Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ስምረት መንእሰያት ኤርትራ ንድሕነት ሃገርን (EYSNS) ሰራዊት ሕድርን ኣብ ሃገረ እስራኤል ዝካየድ ዘሎ ታሪኻዊ ሰላማዊ ሰልፊ መሪሕ ተራ ይጻወቱ ኣለዉ

ስምረት መንእሰያት ኤርትራ ንድሕነት ሃገርን (EYSNS) ሰራዊት ሕድርን ኣብ ሃገረ እስራኤል ዝካየድ ዘሎ ታሪኻዊ ሰላማዊ ሰልፊ መሪሕ ተራ ይጻወቱ ኣለዉ ኣብ ሃገረ እስራኤል ኤርትራውያን ዜጋታትን ካልኦት ኣፍሪቃውያን ኣሕዋትናን ኣጋጢምዎም ዘሎ ናይ መሰልን ህላዌን ሕቶ መፍትሒ ንኽረኽብሉ

ስምረት መንእሰያት ኤርትራ ንድሕነት ሃገርን (EYSNS) ሰራዊት ሕድርን

ኣብ ሃገረ እስራኤል ዝካየድ ዘሎ ታሪኻዊ ሰላማዊ ሰልፊ መሪሕ ተራ ይጻወቱ ኣለዉ

ኣብ ሃገረ እስራኤል ኤርትራውያን ዜጋታትን ካልኦት ኣፍሪቃውያን ኣሕዋትናን ኣጋጢምዎም ዘሎ ናይ መሰልን ህላዌን ሕቶ መፍትሒ ንኽረኽብሉ ኣብዚ ሰሙን እዚ ስምረት መንእሰያት ኤርትራ ንድሕነት ሃገርን ሰራዊት ሕድርን ምስ ካብ ህዝቢ ዝተዋጽኡ ሓሙሽተ ሰባትን ሓሙሽተ ሱዳናውያንን ሓሙሽተ እስራኤላውያንን ኮሚቴ ብሙቋም ሰፊሕ ሰለማዊ ሰልፊ የካይዱ ኣለዉ። እዚ ሰብኣዊ መሰላት ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ክኽበር ዝጠልብ ሰላማዊ ሰልፊ: ኣብ ታሪኽ እስራኤል ዝዓበየ ኮይኑ ክሳብ 30,000 ዝኣክል ህዝቢ መዓልታዊ ይሳተፎ ኣሎ። እዚ ብስነ ስርዓቱ ኣዝዩ ኣድናቖት ረኺቡ ዘሎ ሰለማዊ ሰልፊ: ክሳብ 200 ዝኾኑ ካብ አባላት ስምረትን ሰራዊት ሕድርን ዝተዋጽኡ ብውሕልናን ተወፋይነትን ይኣልይዎን ጸጥታ ሰልፈኛታት የኽብሩን ኣለዉ።

ኤርትራውያን ብሰንኪ ጉጅለ ህግደፍን መሓውራቱን ዝፈትውዋ ሃገሮም ጠንጢኖም ኣብ ፈቖዶ ሃገር ከም ደቂ ዛግራ ፋሕ ኢሎም ኣብ ዘለውሉ እዋን፡ መንግስቲ እስራኤል ንኤርትራውያን ስደተኛታት ከም ግዳያት ፖለቲካን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ዘይኮነ: ከም ናይ ኤኮኖሚ ሽግር ዘለዎም ኣምሲሉ ብምቕራብ፡ ንስደተኛታት ዝግባእ ናይ ዑቕባ መሰል ነፊጉ ይኣስሮምን ይሰጎምን ኣሎ። ስለ ዝኾነ ኢዩ ድማ እዞም መብዝሕትኦም ኤርትራውያን ምዃኖም ዝተፈልጡ ስደተኛታት: ስርሖምን ናብርኦምን ሓዲጎም ናብ’ዚ ሰለማዊ ሰልፊ ክሳተፉ ዝተገደዱ። እዚ ብዓይነቱን ውደብኡን ኣቓልቦ ዓለም ስሒቡ ዘሎ ሰልፊ: ፖሊስ እስራኤል እውን ከይተረፉ ዘይተጸበይዎ ብዝሒ ተሳተፍቲ ከም ዘጓነፎም ይገልጹ ኣለዉ።

