Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሞት ፍቕረ

መራሒ ህግሓኤ፡ ካብ ጥንቲ ካብ ጥቅምቲ ኣትሒዙ ንሕጋዊ ኣሰራርሓ ምስ ተኣፈፎ እዩ። ድሕሪ ናጽነት’ውን ነቲ ተሳታፍነት ህዝቢ ነይሩዎ ተባሂሉ ብዙሕ ከበሮ ዝተደሰቐሉ ቅዋም ናብ ጐሓፍ ዝደርበዮ፡ ብዝሓለፈ ገበናተይ ክሕተት እኽእልየ ዝብል ራዕዲ ስለ ዝተዋሕጠ ከም

መራሒ ህግሓኤ፡ ካብ ጥንቲ ካብ ጥቅምቲ ኣትሒዙ ንሕጋዊ ኣሰራርሓ ምስ ተኣፈፎ እዩ። ድሕሪ ናጽነት’ውን ነቲ ተሳታፍነት ህዝቢ ነይሩዎ ተባሂሉ ብዙሕ ከበሮ ዝተደሰቐሉ ቅዋም ናብ ጐሓፍ ዝደርበዮ፡ ብዝሓለፈ ገበናተይ ክሕተት እኽእልየ ዝብል ራዕዲ ስለ ዝተዋሕጠ ከም ዝኾነ ናይ ኣደባባይ ምስጢር እዩ። ብዝኾነ፡ እዚ ደም ንጹሃት ዜጋታት እናሰተየ ዝተርንዐ ውልቀመላኺ ዛጊት ነቲ እከይ ስርሑ ብዝለዓለን ዝተመስጠረን ሜላ ክቕጽሎ እንተ ዘይኮይኑ ዶብ ክገብረሉ ኣይተራእየን። ተሓቢኡ ዝነብር ,ምስጢር ስለ ዘየሎ ግን በዚ ጨካን ውልቀመላኺ ናይ ዝተቐንጸሉ ጀጋኑ ፋይል ድሮ ክግንጸል ጀሚሩ ኣሎ። ብርክት ዝበሉ ኣሕዋት በብወገኖም ዘዝፈልጡዎን ክገልጹ ከለዉ፡ ብዙሓት ድማ ክሳብ ኵነታት ዝደልዎም ኣጽቂጦም ኣለዉ።  ብወገነይ ድሕሪ ናጽነት ናይ ዘጋጠመ ክልተ ፍሉይ ቅንጸላታት ጥራይ ክዛረብ። ንሎሚ ድማ ኣማውታ ፍቕረ ከመይ ከም ዝነበረ ከውግዓኩም።

