ ግራዝማች ነገር በቶም ኣባላት ከም መስሓቕን መሕለፊ ግዜን’ምበር ብኻልእ ዓይኒ ዝጥመት ኣይነበረን። ስለዝኾነ፡ ብፍላይ ናብ ካሜራ 17 ምስ ተቐየሩ ነፍስወከፍ ሰብ፡ “ክላ! ግራዝማች ግርም የዘናግዑና ነይሮም። ኢዶም ኣይስኣኑ ግን እዞም ተካላት ካሜራ ቀዪሮሞም፡ ግራዝማች ዘይብሉ ካሜራ ሳክት’ዩ!” እናበለ ነቲ ዝፈጸሙዎ ተግባራት ብምዝካር፡ ‘ንዓይ ከምዚ ምስ በሉኒ፡ ንዓይ ከኣ ከምዚ ምስ ደገሙኒ’ ብምባል ብዝዕባኦም ከዕልል ይውዕል ነይሩ።

ካልእ ናይ ግራዝማች መስሓቕ ነገር ንሞያ ህንጻ ዝምልከት ነይሩ። ከም ገለ ብዛዕባ ጕዳይ ህንጻ እንተ ተላዒሉ፡ “ንፉዕ ነዳቓይ ኣብ ፎንዳስዮነ ኢኻ ትፈልጦ፡” ኢሎም ዘረባ ይጅምሩ። ንገለ ኣጸቢቖም ዝቐርቡዎም ድማ ገዛ ክሰርሑ መደብ ይሃልዎም ኣይሃልዎም ብዘየገድስ፡ “ኣጆኻ ወዲሓወይ፡ ካብዚ ምስ ወጻእኩ ገዛኻ ባዕለይ ብናጻ ክሰርሓልካ’የ፡” ክብሉ ይመባጽዑሎም ነይሮም። ንሓደ ኣብ ካሜራና ዝነበረ ጆመትራ ድማ ብድሕሪኡ፡ “እዞም ናይ ሎሚ ጆመትራታት እንታይ ይፈልጡ? ንእምፕረዛ ወዲሓወቦኡ’ኳ ዘይኣኽሉ! ንማለቱ እዮም’ኮ ተማሂርና ኢና፡ ባጀላ ኣሎና ዝብሉ። እምበር ክንድ’ዞም ናይ ቀደም ብቕዓት የብሎምን። ንሓንቲ ቪላ ኣብ ሽዱሽተ ወርሒ ክውድኡዋ ዝግብኦም ወረቐት ክግንጽሉ ጥራይ ዓመት ይጸንሑ። ዝበዝሕ እቲ ስራሕ ድማ በቶም ናይ ተሞክሮ ነዳቖ’ዩ ዝካየድ። ሓንቲ ዝበልጹና ነገር እንተ’ልያ እታ ስእልን ወረቐትን ክግንጽሉ ምኽኣል ጥራይ’ያ። ባጀላ ዘይብሉ ኢምፕረዛ ኣይኮነን ዝብል ሕጊ ንዓና ወጺዑና’ዩ። ንዓታቶም ግን ሽሻዮም ሰሪዑሎም ኣሎ፡” እናበሉ ዝያዳኦም ከም ዝፈልጡ ይዛረቡ ነይሮም። ግራዝማች ካብ ካሜራና ምስ ገዓዙ፡ ጕዳዮም ምዉት ግዲ ጸኒሑ ነዊሕ ኣይጸንሑን ካብ ማእሰርቲ ወጽኡ። ከም መብጽዓኦም ድማ ኣብ በዓል ልደት፡ ጋዜጣ፡ ካራሜላን ሽጋራን ምስ ሓጻር ደብዳቤ ኣተሓሒዞም ሰዲዶምልና። ኣብ ካሜራ ዓሰርተ ሓሙሽተ ዝኣተወ ዝኾነ ሰብ፡ ንግራዝማች ብኣካል ይፍለጦም ኣይፍለጦም ብዛዕባኦም ክሰምዕን ከዕልልን ግድነት ነይሩ። እቶም ሰብኣይ ኣመና ህቡብን ተፈታውን ነይሮም። ኣብ ቤትማእሰርቲ ከምኦም ዓይነት ሰባት ክትረክብ ቀሊል ኣይኮነን።

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
12 COMMENTS
  • Stefanos Temolso April 14, 2014

    ክቡር ሓው መሲናስ፡ ንባዕዳውያን ቃላት ብዝምልከት ኣብ ሓጹር ትርጕም ክግበሮ ጽቡቕ እዩ። ብዝኾነ ግን ገለ ሰባት ድማ ሰብ ባዕሉ ፋሕቲሩን ሓቲቱን ክፈልጦ ይበልጽ፡ ኣብ ናይ እንግሊዝኛ መጻሕፍቲ’ውን ኣይግበሮን እዩ ዝብል ርእይቶ ኣለዎም። እቲ ዝተጠቐምኩሉ ዝበዝሕ ቃላት ድማ ኣብ ኤርትራ ዳርጋ ፍሉጥ እዩ። ናብ ሕቶኻ ንምምላስ ግን፡ ተንዚማት ካብ ተንዚም ማልት ውድብ ዝመጽአ ኮይኑ፡ ውድባት ማለት እዩ። ዓሚ ክብሃል ከሎ ድማ ኣማኻሪ፡ ሓወቦ፡ ኣኮ ማለት ኮይኑ ኣብ ኤርትራ ግን ንናይ ስራሕ ሓላፊ ንጥቀመሉ። ብዝኾነ ክቡር ሓው መሲናስ እታ መጽሓፍ ፍቓድ ኣምላኽ ኮይኑ ኣብ መፋርቕ ግንቦት ክትሕተም ምዃና ከበስረካ እፈቱ። ንእሩም ቋንቋ ብዝምልከት ድማ ብዝከኣለኒ መጠን ኣሪመያን በቍጸያን እየ። ካብ ወዲሰብ ጌጋ ከም ዘይጠፍእ ግን ከም ርዱእ እወስዶ። ስለቲ ተገዳስነትካ ደጊመ ክብረት ይሃበለይ እብል። ምስ ሰላምታ።

POST A COMMENT