Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሰፊሕ ሪፖርተጅ ናይቲ ኣብ ከተማ ስቶኮሆልም እተኻየደ ኣኸባ ናይ ተቃወምቲ ፖለቲካዊ ውድባት ኤርትራ

                   ሰፊሕ ሪፖርተጅ ናይቲ ኣብ ከተማ ስቶኮሆልም                    እተኻየደ ኣኸባ ናይ ተቃወምቲ ፖለቲካዊ ውድባት ኤርትራ                                               ብፊንሃስ ያዕቆብ ኣብ ከተማ ስቶኮሆልም ንዝርከባ ተቃወምቲ ፖለቲካዊ ውድባት ኤርትራ ጥራሕ ዘተኮረ ብብጻይ

                   ሰፊሕ ሪፖርተጅ ናይቲ ኣብ ከተማ ስቶኮሆልም

                   እተኻየደ ኣኸባ ናይ ተቃወምቲ ፖለቲካዊ ውድባት ኤርትራ

                                              ብፊንሃስ ያዕቆብ

ኣብ ከተማ ስቶኮሆልም ንዝርከባ ተቃወምቲ ፖለቲካዊ ውድባት ኤርትራ ጥራሕ ዘተኮረ ብብጻይ ወልደሱስ ዓማር ምክትል ኣቦ መንበርን ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሓላፍን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝተመርሐ ኣኸባ ብዕለት 27 ጥቅምቲ 2013 ከም ዝተኻየደ ቅድሚ ሕጂ ተሓቢሩ ነይሩ።

ብወገነይ ዝርዝር ሪፖርተጅ ክህብ ኣድላይ ኮይኑ ስለ ዝተራእየኒ እንሆ እቲ ዝነበረ ውዕሎ ናይቲ ኣኸባ

እተን ኣብቲ ኣኸባ ዝተሳተፋ ፖለቲካዊ ተቃወምቲ ውድባት ኤርትራ ኣስማተን ብዝርዝር

  1. 1.    ፈደራላዊ ደሞክራስያዊ ምንቅስቃስ ኤርትራ
  2. 2.   ደሞክራስያዊ ውድብ ቀይሕ ባሕሪ ዓፋር                                            
  3. 3.   ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ
  4. 4.   ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ
  5. 5.   ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ
  6. 6.   እስላማዊ ሰልፊ ንልምዓትን ፍትሕን ኤርትራ
  7. 7.   ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ      

ኣቀዲሙ ኣቦ መንበር ናይ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ጨንፈር ስቶኮሆልም ብ/ሃይለ ትንሳኤው ንዝኽሪ እቶም ኣብ ባሕሪ ላምፐዱዛ ዝጠሓሉ መንእሰያት ኤርትራውያን ንምዝካር ንዝኽረ ስውኣት ንሓደ ደቂቅ ጠጠው ንበል ስለ ዝበለ ዝኽሪ ስውኣት ተገብረ ።

ብ/ ወልደሱስ ዓማር ቀጺሉ እንቋዕ ብድሓን መጻእኩም ኢሉ ሰላምትኡ ብምቅራብ መጀመርያ ኩላትና መታን ክንፋለጥ ስምናን ዝወከልናዮ ፖለቲካዊ ውድብናን ዘርዚርና ንሓብር ብምባል ስሙን ዝወከሎ ፖለቲካዊ ውድብን ሓላፍነቱን ሓበረ ከምኡ እውን ቀጺሎም ኩሎም ኣባላት ተቃወምቲ ፖለቲካዊ ውድባት ኣስማቶምን ዝወከልዎ ፖለቲካዊ ውድብን ዘርዚሮም ሓበሩ።

ብ/ወልደሱስ ዓማር ናብ ሽወደን ዘምጽኦ መኽንያት ክሕብር ከሎ ዓመታዊ ኣኸባ ናይ ኣህጉራውያን ገስገስቲ ሰልፍታት ምሕዝነት ክሳተፍ ከም ዝመጸ ሓቢሩ ኣብዚ ምሳኻትኩም ክንራኸብ ኣገዳስነቱ ርእዮም ዝወደቡ ብጾት መሰረታት

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ እዮም ብወገነይ እውን እቲ ብጾተይ ዘቅረብዎ ርእይቶ ተቀቢለ ምሳኹም ክራኸብ ፍቃደኛ ብምኻን እንሆ ጽቡቅ ኣጋጣሚ ኮይኑ ተራኺብና በለ ትማሊ ቀዳም ዕለት 26 ጥቅምቲ 2013 ሓፈሻዊ ናይ ኣባላትን ህዝብን ኣኸባ ከም ዘካየደን ኣብቲ ኣኸባ ድማ እዞም ሎሚ ኣብዚ ኣኸባ ንዛረበሎም ዛዕባ ኣብቲ ዝተኻየደ ሓፈሻዊ ኣኻባ ዘርዚሩ ከም ተዛረበሎም ገለጸ።

