Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ራኢና!

ብ ኣበባ ኣብርሃ (ቶሮንቶ ካናዳ) 05/04/2015 ራኢና ብተሞክሮ ዝተጸርበ ብወጽዓ ዝረብረበ ብቃልሱ ዝዓገበ ስለዝኾነ የብሉን ዝድርበ፡ ብሩህ’ዩ ከም ጸሓይ ቀትሪ ሰና’ዩ ደላይ ፍቕሪ ስኒት’ዩ ዕጥቁ ሓቂ ሰንደቑ መሰል’በር ኣይኮነን ጨርቂ፡ ሕድሪዩ መብጽዓ ዘይጥለም ዝኸተመ ብናይደም ጽሑፍ ቀይሕቀለም ሂወት’ዩ ሂወት ክኸፍል ዝዳሎ ንዓመጽ ዝምክት ድሎ ብድሎ ውሒዱዶ ውጹዕ ህዝብና ዝተበደሎ፧ ኣስተውዒሉ

ብ ኣበባ ኣብርሃ (ቶሮንቶ ካናዳ)

05/04/2015

ራኢና ብተሞክሮ ዝተጸርበ

ብወጽዓ ዝረብረበ

ብቃልሱ ዝዓገበ

ስለዝኾነ የብሉን ዝድርበ፡

ብሩህ’ዩ ከም ጸሓይ ቀትሪ

ሰና’ዩ ደላይ ፍቕሪ

ስኒት’ዩ ዕጥቁ ሓቂ

ሰንደቑ መሰል’በር ኣይኮነን ጨርቂ፡

ሕድሪዩ መብጽዓ ዘይጥለም

ዝኸተመ ብናይደም ጽሑፍ ቀይሕቀለም

ሂወት’ዩ ሂወት ክኸፍል ዝዳሎ

ንዓመጽ ዝምክት ድሎ ብድሎ

ውሒዱዶ ውጹዕ ህዝብና ዝተበደሎ፧

ኣስተውዒሉ ርሑቕ ዝጠመተ

ለይትን ቅትሪን ከማዕዱ ተቋመተ

ዓወት ወይ ሞት ኢሉ ዝመከተ፡

ራኢና ኪኖ ሞት’ዩ ኪኖ መስዋእቲ

ንዝመጽእ ትውልዲ ነባሪ ርስቲ

ከይጒሂ ክሕጎስ ናትና ሕልፈት ከይጸንሖ

ዓመጸ/በለጽ ካብሱሩ ክምሖ

ወለዶሎሚ ተረኪቡ ንህዝቡ ክመርሖ

ዝጭበጥ ዝተሓዝ ክዉንሒዙ ኣግዕዞ ምስ መርሆ፡ ኤርትራዊ ስምረት ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ይኹን እቲ ጭርሖ!

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • Mesinas April 8, 2015

    “ራኢና!

    ብሩህ’ዩ ከም ጸሓይ ቀትሪ

    ሰላም እዩ ደላይ ፍቕሪ፡

    ስኒት’ዩ ዕጥቁ ሓቂ

    ሰንደቑ መሰል’ምበር ኣይኮነን ጨርቂ!” ንስለ ናእዳ ወይ ንምትብባዕ ኢልካ ዘይኮነስ ናይ ብሓቂ ትርጉም ዘሎዎ ግሩም ግጥሚ ወሪቕኪ ክብርቲ ሓብቲ። በርትዒ! ቀጽልሉ ድማ እብለኪ። የቐንየልና!

  • Teclay April 25, 2015

    any one who want to write giiz
    http://www.adugenet.com/type-amharic.html

POST A COMMENT