Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ስርሒት ዓብደረቦ!

ስርሒት ዓብደረቦ! ቀደምʼዪ! ብዙሕ እኳ ኣይዝከረንን፡፡ ኣብ ገዛባንዳ ጥልያን ጎደና ማርኮኒ ከባቢ መስጊድ ኢዩ፡፡ ኣብ ገዛ ናይ ሓደ ዓርከቦይ ዓብደረቦ ኣትይዎም ክባሃል እሰምዕ ነይረ፡፡ ዓብደረቦ እንታይʼዩ..? ከመይ ከመይ ከ ይገብር..? ብዙሕ ኣፍልጦ ኣይነበረንን፡፡ ብሓቂ ድማ ንእሽቶ፡

ስርሒት ዓብደረቦ!

ቀደምʼዪ! ብዙሕ እኳ ኣይዝከረንን፡፡ ኣብ ገዛባንዳ ጥልያን ጎደና ማርኮኒ ከባቢ መስጊድ ኢዩ፡፡ ኣብ ገዛ ናይ ሓደ ዓርከቦይ ዓብደረቦ ኣትይዎም ክባሃል እሰምዕ ነይረ፡፡ ዓብደረቦ እንታይʼዩ..? ከመይ ከመይ ከ ይገብር..? ብዙሕ ኣፍልጦ ኣይነበረንን፡፡ ብሓቂ ድማ ንእሽቶ፡ ትሕቲ ዓሰርተ ዓመት ዝዕድሚኡ፡ ከመዛዝን ዘይክእል ህጻን እየ ነይረ፡፡ ግን ከኣ እቲ ዝዝረብ፡ ዝበሃል፡ ዝውረ ዝነበረ ኣይርሰዓንን፡፡ ከምቲ ብነኣሽቱና እንከለና፡ ዝንገረና መፍረሒ ዓይነት ጽውጽዋይ ኮይኑ ይስመዓኒ፡፡ ንብረት ገዛ ዝተንከፎ ዘይብሉ ባዕሉ የንቀጥቅጥ፡ ጸኒሑ ይወድቕ ይሰባበር፡፡ ቢኬሪ ቡሽ መስተይ ሻሂ ኣብ ኢድካ ሒዝካዮ ከለኻ ዝተንከፈካ ዘይብልካ ወዲቑ  ሸዋሕዋሕ ይብል ይሕምሸሽ፡፡ መኣዲ ክትበልዕ ቅርብ ምስ ኣበልካዮ ባዕሉ ቁልቁል ዝኣፉ ግልብጥ ይብል ይድፋእ፡፡ በዚ መጸ ዘይበልካዮ ኣይሂ ደናጉላ ሓነግነግ የብለካ፡፡ ግን ከኣ ዝገርም ደም ዝበሃል ኣይትፈስስን ኣይትሓብጥን እውን፡፡ እቲ ዘረባ እቲ ዝበሃል ብዙሕ ብዙሕ ኢዩ፡፡ ተግባራት ዓብደረቦ ተኣምራት ኢዩ፡፡ ክዓልብ እምበር ክስንዶ ብፍጸም ኣይትርእዮን፡፡ ስራይ ዓይነት ኢዩ፡፡ መን ይፈልጥ ዓብደረቦ ሓወን ወይ ውን ወዲ ሓወቦአን ንደቂ ሕድርትና ክኸውን ይኽእልʼዩ፡፡

ነገር ዓብደረቦ ደሓር ምስ ዓበኹ ካብ ቤትምህርቲ ሰውራ ናብ ገድሊ፡ ካብ ገድሊ ነጻነት ኮይኑ ዳግማይ ናብቲ ዝዓበኹሉ ሕብረተ-ሰብ ምስ ተጸንበርኩ እየ ብዝግባእ ፈሊጠዮ፡፡ እንተኾነ ንሓንቲ ካልኢት እውን ትኹን እቲ ገና ንእሽቶ እንከለኹ ዝሰምዖ ዝነበርኩ መፍርሒ ተግባራት ዓብደረቦ ጎኒፉንን ብዓይነይ ርእየን ኣይፈልጥን እየ፡፡ እቲ ብዛዕባ ዓብደረቦ ዝበሃል ሓቅነት ኣለዎዶ ወይስ ጽወጽዋይ ዝዓይነቱ ፈጠራዊ መፍርሒ ፊልም ኢዩ እንድዒ፡፡ ነገር ዓብደረቦ ኣብ ኤርትራ ጥራይ ድዩ…? ኣብዛ ንነብረላ ዓለም ከምቲ ንዓርከቦይ ዘጋጠሞም ኣብ ኣመሪካ፡ ኤውሮጳ፡ ቻይና፡ ሲንጋፖር ከ ኣጋጢሙʼዶ ይፈልጥ ይኸውን ንተመራመርቲ እቲ ዓውዲ ክገድፈሎም፡፡ እቲ ንዓርከቦይ ዕረፍትን ቅሳነትን ከሊኡ ካብ ቤቱ ዝፈናቐሎ ዓብደረቦ ዝሓለፈ ሰሙን ከም ገለ ዘኪረዮ፡፡ ስርዓት ህግደፍ እንታይ ዘየዘኻኽር፡፡ ነቲ  ሰለስተ ዓሰርተ ድፍን ዓመታት ዘሕለፈ ናይ ህጻንነተይ ዝኽሪ ኣዘኻኺሩኒ፡፡ ክላእ ግደፈና ናትካ ግዳ ናይ ትማሊ፡ ስርዓት ህግደፍ ነቲ ናይ ዘበነ እኒ እኒ ሕምባሻ ከሎ እምኒ ንዘበነ ውበ፡ ዘበነ ቱርኪ፡ ዘበነ ጥልያን፡ ዘበነ ዓፋኝ፡ ዘበነ ኩቦን፡ ዘበነ ይለፍ፡ ዘበነ ተፍትሽን ርጂላን ቀርዒዶን ከማን ኣዘኻኺሩና ኣሎ፡፡ እህህህህ……..

