Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ርብዒ ዘበን ‘ናጽነት’ ኤርትራ: 3 ዓመት ኣብ ሕጽኖት፣ 4 ዓመት ኣብ ስግኣት፣ 18 ዓመት ኣብ መንገዲ ጥፍኣት! – (መግለጺ ብ ኣማኑኤል ኢያሱ ኣብ ዝኽሪ መበል 25 ዓመት ናጽነት ኤርትራ፣ በርገን፣ ኖርወይ)

ዳግመ ህንጻ ሃገራዊ መንነት ትንሳኤ ኤርትራን ህዝባን የድሊ ኣሎ። ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን ኣሕዋት ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ከተማ በርገንን ከባቢኣን፣ ኣብዚ ክቡር ዕለት’ዚ ምሳኹም ምስዞም ስደት ሃገርኩም ዘየረሰዓኩም ደቂ ሃገር ሓቢርካ ምውዓል ጥራይ ንገዛእ ርእሱ ዓቢ ጸጋ ክንሱ፣

ዳግመ ህንጻ ሃገራዊ መንነት ትንሳኤ ኤርትራን ህዝባን የድሊ ኣሎ።

ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን ኣሕዋት ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ከተማ በርገንን ከባቢኣን፣ ኣብዚ ክቡር ዕለት’ዚ ምሳኹም ምስዞም ስደት ሃገርኩም ዘየረሰዓኩም ደቂ ሃገር ሓቢርካ ምውዓል ጥራይ ንገዛእ ርእሱ ዓቢ ጸጋ ክንሱ፣ ብዛዕባ ‘ታ ኣብ ልቢ ኩልና እትነብር ሃገርን ህዝባን ክዛረብ ተወሳኺ ዕድል ዝሃብኩምኒ ኣዝየ አመስግነኩም።

ዮሃና፣ ንመበል 25 ዓመት ናጽነት ኤርትራ!

እወ፣ ሃገራዊ ናጽነት ምጭባጥና ዓቢ ዓወት እዩ። ህዝባዊ ሓርነትና ንምርግጋጽ እምነ መሰረት እንንብረሉ ባይታ ስለዝኾነ ድማ ወትሩ ከንሕልዎን ከነኽብሮን ይግባእ።

ከምቲ ሓርበኛ ኣቦና ወልደኣብ ወልደማርያም፣ ኣብቲ ደጀን ቃልሲ ናጽነት ዝነበረ ሳሕል፣ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት ናጽነት፣ ብኣካል ተረኺቦም፣ “ ህዝቢ ኤርትራ ባዕሉ ብገዛእ ቅልጽሙ ‘ዩ ዘውዲ ናጽነት ደፊኡ ዝርከብ ዘሎ፣ እዝግኣቢሄር ከኣ ባሪኹሉ ‘ዩ ሞ፣ ነዛ ዘውዲ እዚኣ ዝትንክያ ወይልኡ! ” ዝበሉዎ፣ ብሓያል ናዕታን ቃናን መቓልሑ ደጊምና ደኣ ነቶም ሃገርና ዘባድሙ፣ ናጽነትና ዘባኽኑ ዘለዉ ጸላእቲ ህዝቢ ኤርትራ ክንድህሎም ይግብኣና ‘ምበር፣ ኣብ ኣኽብሮት ዕለተ-ናጽነትና ነግፈረግ ዘብልን ዘጠራጥርን ክህልወና የብሉን።

ብናይ ገዛእ ርእሰይ ኣብነት ክጅምረልኩም፣ ኣነ፣ ነዛ ኣርብዓታት ኣሕሊፋ ዘላ እንኮ ይህወተይ፣ ኣብ ኣርባዕተ ተመቓቒለ፣ ብዘይካ ‘ቲ ምስ ወለደይ ዘሕለፍኩዎ ብድሕሪኡ ዝሰዓበ ምረት መቐረቱ ዘረሰዓኒ 10 ዓመት ቁልዕነተይ፣ ብዘይ ጫማ ኣብቲ ርሱን  ሑጻን ጽንጽሕለን ሳሕል ከርተት ዝበልኩዎ 10 ዓመታት ገድሊ፣ ኣብ ኣስመራ ኣብ መንጎ ናጽነትን ስግኣትን እናተፈራርቐ ከይተፈለጠኒ ሽው ኢሉ ዝሓለፈ 10 ዓመት፣ ሕጂ ድማ ነታ ብምልምል መሓውረይ ንእስነተይ ዘሊለ መሰታ ዓበይቲ ከፍሪ ሓኾት ዝበልኩላ ሃገር ገዲፈ ንልዕሊ 10 ዓመት ዘሕልፎ ግዜ ስደት ዘየተሓሳስበኒ ኣይኮነን።

ግደ ሓቂ ንምዝራብ፣ ብውልቃዊ ስቓይን ቃንዛን እንተተለኪዑ፣ ኣነ ካብ ብዙሓት ኤርትራውያን ዕድለኛ ክኸውን ይኽእል እየ። ሳላ ንእስነተይ ኣብ ቃልሲ ዝገበርኩዎ ኣበርክቶ ትሕቲ ኩሎም ተጋደልቲ ኣያታተይ እዩ። ኣይሰንከልኩን፣ ንእስነተይ ደኣምበር ህይወተይ ኣይሰዋእኩን። ድሕሪ ናጽነት ‘ውን፣ እቲ ንብዙሓት ናእሽቱ ኤርትራውያን መንእሰያት ኣሕዋተይ ኣብ ባሕርን ምድረበዳን ዝወረዶም በደልን ግፍዕን ኣይጋጠመንን፣ ብነፋሪት እየ ተሰዲደ። ስለዚ፣ ኣብዚ ቅድመይ ዘለኹም ብዙሓት ኣሕዋትን ኣሓትን፣ ካብዚ ዘይተደርሰ ኣርባዕተ መጻሕፍተይ ዝበዝሕ ምዕራፋት ዘለዎ ሰፊሕ ዛንታ ከምዘለኩም፣ ካብ ናተይ ዝሕይል ሕርቃንን ተስፋ ምቝራጽን ክፈታተነኩም ከምዝኽእል ኣጸቢቑ ይርድኣኒ እዩ። ጓሂ ልበይ እምብኣር፣ ማህረምቲ ዝባነይ ዝፈጠሮ፣ ካብ ውልቃዊ ወጽዓ ዝተበገሰ ኣይኮነን። እቶም ምስ መሳቶይ ኣርባዕተ ኩርናዕ ባሬላ ጼርና ናብ ሕክምና ነብጽሖም ዝነበርና ውጉኣት ተጋደልቲ፣ ደም ወዲኦም ኣብ መንኮብና ከይስዉኡ ሃታ-ሃታ ኣብ እንብለሉ ዝነበርና እዋን፣ ቃንዝኦም ከይንርእዮ ገጾም ብነጸላ ከዊሎም፣ በንጻሩ ንሕና ወዲቕና ከይንስበሮም፣ “ማናጁስ ደሓን ‘ኮ ኢና፣ ኣይትተሃወኹ ‘ባ፣ ከይትወድቁ፣ ናይ ሎሚ ዕምበባ ጽባሕ ፍረ እምበር ኢኹም” እናበሉ፣ በቲ ቃንዞም ውሒጡ ዝጎልሐ ተባዕ ቃላቶም ዝሃቡና ሕድሪ ምጥላሙ ‘ዩ እቲ ምንጪ ሕርቃን።

ልዕሊ ኹሉ፣ ከምዚ ሎሚ መበል 25 ዓመት ናጽነት ንምኽባር ተኣኪብናዮ ዘለና፣ 25 ዓመት ብሩራዊ ኢዮቨልዩ ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ንምኽባር ኣብ ሳሕል ኣብ ዝተኻየደ ጽምብል ኣብ ዝተሳተፍኩሉ ኣጋጣሚ፣ “ኣብ መጻኢት ኤርትራ፣ ደቅና ነዚ ብረት’ዚ ከይሕንገጡዎ መታን ኢና ሕጂ ብረት ተሓንጊጥና እንጋደል ዘለና፣ እዚ እትርእዩዎ ኣጻዋር ኣብ መጻኢት ኤርትራ ኣብ ቤተመዝክር ክኣቱ እዩ!” ተባሂሉ ብዓውታ ክዝረብ ዝሰማዕኩዎ መብጽዓ ተጠሊሙ፣ ዓሰርተታት ኣሽሓት ምንኣስ ናጽነት ቆልዑ ኤርትራ መንኮቦም ብምሕንጋጥ ብረት ረብሪቡ፣ ነቲ ኣብ ናጽነት ዝሰኣኑዎ ሓርነት ኣብ ስደት እንተረኸቡዎ፣ እናወደቑ እናተንስኡ ብምድረበዳን ባሕርን ክብተኑ ምርኣይ ‘ዩ ምኽንያት ተርባጸይ።

እቲ ኵናትን ቅልውላውን እምበር ሰላምን ቅሳነትን ከውርስ ዘይተዓደለ ወለዶታት ኤርትራ ሕጂ ‘ውን ኣመሉ ቀጺሉ፣ ናጽነት ዓንቀጽ ናይቲ ዝሓለፈ ጸሊም ታሪኽ ኮይና፣ ሰራሕቲ ታሪኽ ዝኾርዑሉ፣ ተቐበልቲ ሕድሪ ዝሕበኑሉ ብሩህ መጻኢ ተስፋን ሓድሽ ምዕራፍን ኣብ ክንዲ እትኸፍት፣ ዛንታ ሃለኽለኽን ሞትን ኤርትራውያን መብረ ስኢኑ ካብ የዒንቲ ኣዴታት ኤርትራ ዝነትዕ ዘሎ ንብዓት ዘይመሮ ኤርትራዊ ‘ሞ መን ኣሎ?  ብዘይካ ‘ቲ ድርብ ጥልመት ሕድርን መብጽዓን ዝኸኣለ፣ ብጸረ-ሰብነት ዝተሰበነ እኩይ ኢሳይያስ። ብርግጽ፣ እዚ ቅሳነትን ሩፍታን ዘይብሉ መዋእል ኤርትራውያን ንኹልና የቖጥዓና፣ የተሓሳስበና፣ የንብዓና።

ይኹን’ምበር፣ ቁጥዐና፣ ኒሕና ዘበራብር ‘ምበር፣ ልብና ዘንድድ ክኸውን የብሉን። ሃገራዊ መንነትና ዘሐድስ ደኣ ክኸውን ኣለዎ ‘ምበር፣ “ክላ እዛ ሃገር እዚኣ፣ እዛ ናጽነት እዚኣ፣ ብኻ ምተረፋና” ኣቢሉ ኣብ ቅብጸት ከውድቐናን ከልምሰናን ኣይግባእን።

እዚ ደኣ ‘ሞ መጻወድያ ጸላኢ ኤርትራ ዶ ኣይኮነን?