ብሰንኪ ስርዓት መንግስቲ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝብናን ሃገርናን ዝወርድ ዘሎ መከራ ህዝብና ንምድሓን ሓቢርና ክንቃለስ ድኹማት ጎንታትና ኣለሊና ድኽመትና ፈዊስና ሓቢርና ብምቅላስ ህዝብና ከነድሕን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኩላትና ተቃወምቲ ፖለቲካዊ ውድባት ንሓደ ሰሙን ኣኸባ ኣካይድና።  ኣስታት ካብ 20 ነጥብታት ዘይውሕዱ ድኹማት ጎንታትና ኢልና ዘቀመጥናዮም ነጥብታት ኣለዉ በብውድብኩም ኣቢሉ ዝርዝር ትሕዝቶ ናይቲ ኣኸባ ብጺሕኩም ክኸውን ተስፋ እገብር ኣብዚ ኣኸባና ዝርዝራት ናይቶም ድኹማት ነጥብታት ክሕብር ኣይኮንኩን ይኹን እምበር ኣቦ መንበራት ፖለቲካዊ ተቃወምቲ ውድባት ጸሚቆም ኣጻፊፎም ናብ 6 ነጥብታት ጠርኒፎሞ ከም ዘለዉ ክሕብር እፎቱ።

 

እዚ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተገብረ ኣኸባ ናይ ኩለን ፖለቲካዊ ተቃወምቲ ውድባት ኤርትራ ካብ ነፍሲ ወከፍ ውድብ ብሰለስተ ኣባላት ተወኪሉ ዝተኻየደ ኣኸባ ኮይኑ ን 2 መዓልቲ ናይ ኣቦ መንበራት ኣኸባ ክካየድ ከሎ ን 5 መዓልቲ ድማ ናይ ኩሎም ተሳተፍቲ ተወከልቲ ውድባት ናይ ሓባር ኣኸባ ከም ዝተኻየደን እቲ ኣኸባ ብጠቅላላ ን 7 መዓልቲ ከም ዝተኻየደ ገሊጹ።

ኣነ ኣብቶም እናካየድናዮም ዝመጻእና ዝተፈላለዩ ኣኸባታት ደምበ ተቃውሞ ንኣብነት ኣብ ናይ ኪዳን ኣኸባታትን ካልኦት ተመሳሰልቲ ኣኸባታት ብዙሕ ግዜ ኣብ ኣኸባታት ብኣካል ተሳቲፈ እየ እኹን እምበር ከምዚ ናይ ሎሚ ንሓደ ሰሙን ዘካይድናዮ ኣኸባ ተተባቢዔን ተስፋ ገይረን ዝወጻእኩሉ ኣኸባ ኣይነበረን እዚ ኣኸባ እዚ ሕጽረታት ደምበ ተቃውሞና ብግልጽነት ተመያይጡ ሕጽረታቱ ብሓባር ዘቀመጠን ነቶም ሕጽረታት ኣስተኻኺሉ እሩም ቃልሲ ከካይድ  ናይ ኣቦ መንበራት ኣኸባ ኩሉ ግዜ ወርሓዊ ክካየድ መደባት ሰሪዑ ዝወጸን ከምኡ እውን ናይቶም ካብ ነፍሲ ወከፍ ውድብ ብ3 ኣባላት ኣመራርሓ ዝተወከሉ ኩሉ ግዜ ኣብ ነፍስ ወከፍ 6 ወርሒ ኣኸባ ከካየድ ዝወሰነ ብምኻኑ    ግልጽነትን ምክብባርን ዝነበሮ ኣኸባ እዩ በለ።

ድሮ ኣብዚ ወርሒ እዚ ኣቦ መንበራት ኣኸባ ከምዘካየዱ ሓቢሩ ከምኡ እውን እቲ ኣኸባ ምስ ጎረባብትና ዘለዋ ሃገራት ሱዳንን ኢትዮጵያን ደምበ ተቃውሞና ዘለዎ ዝምድና ገምጊሙ ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ ንዓና ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝምልከት ሕጽረት ኣለዎም ኢልኩም ዝረኣኹሞ ነጥብታት ሓብሩና ንሕና እውን ሕጽረትና ከነስተኻኽል ኢሎም ስለ ዝተወከሱና እቲ ብወገና ዝረኤናዮ ሕጽረት ሓቢርናዮም ሓው ስምኦን በረኸት ነቲ ሚዛና ኣመልኪቱ ምሳና ተዘራሪቡ እዚ እውን ንቅድሚት ተስፋ ዘለዎ ምውኽኻስ ከም ዝኾነ ሓበረ።

ብርግጽ ኣብ ደምበ ተቃውሞና ኣብ ባይታ ተወዲቦም ዝቃለሱ ግንባራት ኣለዉ ኪዳን ኣሎ በቲ ሓደ ሸነኽ ድማ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ኣሎ እዚ ግንባራት እዚ ከምቲ ዘለዎ በቲ ተወዲቡሉ ዘሎ ኣገባብ ነጻነቱ ዓቂቡ ክቃለስ እዩ እዚ ሕጂ ተበጺሑ ዘሎ ናይ ሓባር መደብ ናይ ምውኽኻስን ምጽውዋርን ድኣ እምበር ከም ሳልሳይ ግንባር ኮይኑ ዝሰርሕ ኣይኮነን  ባይቶን/ፈጻሚ ኣካልን ከምኡ እውን ቻርተር የብሉን ናይ ምምኽኻር ፎርም እዩ በለ።

 

ወከልቲ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ቤት ጽሕፈት ምስ ዘለወን 12 ውድባት ብተናጸል ነዊሕ ሰዓታት ዝገበረ ኣኸባታት ከም ዘካየዱ ክሕብር ከሎ ምስ 11 ውድባት ኣብ ስምምዕ ከም ዝበጽሑ ሓቢሩ ምስ ኣቡሻክር ዝመርሖ ውድብ ኣልኢስላሕ ግና ኣጋጣሚ ኮይኑ ኣቡሻክር ብስራሕ መኽንያት ገሹ ስለ ዝነበረ ኣኸባ ከም ዘይኣካየዱ ሓቢሩ ገለ ካብቲ ምስተን ውድባት ዝበጽሕዎ ስምምዓት ክሕብር ከሎ ኩላትና ካብ ነንሓድሕድና ካብ ምጽልላም ጠጠው ክንብል፣ እምነትን ምክብባርን ከነዘውትር፣ ሓበረታ ክንለዋወጥ፣ ኩሉ ግዜ ንመዋእልና ተፈላሊና ጥራሕ ኣይኮናን ክነብር ብሓባር ሰሪሕና ኣብ ሓደ ንመጸሉ ኣገባብ ቃልሲ እውን ክንክተል ከም ዘለና ተመያይጥና ኢና በለ

ኣኸባ ዝዓደመ ውድብ መን እዩ ብዘየገድስ ኩሉ ተቃዋሚ ኣባል ናይ ነፍሲ ወከፍ ውድብ ነቲ ዕድመ ኣኽቢሩ ኣብቲ ኣኸባ ክሳተፍ ኣብ ስምምዕ ከም ዝበጽሑ ክገልጽ ከሎ ኣቦ መንበር ሰልፍና ምስ ነፍሲ ወከፍ ኣቦ መንበር ክወኻኸስ ክፉት ጥራሕ ዘይኮነስ ቀጻሊ ርኽክባት ክህሉ ጸገም ከም ዘየሎ ኢና ንርኢ በለ።

ኣብዚ ኣብ ሽወደን እውን ብሓንሳብ ሓቢርኩም ተኸባቢርኩም ብሓደ ስርሑ ሃገራዊ  በዓላት ኣብ ምብዓል ሰላማዊ ሰልፍታት ኣብ ምግባር ብሓደ ተጠርኒፍኩም ንህግደፍ መክትዎ ሎሚ ኣነ መጺኤ ኣኸባ ኣካይደ ኣለኹ ንኣብነት ጽባሕ ምናልባት ሓው ተወልደ መጺኡ ኣኸባ ይገብር ከምኡ እውን ካልኦት ኩልኻትኩም ድማ ኣብቲ ዝካየድ ኣኸባ ክትሳተፉ ይግባእ ክብል ለበዋ ሃበ።

ኣብዚ ዘለናዮ እዋን ንኩላትና ዘጋጥመና ዘሎ ጸገም ውድባት እንታይ ክዓብሳ እየን ድምጸን ኣይተስምዑና ኣብ ኣኸባታተን ኣይትኺዱወን እናበለ ውድባት ኣድላይነት ከም ዘይብለን ገይሩ ዘቆናጽብ ዘይሃናጺ ዒግታ ኣሎ

ስለዚ እዚ ውድባት መጻወቲ ናይ ዘይተወደቡ ሓይልታት ኮይኑ ስለ ዘሎ ድኽመታትና ንፈውስ ሰጢምና ብሓባር ንስራሕ ምናልባት ዘይበርሁ እንተልዮም ክሕተቱን ክንመያየጠሎምን ኣብ ሕቶታት ንእቶ ክብል መግለጺኡ ዛዘመ።

 

ቀጺሉ ብ/ረዘነ ተስፋጽዮን ኣባል ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ናይ ሕብረተሰብኣዊ ጉዳይ ሓላፊ ቅድሚ ኣብ ናይ ሕቶ መደብ ምእታውና ኣቀዲመ ዕድመና ኣኽቢርኩም ኣብዚ ኣኸባ ምምጻእኩም ሕጉሳት ምኻና ክሕብር እፎቱ ብርግጽ ካብ ዘይንራኸብ ነዊሕ እዋን ኮይኑ እዩ ይኹን እበር ሎሚ ዘካየድናዮ ዕዉት ኣኸባ መልእኽትና ከነመሓላልፍ ክኢልና ኢና ኣብዚ ኣብ ሽወደን ሓቢርና ክንቃለስ ሽግር ኣይኮነን ምኽንያቱ ሓቢርና ንሰርሓሉ ንኹላትና ዝሓቁፍ ማሕበር SESADU ስለ ዘሎ ጸገም የብልናን። ሎሚ ምሳና ብጾት ኣባላት ውድብ ቀይሕ ባሕሪ ዓፋር ኣለዉ

ኣብዚ እዋናት እዚ ገለ ካብ መራሕቶም ከይተረፈ ኣብ ሽወደን ምህላዎም ንኽንከዶ ዝጸናሕና መስርሕ ምትሕብባርና ክከታተልዎን ሓቢሮም ምሳና ከማዕብልዎን ትጽቢት ትገብረሉ እዩ ስለዚ ኩላትና ብሓባር ወርሓዊ ኣኸባታት ብምክያድ ሓቢርና ንቃለስ በለ እሞ መድረኽ ሕቶን ርእይቶን ተኸፍተ።

