Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

“ሰብ ኣብ ዓዱ፡ እኽሊ ኣብ ዓውዱ”

ቀዳሞት ወልድና፡ ሓረስቶት ብምንባሮም፡ ኣብቲ ዝነበሮም ልቦና ተመሪኩሶም፡ ምስ ሕርሻን፡ ምስ መጓሰን፡ ምስ ገረብን ዝተታሓሓዘ ምስላታት ገዲፎምልና ከይዶም። ብብብአዚ መሰረት ብምግባር ድማ ጥበበኛታት፡ መላቐስቲ፡ ማሰኛታት፡ ኣዝመርቲ በቲ ጥዑም ዜማኦምን፡ ቃላቶምን ይነግሩናን የስሙዑናን። እኽሊ ኣብ ዓውዲ ክሕፈስ እንከሎ

ቀዳሞት ወልድና፡ ሓረስቶት ብምንባሮም፡ ኣብቲ ዝነበሮም ልቦና ተመሪኩሶም፡ ምስ ሕርሻን፡ ምስ መጓሰን፡ ምስ ገረብን ዝተታሓሓዘ ምስላታት ገዲፎምልና ከይዶም።
ብብብአዚ መሰረት ብምግባር ድማ ጥበበኛታት፡ መላቐስቲ፡ ማሰኛታት፡ ኣዝመርቲ በቲ ጥዑም ዜማኦምን፡ ቃላቶምን ይነግሩናን የስሙዑናን።
እኽሊ ኣብ ዓውዲ ክሕፈስ እንከሎ ጸሎት ጌርካ፡ ንጥዕና፡ ንፍቕርን ንሰላም፡ ግበረልና ፍርያት ኣብዝሓልና በረከት ሃበና ኢልካ እዩ ዝሕፈስ ዝነበረ።
“ሰብ ኣይኺድ ኣብዘይ ዓዱ
ጸጊብካ ይብልዎ ኣብ ጥራሕ ከብዱ
ተረቲዕካ ይብልዎ ከይፈረዱ”
“ዓዱ ዝሓደገ፡ ልቡ ይጠፍኦ፡ መንገዲ ይጋገ”
“ሰብ ጸውዕ ተበልኩስ ብዓል በለስ”
“ኣብ ስደት እንተ ኸበርካ ፈረስ
እንት ጽዓኑኻንከ፡ ኣድጊ”
“ኣብዘይ ዓድኻ፡ ብለባምካ ዓሻ
እንተኸበርካን ኾረሻ”
ብዙሕ ክዝረብ ይከኣል ብዛዕባ ስደትን፡ ኣብ ስደት ምንባርን፡ ዋላውን ኣብቲ ምሉእ መሰል ዝወሃብ ሃገራት፡ ዜግነት ዝኣክል ዋላውን እንተተዋህበካ፡ ኣብ ቀዳማይ ዜጋ በጺሖም፡ ኣብ ሃገር ዝለዓለ ደረጃ እንተበጽሑውን፡ ካብ ምጉናይ ኣይሓልፉን እዮም።
ንመረዳእታ፡ ኣብ ዩናይትድ ኢስተይት ኦፍ ኣመሪካ እንተወሰድና፡ ሓደ ሓደ ሰባት
