Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሰፊሕ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ

ሰፊሕ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ 1     መእተዊ ሓባራዊ ጸገም ምህላው ሓይሊ ሓድነትን ስኒትን ኢዩ ይባሃል። ሓባራዊ ጸገም ምህላው ሓይሊ ሓድነትን ስኒትን ክነሱ፡ ኣብ ናይ ኤርትራ ፖለቲካ ግን ብኣንጻሩ ኢዩ። ምስ’ዚ ኩሉ ጸገማትና ፖለቲካዊ ውድባትና ሓቢረን ክቃለሳን ንህዝቢ

ሰፊሕ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ

1     መእተዊ

ሓባራዊ ጸገም ምህላው ሓይሊ ሓድነትን ስኒትን ኢዩ ይባሃል። ሓባራዊ ጸገም ምህላው ሓይሊ ሓድነትን ስኒትን ክነሱ፡ ኣብ ናይ ኤርትራ ፖለቲካ ግን ብኣንጻሩ ኢዩ። ምስ’ዚ ኩሉ ጸገማትና ፖለቲካዊ ውድባትና ሓቢረን ክቃለሳን ንህዝቢ ከቃልሳን ኣይተራእያን።

ኣብ ኤርትራ ቦዂሩ ዘሎ ነገር እንተሃልዩ ብዂረት ግዝኣተ ሕጊ ጥራሕ ኢዩ። ኩሉ ኤርትራዊ ዜጋ ኣብዛ መሰረታዊ ብዂረት ግዝኣተ ሕጊ እንዳ ተሰማምዐ ክነሱ፣ ገሊኡ ዝያዳ ህሱይን ብዱልን፣ ገሊኡ ዝያዳ ሓላይ ህዝቢ ኤርትራ፣ ገሊኡ ከም መተካእታ እዚ ስርዓት ጌሩ ንነብሱን ውድቡን ስለ ዝርእያ ኩላትና ደለይቲ ፍትሒ ኣብ ሓደ ሓሳብ ተጠርኒፍና ክንቃለስ ኣይከኣልናን።

ኣብ መስርሕ ቃልሲ ሓሳብ (Idea) ኢዩ ዝመርሕ። እቲ ናይ ቀደም ኣረጊት ሓሳብ ካብ ዘይሰርሐ ብሓዲሽ ሓሳብ ምትክኡ ናይ ግድን ኢዩ። ኣብ ተመኩሮ ሰውራና ሕቶ ሓድነት (ምሕዝነት) ቀንዲ ጭርሖ ህዝብን ተጋዳላይን ብዕቱብ ኣይተሰርሓሉን ጥራይ ዘይኮነስ ነንሕድሕድና ዝተቓተልናሉን ዝደመናሉን ኲናት ኢዩ ነይሩ። መሬት ኤርትራ ካብ ሓደ ውድብ ንላዕሊ ኣይትጸውርን ኢያ ብዝብል ድሑር ኣተሓሳስባ ነቲ ናይ ሓባር ቃልሲ ብኣግኡ ሰበሮ። ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ምስ ወያነ ሓርነት ትግራይ ተሓባቢሮም ንተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ካብ መሬት ኤርትራ ኣውጽኡዋ። ብድሕር’ዚ ኤርትራ ናጻ ምስ ወጽአት ህዝባዊ ግንባር ንበይኑ ስልጣን ምእንቲ ክብሕት ድሕሪ ሕጂ ናይ ውድባት ሓሸውየ ኣይነፍቅድን ኢና ብማለት ንኣብዝሐ ፖለቲካዊ ውደባ ብወግዒ ነጸጎ። እዚ ናይ ምግንጻል ባህርይ ኣብ ዲያስፖራ (ኣብ ወጻኢ) ዝርከባ ፖለቲካዊ ውድባት ክሰርሓሉ ይረኣያ ኣለዋ። ቅድሚ ሕጂ ኣብ ሞንጎ ፖለቲካዊ ውድባት ምሕዝነት ተመስሪቱ ብዙሕ ከይሰጎመ ፈረሰ። ቀጺሉ ኤርትራዊ ደሞክራሲያዊ ኪዳን (ኤ.ደ.ኪ.) ተመስሪቱ፣ እዚ’ውን ኣይሰርሐን። ብድሕር’ዚ ፖለቲካዊ ውድባት፣ ሲቪካዊ ማሕበራትን ውልቀ ሰባትን ከይተረፉ ዝተሳተፉሉ ብሃገራዊ ኤርትራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ዝፍለጥ ዓቢ ጽላል ተመስረተ። እዚ’ውን እዚ ሕጂ እንርእዮን እንዕዘቦን ሓርጎጽጎጽ ዘጋጥሞ ዘሎ ኢዩ።