ኣብ ጽባሕ ናጽነት፣ 1991፣ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ናጽነቱ መጀመርያ ናይ ሓደ ሓድሽ ትስፉው መዋእል ከም እትኾነሉ ተኣማሚኑ ክሕጸን ከሎ፣ ኢሳይያስ በጋሚዶ ንጓይላ ናጽነት ከም ጉልባብ ተጠቒሙ ዘጥቅዖ ሓደ ብሉጽ ክብሪ፣ እቲ ሰንሰለት መግዛእቲ ዝሰዓረ ብርቱዕ ኤርትራዊ ሃገራዊ መንነት እዩ። ብናተይ እምነት ሃገራዊ መንነት፣ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ክኣቱ የብሉን። ከምደቂ ሰባት ንጉዳያት ብነቐፌታዊ ዓይኒ ናይ ምርኣይ ዓቕሚ ስለዘለና፣ ነዚ ጸጋ ‘ዚ ሃገራዊ ርብሓና ብዘሐይል መንገዲ ክንጥቀመሉ ሓላፍነትን ግዴታን ኣለና።

እቲ ልዑል ሃገራዊ ስምዒት ህዝቢ ኤርትራ ካብ ምቍጽጻሩ ንላዕሊ ምዃኑ ኣጸቢቑ ዝተገንዘበ ኢሳይያስ፣ ኣብ ግዜ ሓርነታዊ ቃልሲ ከይስዕሮ ዝተጠቐመሉ ስልቲ፣ ንወተሃደራዊ ባህርይ ናይቲ ቃልሲ መዝሚዙ ሕሉፍ ምስጢራውነት ከም ንቡር ኣሰራርሓ ምዝውታር እዩ ነይሩ። ድሕሪ ናጽነት ግን፣ ዋላ እንተደለዮ፣ ንምስጢራውነት በቲ ናይ ሜዳ ዓቐንን ኣድማዕነትን ክጥቀመሉ ከምዘይክእል ዝተገንዘበ ኢሳይያስ፣ ነቲ ብርቱዕ ሃገራዊ ስምዒት ህዝቢ ኤርትራ ብዓቢኡ ምድኻም እዩ ከም ስትራተጂ ተተሓሒዙዎ።

ነቲ ናጽነት ኣብ ምጕንጻፍ መሪሕ ተራ ዝተጻወተ፣ ብተወፋይነቱ፣ ኣፍራይነቱ፣ ብጻይነቱ፣ ሃገራውነቱ፣ ዲስፕሊኑ፣ ሓድነቱ ዝልለ ዝነበረ ተጋዳላይ፣ ኣብ ቅድሚ ‘ቲ ዘኽበሮ ሕብረተሰብ ብምዝላፍን ምውራድን ከምዝፈኵስ ብምግባር፣ ክቃወሙኒ ይኽእሉ ‘ዮም ንዝበሎም መመሪጹ ብምእሳር፣ ብቓጻ ብምቕታል፣ ንርእሶም መሕቀቒ  ነቲ ተረፈ መድሃሊ ተጠቒሙሎም። ኣብ መንጎ ተጋዳላይ ህዝብን፣ ፈለማ “ገባር ተጋዳላይ፣ ዋርሳይ ይከኣሎ” ዝብል ፍልልያት ብምትብባዕ፣ ቀጺሉ፣ ኣብ መንጎ ኣውራጃታትን ሃይማኖታትን ፍልልይ ብምስዋር፣ ኣብ መወዳእታ ኸኣ ምስ ኩለን ጎረባብቲ ሃገራት፣ የመን፣ ሱዳን፣ ኢትዮጵያ፣ ጅቡቲ፣ ዓመት ድሕሪ ዓመት ኵናት ወሊዑ፣ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ከምዝሰዓር ብምግባር፣ ነቲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ 30 ዓመታት ዘዋህለሎ ዘሐብን ጅግንነት፣ ኣብ ውሽጢ 9 ዓመታት ኣራኺሱ፣ ንህዝቢ ኤርትራ ፈለማ ብጎረባብቱ ከምዝነዓቕ፣ ኣብ መወዳእታ ድማ፣ ነታ ዝፈትዋ ሃገሩ ንዒቑ ከምዝስደድ ብምግባር ሃገራዊ ስምዒቱ ኣዳኺሙ ዝርግርግ ኣእትዩሉ።

ምናልባት ብሓፈሽኡ ኣስዒሩና ክብሃል ከሎ ከምዚ ጅምላዊ ጠቐነ ከይመስል፣ ንኹሎም እቶም ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ዝተኻየዱ ውግኣትን ኵናትን ቀስ ኢልኩም እንተመዚንኩሞም ብዘይካ ክሳራ ዓወት ይኹን መኽሰብ ዝብሃል ኣይነበሮምን። ፈለማ ስዑራት ዝገበሮም ፍትሓዊ ዕላማ ስለዘይነበሮም ‘ዩ። ኣብ ኣተገባብራኦም ‘ውን፣ ኢሳይያስ፣ ነቲ ኣብ ገድሊ ሰራሕ ቅያ ዝነበረ ተጋዳላይ በታቲኑ፣ ነቶም መራሕቲ ኵናት ‘ውን ወጊኑ ባዕሉ ኮማንደር ኢን ቺፍ ክኸውን ስለዝፈተነ ንርእሱ ፈሺሉ ንህዝቢ ኤርትራ ኣፍሺሉዎ። ናይ ሃገርና ነገር ስግንጢር ብምዃኑ ግን፣ እቶም ትርጉም ኣልቦነት ኵናት ዝተራእዮም፣ ሓልዮት ህዝቢ ዝነበሮም፣ “ብሕጊ ክንስዕር ንኽእል ኢና፣ ኵናት ኣየድልየናን” እዩ ዝበሉ ከም ብዓል በራኺ ገብረስላሰ ዝኣመሰሉ ቅኑዓት ኤርትራውያን ብዘይፍርዲ ኣብ ማሕዩር ይሓቁ ኣለዉ። እንተ’ቲ ኣብ ፍርዲ ክቐርብ ዝነበሮ፣ “ካብ ባድመ ወጻእና ማለት ጸሓይ ብምዕራብ በሪቓ ማለት እዩ እናበለ፣ ቀዳድ ገረወይና ኮይኑ ዝተረፈ ኢሳይያስ ከኣ ፈራድን ኣሳርን ኮይኑ ይንበር ኣሎ።

ሓደ ሓደ ግዜ፣ ካብቲ ስምብራቱ ብጻልጣ ዓይኒ ዝርአ፣ ዘድምን ዝቐትልን መግዛእቲ፣ እቲ ብዘይወስታን ጽፍዒትን ብሰላሕታ ስነኣእምሮ ደቂ-ሰብ ኣቖንቍኑ ንሓደ ህዝቢ ከም ሕብረተሰብ መለለዪታቱ፣ ባህልሉን ያታኡንን ስነምግባሩን ዝብክል፣ መንነት ሓደ ህዝቢ ዘጥፍእ መግዛእቲ፣ ብቐሊሉ ዘይወጽእ ዝኸበደ ሳዕቤን ከምዘለዎ ዝከሓድ ኣይኮነን።

እቶም ኣብ ሰሜን ኣመሪካን ኣውስትራልያን ዝርከቡ ‘ደቀባት’ ተባሂሎም ዝጽውዑ፣ ክጸንቱ ቁሩብ ስለዝተረፎም፣ ኣብ መገሻኦም ዝነገሱ ገዛእቶም መንነቶም ኣጥፍኦም፣ ከም ሰባት ዘይኮነስ ከም ቤተመሰክር ክጸንት ናይ ዝቐረበ ባህልን ዘርእን ዝርእዩዎም ቀያሕቲ ህንዳውያንን ኣቦንጅንስን፣ ኣብ ገዛእ መሬት ዓደቦኦም ዶማንዳ ዜግነት የእትዮም፣ (ንዕኡ ‘ውን ‘ሕራይ’ ወይ ‘እምቢ’ ‘ለዎ) ካብቶም ውቅያኖስ ቆሪጾም ዝጠሓሩዎም ገዛእቲ ሓድሽ ዜግነት ክሓቱ ክትርእዮም ከለኻ፣ እቲ ህዝቢ ኤርትራ መንነቱ ዓቂቡ ብዘካየዶ ተባዕ ቃልሲ ዝተጓናጸፎ ናጽነት ክሳብ ክንደይ ክቡር ምዃኑ ዝያዳ ይርድኣካ።

ህዝቢ ኤርትራ፣ ከም ቀያሕቲ ህንዳውያንን ኣቦንርጅንስን ብቑጽሪ ውሑድ ክንሱ፣ ከምኣቶም ኣብ ክንዲ ዝበርስ፣ ምንጋጋ መግዛእቲ ሰይሩ ናጽነቱ ዘረጋገጸሉ ቀንዲ ምኽንያት፣ ቅድሚ ኹሉ፣ ኣብ ባሕሪ መግዛእቲ ከይተዋሕጠ መንነቱ ዓቂቡ ከም ህዝቢ ደው ስለዝበለ እዩ። እቲ ካብ ሓይሊ መንነቱ ዝመንጨወ ርእሰ-ምትእምማን ብግዲኡ ዘይመውት ናይ ዓወት ተስፋ ኣሕዲሩ ስለዘቃለሶ ድማ፣ ጽዋእ ናጽነት ጨቢጡ።

እምብኣር፣ እቲ ናጽነት ኣብ ምጕንጻፍ እምኒ ኹርናዕ ዝነበረ ሓያል ሃገራዊ መንነት ኤርትራውያን፣ ኣብ ምዕቃብ ናጽነትን ሃገርን ‘ውን ዝዓበየ ኣድላይነት ከም ዘለዎ ስለዝተገንዘቡ እዮም ኢሳይያስን ጭፍርኡን፣ ኣብ ልዕሊ ኤርትራዊ ስነኣእሙሮኣዊ ኵናት ብምእዋጅ፣ ካብቲ ብመስዋእቲ ዝረኸቦ ሃገር ኣሳዲዶም፣ ዜግነት ካልኦት ሃገራት ክልምን ብምቕሳብ ሃገራዊ መንነቱ ዘብርሱዎ ዘለዉ። እዚ ካብቲ ንቐያሕቲ ህንዳውያንን ኣቦንጅንስን ዝገጠሞም መዓት ዝኸፍአ እዩ። ምኽንያቱ ንሳቶም ብውሑዱ ኣብ መሬት ዓደቦኦም እዮም ዝነበሩ፣ ኤርትራዊ ግን ዜግነቱ ጥራይ ዘይኮነ መሬቱ ‘ውን እዩ ተመንዚዑ። ከከም ገጹ፣ ሬስኡ ዘይምለሰሉ እዋን ‘ውን ኣሎ።

ሰለዚ፣ ንሕና እቶም ብሃገርናን ህዝብናን እንግደስ ደለይቲ ፍትሒ፣ ብኣንጻር ናይዚ ዜግነትናን መሬትናን ንምምንዛዕ ዝተኣልመ ውዲት፣ ሃገራዊ መንነትና ንምዕቃብ ብርቱዕን ረቂቕን ቃልሲ ክንገብር፣ ክብረትና ክንመልስ ይግብኣና። እንተዘይኮይኑ እቲ ንህዝብናን ሃገርናን ናይ ምብራስ ዕላማ ዘለዎ ዓንዳሪ ውልቀ መላኽን ንሕና እቶም ደለይቲ ፍትሕን ነቲ ሓደ ህዝብን ሃገርን ናይ ምብራስ ሸቶ ንምውቃዕ ዝተፈላለየ ኣገባባት ንጥቀም ምህላውና እንተዘይኮይኑ ካልእ ዝፈልየና የለን ማለት ኢዩ።