ሓታቲ ብ/ኢድሪስ ኑር  ሓላፊ ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈት ሰልፊ ናህዳ ኤርትራን ምክትል ኣቦ መንበር ዞባ ኤውሮጳ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢን እዩ

እቲ ዝምድናታት ብሓባር ንምስራሕ ብደረጃ ኪዳንን ባይቶን ተፈቲኑ ገና ድማ መሊኡ ኣይተዓወተን ዘሎ ብኡ መንጽር

እቶም ብሓደ ከስርሑና ዘይክእሉ ዘለዉ ጸገማት ጨቢጥናዮም ዲና ? ኪዳን ብሓደ ወገን በቲ ካልእ ሸነኽ ድማ ባይቶ ኣለዉ እዚ ሕጂ ተኣኻኺቡ ብሓባር ክሰርሕ ዝብገስ ዘሎ ውድባት ከም ሳልሳይ ግንባር ድዩ ክጽዋዕ? ፈጻሚ ኣካል ዘይብሉ ከመይ ገይሩ በየናይ ኣገባብ እዩኸ ክሰርሕ ? ናይ መንእሰያት ሓይሊ ብርቱዕ ናህሪ ደሊቡ ንቃልሲ ተበጊሱ ኣሎ ንእኡ ገዲፍካ ክኽየድ ስለ ዘይከኣል ኣብዚ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘካየድኩሞ ኣኸባ ግምት ተዋሂብዎዶ ?

 

ብብ/ወልደሱስ ዓማር ዝተዋህበ መልሲ

ኪዳን ይኹን ባይቶ ከከም ዘለዉዎ መደብ ዕዮታቶም ዓቂቦም ክቃለሱ እዮም

እዚ ሕጂ ብሓባር ኣኸባታት ዘካይድ ዘሎ ውድባት ደምበ ተቃውሞና ንዘለዎ

ድኽመታት ክፍውስ ናይ ሓባር ተረድኦ ፈጢሩ ብምክብባር ክቃለስ

ናይ ምውኽኻስ ፎርም እዩ ፈጻሚ ይኹን ባይቶ የብሉን

ብዛዕባ ጉዳይ መንእሰያት ዝምልከት እቲ ኣኸባ ተዛሪቡሉ እዩ ዝሳተፍሉ ኣገባብ

ከጽንዕ መሪሕነት ክዛተየሉ ብመደብ ተታሒዙ ኣሎ

                        ሓታቲ ተስፋማርያም መስፍን /ወዲ መስፍን/

ኣባል ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ/.ደግሓኤ/ እዩ

ንስኹም ከም ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ መጠን ኣብቲ ደምበ ተቃውሞ

ሓቢሩ ክሰርሕ መስሪትዎ ዘሎ ግንባራት ማለት ኣብ ኪዳን የለኹምን

ኣብቲ ዋዕላ ብኪዳን ዝተገብረ ኣይነበርኩምን ኣብ ጉባኤ ኣዋሳ እውን

ኣይነበርኩምን ኣብዚ ባይቶ እውን የለኹምን ምስዚ ሓይልታት እዚ

ብሓደ ከስርሓኩም ዘይከኣለ ምኽንያት እንታይ እዩ ?

ሕጂኸ ምስ ባይቶ ዘለኩም ዝምድና ከመይ ይመስል?

ብብ/ወልደሱስ ዓማር ዝተዋህበ መልሲ

ፍልልያትና ኣጻቢብና ብሓባር ክንቃለስ ዘይምኽኣልና ከቢድ ሕቶ እዩ እዚ ሕቶ እዚ ሓደ ካብቶም ሕጽረታት ደምበ ተቃውሞ ኢልና ዝረኤናዮ ኮይኑ ብኡ መንጽር ድማ ኣቦ መንበራት ነዚ ሕቶ እዚ ፍታሕ ንምርካብ ይቃለስሉ ኣለዉ

ስለ ምንታይ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ኪዳን ወጺእኩም ንዝብል ሕቶ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ብዙሕ ተዘሪቡሉ ስለ ዝኾነ ሕጂ ምስ እዚ ናይ ግዜ ዘለና ሕጽረት ዘይጠዓዓም ከይከውን ንመረዳእታ ጥራሕ ኣሕጽር ኣቢለ ጠቂሰዮ ክሓልፍ ቅድሚ ዋዕላ ካብ 2009 ጀሚሩ ምስ ብኪዳን ኣብ እተገብረ ኣኸባታት መፍትሒ ዘይተገብረሎም ዓበይቲ

ፍልልያት ተራእዮም ነይሮም ካብኣቶም እዞም ዝስዕቡ ይርከብዎም ነይሮም

  1. ንሕና 9 ብሄራት ኢና ብኸምኡ ንመቓራሕ ዝብል ርእይቶን፣

ንሕና ክልተ ህዝቢ ኢና ኣስላምን ክርስትያንን ዝብል ሓሳብን፣

ብሳልሳይ ሸነኽ ከኣ ኣይፋልናን ንሕና ሓደ ህዝቢ ኢና ግን ከኣ

ከነመሓድሮ ዘለና ናይ ሃይማኖት፣ብሄር፣ቋንቋ ብዙሕነት ኣሎ ዝብል ርእይቶታት መዕለቢ

ከይተገብረሉ ተሓሊፉ

  1. ከምኡ እውን ተሳታፍነት ህዝቢ ኣብ ዋዕላ ከመይ ይኹን ቅጥዒ ኣሰላልፋ ንሰማምዓሉ
  2. ንኪዳንከ ድሕሪ ዋዕላ እንታይ ክንገብሮ ኢና ዝብል ሕቶታት ከይተመለሸ

