Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሰራዊትና ጠበቓ ውጹዓት

ሰራዊትና ጠበቓ ውጹዓት 01/28/203 ረድኢ ክፍለ (ባሻይ) ጥሓሒሳ እምኒ መደረጋሕ ቀሪብካ’ምበር ከተብላ ወጋሕ ኣታ ኲዓዒታ ዓቢ ’ፍራዛ ቀሪብካ’ምበር ከተርሕዎ ገዛ ኣንታ ዘይርበሽ ርጉእ መንፈስ ማህጸን ጅግና ቀሪቡ ክድበስ ጠበቓ ውጹዓት ኣበካቶ ብበሪኽ ዝጅምር ዝባን ፎርቶ ፈዳይ ሕነ ከም ነብሪ ዝውንጨፍ ይትረፍ ቀትሪ ለይቲ ዘይዕንቀፍ ወራስ ንእዲ ብዓል ጻዕዳ

ሰራዊትና
ጠበቓ ውጹዓት
01/28/203 ረድኢ ክፍለ (ባሻይ)
ጥሓሒሳ እምኒ መደረጋሕ
ቀሪብካ’ምበር ከተብላ ወጋሕ
ኣታ ኲዓዒታ ዓቢ ’ፍራዛ
ቀሪብካ’ምበር ከተርሕዎ ገዛ

ኣንታ ዘይርበሽ ርጉእ መንፈስ
ማህጸን ጅግና ቀሪቡ ክድበስ
ጠበቓ ውጹዓት ኣበካቶ
ብበሪኽ ዝጅምር ዝባን ፎርቶ

ፈዳይ ሕነ ከም ነብሪ ዝውንጨፍ
ይትረፍ ቀትሪ ለይቲ ዘይዕንቀፍ
ወራስ ንእዲ ብዓል ጻዕዳ ማእሲ
ንስኻስ ክትስእን መደቀሲ!

ኣንታ ፈታው ህዝቡ ብዓል ወኒ
ሓንቲ ’ዝማሕልኡ ትሕረመኒ
ምእንቲ ሃገሩ ደም ዝነብዕ
ንመስዋእቲ ዝፍርም ኣጻብዕ

እንካ ብላዕ ’ተበሉ ’ኣኽለኒ
ትቕድሞ ብረተይ ሃቡኒ
ስለ ህዝቡ ኣርሒቑ ዝጥምት
እንካ ተኲስ ተበሉ ዝጭምት

ሰራዊት ሃገረይ ብዓል ስረ
ተሰካማይ ኣርዑት ማዕረ-ማዕረ
መስዋእቲ እንተርከበ መጸዋዕታ
ሃገርካ ትፍርዮም መተካእታ

መስለዂ ዘይስእን ለዃዂቶ
ኣንቃዕሪርካ ኣቲኻያ ፎርቶ
ዓቐበት ደይብካ ካብ ትኣትዎ
ቍልቍለት ድኣሞ ’ታይ ኣለዎ

ኣንታ ጓህሪ ሰራው ናይ ዓድና
ቆሪርና ጸኒሕናስ ኣሚቝካና
ሕጸስ ኣስሚዕካና ምስ ናፍቖት
መርዓ ድማ ጽባሕ ምስ ሕጽኖት
ኣንታ ስየ ለይለይ ጠጥዓል
ንግደትካ ቀሪቡ ትሓመበለ
ጐደና ሓርነት ትዓዘቢ
ፎርቶ’ኮ በጺሑ ዋሕስ ህዝቢ

መንእሰይ ሃገረይ ብዓል ወኒ
ከም ተርክብ ምዓስ ጠፊኡኒ
ጀጋኑኻ ዝሰፈሩ ’ብታሕቲ
ባዕልኻ ትሰርሖ ’ቲ ሓወልቲ

ኤርትራ ሃገረይ በራኽ ዋላ
ተቐዲሓ ዘይትጐድል ዒላ
ከይሓወየ ናይ ቅድም በሰላ
ኣብ ውሽጢ ’ንዲዩ ጸኒሑ ሓበላ

ተሃራፊት ኣንቲ መርዓት ሕንኪ
ኣብታ ሕጽኖትኪ ተዓይንኪ
ብዓልቲ እድያት ጽቡቕ ዒላም
ሰዋድያ ትወልድ ፈራይት ላም

ይትረፍ ህግደፍ ናይ ውሻጠ መፍለስ
ደርጊ ’ባሪርክዮ ከም ዘይምለስ
ትወልድዮም ዝናር ዝዕጠቑ
ከም ፍረ ጨው ጸላእቲ ዘሕቅቑ

ህግደፍ ዶብ ክሕንጽጽ ነይሩ ሕልሙ
ወኪልና ክኸውን ሓኽሊ ድሙ
ስንቂ ህግደፍ ጥራዩ ተሪፉ
መሶብ ኣህባይ ኰይኑ ቍልቍል ኣፉ

ጅግና ሰራዊትና ’ንዲዩ ነቢሑ
ስዉእ ዝነቓንቕ መቓልሑ
ኣንታ ዋሕስ ህዝቡ ሰፊሕ ልቡ
ፈዲሕካዮም ብዶብ ዘሳብቡ

ፍሽኽታ ሃበኒ ስኒ ርበ
ጸባ ለዋህ ጸጊቡ ዝዓበ
ደሞክራሲ ንዓኻ ትጽብ
ኣርእየኒ ግዜ ከየርከበ።

ረድኢ ክፍለ (ባሻይ)

aseye.asena@gmail.com

Review overview
3 COMMENTS
  • ezana sehay February 1, 2013

    KUDOS!!!

  • Semhar February 3, 2013

    As long as Isayas and HIGDEF rule Eritrea this will continue.
    The only solution is to get rid of Isayas, his son and his blind followers HIGDEF just like the Libyans did to Gadafi and his sons.
    Eritreans should unite and get rid the tyrant Isayas, his son and his blind followers HIGDEF.

  • Solomon Tela June 25, 2014

    Rediei kemey aleka selam do u kelo Facebook rekebeni ok delyeka aleku

POST A COMMENT