ፍቕረ ገና ኣርባዓ ዘይመልአ ኣዝዩ በሊሕ መንእሰይ ኮይኑ ኣብ ናይ መሸጣ ናውቲ ህንጻ ምስ ዝነጥፍ ወዲዓበደላ ብዝብል ሳጓ ዝፍለጥ ነጋዳይ ሓው ንንውሕ ዝበለ ግዜ ሰሪሑ። ኣብዚ ናይ ሓዉ ስራሕ ድማ ፍቕረ ነቲ ሞያ ጽቡቕ መሊኹዎ። ኣብ መጨረሽታ ናቱ ትካል ብምምስራት ክነጥፍ ጀሚሩ። ሓዉ ገይሹ ከሎ ብገንዘቡ ካብ ዱባይ ንብረት ብምምጻእ ዓቢ መኽሰብ ስለ ዝረኸበ እዩ ምስ ሓዉ ተቐያዪሞም፡ ዝብሉ ሰባት ኣለዉ። ብዝኾነ፡ ፍቕረ ሳላ ንጥፈታቱ ፍሉጥ ነጋዳይ ክኸውን ግዜ ኣይወሰደሉን። ብፍላይ ምስ ሚኒስትሪ ምክልኻል ናይ ስራሕ ርክብ ስለ ዝነበሮ ምስ ብርክት ዝበሉ ሓለፍቲ ጽቡቕ ዝምድና ክምስርት ክኢሉ። መንቀሊ ናይቲ ዝምድና ከምዚ ነይሩ። ኣብ ግዜ ሳልሳይ ወራር ሚኒስትሪ ምክልኻል 400 ኣእዱግ ክዕድግ ስለ ዝደለየ ጨረታ ኣውጺኡ። ብዛዕባቲ ጨረታ ዝተገደሰ ሰብ ስለ ዘይነበረ፡ ሓለፍቲ ዕድጊ ሚኒስትሪ ምክልኻል ንፍቕረ ክተሓባበሮም ተወከሱዎ። ፍቕረ እቲ ስራሕ ሞያኡ’ኳ እንተ ዘይነበረ ክተሓጋገዞም ይሰማማዕ። ብኸምዚ ድማ ላዕልን ታሕትን ኢሉ ነቶም 400 ኣእዱግ ኣብቲ ዝድለ ግዜ ኣቕሪቡሎም። ካብዚ ግዜዚ ንንየው ድማ ምስኣቶም ዝነበሮ ሌላ ዝያዳ ደልዲሉስ ካልእ ንብረት ንኸምጽኣሎም ክእዝዙዎ ጀመሩ። ኣብ ከምዚ ኵነታት ፍቕረ ማዕረ ክንድዚ ጽልዋ ክህልዎ ዘይደልዩ ሰባት እናበርከቱ ከይዶም።

 

እቶም ቀንዲ ክጻረሩዎ ዝጀመሩ ፍሉያት ሰባት እቲ ብስም ሲቪል ጀነራል ዝፍለጥ ወዲቐሺን ቀደም ኮርሳቶረ ከም ዝነበረ ዝንገረሉ ወናን ትካል መሸጣ ናውቲ ህንጻ ዘርእጋብርን ነይሮም። ወዲቐሺ ክሳብ 1994 ብዘይካ ኣብ ከባቢ ጣባ ዝነበረት ዘይትጠቅም እንዳ ምዕራይ ብቺክለታ ካልእ ንብረት ዘይነበሮ ሰብ ከም ዝነበረ እዩ ዝፍለጥ። ኣብ ኣዝዩ ሓጺር እዋን ግን ድኳን መሳርሒ ህንጻ ከጥሪ፡ ኣልግብ ኣቢሉ ድማ ናይ ኮንትራክተር ሊቸንሳ ብምሓዝ ኣነ ዝበለ ኮንትራክተር ብምዃን ዓበይቲ ህንጻታት ከስርሕን ከም ሓደ ዓቢ ሃብቲ ዘለዎ ሰብ ክጽዋዕን ጀሚሩ። ምስ ውጩ ብምስጢር ሽርክነት ናይ ስራሕ ነይሩዎ ዝብሉ ሰባት ኣለዉ። ብዝኾነ ኣብ 2005 ማዕረ ምስ ኢሳያስ ተላልዩስ ኣብ ዝተፈላለየ ሆቴላት ክዕድሞ’ውን ጀሚሩ ነይሩ እዩ። ቅንኢ፡ ህልኽን ድሑር ኣተሓሳስባን ተደሚሩዎ ግን ኣንጻር ፍቕረ ዝቐንዐ ተንኰል ምእላም ናተይ ኢሉ ተተሓሓዞ። ኣብዚ ጕዳይ’ዚ ንበይኑ ከም ዘይነበረ ድሒሩ ክግለጽ’ዩ።

 

