Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሰበስልጣን ሊብያ ብጥሩፍ እስላማዊ ጉጅለ ‘ኢስላሚክ ስቴት’ ከም ገላዩ ተታሒዞም ዝነበሩ ደቀንስትዮን ቆልዑን ዝበዝሓኦም 28 ኤርትራውያንን ሸውዓተ ናይጀርያውያንን ነጻ ከምዝለቐቑ ሮይተርስ ሓቢሩ።

ሰበስልጣን ሊብያ ብጥሩፍ እስላማዊ ጉጅለ ‘ኢስላሚክ ስቴት’ ኣብ ሲርተ ዝብሃል ከተማ ከም ገላዩ ተታሒዞም ንዝነበሩ ደቀንስትዮን ቆልዑን ዝበዝሑዎም 28 ኤርትራውያንን  ሸውዓተ ናይጀርያውያንን ስደተኛታት ነጻ ከምዝለቐቑ ሮይተርስ ሓቢሩ። እቶም ብዘይካ ክልተ ደቂ ተባዕትዮ፣ ኩሎም ደቂ ኣንስትዮን ቆልዑን

ሰበስልጣን ሊብያ ብጥሩፍ እስላማዊ ጉጅለ ‘ኢስላሚክ ስቴት’ ኣብ ሲርተ ዝብሃል ከተማ ከም ገላዩ ተታሒዞም ንዝነበሩ ደቀንስትዮን ቆልዑን ዝበዝሑዎም 28 ኤርትራውያንን  ሸውዓተ ናይጀርያውያንን ስደተኛታት ነጻ ከምዝለቐቑ ሮይተርስ ሓቢሩ።

እቶም ብዘይካ ክልተ ደቂ ተባዕትዮ፣ ኩሎም ደቂ ኣንስትዮን ቆልዑን ዝኾኑ ግዳያት፣ ገሊኦም ኣብ ጉዕዞ ስደት ናብ ኤውሮጳ እናሃለዉ በቲ ጂሃዳዊ ጉጅለ ዝተታሕዙ ክኾኑ ከለዉ፣ እታ ደጀን ናይቲ ጥሩፍ ጉጅለ ዝነበረት ከተማ ሲርተ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ ኣብቲ ከባቢ ብዝርከቡ ሓይልታት ምልሻ ከተማ ሚስራታ ሓራ ምስ ወጽአት፣ ብሰበስልጣን ሊብያ ተታሒዞም ድሕሪ ምጽንሖም እዮም ነጻ ተለቒቖም።

ብፍላይ ገለ ካብተን ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ጉዕዞ ስደት ናብ ኤውሮጳ እናሃለዋ ብ ‘እስላሚክ ስቴት’ ተጨውየን ከም ከም ገላዩ ግብረ-ስጋ (sex slaves) ተታሒዘን ዝነበራ ምዃነን እቲ ናይ ሮይተርስ ሓበሬታ የረድእ። እቶም ግዳያት ካብ ሲርተ ምስ ኣምለጡ ምስ ‘እስላሚክ ስቴት’ ምትእስሳር ከይህልዎም ከምዝተመርመሩን፣ ኣብ ቤትማእሰርቲ ምስራታ ንኣዋርሕ ከምዝተኣሰሩን ‘ውን ኣገንዚቡ።

እቲ ሓበሬታ፣ ‘እስላሚክ ስቴት’ ነተን ስደተኛታት ደቂ ኣንስትዮ መርወዪ ጾታዊ ስምዒት ኣብ ሊብያ ዝነበሩ ዕጡቓት ኣባላቱ ክኾና ከም ህያብ ይዕድሎም ከምዝነበረ ሮይተርስ ሰኒዱዎ ከምዘሎ ይጠቅስ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ሮይተርስ ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ፣  ‘እስላሚክ ስቴት’ ነተን ኣምንቲ ክርስትና ናብ እስላም ሃይማኖተን ክቕይራ ብምስግዳድ፣ ከም ናይ ጾታ ጊላታት ይሸጠን ምንባሩ  እተን ደቂ ኣንስትዮ ገሊጸን ከምዝነበራ ‘ውን የዘኻኽር።

ብመሰረት ‘ቲ ሓበሬታ፣ ኣብ ወርሒ ሕዳር ዝሓለፈ ዓመት፣ ነተም ብድሕሪ ጭውያ ኣይሰስ ኣብ ቤትማእሰርቲ ምስርታ ዝነበሩ  እሱራት ጋዜጠኛ ሮይተርስ በጺሑውም ነይሩ። ይኹን’ምበር፣ እቶም ሓደስቲ ኣሰርተን ‘ውን ከምዘይነሓፉወን፣ ብዓምጽን ጥምየትን ከምዘዋረዱወን እየን ገሊጸናሉ። ብውሑዱ ሓንቲ ጓል 16 ዓመት ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ነብሰጾር ኮይና ህጹጽ ሕክምናዊ ረዲኤት ተገይሩላ።

