Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሞት እናፈራሕና ‘ምበር ሞት ለሚዱና – ኤርትራውያን ኣሕዋት፣ ንወስን’ባ ህዝብና ነድሕን !! – ቃል ኣሰና

ሞት እናፈራሕና ‘ምበር ሞት ለሚዱና ኤርትራውያን ኣሕዋት፣ ንወስን!! እቲ ብ 3 ጥቅምቲ ኣብ ደንደስ ባሕሪ ላምፐዱዛ ዘጋጠመ ዓለም ዘንቀጥቀጠ፣ ቆልዓ ሰበይትን መንእሰያትን ዝለከመ ጃምላዊ ቅዝፈት ልዕሊ 360 ኤርትራውያን ምውጻእ ኣብዩና፣ መመሊሱ የንብዓና ‘ሎ። ከመይ ዘይንነብዕ! የዒንትና ኣይተጋገየን፣

ሞት እናፈራሕና ‘ምበር ሞት ለሚዱና

ኤርትራውያን ኣሕዋት፣ ንወስን!!

እቲ ብ 3 ጥቅምቲ ኣብ ደንደስ ባሕሪ ላምፐዱዛ ዘጋጠመ ዓለም ዘንቀጥቀጠ፣ ቆልዓ ሰበይትን መንእሰያትን ዝለከመ ጃምላዊ ቅዝፈት ልዕሊ 360 ኤርትራውያን ምውጻእ ኣብዩና፣ መመሊሱ የንብዓና ‘ሎ። ከመይ ዘይንነብዕ! የዒንትና ኣይተጋገየን፣ ካብ ማይ ንብዓት ሓሊፉ ደም ዘንብዕ ምኽንያት ኣለዎ።

ጃልባ ኣብ ዝሰጠመትሉ ዕምቆት ባሕሪ፣ ዕሸላ ብሓይሊ ካብ ማህጸና ዝነቶጋ ዘይብጽሕቲ ኤርትራዊት ነብሰ ጾር ብዕትብታ ኣሲራቶ ጸኒሓ፣ ሰራሕተኛታት ድሕነት ሓንቲ መዋቲት ኢሎም ኣብ ሓደ ፕላስቲክ ዝዓጸዉዋ ካልእ ኤርትራዊት ነፍሰጾር ኣደ፣ ናብ ሳንዱቕ ሬሳ ከሰጋግሩዋ ሽርኔራ ምስ ከፈቱ ክልተ ኮይና ጸኒሓቶም፣ ሄለን፣ ህጻናት ደቃ ኤስሮም፣ ደሊና፣ ቢለን፣ ቀዲሞማ በብሓደ ናብ ባሕሪ ጥብጥብ ክብሉ ርእያ፣ “ለከምኩኹም ‘ባ” ኢላ ነብሳ ረጊማ ከምዝሰዓበቶም ክሰምዕ ከሎ፣ ኤርትራዊ ሰብ ጥራይ ዘይኮነ፣ ኤርትራዊ ከውሒ ‘ውን ክነብዕ ኣለዎ።

ንሞት “ክንድ’ዚ” ኢልካ ከም ዜና ክትሓልፎ ከለኻን፣ ንሰብኣዊ ዛንታታቶም በብሓደ ከተስተንትኖ ከለኻን ኣብ ኣእምሮ ዘለዎ ስምብራትን ጽልዋን በበይኑ እዩ። እቶም 360 ግዳያት፣ 360 ዝተፈላለየ ዛንታታት ኣለዎም፣ 360 ግዜ በኺኻ ‘ውን ሓዘኖም ዝወጽእ ኣይኮነን።