ዘርእጋብር  ካብ ንግዳዊ ኮርፖረሽን ቀይሕ ባሕሪ (09) ጕንዖ ረኺብካ ኔርካ ተባሂሉ ካብ መጨረሽታ 1996 ክሳብ 2000 ተኣሲሩ ነይሩ። ኣብቲ እዋን’ቲ 09 ነቲ ኣብ ሜዳ ባሕቲ መስከረም ከዚኑዎስ ቈልዑ ቀቲሉ ዝነበረ ቴንዲኖታት ክሸጦ ደልዩ። ሓለፍቲ 09 ንሓደ ወናን ትካል ክሸጡሉ ድሕሪ ምስምማዕ ውጩ ኣብ መንጎ ብምእታው፡ “ከመይ ኢልኩም ነዚ ትካል’ዚ ትሸጡሉ ኣለኹም? ስለምንታይ ንዘርእጋብር ዘይትሸጡሉ?” ኢሉ ስለ ዝገንሖም ተለከም ኢሉዎ ነተን ንብረት ክገዝአን ዕድል ረኺቡ። ክንደይ ረቢሑለን እዝግሄር ዋናኡ ግዳይ ኣርባዕተ ዓመት ማእሰርትን ኣደዳ ናይ ኣማእት ኣሽሓት ናቕፋ መቕጻዕትን ኮይኑ። ተኻሓስ ኢሉዎ ግን ድሕሪ ማእሰርቱ፡ ብሰንክ’ቲ ንዅሉ (ኢምፖርት ኤክስፖርት) ዝኣገደ ኣዕናዊ ፖሊሲ ኢሳያስ ሃንደበት ብድድ ኢሉ። ምኽንያቱ ቀቅድሚ እቲ ናይ ኢሳያስ ኣዋጅ በጋጣሚ ብዝሕ ዝበለ ናውቲ ህንጻ ኣእትዩ ስለ ዝጸንሐ፡ ምስቲ ብሰንኪ ሕጽረት መሳርሒ ህንጻ ዝተፈጥረ ናህሪ ዋጋታት ማእለያ ዘይብሉ መኽሰብ ግሒጡ። ነዚ ባዕሉ ዘርእጋብር፡ “ዓሰርተ ዓመት ሰሪሐ ዘይረኸብኩዎ መኽሰብ ኣብ ሓደ ዓመት ከእትዎ ክኢለ፡” ኢሉ ክጀሃር ተሰሚዑ ነይሩ እዩ።

 

ኣብ ከምዚ ክግለጽ ዝጸንሐ ኵነታት እዩ’ምበኣር ህይወት ፍቕረ ኣብ ሓደጋ ክኣቱ ዝኸኣለ። ንፍቕረ መሳርሒ ናይ’ዞም ክጥቀሱ ዝጸንሑ ነጋዶ ዝኾኑ መንእሰያት ብተደጋጋሚ ይፍክሩሉን የፈራርሑዎን ስለ ዝነበሩ፡ ናብ ፖሊስ ብኣካል ቀሪቡ ኣመልኪቱ ነይሩ። ፋይዳ ግን ኣይረኸበሉን። እቶም ምስ ፍቕረ ጽቡቕ ርክብ ዝነበሮም ሓለፍቲ ምክልካል፡ እቲ ጕዳይ ላዕለዎት ሓለፍቲ ፖሊስ ናይቲ ስርዓት ተጸንቢሮሞ ከም ዘለዉ ስለ ዝተረድኡ፡ “ካብዞም ሰባት እዚኦም ክትድሕን እንተ ዄንካ ክትዕለም ናብ ዊዓ ውረድ፡” ዝብል ምኽሪ ሃቡዎ። ፍቕረ ኣገልግሎት ኣይፈጸመን ስለ ዝነበረ ንፖሊስ ነቓዕ ክፈጥሩሎም ስለ ዘይደለዩ እዮም። ብመሰረት ምኽሮም ድማ ፍቕረ ናብ ዊዓ ወሪዱ ታዕሊም ጀመረ። ኣይሰሙን ኣይሳልስቲ ግን ፖሊስ ናብ ዊዓ ብምውራድ ንመርመራ ከም ዘድልዮም ድሕሪ ምሕባር ቀፊዶም ናብ ኣስመራ ወሰዱዎ። ኣብ ሳልስቱ ድማ ኣብታ ዝተኣስረላ ሸላ ተሓኒቑ ጸኒሑ ዝብል መግለጺ ሃቡ። ንስድራኡ ሬሳኦም ክወስዱ ምስ ነገሩዎም፡ ስድራኡ ኣማውታኡ ክጻረየሎም፡ ሬሳ ናይ ሓኪም መርመራ ከይተገብረሉ ከም ዘይወስዱዎን ብምሕባር ናብ ሓላፊ ገበን መርመራ ጠርዑ። ሓላፊ ገበን መርመራ ኣብቲ ጕዳይ ኢድ ስለ ዝነበሮ ግን ጸማም እዝኒ ሃቦም። ኣብ መጨረሽታ ቤትሰብ ፍቕረ፡ “ፖሊስ ሬሳ ወድና ናይ ሓኪም መርመራ (AUTOPSY) ይገበረሉ እንተ በልና ከልኪሎምና፡” ክብሉ ናብ ኢሳያስ ጠርዑ። ኢሳያስ ድማ ነቲ ሽዑ ኣብ መንጎ ክልተ ጕጅለ ጀነራላት ተላዒሉ ዝነበረ ምትህልላኽ ይከታተሎ ስለ ዝነበረ ናይ ሓኪም መርመራ ክግበር ኣዘዘ። እቲ ነገር ገመል ሰሪቕካ ጕምብሕ ጕምብሕ ስለ ዝነበረ ድማ ሓኪም ‘ፍቕረ ብኢድ ሰብ ሞይቱ’ ዝብል ጸብጻብ ሃበ።