ቤት ጽሕፈት ኣኽባሪ ሕጊ ሊብያ እተን ኣዋልድ “ዝኾነ በደል የብለንን” ኢሉ ኣብ መፋርቕ ወርሒ ለካቲት ናይዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት 2017 ኳ እንተሓበረ፣ ነጻ ናይ ምልቃቐን ጉዳይ ግን ብዘይ ዝኾነ መግለጺ ንሓያለ ሰሙናት ተደናጕዩ ጸኒሑ። ትማሊ ረቡዕ ግን ኣብ ኢድ ትካል ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ቀይሕ መስቀልን ሊብያ ተረኪበን፣ ሕክምናዊ መርመራን መጽለልን ናብ ዝረኽባሉ ቦታ ተወሲደን ኣለዋ።

ሓንቲ ካብተን እሱራት ጓል 14 ዓመት ኤርትራዊት ቆልዓ ካብቲ ቤትማእሰርቲ ቅድሚ ምውጽኣ፣ “ሓጎሰይ መግለጺ የብሉን፣ ስድራቤተይ ዳግም ክርኢ፣ ሓድሽ ህይወት ክጅምር ምዃነይ ኣዝዩ የሐጕሰኒ” ክትብል ዝተሰምዓ ሓጎስን ተስፋን ንልኡኽ ሮይተርስ ገሊጻትሉ።

ሓደ ብዓል ስልጣን UNHCR ድማ፣ እቶም ተኣሲሮም ዝነበሩ ግዳያት፣ ብናእሽቱ ሓሳኹ ዝመጽእ ናይ ቆርበት ሰሓ ገዲፍካ ኣካላዊ ኩነታቶም ደሓን ከምዘሎ ምግላጹ ሮይተርስ ብተወሳኺ ገሊጹ።

ነቶም ኤርትራውያን ከም ስደተኛታት ክነብሩሉ ኣብ ዝኽእሉ ካልእ ሃገር ከጣይሱዎም ትጽቢት ከምዘለዎ ክእምት ከሎ፣ እተን ሓሙሽተ ደቂ ኣንስትዮ ናይጀርያውያንን 2 ደቀንን ዑቕባ ክሓቱ ወይ ድማ ናብ ሃገሮም ዝምለሱሉ ኩነታት ክፈጥሩ መደብ ከምዘለዎም ኣረዲኡ።

ካብ ከተማ ሲርተ ዘምለጡ ወይ ከኣ ካብታ ከተማ ብሓይልታት ሊብያ ዝተለቕሙ ሓያለ ደቂ ኣንስትዮን ቆልዑን ገና ኣብ ሚስራታ ተታሒዞም ከምዘለዉ ሮይተርስ ብተወሳኺ የገንዝብ። እቶም ተታሒዞም ዘለዉ ዜጋታት ሊብያውያንን ቱኒዝያውያንን ዝርከቡዎም ምብዛሕትኦም ካብ ትሕተ-ሳሃራ ሃገራት ኣፍርቃ ዝመጹ እዮም። ኣብ ሲርተ ዝነበረ ሓደ ናይ ፍሊፒኖ ጉጅለ ነርስ ኣብ ወርሒ ለካቲት ነጻ ከምዝተለቀ ‘ውን እቲ ሓበሬታ ይጠቅስ።

‘እስላሚክ ስቴት’ ኣብ ፈለማ ዓመት 2015 እዩ ነታ ትውልዲ-ዓዲ ቀዛፊ ዝነበረት ሲርተ ተቖጻጽሩ፣ ኣብታ ኣብ ገምገም ማእከላይ ባሕሪ እትርከብ ከተማ ኣማኢት ወጻእተኛታት ዕጡቓት ብምስላፍ፣ ካብ ዒራቕን ሶርያን ወጻኢ ኣገዳሲት ደጀን ናይቲ ጥሩፍ እስላምዊ ጉጅለ ገይሩዋ። እቶም ብ ምልሻታት ምስራታ ዝምርሑ ሓይልታት ሊብያ ድማ ዳግማይ ክቆጻጸሩዋ 7 ኣዋርሕ ወሲዱሎም።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
3 COMMENTS
  • Serray April 6, 2017

    Deki Erey mesaKhin, AmlaKh feTari yiHaluwikum kab aslam ensisatat, man eaters awful islams.

  • Santim April 6, 2017

    What is the news?
    “Eritreans and seven Nigerians who were captured and enslaved by Islamic State in Sirte and had been held in detention since the jihadist group ……”

    So there are still Eritreans being kidnapped and sold to Arab Musilms as slaves and Abeeds?, Still!

    I thought — “we were Arabs.”
    What an insult!

    • Kokob April 6, 2017

      Dear Santim
      We just failed to completely convert ourselves to become monster Arabs from our adventurous and banditry past revolution. And as a result of our complete failures and madness our innocent children are becoming preys to the monster moslem Arab predators.
      But as a bonus to our sheer madness and banditry adventure we’ve got the Arabic monster language when we don’t have any biher in Eritrea that uses it as a mother language! Weird!!!!
      Indeed, what an insult and humiliation to our ordinary/innocent people!!

Post a Reply to Serray Cancel Reply