ሕጂ’ውን ሰፊሕ ሃገራዊ ግንባር ወይ’ውን ሰፊሕ ደሞክራሲያዊ ግንባር ምምስራት ኢዩ እቲ መፍትሒ ዝብሉ ሓያለ ሰባት ይጽሕፉን ይዛረቡን ኣለዉ። ፖለቲካዊ ውድባት ዝውንንኦ (ዝመርሖኦ) ምንቅስቓስ ንበሎ ግንባር ኣይሰርሐን። ሕጂ’ውን ኣይክሰርሕን ኢዩ።

ውድባት ክጠራነፋ እንከለዋ ሓደ ማእከላይ ሓሳብ ሒዘን ኣይኮናን ዝቃለሳ: ገሊኤን ናይ ብሄር መሰል ርእሰ ውሳነ ክሳብ ምፍንጫል ክብላ ከለዋ፡ ገሊኤን ህብረ-ብሄራዊ ኣወዳድባ ሒዘን ግን ከኣ ብዕላማ ዘይቀራረባ ውድባት ኣለዋ። ስለ’ዚ ብኸምዝን ብኻልኦት ጸገማት ስለ ዝጽለዋ ኣብ ሓደ ጽላል ተጠርኒፈን ክቃለሳ ኣይከኣላን። እዚ ዓይነት ምትእኽኻብ ካብ ዘይሰርሐ ናይ ግድን ካልእ ሓዲሽ ዘስርሐን ምትእኽኻብ (ጽላል) ክፍጠር። እዚ ኸኣ ናይ መሰረታት ህዝባዊ ምንቅስቓስ (Grassroot movement) ምፍጣር ይኸውን።

 

2     ሰፊሕ ህዝባዊ ምንቅስቓስ

ሰፊሕ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ኩሉ ደላይ ፍትሒ ማለት ብፖለቲካ ውድብ ተወዲቡ ዝርከብ፣ ኣብ ትሕቲ ሲቪካዊ ማሕበር ተወዲቡ ዝንቀሳቐስ፣ ከይተወደበ ብውልቁ ዝቃለስ ኩሉ ዜጋ ብሓባር ተጠርኒፉ ኩሉ ዓይነት መሰላቱ ንምውሓስ ዝገብሮ ህዝባዊ ቃልሲ ኢዩ። ነዚ ሰፊሕ ሓባራዊ ህዝባዊ ቃልሲ (ምንቅስቓስ) ንምምራሕን ኣብ ዓወት ንኽበጽሕ ካብ ዝሕግዙና ዋና ነጥብታት፣

1    ሓያልን ውፉይን ራእያዊ መሪሕነት (Visionary Leadership)

2    ስጡም ህዝባዊ ውዳበ

3    ምብርባር ፋይናንሳዊ ዓቕምታት ምሕያል።

ኩሉ ደላይ ፍትሒ ፖለቲካዊ ኣረኣእያኡ ብዘየገድስ፥ ኣብ ፖለቲካዊ ውድባት ይኹን ኣብ ሲቪካዊ ማሕበራት ዘሎ ወይ’ውን ብውልቁ ነዚ ዲክታቶሪያዊ ስርዓት ዝቃወምን ዝቃለስን ኣብ ሓደ ጽላል ተጠርኒፉ ሓደ ዓብን ሰፊሕን ምትእኽኻብ (ጽላል) ብምምስራት ጥራሕ ኢዩ ኣድማዒ ስራሕ ክሰርሕ ዝኽእል።