ነዚ ጉዳይ ‘ዚ ንምጕላሕ ካብ ጽምብል ናጽነት ዝዓቢ ኣጋጣሚ ስለዘየለ ከኣ ‘የ ከስምረሉ፣ ረዚን ፖለቲካዊ ትርጉም ከምዘለዎ ክገልጽ ዝፍትን ዘለኹ።

በዚ መንጽር፣ ኣብዚ መበል 25 ዓመት ናጽነት ኤርትራ እናተቓረበ ዝመጽኣሉ ኣዋርሕ ኣብ መንጎ ተቓወምቲ ናይዚ ምልካዊ ስርዓት ወይ ደለይቲ ፍትሒ ዓሚሩ ዝቐነየ ንምኽባርን ዘይምኽባርን ዕለት ናጽነት ዝምልከት ክርክር፣ መስመሩ ዝሰሓተ ኮይኑ ይረኣየኒ። ልክዕ እዩ፣ እቲ ስርዓት ነዚ ጽምብል ‘ዚ ከም’ቲ ን 24 ዓመታት ንመዓልቲ ናጽነትን ዝኽሪ ሰማእታትን ንፖለቲካዊ ረብሕኡ ዝተጠቕመሎም፣ ነዚ ኣጋጣሚ ርብዒ ዘበን ‘ውን፣ ነቲ ብዓመጽ ገቢቱዎ ዘሎ ስልጣን ሕጋውነት ንምልባስ፣ ግዳይ ፖለቲካዊ ኣጀንዳኡ ክገብሮ ከምዝፍትን ዘከራኽር ኣይኮነን። እንተኾነ፣ ካብቲ ናጽነት ንምጥፋእ ስርሐይ ኢሉ ዝወፈረ ሰርዓት ንላዕሊ ከነኽብሮ ዝግብኣና እቶም ምብኻን ናጽነት ዘጕሃየና ዜጋታት ኢና። ነዚ ሃገራዊ ኩነታት ብኣብነት ሓደ ውልቀሰብ ክንምልከቶ እንተፈቲና፣ ልክዕ ከምቲ ሓደ ሰብ ኣብ ህይወት መኻልፍን ሕማቕ ዕጫን ስለዘጋጠሞ ዕለተ- ልደቱ ምኽባር ዘይገድፍ፣ ድሕሪ ናጽነት ህዝብና ስለዝተበደለ፣ ሃገርና ስለ ዝዓነወት፣ ናጽነት ዝተጓናጸፍናሉ ዕለት ካብ ምዝካር ይኹን ምኽባር ከነብኩር ኣይግባእን። ምኽንያቱ፣ ካብ ናጽነት እንተርሒቕና፣ ናብ ናጽነት ንምምላስ እንገብሮ ጉዕዞ መሊሱ ክነውሓና እዩ።

ስለዚ ምኽባሩ ዘይኮነ ኣብ ሕቶ ክወድቕ ዘለዎ፣ ኣከባብራኡ እዩ ጥበብን ምሃዝነትን ዘድልዮ። ነዚ መበል 25 ዓመት ናጽነት፣ ከምዚ ሎሚ ኣብዚ ኣዳራሽ’ዚ እንገብሮ ዘለና ሕሉፍ ተመክርኖና ገምጊምና ናብ ብሩህ መጻኢ ንምስግጋር ጭቡጥ ስጉምቲ እንወስደሉ ህሞት ጌርና እንተደኣ ኣኽቢርናዮ ዓቢ ቁምነገር እዩ።

ንሕና መበል 25 ዓመት ናጽነት፣ ዕድመ መንእሰይ ጥራይ ኢና ነኽብር ዘለና። እታ ካብተን ዓበይትን ሓያላትን ሃገራት ዝሓደሰት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኳ፣ ነቲ ብ 1776 ካብ መግዛእቲ እንግሊዝ ነጻ ከምዝወጽአት ዝኣወጀትሉ 4 ሓምለ ሎሚ- ዘበን ንመበል 240 ዓመት ከተብዕሎ እያ። ኣመሪካውያን ንደቀባት ወሪሮም ኣብ ዝሓዙዎ መሬት ን 10 ወለዶ መዓልቲ ናጽነት እናኽበሩ ደኣ፣ ንዓና ዝኽሪ 1ይ ወለዶ ናጽነት ዘማትኣልና ምኽንያት እንታይ እዩ?

ምብኻን ናይቲ ከቢድ ዋጋ ዝተኸፍሎን ዓቢ ትጽቢት ዝተነበረሉን ናጽነት፣ ተስፋ ምቝራጽን ዓቕሊ ጽበትን ከስዕብ ባህርያዊ ‘ኳ እንተኾነ፣ ነዚ ልሕሉሕ ኩርናዕ ‘ዚ ተጠቒሞም፣ ነቲ ህላወን ቀጻልነትን ሃገር ኣብ ምስሳን ኣገዳስነቱ ዓቢ ምዃኑ ዝጠቐስናዮ ሃገራዊ መንነትን መንፈስን ንምፍራስ ዝደናደኑ ኣጀንዳታት ክስዕርሩ ዕድል ስለዝህብ፣ ክሕለፉ ዘይብሎም ቀያሕቲ መስመራት ክንሕንጽጽ ኣድላዪ እዩ። ናጽነት ምምጽኣ ዘይኮስ ናጽነት ምጥፍኣ፣ እቶም ናጽነት ዘምጽኡ ዘይኮነስ እቶም ናጽነት ዘጥፍኡ ‘ዮም ክኽሰሱ ዘለዎም እምበር፣ ኣብ ልዕሊ ናጽነትን ውፉያት ሃገራውያንን ጅምላዊ ምቕንጻል ምክያድ፣ ነቲ ምልካዊ ስርዓት ኮነ ኢሉ ዘካይዶ ዘሎ ወፍሪ ምብራስ ሃገር ዘቃላጥፍ እዩ።

ልዕሊ ኹሉ፣ ህዝቢ ኤርትራ፣ ምእንቲ መሰሉ ንዘካየዶ መሪር ቃልሲ ከም ሽፍትነት ወንጂልካ፣ ንዝኸፈሎ ዋጋ ሂወት ምቍንጻብ ጽዩፍ ተግባር እዩ። ሕሰቡዎ፣ ቆልዑ ከለና ኢድና ናብ መቓብር ዊጥ እንተኣቢልና ሓጥያት ከይኮነና ነታ ዊጥ ዝበለት ኣጻብዕቲ ብእምኒ ንቕጥቅጥ ዝነበርና ህዝቢ፣ ሎሚ ምእንቲ ህዝቢ ንዝተሰውኡ ጀጋኑ ኣብ ምጽራፍ፣ ኣብ መቓብሮም ጡፍ ኣብ ምባል ክንበጽሕ ከለና፣ ሕብረተሰብና ክሳብ ክንደይ ተዘሪጉ ከምዘሎ ዘርኢ፣ ናይ ሕንፍሽፍሽ (Confusion) ምልክት ኢዩ። ብቐንዱ፣ በዚ ወሪዱ ዘሎ ጸገም እንሕተት ንሕና እዞም ብህወት ኢና። ካብኡ ሓሊፉ ኸኣ፣ ኣብ ሕብረተሰብና፣ ታሪኹ ብዘየገድስ ምዉት ኣይክሰስን እዩ። ትርጉም ህይወት፣ ጸገም ናይ ምፍታሕ ተኽእሎ፣ ታሪኽ ናይ ምስራሕ  ዕድል ክንሱ፣ ናብ ምዉታን ኢድና ዊጥ ምባልና ንገዛእ ርእሱ መግለጺ ሕመቕና እዩ።

ብርግጽ፣ ኣብ ግዜ ግድሊ፣ ኣብ ልዕሊ ብዙሓት ንጹሃት ዜጋታት ክምርመሩ፣ ክጽንዑ፣ ክስነዱ፣ ህዝቢ ክፈልጦም፣ እንተተኻኢሉ ‘ውን እቶም ዝሕተቱ ክምልሱሎም ዝግብኦም ገበናት ተፈጺሞም እዮም። እንተኾነ፣ እዚ ተረእዮ’ዚ ናጽነት ይኹን ሃገር ንምኽሓድ መመኽኔታ ዝኸውን ኣይኮነን። ንባኒ ብመራት ሕርካም ስለዝገዛእካያ ኣይትደርብያን ኢኻ። ዕስለ ወኻሩ ስለዝረኣኻ ‘ውን ሕዛእቲ ምሉእ ኣይተንድድን ኢኻ።

ኣብዚ ዝሓለፈ 100 ዓመት፣ ኣብ ቀዳማይን ካልኣይን ኵናት ዓለም ኣንጻር ሓይልታት ፋሽሽቲ ዝተዋግኡ ናይ ኪዳን ሓይልታት ብዙሕ ገበናት ፈጺሞም እዮም። እንተኾነ፣ ከም መድሓንቲ ዓለም ደኣ ክውደሱ ‘ምበር ኵነኔኦም ኣይሰማዕናን። ኣብ መስርሕ ቃልሲ ኣብ ሰባት ዝተፈጸመ ገበናት ደኣ ‘ሞ ከመይ ኢሉ ‘ዩ ተኸታታሊ መግዛእቲ ኣብ ልዕሊ ሓደ ህዝቢ ካብ ዝፈጸሞ ቅሉዕ ገበን፣ ወይ ከኣ ካብ ብስራት ናጽነት ናይ ሓንቲ ሃገር ኣዕቢኻ ክርአ ዝድለ? መስዋእቲ ኣብ ልዕሊኦም ገበን ዝተፈጸመ ሓላላት ደቂ ሃገር፣ ከም ህዝቢ ናጽነት ኣብ ናይ ምምጻእ ቃልሲ ዝኸፈልናዮ ዋጋ ብምዃኑ ንመስዋእትና ድርብ፣ ንቓልስና ዝያዳ መሪር፣ ንዝረኸብናዮ ናጽነት ከኣ ብዝተዓጻጸፈ ክቡርን ምሕላው ዘድልዮን ኢዩ ክገብሮ ዝግባእ።

ምናልባት ነቲ ድሕሪ ናጽነት ዝተወልደ ሓድሽ ወለዶ ደኣ ቦኽሪ እዝኒ ይኾኖ እምበር ንገድሊ ኤርትራ ከም ሽፍትነት ናይ ምቍንጻብ ሜላ ንኤርትራውያን ሓድሽ ኣይኮነን። ኣብ ግዜ መግዛእቲ ኢትዮጵያ መኽፈትን መዕጸውን ራድዮ ኣዲስኣበባን ኣስመራን እዩ ነይሩ። ተጋዳላይ ጸሊም ጽርግያ ረጊጹ ብሎኮ ኣስመራ ምስ በጽሐ፣ ብርኪ መግዛእቲ ወለል ምስ በለ ጥራይ እዩ መልሓስ ገዛእቲ ተዓጺፉ “ተጋድልቲ ህዝባዊ ግንባር” ኢሉ ከድምጽ ዝተገደደ። ከምቲ ሽዑ ተጋዳላይ ብዘረባ “ወንበዴዎች፣ ሸፋቱ፣ ሸፈቲት” ክብሃል ከሎ ስሒቑ፣ ኣብ ተግባር “ዘማች ሓባጥ እግሩ” እናበለ ኣረርኪቡ ዓሳክር መግዛእቲ ዝማረኸ፣ ሕጂ ‘ውን እቲ ዘረባ ብተግባር ነፋሲ እዩ። ብፍላይ እቲ ብዓል ጸጋ ግዜ ዝኾነ ኤርትራዊ መንእሰይ፣ ካብ ታሪኽ ዝመሃር ለባም፣ ምስ ታሪኽ ዝቋራቖስ ብሃም ምዃኑ ተገንዚቡ፣ ብዘይወዓል-ሕደር ወርቃዊ ዕድሉ ታሪኽ ኣብ ምስራሕ ከውዕሎ ኣለዎ።

