Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ረፑብሊክ!

ረፑብሊክ!   ብምኽንያት ካልኣይ ሕታም መጽሄት ረፑብሊክ፡ ነቶም ኣብ ሕምብርቲ ጸላኢ ኮይኖም፡ ምልኪ ንምብዳህ ዝቃለሱ ዘለዉ ጀጋኑ ሃገራውያን እትምጉስ ናዕታ።   ኣቱም ደቂ ሃገር ሰብ ድርብ መዓንጣ ኣብዛ ቦታ ራዕዲ ምልኪ ዘንቀጥቀጣ ዕጅብ ከይበለኩም ዝመጸኩም ጣጣ ነዛ ሓላል መሬት ሕሰም ክቕንጠጣ ጽሑፋት ዘርጊሕኩም

ረፑብሊክ!
 
ብምኽንያት ካልኣይ ሕታም መጽሄት ረፑብሊክ፡ ነቶም ኣብ ሕምብርቲ ጸላኢ ኮይኖም፡ ምልኪ ንምብዳህ ዝቃለሱ ዘለዉ ጀጋኑ ሃገራውያን እትምጉስ ናዕታ።
 
ኣቱም ደቂ ሃገር ሰብ ድርብ መዓንጣ
ኣብዛ ቦታ ራዕዲ ምልኪ ዘንቀጥቀጣ
ዕጅብ ከይበለኩም ዝመጸኩም ጣጣ
ነዛ ሓላል መሬት ሕሰም ክቕንጠጣ
ጽሑፋት ዘርጊሕኩም ብመጽሄት ጋዜጣ
ነቲ ውጹዕ ህዝብኹም ግዳይ ናይ ስልበጣ
ትሕብሩዎ ኣለኹም ሓቂ ንኽፈልጣ!
 
ኣብ በዓቲ ተዂላ፡ ኣብ ሓደጋ እናነበርኩም
ድምጺ ከተስምዑ ንፍትሒ ደው ኢልኩም
ፍጹም ገሪሙኒ እቲ ቈራጽ ትብዓትኩም
ናይዚ ውጹዕ ህዝቢ ተስፋ ብምዃንኩም
ኣናብስ ኤርትራ ግድን’ዩ ዓወትኩም!
 
*ኣብሪሞም ደፊንኩም ንጸለውቲ እዝኒ   *ልቦም
መጺሄት ሓቲምኩም ንበብ ክትብሉኒ
ተባዕ ውሳነኹም ዚመልኦ ወኒ
ቅያ ናይ ጀጋኑ ኣዘኻኺሩኒ!
 
ማህጸን ኤርትራዊት ከምዘይበትኽ ጅግና
መርድእ ኮይኑዎም’ዩ ነቶም *ዘለምትና                      *ረገጽትና፡ ጨቈንትና
ብራዕድን ሽበራን ክሰብሩ ቅስምና
ሃሰስ ይብሉ ኣለዉ ኣሰር ጀጋኑና!
 
ልኡኻት *ደማሒ ንከንቱ ኣይትድከሙ                   *መላኺ
*ብሶላ የብሉን ናይቲ ጅግና ስጉሙ                     *ኣሰር እግሪ
ኣየዛንዮን’ዩ ትኽስታ ናይ ድሙ
ኩሉ ስራሓቱ ብምስጢር ሃዲሙ
ንጠለምቲ ሕድሪ ጽፍዒት ጨልጊሙ
ቅያ ክፍጽም’ዩ ሃምበል ከም ቀደሙ!
 
ጅግና’ዩ ዘፍሪ ማህጸን ሕያወይቲ
ኣይጻወሮን’ዩ ኣርዑት ናይ *ዘለምቲ             *ጨቈንቲ
*ደልሃመት ቀንጢጡ ኪውልዕ መብራህቲ      *ድቕድቕ ጸልማት
*ገቢሑ ኣይፈልጥን ንኽቡር መስዋእቲ!         *ጀጅዩ፡ ፈሪሁ
 
ስለዚ ድማ’ዮም እዞም ረፑብሊካውያን
ኣብ ኤርትራ ኮይኖም ምስቲ ተዂላን *ራውያን          *ገዚፍ ኣሞራን
መኸተ ጀሚሮም ኣንጻር ህግደፋውያን
ህዝቢ ክሕርሩ ካብ በደል ግፍዓውያን
ዓጢቖማ ዘለዉ ስረ ኤርትራውያን!
 
ዓወት ንጀጋኑ ተቓለስቲ ኣሰናዳእቲ መጽሄት ረፑብሊክ
 
ብሽንሆት ንኽንነብር፡ ዕምሪ ምልኪ ነሕጽር!
 
ካብ ሓው መሲናስ 11/12/2014

aseye.asena@gmail.com

Review overview
5 COMMENTS
  • haile Weldetnsae ( drue ) December 12, 2014

    Smerrr hko hgdef ksber good luck

  • haile Weldetnsae ( drue ) December 12, 2014

    Republic jeganu tegadelti

  • THE NOBLE TEACHER December 12, 2014

    እዞም ደቂ ሎምስ ዘይከም ናይ ቀዳሞት ፊትወራሪ ናይ ገድሊ ኣብ ዓሰርተ ዓመቶም ቅድሚት ኣትዮም ከይዋግኡስ፣ነዛ ግጥሚ ምስ ኣንበብኩሎምሲ ናይ ባዕሎም ዕሸላዊትን ተሕንኽን ግጥሚ ጌሮም መልሲ ሰዲዶም።ዘይሃገራውያን__ንስኹም መጺእኩም ተቓለሱ ክብሉና__ንሕና, ንስኹም ተቓለሱ እምበር ንሕና ክንቃለስ ኢና ኣይበልናዮምን ፣ንሕና ድኣ already ወጻኢ ኣቲና ‘ንዲና እተን ታክሲ ዝቕበለና ሰብ የለን ፣ደቅናኸ መን ከምህሮም እዩ፧ ስድታት ደቂ ሎሚ !!! ገሪሙኒ እኳ ስድነቶም። ዘይኤርትራውያን፣እንታይ እዩ እዚ ከም ዓጋመ ኣዝዊርካ ምሕሳብ ፣ኤርትራዊ ቀጥ ኢሉ ብሓንቲ መገዲ እዩ ዝርእያ ንሓንቲ ጉዳይ !!!