አዚ ኸኣ ኣብ ቱኒዚያ፣ ኣብ ግብጺ፣ ኣብ ቀረባ እዋን ከኣ ኣብ ቡርኪና ፋሶ ተራኢዩ ኢዩ። ህዝባዊ ምንቅስቓስ ህዝባዊ ማዕበል ብምፍጣር ንፍትሒ፣ ንፖለቲካዊ መሰላት ብምቅላስ ኣብታ ሃገር ደሞክራሲያዊ ለውጢ ንምምጻእ ዝቃለስ ሓይሊ እምበር ንፖለቲካዊ ስልጣን ከም ዘይኮነ ኣብ ፈለማ ኣጀማምርኡ ርዱእን ንጹርን ክኸውን ኣለዎ።

ድሕሪ ውድቀት ስርዓት ህግደፍ፣     

ሀ.     ግዝያዊ መሰጋገሪ መንግስቲ ምቛም። እዚ መስርሕ ብተሳታፍነት ህዝብን፣ ፖለቲካዊ ውድባትን / ሰልፍታትን ሲቪካዊ ማሕበራትን ይከናወን።

ለ.     ሃገራዊ ቅዋም ምንዳፍን ምጽዳቕን

ሐ.    ብመሰረት ሃገራዊ ቅዋም፣ ህዝባዊ መንግስቲ ምቛም።

እቲ ዕላማ (ሸቶ) እዞም ኣብ ላዕሊ ዝተገልጹ ነጥብታት ካብ ኮኑ፣ ኣብ ሞንጎ ደምበ ተቓውሞ ዘሎ ምፍሕፋሕን ምግምማዕን እንታይ ኣምጽኦ፧ እቲ መልሲ ንጹር ኢዩ። ናይ ስልጣን ሕልሚ ጥራሕ ኢዩ ክኸውን ዝኽእል። ድሕሪ ውድቀት ስርዓት ህግደፍ መን ሓዪሉ ኣተወ፧ ወይ ከኣ መን ዓብለለ፧ ኢዩ እቲ ጉዳይ። ነዚ ጸገም’ዚ ንምእላይ ከኣ ኢዩ ኩሉ ደላይ ፍትሒ ኣብ ትሕቲ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ክጥርነፍ ኣለዎ ዝበሃል ዘሎ። እዚ ዓይነት ምንቅስቓስ ብፖለቲካዊ ውድባት ዘይኮነስ ብግዱሳት ዜጋታት ደለይቲ ፍትሒ ይብገስን ይጥርነፍን።

ናይ ሕብረተ-ሰብ ክኢላታት ወይ ከኣ ስነ-ሓሳባውያን (Sociologists) ህዝባዊ ምንቅስቓስ ንኽፍጠር ኣብ ዘኽእሉ ኩነታት ኣብ ክልተ ስነ-ሓሳብ (Theory) ይኽፈሉ።

ንሳቶምከኣ፣

1    ኣንጻራዊ ዘይዕግበት ስነ-ሓሳብ (Relative Deprivation theory)
2   ምብርባር ሃብታዊ ዓቕምታት (Resource Mobilization)

