Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

‘ሰሙናዊ ዜና ህግደፍ፡ ` ህግደፍ ዕውት ወታሃደራዊ ስሪሒት ፈጺሙ: ብዘይ ሓደ ክሳራ ናብ ቦቱ ኡ ተመሊሱ::` – ብሚካኤል ኣጎስቲኖ

         ሰሙናዊ ዜና                                                               ህግደፍ ዕውት ወታሃደራዊ ስሪሒት ፈጺሙ:                              ብዘይ ሓደ ክሳራ ናብ ቦቱ ኡ ተመሊሱ:: ብሚካኤል ኣጎስቲኖ/ጀርመን: 4.04.2015 ናብ ሮቡዕ  ለይቲ ዝውገሔ ትማሊ 1 ሚያዝያ 2015 ብዑጡቓት ወታሃደራዊ ሰራዊት ምስ ድርዓት መካይንን ታንክታትን ኣሰንዩ ኣብ ዳዕሮ

         ሰሙናዊ ዜና                              

                                ህግደፍ ዕውት ወታሃደራዊ ስሪሒት ፈጺሙ:

                             ብዘይ ሓደ ክሳራ ናብ ቦቱ ኡ ተመሊሱ::

ብሚካኤል ኣጎስቲኖ/ጀርመን: 4.04.2015

ናብ ሮቡዕ  ለይቲ ዝውገሔ ትማሊ 1 ሚያዝያ 2015 ብዑጡቓት ወታሃደራዊ ሰራዊት ምስ ድርዓት መካይንን ታንክታትን ኣሰንዩ ኣብ ዳዕሮ ጳውሎስ ዝፈጸሞ ዓውት  ልዕሊ 400  ብዘመናዊ  ዝተሰርሑ ኣባይቲ ብምዕናው ኣብ ርእሲ ጻላኢ ዓቢ ዓወት ብምምዝጋብ ብዘይ መስዋእትን ብዘይ መውጋእቲ ሰራዊትና  ብሰላም ናብ ቦቱኡ ተመሊሱ:: እዚ ብዘይ ሓድነገር ክሳራ ሰራዊትና ዝወጻሉ ኾይኑ: ነዚ ግን  በቲ ኡሙንን ገዲም ተጋዳላይ ኢሳያስ ኣፎወርቂ ንኒዊሕ መጽናዕቲ ብምግባር እዩ ብዓወት ክዛዘም ዝኻኣለ::

ጸላኢ ገለ እካ: ፈንጠርጠር ክብል እንተፈተነ : ብሓይል ሰራዊትና ብምምካት: ብፍርሓት ራዕዲ ኣትይዎ: ካብ ድፍዑ ከይወጸ ድኣ ሰጠመ: ብወገን  ከተማ ኣስመራ: ረዳት ከየምጽእ ብምባል :ካብ ኣስመራ ዝመጽእ ጸላኢ: ብምዕጋት : እዩ እቲ ፍጻመ ዝተኻየደ::

እዚ ዓወት እዚ ብተዳጋጋሚ ዓወታት ክገብር ብምጽንሑ: ሰራዊትና‘ውን ናብ ኣስመራ ሰሊኹ ብምእታው ኣርባዕተ ኣስመራ: ከማኡውን ጸሎት: እዚ ዘይባሃል ናይ ጸላኢ ኣባይቲ ብምዕናው: ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ኣብ ድምጺ ሓፋሽን ቲቪ ኤረን ሓቢርና እካ እንተኾንና :: ድሕሪኣ‘ውን ዓወታት  ብምሕፋስ ታክታትናን ዱርዓት መካይንናን ናብ ደቀምሓረ: ሰገነይቲ: ዓዲቀይሕን: ሰንዓፈን ብምምራሕ: ተማሳሳሊ ዓወት ከም ዝሓፈሰ በዚ ኣጋጣሚ ክንሕብር ንደሊ::

እዚ ድምጺ ሓፋሽ ኤርትራ እዩ::