ብሉጻት፡ ብሞያኦም፡ ብኽእለቶም፡ ዝተፈልጡ ክንረክብ እንተኻኣልና፡ ከም ኣልበርት ኣንስታይን፡ ከም ኣፐንሃመር፡ ከም ክሲንጀር፡ ዝኣመሰሉ ሊቃውንቲ፡ ኣብቲ ቀዳማይ ዜጋ በጺሖም ነይሮም ክበሃል ይከኣል፡ እንተኾነ ከምቲ ወዲ ዓዲ በጺሖም ክትብል ግና ኣይከኣልን።
ኤርትራውያን፡ ኢትዮጵያ ኣይንደልን፡ በይንና ይሕሸና፡ ኢልና ብልዝብ ዘይኮነስ፡ ብበትርን፡ ብኻራን፡ ብቦምባን፡ ብመድፍዕን፡ ብጠበንጃን፡ ብብርዕን፡ ብመጎተን፡ ብጸሎትን፡ ብትርን፡ ዝኸፈልና ንኽፈል ኢልና፡ ሰላስ ዓመታት፡ ተዋጊእና፡ ተምቒሕና፡ ጠሚና፡ ጸሚእና፡ ተኣሲርና፡ ተገሪፍና፡ ተቐቲላን፡ ተሰዲድና፡ ኣዋልድና፡ ኣደታት ዝኾናሉ፡ ግዜ ዝፈርያሉ ኣሕሊፈን፡ ንዓይ ይሕሰመኒ ብምባል፡ መሪርን ከቢድን ዋጋ ከፊልና ካብ ምስ ኢትዮጵያ ምንባር ሞት ይሕሸና!!!! ዝበልና ህዝቢ ምዃና ክርሳዕ የብሉን።
ኤርትራ ከም ሃገር ብምብራቕ ቀይሕ ባሕሪን፡ ጅቡትን ትዳወብ፡ ብምዕራብ ምስ ሱዳን ትዳወብ፡ ብደቡብ ድማ ምስ ኢትዮጵያ ትዳወብ።
ኢትዮጵያ! ጎረቤትና ከም ሱዳንን ጁብትን ዳኣምበር ካልእ ሓለፋ የብላን። ኣስዕብ ኣቢልና ክንፈልጦ ዘለና፡ ካብ ማዝያ 1998 ክሳብ 2000 ዓመፈ፡ ኣብ መሪር ኩናት ነበርና። ንኢትዮጵያ ዶብ ጥሒስና ዝኸድናዮም ንሕና ኢና። ንሶም ኣይኮኑን መጺኦምና፡ ኣብቲ መሪር ኩናት ዝተውጋእናሉ ዕቕባ ሓተትና። ኣዕቖብና ድማ።
ኣብ ገዛ እንዳማትካ ወስ ጠንቀስ ይካኣልዶ? ዓቕሚ ኣዳም ዝበጼሔ ብተግባሩ ወይ ብተግባራ፡ብሕግንን ብሓላፍነት ዘሕትት ምኻኑ ኣብ ዝኸድካዮ ሃገር ኮነ ገዛ ክርሳዕዶ ኣለዎዩ?
ብስም ፖለቲካ ስደት ካብ ንስደት ኣይወሓደናን፡ 1950-1960 ዝጀመሩ ስደት ከም በዓል ኣቦታት ኢድሪስ መሓመድ ኣደም፡ ኣቦና ኣቶ ወልዳኣብ ወልደማርያም፡ ኣቦና ኢብራሂም ሱልጣን፡ ደገዝማት ተድላ ባይሩ…..ክንጠቅስ ንኽእል። ንሕና ናይ ስደት   መማህራን ክንከውን ምተገበኤና።
ኣብዚ ሰዓት እዚ ኤርትራዊ ዘይረገጻ ሃገር ኣላ ኣይትበሃልን፡ ኣብ ዝሓለፍናዮ ኣሰር እናገድፍና ንኸይድ ከምዘሎና፡ ድማ ክንፈልጥ ይግባኣና። ኣብ ዝኣተናይ ሃገር ይጸብቕ ይሕመቕ፡ ከከም ኣንባቢኡ ዝትርጎም፡ ኣሰር ይግደፍ ኣሎ።
ኤርትራውያን ንዓለም ዘሕለፍናላ የብልናን፡ ንዓለም ንገሩልና፡ ክንብል ዓለም ገዲፋትና ትኸይድ ኣላ። ክንገብሮ ዘለና፡ ግና መን ኢና፡ ኣብ ዓለም ዕዳጋ፡ ነብስናዶ ንፈልጥ ኢና! ጸገምና ፈሊጥናዶ!  ነብስኻ ምፍላጥ፡ ዓቕምኻ ምፍላጥ፡ ሕጊ ኣኽባሪ ምዃን፡ ኣብ ዝኣተኻዮ ሃገር ወይ ዓዲ፡ ናይ ገዛእ ርእሶም እምነትን፡ ልምድን፡ ባህልን፡ኣከይይዳ መነባብሮ ዘለዎም ስለ ዝኾኑ፡ ብጥንቃቐ፡ ጽፍርኻ ከሊእካ፡ ክኽየድ ከምዘለዎ ብሓቂዶ ንፈልጥ ኢና!  ካብ መልሓስ፡ ካብ ኣእዳውካ ወስ ጠንቐስ፡ ካብ ህርድግ ኢልካ ኣብዘይ ሽግርካ ምስ ኣቶኻ “ከምዚዶ መሲሉኒ” ጥንቃቕ ከምዘድሊ እምበርዶ ንፈልጥ ኢና።
ኤርትራ ኣብ ዓለም ክንምዘን ከለና ዝፈኾሰ ሚዛን ተዋሂቡና ኣሎ፡ ድኻታት፡ ደናቁር፡ ስንስርዓት ዘይነኽብር፡ ዘኾለሰ ኢድ ንነክስ፡ ከም ዝኾና ብዙሕ ክስታት ይስማዕ።በብግዜኡ ድማ ኣብ ዜናታት በጽሕ ኣሎ።  ብሃገር ደረጃ ኮነ ብውልቀሰብ ደርጃ ኣብ ልዕሌና ግምታትን ትዕዝብትን ክስንዘር ይርኤ ኣሎ።
ንኢትዮጵያውያን መሰልና ኣየኽበሩን ኢልካ ወቐሳ ኣብ ልዕሌና ምንም ምምሕያሽ ከምጽእዩ ዝብል ግምት የብለይን፡ ዝዓበየ ጸገምና ኣብ ሃገርና ዘሎ ስርዓት ክሳብ ዘይተኣልየ። ኢትዮጵያን፡ ሱዳንን፡ ጁቡትን፡ የመንን ጎረባብትና ድኣ እዮም እምበር ፈታሕቲ ሽግርና ኣይኮኑን። “ንኽትድቅስ ጎረቤትካ ይደቅስ” ከም ዝብሃል ሽግርና ስለ ዘይፈታሕና ኣደራዕ፡ ሰከምን ንጎረባብትና ንኸውን ከምዘለና ከመይ ጌርካ ይርሳዕ።
