Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ስለ ዝተጠርነፈትና; ንጽላል ከነመስግና

                                        Tesfamariam Wel. 13/04/2015 Norway   ጽላል ነቒላ ክትሓቁፍ ንኹሉ ንኹሉ ማዕረ ሻርነት ዘይብሉ ቅኑዕ ዕላማዩ ንዘስተውዓሃለሉ ንጹር መርገጺኣ እንከን ዘይብሉ   ኣብ ኖርወይ እንርከብ ደቅሃገር ኣኸባ

                                        Tesfamariam Wel.

13/04/2015

Norway

 

ጽላል ነቒላ ክትሓቁፍ ንኹሉ

ንኹሉ ማዕረ ሻርነት ዘይብሉ

ቅኑዕ ዕላማዩ ንዘስተውዓሃለሉ

ንጹር መርገጺኣ እንከን ዘይብሉ

 

ኣብ ኖርወይ እንርከብ ደቅሃገር

ኣኸባ ተጸውዐ  ኣብ ስታቫንገር

ሓቢርና ክንሰርሕ ምእንተ ሃገር

ዋና ቤት ጽሕፈታ ኣብ ስታቫንገር

 

ኩሉ ንጽላል ኣማእኪሉ ክውደብ

ካብ በበይንኻ ተፈላሊኻ ዘብዘብ

ንህልኽ ዘይኮነስ ብቕንዕና ንሕሰብ

ብዓይኒ ሓቂ ሪኢኻ ሓሲብካ ምልዛብ

 

ኩልና ሓደ እንኮሎ ጉዕዞ ዕላማና

ጸላእቲ ኣይነስሉኽ ኣብ ውሽጥና

ብውሻጠ ኣትዮም ከየዳናጉሩና

ኣለና ምሳኹም ናሉ ከይፈላልዩና

 

ምእንተዚዩ ኸኣ ክንጥርነፍ ንደሊ

ህልኽ ንግደፎ ኣብ ስደት ከይንበሊ

ፈታዊናን ጸላኢናን ሓቢርና ነለሊ

ንዝነፍዐ ኣይነጥቅዕ ንክሰርሕ ዝደሊ

 

ኣብ ብዙሕ ሃገራት ጽላል ተመስሪታ

እንሆ ትጽበየና ኣርሕቡ ማዕጾኣ ከፊታ

ኣለኹልኪ ንበላ ንካፈል ንኹና ብጾታ

ብዘይካ ጥርናፈ ካልእ የለን መተካእታ

 

ኩቡራት ደቅዓደይ ኣይንጋገ ኣይንዓሹ

መንገድና ነለሊ ጸላእትና ከይሕጎሱ

ብስብከት ህግደፍ ተነፊሖም ዝጠነሱ

ምዕባሌና ሪኦም  ከብዶም ክሕመሱ

 

ጽላል ኤርትራውያን ኣብ ኖርወይ ዘላ

ምእንተ ሃገራ ላዕልን ታሕትን ትብላላ

ብህዝባ ተኣማሚና ብረቂቕ ኣስተውዒላ

ብዘይ ንሕሲያ ኣንጻር ህግደፍ ተላዒላ

 

ኣብ እገሪ ትካላ ጌና ከይሰወተት

ድሎ ብድሎ ትኣምር ዝሰርሐት

ብቆራጽነት ንህግደፍ ዘርዓደት

ኣይፋል ኢላ ፈስቲቫሎም ዘዕጸወት

 

ማዕጾ ኩፉትዩ ክቃለስ ንዝደሊ

ጠመትኣ ማዕረ ዘይብሉ ዓብላሊ

መርሓባ ባሃሊት ብሃገሩ ንዝሓሊ

ንሕጹብ ማዓንጣ ዘይ ተውላወሊ

 

ኤረና ኩሑሎ ሎም ዘመን ሓዲኡሎ

 

 

 

 

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT