Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሰብ እንተዘንግዐ ታሪኽ ክርስዖም ዘይክእል ሃገራውያን ጀጋኑ – (ብ ኣጋጣሚ ዝኽሪ 18 መስከረም 2001)

ሎሚ 18 መስከረም፡ እቲ ብቐጻሊ እናዓበየ ዝኸይድ ዝነበረ ግበታ ስልጣን ኢሳይያስ ኣብቂዑ፡ ኣብ ኤርትራ፡ ናብ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ናይ ምስግጋር ዕማም ክፍጸም ግሁድ ናይ ለውጢ ምንቅስቓስ ዝገበሩ ሚኒስተራትን ጀነራላትን ዝርከቡዎም ላዕለዎት ሰበስልጣን ኤርትራን፡ ድምጾም ንህዝቢ ኣብ

ሎሚ 18 መስከረም፡ እቲ ብቐጻሊ እናዓበየ ዝኸይድ ዝነበረ ግበታ ስልጣን ኢሳይያስ ኣብቂዑ፡ ኣብ ኤርትራ፡ ናብ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ናይ ምስግጋር ዕማም ክፍጸም ግሁድ ናይ ለውጢ ምንቅስቓስ ዝገበሩ ሚኒስተራትን ጀነራላትን ዝርከቡዎም ላዕለዎት ሰበስልጣን ኤርትራን፡ ድምጾም ንህዝቢ ኣብ ምዝርጋሕ ዝተሓባበሩ ነጻ ጋዜጠኛታትን፡ ብውልቀመላኺ ኢስይያስ ኣፈወርቂ ተመቚሖም ሃለዋቶም ናይ ዝጠፍኣሉ ፍጻሜ መበል 16 ዓመት እዩ።

18 መስከረም 2001 ግን፡ ውልቀመላኽነት ኢሳይያስ ጥራዩ ዝወጽኣላ፡ ዕርቃኑ ዝተቓላዓላ መዓልቲ ደኣምበር፡ ውልቀመላኽነት ኢሳይያስ ዝተወልደላ ዕለት ኣይነበረትን። ኢሳይያስ፡ ኣብቲ ክቱር ባህጊ ናጽነት ህዝቢ ኤርትራ ተሓቢኡ፡ ነቲ ስሱዕ ስልጣን ናይ ምብሓት ድሌቱ ካብ ግዜ ሓርነታዊ ቃልሲ ኣትሒዙ ብምስጢር ከሰላስል ዝጸንሐ ተበላጺ እዩ። እዞም መዛኑኡ ላዕለዎት ሰበስልጣን፡ ዋላ `ኳ ነቲ ናብ ዲሞክራሲ ናይ ምስግጋር ባህጊ እንተዘይተዓወቱሉ፡ ንርእሶም `ውን ከቢድ ዋጋ እንተኸፈሉ፡  ነቲ ኢሳይያስ ለቢሱዎ ዝነበረ መታለሊ ካባ ቀሊዖም፡ ውልቀመላኽነቱ ጥራዩ ከምዝወጽእ ብምግባሮም፡ ዓቢ ሃገራዊ ኣበርክቶ ከምዝገበሩ ዝከሓድ ኣይኮነን። ንሳቶም፡ ከም ቀደሞም ሎሚ ጽባሕ እናበሉ ተመሳሲሎም ምኻድ እንተጽቕጽሉ፡ ብውሑዱ ነቲ ሓፋሽ ህዝቢ ኤርትራ፡ ሓቀኛ ባህርያትን ውዲትን ኢሳይያስ ክግንዝብ ነዊሕ ግዜ ምወሰደሉ። ኢሳይያስ ከኣ፡ መንደላይ ክንሱ ተጋዳላይ፡ ዓማጺ ክንሱ ፍትሓዊ፡ ውልቀመላኺ ክንሱ ዲሞክራስያዊ ተመሲሉ ተዋስኦኡ ብምቕጻል፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ እናጣቕዐ ከምዝጠፍእ ምገበሮ ነይሩ። እንተ ሕጂ ግን፡ ዋላ ኳ እቲ ጥፍኣትን ምብትታንን እንተዘይተረፎ፡ ብጸላኢኡ ይጠፍእ ከምዘሎ ኣዳዕዲዑ ፈሊጡ ስለዘሎ፡ ግዜን ዕድልን ኣብ ዝጋጠመሉ እዋን፡ ነግፈረግ ከይበለ ዕዮ-ገዝኡ ክገብር እኹል ልቦና ረኺቡ `ሎ። እዚ ኸኣ፡ ሳላ ተወፋይነት ናይቶም ህይወቶም ዘይበቐቑ ሓርበኛታት ዝተረኽበ ውጽኢት እዩ።

በዚ ኣጋጣሚ ዝኽሪ መበል 16 ዓመት ማእሰርቲ ናይዞም ሓርበኛታት ተቓለስትን ምቚጻይ ምንቅስቓስ ዲሞክራስያዊ ለውጥን ክንግንዘቦም ዝግብኣና፡ መስመር ክሕዙ ዝግብኦም ሓቅታት ከምዘለዉ ኸኣ ምዝካር የድሊ።

ፈለማ፡ እቲ እዞም ናይ ለውጢ ባእታታት ዘልዓሉዎ ምስግጋር ናብ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ክግበር ዝጽውዕ ምንቅስቓስ፡ ኣብ ግዜ ሓርነታዊ ቃልሲ መሰረት ዝነበሮ፡ ባህጊ ህዝቢ ኤርትራ ዘንጸባርቕ ህዝባዊ ዕላማን ድሌትን ምንባሩ እዩ። ይኹን`ምበር፡ ኣብ ግዜ ሓርነታዊ ቃልሲ `ውን፡ ንዝለዓሉ ዝነበሩ ተመሳሳሊ ምንቅስቓሳት፡ `መንካዕ የሚን` ዝኣመሰሉ ኣሽማት እናጠመቐ ብምንዋር፡ ንህዝባዊ ሕቶታት ኣቆናጺቡ ተሰማዕነት ከምዘይብሎም ናይ ምግባር እኩይ ኣመል ዘለዎ ኢሳይያስ፡ ምስ ጭፍርኡ ዘውጽኣሎም `ጉጅለ 15` ዝብል ሳጓ ብመንገዲ ባዶ ሰለስተ ከምዘጥበቐሎም ኩሉ ሰብ ዝዝክሮ፡ ብግርህና ዝደገሞ ተርእዮ እዩ። እዚ እምብኣር፡ ነቲ መላእ ህዝቢ ኤርትራ እዝኑ ከፊቱ ዝስምዖ፡ ብልቡ `እንተዝኾነለይ` ክብል ዝምህለለሉ ዝነበረ ኣድማሳዊ ጻውዒት፡ ፖለቲካዊ ቃንኡ ጀሊሑ፡ ህዝባውነት ከምዘይብሉ ብምምሳል ንምድኻሙ ዝኣለሞ ሜላ እዩ ነይሩ።

እቲ ፖለቲካዊ ሕቶ ናይ ዝበዝሑ ኣባላት ባይቶ ድሌት ምንባሩ ርኡይ ኮይኑ፡ ዋላ `ኳ ጸኒሖም ብምፍርራሕን ድለላን ኢሳይያስን ጭፍርኡን እንተኣንሳሓቡ፡ ካብ ድሌት ሓሊፎም ከተግብሩዎ ፌርማኦም ዘንበሩሉ `ውን እቶም ደሓር ዝተኣሰሩ 11 ላዕለዎት ሓለፍቲ ጥራይ ዘይኮኑ፡ ክሳብ 20 በጺሖም ነይሮም እዮም።

ብቐንዱ፡ ኣቐዲሙ ኣብ 2000 ዓመተ ምህረት ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ሃገራዊ ባይቶ፡ ኢሳይያስ በዚ ዲሞክራስያዊ ቅዋማዊ ስርዓት ናይ ምትእትታው ገስጋሲ ኣገሓሳስባ ተዓብሊሉ ሽማግለታት ምጅማር ትግባረ ዲሞክራስያዊ መስርሕ ከውቕም ዝተገደደሉ ኣገዳሲ ኣጋጣሚ ነይሩ እዩ። ዋና መንቀሊ ናይቲ ዘበገሱዎ ምንቅስቓስ ንገዛእ ርእሱ፡ ኢሳይያስ ካብ ትግባረ ናይቲ ውዕል ምድሕርሓሩ እዩ ዝነበረ። ኢሳይያስ፡ እቲ ሃገራዊ ቅዋም ብምትግባር ዲሞክራስያዊ መንግስቲ ናይ ምትእትታው ኣተሓሳስባ ህዝባዊ ተሰማዕነት ከምዘለዎ፡ ዓብላሊ ምዃኑ ኣጸቢቑ ስለዝተገንዘበ ከኣ `ዩ፡ ነቲ ኣኼባ ሃገራዊ ባይቶ ክግበር ብተደጋጋሚ ዘቕረቡሉ ጻውዒት ነጺጉ ናብ ሓይልን ዓመጽን ዝተቐዳደመ።