ኣብ ዋዕላ ኣይንእቶ ሃታሃታ ኣየርብሕን እዝን ንዕኡ ዝመስል ጸገማትን ፍልልያት ፈጢሩ

በዚ መኽንያት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ካብቲ ጉዕዞ ክእለ ተገዲዱ

ብዛዕባ ምስ ባይቶ ዘለና ምቅርራባት ክልተና  ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጥን ተራኺብና ተዘራሪብና ኣለና ሕጂ ኣብ ጉባኤ ባይቶ ተረኸቡ ንዝብል ሕቶ ህዉኽ መልሲ ዘድልዮ ኣይኮነን

ዘይተመለሱ ሕቶታት ከም ቀደሞም ኣለዉ ዓሚቕ ዘተ ከነካይድ ርኢና እቲ ጉዳይ ኣብ መስርሕ ከም ዘሎ ሓቢሩ።

ሓታቲ ብ/መሓመድ መሪር እዩ  ኣባል ፈደራላዊ ደሞክራስያዊ ምንቅስቃስ ኤርትራ እዩ

ካብ ቋንቋ ዓረብ ናብ ቋንቋ ትግርኛ ዝትርጉም ዝነበረ መንእሰይ እዩ

ቅድሚ ሕቶ ምቅራቡ ንSESADU ኣመልኪቱ ኩላትና ኣብ ትሕቲ SESADU ተጠርኒፍና ንቃለስ ዝብል ናይቲ ገዛ ርእይቶ ማእከል ገይሩ ርእይቶኡ ክሕብር ከሎ SESADU ከም ናይ ሓባር መቃለሲ ጽላል መጠን ኣወንታዊ ኣበርክቶ ኣለዎ ንፖለቲካዊ ተቃወምቲ ውድባትን ንሲቪካዊ በርገሳዊ ማሕበራትን ብኣባልነት ዝሓቆፈ ናይ ሓባር ጽላል ኮይኑ ኣኸባታት ክግበር ሰላማዊ ሰልፊ ንምግባርን ብዓላት ንምብዓል መደባቱ ከዓውት ናብ ኩላቶም ኣባላት እቲ ጽላል ዕድመ ይግበር እሞ ኣባላት ኣይመጹን እዚ ሽግር እዚ ገና ዘይተፈትሔ ዘሎ ጸገም ናይ SESADU እዩ እንተ በልኩ ኣይተጋገኹን

ሓው ፍስሃጽዮን ናይር ንመደባት SESADU ንምዕዋት ንመቃለሲ መተኣሳሰሪ ገመድ ሓድነትና ዓቂቡ ዓቅሙ ጸንቂቁ ዝቃለስ ዘሎ ብጻይ ብምኻኑ እናመስገንኩ ኩሎም ኣባላት ፖለቲካዊ ውድባት ኣብ መደባት SESADU ክሳተፉ እላቦ

ሕቶይ  ኣብ ወተሃደራዊ ሜዳይ ኣመልኪተ ክሓትት

ኣብ ባይታ ዘሎ ናይ ህዝቢ ሕቶ ሓደ ዝሰመረ ወተሃደራዊ ክንፊ ክህሉ እናተሓተተን እተን ወተሃደራዊ ክንፍታት ዘለወን ውድባት እንታይ ይገብራ ኣለዋ ዝብል ሕቶ እዩ ህዝቢ ዝሓትት ዘሎ ኣብዚ ሕቶዚ ኣመልኪትካ እንታይ ትብል ?

ብብ/ወልደሱስ ዓማር ዝተዋህበ መልሲ

እዚ ሕቶ እዚ እቶም ወተሃደራዊ ክንፊ ዘለዎም ውድባት ኣብ ባይታ ንዘጋጥሞም ዘሎ ጸገም ብግልጽነት ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ሓቲቶሞም እዮም ወተሃደራዊ ምንቅስቃስ ከይንገብር ከልኪልኩምና ኢሎም ተዛሪቦሞም እዮም

ዝተዋህቦም መልሲ ድማ ኣብቲ ሰራዊትና ኣብ ዶብ ዝርከቦ ቦታ ኣብ ጥቃና ወተሃደራዊ ረጽሚ ከተካይዱ ብኣህጉራዊ ሕግታት ጸገም ኣለዎ ኣይነፍቅደልኩምን ኢና ካባና ርሒቅኩም ድላይኩም ክትገብሩ ትኸሉ ኢኹም ኢለሞም ክብል መሊሱ።

 

 

 

 

ሓታቲ ብ/ፊንሃስ ያዕቆብ እዩ

ኣባል ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ /ደግሓኤ/ እዩ

ከምቲ ዝገለጽካዮ ኣብ ደምበ ተቃውሞና ሕቶ ብሄር ኣልዒሎም ካብ ብሄራዊ ወጽዓ ክናገፉ ብብሄር ተወዲቦም ዝቃለሱ ብሄራውያን ውድባት ኣለዉ በቲ ሐደ ሜዳይ እውን ብሃይማኖታዊ እምነትና ማእሰርትን ግፍዕን ወሪዱና ኢሎም  ካብ ሃይማኖታዊ ወጽዓ ክናገፉ ብሃይማኖት ተወዲቦም ዝቃለሱ ሓይልታት ኣለዉ

