Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሞራላዊ ሕልና ዘጥፍአ ፈስቲቫላት

ብልምዲ ሕብረተሰብና፡ ኣብ እዋን ጾም፡ ሕማማትን ሓዘንን፡ ጓይላ፡ ዳንኬራን መርዓን ኣይግበርን’ዩ። እዚ ባህሊ’ዚ ሓደ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ዝሕበነሉ ሞራላዊ ስነ-ምግባርን ክብርን እምበር፡ ብዝኾነ መንግስቲ ዝተዋህቦ ትእዛዝን ሕግን ኣይኮነን ዝትግብሮ። እዞም ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት ገለ ብግዴታ፡

ብልምዲ ሕብረተሰብና፡ ኣብ እዋን ጾም፡ ሕማማትን ሓዘንን፡ ጓይላ፡ ዳንኬራን መርዓን ኣይግበርን’ዩ። እዚ ባህሊ’ዚ ሓደ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ዝሕበነሉ ሞራላዊ ስነ-ምግባርን ክብርን እምበር፡ ብዝኾነ መንግስቲ ዝተዋህቦ ትእዛዝን ሕግን ኣይኮነን ዝትግብሮ። እዞም ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት ገለ ብግዴታ፡ ገለ ድማ ብረብሓን ብፍታውን፡ ኣርማን ባንዴራን ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ እናውለብለቡ፡ መቁጸልጸሊ ጭርሖታት እናኣጋውሑ፡ ህግደፍ ካብ ኣፍ ጥሙይ ህዝብና መንጢሉ ዘስርሖ ሕብራዊ ካናቲራን ቆቢን ለቢሶም ዝስዕስዑን ዝደርፉን ዘለው ኤርትራውያን ምስተዓዘብኩ ግን፡ እምበር’ዶ ሕልና ዘለዎም ፍጡራት’ዮም? ወገኖም ኣብ መዓስከራት ስደተኛታት ሰብኣዊ መሰሉ ተገፊፉ ብሓለንጊ ጥሜት እናተገርፈ፡ ብዕርቃን ብሕማም እናተሳቀየ እንከሎ፡ ሕጊ ይንገስ ምልኪ ይፍረስ ዝበሉ ዜጋታት ብዘይ ፍርዲን ንዓመታት ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ስርዓት ህግደፍ እናተገርፉን ህይወቶም እናሓለፈን፡ ንብረትን ልኡላውነትን ሃገርና ውሑዳት ሰባት እናሸጥዎን እናዘመትዎን፡ ህዝብና ንኸይዛረብ ተዓፊኑ ብራዕድን ኣፈ ሙዝ ብረትን እናተሓለወን እንከሎ፡ ኣብ ክንዲ ነቲ ንህዝብና ዘጽንት ዘሎ ደመኛ ስርዓት ህግደፍ ፎእ ኢሎም ምኹናንን ሕሰም ህዝብና ከኸትም ምቅላስን፡ ከመይ ኢሎም ምስ በላዒ ሰብ ህግደፍ ይተሓቋቆፉ ኣለዉ ኢለ ሕጂ’ውን ተገረምኩን ንነብሰይ ሓተትኩዋን። ከምቲ ዘይኩርምትኻ ሑጻ ቆርጥመሉ ወይ’ውን ዓሻ ሰበይትስ ወዲ ሓሙታ እንተሞተ ጓና ዝሞተ ይመስላ ዝብሃል፡ ምናልባት እዞም ኣብቲ ስርዓት ህግደፍ ዘዳለዎ ዓመታዊ ፈንጠዝያን ድግስን ዝጭፍሩ ዘለዉ ኤርትራውያን ጎየልቲ ይኹኑ ተለሃይቲ፡ ብሰንካማት ኣእዳው ህግደፍ ዘይተገርፉ ድዮም ወይስ ንጸሊምን ጻዕዳን ክፈሊ ዝኽእል ኣእምሮ ብፈጣሪ ስለዘይተዓደሎም’ዮም ኢለ ንዘለዎም ስነ-ኣእምሮኣዊ ምምዝባልን ክቱር ዕብዳን፡ ስስዐን የዋህነትን መጽናዕቲ ከምዘድልዮ ገመትኩ። ምናልባት ደኾን ከም በዓል ወዲ ትኹል ዝኣመሰሉ ኣብ እዋን ገድሊ ህቡብ ስነጥበባዊ ሞያ ዝነበሮም፡ ድሕሪ ናጽነት ሓለንጊ ህግደፍ ዝቀመሱን ዝተኣስሩን ክንሶም፡ ነተን ኣምሳያ ጫማ ህግደፍ ምልሓሶም ዝተዋህቦኦምን መንበሪ ገዛ ወይ ንግዲ ከይምንጠሉ ስለዝፈርሑ ደኾን ይኾኑ፡ ምስ ስርዓት ህግደፍ ዝጨማለቁን ኢደ በዛ ዝኾኑ ዘለውን? ብርግጽ እዛ ነጥቢ’ዚኣ ሓንቲ ካብተን ንብዙሓት ዜጋታት ኣበር ህግደፍ እናፈለጡ፡ በለስ ካብ ሓዝካ ተቆናደፍ ተበላጺ መርገጺ ክወስዱ ዝወሰኑ’ዮም። እንተኾነ ሃብትን ብልዕን ሓላፊ ታሪኽን ስምን ግን ተራፊ ምዃኑ ረሲዖሞ። እዛ ሎሚ ብስርዓት ህግደፍ ጸልሚታ ዘላን ዝሓየለን ዘውደልደለን ዝነብረላ ዘሎ ኤርትራ፡ መዓልቲ ይንዋሕ ይሕጸር ከምዝወግሕን ከብዲ ዝበልዓቶ ዓይኒ ትሓፍር ግዜ ከምዝመጽእን ኣይተሰቆሮምን።

እቲ ዝኸፍአ ገጽ ናይቲ ብመራኸቢ ብዙሓን ኤርትራን ካድራት ስርዓት ህግደፍን ኣብ እዋን’ቲ፡ “ብርሃን ንደርማስ ምዕባለ” ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዝተኻየደ ፈስቲቫል ዝተዋበ መግለጺታት፡ እታ ተቀማጦኣ ብሕጽረታትን ስእነትን ዝስተ ማይ፡ ኣገልግሎት መብራህቲ፡ ጥዕና፡ ክብሪ ሃለኽቲ ኣቁሑት፡ ነዳዲ፡ መንበሪ ኣባይቲ፡ ሽቅለተ ኣልቦነትን ዝኣመሰለ መሰረታዊ ቀረብን ኣገልግሎትን ትሳቀ ዘላ ኣስመራ፡ ኣብ መዝገብ ዓለማዊ ቅርሲ ስለዝኣተወት፡ እቲ ፈስቲቫል “ቅርስታትና መግለጺ መንነትና” ከም ከምዝተጠመቀን፡ ናይ ሎሚ ዓመት ፈስቲቫል ብዓይነቱ ዝተፈልየ ምንባሩን ንመንእሰያት ምስ ሃገሮምን መንነቶም ከምዘተኣሳሰሮም ዓይኖም ከይሓሰዩ መዲሮም። እቲ ሓቂ ግን፡ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ህዝብና፡ ኣገዛዝኣን ኣደራዕን ስርዓት ህግደፍ ስለዝመረሮን ዝበልዖን ዝኽደኖን ሓሪምዎ ሰለዘሎን፡ እቲ ካብ ዱኳን ሕድሪ ኣብ ኣኼባን በዓላትን ህግደፍ ንዝተሳተፈ ጥራይ ብቁጠባ ዝዕደል ኩፖን ከይክልከል ስለዝፍርሕ ጥራሕ’ዩ ኣብ ኤክስፖ ከይዱ ክስዕስዕን ከጣቅዕን ዝርአ ዘሎ፡፡ ኣብ ኤርትራ ኣገልግሎት ኢንተርነትን ቦስጣን ዳርጋ ከምዘየለ’ኳ፡ ባዕሉ ስርዓት ህግደፍ ዝፈልጦ እንተኾነ፡ ኣብቲ ኣብ ኣስመራ ዝተኻየደ ናይ ሰለስተ መዓልቲ ፈስቲቫል ግን፡ ናይ ዘየለን ኣብ ትሕቲ ስለያ ህግደፍ ዝተኣስረን ትካላት ንጥፈታትን ኣሰራርሓን ኣገልግሎት ንተዓዘብቲ ምቅራቡ ዘስሕቅን ዘነውርን’ዩ። ብተመሳሳሊ ኣብ ወጻኢ ኣብ ቅድሚ ካሜራን ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ስርዓት ህግደፍ መታን ክረኣዩን ካብን ናብን ኤርትራ ምውጻእን ምእታውን ከይክልከሉን ከም ዓስቢ ወስለትለቶም ዝተዋህቦም ቁጠባዊ ሓለፋታት ከይምንጠሉን ስለዝርዓዱ እምበር ጉሒላ ጠባያት ስርዓት ህግደፍ ጠፊእዎም ኣይኮነን። ኣብዚ እዋን’ዚ ዓሰርተታት ኣስሽሓት መንእሰያት ኤርትራ ኣብ መዓስከራት ኢትዮጵያ፡ እስራኤል፡ ሱዳን፡ ኤውሮጳን ካልኦት ሃገራትን ከርፋሕ ናብራ የሕልፉ ዘለዉ መዓልታዊ ጸሎቶምን ድሌቶምን ስርዓት ህግደፍ ክጉሓፍ እምበር ፈስቲቫል ስርዓት ህግደፍ ኣይንታዮምን’ዩ። ምስ ሃገሮምን መንነቶምን ባህሎምን ክተኣሳሰሩ እንተኾይኖም ድማ፡ እቲ ኣብታ ኣሕዋቶምን ኣያታቶም ዝተሰውኡላ መሬት ምቅማጥ ከልኪሉዎም ዘሎን ናብ ስደት ሃጽ ክብሉ ዝቀሰቦምን ስራሕ ሰይጣን ዝኣልም ዘሎ ስርዓት ህግደፍ ካብ ስሩ ምስዝምሖ’ምበር ኣብ ዓዲ ጓናን መዓስከራት ስደተኛታትን ኮይንካ ክብረት የለን።

