Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሰፊሕ ሕዝባዊ በዓል ንዝኽሪ መበል 56 ዓመት ባሕቲ መስከረም – ስቱትጋርት

ሰፊሕ ሕዝባዊ  በዓል ንዝኽሪ መበል 56 ዓመት ባሕቲ መስከረም 1961 ዓ.ም.ፈ   ንዝኽሪ መበል 56 ዓመት ባሕቲ መስከረም 1961 ዓ.ም.ፈ መጀመርታ ብረታዊ ቃልሲ ሕዝቢ ኤርትራ ንምብዓል ብሓልዮት ሕዝባዊ ምጥርናፍ ኤርትራውያን ስቱትጋርትን ከባቢኣን/ደለይቲ ፍትሒ ዝተዳለወ ሓጺር መግለጽን ብወናማት ስነ-ጥበባውያን

ሰፊሕ ሕዝባዊ  በዓል

ንዝኽሪ መበል 56 ዓመት ባሕቲ መስከረም 1961 ..

 

ንዝኽሪ መበል 56 ዓመት ባሕቲ መስከረም 1961 ዓ.ም.ፈ መጀመርታ ብረታዊ ቃልሲ ሕዝቢ ኤርትራ ንምብዓል ብሓልዮት ሕዝባዊ ምጥርናፍ ኤርትራውያን ስቱትጋርትን ከባቢኣን/ደለይቲ ፍትሒ ዝተዳለወ ሓጺር መግለጽን ብወናማት ስነ-ጥበባውያን ኤርትራ ብባህላዊ ደርፍን ሙዚቃን ዝተሰነየ፡ ሰፊሕ ሕዝባዊ በዓል ኣብ ከተማ ኮርንቨስትሃይም ከባቢ ስቱትጋርት፡-

 

ንዕለት 02.09.2017 ኣብ  *St. Martinus Saal*

        Johannes Str. 21, 70806 Kornwestheim

         ካብ ሰዓት 1400 . ጀሚሩ ክሳብ ፍርቂ ለይቲ

ዝኸይድ ንዂሉም ኤርትራውያን ዝእንግድ ተዳልዩ ስለዘሎ ብኽብሪ ንዕድም።

 

ብደሓን ምጹ !

ኣካያዲት ሽማግለ

ህዝባዊ ምጥርናፍ  ኤርትራውያን/ደለይቲ ፍትሒ

ስቱትጋርትን  ከባቢኣን

ጀርመን

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • Amba August 27, 2017

    እንታይ በልኩም ” … መበል 56 ዓመት ባሕቲ መስከረም 1961 ዓ.ም.ፈ መጀመርታ ብረታዊ ቃልሲ ሕዝቢ ኤርትራ ንምብዓል … “?

    ዋእ! ገለ ክንሰምዕ ኢና ጽንሕ ኢልና። ኣብ ዝሓለፈ ውሽጢ ሓምሳን ሹድሽተን ዓመት ኣብ ኤርትራ ፡ ተሓጒስና ብደስታ እነብዕሎ ዝኾነ ይኹን በዓል ኣይፈጠርናን። ናይዚ መርኣያ እዚ ኣብ ኤርትራ ተፈጢሩ ዘሎ ኵነታትን ፣ ብፍላጥ ይኹን ብግርህና ወይ ብዕሽነት ገድልናን ሰውራናን ዝፈጠሮ ኩሉ ሕስመን ሕፍረትን ዉርደትን ዓለም ኩሉ ዝፈልጦ ምስክር እዩ።
    ኣብዚ ኹሉ ናይ ውርደትን ሕሰምን ታኼላ ከመይ ጌርና ተሸሚምና? በየናይከ ንወጽእ ? እዩ፤ እቲ ሕቶ።

    እምበር ናይ ሓምሳን ሹድሽተን ዓመት ፡ መገዲ ሰንፈላልሲ ርኢናዮ ፤ ማእቶቱ ድማ ከንቱ እዩ። ከምቲ ብዙሓት ለባማት ዝበልዎ ፡ ናይዚ ጥፍኣት እዚ ቐንዲ ግዳያት ፡ እቶም ንጹሃት ተጋደልቲ እዮም።

POST A COMMENT