በቲ ሓደ ገጽ ድማ ነዚ ክልተ መልክዕ ውደባ ዝቃወሙ ውድባት ኣለዉ

ደምበ ተቃውሞና ንሕቶ ብሄርን ሃይማኖታዊ ውድባን ዘልዓሉ ውድባት ኣብቲ ኣልዒሎሞ ዘለዉ ሕቶ ሃይማኖትን ብሄርን ናይ ሓባር ኣረኣእያ ኣብ ዘይጨበጠሉ እዋን ምናላባት ስርዓት ህግደፍ ሃንደበት ኣብ ዝወድቀሉ እዋን መጻኢ ዕድል ዝህብናን ሀገርናን ካብ ጎንጽን ኵናት ሕድሕድን ድሒኑ ፍልልያቱ ኣልዩ ሓድነቱ ዓቂቡ ብሰላም ክነብር ምሉእ ዘተኣማምን ባይታ ተፈጢሩ ኣሎዶ ትብል ወይስ ጸገማት ከጋጥመና እዩ ኢልካ ትርኢ ?

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ምስ ዝተፈላለያ ውድባት ካዕባዊ ናይ ዘተ ርክብ ዘካየድኩሞብወገንኩም ከም ሰልፊ ህዝቢ ዘቅረብኩሞ ርእይቶ መዋእልና ተፈላሊና ጥራሕ ኣይኮናን ክነብር ፍልልያትና ኣጻቢብና ኣብ ሓደ ውድብ ዘይንመጸሉ መኽንያት የለን ዝብል ንሓድነት ማእከል ዝገበረ ልዝብ ከም ዘካየድኩም ሓቢርካ እዚ ክተባባዕ ዘለዎ ኣወንታዊ ርእይቶ ኮይኑ እቲ ሓድነት ክጭበጥ እቶም ሓድነት ዝገበሩ ውድባት ካብቲ ዝገበርዎ ሓድነት ክርብሑ እቲ ዝተጨበጠ ሓድነት ድማ ንኻልኦት ሓይልታት ኣብነት ክኸውን ካብ ዝብል ርድኢት ተበጊሰ እየ ዝሓትት ዘለኹ።

ንስኻ ኣቦ መንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዝነበርካሉ ግዜ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ምስ ዝተፈላለያ ውድባት ናይ ምትሕንፋጽ ሓድነት ኣዓዊቱ እዩ እዚ ድማ ኣብ ሕቶ ሓድነት ገዚፍ ኣበርክቶ እዩ ይኹን እምበር እቲ ዝተገብረ ሓድነት ንሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ሓያል ኣድማዒ ጸላዊ መቃለሲ ውድብ ኮይኑ ከቃልስ ትጽቢት እና ተገብረሉ ከሎ እቲ ሓድነት ተኾሊፉ ጸገማት ኣጋጢምዎ ንሓደጋ ጠቃሊዑ ብርግጽ ሰልፊ ህዝቢ ኤርትራ ምሁራትን ምኩራት ካድራትን ዘለዎ ውድብ ክነሱ ነቲ ተቃሊሱ ዘዓወቶ ሓድነት ንዘጋጠምዎ ፍልልያት ብምሁራዊ ዓቅሙን ምኩራት ካድራቱን ገይሩ ነቲ ዘጋጠመ ጸገም ፈቲሑ ነቲ ሓድነት ዓቂቡ ከቃልሶ ዘይበቅዓሉ መኽንያት ስለ ምንታይ እዩ ?

ብብ/ወልደሱስ ዓማር ዝተዋህበ መልሲ

ንሕና ንሃገርና ከነመሓድራ እንተዘይ በቂዕና እዛ ሎሚ ነጻ ዘላ ኤርትራ ሃገርና ንሓደጋ ክትሳጣሕ ክትበታተን ትኽእል እያ መንገዲ ሶማል ከጋጥመና ይኽእል እዩ ጸገማትና እና ኣለና ሓድነትና እና ዓቀብና ክንቃለስ እዩ እቲ ውሕስነት መጻኢ ዕድልና፣ እዛ ዘቅረብካያ ካልኣይቲ ሕቶ ንዓይ ጥራይ ኣይኮነትን ትምልከት ንዓኻን ንኹላትናን ትምልከት ሕቶ እያ ሓንቲ ካብተን ጸገማት ደምበ ተቃውሞና ኮይና ፍታሕ ንምርካብ ብኣቦ መንበራት ተታሒዛ ዘላ ነጥቢ እያ።

 ርእይቶ  ብ/መሓመድ መዓር ኣባል ፈጻሚት ሽማገለ ደሞክራስያዊ ውድብ ቀይሕ ባሕሪ ዓፋር እዩ ከምኡ እውን ኣባል መሪሕነት ሰክረታርያ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ እዩ ነቲ ኣኸባ ኣመልኪቱ ርእይትኡ ክገልጽ ከሎ