ነዚ ኣብ’ታ ጸላም ሓሙስ ዘጋጠመ ሃገራዊ ጥፍኣት ዝተፈልየ ዝገብሮ ሓደ ነገር ኣሎ። ዙም ቪድዮ ካሜራታት ዘርክበሉ፣ ገጽ ቴለቭዥናት ዓለም ዘንጸባረቖ፣ ሰብኣዊ ዛንታታቱ ብዝርዝር ዝተሰምዓሉ ኣጋጣሚ ደኣ ነይሩ እምበር፣ ነዚ ዝመስሉ ኣሰቀቕቲ ጃምላዊ ጥፍኣታት ንኤርትራውያን ለሚዶምና እዮም።

ኣብ መወዳእታ መጋቢት 2011፣ 400 ኤርትራውያን ብግስ ክብሉ ኸለዉ ኣብ ገምገም ባሕሪ ሊብያ ብተመሳሳሊ ሓደጋ ብጅምላ ከምዝሃለቑ ይዝከር። እቲ ግዜ ናይ ኣራብ ስፕሪንግ ወቕቲ ስለዝነበረ፣ ግብጻውያን ብሓባር መኪቶም ብዋጋ 300 ሰብ 30 ዓመት ዝገዝኦም መላኺ ስርዓት ስዒሮም ክዕወቱ ከለዉ፣ ንሕና ኤርትራውያን፣ ነንውልቀነብስና ከነድሕን ካብ ሞት ክንሃድም ክንብል ዝበዝሐ ሞት ንኸፍል ምህላውና ዘተሓሳስብ ምዃኑ ብምጥቃስ፣ “እንታይ ‘ዩ ወሪዱና!?” ክንብል ኣማሪርና ኔርና። ሕጂ ኸኣ እንሆ ነቲ 400 ሞት 360 ተወሲኹዎ። ነቲ ውርደትን ሕስረትን ዘሰነዮ ጥፍኣት ኣሽሓት ዜጋታትና ኣብ ምድረበዳታት ሰሃራን ሲናይን ጸብጺብካ ክትርእዮ ኸለኻ ሰብኣዊ ብርሰት ኤርትራ መዳርግቲ የብሉን። ኤርትራውያን ግን፣ ነቲ ቀንዲ ሱር ጥፍኣትና ዝኾነ ምልካዊ ስርዓት ቅድሚ ምእላይና ክንደይ ዝኣክል ናይ ሞት ማዕበላት ኢና ንጽበ ዘለና?

ሓደ ቅድሚ 10 ዓመት በዚ ነዞም ኣማኢት ኤርትራውያን ዝቐዘፈ ጉዕዞ ማእከላይ ባሕሪ ምስ ብዓልቲ ቤቱ ላምፐዱዛ ኣትዩ ጉዕዞ ስደቱ ብምቕጻል ዓዲ እንግሊዝ ዝኣተወ ኤርትራዊ ሓው፣ ሓደጋ ላምፐዱዛ ፍሉይ ዝኽርን ዓሚቝ ሓዘንን ስለዝፈጠረሉ፣ ቅንይ ኢሉ፣ ኣብቶም ግዳያት ዘለዎ ምድንጋጽ ሓልዮትን ንምግላጽ ናብታ ደሴት ምስ ተጓዕዘ፣ ሓደ ካብቶም ቀዳሞት ዝረኸቡዎ ውጻእ መዓት፣ “ሕጂ እንታይ ክትገብር መጺእካ?” ከምዝበሎ ኣብ ዝገበርኩሉ ቃለመጠየቕ ጠቒሱለይ። እዚ ውጻእ መዓት፣ ነዚ ከቢድ ሕቶ፣ ኣብ ክንዲ’ቶም ዝደሓኑ ዘይኮነስ ኣብ ክንዲ’ቶም ዝጠፍኡ ልዕሊ 360 እዩ ሓቲቱዎ። እዚ በዳሂ ሕቶ’ዚ፣ እቶም 520 ተሳፈርቲ ናይታ ናይ ህልቂት ጃልባ፣ መሬት ክረግጹ ሓደ ኪሎሜተር ምስ ተረፎም ንሓደጋ ምስ ተቓልዑ፣ ረዳኢ ስኢኖም እናኣዕለበጡ፣ መብራህቲ ደሴት ላምፐዱዛ እናረኣዩ ክጥሕሉ ከለዉ፣ ኣብ’ቲ ናይ ሞትን ሕየትን ህሞት፣ ኣብ መንጎ ኣውያቶምን ዋጭዋጭትኦምን ብጥልመት ዓለም እናተጨነቑ “ኣበይ ኣላ’ዛ ዓለም?” ኢሎም ናይ ዘቕርቡዎ ናይ መወዳእታ ሕቶ መቐጸልታ ምዃኑ ኸኣ እዩ ኣዝዩ ረዚን ዝገብሮ።