በቲ ሓደ ገጽ ክርአ ኸሎ፣ ውርደት ገድልን ተጋዳላይን ምስትንዓቕ ስዉኣትን፣ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ሰሚዖም ድሕሪ 25 ዓመታት ከም ብሓድሽ ዝሰንበዱ ግሩሃት ውሑዳት ኣይኮኑን። ግደ ሓቂ፣ እቲ ንኤርትራ ዝውክል ተኣምራት ወይ ሃገራዊ ክብርታት ዘበለ ኩሉ ዘጸይኖ ኢሳይያስ፣ ገና ናጽነት ኤርትራ ብረፈረንደም ከይተረጋገጸ ቅድሚ 23 ዓመት ዝባረኾ ጽዩፍ ተግባር እዩ።

  • ኣብ 1992 ነቲ ብደም ኤርትራውያን ዝተረኽበ ወደብ ዓሰብ ኤርትራ ክትረብሓሉ ኣለዋ ኢሉ ንዝተቓወመ ጅግና ተጋዳላይ ቢተወደድ ኣብርሃ ንልዕሊ 24 ዓመታት ኣብ ቤትማእሰቲ ዘሕቅቖ ዘሎ ኢሳይያስ ዶ ኣይኮነን?
  • ኣብ 1993 ነቶም ፖለቲካውን ቁጠባውን መሰሎም ዝሓተቱ ጀጋኑ ተጋደልቲ፣ ኣብ ቴለቭዥን ‘ዕሸላት’ ክብል ዘሊፉ፣ ንልዕሊ 100 ካብኣቶም ማዕረ ዕድመ ተጋድሎኦም 15 ዓመት ማእሰርቲ ዝፈረደ ኢሳይያስ ዶ ኣይኮነን?
  • ኣብ 1994 ነቶም ፍርቂ ኣካላቶም ምእንቲ ሃገር ኣወፍዮም ፍርቂ ሂወት ሒዞም ዝኣተዉ ስንኩላን ተጋደልቲ በልማማ ረሽሪሹ፣ ፍርቂ ህይወት ምንባር ዝኸልከሎም፣ ንኻልኣይ መስዋእቲ ብጾቶም ወየ እንተበሉ ‘ቀበጥበት ኣይትበሉ’ ክብል ዝገንሖም ኢሳይያስ ዶ ኣይኮነን?
  • ነቶም ገና ብኽያቶም ዘይወድኡ ስድራቤት ስዉኣት፣ በንዚን ኣብ ፊስቶ ዶ ከነዕርቐረልኩም ወይስ ሰንበት ሰንበት በጊዕ ክንሓርደልኩም ደሊኹም ክብል ብስድራ ሓርበኛታት ዘባጨወ ኢሳይያስ ዶ ኣይኮነን?

ብሰንኪ ሃገራዊ መርገጺኦም፣ ወይ ከኣ ዓንዳርነትን ቀይዲ በተኽነትን ኢሳይያስ ዝተቓወሙን ጥልመት መብጽዓታት ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ሕርኽርኽ ዝበሎምን እንተ ብሓሶት እንተ ሓሲብኩም ተባሂሎም ብግምት ብጅምላ ዝደስከሉ ወይ በብሓደ ተተለቒሞም ዝተሓየሩን ዝተሰወሩን ዝሓቐቑን ቁጽሪ የብሎምን። ካብኡ ቀጺሉ፣ ኣብ 2001 ይኹን 2013 ብኽድዓት ከሲሱ ሃለዋቶም ብጅምላ ዘጥፍኦም ጉጅለ 15፣ ጋዜጠኛታትን ተንቀሳቐስቲ ስርሒት ፎርቶን ቀንዲ ገበኖም ሃገራውነቶም እዩ። እቲ ኣብነታት ብዙሕ እዩ። ነቶም ካብ ቅትለትን ማእሰርትን ዝያዳ ቃላት ዘሕመኩም ከይተረፈ፣ ካብ ሓደ መራሒ ኣይኮነን፣ ካብ ተራ ሰብ ክወጽእ ዘይትጽበዮ፣ ብድዐን ግዕዘይን ዝተተኽተኸ ጸርፍታት ናይቲ በጋሚዶ ኢሳይያስ መሊኡ ኣለኩም። ኣነ ግን፣ ነቶም ገበነኛታት ዘይኮነ፣ ነዞም ምእንቲ ህዝብን ሃገርን ዳግማይ መስዋእቲ ዝኸፍሉ ዘለዉ ግዳያት እየ ብተግባሮም ተጋደልቲ ክብሎም ዝደሊ።

ኣብዚ ጉዳይ ‘ዚ ማለት ብወገን ተኸላኸልቲ ገድሊ ይኹን ወንጀልቲ ገድሊ ዝዝውተር ሓደ ዘደንጹ፣ ከም ስግንጢር ‘ውን ዝግለጽ ነጥቢ እንተልዩ፣  ከምዚ ብኣብነት ዝጠቐስናዮ ተጋዳላይ ብኣካሉ ተኣሲሩ ህይወቱ እናሓቐቐ፣ ከምዛ ደሓን ዘሎ ኣጽቂጦም እናተዓዘቡ፣ ካብኡ ሓሊፎም ገሊኦም ኣብቲ ግፍዕን ዕረበትን ተጋዳላይ መሳርሒ ኮይኖም ኢዶም እናሓወሱ፣ ተጋዳላይ ተጸሪፉ ኢሎም ሓፍ ፈጠቕ ምባሎም እዩ። በንጻሩ፣ እቶም ገድሊ ዝውንጅሉ፣ ብሓቂ ሓለይቲ ህዝቢ ኤርትራ እንተደኣኮይኖም፣ ንግዜ ኣብ ኢዶም ዓሚኾም መልሓሶም ብምውርዋር ኣብ ክንዲ ዝወራዘዩ፣ እንሆ ሜዳ እንሆ ፈረስ፣ ኣብ ተግባር ኣብ ባይታ ዝቐንዐ ዝወርጸጸ ቃልሲ የርዩና።

ኣብዚ ከነስተብህለሉ ዘለና፣ ካብቲ ቀንዲ መንገድና ‘ውን ከየስሕተና ክንጥንቀቐሉ ዝግባእ ጉዳይ፣ እዚ ኣብ መንጎ እቶም ኣብ ታሪኽ ገድሊ ክነብሩ ዝደልዩን ገድሊ ዘማርሩን ዘሎ ምስሕሓብ ውጽኢት ናይቲ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ኣብ ኤርትራውያን ፈጢሩዎ ዘሎ ስነኣእሙራኣዊ ቅልውላው ምዃኑ እዩ። እንተጸብጺብናዮ ‘ኮ፣ መዋእል ናጽነት ካብ ዕድመ ህዝባዊ ግንባር ብሓሙሽተ ዓመት ይዓቢ። ስለዚ፣ ታሪኽ ሚዛኑ ዝሓለወ ክኸውን ‘ኳ እንተለዎ፣ ክብረትን ሕስረትን ገድሊ ከነጻሪ በዚ መሰረታዊ ዘይኮነ ጓል መንገዲ  ተጸሚድና፣ ነቶም ኣብ ገምገም ጥፍኣት ዘላ ሃገርና ንምድሓን ብቐዳምነት ክንምልከቶም ዝግብኣና እዋናውያን ዛዕባታት ከይንርስዕ ብትዅረት ክንሰርሕ ይግብኣና።

ናብቲ ዘምንጎናዮ ዋና ጉዳይ፣ ሃገራዊ መንነት ክንምለስ፣ መመኽነይቲ ስርዓት ኢሳይያስ፣ “25 ዓመታት ኣብ ዕድመ ሓንቲ ሃገር ሓጺር እዩ” እናበሉ ህዝቢ ብምቕሻሽ ነቲ ዝፍጽሙዎ ዘለው ሃገራዊ ዕንወት ብዘይተቓውሞ ክቕጽሉዎ ዝከራኸሩ ‘ኳ እንተኾኑ፣ እዚ ብኽሳራ ሓሊፉ ዘሎ 25 ዓመት ድልዱል መሰረት ሃገርነትን ስልጣኔን ክንጸፈሉ ዝነበሮ ዘበን እዩ።

ነዚ ዝሓለፈ 25 ዓመታት ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ፣ መንታን ብቐሊሉ ክውደነልና፣ ብሓጺር ኣዘራርባ፣ ‘ 3 ዓመት ናይ ሕጽኖት፣ 4 ዓመት ናይ ስግኣት፣ 18 ዓመት ናይ ጥፍኣት ‘ ኢልና ክንገልጾ ንኽእል ኢና። ህዝቢ ኤርትራ ድሕሪ ሕጽኖት ከም ንቡር ሓዳር ምውጻእ እዩ ነይሩ ግቡኡ። እንተኾነ ግን፣ ከምቲ ሃረር ዝበሎን ዝበሃጎን፣ ሕጋዊ ቅዋማዊ መንግስቲ ተኺሉ፣ ዋላ በቲ ዝተሓተ ደረጃ ዲሞክራስያዊ ትካላት ኣማዕቢሉ፣ ኣብ መሳልል ዲሞክራስያዊ ህንጸት ክሳለ ኣይከኣለን። ብኵናትን ፖለቲካዊ ቅልውላውን ተሓሚሱ፣ ምስ ገዛእ ነብሱን ምስ ጎረባብቱን ኣብ ቀጻሊ ኵናት እዩ ተጸሚዱ። በዚ ኮነ ተባሂሉ ዝተማህዘሉ ናይ ጥፍኣት ውዲት ከኣ፣ ዋላ እቲ ኣብ ዘበነ ባዕዳውያን ገዛእቲ ሰራውሩ ተኺሉ፣ ተኸራኺሩ ዝጸንሐ መባእታዊ ትካላትን ክብርታትን ሃገርና፣ በዚ ንነብሱ ከም ኤርትራዊ መንግስቲ ዝጽውዕ ካንሰር ኤርትራ ዝኾነ ምልካዊ ስርዓት እዚ ተንቒሉ ይርከብ ኣሎ። ሓንቲ ካብ ቀንዲ ግዳያት ናይዚ ምልካዊ ስርዓት ዝኾነት መባእታዊት ትካል ወይ ኣሃዱ ከኣ፣ ኤርትራዊት ስድራቤት እያ።