እዚ ኣኸባ እዚ ኣገዳሲ ኣኸባ ኮይኑ ሓደ ስጉምቲ ንቅድሚት እዩ በበይንኻ ምቅላስ ውጽኢት ኣይተረኸበሉንኩሉ ውድባት ብሓባር ተኸባቢሩ ብኸመይ ይሰርሕ ኢልና ሓቢርና ንሰርሓሉ መንገዲ ምውዳብ ኣዝዩ ጽቡቅ እዩህዝብን ሃገርን ንምድሓን ሓቢርና ብምስራሕ ነዚ ስርዓት ንምልዋጥ ሓላፍነት እንስከመሉ መድረኽ እዩእዚ ዘጋጠመ ሞት መንእሰያትና ሓደ ካብቲ ከቢድ ሓላፍነት ዘሰክመና ኮይኑ SESADUንኹላትና ሓቚፉ ዘቃልሰና ጽላል ካብ ኮነ ኣብዚ ኣብ ሽወደን ማሕበረ ኮም ዓፋር ኣሎ ስለዚ ንሕና እውን ኣብቲ ናይ SESADU ናይ ሓባር ናይ መቃለሲ ጽላል ተጸንቢርና ኣንጻር እዚ ስርዓት ክንቃለስ ድሉዋት ኢና በለ።

ርእይቶ ብ/ዓብደልርሒም ኣረይ ኣባል ፈደራላዊ ደሞክራስያዊ ምንቅስቃስ ኤርትራ እዩኩላትና ኣብዚ ተረኺብና ነዚ ኣገዳሲ ኣኸባ እዚ ክንገብር ባይታ ምፍጣርኩም ከመስግን እፎቱ ንሕና ከም ተቃወምቲ ሽግርና ግልጽነት ዘይምህላዉና እዩ ግልጽነትን ምክብባርን ዝማእከሉ ቃልሲ ከነካይድ ይግባእ ካልኣይ እውን ሽግራትና ንምፍታሕ ቀዳማይን ካልኣይን ቦታ ኣብ ምትሓዞም ንጹር ቃልሲ ከነካይድ ይግባእ በለ

ርእይቶ ብ/ዑስማ ኣቡ ዓፋን ኣባል ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ እዩ

ብዛዕባ እቲ ኣብ SESADU ዘሎ ናይ ተሳትፎ ሕጽረት ኣመልኪቱ ኣብ ዝተዋህበ ርእይቶ ክገልጽ ከሎ

ንሕና ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ኣብ ኣኸባታት ናይ SESADU ኣብኵርና ኣይንፈልጥን ኢና ናይ ኣባልነት ክፍሊትና እውን ዘማላእና ኢና ስለዚ ብወገና ሕጽረት የብልናን በሃልቲ ኢና ኣብዚ ኣኸባና SESADU ናይ ሓባር ጽላልና ስለ ዝኾነ ብኡ ተማእኪልና ንቃለስ ይበሃል ኣሎ ብወገነይ ንሕና ፖለቲካዊ ውድባት ኢና ኣኸባታትና ወርሓዊ ክካየድ ንብል ካብ ሃሎና ኣብ ትሕቲ መደባት ናይ SESADU ክንምእከል ቅኑዕ ኣይመስለንን ምኽንያቱ ሰሳዱ ናይ ሲቪካዊ ማሕበራትን ፖለቲካዊ ውድባትን ናይ ሓባር ጽላል ስለ ዝኾነ ንሕና ከም ፖለቲካዊ ውድባት መጠን ኣኸባታትና ዝተፈለ ክኸውን ቅኑዕ እመስለኒ በለ።

ርእይቶ ብ/ስዒድ- ኣባል ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ እዩ

ብጻይ ወልደሱስ ዓማር እንቋዕ ብደሓን መጻእካ ድሕሪ ነዊሕ እዋን ምርኻብና ጽቡቅ ኣጋጣሚ እዩ  ድሕሪ ምባል

ቀጺሉ እዚ ሞት መንእሰያትናን ኩነታት ሃገርናን ንርእዮ ኣለና ሎሚ ሓቢርና ክንሰርሕ ካብ ማንም እዋን ንላዕሊ ብሓላፍነት እንሕተተሉ መድረኽ እዩ ስለዚ ብወገነይ ብሓባር ምስራሕና ኣገዳሲ እየ ዝብሎ ንሕና ለውጢ ከነምጽእ እንተኾና ቅድሚ ኩሉ ኣተሓሳስባና ክልወጥ ኣለዎ ዝብል እምነት ኣለኒ ክብል ርእይትኡ ገለጸ።

ለበዋ/  ብ/መድሃንየ ንርኣዮ ኣባል ሰልፊ ህዝቢ ኤርትራ እዩ

መራሕቲ ተቃወምቲ ውድባትና ህዝብን ሃገርን ንምድሓን ኣብ ክንዲ ቀዳምነት ሂቦም ዝቃለሱ ንውልቃዊ ፖለቲካዊ  ስልጣኖም ቀዳምነት ብምሃብ ንደምበ ተቃውምና ኣዳኺሞሞ ኣለዉ።

ስርዓት ህግደፍ ኣብ ድኽመት ደምበ ተቃውሞና ተንጠልጢሉ ንውድቀት ተሳጢሑ ትልኽ እናበለ ንህዝብናን ሃገርናን ለኪሙ ክጠፍእ ንሓደጋን ምብትታንን ተሳጢሑ ኣሎ, ናይ ሃገር ስልጣን ናይ መራሕቲ ውድባት ሓላፍነት ኣይኮነን  ስልጣን ዝህብን ዝኸልእን ህዝቢ እዩ ስለዚ መራሕቲ ውድባትና ንህዝብናን ሃገርናን ካብ ናይ ምብትታን ሓደጋ ንምድሓን ቀዳምነት ሂቦም ሓድነቶም ዓቂቦም ክቃለሱ እላቦ ክብል ለበዋኡ ኣቅሪቡ።