ምስዚ ተተሓሒዙ ክዝከር ዘለዎ ሓቂ፡ ኢሳይያስ ነቲ `ክብ ወይ ግብ` ኢሉ ዓይኑ ዓሚቱ ዝኣተዎ መዕነዊ ወፈራ፡ ህዝባዊ ምልዕዓል ከየስዕብ ከቢድ ስግኣት ስለዝሓደሮ፡ ነቶም ፌርማታቶም ዘቐመጡ ሓይሩ ደው ኣይበለን። ኣብቲ ኣብ ዕጹው ኣኼባታት ሃሱሳቱ ኣዋፊሩ ዘካይዶ ዝነበረ ናይ ጸለመ ጎስጓሳት ደፊሮም ተቓውሞኦም ንዘስምዑ፡ ናይ እዝኒ እናለኣኸ ናይ ደገፍ መርገጺኦም ንዘስተብሃለሉ ይኹን ምድንጋጽ ክህልዎም ይኽእል `ዩ ኢሉ ንዝጠርጠሮም ኣስታት 300 ካድራትን ላዕለዎት ሓለፍትን `ውን በብሓደ እናለቐመ ኣሲሩ ደሃዮም ኣህጢሙዎ እዩ። ስለዚ፡ ዋላ `ኳ እዞም 11 ላዕለዎት ሓለፍቲ ብተደጋጋሚ ዝዝከሩ እንተኾኑ፡ ብዙሓት ዲሞክራስያውያን ባእታታት በቲ ጨካን ምልካዊ ስርዓት ይሓቁ ከምዘለዉ ምግንዛብ የድሊ። ኣብ 2013 ኣብ ኣስመራ ንዝተኻየደ ወዲ ዓሊ ዝተሰውኣሉ ተመሳሳሊ ሕቶ ዝነበሮ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ብታሕቲ ታሕቲ እስላማዊ ምንቅስቓስ ኣምሲሉ ክውንጅሎ ምፍታኑ `ውን መቐጸልታ ናይዚ እኩይ ሜላ `ዚ እዩ።

እምብኣር፡ እቲ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ምስ ዕሱባት መጋበርያታቱ ተመሻጢሩ፡ ንዝበዝሐ ህዝቢ ኣፈራሪሑ ኣብ 2001 ዝፈጸሞ ዓመጽ፡ ካብቲ ስርዓት ሃይለስላሰ ኣብ 1962 ኣብ ልዕሊ ባይቶ ኤርትራ ብሓይሊ ዝፈጸሞ፡ ህዝቢ ኤርትራ `በጊዐይ በጊዐየ ባዕለይ ተዘንጊዐየ ` ክብል ዘስቆርቆረሉ ንኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ፍጹም ንምጽንባር ዝወሰዶ ጎነጻዊ ስጉምቲ ዘይፍለ ውዲት እዩ። ኢሳይያስ ልክዕ ከምቲ ናይ ንጉስ ሃይለስላሰ፡ ነዞም 11 ኣባላት ሃገራዊ ባይቶ ዝነበሩ ላዕለዎት ሰበስልጣንን ኣማኢት ተደነናገጽቶምን ብምምቋሕን ሃለዋቶም ብምጥፋእን ኣብ ልዕሊ `ቲ ከም መሰጋገሪ ናብ ቅዋማዊ መንግስቲ ክኸውን ህዝቢ ኤርትራ ዝጽበዮ ዝነበረ ግዝያዊ ሃገራዊ ባይቶ ኤርትራ ዕልዋ ብምፍጻም እዩ `ምብኣር፡ ኣብ ኤርትራ ወተሃደራዊ ስርዓት ክትከል ዝኸኣለ። ነቲ ባይቶ ድሕሪ ምብታኑ `ውን ሓያለ ዓመታት ጸኒሑ፡ ነቲ ህዝቢ ኤርትራ `ደኾን` እናበለ ጩራ ተስፋ ዘማዕድወሉ ዝነበረ ኣብ 1997 ዝጸደቐ ሃገራዊ ቅዋም ከምዝሞተ ብወግዒ ኣርዲኡ።