ገሌኹም ድማ ኣየ ኣራንቺ አብኣ ኣላትካ፡፡ ካብ መአስ ኢኻ ብዛዕባ ዓብደረቦን ዓንደረቦን ዝጸሓፍካ፡፡ ነዚ ጎሮርኡ ተሓኒቑ ኣፉ ዝለኸተ ምእዋይ ዝሰኣነ ሕሉቕ ዝበኸተ ስርዓት ድኣ ክትሳሃሎ ደሊኻ እምበር ከም ትብሉኒ ኣይሰሓትኩን፡፡ ኣይተጋገኹምን! የግዳስ እቲ ገና ህጻን እንከለኹ ክዕለለሉ ዝሰምዖ ዝነበርኩ ዓብደረቦ ባዕሉ ተሳሂልዎ ኣሎ፡፡ ዝሓለፈ ዓርቢ 20 መጋቢት 2015 ዓብደረቦ ኣብ መዓደኒ ወርቂ ቢሻን ኤምዳድ ኣጽዋርን ተተኮስትን እንዳ ኣሜሪካ ማይ ዕዳጋን ወጋሕታ ሰዓት ኣርባዕተን ፈረቓን ተራእዩ፡፡ ካብቲ ኣነ ንእሽቶ እንከለኹ ክዕለለሉ ዝሰምዖ ዝነበርኩ ዓብደረቦ ግን ዝተፈለየ ኢዩ፡፡ ብወተሃደራዊ ተዕሊም ዝሰልጠነ ዝታኾስ ዘመናዊ  ዓብደረቦ ኢዩ፡፡  ከከከከከ ስሓቕ!

 

ዓብደረቦ ንመዓደኒ ውርቂ ቢሻን ኤምዳድ ኣጽዋርን ተተኮስትን እንዳ ኣሜሪካን ነቲ ከባቢ ብዘናወጸ ከቢድ ድምጺ ቡምባታት ተሳሂልዎ፡፡ እንድዒ ኸ ዓብደረቦ ይሰብር፡ የውድቕ፡ ደም ብዘይ የውጽእን ዘየሕብጥን ደናጉላ ይፋጋእን እምበር፡ ቡምባ ይድርብን ፈንጂ የጻውድን ባርዕ ይፈጥርን የንድድን ዝብል ንእሽቶ ከለኹ ኣይሰማዕኩን ኣነ፡፡ ንኺድʼዶ…ህግደፋውያን..? ንኺድ …ክሳብ ጠቕሊልና ንጸድፍ!

ዝገርም ክስተት ኢዩ፡፡ ህዝቢ ብዓይኑ እናረኣዮን እቲ ዘናውጽ ብርቱዕ ድምጺ ብእዝኑ እናሰመዖን ተተልቲሉ ንላዕሊ ዝዓርግ ብርቱዕ ቃጸሎን ትክን እንዳተዓዘበ፡ ካብ ሚሒር ምሕማሙ ክሳብ ትድንዝዝ ተደሲቕካን ተሰሊቕካን ክንስኻ ኣፍካ ዓቢስካ ጥርቅም ድኣ እንታʼዩ እቲ ሚስጢር…? ዓብደረቦ እንተ ተዛሪብካሉን ያዕ ያዕ ኢልካ እንተ ኣእዊኻሉን ይደግም ይደጋግም ኢዩ ዝብል ስግኣትʼዶ ንህግደፍ ኣፉ ከም ዝልክት ገይርዎ ይኸውን….? እንድዒ፡፡ ናይ ዝሓለፈ ሰሙን ስርሒት ዓብደረቦ፡ ንስርዓት ህግደፍ ብልክዕ ኣብቲ ዘሕምሞ ኣካሉ ከሲኡ፡ ዓባስ ከም ዝኸውን ዝገበረቶ ብርትዕቲ ማሕጎማ ኢያ፡፡ ኣሜሪካን ወያነን ሓምሻይ መስርዕን እቲ ኣብ መልሓስ ህግደፍ ንዓመታት ዝተሰቑረ ስቑሬን፡ ዘይከም ትማሊ ንእለቱ እኮ ጠሚሙ፡፡ እዚ ኣሽንካይʼዶ ተደሲቑ ከይተደሰቐ እውን ብኻዕቦ ሓሶቱን ምድንጋራቱን ዝልለ በዓል ወረቐት ስርዓት ህግደፍ ሎሚ ስለምንታይ ስቕ ጥዑም ምስ መኽደኑ መሪጹ….?