 

ድሕርዚ ኮሎኔል ስምኦን ገብረድንግል ኣማውታ ፍቕረ ብህጹጽ መርሚሩ ጸብጻቡ ከቕርብ ብኢሳያስ ተኣዘዘ። ስምኦን ኣብ ሩስያ ዝተማህረ ሰብ ኮይኑ፡ ካብ ዝስለፍ ኣትሒዙ ኣብ ስራሓት ስለያን መርመራን ዝሰርሐ ኣዝዩ ምኵርን በሊሕን ምዃኑ እዩ ዝንገረሉ። ኮሎኔል ስምኦን ነቲ ጕዳይ ኣብ ውሽጢ ሰሙን ክሳብ ዘጻርዮ ኣስመራ ምልእቲ ከም ሕሱም ተሓመሰት። ህዝቢ ብዛዕባ’ቲ ጕዳይ ኣልዒሉ ዝዛረቦ ዝነበረ ክዉንን ዘይክዉንን ነገራት እንተ ዝጸሓፍ ሓደ ዓቢ መጽሓፍ ኣይምኣኸሎን ነይሩ ይኸውን። ብዝኾነ ኣብ ቀብሪ ፍቕረ ዝወዓለ ምስ ናይ የማነ ባርያ ዝወዳደር ብዝሒ ሰብ ምስ ተራእየ፡ ፍቕረ ብሰብ ዝነበሮ ተፈታውነት ተጋህደ። እቲ ረባጺ ወረታት ድማ ዝያዳ ናህሪ ወሲኹ ምልባዕ ቀጸለ። “ጕጅለ ፍሊጶስን ወዲ ሃብተስላሴን ምስ ጕጅለ ውጩን ዓፋንን ተተፋኒኖም ኣለዉ። ሲቪል ጀነራል ንኢሳያስ፡ ‘ኣበይ ዘሎ ዓጋመ እዩ’ ኢሉዎ፡ ፖሊስ ንፍቕረ ብስሚ ቀቲሎሞ ከለዉ፡ ‘ኣንሶላኡ ተጠቒሙ ተሓኒቑ’ ኢሎም ገበኖም ክጕልብቡ ፈቲኖም። ገሬ ቺባ ቀንዲ ተሓታቲ ናይቲ ጕዳይ እዩ ይብሃል ኣሎ ወዘተ” ዝብሉ ወረታት ድማ ኣብ ፈቐዶ ጽርግያ ይስምዑ ነበሩ። ጭፍራ ህግደፍ ግን ከም ኣመሉ ከጽቅጥ መረጸ። ኣብ ኤርትራ ገበን ዝብሃል የሎን እናበለኸ ብኸመይ መንገዲ ፖሊስ ሰብ ቀቲሎም ኢሉ ክዛረብ!