ኤርትራውያን፡ ኣብዚ ወዲቕናዮ ዘለና ደረጃ ዝወደቕና፡ ባዕልና ዘምጻእናዮ፡ ሽግርን ጸገም ምኻኑ ከመይ ጌርና ንርስዕ። ከመይሲ፡ ኣብ ግዜ ቃልሲ ባህልን፡ እምነትን፡ ስርዓት ዓመጽ ክርኤ እንከሎ፡ ፍትሒ ክዛባዕ እንከሎ፡ ነጻነት ያኢ! ባዕላ ህግን ስርዓት ክትከውን፡ ወገና ክብደል እንከሎ ሰሚዕና ከምዘይ ሰማዕና፡ ስቕ ዘይብል ምስ ጸላኢ
ኢድ ኣለዎ፡ እናተባህለ፡ ወገና ክጸንት ዝጀመረ፡ ኣብ በረኻ ከሎ ዝጀመረ እዩ።
ኣብዚ በጺሕናዮ ዘለና ዓዘቕቲ ዘእተወና፡ ኣብ ሃገርና ፍትሒ ኣብ ቅድሜና ከም ዝቐበርናያ ተረሲዑ ድዩ። ኣካለ ስንኩላ፡ ተጋደልቲ መሰሎም ክግፈፍ፡ ኣመንቲ ክርስትና ጅሆቫ! ኣመንቲ ወንጌላውያን ፐንጤ!! ዜግነቶም ክዝመት ከሎ ህዝቢ ከምዘይናቱ ርኣዮ፡ በብሓደ ድማ ኣብ ኩሉ ስድራቤት መከራ ኣተወት።
ይተካእ ይለቀም፡ ኣብ ባሕሪ ብኣማት ዝቑጸሩ ዜጋታትና ሃለቑ፡ ኣብ ኤትዮጵያ ማይ ዓይኒ፡ ሰልፊ ተገይሩ፡ ሰማይ ፈሪሱ ኢሎም ድምጺ ኣሜርካ ዝሰርሑ ትግርኛ ተዛረብቲ፡ ንዓለም ኣቃሊሖም፡ ብሞያኦም ክምስገኑ ይግባእ፡ እንተኽነ ነቲ ሞያኦም
ብጽቡቕ ኣብ ኩሉ ምቕላሕ እንተዝሰርሑሉ፡ ከመይ ክብሪ መረኸቡ።
ኤርትራዊ፡ ኣብ ሲናይ ከም ጠል በጊዕ ክጉዘ፡ ኣብ ሑጻ ክቕበር፡ ኣብ ሃገርና ብዘይ ፍርዲ ከም ሰናዱቕ፡ ኣብ ኮንተይነር ክዕሸግን፡ ክምቐሕን፡ መርበብ ድምጺ ኣሜርካ ዝሰርሑ ኣስተዋጽኦኦም ክሳብ ክንደይ ዕዙዝነቱ ይኸውን?
ኤርትራውያን፡ ዝሰትረና ሃገርና እዩ። ኢትዮጵያዶ! ሱዳንዶ! ጁቡቲዶ! የመንዶ! ሊብያዶ! ቀይሕ መስቀልዶ! ኣይኮነን።
መን እየ ኣነ? መንነተይ ዘኽብር ባዕለይ ድኣምበር ሓወይ ከምዘይኮነ ክፈልጥ ዶ ኣለኒ? ኣበይከ ኣለኹ? እንታዩ ዓላማይ? ኣብ ስደት ምንባር ባርነት ምኻኑ ክንፈልጥ ኣለና?
ሰብ ኣብ ዓዱ እኽልንከ ኣብ ዓውዱ”   
ብግቡእ ተርጉምና ተረዲእና ሃላፍነትና ፈሊጥና፡ ሽግርና ፈታሕቲ ባዕልና ድኣምበር ካልእ ዝፈትሓልና ከምዘይብልና፡ ማዓንጣ ሸጥ ኣቢልካ ምቕላስ ምኻኑ ኣሚና ክንምክት ኣለና።
ውድቀት ንማፍያ ህግደፍ
ምልኪ ይፍረስ
 