1     ኣንጻራዊ ዘይዕግበት ስነ ሓሳብ  Relative Deprivation Theory
ናይ ሓደ ሕብረተ-ሰብ ኣባላት ብማሕበራዊ፣ ፖለቲካዊ፣ ቁጠባዊ ኩነታቶም ምስ ዘይዓግቡ፡ ብምረት ንለውጢ ዓው ኢሎም ድምጾም የስምዑ፡ ዝብሉ ስነ ሓሳባውያን ኣለዉ። እቲ ዘይዕግበቶም ምስ ካልኦት ሒደት ዝጠዓሞም ኣባላት እቲ ሕብረተሰብ ክነጻጸር እንከሎ ማዕርነት ዘይብሉ ሰፊሕ ጋግ (ፍልልይ ) ዘለዎ ስለዝኮነ ኣንጻራዊ ዘይዕግበት ተባሂሉ ይጽዋዕ። እዞም ውጹዓት ኣባላት ከም ተወጽዑን ካብቶም ካልኦት ኣሕዋቶም ( ደቂ-ዓዶም) ዝያዳ ይህሰዩ ምህላዎም ምስ ተረድኦም ህዝባዊ ምንቅስቓስ ይጅምሩ። ንዝሓሸ ማሕበራዊ፡ ቁጠባዊ ፖለቲካዊ መሰላት ንምውሓስ ይቃለሱ፡ ጥርኑፍ ዝኾነ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ይምስርቱ፡ ብኡኡ ጌሮም ከኣ ህዝባዊ ዓመጽ የካይዱ ዝብሉ ስነ-ሓሳባውያን ብዙሓት ኢዮም። ይኹን እምበር እዚ ዓይነት ኣተሓሳስባ ማለት ኣንጻራዊ ወጽዓ ንበይኑ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ይኹን ህዝባዊ ዓመጽ ኣየምጽእን ኢዩ ዝብሉ ናይ ሕብረተ-ሰብ ክኢላታት ኣለዉ። ንኣብነት ኣብ ሃገርና ኤርትራ ወጽዓ ኣሎ እኳ ደኣ ጥርዙ ዝሓለፎ። ኣብዚ እዋን እዚ ዝብላዕ የለ፣ ዝስተ ማይ የለ፣ መብራህቲ የለ፣ ሕክምና የለ፣ ኮታስ ኩሎም መሰረታዊ ነገራት የለዉን። ኣብ ልዕሊ እዚ ወዲ-ሰብ ብዘይ ፍርዲ ይእሰር፣ ይግረፍ፣ ይቕተል ወይ’ውን ይስወር። ካብዚ ስቓይ እዚ ንምውጻእ ሰብ ይስደድ ደኣ እምበር ህዝባዊ ምንቅስቓስ መስሪቱ ህዝባዊ ዓመጽ ክፈጥር ኣይተራእየን። ነዚ ዝተፈላለየ ምኽንያታት ይወሃቦ እምበር፡ ገለ ክኢላታት ሕብረተ-ሰብ ነቲ ካልኣይ ጽንሰ-ሓሳብ (Theory) ከም ሓደ ረቛሒ ምኽንያት ጌሮም የቕርቡዎ። ኣቕራቢ ናይ’ዚ ጽሑፍ’ዚ እውን ነዚ ብኻልኣይ ደረጃ ተዘርዚሩ ዝቐርብ ዘሎ ጽንሰ-ሓሳብ ይድግፍ።

 

ንዝርዝራቱ ቀጺልና ንመልከት።

 

2     ምብርባር ሃብታዊ ዓቕምታት  Resource Mobilization

ምብርባር ሃብታዊ ዓቕምታት ነዞም ዝስዓቡ ሓሳባት የጠቓልል

1     ሰብኣዊ ዓቕምታ (Human Resources)
2    መራኸቢ ብዙሃን (Mass-Media)
3    ፋይናንሳዊ ዓቕሚ (Financial Resources)

ሓደ ፍሉይ ሓያል ህዝባዊ ምንቅስቓስ ንኽፍጠር ከምኡ`ውን ኣድማዕን ዕዉትን ንክኸውን ዝኽእል እዞም ኣብ ላዕሊ ዝተሮቕሑ ማሕበራዊ ሃብትታት (Resources) ዓኹኾምን ሓዪሎምን ኣብ መዓላ ምስ ዝውዕሉን ኢዮም።

1    ሰብኣዊ ዓቕምታት

ካብዞም ዝተጥቕሱ ማሕበራዊ ሃብትታት ሰብኣዊ ዓቕሚ ቀዳማይ ቦታ ሒዙ ይርከብ። እዚ ማለት ፖለቲካዊ ሓይልታት (መራሕቲ)፣ ካድራት፣ ምሁራት፣ ደረስቲ፣ ስነ፡ጥበባውያን (ኣርቲስትታት) ንፍትሒ ዝቃለሱ ዜጋታት ወዘተረፈ የጠቓልል። ነቲ ምንቅስቓስ ከም ሓደ ሞቶር ኮይኑ ዘንቀሳቕስ ሓደ ግርማ ሞጎስ (Carisma) ዘለዎ ሓያል መራሒ ምስ ዝህሉዎ፡ እቲ ምንቅስቓስ ኣብ ሓደ ናይ ሓባር ዕላማ ይዓስልን ይንቀሳቐስን። ግርማ ሞጎስ ዘለዎ ሓያል መራሕን ውፉያት ካድራትን ምሁራንን ምስ ዘይህልዉ እቲ ምንቅስቓስ ኣይሕይልን ጥራይ ዘይኮነስ ከም ሽንቲ ገመል ንድሕሪት ኢዩ ዝምለስ፡ ወይ’ውን ይብተን።
እቲ ሓያል መራሒ ይኹን ውፉያት ካድራትን ምሁራንን ዝርከቡ ካብቲ እኩብን ጥርኑፍን ህዝባዊ ምንቅስቓስ ኢዩ። እዚ ዓይነት ጥርኑፍ ህዝባዊ ምንቅስ ቓስ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ንኽፍጠር ብዙሕ ጸገማት ኣለዉ። እቲ ስርዓት ዝፈለየሉ ገባቲ ስርዓት ስለ ዝኾነ ብመገዲ ስለያኡን ጸጥታዊ ትካላቱን ነቲ ህዝቢ ብፍርሕን ራዕድን ይገዝኦ ስለ ዘሎ ኢዩ።