 

ኣብ ከምዚ ኵነታት ሓደ ማንም ሰብ ዘይተጸበዮ ድራማ ተጀመረ። ኮሎኔል ስምኦን ገበረድንግል ኣብ ስፖርት ጸኒሑ ናብቲ ኣብ ጥቓ ሆቴል ሳቫና ዝነበረ ዓቢ ኣፍደገ ገዝኡ እናኣተወ ከሎ፡ ካብ ቀረባ ኣርባዕተ ጥይት ዘነቦ። ይኹን’ምበር፡ ወላ’ኳ ኣብ ኣፍልቡን ኣብ ኢዱን ተሃሪሙ ኣብ መሬት እንተ ወደቐ፡ እቶም ሰባት ኣብ ሓንቲ ቶዮታ ሴዳን መኪና ደዪቦም ክብገሱ ከለዉን ሰለስተ ቍጽርታት ካብ ሰሌዳ ናይታ መኪና (ክልተ ናይ መጀመርያ ሓንቲ ድማ ዳሕረወይቲ ቍጽሪ) ክርኢ ዕድል ረኺቡ። ድምጺ ተዅሲ ተሰሚዑ ፖሊስ ይኹን ኣምቡላንስ ድሕሪ ምምጽኦም ከኣ ጸብጻቡ ሃበ። ንጽባሒቱ እቶም ሞይቱ ኢሎም ቀሲኖም ክሰትቱ ዝሓደሩ መንእሰያት ብቐሊሉ ተረኺቦም ተኣስሩ። እዚ ነቲ ገና ርሱን ዝነበረ ኵነታት ኣማውታ ፍቕረ መሊሱ ነዳዲ ስለ ዝወሰኸሉ ኣስመራ ዳግማይ ብቤላ ቤለው ክትሕመስ ጀመረት። ኣብ ሳልስቱ ሬድዮ ድምጺ ኣመሪካ ንዓሊ ዓብዱ ብዛዕባቲ ኵነታት ቃለመሕትት ኣካይዳትሉ ነይራ። ንሱ ኣብ መግለጺኡ፡ “ነቲ ጕዳይ ዝፈጸሙ ሰባት ድሮ ኣብ ቍጽጽር ኣትዮም ኣለዉ፡ ፖሊስ ጸብጻቦም ምስ ወድኡ ድማ መግለጺ ክወሃብ እዩ፡” ክብል ተሰሚዑ። ክሳብ ሎሚ ግን ይትረፍ መግለጺ ክወሃብ እቲ ጕዳይ ተላዒሉ’ውን ኣይፈልጥን። መስኪናይ ህዝቢ ክርስዖ’ዩ ተባሂሉ ንመቐሸሺ ዝተዘርበ’ዩ ነይሩ።

 