ዝተራቐቐ ትካላት ባዕዳዊ መግዛእቲ ሃገራዊ መንነት ኤርትራውያን ንምብራዝ ዘካየዶ ጻዕሪ ዘይተዓወተሉ ምኽንያት፣ ኤርትራዊት ስድራ ቀዳመይቲ ዕርዲ ኮይና ንኤርትራዊ ክብርታት ስለዘዕቆበቶ እዩ። ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ግን፣ ፈለማ ንመንእሰይ ኤርትራ ብስም ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ ዕስክርናን ጊላነትን ከምዝጽመድ ገይሩ፣ ነቶም ካብ ማእከላይ ደርጃ ኣትሒዙ ክረምቲ-ክረምቲ ካብ ስድራቤት ምፍላይ ዘላመዶም ተማሃሮ፣ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ኣብ ሳዋ ኣስፊሩ ኣብቲ ኣገዳሲ ዕድመ ህይወቶም ካብ ስድራቤት ክቐስሙዎ ንዝግብኦም ያታዊ ስነምግባራዊ ክብርታት ከምዝንፈጉ ገይሩ፣ ካብቲ ኵናት ወይ ባህርያዊ ሓደጋ ንሓንቲ ስድራቤት ዘውርደላ ምዝንባል ብዝኸፍአ መልክዑ፣ ንኤትራዊት ስድራ ኣብ ውሽጢ ሃገር ምሃነና ክሳብ ዝጠፍኣ ብትንትን ኣቢሉዋ። ጸኒሑ ተወሰኸ ዕጥቂ ሽማግለታት እንተተወሲኹዎ ምብትታን ስድራቤትን ስድራቤት ኤርትራን ብታሕትን ብላዕልን መግለጺ የብሉን። እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ንዓመታት ኣብ ስግኣትን ራዕድን ናይ ምንባር ሕማቕ ዕድሎት ንባዕሉ ዘለዎ ኣሉታዊ ጽልዋ ከቢድ ኢዩ። እቲ ምልካዊ ስርዓት ከምዚ ገይሩ ንስድራቤት ምብታና ምስ ኣረጋገጸ እዩ ኸኣ፣ ኤርትራዊ ስነምግባር፣ ኤርትራዊ ክብርታት ኣብ ምዝራግ ተዓዊቱ፣ ንሃገርና ኣብ ምብራስን ምጥፋእን ብዘይ ዕንቅፋት እኩይ ውዲቱ ዘሰላስል ዘሎ።

ቀደም ኣብ ሕብረተሰብ ኤርትራ፣ ኣብ ሓደ ዓዲ ሰላዪ ክርክብ ከሎ ዓዲ ምሉእ ዘነውር ጉዳይ ዝነበረ፣ ሕጂ ኣብ ዘበነ ህግደፍ ኣብ ውሽጢ ስድራቤት ከም ናይ እዝኒ ኩትሻ ንቡር ኮይኑ። ጣላዕ፣ ስኽራንን ምንዝርናን በቲ ‘ፕርዚደንት’ ተባሂሉ ዝጽዋዕ በጋሚዶን ዓጀብቱ ኣዘዝቲ ሰራዊትን እናተመርሐ ሳዕሪሩ። ሰብ ሰብ ዝሸጠሉ ግዜ ‘ውን ተበጺሑ።

ኣብ መወዳእትኡ፣ ድሕሪ ምብታን፣ ድሕሪ ዝርጋን፣ ቃፍላያት ስደት ኤርትራዊ መንእሰይ መዕገቲ ተሳኢኑዎ፣ ዓለም ኣሰኪሑ። ነቲ ንኤርትራዊ መንነት ዘነውር ውርደቱን ኣደራዕን ‘ሞ እቶም ዝተገፍዑ ይጽወዩሉ። ቀደም ኤርትራ ዝብል ስም ኣብ ማዕከናት ዜና ዓለም እንክስማዕ ኤርትራዊ ብሓበን ዝጸናጸኖ ዝነበረ ሎምን ከ ዜና ስደትን ውርደትን ብምዃኑ እዝኑ ክዓጹ ዓይኑ ከዐምት ይረአ ‘ሎ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት፣ ንግደት ዮርሳለም ዝወፈራ፣ ስዉኣት ደቀን ትሕቲ መሬት ኣትዮም ዘበራበሩዎ ገዛእ መሬተን ንዓመታት ምስማዕ ዝኣበየን ኣዴታት ኤርትራ፣ ኣብቲ ምዉት ባሕሪ ገጸን ደፊአን፣ ነቲ ሰብ ዝገበሮ ኣምላኽ ክፈትሓለን፣ ስለቲ ዝጠፍእ ዘሎ መንእሰይ ኤርትራ ዘስምዐኦ ልቢ ዝፍንቅል ምህለላ፣ ኣሽንባይ ዶ ንኤርትራዊ፣ ኣሽንባይ ዶ ንሰብ፣ ንዓሳ ‘ኳ ዘንብዕ እዩ። እቲ ነዚ ኹሉ ፋሕ ጭንግራሕ ሞትን ውርደትን ዝኣለመ ከዳዕ ከኣ፣ እዞም በሽሓት ዝጠፍኡ ዘለዉ ኤርትራውያን ውሒዶሞ፣ “እዚ ቁጽሪ ኤርትራውያን ስደተኛታት ተጋኒኑ ‘ሎ” ክብል ምስ ኣሃዛት ክቋራቜስ ይውዕል ይሓድር ኣሎ። ንሱ ግዲ የብሉን ፣ ዕላምኡ ንህዝቢ ኤርትራ ምጥፋእ ስለዝኾነ። ኣብ ርእሲ ‘ቲ ቅድሚ 40 ዓመታት ናብ ሱዳን ንዝተሰደዱ ኤርትራውያን ድሕሪ ናጽነት ናብ ሃገሮም ከይምለሱ ብጅምላ ምእጋዱ፣ ነዚ ውዲት ‘ዚ ዘቃልዕ ኣብዚ ቀረባ እዋናት ዝሰማዕኩዎ ዘስደምም ነገር፣ ካብቶም ኣብ እስራኤል ተሰዲዶም ዝርከቡ መንእሰያት እንተስ ዓቕሎም ጸቢቡዎም እንተስ ብዝኾነ ብሕታዊ ምኽንያት ብወለንታኦም ናብ ኤርትራ ምስ ዝምለሱ፣ እቲ ስርዓት ስድራቤቶም ንውሱን ግዜ ክርእዩ ብምፍቃድ፣ ኣብ ሓጺር ግዜ ካብ ኤርትራ ክወጽኡ ዘገድዶም ምዃኑ እዩ። እቲ ስርዓት ምብትታን ህዝቢ ኤርትራ ሃረር ከምዝብሎ ካብዚ ንላዕሊ ዝጭበጥ መረጋገጺ የለን። ኣብቲ ጅምላዊ ጥፍኣት ኤርትራውያን ዝተራእየሉ ከም ናይ ላምፐዱዛን ሲናይን ዝኣመሰለ ሃገራዊ ትራጀዲታት ዘርኣዮ ብድዐን ላግጽን ‘ውን ካብ ኣእምሮ ህዝቢ ኤርትራ ብቐሊሉ ዝሕከኽ ኣይኮነን።

ንእግረመንገድና ክንጎስዮ ዘይብልና ምርኡይነት ናይቲ ስርዓት ዝገልህ ኣመል፣ ነቲ ኢዱ ብደም እናተጨማለቐ ዝገብሮ እኩይ ተግባር፣ ብማዕከናት ዜና ዓለም ክዝረበሉ ኸሎ ቆጭቖጭ ዘብሎ፣ ኣራዊት ኮይኑ እናወዓለ ሰብ በሉኒ ዝብል ምዃኑ እዩ። ነቲ ሃገሩ ሲንጋፖር ክትኮነሉ ሓሊሙ ኣብ ግብሪ ሰሜን ኮርያ ኮይና ዝረኸባ ህዝቢ ኤርትራ ግን፣ ኣብዚ መዋእል ‘ዚ ካብ ሰሜን ኮርያ ዝሓስም መወዳድርቲ ውልቀመላኽነት ስለዘየልቦ እንተዘይኮይኑ፣ ብመጠን ትጽቢቱ ክርአ ኸሎ፣ ነቲ ጠላም ዓማጺ ስርዓት ካብኡ ንላዕሊ ክብሎ ኣይምጸልአን። ተሓባባሪ ኣሸባብ ተባሂሉ ምጥቃሱ ‘ውን ጸላዕላዕ የብሎ እዩ። እንተኾነ ብዓይኒ ህዝቢ ኤርትራ፣ እቲ ስርዓት ብቐንዱ፣ ብኣተሓሳስባኡ ይኹን ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ብዝፍጽሞ ናይ ራዕድን ሽበራን ተግባሩ፣ ካብ ኣሸባብ ዝኸፍአ ኣሸባሪ ጉጅለ እዩ። ነዚ ቀይዲ በቲኹ ብራዕድን ፍርሕን ዝገዝእ ስርዓት ‘ሞ 360 ዲግሪ ጠዊኻ፣ ናብ ኣርባዕተ ወገን ገላቢጥካ ካበይ ኢኻ ተምሳል መንግስቲ እትረኽበሉ?

ዞባታት ብኣዘዝቲ ሰራዊት ከምዝመሓደር ዝገበረሉ ምኽንያት፣ ህዝቢ ከሸብርን ከርዕድን፣ ከተማታት ከጋዕዝይን ከዕኑን ኢሉ ዶ ኣይኮነን? እቲ ሕጂ ዘሎ ዝቐበጸ ወለዶስ ነዚ ሽበራዊ ምሕደራ ገዲፉ ብእግሩ ከድምጽ ንርእዮ ኣለና። እቶም ኣስመራ ብከንቲባ ሓረጎት ኣባይ ክትመሓደር ዝፈልጡዋ፣ ናይ ሽዑ ጽፈታ ክሳብ ሕጂ ዝዝክሩዎ፣ ሎሚ በቲ ብኸቢድ ብረት ድፋዕን ታንክን ምዕናው ጥራይ ዝፈልጥ ኣዛዚ ከቢድ ብረት ነበር ሜጀር ጀነራል ሮመዳን ኣውልያይ ክትመሓደር ዝርእዩዋ ዘለዉ ኣባሓጎታትና ከብዶም ብጓህን ሕርቃንን ይቃጸል ከምዘሎ ዘጠራጥር ኣይኮነን።

ባዕሉ ኢሳይያስ ካብ ኣስመራ ሓኪሉ ኣብ ኩርባ ዓዲ ሓሎ ሸፊቱ ዝውዕል ዘሎ ኸ፣ መራሒ መንግስቲ ከምዘይኮነ ነብሱ ስለዝነገሮ ዶ ኣይኮነን። ህግደፍ ብግብሪ ዝባኑ ዝቐልዐ ሽበራዊ ስርዓት ‘ኳ እንተኾነ፣ መንግስቲ ክመስል ዘይገብሮ ነገር የልቦን። ምስኪናይ ህዝቢ ኤርትራ፣ ስደተኛታት ደቁ ዝለኣኹሉ ዶላራት ቆጺሩ፣ ኣብ ጥሙይ ከብዱ ዶብ ሱዳን ሰጊሩ ኣብ ካርቱም እናተሓከመ ኸሎ፣ Millenium Development Goals ቅድሚ ኹሉ ወቒዕናዮ እናበለ ንነብሱ ባዕሉ ከጣቕዓላ፣ ክጅሃር ከሎ፣ ህዝቢ ኤርትራ ብልቡ ይስሕቆ ከምዘሎ ኣየማትእን።