እንተኾነ፣ እቲ ሕቶ ንኹላትና ኤርትራውያን፣ እንተላይ ነቲ ውጻእ መዓት ዝምልከት እዩ። እንታይ ክንገብር ኢና ካብ ኤርትራ ንወጽእ ዘለና? እንታይ ኴንና ኢና ካብ ሃገርና ንብተን ዘለና? እንታይ ኴንና ኢና ካብ ሞት ክንሃድም ክንብል፣ ንመውት ዘለና?

ኤርትራውያን ኣሕዋትን ኣሓትን፣ ካብ ጥልመት ዓለም ዝኸፍአ ጥልመት ኣብ ውሽጢ ሃገርና ‘ሎ። ካብ ጭካኔ ባሕሪ ዝኸፍአ ጭካኔ ኣብ መሬትና ‘ሎ። ሓደን ቀንድን ምኽንያት ናይዚ ምጽጋብ ስኢኑና ዘሎ ጃምላዊ ቅዝፈት፣ እቲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዘሎ ቅንጣብ ሰብነት ዘይብሉ ኣረሜናዊ ስርዓት ‘ዩ ‘ሞ፣ ፊትንፊት ንግጠሞ፣ ካብ ፍርሒ ዝኸፍእ ሞት የለን!!

እዞም ኤርትራዊ ከውሒ ‘ኳ ክነብዕ እናተጸበናዮ፣ ጥፍኣት ኣማኢት ኤርትራውያን ድምብርጽ ዘይብሎም፣ ኤርትራዊ ልቢ ሓሪሩ ኸሎ ኣብ ኤርትራዊ መቓብር ክስዕስዑ ዝወናወኑ ጨካናት፣ ዘይግብኦም ግዜ እዮም ዘስተማቕሩ ዘለዉ። ዕምሮም ክሳብ ዘየሕጸርናዮ ኸኣ፣ ብሞትና ምልሃይ ኣይከቋርጹን እዮም። እዚኣቶም ሰባት ኣይኮኑን። ኢሰብኣውነቶም ኣለሊና፣ ንኤርትራ ሃገረ ሰባት ክንገብራ ትብዓት ዘይምርኣይና ግን ንርእስና ኸ ሰባት ዲና?

እዞም ልዕሊ 360 ኤርትራውያን ግዳያት ባሕሪ፣ ንላምፐዱዛ ከም ሱዳንን ኢትዮጵያን መሓልፎ ስደት ደኣምበር ናይ መወዳእታ መዕቆቢቶም ኣይሓሰቡዋን። እንተኾነ፣ ዋናን ወኪልን ዘይረኸበ ሬሳኦም ንቡር ስኢኑ ኣብ ቺቺልያ ተበቲኑ ‘ሎ። እዚ ንስድራቤቶም ኮነ ንህዝቢ ኤርትራ ሰንፈላል ዝገብር ዘሰቅቕ ተርእዮ’ዚ ኸኣ’ዩ ኣብ ዘይእበድ ሓዘን ከቲቱ፣ ብህላወናን ሰብኣውነትናን ዘማትኣና ዘሎ።