ብጣዕሚ ዝገርም ኢዩ፡፡ ከም ነገር ፈሊጡ ዝደቀሰስ ነውኒውካዮ ነይሰምዕ ኢዩ፡፡ እዚ ውዱቕ ስርዓት ንድስቒት ዓብደረቦ ከም ደም ኩርምቲ ንውሽጢ ክውሕጦን ክሰትሮን ኢዩ መሪጹ ዘሎ፡፡ ኤእ ዓሻ ድዩ ህግደፍ ዕደ፡፡ ሎሚ ከም ዓምን ቅድሚ ዓምን ከም ዘይኮነ ኣጸቢቑ ይፈልጥ ኢዩ፡፡ ንዝወደቐ ገረብ ሓኽሊ ይበዝሖ ዝብል ምስላ ኣቦዋት ከመይ ቢሉ ክጠፍኦ፡፡ ከምቲ ቅድሚ ዓሰርተው ሸውዓተ ዓመታት፡ ተወረርካ ምስ ተባህለ፡ ህዝቢ ግንባሩ ክህብ ናብ ግንባራት ዝወፈረ፡ ሎሚ ዓንደረቦ ኣብ መዐደኒ ወርቂ ቢሻ ደሲቑና፡ ተመለሊሱ ኣብ መኸዘኒ ኣጽዋር እንዳ ኣሜሪካ ማይ ዕዳጋ ሰሊቑና እንተ ኢሉ፡ ህዝቢ ምሳሩ ሒዙ ናብ ግንባራት ዘይኮነ፡ ገጹ ገልቢጡ ናብ ቤተ መንግስቲ ግብን ማእከላይ ቤ/ጽ ህግደፍ ካምፖፖሎን ከም ዘቕንዕ ኣይጠፍኦን ኢዩ፡፡ ኤእ ጨቆቕ ኢሉ ዘጥረዮ ገዛውቱ ተደናጊሩ ናተይ ብዝበሎ ስርዓት ብዶዞርን ግሬደርን ከፍርሰሉን ዓነውነው ከብለሉን ብዓይኑ ዝረኣየ ህዝቢ፡ ቂምትኡን ጽልኡን ግዜ ኢዩ ዝጽበየሉ ዘሎ፡፡ ስለዚ ምርጫ ህግደፍ መ መልሲ የለን ኢልካ ነገራት ዓቢስካ ስቕ ኢያ ተዋጽኦም፡፡

ኣብ መጠረሽታ ናይ ሎሚ ጽሑፈይ ስርሒት ዓብደረቦ ክብል ንኹሉ ኩዱን በኣፈ ስላሴ ሓሊፈዮ ኣለኹ፡፡ የግዳስ ሰብ ዝፈልጦ ድቓላ ሓኒቕክን ኣይትቕተላ ዝበሃል እውን ኣሎ፡፡ ኣብ ዝቕጽል ጽሑፈይ ብዛዕባ እዚ ኣብ 20 መጋቢት 2015 ዘጋጠመ ደቒቕን ዝርዝራውን ሓበሬታ ከስዕበልኩም እየ፡፡

ሚኪኤል እምባየ (ኣራንቺ)

Aranchi03@yahoo.com

aseye.asena@gmail.com

Review overview
27 COMMENTS
  • Mesinas April 4, 2015

    ዝኸበርካ ክቡር ሓው ኣርዓዶም ሰላም። እቲ ጽቡቕ ናይዚ ነካይዶ ዘለና ክትዕ፡ ዓቅሚ ናይ ነቐፌታ ርእሰ ነቐፌታ ተጻዋረትና ክብ ይብል ስለ ዘሎ’ዩ። እዚ ከኣ እወታዊ ምዕባለ ስለ ዚኾነ ኪድነቕን ኪቕጽልን ዚግብኦ’ዩ። ክቡር ሓው ኣብ መወዳእታ ናይቲ ዝሃብኩዎ ርእይቶ ከምዚ ዚስዕብ ኢለ ኔረ፥ ‘*ክቡር ሓው ኣራንሺ፡ እዚ ርእይቶ ካልኦትውን ምእንቲ ክመሃሩሉን ጌጋ እንተሎዎ ድማ ምእንቲ ክእርሙዎን፡ ኣብ መሶብ ርእይቶ ኣሰና ክዝርግሖ’የ። ሓውካ መሲናስ።’ እንሆ ድማ ንስኻውን ሕጂ እቲ ትፈልጦ ከተካፍለናን ክትእርመንን በቒዕካ። በዚ ከኣ ሕጉስ’የ።

    ከምቲ ንኣይ ዝኣረምካኒ ኣነውን ንኣኻ ክእርመካ ግን ፍቐደለይ? ቅድም ቀዳድም ብዛዕባ ድሕነት ባህልናን ቋንቋናን ምሕሳብ ድሕሪ ምድሓን ህዝብን ሃገርን ኣብ ሳልሳይ ደረጃ ስለ ዚስራዕ ንጽባሕ ዚብሃል ጉዳይ ከምዘይኮነ’የ ክሕብረካ ዝደሊ። ካልኣይ፡ እቲ ኣነ ሂበዮ ዘለኹ እርማት ንኣይ ብዝመስለኒ ወይ ድማ ኣነ ከምኡ ኪኸውን ኣለዎ ኢለ ዝወሰንክኩዎ ቅኑዕ ኣጠቓቕማ ቃላት ኣይኮነን። እንታይ ደኣ ብዙሓት ፈላጣት ሃገራውያንን ኩሉ ቋንቋ ኣደኡ ጽቡቕ ጌሩ ዚፈልጥ ዘበለ ዜጋ ዝሰማማዓሉን ዝኣመነሉን ውሳነ’ዩ።