ሃይለ ገብረትንሳኤ
ኢንድያናፖሊስ ኢንድያና
10-28-2013

aseye.asena@gmail.com

Review overview
10 COMMENTS
  • Kalighe October 29, 2013

    “ኤርትራውያን፡ ዝሰትረና ሃገርና እዩ። ኢትዮጵያዶ! ሱዳንዶ! ጁቡቲዶ! የመንዶ! ሊብያዶ! ቀይሕ መስቀልዶ! ኣይኮነን።”

    ሃይለ ገብረትንሳኤ

    This is really good advice. But it would better if people like you could contribute in the making of a culture that encourages people to work together for the sake of the nation.
    It’s difficult to bring people together if our intellectuals [and you are one of those who usually add little positive put] are engaged in side issues or become part of the problem by failing to respect cultural and ethnic diversity of the country.

  • COW FACE October 29, 2013

    ¨ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኢትዮጵያ ዶ፣ ወይስ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ኤርትራ ?,እቲ ምርጫ ብሓቂ ዘደናግር እዩ!!!¨

    ወያነ,ገና መንግስቲ ከይመስረተት፣ሜዳ እንከላ ፣ሓንሳእ ምስ ኣመነትሉ ዘይዓጸፈቶ መምርሒ እንተነበረ እቲ ድሓር ኣብ ኣንቀጽ 39 ጌራ ዘስፈረቶ ንሻዕብያ ዘይተዋሕጠላን ቀጭ ቀጭ ዘበላን ¨ዝኾነ ብሄር መስል ባዕሉ፣ክሳዕ ምግንጻል መስሉ ዝተሓለወ እዩ ይብል ።¨ኤርትራ እውን፣ኣሜሪካ ኣይኮኑን ቻይና ከይደለዩ ፣ኡይ እናበሉ ካብ ኢትዮጵያ ¨ነጻነታ¨ተፈሪሙ ዝተዋህባ በዚ ዓንቀጽ መሰረት እዚ እዩ። ከምቲ ኣይተ ኣብርሃም ያየህ ብሓቅነት ዝገለጾ ድማ __ኣሜሪካ ንመለስ ፣ካልእ ይትረፍስ ኢትዮጵያ ባሕሪ ንኽህልዋ እውን ምስዛ ኣንጻር ድሌትና ፈሪምካ ት ሰዳ ዘለኻ ኤርትራ ጽኑዕ ስምምዕ ግበር እንተበልዎ፣ ¨እዚ ንኢትዮጵያ ዘእትዋ ጉዳይ ኣይኮነን፣እቲ ባሕሪ_ባሕሪ ኤርትራ እዩ ¨ኢሉ ከም ዝመለስ ብዓል ፓውል ሄንዝ ዘቃልዕዎ እዩ።