ድሕር’ዚ፡ እቲ ዓሻክሩ ኣብ ቍጽጽር ከም ዝኣተዉ ዝፈለጠ፡ እቲ ርኣዩኒ ርኣዩኒ ዝብል ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ቢራ ክትሰቲ እንተ ጸኒሕካዮ፡ “ጥርሙስ ዊስኪ ኣምጽእሎም፡ ንየው በሉዎ እዚ፡” ብምባል ዊስክታት ዝእዝዝ ዝነበረ ወዲቐሺ (ሲቪል ጀነራል) ካብ ጐደናታት ኣስመራ ተኸወለ። እቲ ካብ ጭራኡ ዘይፍለ ዝነበረ ውጩ ድማ ኣኽበርቲ ጸጥታ፡ “ንወዲቐሺ ኣይረኣኻዮን ገለ?” ኢሎም ክሓቱዎ ከለዉ፡ ኣልዕል ኣቢሉ “ናብ ጊንዳዕ ክወርድ’የ ይብል ነይሩ፡” ብምባል ናብ ግጉይ ኣንፈት ከም ዘምርሑ ክገብሮም ከም ዝፈተነ ይዝረብ። ድሕሪ ናይ ሓደ ሰሙን ዳህሳስን ምፍታሽን ግን ሲቪል ጀነራል ኣብ ሓደ ኣብ ከባቢ ዓዲዃላ ኣብ ዝርከብ ገዳም ተሓቢኡ ከም ዘሎ ጽንጽንታ ዝረኸቡ ኣባላት ጸጥታ ደድሕሪኡ ሰዓቡ። ዕላማ ሲቪል ጀነራል፡ ስለ ዘይረኸቦ እዩ’ምበር ንኢሰያስ ከይተረፈ ክቐትሎ ሓሲቡ ነይሩ እዩ ዝብሃል። ሽዑ ኢሳያስ ንባዕሉ ካብቲ ዝተፈጥረ ናይ ክልተ ጕጅለታት ምግጫው ሰጊኡ፡ ብዘይ ወግዓዊ መግለጺ ምስ ወዱ ናብ ኢጣልያ ሃዲሙ ቀንዩ እዩ ዝብሃል። ብዝኾነ ሓለውቲ ጸጥታ ኣብቲ ገዳም በጺሖም ህላዌ ናይ ሲቪል ጀነራል ምስ ኣረጋገጹ፡ “ኢድካ ሃብ” በሉዎ። እቲ ብፍልይቲ ላንድክሩዘር ምስ ዓጀብቱ ናብቲ ቦታ ዝበጽሐ ሲቪል ጀነራል ግን ተዅሲ ከፈተሎም። መሬት ድማ ብብሬንን ፈኰስቲ ብረትን ናብ ሓዊ ተቐየረት። ሰዓት ኣብ ዘይመልእ ግዜ ግን ሲቪል ጀነራል ምስ ሰዓብቱ ናይ ሞት ጽዋዕ ተቐበለ። ብተባራሪ ጥይት ዝተለከሙ ኣቕሽቲውን ነይሮም።

 

ቅንይ ኢሉ ኢሳያስ ንውጩ ናብ ዞባ ባርካ ተቐዪርካ ዝብል ደብዳቤ ልኢኹ ብምሕባር፡ ንፍሊጶስ ናብ ዞባ ማእከል ከም ዝመጽእ ገበሮ። ውጩ ድማ ከም ሓሰማ ኵሪፍ ኵሪፍ እናበለ ናብ ባረንቱ ኣምርሐ። ከም ውጽኢት ናይዚ፡ እቶም ንከተማ ኣስመራ ከም ሕሱም በጽቢጾማ ዝነበሩ ወዲቅጫ ዝመራሒኦም ኣባላት ስርሒት ሓሙሽተ ስለ ዝተኣልዩ ኣስመራ ንግዜኡ ተዛማዲ ሰላም ረኸበት። ብዙሕ ከይደንጐየ ገሬ ቺባ ምስ ካልኦት ኣብ ሞት ፍቕረ ኢድ ዝነበሮም ፖሊስ ክእሰር ከሎ፡ ዘርእጋብር’ውን ኣብ ቀይዲ ኣተወ። ወዱ ንዘርእጋብር ትዕግስቲ ኣብ ክንዲ ምግባር ሃተፍ ክብል ስለ ዝተሰምዐ፡ ንሱ’ውን ደድሕሪ ኣቦኡ ኣብ ቀይዲ ከም ዝኣቱ ተገብረ። ብዘይካዚ ካልኦት ሲቪል ጀነራል ዘዋፍሮም ዝነበረ ንፍቕረ ዘፈራርሑዎ ዝነበሩ መንእሰያት ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ ወንጀል መርመራ ተዳጐኑ። ኮታ ኣብቲ እዋን’ቲ ምእሳር ብእግሪ ኣያ ዑቕባይ እዩ ነይሩ። እከለኸ ኣበይ ኣሎ? እንተ በልካ ተኣሲሩ ዝብል መልሲ ጥራይ ኢኻ ትረክብ።