    “እዩ” እምበር “ኢዩ” ከምዘይብሃል መታን ከተረጋግጽ መጻሕፍቲ ሰዋስው ትግርኛን መጽሓፍ ቅዱስን ኪትውከስ አተሓሳስበካ። ካልኣይ፡ “ብጣዕሚ” ማለት ከምቲ ዝበልካዮ ኣምሓርኛ ስለ ዚኾነ ኣይኮንኩን ጌጋ’ዩ ኢለዮ። እንታይ ደኣ ኣብዘይቦታኡ ስለ ዚኣተወ’የ። ብጣዕሚ ኣብ ክንዲ ምባል፡ ኣዝዩ፡ ኣመና፡ እምብዛ ኪብሃል ይግባእ። ምኽንያቱ፡ ብጣዕሚ ንመቐረት ጥራይ ኢና ንጥቀመሉ። ንኣብነት፥ ብጣዕሚ ጥዑም፡ ብጣዕሚ ምቁር፡ ክንብል ንኽእል። የቐንየለይ።

    • ኣርዓዶም April 4, 2015

      ዝኸበርካ መሲናስ፡ ብዙሕ የመስግነካ፡ ድሕሪ ሰላም ድማ፡ ኣልዒልካዮ ድኣ እምበር፡ እዚ ነቐፌታታት እዚ ኣብ`ዚ ዓምዲ`ዚ ኣየድልን ኢዩ ነይሩ። ቦትኡ ኣይኮነን። ግን ጌጋ እንዳርኣኹ ስቕ ክብል ሕልናይ ስለዘይገብረለይ ግን ዝክኣለኒ ዝበለ ርእይቶ ክጽሕፍ እግደድ ኣለኹ።
      ሕጂ`ውን ንዓ ሓው መሲናስ፡ እቲ ንቡር ኣዘራርባ ገዲፍካ ዘይንቡር ክትህቦ ተፈቲንካ ዝርድኣካ የለን።

      ኣብ ቝንቝ ትግርይና `ብጣዕሚ` ክብሃል ንቡር ኢዩ። ትግርይና ብኽለተ ድርብ ዝኸዱ ናይ ኣጋንኖን ስምን ከም ዘለዉ ኩሉ ሰብ ይፈልጥ ኢዩ። ሕጂ ድማ `ብጣዕሚ` ሓደ ርእሱ ዝኽኣለ ድርብ ናይ ኣድናቖት ቓል ትግርይና ኢዩ።

      ብጣዕሚ! ክንብል ከለና፡ ቓል ኣጋንኖ ኮይኑ፡ ምሒር፡ ኣዝዩ፡ ንምባል ኢዩ። ብ ብጣዕሚ ድማ፡ ነናቱ ርእሱ ዝኽኣለ ከከም ኩነታቱ ምሉእ ሓሳብ ፈጢርና ክንረዳዳእ የኽእለና። ጣዕምን ብጣዕምን ፍልልይ ኣለዎ፡ ጣዕሚ መቐረት ክኸውን ከሎ፡ ብጣዕሚ ድማ ኣድናቖትን ኣብ ክልቲ ኡ ዝኣቱ ቓል ኣጋንኖ ኢዩ።
      ን ኣብነት፡

      ብጣዕሚ ገዚፍ`ዩ >>>>> ኣዝዩ ገዚፍ ኢዩ ኢና ንብል ዘለና
      ብጣዕሚ ጽቡቕ >>>>> ኣዝዩ ምሒር ጽቡቕ ንብል ኣለና
      ብጣዕሚ ኣገዳሲ ነገር ኢዩ >>>> ኣዝዩ ኣገዳሲ ኢዩ ኢና ንብል ዘለና ወዝተ እንዳበልና ንገልጾም
      >>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>
      እታ ካላኣይቲ ድማ
      ብጣዕሚ >>>> ድሮ ብጣዕሚ`ዛ መግቢ ወልህላህ ኢልካ! >>>> ብመቐረት እቲ መግብስ ጥዒሙካ፡ ጸቢቕካ፡ ንብል ኣለና ማለት ኢዩ።
      ብጣዕሚ>>>> መብዛሕትኦም ዘራእቲ ብጣዕሚ`ቲ ግራት ኢዮም ብዙሕ ፍረ ዘፍርዩ። >>> ሕጂ ጣዕሚ`ቲ ግራት ኢና ንዛረብ ዘለና ማለት ኢዩ።

      ብሓፈሽኡ ግን ` ብጣዕሚ` መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ናይ ኣድናቖት ዘተኮረ ኢዩ፡ ነታ ብ ገዲፍና ` ጣዕሚ` ተገይርናያ ግን ብዙሕ ክንብል ንኽእል። ን ኣብነት
      ጣዕሚ>>>ጣዕሚ ቝንቍ ኣብ ኣዘራርብኡን ኣጸሓህፍኡን
      ጣዕሚ>>> ጣዕሚ ጸብሒ ድማ ኣብ ላዕሉ
      ጣዕሚ>>> ስዋ ኣብ ማእከሉ
      ወዘተ ይብሃል እዚብጣዕሚ ግን ክልተ ድርብ ናይ ኣድናቖት ዝሓዘ ትግርይና ኢዩ፡