እዛ ሓዳስ ዓመት ገና ብግስ ከይበለት: ስምረት መንእሰያት ኤርትራ ንድሕነት ሃገርን ሰራዊት ሕድርን ንህዝቢ ኣብ ጎድኖም ኣሰሊፎም ምስ ሱዳናውያን ኣሕዋትናን እስራኤላውያንን ተሓባቢሮም ዘካይድዎ ዘለዉ ውሕሉል ውዳበን ዝጻወትዎ ዘለዉ መሪሕ ተራን: 2014 ዓመተ ስጡም ሓድነትን ትስፉው መጻእን ዓወትን ከም እትኸውን የተንብህ። እዚ ዓቢ ሰላማዊ ሰልፊ’ዚ ሓድነት ኤርትራውያን ብግብሪ ዘመስከረ ኮይኑ ንጉጅለ ህግደፍ ሻቕሎት ከም ዘውረደሎም ተፈሊጡ ኣሎ። ስምረትን ሰራዊት ሕድርን ንጉዳይ ህዝቦም ምስ ቀዳምነታት ጉዳዮም ሰሪዖም ብሓድነት ክሰርሑ ከለዉ: ህግደፍ ግን ብኣንጻሩ ብመንገዲ ኤምባሲኡ ኣቢሉ ነቲ ሰለማዊ ሰልፊ ከይተበገሰ ክበታትኖን ሰባት ኣዋፊሩ ደው ከብሎን እኳ እንተ ፈተነ: ሰማዒ እዝኒ ስኢኑ ጥራይ ዘይኮነ ፖለቲካዊ ፍሽለቱ ኣብ ክሽፍነሉ ዘይክእል ደረጃ ወዲቑ ይርከብ። በዞም ክሳብ ሕጂ ተረኺቦም ዘለዉ ዓወታት ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን  ኮሪዖምን ኣሞጊሶምን ኢዮም። እቲ ኣብ እስራኤል ዝካየድ ዘሎ ሰላማዊ ሰልፊ ንዓና ንኤርትራውያን ጥራይ ዘይኮነ ንፍትሕን መሰልን ዝጣበቑ ኣማኢት ኣሽሓት ኣህጉራውያን ሰባት’ውን ዓቢ አብነት ኮይኑ ኣሎ። ኣብ መዛግብ ታሪኽ ቃልሲ ንሰብኣዊ መሰላት ዓቢ ቦታ ከም ዝሕዝ ድማ ኣየጠራጥርን።

በዚ ኣጋጣሚ ስምረት መንእሰያት ኤርትራ ንድሕነት ሃገር ጨንፈር እስራኤልን ሰራዊት ሕድርን ንዘካይድዎ ዘለዉ ታሪኻዊ ናይ ሰብኣዊ መሰል ቃልሲ ኣገናዕ ንብሎም። እዚ ሓድነት እዚ ነቲ ኣንጻር ጉጅለ ህግደፍ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ዘበራትዕ ስለ ዝኾነ: ኩልና ደለይቲ ፍትሒ ኣብ ዘዘለናዮ ናይ ደገፍ መግለጺና ከነርእን ኩሉ ካብኣቶም ዝሕተት ደገፋት ከነማልእን ይግብኣና። መሰል ኤርትራውያን ኣብ ሃገርናን ወጻእን ክሳብ ዘይተረጋገጸ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ክሕይልን ዝያዳ ተቐባልነት ክረክብን ከምዚ ዝኣመሰለ ኣብነታዊ ስራሕ ክተባባዕን ክሰዓብን ይግባእ። ሓድነትና ኣብ ግብርን ኣብ ዕላማን ምዃኑ ርዱእ ኮይኑ ኣብዚ ዝግበር ዘሎ ሓርነታዊ ቃልሲ ንናይ መላእ ህዝቢ ስኒትን ሓድነት: ፍትሕን ማዕርነትን: ሰላምን ራህዋን ተዓጢቕና ንቃለስ ከም ዘለና እዚ ኣብ እስራኤል ዝተገብረ ሰላማዊ ሰልፊ ህያው ምስክር ኮይኑ ኣሎ። ኣብ ሓደ ራእን ዕላማን ዝያዳ ሰሚርና ምስ ንቃለስ ድማ ፍረ ጻማና እንሓፍሰላ ዕለት ቀረባ ከም ትኸውን ጥርጥር የለን። ስለዚ ሓድነት ዘለዎ ቃልሲ ፍረ ከም ዘምጽእ ኣሚንና ኣብነት ናይ’ዞም ኣብ እስራኤል ዘለዉ ኤርትራዉያን ኣሕዋትና ክንክተል ታሪኽ ይሓተና’ሎ። ከምኡ’ውን ኩሉኹም ብኩነታት ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ትግደሱ ኣሕዋትን ኣሓትን: ንስሙርን ፍትሓውን ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ከተሐይሉን ከተዐውቱን ብዝካኣለኩምም ክትጽዕሩ ጻውዒትና ነሐድስ።

ዓወትና ናይ ግድን ኢዩ!!!

ስምረት መንእሰያት ኤርትራ ንድሕነት ሃገር

ሰሜን ኣመሪካ

7 ጥሪ 2014

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
7 COMMENTS
  • woldu tekle January 8, 2014

    Well done EYSNS and SERAWIT HIDRI.

  • ER ITRAWIT January 9, 2014

    Dekey Hager after long and hard journey hell Sinai, the last thing you need was peace full live Good Luck!!!!!! but We would like to see you under one name.
    Lots of Love to you all.

  • zemat rzun January 9, 2014

    Amazing!!! i’m proud of them . Its well done.it never emerges like volkanos.they take time and arenges good job .may god bless them my people in Israel .

  • birhane January 9, 2014

    Well done!!!

  • Samuel January 9, 2014

    And also in addition to that if you people stop going to the HGDEF Embassy to pay 2%, you will get a success. They know every shit that you do,Israelis are not stupids.

  • melasias January 9, 2014

    As long as they want it to remain Jews state they are not going to recognize us as human beings and also not goung to review our cases.

  • Bokre January 9, 2014

    What has the demonstration got to do with the Eritrean flag? Eritrea had long forgotten you. You are asking and pleading the State of Israel for your rights to claim asylum which is fair and legal. You need to raise the Israeli flag – the Star of David – with your slogans written in Hebrew and English.
    In the same manner when you go to the White House of US or the Swedish Parliament, you need to raise the American flag and the Swedish flag respectively. Eritrea and the Arab states along the Arab passage had all denied your rights to ask asylum.
    Respect the laws of the State of Israel and demand your rightful demands peacefully that Eritrea and the regimes in the Arab passages denied you.

    Good luck

POST A COMMENT