ስጡምን ሓያልን ህዝባዊ ምንቅስቓስ ብቐሊሉ ክፍጠር ዝኽእል ኣብ ዲያስፖራ (ወጻኢ ሃገር)  ብዝርከቡ ደለይቲ ፍትሒ ጥራሕ ኢዩ። እዚ ዓይነት ጥርናፈ ኮሙኒዩቲ ማሕበራት (ማሕበረ-ኮም) በብኸተምኡ ብምምስራት ይኸውን። ቀጺሉ እቲ ጥርናፈ ብሃገር ደረጃ ከም ዝኸውን ይግበር። በብሃገሩ (በብዓዱ) ዝተጠርነፈ ምንቅስቓስ በብዞባኡ ከምኡ’ውን ብደረጃ ዓለም ሓደ ጥርኑፍ ናይ ኤርትራውያን ምንቅስቓስ ከም ዝህሉ ይግበር። ካብ ነፍስ-ወከፍ ዓዲ ብዝምረጹ ወከልቲ ንኹሉ ዜጋ ብዘይ ዝኾነ ኣፈላላይ ዝውክል ዞባዊ ባይቶ፣ ቀጺሉ ዓለም-ለኻዊ ባይቶ ከም ዝቐውም ይግበር። ካብቲ ባይቶ ሓንቲ ኣወሃሃዲት ሽማግለ ምቛም። በዚ መንገዲ ኣጀንዳታትካ ምስራዕ፣ ዓቕምታትካ ምውህሃድ፣ ብሓደ ኣፈኛ ኰንካ ካብ ህዝብኻን ፈተውትኻን ሓገዝ ምእካብ። ብሓደ ዝተወሃሃደ መሪሕነት ስራሓትካ ምክንዋን። ናይ ዜና ስራሓትካ ምሕያል፣ ዲፕሎማሲያዊ ንጥፈታትካ ብማእከል ምክንዋን። በዚ ዓይነት ነቲ ኣብ ውሽጢ ዘሎ ድጉል ሓይሊ ምልዕዓል። እዚ ኣብ ዲያስፖራ ዝፍጠር ሓይሊ ነዞም ዝስዕቡ ንጥፈታት ከከናውን ይኽእል።

  • ብሓባር ሰላማዊ ሰልፊ ምውጻእ
  • ስርዓት ህግደፍ ንዘኽፍሎ 2% ቀረጽ ደው ንኽብል ጎስጓስ ምክያድ
  • ስርዓት ህግደፍ ኣብ ዘዳልዎ ፈስቲቫላት ዘይምስታፍ
  • ክሳብ ስርዓት ህግደፍ ዝወድቕ ንዓዲ ምኻድ ደው ምባል
  • ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ዓዲ ብኣካል ይኹን ብወኪል ገዛ ዘይምስራሕ
  • ኣብ ዝኾነ ህግደፋዊ ቁጠባዊ ንጥፈታት ዘይምስታፍ
  • ንስርዓት ህግደፍ ንምድላጽ ኣብ ዝግበሩ ፐቲሺናት ምስታፍ
  •  ሰሚናራት ምድላውን ብመጽናዕቲ ዝተደገፉ ንጸገማትና መፍትሒ ሓሳባት ምቕራብ።
    ኣብ’ዚ መዳይ’ዚ ተራ ምሁራን ዕዙዝ ምዃኑ ጎስጓስ ምክያድ።
  •  ሃገራዊ በዓላት ብሓብር ምድላውን ምኽባርን
  •  ካልኦት ሓባራዊ ንጥፈታት ምክንዋን።