ኣነ በዛ ነብሰይ፣ ማዕረ’ቲ ብብዝሒ መንእሰይ ኤርትራ ናብ ስደት ምውጽኡ ኣወዳዲረ ከም ሓደ ዝዓበየ ትራጀዲ ዝርእዮ ውድቀት፣ ልክዕ ከምቲ ማሺናት ብምትእትታው ንስልጣኔ ዓለም ኣብ ምውንጫፍ ዓቢ ኣበርክቶ ብምግባሩ ኣብ ታሪኽ ከም ነጥበ መቐይሮ ዝጥቀስ እንድዳስትርያዊ ሰውራ፣ እቲ ምስ ምምጻእ ናጽነት ኤርትራ ዝተወዓውዐ፣ ከም ካልኣይ ነጥበ መቕይሮ ስልጣነ ህዝቢ ዓለም ዝቑጸር ብናይ ሓበሬታ ሰውራ ዝግለጽ ቴክኖሎጂ ኢንተርነት ናብ ኤርትራ ከይኣቱ በዚ ድሑር ስርዓት ምእጋዱ ወይ ኩሉ ብቐሊል ክረኽቦ ከምዘይክእል ምግባሩ እዩ። በዚ ምኽንያት፣ ዓለም ነዚ ረቂቕ ምህዞ’ዚ ተጠቒማ ኣብ እትሕምበበሉ ዘላ መዋእል፣ መንእሰይ ኤርትራ ካብ ዓለም ተነጺሉ፣ ሃገርና ንድሕረት ምፍራዳ፣ እቲ ስርዓት ኣብ ልዕሊ ኤርትራዊ ኣእምሮ ዝፍጽሞ ዘሎ ከቢድ ገበን እዩ።

እምብኣር፣ መንግስቲ ብድራማን ፕሮፖጋንዳን ዘይኮነ፣ ብተግባር እዩ መንግስቲ ክኸውን ዘለዎ። ህዝቢ ኤርትራ መንግስተይ ክብሎ ዝኽእል ስርዓት፣ ብቅዋማዊ ውዕል ተማእዚዙ፣ ብድምጹን ፍቓዱን ህዝባዊ ስልጣን ዝተረከበ፣ ብሕጊ ዝቕየድ ፍትሒ ዘንግስ፣ ንኹሎም ዜጋታት ሃገር፣ ብዲሞክራስያዊ መንገዲ ብማዕረ ዘመሓድር ስርዓት እዩ። ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ግን ነዚ ፈለማ ብሕድገት፣ ደሓር ድማ ብራዕዲ ን 25 ዓመታት ዝረኸቦ ምቹእ ዕድል ኣይተጠቕመሉን። ሽበራዊ ስርዓት ኮይኑ ተሪፉ።

እዚ ኹሉ ጥዕም ጥዕም ኣቢልና ዝሓለፍናዮ እቲ ዓማጺ ስርዓት ኣብ ሃገርና ኣውሪዱዎ ዘሎ ውድቀት ጽውጽዋይ እንተዝኾነልና ክንደይ ጽቡቕ ነይሩ! ዕዳና ምቐለለ ዕድልና ምጸበቐ። ሕማቕ ዕድል ኮይኑ ግን፣ ፈተኒና ጸሊእና ክዉንነት ኤርትራ ሰፍ ዘይብል ዕዳ ኮይኑ ‘ሎ።  ነዚ ዕዳ’ዚ ከፊልና፣ ብኣንጻር ‘ዚ ዝሓለፈ ናይ ወድቀትን ፍሽለትን 25 ዓመት፣ ኣሃዱ ኢልና ኣብ ጎደና ሰላምን ምዕባለን ክንስጉም ምእንቲ ዕዮ ገዛና ምፍላጥ እምብኣር ብቐዳምነት ክርአ ዘለዎ ዛዕባ ’ዩ።

1ይ – ቅድሚ ኹሉ፣ ኣድሚቕና ክንጽሕፎ ጥራይ ዘይኮነ፣ ከነስምረሉ ዘለና ነጥቢ፣ እዚ ምልካዊ ስርዓት ‘ዚ፣ ከምዚ ክንዛረበሉ ዝወዓልና፣ ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ ብምዃኑ ካብ ሱር መሰረቱ ተነቒሉ ክዓኑ ኣለዎ። ኣብዚ ንጹር ውሳኔ ክህልወና ኣለዎ። ኩልና ፍቕሪ ሃገርን ህዝብን ዘለና ዜጋታት፣ ኣብ ውሽጢ ንሃሉ ኣብ ግዳም ኣብዚ መሰረታዊ ሕቶ ‘ዚ ክንሰማማዕ ኣለና።

ኣብዚ ጉዳይ’ዚ ንሃገርን “መንግስትን” ሓደ ኣምሲሎም ዝርእዮ ሰባት ከምዘለዉና ዘማትእ ኣይኮነን። እንተኾነ፣ እዚኣቶም ከም ግዳያት ተራእዮም ክፍወሱ ኣለዎም። ገዳያት እንትኾይኖም ግን፣ ኣካል ናይቲ ክእለ ዘለዎ ስርዓት እዮም። እቲ ስርዓት ነዚ ዝሓለፈ 25 ዓመታት፣ ህዝቢ ፈሪሑ ከምዘፍቅሮ ወይ ድማ ከምዘይቀብጾ ክገብር ዘይኣለሞ ውዲት የልቦን።  “ወያነ ኵናት ክውልዓልና እዩ፣ ህዝቢ ኤርትራ ከም ሶማል ክትበታተን ኢኻ፣ ውግእ ሕድሕድ ከጋጥመካ እዩ” ኢሉ ህዝቢ እናፈራርሐ ‘ምበር ንህዝቢ ብስራሕ ኣእሚኑ ኣይኮነን ኣብ ስልጣን ተጻኒሑ።  እዚ ኩሉ ግን፣ ትምኒት ናይቲ ስርዓት ‘ምበር ክዉንነት ኤርትራ ኣየንጽባርቕን እዩ።

2ይ – ካብዚ ቀጺልና ብሓፈሻዊ መንገዲ ክንሰማማዓሉ ዘለና ካልእ ነጥቢ፣ ኣብ ኤርትራ ልዕልና ሕጊ ዘኽብር ዲሞክራስያዊ ስርዓት ክትከል ከምዘለዎ ኮይኑ፣ ብቐንዱ ድሕሪ ለውጢ ስልጣን ናብ ህዝቢ ምርካብ ቀዳማይ ዕማምና ምዃኑ እዩ። ህዝቢ ዲሞክራስያዊ መሰሉ ተጠቒሙ፣ ብድምጹ ወከልቱ መሪጹ ጥራይ እዩ መንግስቲ ከቕውም ዘለዎ።

3ይ- ነዚ ምልካዊ ስርዓት ናይ ምልዋጥን ህዝባዊ መንግስቲ ናይ ምትካልን ሃገራዊ ዕማም ዘሳልጥን ዝመርሕን ኣማራጺ ኣካል ምውዳድ ኣድላዪ ምዃኑ ብምእማን ክንሰርሓሉ ይግባኣና።

ንሕና እዞም ኣብ ስደት እንነብር ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ ፍልልያትና ኣጽቢብና ንጹር ሃገራዊ ኣጀንዳ ብምስኣል፣ ውደበይ ውድብካ፣ ማሕበረይ ማሕበርካ፣ ኣውራጃይ ኣውራጃኻ፣ ሃይማኖተይ ሃይማኖትካ፣ እንዳይ እንዳኻ ዘይብሉ፣ በብኸተማና ህዝባዊ ባይቶታት ኣቚምና ወከልትና ብምምራጽ፣ ካብ ህዝቢ ዝፈልፈለ ስልጣን ዘለዎ ሓደ ግሎባዊ መሪሕነት ከንጣይስ ኣለና።

እዚ ግሎባዊ መሪሕነት’ዚ፣ ነቲ ኣብ ባይታ በብኸተምኡ ዝተወደቡ ኤርትራውያን፣ ካብ ታሕቲ ንላዕሊ ተመራሪጾም ዝሃቡዎ ህዝባዊ ስልጣን መሰረት ገይሩ፣ ነቲ ስደት ዝፈጠሮ ውሕስነትን ናጽነት ምንቅስቓስን ተጠቒሙ፣ ንኹሉ ‘ቲ ንግዚኡ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ኴንካ ክግበር ኣጸጋሚ ኮይኑ ዘሎ ዕማማት ለውጢ፣ ዜናዊ፣ ዲፕሎማስያዊ፣ ሞራላዊ፣ ፋይናንሳዊ፣ ምንቅስቓሳት የወሃህድን የማእዝንን።

ብኽልተ መንገድታት፣ ማለት ብማዕከናት ዜና ብቕሉዕ ምስቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ህዝቢ እናተራኸበ፣ በቲ ኻልእ ብስቱር ኣብ ውሽጢ ምስ ዘለዉ ናይ ለውጢ ባእታታት ውሕስነት ዘለዎ ድልዱል ምትእስሳር ብምፍጣር ከኣ፣ ነቶም ኣብ ደገ ኴንካ ብማዕዶ ክትግበሩ ዘይክእሉ ዕማማት የሳልጥ።

4ይ – ኣብዚ ከም መትከል ከነስርጾን፣ ብዕቱብነት ክንሰርሓሉን ዘለና ዕማም፣ ሰፊሕ ተሳታፍነት ህዝቢ ኣብ ቃልሲ ምርግጋጽ እዩ።

ካብ ተመክሮ ዝሓለፈ ቃልሲ ንናጽነት ከምዝተማሃርናዮ፣ እቲ ሓፋሽ ተጋዳላይ ይኹን ህዝቢ ኣብ ረሃጽን ጻዕርን፣ መውጋእትን መስዋእትን ደኣምበር፣ ኣብ ውሳኔታት ሓቀኛ ተሳታፍነት ኣይነበሮምን። ነዚ ክብ ኢልና ዝጠቐስናዮ፣ ህዝባዊ ተሳታፍነት ዘረጋግጽ ኣወዳድባን ዲሞክራስያዊ መስርሑ ዝሓለወ ውክልናን ብግቡእ ከምዝሰርሕ እንተደኣ ጌርናዮ ኸኣ ኣድማዒ ህዝባዊ ተሳታፍነት ከነረጋግጽ ንኽእል ኢና።

5ይ – ኣብ መወዳእታ ደጋጊምና ከነረጋገጾ ዘለና መትከል፣ እቲ ነዚ መድረኽ ለውጢ ንምውህሃድን ምስላጥን ዝቐውም ኣካል ንነብሱ ከም ሕጋዊ መሪሕ ህዝቢ ኤርትራ ወሲዱ ነዚ ኣወዳድባ’ዚ መሳልል ብሕትውና ወይ ግበታ ስልጣን ከይገብሮ ረቂቕ መቆጻጸሪርን ውዕልን ምግባር እዩ።