    “ካብ ዓስ በላስ ዓስ ይቐልል”
    ኣውጽኡና እንዶ ግዳ___________________ንኣሜሪካ ካናዳ
    ጥለቡና ፡ንዶ ግዳ _______ንኤውሮፓ ኣውስትራልያ ዋላ ጅዳ
    ኣብኡ ኴንኩም ብግጥሚ_____ ካብ ትገብሩልና ናይ ፈርሓት ህዳ
    ካብ ወጻኢ መጺእኩም ተቓለሱ________ ኩልና ሞት ንልመዳ
    ናይ ተበለጽቲ ኣይንደልን __________ኣጆኹም ባዕልኻ ንዘይትኸዳ
    ንሕና ሓሊፍና፣___ንስኻትኩም ሃገር ብዶላራት ምስ ስድራኹም ኩዳ
    ዓሻታትኩም ድለዩ፣ሃገር ኮረሻ ኣቦይ ኣደም ትኹን ሓዊ ብኹላ የንድዳ
    ኣብዚ ኣለዉና ብዙሓት ገጠምቲ ሓው ንዓ ድኣ እታ ዶሽካ ተሓንገጣ
    ሻዕብያ ብብረት እምበር_______________ ኣይወርድን ዩ ብዋጣ
    ያዕ በሎ ተቓለሱ ምባል___ ኣይተባጭወልና ጽዋ ሃምበርገር ሓንጥጣ !!!

  • ogbai December 12, 2014

    ዘራጊት ማይ ዘላተን ኣሓስ ጹሩ ማይ ከይሰትያ ዘበት ስም እንዳቐያየርካ ጠፊእና እኮ እዚ ናትካ ብልሃት ነቶም ጀጋኑና ብኽንደይ ኽቡር ዋጋ ሃገር ዘሕቖፍና ሸፋቱ እዮም ክትብል ኣፍካ መሊእካ ነጊርካና ዝኾነ ኤርትራዊ ኣብ ቅድሜኻ ዋጋ ሲኢንካሉ መልእኽትኻ ደልየ ቁምነገር ሲኢነሉ ከይገድፈካ ናይ ስጋ ኮንካኒ ትግርኛኻ ብዙሕ ከቢድኒ ኣብዚ ጉዳይና እንታይ’ዪ መበገሲኻ እንታይከ ምዕለቢኻ ዕላማኻ ዓሻ መሲልካስ ድራሮም ወዳሎም ዘቕረብዎ ኩሉ ካብ ኢዶም መናጥሎም መን ድኣ ትባሃል ክንድዚ ተዋግዕ ሓንስእ ቶኽላ ጸኒሕካውን ትኸውን በጊዕ ንነገራት ብዙሕ ተሓዋውስ ትፈታትን ንኹሉ ከተልምስ ክትደማስስ በል ኣነ እገድድ ምሳኻ ዘኽድድ ካልእ ምርበብዶ ሲእንካ ንዓኻ ዘእንግድ ሕጂስ ያኣኽለኒ ንበይንኻ ከም ድላይካ ኣኽድድ።

  • THE NOBLE TEACHER December 13, 2014

    ተጋግየ ይመስለኒ ብዛዕባ እቶም ለባማትን ቆራጻትን ጀጋኑና ፧__፡ሓደ ኢሳያስ (ሕጂ ወዲ ተምቤን ንብሎ ዘለና) ዝለሉ እንተበሎም ክንደይ ሜትሮ ኢሎም ዝሓቱ ዝነበሩ__ኣብ ኣካልከ ስንኩላን ክትኴስ ርእሶም ኣድኒኖም ዝዕዘቡ__እቶም ናይ ሻዕብያ ሽፍታ መምርሒ ተኸቲሎም መርዑት ካብ ንእዲ እንዳውረዱ ብሓይሊ ኣቃሊሶም ድሓር ሾውዓተ ቆለውዕ ሒዘን ኣስመራ ምስ ኣተዋ መዕረፊ ዘይብለን ጠጠው ኢሎም ዝርእዩ፣ ብሰንኮምን ብዘዕበይዎ ሓርገጽ ኣቢሲንያዊ ኢሳያስ ኣወዳት ኣብ ሲናይ ክዕመጹ ከለዉ ሓደ ነብሱ ቀቢጹ ዘቃብጾ ዘይብሎም ፈርሓት___ከምዚ ከማይ ኣብ ግርምብያለ ኣዲኡ ተሓቢኡ ዕድል ምስ ረኸበ ወጻኢ ዝመልቝ ኣቡኡ ዘፍለጥ ፈታው ነብሱ ኣይሓይሽን።ብዙሓት ኣዝማደይ ወዲቖሙሉ እዮም ፣ነቲ ናይ ኣማዞን ብጫ ህበይ ክዕቅቡ እንተዝስውኡ ውሑድ መሕመመኒ።

POST A COMMENT