2    መራኸቢ ብዙሃን (Mass-Media)
መራኸቢ ብዙሃን ከም ጋዜጣ፣ መጽሔት፣ ራዲዮ፣ ቴለቪዥን፣ ኢንተርነት፣ ፈይስ-ቡክ፣ ትዊተር … ወዘተረፈ ብምጥቃም ህዝቢ ምንቃሕን ምውዳብን። ኣብዚ መዳይ ደረስቲ፣ ገጠምቲ፣ ጋዜጠኛታት፣ ደረፍቲ፣ ሰኣልቲ ወዘተረፈ ዓቢ ተራ ኣለዎም። ንኣበርኩቶኦም ሓያል ጻዕርታት ምክያድ። ህዝቢ ኣብ ምንቃሕ ዝግበሩ ጽሑፋትን ጭርሖታትን ሓጸርትን ቀልጢፎም ኣብ ልቢ-ሰብ ዝኣትዉን ህዝቢ ኣብ ምልዕዓል ዘተኮሩ ክኾኑ ኣለዎም።
ካብ ዝቐርቡ ጭርሖታት ንኣብነት፣

  •  ይኣክል ንምልኪ
  •  ህዝበይ ተላዓል
  •  እምቢ ንወፍሪ ባርነት
  •  እምቢ ንኣስገዳድ ዕስክርና
  •  እምቢ ንስዓት ህግደፍ
  •  እወ ንመሰለይ …..

3     ፋይናንሳዊ ዓቕሚ

 

ህዝባዊ ምንቅስቓስ ንኽዕወት ገንዘብ ዓቢ ተራ ኣለዎ። ብዘይ ገንዘብ ዝስራሕ ወይ’ውን ዝዕወት ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ የሎን። ገንዘብ ንባዕሉ ሓይሊ ኢዩ፣ ስለዝኾነ ኩሉ ኣባል ህዝባዊ ምንቅስቓስ ካብቲ ብወለንትኡ ዘወፍዮ፡ ቀዋሚ ወርሓዊ ክፍሊት ክኽፈል ኣለዎ። ካልእ ብመልክዕ ህያብ፣ ካብ መሓዙት ኤርትራ ብዝርከብ ሓገዝ፣ ፕሮጅርክት ብምድላው ዝርከብ እቶት፣ ካብ መዘናግዒ ቦታታት፣ ካብ ፈስቲቫላት ወዘተረፈ እቶት የጠቓልል።

መደምደምታ፡
ብዙሓት ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ነቲ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ናይ ሓባር ጸላኢ ካብ ምልጋስ፣ ንዕኡ ንምእላይ ዝሓንጸጽናዮም ሜላታት ከም ዓቢ መፈላለዪ ነጥብታት ብምርኣይ ኣብ ሞንጎና ዘይተደልየ ጽልእን ቅርሕንትን ክንኣቱን ክንፍጽምን ንርአ ኣለና። ኣብ ልዕሊ ህግደፍ ዘሎና ጽልኢ ብመንጸር ሓፈሻዊ ግህሰት መሰላት ወድ-ሰብ ክንዲ ንርእዮ፣ ገሌና ብሃይማኖታዊ ወጽዓ፣ ገሌና ብብሄራዊ ወጽዓ፣ ገሌና ኸኣ ብኹለንትናዊ (ሓፈሻዊ) ወጽዓ ንርእዮ። ብምዃኑ እቲ ኣወዳድባና ይኹን ኣቀላልሳና (ሜላ ቃልስና) ብምፍልላዩ፣ ነዚ ፍልልያት ምኽንያት ብምግባር ሓሓሊፉ ኣብ ሞንጎና ዘይተደልየ ቅርሕንትን ጽልእን ከም እተኸስተ እንዕዘቦ ዘሎና ሓቂ ኢዩ። እዚ ዓይነት ኣረኣእያን ቅርሕንን ክውገድ ዝኽእል፣ ምስ ኩሎም ንኣሽቱ ፍልልያትና ብሓባር ተጠርኒፍና ነቲ ንህዝብና ዘሳቒ ዘሎ ዓማጺ ስርዓት ህግደፍ ምስ ኩሎም መሓውራቱ ኣልጊስካ ብቅዋም እትምራሕ ሓንቲ ፍትሓዊትን ደሞክራሲያዊት ኤርትራ ምምስራት ኢዩ።