ማዕረማዕረ`ዚ ኢሳይያስን ጭፍርኡን ኣብ ልዕሊ ሃገራዊ ባይቶ ዕልዋ ብምፍጻም፡ ንሃገራዊ ቅዋም ብምቕታል ዝፈጸሙዎ ከቢድ ጥልመት፡ ህዝቢ ኤርትራ ከስተብህለሉ ዘለዎ ጉዳይ፡ እዞም ቃልሲ ፍርቂ ዘበን ዘፍረዮም 11 ውፉያት መራሕትን ኣማኢት ደገፍቶምን ኣብ ሓደ ወርሒ ብኸምዚ ዝኣመሰለ ጭካኔ ምጥፍኦም ኣብ ኤርትራ ናይ መሪሕነት ባዶሽ ዝፈጥረ ሃገራዊ ትራጀዲ ምዃኑ እዩ።

ብቕዓት መሪሕነት፡ ስነፍልጠታዊ ክእለት ጥራይ ዘይኮነ ውጹእ ተወፋይነት ዝጠልብ ሞያ ከም ምዃኑ መጠን፡ እዞም ነዚ ድርብ መለክዒ ዘማልኡ መራሕቲ ተመክሮኦም ናብ ዝቕጽል ወለዶ ብግቡእ ከይሰገረ ምቚጻዩ ዕዳ እዩ። እንሆ `ኳ ድሮ ህዝቢ ኤርትራ ከቢድ ዋጋ ይኸፍለሉ `ሎ።

ከምዚ ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስናዮ፡ ኢሳይያስ ድፋዕ ውልቀመላኽነቱ ከደልድል ብመንገዲ ሃሱሳቱ ኣብ ልዕሊ እዞም ሃገራውያን ዝነዝሖ ሓሶትን ጸለመን፡ እቲ ዓማጺ ስርዓት ምስ ተማሕወ ጥራይ ስለዘብቅዕ ኣብ ውሽጥን ኣብ ደገን ንግዚኡ ምድግጋሙ ዘገርም ኣይኮነን። እቶም ነቲ ተበግሶን ምንቅስቓስን እናተሰማማዕናሉ፡ ስለዘይተዓወተ፡ ምስኡ ኸኣ ኣብ ቅድሚ ማእሰርቶም ዘርኣናዮ ስቕታ ካብ ዘለዎ ሕልናዊ ሕቕያ ነብስና ሓራ ከነውጽእ መታን፡ ` ዘይ ኩሎም ሓደ እዮም፡ ዘይባዕሎም ዘገበሉዎ` እናበልና እንዝርግሖ ርእይቶ፡ ነቲ ናይ ሓሶት ጸለመን ፕሮፖጋንዳን ዘራጒድ፡ ንዓኣቶም ካልኣይ ግዜ ግዳይ ዝገብር ኣሉታዊ ተርእዮ እዩ።

ንሳቶም፡ ካብዞም ኩልና ንደገ ወጺእና ዘለና ንላዕሊ፡ ካብቲ ስርዓት ከምልጡ ዕድል ዝነበሮም፡ ገሊኦምስ ወረ ምእንቲ`ዚ ዕላማ `ዚ ካብ ደገ ናብ ውሽጢ ሃገር ዝኣተዉ፡ እንተሓመቑ ድማ ከምቶም ንኢሳይያስ ይቕሬታ ሓቲቶም ዝተጻንሑ ተጣቢቦም ህይወቶም ከድሕኑ እናኸኣሉ `ዮም፡ ነቲ ዘልዓሉዎ መትከል ብምቕዳም ንሞት ፊትንፊት ገጢሞም ተሰዊኦም። ታሪኽ ኣገማዲሕካ ዝጽብጸብ ሕሉፍ ግርህነቶም ኮነ ድኻማቶም ተዋህሊሉ ኸኣ፡ ነቲ ምእንቲ ዕላማ ዝፈጸሙዎ ናይ ህይወት መስዋእቲ ክውሕጦ ከቶ ኣይክእልን `ዩ። ስለዚ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣረጋጊጽና ሕድሮም ብምትግባር ንመስዋእቶም ምኽሓስ ንነብስና ምድሓን እንተኸበደና፡ ሕመቕና ክኢልና ሓቀኛታት መሰኻኽር ምዃን`ዩ እቲ ዝሓሸ ምርጫ።

ብ ኣጋጣሚ መበል 16 ዓመት ማእሰርቲ ናይቶም ኣብ ኤርትራ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ክተኣታቶ፡ ቅዋማዊ መንግስቲ ክትከል ክሳብ ናይ ህይወት መስዋእቲ ዝፈጸሙ ላዕለዎት ሰበስልጣን፡ ጋዜጠኛታትን ናይ ለውጢ ባእታታትን፡ ማዕረ ዝኽሮም ክንስከሞ ዝግብኣና ሓላፍነት እምብኣር፡ ነቲ ዘልዓሉዎ ሃገራዊ ሕቶ ዲሞክራስን ፍትሕን ኣብ ግብሪ ምውዓል፡ ልዕልና ሕጊ ብምምውሓስ ድሕነት ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ምርግጋጽ እዩ። እዚ ኸኣ፡ እንታይ ገደሰንን ዕሽሽታን ወጊድ ኢልካ፡ ከምኣቶም ተወፋይነት ብምዝውታር ጥራይ `ዩ ክረጋገጽ ዝኽእል።

ምልኪ ይፍረስ፡ ሕጊ ይንገስ!