      ዝኾነ ኮይኑ፡ ብጣዕሚ ቝንቝ ትግርይና እምበር ቝንቝ ኣምሓርኛ ኮይና ኣይትፈልጥን፡ ከም`ቲ ኣቀዲመ ዝበልኩኻ፡ ኣምሓርኛ ካብ ትግርይና ኢዩ ተወሊዱ ክብሃል ይክኣል። ንኣብነት ንሕና ብጣዕሚ ክንብል ከለና ንሶም በጣም ይብሉ። እዚ ክኣ ልክዕ ተመሳሳሊ ትግርይና ኢዩ። ስለዚ ብሓፈሽኡ ቝንቝና ሰፊሕ ኣዝዩ ሰፊሕ ኢዩ። ግን ብሰንኪ ናይ ባዕልና ንዕቐት ባዕዳዊ ቝንቍታት ክንዛረብ ደስ ስለዝብለና፡ መብዛሕትኡ ህዝብና ብግቡእ ቝንቝ ትግርይና ክፈልጥን ክጽሕፍን ኣይክእልን ክብሃል ይክኣል።

      ብዛዕባ ኢዩ/እዩ፡ መጽሓፍ ቕዱስ ርአ ኢልካ፡ መጽሓፍ ቕዱስ ከማና ሰብ ዝጸሓፍዎ ብምዅኑ፡ ሓሳባቱ ድኣ ኢዩ ቕኑዕ እምበር፡ እቲ ብዛዕባ ኢዩ/እዩን ግን ናይ እኒ-እኒ ብምዅኑ በዚ ድማ ነቲ ኣብ ገለ ገሊኡ ከምዚ ዝጠቐስካዮ ቕቡል ኣይገብሮን። ኩሉ ነገር ክመሓየሽ ድኣ ክንሓስብ ኣለና እምበር፡ በቲ ናይ ቐድም ዝኸድዎ መገዲ ክንገይድ ክነብሩ ቕኑዕ ኣይኮነን። እዚ ማለት ግን ንሶም ዝጸሓፍዎ ጌጋ ኢዩ ኣይኮንኩን ዝብል ዘለኹ፡ ኩሉ ነገር ምምሕያሽ የድልዮ ብምዅኑ፡ ምኽንያቱ ኣብ`ቲ ዘመናት እቲ፡ ኣይኮናን ንነብር ዘለና፡፡ ንሕና ቝንቝና ከነመሓይሽ ተኾይኑ ድማ፡ በቲ ከድምዓሉን ክስምዓሉን ዝኽእል ኣገባብ ክንጽሕፍን ክንዛረብን ድኣ ኣለና እምበር፡ ኣብ`ኡ ስለዝጸንሓና ነቲ ክመሓየሽ ዘለዎ ከየማሓየሽና ተተጠቒምናሉ ገና ክንምዕብል ኣይንኽእልን ማለት ኢዩ።

      ስለዚ ሕጂ`ውን ክብለካ ዝደሊ፡ `ኢዩ` ኢዮም፡ ኢየን፡ ኢልካ ጽሓፍ። እዚ ድማ ነቲ ቝንቝ ኣደማምጻኻ የትርሮን ሰባት ድማ ብቐሊሉ ክርድኡኻ ይኽእሉ ማለት ኢዩ። እዚ ናይ ሃካያት ኣደማምጻን ኣጸሓሕፋን ንግደፎ እዩ፡ኢዮም፡እየን፡ ናይ ሃካያት! እዚ ግን ከም`ኡ ኢልካ ኣይትጽሓፍ ማለት ኣይኮነን፡ ይጽሓፍ ኢዩ፡ ግን ቕኑዕ ወይ ምዕቡል ትግርይና ኣይኮነን። ኩሉ ነገር ምስ ግዜ ክእረም ይግባእ፡፡ ስለዚ ንምልከቶ ሓድሽ ስዋስው የለን፡ እተን ዘለዋ ድማ ናይ ዘመን እነ-እኒ ኢየን።

      ከም`ቲ ሓደ ሰብ ኢኻ፡ ኢኹም፡ ኢኽን ኢልና ክንጽሕፍ ዝሓበረ፡ ምኽንያቱ ድማ ኢካ፡ ኢኩም፡ኢክን ኢልና ተጺሒፍና እቲ ትግርይና ተበላሹ ኣሎ፡ ፍላይ ኣብ`ቲ ኣደማምጻ ክትሰምዖ ደስ ኣይብለካ ኢዩ። ስለዚ እዩ ምብላ`ውን ልክዕ ከም`ኡ ኢዩ። ክትሰምዖ ወይ ክትጽሕፎ ደስ ኣይብለካን። ግን ሰባት ዝተፈላለየ ባህሪ ስለዘለና፡ ብዝጠዓመና ንጽሕፎምን ነድምጾምን ኢና፡ ንሱ ግን ጌጋ ዘይብሱልነት ኢዩ። ክንፈልጥ ክንጽዕር ይግባእ እምበር፡በቢ ዝሃበና ብሃውሪ ንጽሕፍን ንዛረብን ተኾይና፡ ቝንቝና ኣይነኽብርን ኢና ማለት ኢዩ። ብኸምዚኢታት ድማ ገሊኦም ይከስቡና ኣለዉ።