እዚ ሕጂ ኣብ ብመንእሰያት፣ ብምሁራን፣ ምኩራት ዓበይቲ ዓድን ብኻልኦትን ተጀሚሩ ዘሎ ናይ ሓባር ኰንካ ምስራሕ ጻውዒት ክድገፍ ዘለዎ ሓሳብ ጥራይ ዘይኮነስ ብሙሉእ ሕልና፣ ሓሳብ፣ ብሞራል ብገንዘብ፣ ብንዋት፣ ብሂወት ከይተረፈ ክሕገዝ ዘለዎ ሓሳብ ኢዩ።

ነዚ ሓሳብ ብግብሪ ንምቕያር ሓያል ጥርናፈ (ማሕበረ-ኮም) ምፍጣር።
ሃየ ሃገርናን ህዝብናን ንምድሓን ንጠርነፍ፣

ንለዓል! ብሓባር ንቃላስ! ይኣክል! ይኣክል! ንበል።

ዓወት ንህዝቢ ኤርትራ!!
ብመምህር፡ ኢብራሂም መሓመድ (ኣዳል)

14-03-2015

aseye.asena@gmail.com

Review overview
4 COMMENTS
  • Eritra June 3, 2015

    ” ሓያልን ውፉይን ራእያዊ መሪሕነት (Visionary Leadership)”

    ኢብራሂም መሓመድ (ኣዳል)

    We need a leadership that can be sent home whenever they fail to perform as required.
    No more charismatic leadership because they are a huge liability.
    We have to stop thinking of leaders as having the right to do anything they want.
    The people are sovereign, thus leaders have to work as mandated.

  • hager Bahri June 3, 2015

    ዝኸበርኩም ኣሕዋት፡ ዝተፈላለየ ኣተሓሳስባ ምህላውና ከም ጸጋን ዕድልን ንውሰዶ። ጽባሕ ዝዕብልልን ድሌቱ ዝገብርን የለን። ተኸባቢርናን ተሓላሊናን ክነብር ጥራሕ ከም እንኽእክ ግን ምእማን ይርድሊ። መትከላዊ ኣተሓሳስባ ክኸውን ይግባእ። ከም ሓውና ኢብራሂም መሓመድ ኣስሚርሉ ዘሎ በብዘለናዮ ነብስና በዚ ሓሳብ ሃኒጽና ንኻልኦት ክንጸሉን ንውዳበታት ተበግሶታት ክንድርኻን ይግባእ።

  • hp June 3, 2015

    ኣንቱም ደቒ ሃገረይ!መሪሕ ዉድብ ኣይኮነን ዘድልየና ዘሎ።ንሕና ንሙኻኑ ኣብተን ኣለዋ ዚበሃላ ውድባት ኢንታይ ተራ ኣለና ምሕታት ኣገዳሲ ይመስለኒ።ዶ’ወላስ ሰባት ኢና ሙኻን ሲኢንና? ሎሚ-ከም’ዚ ሎሚ ከም ህዝቢ ጣቋ ኣለና ድዩ? ስምና ከም ህዝቢ ተበታቲና ኢና ዘለና።ሽም ዘይቡሉ ንህቢን ጨው ዘይብሉ ምግብን ኢኮ-ኢና።ብሓንሳብ ከምዘይ ቆረብቲ፡ብሓንቲ ማሕፉዳ ከምዝይ ጰለይቲ፡ኣብ ሓንቲ ሞሰብ ከምዘይ ተቓደስቲ ዘለናዮስ ኢንዲዒ።

    • Aida June 4, 2015

      what a joke? we do meeting,evrey week 30 yeares we only talk kkkkkkkk help nothing,be unity,,and be a man and go to the field to fight, to be freee from the Evil Isias Wedi Medhen Berade this is the only solution

POST A COMMENT