Subscribe ASSENNA YouTube to get Radio Assenna shows on time:

aseye.asena@gmail.com

Review overview
7 COMMENTS
  • k.tewolde September 19, 2017

    Indeed,it is a sad day in the political history of Eritrea like so many notable days since the inception for the quest for liberation of our land and people,one of them being the departure of ELF from the field.From the get go,the tyrant is very good at lamenting and giving nicknames to anybody who threatens his quest for absolute power like the article attests,he called the armed national liberation organization ‘A’AMMA’ and dabbed it as ‘Islamist’ fueled an all out war among brothers and sisters that took the lives of tens of thousands of innocent sons and daughters our motherland couldn’t afford to lose.It is the same scenario,just happen to be in a larger scale,after getting rid of the big fish he went after the shrimp,how couldn’t somebody see this coming,especially those who were close to him and eventually became his victim? this remains one of the most intriguing questions nobody but only the victims themselves can answer.To some of us this current state of affairs of the nation was revealed as soon as we slipped our tender urban feet into the rubber ‘shida’. It is our history,it is our blunder,but they earned a place in it for standing courageously for what is right like so many who preceded them.

    • AHMED SALEH !!! September 20, 2017

      Well that is the result of negligence to
      convey injustices against others .
      If our people were courageous enough
      to speak up when they observe wrongs
      we might prevent this unnecessary nonsense incidents . Humans by nature
      are wicked if allowed to do their dirty
      work they can destroy you alive .

  • andom September 19, 2017

    “Yewega biresa, yetewega….”yiblu amhara. These heros are absolute winners. They are in our hearts and minds. Some one will pay the price sooner or later.

  • Kalighe September 19, 2017

    The sad story of G15, essentially, is not much different from that of Menkaa.
    Both groups wanted to dismantle Iseyas’ dictatorial system, but because the dictator had supporters and the silence majority failed them, they paid alone the ultimate price.
    In case of Menkaa, many of those later became known as G15 were supporters of Iseyas.
    In case of G15, some Higdefites who took Isyeas’ side have already gone, and the fate of those still in power, looting the country and maiming it’s people, will not be different from that of their comrades.
    Iseyas has never been a leader and patriot but a divisive figure who preached hatred.
    Unfortunately, we don’t give history much attention, so we keep repeating past mistakes and continue suffering.

  • AHMED SALEH !!! September 20, 2017

    The above picture expresses the burden of shame
    HGDF junta imposed on us .
    For God sake these sisters represented the history of Eritrean females heroic achievement in our struggle
    but unfortunately betrayal let to suffer under the
    hands of coward people .

  • gjormay September 22, 2017

    HOW ON EARTH do you call those calledG-15 HEROEOS ,THEY ARE THE MAIN REASON WE ARE IN THIS TERRIBLE CONDITION ,They were part of this murderer when they murdered in 1973 menkah , 1976 yemanawean and 1993 when they massacred the handicaps, THOSE PEOPLE have blood in their hands and now you are interviewing their sons and daughters, BY calling this murderers HEROES YOU ARE marginalizing those people who lost their loved ones under those people .For example Petrous Solomon was the architect of torture and killing ,those called G-15 GOT WHAT THEY DESERVE.IF you want change and want A FREE DEMOCRATIC ERITREA ,YOU NEED TO TELL THE TRUTH.THIS PEOPLE ARE THE SAME AS THE DICTATOR IN ASMARA AND HIS FOLLOWERS.

    • k.tewolde September 25, 2017

      Better late than never,as the good book said,’ he who has never sinned cast the first stone,’ this has been our story from the beginning brother killing brother,the cure is repentance,reconciliation,forgiveness,I don’t see a white man held in a container there,or decomposing in the desert or downing in the high seas….he/she is somebody who looks like us,speaks our language but the carnage continues unabated,when are we going to learn? it even followed us to Chicago south side.

POST A COMMENT