ኣብ ከብዲ ጽጉብ ጥሙይ የለን ከምዝብሃል፡ ነቲ ዓመት መጸ ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራትን ውሽጢ ሃገርን ዝካየድ ፈስቲቫል ዝሰኽሩሉን እቶት ዝረኽብሉን ውልቀመላኺ ስርዓት ህግደፍን ውሑዳት መዳኸርቱን እንተዘይኮይኖም፡ እቲ ብሕሩር ልቡን ጥሙይ ከብዱን፡ ሎሚ’ዶ ጽባሕ ይስጉግ ወይ ይእሰር እናበለ ተሸቁሪሩ ዝነብርን መጻኢ ዕድሉ ኣብ ጽልግልግ ዘሎ ኤርትራዊ፡ ካብ ስደት መኣስ ናብ ሃገሩ ይምለስን ብሰላም ይነብርን እምበር ኣብቲ ስርዓት ህግደፍ ንፖለቲካዊ መናውራ ዘዳልዎ ደስታን ጓይላን ክሳተፍ ኣይወርደሉን’ዩ። እቶም ብስስዐን ግዝያዊ ረብሓን ዓዊሮም ኣብ ዝዓመረ ጓይላ ህግደፍ ተሓምበለ ዝብሉ ዘለዉ፡ ኤርትራውያን ክትብሎም ዘጸግሙዃ ኤርትራውያን ግን፡ መሳርሒ ስርዓት ህግደፍ ብምዃን፡ ዘካይድዎ ዘለዉ ይንኣስ ይዕበ ኣዕናዊ ተግባራት፡ ኣብ መቃብር ስውኣት ይስዕስዑ ከምዘለዉ ክግንዘቡ ኣለዎም። ከምኡ’ውን  በቶም ኣብ ማእከላይ ባሕሪ፡ ምድረበዳ ሳህራን ሊብያን ዝሃልቁ ዘለዉ ኤርትራውያን ከምኡ’ውን ነቶም ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ስርዓት ህግደፍ ብዘይፍርዲ፡ ብዘይ ምብጻሕ ስድራቤትን ብዘይ ተጣባቂ ዳኛን፡ ንዓመታት ዝሳቀዩ ዘለው ዜጋታት፡ ምርሳዕን ብዘይ ገበን ንሞት ምፍራድን’ዩ ዝቁጸር። እዞም ሞራላዊ ሕልና ዘይብሎም ህግደፍ ወይ ሞት ዝብሉ ዘለዉ ረሳዕቲ፡ ናይ ቀረባ ቤተሰቦም፡ ዓርኮም፡ መማህርቶም ወይ መተዓብይቶም ሓለንጊ ህግደፍ ዘይሻሞጦ፡ ዘይተሰደ፡ ዘይተኣስረ፡ ናብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ክኸይድ ዘይተገደደ ኮቶ ክህሉ ኣይክእልን’ዩ። “ዝነገሰ ንጉስና ዝበረቀ ጸሓይና ወይ ድማ ዘበን ውርውራ ነብስኻ ኣይተዕብራ” ኢሎም ኣብታ ልጓማ ምብታኻ ዘይተርፋ ካሮሳ ህግደፍ ክጓዓዙ እንተመሪጾም ግን፡ ልቦም ይዓቢ ምባሎም ንለባማት ዝወሃብ ማዕዳ ስለዝኾነ፡ ኣብ መጻወድያ ዝኣትዉ በሃማት ወይ ኣራዊት’ዮም ምባል ይሓይሽ።