      ንኣብነት ከም`ቲ ሓደ ለባም ከም`ዚ ከማኹም ዝበሎ፡ “ ሓንቲ ቓል ትግርይና ጌጋ ምስ ተድምጻን ትጽሕፋን ትኽ ኢላ ናብ ኣምሓርኛ ኢያ ትዝንብል“ ክብል ጽሒፉ ነይሩ። ብሓቒ ድማ ሓቑ ኢዩ። ቝንቝ ኣምሓርኛ እንተ ኣስተብሂልካሉ ኩሉ ትግይርይና ዝንበረ ዝተሰባበረ ትግርይና ኢዩ።
      ዝኾአ ይኹን ካብ ጌጋና ተ ኣሪምና ናብ`ቲ ጽቡቕ ከድምጸናን ከጽሕፈናን ዝኽእል ቓልት ኢዩን ካልእን ክንለምድ ይግባእ እንዳበልኩ፡ ኣብዚ ርእይቶይ ይዓጹ።

      ድሕሪ ህግደፍ ኣስመራ የራኽበና፡

      ኣርዓዶም

    • haddish April 6, 2015

      ሰላም መሲናስ፡

      ሓቂ`ዩ። ምክታዕን ምንቕቓፍን የማዕብል እምበር ንድሕሪት ነይጐትት። በዚ መንፈስ`ዚ ተደሪኸ ሓንቲ ንእሽተይ መአረምታን መዘኻኸሪትን ወስ ከብለልካ ኣፍቅደለይ።
      ኣብ ጽሑፍካ 1) … ስለ ዚኾነ … 2) … ኪድነቕን ኪቕጽልን … 3) … ኪትውከስ … ወዘተ. ኢልካ ኣስፊርካ`ለኻ። ኣብ 1) ዝኾነ ኣብ 3) ክትውከስ ክኸውን ኔርዎ። ኣብ 2) ብቕኑዕ ተጠቂምካሉ ኣለኻ።
      ኣብ 2) እተመርኰሰ ምኽንያት፦
      ክ + ይ(ድነቕ) = ኪ(ድነቕ) √
      /ክ/ ምስ /ይ-/ ናይ 3ይ ኣካል ተባዕታይ ንጽል (ይነድቕ)፡ ተባዕታይን ኣንስታይን ብዝሒ (ይነድቁ፡ ይነድቃ) ናይ ዘይሕሉፍ እዋን (imperfect ይነድቕ vs. ሕሉፍ/ፍጹም perfect ነደቐ፡ ቀጸለ፡ ተወከሰ፡ ኮነ ወዘተ.) ክራኸብ እንከሎ /ኪ/ ይኸውን። እታ /ክ/ ምስ /ይ/ ከምኡ`ውን እታ ኣዛማዲ ዕዮ ዘለዋ /ዝ/ ምስ /ይ/ ክጠብቃ እንከሎዋ /ኪ/ ፡ /ዚ/ ይኾና`ለዋ ማለት`ዩ።
      ስለ`ዚ፦
      ዝ + ኮነ = ዚኾነ x = ዝኾነ √
      ኮነ፦ 3ይ ኣካል ተባዕታይ ሕሉፍ እዋን፡ ምስ ይ ዘራኽብ የብሉን።
      ክ + ትውከስ = ኪትውከስ x = ክትውከስ √
      ትውከስ፦ 2ይ ኣካል ተባዕታይ ዘይሕሉፍ እዋን፡ ምስ ይ ዘራኽብ የብሉን።
      ከም`ቲ ደራፋይ „ደሃይ ሃቢ“ ኢሉ ዝደረፈ፡ እታ ይ ኽኣ ኣብ ኪድነቕ (kidneq)፡ ኪቕጽል ብመልክዕ i (ኪ – ki) ደሃይ ትገብር ኣላ ማለት`ዩ። ስለ ዝነበረት ተዳህያትና። እንድሕር ከይነበረት (ክ + ትውከስ) ክትድሃየና ፈቲና (ኪትውከስ) ኣብ ዘይግቡኣ፡ ኣብ ዘይቦታኣ ንብላ። morphologically wrong ዶ ንበሎ።