    እዚ ጉዳይ እዚ ንኢትዮጵያውያን ደቂ ማእከል (ኣምሓሩ)እዩ ጸጉሮም ከንጽዮም ዝግባእ እምበር ከምቲ ግቡኡ፣ንሻዕብያ ከሰራስራ እዩ ዝግባእ ።እታ ብስም ፌደሬሽን ዶ ኮንፈደሬሽን ኣውጠጥያ ኣብ ኣብ ሕቝፊ እታ ዝተቓለሰትላ ሃገራ ኢትዮጵያ ጸኒሓ ኣዘንጊዓ መንበር ሽዋ ጉብ ክትብል ዝደለየት ሻዕብያ ግን ኣይተዋሕጠላን።ወያነ፣ ነዛ ብውሽጣ ዘይደለየት ኣቢሲንያዊት ሻዕብያ,ቀልጢፎም ደፊኦም ደፋፊኦም ፈሪሞም ጸግዓ ዘትሓዝዋ ፣ኣርሒቖም ስለ ዝሓስቡ እምበር ሙታንታ ኤርትራ ስለ ዝኾኑ ኣይኮነን ፣ምታንታስ ባዕልና ኣለናዮ፣እህን ጥራይ በሉ።
    ከምቲ ናይ ታሪኽ ደቅና ዝኾኑ ኣምሓሩ ዝበልዎ፣ወያነ ¨ሁለት ባላ ስቀል፣ኣንዱ ቢነቀል ባንዱ ተንጠልጠል¨ዝዓይነቱ ለባም መምርሒ ስለ ዝተኸተሉ እዩ።ንህዝቢ ትግራይ እውን ይገልጽሉ ኔሮም እዮም__፡¨ኢትዮጵያውያን ኣሕዋትና ተረዲኦምልና ብክልላዊን ናይ ሓባር ምክብባርን መምርሒ እንተኣመኑ ግርም ፣ካብኡ ዝተረፈ ግን ትግራይና ናይ ባዕላ መንግስቲ ኣማዕቢላ ከም ትፍለ ¨ኢሎም ብውይይት ኣረዲኦሞ እዮም። ወትሃደራዊ ይኹን ሃገራዊ ደጀን ወያነ ´ህዝቦም ህዝቢ ትግራይ´ እዩ ኔሩ፣ሕጂ እውን ኣይቀየረን ።ናይ ሻዕብያ ደጀን ግን ሳሕልን ናቕፋን ሓሶትን እዩ።ንዘይኣምኑሉን ዝንዕቅዎን ዝጸልእዎን ዘይኣምንዎን ህዝቢ፣እንታይ እዩ ከም ጀደኖም ዝቖጽርዎ ???
    A CONDOM COULD NOT BE A BASE ,JUST A MEANS OF ACHIEVING ORGASM, TO EVENTUALLY BE THROWN !!!….For Abyssinian-EPLF ,we have always been a ¨use & throw condoms¨,atleast we were trojan condoms before ,now we are the cheap kind used by crack whores ,that has too many holes !!!!
    ብጌጋ ኣይትረድኡኒ__ትግራይ ትግርኚ ጽውጽዋይ ኣይኮነን ኣበሃህላይ__ ከም መረዳእታይ፣ ወያነ ዝቖሙሉ ዕላማ ¨እንድሕሪ ህዝቢ ትግራይ፣ ብሰላምን እፎይታን እናማዕበለ ክነብር ኮይኑ__ነዚ ብሓንጎል ጣልያን ዝተበረዘ ሓዉ (ውላዱ)_፡ህዝቢ ኤርትራ ድሌቱ ክፍጽሙሉ ኣለዎም ። ኣብ ኢትዮጵያ ኩሉ ፈቲኖም እንተዘይትዓዊቶም ድማ እቲ ዘኽብርዎን ዝፈትውዎን ህዝቢ ትግራይ, እሞ ኢትዮጵያ ፣ብዘይምርድዳእ ይኹን ብናይ ወጻኢ ሓይሊ ከም ሕምባሻ ናይ ቅዱስ ዮውሃንስ ፈርከሽከሽ ኢላ እንድሕር ተሪፋ፣እቲ ብተንኮል ሽዋውያን ሓመድ ዝበልዔ ህዝቢ ትግራይ, ማዕቢሉ፣ ምስ ጎረባብቱ ክነብር እዩ መትከሎም ኔሩ።እቲ ባሕሪ ምጽዋዕ እውን እንተኾነ ንህዝቢ ኤርትራ ናይ ካርተሊና ስእሊ ጥራይ ኮይኑ ከገልግል ኣይኮነን ። ….እዚ ፣ተጋሩ ትሽዓተ ልቦም ዓይነት ነገር ክትርእይዎ ትዳናደኑ ደቀይን ኣሕዋተይን ክትህልዉ ኢኹም_ኣነ ግን ብተግባር ክርእዮ እንከለኹ ፣..ከም ሓዳር እዩ፣__ ብዝክኣለኒ ኣነን ደቀይን ብዝጠቕመና መገዲ እቲ ሓዳር ክቕጽሎ እየ፣ሰብኣይ ዘማዊን ተዋቓዕን ኾይኖም ፍትሕ እንተመጸ ግን እዚ ኩሉ ሰዊኤ ኣነን ደቀይን ከይጠመና ንሓድረሉ ስምምዕ ክገብር እየ ከም ትብል ሕያወይቲ ኣደ እየ ዝርእዮ።
    ወያነ ዝገብርዎ ኩሉ ንህዝቢ ትግራይ ኣብ ማእከል (ኣብ ቁጽሪ)ብዘእተወ መገዲ እዩ ። ሕጂ ኢትዮጵያ ደልዲላ፣ እቲ ክልላዊ መሰል ዝሓቖፈ መምርሒኦም ተተግቢሩን ይትግበርን ኣሎ ጥራይ ዘይኮነስ ፣ እታ ብጥሜታን፣ሓገዝ እንተረኸበት መሊሳ ትጠሚን ዝነበረት ኢትዮጵያ,ትገብሮ ዘሎ, ንህዝባ ጥራይ ዝጠቅም ዘይኮነስ ከባቢ እውን ዘማዕብል ፍጻሜታት ንምግላጽ ኢንሳይክሎፔድያ ከድልየኒ እዩ።
    ወያነ (ሕጂ ኢህወደግ)ዘማዕበልዋ መዔወቲት መምርሒት እንተሃልያ __¨ብዘይካ ድኽነትን ጉድለት ትምህርትን ጸላኢ የብልናን _ብዝክኣለና ንሰላምን ሓቢርካ ትዕወተሉን መገድን ክንሰርሕ ኢና ¨ኢሎም !!!
    __ነቶም ቆለውዕ መቐለ ደብዲበን ምስ ተመልሳ ፣እንቋዕ ነፈርትና ጥራይ ብድሓን ተመልሳ ኢልና ኣብ ሬሳ ህጻውንቲ ዘባጨና ዓያሹ ደቆምን ጎረባብቶምን ሕያውነት ዘርእዩ ዘለዉ ፣ዘይስምዖም ኣብድታት ኮይኖም ኣይኮነን ፣ነቶም ትማል ትማል ፈሪሞም ህዝቢ ዘእሰሩን ዘጨፍለቑን ሹማምንቲ ደርጊ ነበር ይቕረ ኢሎም ዝፈትሑ ፣ናይ ቀደም ዘራፍ ገዳይ ዝብል ስምዒታዊን ኣዕናውን ጠባያት ከወግዱ ስለ ዝደለዩን ናይ ይቕረ መንፈስ ከም ዘዔውት ስለ ዝኣመኑሉ ጥራይ እዩ።…ነዛ ትማሊ ትማሊ ንኣና ከም ኮንዶም ተጠቒማ ድቃስ ትኸልኦም ዝነበረት ግብጺ ከይተረፈ፣ንዒ ሩባ ኣባይ/NILE ናይ ኩላትና እዩ__ሓቢርና ነማዕብሎ ማለቶም መስተውዓልቲን ደለይቲ ምዕባሌን ስለ ዝኾኑ እዮም ።
    ኣቢሲንያዊት ሻዕብያ _ንሓረስቶት ኤርትራውያን ደቆም እናመንዝዔት ኣብ ዘይረብሕ ኢትዮጵያዊ ኣጀንዳ ከተሕርዶም ከላን ፣መርዑት ሃገረሰብ በስገዳድ ካብ ንእደን ኣውሪዳ፣ብድሙ ድሙ መሪዛ ሓውሲ ሰውራውያን ኣመንዝራታት እናገበረተን ዝመጸት ጸላኢት ህዝቢ ኤርትራ እያ።፣ እዚ ወያነ ዝብሃል ውድብ ግን ብሰንኪ ሰራቒት ሻዕብያ ዝተመረረ ህዝቢ ትግራይ ንብረትና ተሰሪቑ ንኤርትራ ኣይከይድን እዩ ኢሉ እንተዓገተ እኳ፣ ወያነ ግን፣ ብተጋደልቱ ኣገዲዱ ፣¨ህዝቢ ኤርትራ ጠምዩ ኣይሓድርን¨ብዝብል ኣስገዳድ የሕልፎ ኔሩ ። ኣየ ወያነ ንናይ ኣእምሮ ባርነት ዘጥቅዖ ህዝቢ ¨ጤሊት ሚን ሒልበያ ጨምቀያ ትፈተ¨ምዃኑ ኣይበርሃሎምን ዶ ይኸውን¨ ???ኣይኮነን ክቱንኩሉ እንተደልዮም ባንክታት ዓለም መሊ ኡ ዝፈስ ስ ተንኮላት ኣለዎም ፣ግን መምርሒ መሪጾም ፧ እንታይ እዩ መምርሒና ህዝበይ ???

    ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኢትዮጵያ (ሻዕብያ)፣ ናትና ናይ ኤርትራውያን ዘልኣለማዊት ጸላኢት እያ።
    ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ኤርትራ (ወያነ ትግራይ )፣ዘርኣየትና ሕውነታውን ኣቀራራብን መትከል ንዘልኣለም ኣይንርስዖን
    ዓወት ንህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን

    ዘፍቅረኩም ሓወቦኹም ምሕረቱ ሃብተ

  • Eritras October 29, 2013

    Thank you ሃይለ ገብረትንሳኤfor exposing the tyrant dictator, the mad dog, the ድያብሎስ Isayas and his blind followers HIGDEF. 

    The mad dog Isayas took down the Eritrean Liberation flag in 1993 and replaced it by his own burned flag. 

    The courageous demonstrators allover the world raised our historic liberation flag, the flag of our martyrs, the flag that united us and took us all the way to victory 1991.

    The mad dog Isayas dissolved our historical Eritrean provinces in 1996 and replaced them by his own Zobas.
    The courageous demonstrators and all our people are ready to liberate our villages, our counties, our provinces, our land and our people.

    The mad dog Isayas
 in 1993 dissolved the law of the land “HIGHI INDABA” “Eritrean constitution” and replaced it by his own MAFIA Law.

    The courageous Eritreans worldwide have marched to dismantle the mafia law and implement HIGHI INDABA and our constitution.
    2013 is the year that we dismantle the crazy mad dog ድያብሎስ Isayas wedi Medhin Berad, his son, and his blind followers HIGDEF just like the Libyans did to Gadafi, his sons and his followers.

    Down to the mad dog, the tyrant dictator and his followers!
    Victory to our people!

    P.S
    ሃይለ ገብረትንሳኤ please write the history of our provinces, our nationalities, our Liberation flag semayawit banderana, and about the flag of the ድያብሎስ Isayas and his blind followers HIGDEF. 


  • ahmed saleh October 29, 2013

    Haile
    Remember in our young age we use to have cadres who profess social , historical and political
    teachings which lead us on broad understanding about our country . Unfortunately that is history .
    ISSAYAS agenda was so wicked to let the young generation confused and wasted to left them in limbo .

  • ghenet October 29, 2013

    Haile God bless you,
    we eritreans need to know that we are cowards. We blame other countries for hunam rights violations. A little saver now, we complain against countries that gave us safety for minor infringement. The energy and anger that we feel should be directed towards the dictator. If we do this then we will get our identity and dignity back. Complaints against other countries should come second if at all.

  • HABTE October 29, 2013

    Haile

    Thank you you did a great job you said it all.

  • abraham October 29, 2013

    fore what we fought 30 years?as I think we fought fore liberty,justice and freedom.So he is really alem fthin natsinetn kittokbelna ayntsebe hluf edna nzekir.bezi jemirkayo zeleka hawna haile qetsilo.

  • HGDEF is dead October 29, 2013

    Hi Haile,

    What:”… ብግቡእ ተርጉምና ተረዲእና ሃላፍነትና ፈሊጥና፡ ሽግርና ፈታሕቲ ባዕልና ድኣምበር ካልእ ዝፈትሓልና ከምዘይብልና፡ ማዓንጣ ሸጥ ኣቢልካ ምቕላስ ምኻኑ ኣሚና ክንምክት ኣለና። …”
    How: ?
    Proposal: “If you need it, go and get it – Period!”
    If he lies cut his head and throw it to SINAI, at least the foxs there may have something to eat. The question is it can land in Khartoum and sink in Undorman/Nile river. But this also ok!

    Then we get the solution => NO Lbi Tgray more!

    • Eritras October 31, 2013

      HGDEF and ISAYAS WEDI BERAD

      In Eritrea as you all know contrary to allowing our people to mourn officially and together, the regime has done its very best to suppress public outrage over the Lampedusa disaster, using mercenaries from Demhit. We think this is despicable and believe now more than ever we should stand with our people and support them as they resist pfdj inside Eritrea.

  • Tekluu Gubtaan October 30, 2013

    Ato , Haile

    What a brilliant article , please keep on contributing your thoughtful editions , There a is lot to learn from your perfect flow of ideas,and facts.

POST A COMMENT