ኣብ ደምበ ተቓውሞ ናይ ውድድርን ዘይምትእምማንን መንፈስ ዘሕድር ሓደ መሰረታዊ ጉዳይ፣ ነተን ዘለዋ ውድባት ይኹን ማሕበራት፣ ከም ወከልቲ ወይ ሰልፍታት ሓደ ወገን ወሲድካ ድሕሪ ለውጢ ኣብ ዘሎ መድረኽ ከም ሕጹያት ስልጣን ምርኣየን እዩ። ኣብቲ ስልጣን ናብ ህዝቢ ምርካብ ወይ ከኣ ድምጺ ህዝቢ ምኽባር ዝብል መትከል ዝኣምን ኣካል ግን፣ ነዚ ዘሎ ውደባታት ከም መሳርሒ ናይ ለውጢ ደኣምበር ከም ሕዛእቲ ስልጣን መጻኢ ክወስዶ ኣይግባእን። ከምቲ ምዕዶ ኣቦታትና፣ “ክንቡርክት ከይንብርኩት ቅድም እሞ ኣብ ማይ ንብጻሕ” ኢልና ነቲ ብቐዳምነት ዝስራዕ ዕማም ለውጢ ከነሰላስሎ የድሊ። ከምዚ ዝኣመሰለ ኣረኣእያ ምምዕባል ንገዛእ ርእሱ፣ ንናእሽቱ ፍልልያት ዕሽሽ ኢልና ኣብ መሰረታዊ ዕላማ ዘተኮረ ሓባራዊ ቃልሲ ኣብ ምክያድ ‘ውን ደራኺ ክኾነና ይኽእል እዩ። ብሓባር እንተሰሪሕና ወይ እንተተማላሊእና ከነፍሪ ስለዝኾና፣ ውጽኢትና ንባዕሉ ካብቲ ብሰንኪ ፍረ-ኣልቦነትና ዝስዕብ ሕድሕዳዊ ምስሕሓብ ከገላግለና ስለዝኾነ ዓወትና መመሊሱ ክዓቢ፣ ርእሰምትእምማና መሊሱ ክብርኽ እዩ። ዓወትና ብግዲኡ ህዝቢ የዕሲሉ፣ ነቲ ሓቀኛ ህዝባዊ ተሳታፍነት ጥራይ ከረጋግጾ ዝኽእል ዲሞክራስያዊ ባህሊ ከዐንብብ እዩ። ምንቅስቓስና በሲሉ፣ ኣብዚ ደረጃ ‘ዚ ደይቡ ህዝባውነቱ እንተደኣዓቂቡ ኸኣ፣ እቲ ሞራላውን ሕጋውን ልዕልና ዘይብሉ ውልቀመላኺ ዕጥቁ ክፈትሕ ክግደድ እዩ።

ማዕረማዕረ’ዚ፣ ኩሎም’ቶም ኣብ እዋን ቃልሲ፣ ብጉልባብ ወተሃደራዊ ባህርያት ናይቲ ኩነታት ምስ ተኣታተዉ ከም ናይ ኣሰራርሓ ባህሊ ተወሲዶም ዋላ ድሕሪ ናጽነት ምውጻእ ኣብዮምና ዘለዉ መሳርሒ ውልቀምልክን ጭውያ ናጽነትን ዝኾኑ ሕሉፍ ምስጢራውነትን ዘይተሓታትነትን ‘ውን ቦታ ክህልዎም የብሉን። መለይዪ ናይቲ ክንተኽሎ እንብህጎ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ባህሊ ግሉጽነት ብምዃኑ፣ ቀዳማይ መሳርሒና ክኸውን ኣለዎ። ካብ ኩሎም ‘ቶም ኣሉታዊ ውርሻታትና ሓራ ንምዃን ግን ኣንጻር ጸላኢና ጥራይ ዘይኮነ ንገዛእ ርእስና ሓራ ንምግባር ምስ ነብስና ‘ውን ምቅላስ ከድልየና እዩ።

እንተ ነቶም፣ ዕንወት ሃገርናን ብርሰት ህዝብናን ካብ ኩልና ንላዕሊ ቀሪቦም ብክሎዝ ኣፕ ዝርእዩዎ ዘለዎ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዘለዉ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ‘ሞ፣ “በትሪ ኣብ ኢድኩም ተመን ኣብ እግርኹም” ካብ ምባል ሓሊፍና ንሶም ዘይፈልጡዎ ሓድሽ ምኽሪ የብልናን።

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን፣

Assenna_Bergen

ሽግር ሃገርና ጂኦግራፊካዊ ኣቀማምጣ ኣይኮነን። ኣብ ወሰን ናይቲ ስትራተጂካዊ ቀይሕ ባሕሪ እትርከብ፣ ኣብ ማይን መሬትን ዝተደኮነት ድርብ ሃገር ‘ያ ዘላትና። ኣብ ወደባትና መራኽብ ክንቅበልን ከነፋኑን፣ ካብ ባሕርና ዓሳን ዕንቍን ክንገፍፍ፣ ካብ ትሕቲ ምድርና ወርቅን ነሓስን ክንጕሕጕሕ፣ ካብ ልዕሊ መሬትና እኽልን ፍረታትን ክንሓፍስ፣ ካብ ቁጽርና ዝዓቢ ባህርያዊ  ጸጋ ዝተዓደልና ህዝቢ ኢና። ሕብረተሰብና ‘ውን ብስነምግባሩን ሃማኖቱን ዝልለ ቅኑዕ ህዝቢ እዩ። እቲ ቀንዲ ጸገምና እምብኣር መራሕቲ ዘይምዕዳልና እዩ።

ብዓቢኡ፣ ነቶም ኣእምሮና ኣደንቍሮም፣ ልብና ደፊኖም፣ ኣካላትና ቀቢሮም፣ ሃገራዊ መንነትና ኣብ ምጥፋእ ዝርከቡ ጸላእትና፣ ን25 ዓመታት ኣብ ክንዲ ከም ኣሸበርቲ ከም መራሕቲ ምርኣይና ንገዛእ ርእሱ ዕዳ እዩ። ኣብ 1994 ኢሳይያስ፣ ንመብዛሕትኦም መጋድልቱ “መሽሚሽኩም ኢኹም፣ ሓድሽ ደም የድልየና ኣሎ” ክብሎም ከሎ፣ ንሳቶም ይኹኑ ንሕና “ካባኻ ጀሚሩ” ኢልና ኣብ ክንዲ እንምልኣሉ፣ ደሙ ንሳላሳ ዓመታት ኣብ ፍሪጅ ተቐሚጡ ከም ዝነበረ ኣሚንና፣ ወይ ከኣ እስራኤላውያን ዝቐየሩሉ ደም ቫይረስ ተሓዊሱዎ ከይከውን ከይተጠራጠርና፣ ምስናይ ጣቕዒቱ “ሓቅኻ” ምባልና ንገዛእ ርእሱ፣ ግዳይ ተደጋጋሚ ግርህናናን ሕድገትናን ድንቁርናን ከምዝኾና እዩ ዝምስክር።

ይኹን’ምበር ሕጂ ‘ውን፣ ትንፋስና ኣኻኺብና፣ ኤርትራዊ ኒሕናን ትብዓትናን ብምብርባር፣ ካብ 10 ጣዕሳ ሓንቲ ማሳ ኣልዒልና “ይኣክል” ኢልና ክንድርቁሶ ዳምዳም ብምባል ድሕነት ህዝብናን ትንሳኤ ሃገርናን ከነረጋግጽ ሞራላውን ሃገራውን ሓላፍነት ከምዘለና ክንዝንግዕ ኣይግባእን።

እዚ ካብ ቃሬዛ ወሪዱ ነተን ለሚሰን ዘለዋ መሓውሩ ባምቡላ ፕሮፖጋንዳ ሰዅዑ ዘወሳውሰን ጠላም ስርዓት፣ ከም ኣመሉ መስለቢ ልቢ ክጥቀመላ፣ ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ፣ ነታ “ሽግ ናጽነት” ክብል ዘጠመቓ ካብ ናቕፋ ዘበገሳ ቀንዴል ካብ ዓዲ ናብ ዓዲ ንየው ነጀው ከብላ ኣብ ቴሌቭዥን ምስ ረኣኹ፣ ኣብቲ ብርቱዕ ድርቂ ዝነበረሉ 80ታት ኣብ ሓደ ዓዲ ከበሳ ዝገጠመኒ ተርእዮ እዩ ተቐጂሉኒ። ኣዴታት ናይቲ ዓዲ ነጸለአን ከም ናይ ቀባሮ ተወንዚፈን፣ ናብ ሓመድ-ድበ ጎዶቦ ይኸዳ ከምዘለዋ ብሓደ ዓሲለን፣ ካብ ብኽንያት ዝመርር ልመና እናስምዓ ክግስግሳ ምስ ኣማዕደኹውን ብኡ ንብኡ ሓታቲተ ምስጢር ናይቲ ፍጻሜ ክፈልጥ ነይሩኒ።

ብያታ ከም ዝጸንሐን፣ ከምቲ ሽዑ፣ ዝናብ ኣብዩ መሬት ነዲዱ፣ ደርቂ ኮይኑ፣ ዓዲ ኣብ ናይ ሞትን ሕየትን ፈተነ ኣብ እትወድቀሉ እዋን፣ ኣዴታት፣ ኣብ ጎዱፍ ዓዲ (እንዳ ጓሓፍ) ዝረኸባኦ ዝኸፍአ ግዕዘይ ኣብ ገልዒ ኣቐሚጠን፣ ኣምላኽ ከርህወለን እናተማህለላን እናለመናን ናብ ጎዶቦ ዓዲ ይኸዳ ‘ሞ ኣብኡ ተኣኪበን ንዝጸንሐአን ኣዴታት ኣቐቢለነአን ዓደን ይምለሳ። እቲ ግዕዘይ ከኣ ዶብ ሃገር ክሳብ ዝሰግር ካብ ዓዲ ናብ ዓዲ ምቅብባል ይግበረሉ። በንጻር እቲ ንዝተጠልመ ናጽነት ወርቃዊ ቀንዴል ኣምሲሉ ከታልል ዝፈተነ ፕሮፖጋንዳ ህግደፍ እምብኣር፣ ብኸምዚ ያታ ናይዘን ንጹሃት ኣዴታት፣ እቲ ግዕዘይ ኤርትራ ዝኾነ በጋሚዶ ኢሳይያስን ጭፍርኡን እዮም፣ ካብ ኣስመራ ተለቒሞም ምቅብባል እናተገብረሎም ናብ ምድረበዳ ሰሃራ ክጓሓፉ ዘለዎም።

በዚ ኣጋጣሚ መበል 25 ዓመት ናጽነት እምብኣር፣ ነዚ ሃገራዊ ጽያፍን ግዕዘይን ክንወግን፣ ነቲ ምልኪ ሓኒቑዎ ዘሎ ውጹዕ ህዝቢ ከነድሕን፣ ነፍሲ ወከፍና፣ ካልኦት እንታይ ይገብሩ ኣለዉ ኣብ ክንዲ ምባል፣ ኣነ እንታይ ክገብር ኣለኒ ኢልና፣ ነብስና እትብድህ ሓንቲ ንዳእቲ ውሳኔ ከነሕልፍ ይግብኣና። ናይ ሕጂ ዕዮ ገዛና እዚ ክኸውን ኣለዎ። ከምቲ ነዚ ዘረባ ብነብሰይ ዝጀመርኩዎ ብነብሰይ ክውድኣልኩም፣ ነዚ ኣብ ልዕሊ ዝዘርዘርኩዎ ሓባራዊ ናይ ቃልሲ ዕላማን ቀዳምነታትን ዋላ በቲ ዝተሓተ መልክዑ ኣኽቢሩ፣ ጸጸር ይኹን ደንጎላ ክድርቢ ንዝተቐረበ ኤርትራዊ፣ በታ ዝርካባ ዓቕመይ ኣጆኻ ክብል ኣብ ቅድሜኹም ቃል ይኣቱ ኣለኹ። ንስኻትኩም ድማ በብልብኹም ምስ ነብስኹም መብጽዓ እተዉ። ነዛ ዕለት፣ ብሓባር መዛዘሚ ናይቲ 25 ዓመታት ጥፍኣት ጌርና መጀመርያ ዓመት ሓቀኛ ናጽነት ኤርትራ ንግበራ።

ንናጽነት ኤርትራ ሓቀኛ ኣብ ምግባር ክንዕወት ግን መጀመርያ ናብቲ ፈለማ ዝጠቐስናዮ ሓቀኛ ኤርትራዊ መንነት ክንምለስ፣ ኣብ ዳግመ ህንጻ ኤርትራዊ ሃገራዊ መንነት ክንዕወት ኣለና። ኤርትራዊ መንነት ክንብል ከለና ብትውልዲ ኾነ ብዜግነት ምጽብጻብ ማለት ኣይኮነን። ናብ ባዶ ትምክሕቲ ዘህልል ሕሉፍ ሃገራውነት ማለት ‘ውን ኣይኮነን። እቶም ቀደም “ኤርትራዊ” እንክብሃል ኣብ ሓደ ካልኢት ኣብ ኣእምሮ ነፍሲወከፍና ዝስኣሉ ኤርትራዊ ክብርታት ማለት እዩ።

ኤርትራውነት ሓቅነት፣ ፈሪሃ እዝግኣቢሄር እዩ!