ኣሕዋት ኤርትራውያን፣ ጥፍኣት መመስ መንጨተና ደም ንብዓት ካብ ምፍሳስ፣ ቅድሚ ዝኣገረ ሓሞት ክንገብር፣ ክንምክት፣ ይኣክል ክንብል፣ ኣንጻር እዚ ህዝብና ዝበታትን ሃገርና ዘዕኑ ዘሎ ጨካን ስርዓት ሓቢርና ብስምረት ክንለዓል፣ ቆራጽ ውሳኔ ክንወስድ ኣለና። እዚ ካብ ድምጺ ህልዋትና፣ ትርኢት ሬሳታትና ተሰሚዑሉ ዘሎ እዋን ከየምልጠና ዓውታና ንመልኣሉ።  እዚ ናይ ሓዘን ቅነ፣ ሰላምን ራህዋን ህዝብና፣ ትንሳኤ ሃገርና ንምርግጋጽ፣ ንስጉምቲ እንብገሰሉ ናይ መወዳእታ መስመር ክኸውን ኣለዎ።

ምልኪ ይፍረስ ሕጊ ይንገስ!

ኣማኑኤል ኢያሱ

21 ጥቅምቲ 2013

aseye.asena@gmail.com

Review overview
4 COMMENTS
  • Dan October 21, 2013

    enda jahra drarom 7 megogo agudom tsemom yhadru
    aye hgdef and his blind followers

  • belay nega October 22, 2013

    “ኤርትራውያን ኣሕዋት፣ ንወስን!!”

    አብ ናህሩ ዝወደአ ጉዳይሞ እንታይ እዩ እቲ ዝውሰኖ?