ጽላል፡ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ነሓሰ 2017

  Subscribe ASSENNA YouTube to get Radio Assenna shows on time:

aseye.asena@gmail.com

Review overview
3 COMMENTS
  • k.tewolde August 30, 2017

    Ignorance and naivete are a perfect audience for the narcissistic authoritarian. They feed of each other and live in a symbiotic existence till they completely consume the love for one another….does this ring a bell? Keep dancing till you can dance no more,when the party is over the harsh reality awaits outside the door.Thanks Tsilal.

  • Simon G August 31, 2017

    እዘን ኣብ ስእሊ ትሪኡውን ዘለኹም በትክታት: ኢሳያስ, ኣሰብኡትክን ገዲፍክን ምጻ ‘ተዝብለን: ነብሰን ክሸጣ ድሕር ኣይምበላን። እታ በስንኪ ስእነት ገንዘብ ነብሳ ሸይጣ ትሓድር ጓል ኣንስተይቲ ትኸብር። ሕሱራት ፍጥረት!

  • Stefanos Temolso August 31, 2017

    እዘን ኣብ ላዕሊ ዘለዋ መዳኸርቲ መንግስታት ኤውሮጳ ንዝገብሩለን ናይ ሶሻል ገንዘብ እናበልዓ ከለዋ ብጸሊም ጽሬት እናሰርሓ ምሉእ ዕድመአን ኣብ ኤውሮጳ ዝጸንሓ ኮይነን፡ ዘይሕጋዊ ገንዘብ ክኣርያ ክብላ ንደቀን ዝኸሰራ እየን። ናይ መብዛሕትአን ደቂ ኣዋልድ ይኹኑ ኣወዳት ኣብ ሓሽሽ፡ ሽጋራን መስተን፡ ዕውልናን ዝተዋፈሩ ገለ ካብተን ኣዋልድ ድማ ሌስብያን ዝኾና እየን። ካብዚ የድሕነና እየኡ ዘብል። ስለዚ፡ ስድራቤተን ዘየዕረያ ንሃገር ክጠቕማ ኣይክእላን። ርግጽዩ፡ ኣብ ኣስመራ ገዛውቲ ሰሪሐን፡ ኣብ ናይ ኤውሮጳ ባንክታት ከቐምጦኦ ዘይከኣላ ኣማእት እሽሓት ኢውሮን ሚልዮናት ናቕፋን ኣብ ባንክታት ኤርትራ ኣሎወን። እንታይ ግን ክጠቅም? ገዲፈንኦ ናብ ላዕላይ ሰማይ ክኸዳ እየን። ደቀን ዝኸሰራ፡ ሓዳረን ዝፈትሓ እየን መጋበርያ ኢሰያስ ኮይነን ዘለዋ። ካብዚኣተን የድሕነና እዩ ዘብል። በይካ ኣብ ፈቐዶ ጓይላ ምስዕሳዕን ምድኻርን ካልእ ሞያ ዘይብለን።

Post a Reply to Simon G Cancel Reply