ኤርትራውነት ምክብባር፣ ፍቕሪ፣ ብጻይነት እዩ!

ኤርትራውነት ሃያብነት፣ ልግሲ፣ሓልዮት እዩ!

ኤርትራውነት ምቕሉልነት፣ ርህራሀ እዩ!

ኤርትራውነት ዘይናትካ ዘይምድላይ፣ ዘይምስሳዕ እዩ!

ኤርትራውነት ምእንቲ ክቡር ዕላማ ዝስራሕ ጅግንነት እዩ!

ኤርትራውነት ሕጋዊ ምእዙዝነትን ፍትሕን እዩ!

ኤርትራዊ ማለት፣ እዞም ብጹእ ሰብ ክኾኖም ዘለዎ ብሉጻት ክብርታት ዝወነነ፣ ሕብረተሰቡ ከም መንግስቲ ዝምሰለሉ፣ ተኸባቢሩን ተሓላልዩን ዝነበር፣ ንርእሲኡ ኮሪዑ ንኻልኦት ዘቕንእ ሕብረተሰብ እዩ።

ኣሕዋትን ኣሓትን፣ ነዚ ጸጋ ‘ዚ ብምሕዳስ፣ በዚ መንገዲ’ዚ ጥራይ ኢና ነቲ ገጢሙና ዘሎ ሃገራዊ መንሽሮ ኣሊና፣ ካብዚ ሕጂ ወሪድናሉ ዘለና ዓሚቝ ውርደትን ሕስረትን ናብ ጥርዚ ክብረትን ሓበንን ክንምለስ እንኽእል። ሃገር ክንከውን፣ ህዝቢ ክንከውን፣ ናጽነትና ከነስተማቕር፣ መጻኢ ወለዶታትና ክቐስን፣ መጀምርያ ናብዚ ኣባሓጎታትና ብፍቕሪ ሃይማኖትን ህይወትን ዘማዕበሉዎ Ideal ዝኾነ፣ ሕጂ ሕልሚ ዝመስል ዘሎ ኤርትራዊ መንነት ዳግማይ ክንሃንጾ ‘ለና።  እቲ ትማሊ ንውዲት እቶም ንመርሓካ ኣለና እናበሉ ከጽድፉና ዝወጠኑ ጓሓላሉ ኣፍሺሉ ናጽነትን ልኡላውነትን ሃገር ኣብ ምርግጋጽ ደፋኢ ዝነበረ ብርቱዕ ሃገራዊ ስምዒትና፣  ሕጂ ‘ውን ዳግማይ ገንፊሉ ሓርነት ህዝብና ከውሕስ ኣለዎ። እቲ በቲ ኣብ ገድሊ ዘማበልናዮ ማርክሳዊ ኣተሓሳስባ ዝተበከለን ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ምልኪ ዝወደቐን ሃይማኖትና ክርስትና ይኹን ምስልምና ‘ውን ሞራላውን መንፈሳውን ደገፍና እዩ። መቸም ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ቃራና መንገዲ እንዲና ዘለና፣ ካብ ጫፋት ናይተን ኣርባዕተ መስቀላት ተበጊስና ብቕኑዕ መንፈስ እንተተጓዒዝና ኣብ ማእከል ክንራኸብ ኢና፣ ኣብታ ኣብ መስጊድ ተሰቒላ ዘላ ወርሒ ዘለዋ ክልተ ጫፋት ነንሕድሕደን ዝጠማመታሉ ምኽንያት ‘ውን ናይ ምቅርራብን ስምረትንመእኽቲ እዩ ዝእምት። ኤርትራዊ፣ ብፍጥረቱ ተገባጊቡ ክብ ዝብል ‘ምበር ግብ ዝብል ፍጡር ኣይኮነን ‘ሞ፣ ነዚ ብምሉእ ርእሰ ምትእምማን ዝልለ ናይ ስራሕን ቃልስን መንፈስ ኣበራቢርና ሕጂ ‘ውን ንድሕነት ህዝብና፣ ንትንሳኤ ሃገርና ብምሉእ ሕልናን ተወፋይነትን ንቃለስ።

ሰማእታትና ብቓልስና ይደበሱ!

ምልኪ ይፍረስ ሕጊ ይንገስ!

ኣማኑኤል ኢያሱ

21 ግንቦት 2016

በርገን (ኖርወይ)

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
18 COMMENTS
  • hagosyemane May 23, 2016

    አማን ብ አማን ዝኸበርካ ጋዘጠኛ ሓው አማኑኤል ኢያሱ ሃገርና ኤርትራ ሃለዋታ አጥፊአትሉ አብ ዘላ እዋን ቀንዲ አዕናዊ ህዝቢ ኤርትራ ዝኾነ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ዕም ዝበለ ይታሓጎም እንዳበለ ታሓምበለ አብ ዝብለሉ ዘሎ ግዜ ንምቕጻዩ ቀሊል እኳ እንተኾነ እቲ ቀንዲ ጸገም ግን አባና ዩ ሓደ ካብቲ ጸገምና ንምጥቃስ ዘይምከእአል ተዋሓሒጥካ ዘይምርድዳእ እዚ ውድበይ ውድብካ አብ ባርነት የንብረና አሎ ከምዚ ጠቒስካዮ ዘለኻ አብ ሓበራዊ ፍታሕ ክንመጽእ እንተኾይና ለዕሊ ኩሉ ምከእአል ከድልየና ዩ ብዘይ ምከእአል ዝመጽእ ፍታሕ የለን ዝኸበርካ ሓው አማኑኤል ኢያሱ ደኺመ ከይበልካ ተበርክቶ ዘለኻ አበርክቶ ዝላዓለ ሚዛን አለዎ እንተበልኩ ምግናን አይኮነን ካብቲ ዛሃብካና ምኽርን ማዕዳን ተኻፈልቲ ምስ እንኽውን ተኻአኢልና አለና ናይ ባሓቂ ድማ ንፍትሒ በቄዕና አለና ክብል ይደሊ ፡፡ እንተ ሓው አማኑኤል ኢያሱ ግን አጆኻ ከይተሓለልካ ቀጽል የ ዝብለካ ብለዕልና ሕጊ እንመሓደረሉ ምልኪ ዝጠፍአሉ ነዊሕ አይክኸውንን ዩ ፡፡

  • nati May 23, 2016

    Magnificent speech as usual! However, this stands out in that it tackled issues that are the right ones for the 25th anniversary. Thank you for this great speech!

  • Hamid Sorobeti May 23, 2016

    Dear Amanuel,
    As usual very insightful article that restores the hope to enhance our struggle against the regime of bandits. In the 3 years which you categorise as the honeymoon years injustice has been exercised on many Eritreans but due to the outburst of independence we failed to notice.

  • Desalegn May 23, 2016

    ዕለት: 24/05/2016

    ምልክታ

    ዮሃና ህዝቢ ኤርትራ

    ክፉት ናይ ስራሕ ቦታ “ፕረዚደንት ሃገረ ኤርትራ”

    ኣብ ርብዒ ክፍለዘመን ኣብ መዓልቲ ናጽነትና ቡሩራዊ እዮቤል እነብዕለሉ ኩቡር በዓልና ሃዱሽ ፕረዚንደንት ንመርጸላ ክብርቲ ዕለት ስለዝኾነት በዚ መሰረት ተወዳደርቲ ነዚ ሲዒቡ ተዘርዚሩ ዘሎ ነጥብታት ተማልኡ ካብ ቤ/ፕረዚደንት ክ/ምምሕዳር ብምምጻእ ናይ ቅጥዒ ወረቐት ክትመልኡ ከምትኽእሉ ነተሓሳስብ።

    ናብዚ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ዝሳተፍ ዉልቀሰብ እዞም ለጠቕ ኢሎም ተዘርዚሮም ዘለዉ ቀንዲ ነጥብታት ዘማልአ ክኸውን ይግባእ።

    ክማልኡ ዝግበኡም ረቋሒቶታት

    1. ሞበቆል፤ በብኡ ይኹን በዲኡ ትግራዋይ

    2. ናይ ሰብ ወዲ ኣዳም ባህሪያት ዘይተዓደሎ ፍጡር ክኸዉን ኣለዎ

    3. ንልዕሊ 50 ዓመታት ብተዝፈላለየ ምኽንያት ንፍጥረት ወዲ ሰብ ዘጽነተ

    4. ወስላት ሰብ ሓቅነት ዝበሃል ተግቢሩ ዘይፈልጥ

    5. ንነብሱ ዘይኣምን ፍጥረት ሰብን መሲሉ ክቐሪብ ዝመርጽ ፍጥረት ሰብ ምስ ዝኸዉን ዚያዳ ተመራጺ እዩ

    6. ንሓንቲ ካልኢትዉን ትኹን ጽቡቕ ዝበሃል ሓሲቡ ዘይፈልጥ

    7. ደረጃ ትምህርቱ ብዘየገድስ

    8. ኣብ ኣቐዲሙ ስልጣን ዝነበረሉ ጊዜ ናይ ምቕንጻልን (ምእላይን) ምእሳርን ዝተግበሮም ስራሓት ብዘየገዲስ

    9. ኣብ ወዲ ኣዳም ይኹን ኣብ ንብረት ሃገር ንዘዉረዶ ዕንወት ንህዝቡ ይቕረ ንኽብል ሕልንኡ ዘየፍቅደሉ ናይ ሰብ ዓይነት

    ፍጥራት ዘለዎ ምስ ዝኸዉን ዝያዳ ተመራጽነት ኣለዎ።

    ዳሪክተ ፕረዚደንት የ/ገ

    Asmara

  • Simon G. May 26, 2016

    Brother Aradom,
    First, I praise you for your positive criticism. However, this article is not misleading. Read it from neutral point if view. We have ናጽነት. There is no question about this at all. What is missing is ሓርነት. That’s what it push me to write a simple poem: ተቐይመልኪ መዓልቲ ናጽነት
    Beside that, I like your very polite and articulate comments!

  • tesfay May 30, 2016

    What an idiot. This guy is one of the most regionalist human being. Aletawi.

    The Eritrean people with its government will live for ever.

    Ato Emanuel Endu will bark like a dog for ever.

    Long live Ertra Adey

Post a Reply to hagosyemane Cancel Reply