      ምስ ኣኽብሮታዊ ሰላምታ
      ሓዲሽ ተወልደ

      • Mesinas April 6, 2015

        ጽቡቕ ኣተናትና ኣቶ ሓድሽ ተወልደ! ንእርማትኩም ብልቢ አመስግን። ሕቶታት ግን ኣሎዋኒ። ንኣብነት፥ ን3ይ ኣካል ኣብ ክንዲ ‘ኪትውከስ’ ‘ክትውከስ’ እንተ ደኣ ኢልና ጽሒፍና እቲ 3ይ ኣካል ተባዕታይ ወይ ኣንስታይ ሙዃኑ ብምንታይ ንፈልጥ? ነዚ ንምንጻር ግን ብወገነይ ንተባዕታዊ ጾታ ‘ኪ’ ንኣንስታዊ ጾታ ድማ ‘ክ’ ብምባል ኢና ንፈላልዮ እብል። ወይውን ‘ክውከስ’ እንተ ኢልና፡ ን1ይ ኣካልውን ኪኸውን ይኽእል’ዩ። ‘ኪውከስ’ እንተ ኢልና ግን ን3ይ ኣካል ሙዃኑ ነነጽር ኣለና ማለት’ዩ። ብሓፈሻ ግን እዚ ናይ 3ይ ኣካል ነገር ኣዝዩ ኣካታዕን ተሓላላኽን ስለ ዝኾነ፡ ንምንጻሩን ንምቕላሉን ብዙሕ ጻዕሪ ዘድልዮ ኮይኑ ይስምዓኒ። ከምዚ ኢልና ምትእርራምናን ብዛዕባ ዕብየት ቋንቋና ምሕሳብናን ምግዳስናን ግን ዓቢ ስጉምቲ ንቕድሚት’ዩ። ደጊመ እናኣመስገንኩ ኣብ ቀጻሊውን ሓገዝኩም ከይፍለየኒ እምሕጸን? የቐንየለይ።

  • Almaz Gual Asmera April 4, 2015

    ዝኸበርካ ተጋዳላይ ሚኪኤል ድምጽኻ ኣይተሓባእ፡ ድሕሪ’ዚ ግሩም መልእክትኻ ዝመጽእ ዝርዝር ሓበሬታ ድማ ብሃንቀውታ ንጽበ። ሕጊ-ግደፍ ሕሱር ናይ ሕሱራት፡ ንመንግስትነት ዝበቕዕ ተግባር ስለዘይብሉ፡ ስራሕ ሸፋቱ ስርሐይ ኢሉ ተታሒዝዎ፡ ኣይ ንርእሱ ኣይ ንህዝቡ…ኣይ ንጎረባብቱ ዘርሞ ዘርሞ ተሪፉ…ድሕሪ ደጊም ናይ ግዜ ሕቶ እዩ እምበር ካብ ሞት ዝሰርር ኣይኮነን ገበኑን ሕማሙን። ድሕርዚ ኹሉ ገበን ሕዝብና ጹረት እምብዛ እኳ ኣብዚሕዎ። ብተወሳኺ ኣብዛ ናይ ክቡራት ኣርዓዶምን መሲናስን ምልልስ ንእሽተይ ወስ ከብል። እቲ ቅልስና ንሕጊ-ግደፍ ምእላይ ጥራይ ኣይኮነን፤ ግናይ ዘመንሲ ካብቲ ሕማቕ ዝገብረካ ኣከይ ዘልምደካ ይኸፍእ እንድዩ ነገራቱ…ክቡር ባህልታትና፡ ሃይማኖትና፡ ቅርስታትና እንኮላይ ቋንቋና (መሰረት ናይቲ ዝተጠቕሰ ኩሉ ስለዝኾነ) ከቢድ ማህሰይቲ ከምዝወረዶን…ንምሓውዩ ቀሊል ዘይኮነ ግዜን ጉልበትን ኪሓትት ምዃኑ ኣይነርስዕ። ስለዚ ጎድኒ ጎድኒ ነዞም ጠለምቲ መራሕቲ ሕግ-ግደፍ ንምእላይ ዝግበር ገድሊ …ነቲ ወርሻ ኣበዋትናውን ናብ ንቡር ክንመልሶን ዳግማይ ክንውንኖን ሓያል ዝኾነ ቃልሲ ከድልየና እዩ። ሕጊ-ግደፍ …ካባና እዮም ተወሊዶም …ባእድ ኣይኮኑን..እቲ ንኣኣቶም ካብ ሰብ ናብ ኣራዊት ዝቐየሮም ዘመን ዝስዓሮ ዴሳዊ ፍልስፍና ሱሩ ቦርቒቕና ከነጥፍኦን…ናብቲ መሰረት ኣቦታትና ተመሊስና ነቲ ግሩህ ሕዝብና ዝመስል ስርዓት ክንተክል ከድልየና እዩ። ሕዝባዊ መሰረት ዘሎዎ ስርዓት፡ ሕጊ፡ ፍትሒ፡ ርትዒ፡ ምዕባለን ተድላን ንኸምጽእ ሰፊሕ ዕድልን ተኽእሎን ኣሎዎ። ንሕዝቢ ምኽባር፡ ንሃይማኖቱ፡ ንባህሉ፡ ቅርሱን ቋንቁኡን ምኽባር ማለት እዩ። ኪኖዚ ዝበልጽ ሓርነታዊ ገድሊ ኪህልወና ኣይክእልን። ስለዚ ናይ ክልቴኹም ሓሳባት ሓደ እዩ፡ እቲ ፍልልይ ቴክኒካል እዩ ዝመስለኒ…ንቋንቋ ዝምልከት ኣበይ ኮይና ንተኣራረም…ንእሽተይ ነገር እዩ፡ ነቲ ዓብዩ ተልእኾና ከይረሳዕና ኪፍጸም ዝክኣል ከኣ እዩ። የቐንየለይ።

  • hara April 4, 2015

    aranchi
    TSOM ARBA^A slezelona hgdf tsoymu alo
    ab fasika afu ykeft ykewn

  • ERITRAWIT April 4, 2015

    Kubur haw Aranchi, kem Aderebo konka srahka msrah try eu etey hade mefthey. B zereba see lah elna ena.
    1+2+3 alagebom gele keyrekbew ezom atman mtnka-k kedley eu.
    Kem Alena hawna zbelo Selso nblo. Hager B Isaias keytefet kola.
    Yekenelna kbur haw.