ወይ ጉድ…………. ኣንታ ሎሚስ እቲ ህዝቢ ኤርትራ  ኣብ ጸላኢ ተቀይሩ: ብበራጊድ: ድሩዓት ማካይን: ታንክታት ከይተረፈ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ይዝንቢ ኣሎ::  ኩቡር ህዝቢ ኤርትራ ኣብ መዋእልካ ካብ ዝሓለፍካዩ ሰንሰለታዊ መግዛእቲ ከምዚ ሎሚ ኣጋጢሙካ ዘሎ ሪኢኻን ሰሚዕካ ዶ ትፈልጥ? በትረይ ሃቡኒ ዝሕምቆ ኣሎኒ እዩ ነገሩ:: ከምቲ ዝተባህለ  ዳግማይ ሃይለ ስላሴ  ኤርትራ መረታ ድኣ እንበር ሰባ ኣይድልየናን  እዩ ነገሩ ::ስለዚ በብሓደ ሰብ ውሓደ: ትማሊ ንደቅና: ሎሚ ኻኣ: ነታ ዘጽልሉላ ወለድና ምዕናው ካብ ኮነ: ሃየ መንእሰይ ናይ ወለድኻ ሓቦን ቅናትን  ዕጠቆ:: ኣብ ኣፍ መቓብር ዝበጽሔ ስርዓት ዘይእዝዞ ነገር የሎን::

 ክቡራት ኣሕዋት: ኢሳያስ ካብ ቃረዛ ንምምላስ: ነቲ ኣብ ቀብሩ ዝተኣዘዘ  ቓረጣ ንምድንጛይን: ካብን ናበይን ይዕለብጥ ኣሎ::  ከምዚ ኣብ ሃገርና ዝፍጸም ዘሎ ግፍዒ :ኣብ መዋእልና ሰሚዕናን ሪኢናን ኣይንፈልጥን: ካብ ምንታይ ዝነቀለ እዩ ቢሉ ጥዑይ ሓታታይ ምስ ዝቀርብ: ካብ ጭንቀትን ራዕድን ዝነቀለ እዩ:: ህዝቢ ኣፋራሪሕካ ረሺንካ እዩ ዝርዕም: ካብ ዝብል ኣጉል ኣታሓሳስባ ይነቅል:: ሓሻኻ   ህግደፍ ካብ ተሞክሮኦም ዘይማሃሩ ድኣ ኮይኖም እንበር : ህዝቢ ኤርትራ ምስ ነቀለ ካብ ገጽ መርየት ከም ዘጥፈኦም ርዱእ እዩ::

ስለዚ  ሎሚ እኹል ቶሞክሮ ካብ 1991-2015 ቀስሚካ ኢኻ: ካብ ዝሓለፍካዮ ናይ ሓሶት ጭርሖታትን : ናይ ትምክሕታውያን ጉጂለ ታሪኽ ገምጊምካ ንመሰረታዊ ዕላማኻ ክትምክት ግዚኡ እዩ:: ኣብ ሽታኡ ንምብጻሕ ኣብ መትከልካ ብጽንዓት ተወፋይነትን ሃገራዊ ግዴታኻን ሕድሪ ስዋትካን ኣብ ግብሪ ንምትርጛም ትማሊ ቀልጢፉ ጽባሕ ደንጉዩ: ሎሚ እዩ :እቲ ናይ ክብረት ማዕርነት ኣንፈት: ጥጡሕ ጎደናን ጽርግያን ናይ ጽባሕ ምዕባሌን ሃገርን:: ስለዚ ጀሚርካዩ ዘለኻ ተሪር ተቃውሞ: ኣብ ሽቶኡ ንምብጻሕን ብግብሪ ንምትርጛምን ዕጣቅኻ ሸጥ ኣብል:: ስለዚ ምስ ጀጋኑ ደቅኻ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዘሎው: ኢድን ጛንትን ኮንካ :ነቶም ሎሚ ብምፍራስ ኣባይትኻን  ካልእን ዝስሕቁ: ደም ዘንብዑኻ  ዘለው ሓንሳብን ንሓዋሩን ናብ እታ ዘለኣለም: ናይ ታሪኽ ግሓፍ ግብኣተ መረቶም :ንክትጉሕፎምን: ንዓኻን ንሃገርካን ከኣ ናይ ዘላኣለም ሰላምን ቅሳነትን ጸጋን በረኽትን ዝመልኦ ሃገር ንኽንምስርት:: በትርኻ ኣብ ኢድካ : ጻላኢኻ ኣብ እግርኻ ኣሎ: እሞ ሰዓትን መዓልቱን ሎሚ እዩ::

ክብረትን ሞጎስን ንስዋትና

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • Teme April 5, 2015

    Michael agostino tsbuk tsihfka
    kemti zbelkayo eritrea siol koyna
    tesfa ngebr kea natsnetna ab kereba gize krekbo
    Good job Michael agostino
    Misgina Agostino

  • helen April 6, 2015

    Hey mike please come to eritrea and try to fight ypurself seb ayteresasen ekka felitheka aleku b dem men????????????

POST A COMMENT