 

ብብጻይ ወልደሱስ ዓማር ዝተመርሔ ኣብ ስቶኮሆልም ዝተገብረ ናይ ተቃወምቲ ፖለቲካዊ  ውድባት ኤርትራ ኣኸባ

ንሕቶታት ብግቡእ ዝመለሰን ርእይቶን ለበዋን ተቀቢሉ ዕዉት ኣኸባ ብምክያድ ተዛዚሙ

ህዝብናን ሃገርናን ካብ ናይ ምብትታን ሓደጋ ንምድሓን ንቃለስ

ሓድነት ሓይሊ እዩ

ፊንሃስ ያዕቆብ

ኣባል ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ /ደግሓኤ/

ሽወደን

aseye.asena@gmail.com

Review overview
4 COMMENTS
  • Tecle November 15, 2013

    What is the intetion of Ato Rezene Tesfazion & Co.
    It is known that Rezene was on the PFDJ side until Mesfin Hagos left Eritrea. Soon after we heard that EPLF-DP founded by former EPLF leaders Mesfin, Adhanom. After a while they split in to two (and they split their members in to two on regional sector). The process continued and one splinter group left EPLF-DP and tried to join EPM (led by Adhanom) the chain reaction continued and one splinter group left (this time by Ato Mussie Efrem) and latetly it was time for such an entertainment and one splinter goup left this time EPDP (led by Ato Yosief Meles). When asked all the splinter group answer because they had ideological difference (mostly with Ato Mesfin) without telling the differences. What was in common with them is that
    I. they what to identify with EPLF (an organization no more exist as it was toppled by PFDJ) therefore they don’t want fundamental change but a minor change withen the PFDJ
    II. they support peaceful struggle that means they oppose any form of armed opposition against PFDJ
    III. they didn’t support conducting a struggle from Ethiopia.
    Based on the above mentioned precondition they want to convince people that they are nationalists and not the rest of the opposition, but Mr. Rezene Tesfazion visited Addis Ababa (in a secrete visit) and med with Etiopian officalas. After he came back to Sweden he continues with his secretive agenda and called to a meeting (only memebers of the opposition) and tried to create a new front outside the Eritrean bayto. So Do you thing Ato Rezene is for a national coalition and get rid of PFDJ? I don’t thing so. Do you thing the successive split withen EPLF-DP and later EPDP is a genuine ? I don’t think so as all groups of the spliter group cooperates partly to frustrate the Eritrean opposition and partly by weakning bayto to keep it under their control. Mind you how can Rezene Tesfazion support SESADU (led by a group of Weizero Meheret, Ato Nair, John Shuk the one who was responsible to collect mony during meeting of bayto, during Stockholm conference of young Eritreans and lately during ceremony for those who lost their lives in Lampeduza where 380000 was collected. This guys never told the people whey they have done with the money yet) So Mr. Rezene tesfazion who oppose bayto but support SESADU? You leaders of opposition groups don’t you a gut to ask Rezene when he said that he supported the umbrella organization SESASE!? Does he want to substitute bayto with SESADU? By the way who gave you responsibility to talk in the name of Eritreans?
    Rezene you need to clarify your self
    Nair and John Shuk need to let an independent audit so that all the money collected in the name of Eritreans shall be used for such purpose.
    Representative of Al Nahda too need to clarify yourself when you support the new alliance you want to create out side bayto whould you dare to tell your real intention!?
    We have to stop saying we didn’t know. We know what is going on in the name of us and we need to stop it now!
    May God bless our people and our country

    • Paradiso November 15, 2013

      Tecle wrote,
      “he continues with his secretive agenda and called to a meeting (only memebers of the opposition) and tried to create a new front outside the Eritrean bayto.”

      Bayto Hawasa was long dead before it started to walk. Bayto Hawasa was dead on arrival. Isn’t it Bayto Hawasa that spent two full days to discuss on how to condemn the poor Kunama organization?

  • Tesfa'yu sinqey November 15, 2013

    anta entay eyom eziom?

    kief zeyblom mirayom xegem. bejakhum eziom teQawemti ilkum keitesmuuni. sheqaTo enteKhoynom Dubai kimelalesu alewom

  • Tecle November 18, 2013

    ኣቶ ረዘነ፣ እቲ ጸገም ኣብ ባይቶ ኮይኖም ከዕነውዩ ምስ ዝጸንሑ ማለት ምስ ሓደ ጎኑኹምን ብታክቲካ ካባኹም ምስዝተፈልየን ኣድሓኖምን ኣባል ተዳሞ ዝኾነ ኣቶ ናይርን ካብቶም ቀንዲ ምንቅስቓስ ኩናማ ክድስክል ኣለዎ ዝበሉ ምስራሕካ ብኸመይ ድኣካ ከም ነጹህ ክትቀርብ ትሙኩርለ ሓቁ ድኣ ኣቶ ረዘነ ተስፋጽዮን

POST A COMMENT