    • Raul October 22, 2013

      ክቡር ኣማኑኤል ኢያሱ

      ኤርትራዊን ኤርትራውነትን ኣብ ሓደጋ ወዲቖም ከም ዘለዉ ዘካትዕ የብሉን። ብዓይኒ ሓልዮት ንዝጥምት፥ ሰማዕ እዝኒ ንዘለዎ ኤርትራዊን ፈታው ኤርትራን ቁስሊ ኤርትራ ርኡይ ፥ እቲ ቁስሊ ዝፈጠሮ እህህታ ኤርትራ ድማ ስሙዕ እዩ። ኣብ ነዊሕን መሪርን ስደት ከምኡ’ውን ስእነት ርጉእ ህይወት ኣብ ውሽጢ ዓደቦናን ግን ሓደ ንመንነትና ዘስግእ ክስተት ይውለድ ኣሎ። ብውልቂ ምሕሳብ። ሃገር እኮ ድምር ውልቀ ስምዒታት፥ ሕልምታት፥ ራእዪታት፥ ፈጠራታት፥ ወኒታት፥ ፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠ካልእን እዩ። ህይወት ሓደ/ሓንቲ ኤርትራዊት ክባላሾ እንከሎ ኣብ’ታ ኤርትራውነት እንብሎ መጥመሪና ሓደ ኣገዳሲ ጸጋ ይበላሾ ከም ዘሎ ክንግንዘብ ኣለና። እንተዘይተገዲስና ፥ ኣብ ልብና ጸገም ኣሎ።፡ ኣብ ልብና ጻህያይ ተዘሪኡ ኣሎ። ሳዕሪ ማእዶ ብጽኑዕ መጥመሪ ስለ ዚተጠምራ ዳኣየን ደልዲለን እምበር ብተናጸል ዳኣ ቅርኒብ እንዳኣለን። ምስ ተኣከባን ምስ ተጠምራን ጥራይ የን ቁምነገር ክሰርሓ ክኢለን። ነፍሲ ወከፍ ውልቀ ኤርትራውን ክእለቱን ድሕነቱን ድማ ብዛዕባ ኤርትራ ይሓስብ የ ንዝብል ኤርትራዊ ብልቢ ከገድሶ ጥራይ ዩ ዘለዎ። ኤርትራዊ እንተበኽዩ ሓላዪ ኤርትራ ከባኽዮን ፥ ኣረጋጊኡ ድማ ጸገም ኣብ ምፍታሕ ክድግፎን እዩ ዘለዎ። ስለ’ዚ ውልቃውነት ይሃስየና ኣሎ። መንፈስና ይሰርቀና ኣሎ። እግረይ ኣውጽእኒ ነጊሱስ ፍርዱ ኣብ ልዕሊ ብሓባር ምሕሳብ ይህብ ኣሎ። ደቂ ኤርትራ ኣብ ክንዲ ርስቲ እንዳ ቦና ንወድቕ፥ ንስለ ርስቲ ዓደቦና ንዝወደቐ ከኣ ክብሪ እንህብ ክቡራት ኢና። ናጻ ኤርትራ ድማ ንርስቲ ዓደቦና ብህይወት ዝተወፈዩ ፍንጫሕ መሰንገለና ዝወለዱዋ ክብርቲ ውላዶም ኢያ። ስለዚ ብሓባር ዝሓስቡ ዜጋታት ተወፍዮም ኣብ ዘምጽእዋ ናጻ ኤርትራ ኮይንና ብውልቂ ክንሓስብ ኣይግባእን።
      ኣብ ላምፐኢዱሳ 360 ኤርትራውያን ምስ ሕልሞምን ወኒታቶምን ዓሪቦም። ደቂ ስዉኣት ፥ አሕዋትን ኣሓትን ስዉኣት፥ ነዛ ዘላ ኤርትራ ዕድላቶም ዘሰዉኡላ ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ፠፠፠፠፠፠፠፠፠.ዘገልገሉዋ መንግስቲ ከም ዘይተገልግሎም ምስ ፈለጡ ናብ ሃገረ ሕልሚ እናኸዱ ጠፊኦም። ከም ኤርትራውያን መጀመርያ መጀምርያ ምስ ሰማዕናዮ ክንበክን ክንቁዝምን ዩ ዘለና። ድሕሪኡ ክንትንትን ክንጸርፍ ኢድና ክነወጣውጥ ጠንቅን መኽንያትን ክነላሊ ላዕሊ ታሕቲ ንብል። ኣብ ጉዳይ ጥፍኣት ኤርትራውያን ዘካትዕ የብሉን። ገበል ኣብ ዝወረራ ገዛ ፥ ንኤርትራ ኣነ የ ኣምጺኤያ ፥ ዕድላት ንእስነተይ ሂበላየ፥ ሕጂ ኣበይ ዝነበሩ ዮም ዓድና ዓድና ዝብሉ ፡ ንስልጣን ከም ዓስቢ ናይ ቃልሲ ዝወስድ ኣተሓሳስባ ኣብ ርእሱ ዝመልአ፥ ሓድሽ ሃሳባት ክትህቦ ኣብ ትፍትነሉ እዋን ርእሱ ብትምክሕቲ ስለ ዝመልአ ሓሳባት ክቕበል ዘይክእል ኣራእስ ኣብ ዝመልእኣ ውጽዕቲ ኤርትራ ጠንቂ ጥፍእእት ንጹር ዩ። ጌረ ምባል ሕማቕ ኣይኮነን። ጥራይ ዝገበርካ ኩን። ግን ልዕሊ ቲ ህይወቱ ዝሃበ ዲኻ? ንምኻኑኸ ኣማኑኤል ኢያሱ እዞም ሰባት ናቲና ድዮም? ዓቕሚ ጥራይ ድዩ ዝውሕዶም ዋላስ ቅንዕና? ተሰኪፍና እኮ። በዓል እዚ በላይ ነጋ ገለ ዝበሃሉስ ዝተነግሮም ከይህሉ። እምበር ከመይ ኣቢሎም ኣብ ከምዚ ኩነታት ስሕኽ ኣይብሎምን?

  • ganshera anbetha October 22, 2013

    That is me ganshera!!!!!!!
    Ofcourse everyone thinking for himself and his family Did our martyrs got their compensation no at all so everybody forced to think for himself and herself.Moreover the state of eritrea tell us again and again country belong to ESEPA,citizen who is living abroad because they have USD not Nacafa.For instance Amanuel why do not jpoin yourself to armed struggle?

POST A COMMENT