  • Akarijwo April 4, 2015

    Brother ሚኪኤል እምባየ (ኣራንቺ)

    Prompt reporting of an event is what makes it politically effective and helps to keep the morale of the army and people high. In particular when it’s about efforts to bring about change our people are waiting with a lot of anxiety. Hence, as soon as our freedom fighters reach a safe place,
    the news should be sent to media outlets. Else will be like talking about history.

  • YERHWO April 4, 2015

    Almaz gual asmera,

    wereja zereba – yekenYelna!

  • Mesinas April 5, 2015

    ንብጹእ ውርዝነት ኣልማዝ ጓል ኣስመራ ብልቢ ኣስተውዒልካ ዘድነቕካያ ሓው የርህዎ ኣምላኽ ኣዝየ አድንቐካ። ከም ብዓል ኣልማዝን ኤርትራዊትን ዝኣመሰላ ኣዝየን ንቑሓትን ወራዙትን ኣሕዋት እንተ ዝበዝሓ ኔረን፡ ዕምሪ ምልኪ ኣዝዩ ምሓጸረ ኔሩ! ምኽንያቱ፡ ንሳተን ኣብ መንጎ መንግስቲ፣ ህዝብን ሃገርን ዘሎ ዝምድናን ፍልልይን ጽቡቕ ጌረን ስለ ዝፈልጣ፡ ነዚ ብጉልባብ ሃገር ህዝቢ ዘጽንት ዘሎ ጉጅለ፡ ብጽንዓት እናተቓወማ ይቃለሳኣኦ ኣለዋ። እዚ ከኣ እንቋዕ ሓወን ኮንኩ ኢልካ እትሕበነሉ ስጉምቲ’ዩ። ብተወሳኺ ከምዚ ከማይ እንተድኣ ኣስተብሂልኩሙለን ኴንኩም ወትሩ ኣብ ሓቂ ምስ ጸንዓ፡ ከም ገረብ ምስ ንፋስ ንየማነ ጸጋም ዘይብላ፡ ንፍቕርን ሓድነትን ኤርትራውያን ዝቃለሳ ሙዃነንውን ፍሉያት ይገብረን። ኣነ ነዘን ክልተ ኤርትራውያን ወዓሩ፡ ብኣካል ኣይፈልጠንን’የ። ካብቲ “መደረ ወዲ ሰብ መንነቱ ይገልጽ!” ዚብል ምስላ ወለድና ብምብጋስ ግን ልቦናአንን ዕላማአንን ክመዝን ክኢለ። ደጊመ ምስጋናይን ኣድንቖተይን ክገልጸለን እፈቱ። ኣገናዕ ሃበርም ኤርትራውያን!

    • Simon G. April 6, 2015

      መሲናስ (መስዩናስ ትጥዕም ‘ዛ ሽምካ btw)
      ኣይተጋገኻን። ን ገነታ ድማ ሕውስ ኣብላ። ዋላ ‘ኳ ኣብ ሓደ ሓደ ነገራት ምስ ገነት ዘለኒ ሓሳባት ብ 180° ይፈላለ ተኾነ፣ ኣብታ ናይ ክቡራት ሊስታ ምስተን ወዓሩታት የሕዋታ ክትስራዕ ይግበኣ።
      ሓንቲ ካብተን ትኩራት የሕዋትና (ጸጸኒሓ በሊሕ ርኢቶ ዱብ ተብለልና)፣ ሓፍትና ሰለማዊት ድማ ኣብ ማእከለን ነእትዋ።
      Sorry for helping to violate one of assenna’s guideline. My bad.

  • awet April 5, 2015

    zkeberka Aranch tesfa ygebr abta meqexelta xuhufka,neti ab nay facebook profilka zxahafkayo, bezi amekitka kiteqlixo tesfa ygebr.

  • Almaz Gual Asmera April 6, 2015

    ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ደቂ ህዝብን፡ ስለቲ ንእዶኹም ብዙሕ የመስግን። ከምቲ ንደልዮ ኣይኮነልናን እምበር …እቲ ኣነ ይኹን ብጾተይ ዝገበርናዮ መስቲ ተካይድዎ ዘሎኹም ቃልሲ ኪወዳደር ከሎ ኢምንት እዩ። በዚ ኣጋጣሚ ነቲ ምዑት ወዲ ሕዝቢ ኣማኑኤል ስለቲ ዘይሕለል ቃልሱ፡ ነዛ እናሓደረት ተሰክፈና ዘላ ሓድነት ሕዝብና ንምሕያል ዝገብሮ ቃልስን ከመስግን ይደሊ። ከምቲ ኣበው ዝብልዎ “ቦ ግዜ ለክሉ” እዩ እሞ ነዚ ካካይ ስርዓትን ግናይ ዘመንን ንጸውየሉ እዋን ኣምላኽ/ኣላህ የምጽኣልና። ክሳብ ዝወግሕ ንንከስ ኣብ ዕላማ፡ ኣጆኹም ኣጆና። የቐንየለይ። በሩኽ ትንሳኤ ይገብረልና።

POST A COMMENT