 

መደምደምታ፡ ኣብቲ እዋን’ቲ ነጋዶ ኣስመራ ከምዚ ሎሚ ኣብ ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ፋሕ ኣይበሉን ነይሮም። ስለ ዝኾነ፡ ካብ ናይ ማፊያ ኣገባብ ዘይፍለ ጀነራላት ኤርትራ ተማቒሎሞም ነይሮም። እቲ ዝሓየለ ጕጅለ ግን ብሲቪል ጀነራል ዝምራሕ፡ ብውጩን ዓፋን ሓላፊ ፖሊስን ዝድገፍ ናይ ነጋዶ ጕጅለ ነይሩ። በንጻሩ ድማ ብበዓል ፍሊጶስን ወዲሃብተስላሴን ዝድገፍ ድኽም ዝበለ ናይ በዓል ፍቕረ ጕጅለ ነይሩ። እቲ ምጕጅጃል ናይ ጀነራላት ዛጊት ከም ዘሎ ርኡይ ዝኾነ ምልክታት’ኳ እንተ’ሎ፡ ብጋህዲ ናብ ምውቃዕ ኣይበጽሐን ዝበጽሕ’ውን ኣይመስልን። እቲ ናይ ነጋዶ ጕጅለ ግን ምስ እገዳ ህንጻዊ ስራሓት ጠቕላላ ደው ምባል ናይቲ ቍጠባዊ ምንቅስቓስ ሃገርን፡ ዝበዝሑ ነጋዶ ኤርትራ ናብ ሃገራት ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ፋሕ ስለ ዝበሉ፡ ክትዛረበሉ እትኽእል ናይ ነጋዶ ጕጅለ ኣሎ ክብሃል ኣይከኣልን።

 

ኮሎኔል ስምኦን ገብረድንግል ኣቐድም ኣቢሉ ተራኡ ተዳኺሙ ከም ዘይጸንሐ ድሕሪ መውጋእቱ ድሮ ሓውዩስ ዋና ኣገልጋሊ ኢሳያስ ብምዃን ከም ቀንዲ ተንቀሳቓሲ ሞተር ናይቲ ስርዓት ላዕልን ታሕትን ይብል ኣሎ። ብሓጺሩ ሃሲሱ ዝነበረ ኮኾቡ ዝያዳ ክደምቕ ይርአ ኣሎ። ውጩ ድማ ከም ቀደም ዘይኮነ ኣብ ዓሰብ ኣብቲ ሃሩር ተጠጢቑ፡ ውጩ ውጩ ዝብሃለሉ ዝመበረ ግዜ እናዘከረ ኣብ ምስትምሳል ኣትዩ ኣሎ። ከምቲ ንጉስ ሰለሙን ዝበሎ ንዅሉ ግዜ ስለ ዘለዎ፡ ትዕግስቲ እንተ ጌርና ብዙሕ ክንርኢ ኢና። ክቡራት ኣንበብቲ፡ እዚኣ እያ’ምበኣር እታ ቅሳነትን ሰላምን ምዕባለን ዝሰፈና ኤርትራ እናበሉ ጭፍራ ህግደፍ ለይትን መዓልትን ዓዕ ዝብሉላ። ኣብቲ እዋን’ቲ ላዕለዎት ሓለፍቲ ጭፍራ እንታይ መጺኡና ብምባል ኣብ ዝኣትዉዎ ጠፊኡዎም ነይሩ። ክትዛረበሉ ዘሰክፍ ነገራት’ውን ይርአን ይስማዕን ነይሩ። ምንባር ብዙሕ ስለ ዘርኢ ገና ብዙሕ ክንርኢ ኢና። ድሕሪ ሞት ፍቕረ ጥራይ ክንደይ ርኢና ኣለና። ኣብ ኣማውታ መሓመድ ሓጐስ ክሳብ ንራኸብ ሰላም ቅነ ይኹነልና።

 

ውልቀመላኺ ወዳቒ እዩ!

ዓወት ንህዝቢ ኤርትራ!

ፍትሒ ይንገስ ካብ ከባቢ ኣጂፕ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
19 COMMENTS
  • Truly,Truly i say to you April 5, 2013

    Since the writer raised the topic about the in justifiably murdered citizens case, it is better not by money case, but by politically motivation about those murdered citizens like for instance Artist Abraham Afeworki case to discuss. In my view by no means Abraham death could be natural, but it was well organized politic motivated murder. Because Abraham in his concert in Sawa indirectly was singing and telling the youth about their lost life and stolen human rights, he was able to impress and capture all victimized youth hurt. But with caused situation unhappier Mafias i believe from that time as they decided to kill him. Because they fill Abraham song indirectly was motivating and agitating ,the youth to stand and rethink fight for their rights. You might some of you think i speak emotionally. But if you see selves the concert and the youth reaction again and again, i am sure as you will realize it, Abraham´s death in deed as was murdered, but not natural accident was.

  • Regeat April 5, 2013

    I am sorry for the death of Fikre. He actually made a mistake returning back to Asmara after visiting Uganda and Dubai. He had a plan to make business in South-Sudan. He could have brought the Pfdj under his feet. Since they are beggars by nature. We know who runs Dubai, Mombasa, Nairobi and Juba. All the business men made pfdj drink from their pockets. PFDJ is cheap by nature. It is after money not after principle. Those Bastards Zeregabir and his group deserve double death.

  • Embasorya The Mighty April 5, 2013

    aEntKum bqn’i zAwera iyen zmesla:: ‘kele Abi Hari’u ilkum ktHsdu ‘wn bQ’At zelekum iKum tmeslu::

    generaltn kal’ot meraHti Eritrea mezenatatkumn mezarebtKumn aykonun::

    habti mdlabn msraQn ‘nte deliKum ab Adi Woyane kiedkum dleywo::

    zienawi kndey Habti gedifu kem zKede tfelTwo do?

  • Haile Michael April 11, 2013

    ዘይተጋነነ ስሚዒታዊ ዘይኮነ ዜና(ጸብጻብ)ኣቕሪብካልና።ኣብቲ ጊዜቲ ኣስመራ ተሓሚሳ ነይራ። ብጀካ እተን ዝነበራ ብሎኮታት ሓደስቲ ንኡሳን ናይ መፈተሺ ነቑጣታት(ብሎኮታት)ገይሮም ናይ ሲቪል ጥራይ ዘይኮነስ ነተን ወተሃደራት መካይንውን ይፍትሽወን ነይሮም። ንዓይን ነቲ ሒዘዮ ዝነበርኩ ዘመላልሶ ዝነበርኩ ሓላፊ(ኮሎነል ስሙ ዓቂበዮ ኣለኹ)ብተደጋጋሚ መኪና ደው ኣቢሎም መንቀሳቐስን ታሴራናን እንዳረኣ ኣዩ ፈቲሾምና እዮም።
    ከምቲ ኣብ ርእይቶ ናይ ገለ ኣሕዋት ዝረኣኹዎ እዞም ኣብ ኤርትራ ዘለዉ ሓለፍቲ ክሳብ እቲ መራሒኦም ማፍያታት እዮም። ንዝተቓወመ ዝቕንጹሉ ዝነብሩ ዓመጽትን ከተርትን ማፍያ ጥራይ እዮም። በጃኻትኩም ኩሉ ተግባራት ናይ ህግደፍ ምስ ስራሓት ማፍያ ኣገናዝቡዎ ኩሎም ሓደ እዮም። ርሑቕ ከይከድና ምስ ዘ ጎድ ፋዘር ትብል ብዛዕባ ናይ ማፍያ ትትርኽ ፊልም ተወከሱ። ወይ ድማ እታ ቀንዲ መጽሓፍ ናይ ማርዮ ፑዞ ኣንብቡ። ብኡነት ኢለ እታ መጽሓፍ ባህርያት ናይ ህግደፍ እያ ተንጸባርቕ።

POST A COMMENT