Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ስርዓት ህግደፍ፥ ንጳጳሳት ተዋህዶ ኣብ ከቢድ መዋጥር ኣእትዩ፡ ነቶም ወጊዞም ዝሰጎግዎም ክልተ ዑስባቱ ግርማይን ካሕሳይን እተባህሉ ሰለይቲ፥ ክመልስዎም ኣዚዙ ኣሎ።

ስርዓት ህግደፍ፥ ንጳጳሳት ተዋህዶ ኣብ ከቢድ መዋጥር ኣእትዩ፡ ነቶም ወጊዞም ዝሰጎግዎም ክልተ ዑስባቱ ግርማይን ካሕሳይን እተባህሉ ሰለይቲ፥ ክመልስዎም ኣዚዙ ኣሎ። ስርዓት ህግደፍ ንተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ታሪኻ ኣጋጢምዋ ዘይፈልጥ፥ ዕንወትን ኣደራዕን ይፍጽመላ ኣሎ። ዮፍታሄ ድሜጥሮስ ቀሺ ሃብቶምን ቀሺ

ስርዓት ህግደፍ፥ ንጳጳሳት ተዋህዶ ኣብ ከቢድ መዋጥር ኣእትዩ፡

ነቶም ወጊዞም ዝሰጎግዎም ክልተ ዑስባቱ ግርማይን ካሕሳይን እተባህሉ ሰለይቲ፥ ክመልስዎም ኣዚዙ ኣሎ።

ስርዓት ህግደፍ ንተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ታሪኻ ኣጋጢምዋ ዘይፈልጥ፥ ዕንወትን ኣደራዕን ይፍጽመላ ኣሎ።

ዮፍታሄ ድሜጥሮስ ቀሺ ሃብቶምን ቀሺ ሳሙኤልን ንዓሰርተ ዓመታት ድሂኾማን ረሚሶማን ጸኒሖም እዮም። እዚ ዝመረሮም ገድማት ኤርትራ ድማ ንዞም ክልተ በዝበዝታ ቀሺ ሃብቶምን ዮፍታሄን ብውግዘት ምስ ኣለይዎም፥ እቲ ስርዓት ኣብ ከቢድ ራዕዲ እዩ ወዲቑ። ሃታሃታ ኢሉ ድማ፥ ብውሽጢ ውሽጢ ክኹስኩሶም ዝጸንሑ ክልተ ልኡኻቱ፥ ኣካል እቲ ኣብ ናይ ኢትዮጵያ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ከቢድ ጸገም ኮይኑ ዘሎ ማሕበር ቅዱሳን ዝኾኑ፥ ግርማይ ዘርኣይን፥ ካሕሳይ ግርማይን፥ ንተዋህዶ ኤርትራ ክመርሑ ምሉእ ስልጣን ተዋሂብዎም፥ ነታ ቤተክርስቲያን ናብ ሕማቕ መኣዝን ክመርሕዋ ምስ ጀመሩ፥ እቲ ሓደገኛ ጉዕዞ ብእዋኑ ዘስተብሃሉሉ ሓሙሽተ ጳጳሳት ብውግዘት ካብታ ቤተ ክርስቲያን ኣልዮሞም። እዚ ድንገተኛ ጽፍዒት ዝኾኖ ኣረሜናዊ ስርዓት ንጊዚኡ ነዞም ክልተ ሰለይቲ ምእላዮም ተቐቢሉ ጸኒሑ እዩ።

እንተ ኾነ ዕላማ እቶም ጳጳሳት ኣብዞም ክልተ ዕሱባት ዘተኮረ ጥራይ ኣይነበረን፣ እቶም ጳጳሳት ኣብ ርእሲ እቶም ዓቢይ ናይ ፖለቲካ መሳርሒ ኮይኖም ዘለዉ ኣባ ሉቃስ ካብ ፖለቲካዊ ተልእኾ ወጺኦም ሃይማኖታዊ ስርሖም ጥራይ ክሰርሑ መጠንቀቕታ ድሕሪ ምሃቦምን፥ ብዓቢኡ እታ ቤተ ክርስቲያን ሰላም ክትረክብ ድማ፥ ውግዘት ክለዓል ኣቡነ እንጦንዮስ ይመለሱ ዝብል ሓሳብ ከቕርቡ ጀሚሮም። እዞም ሓሙሽተ ጳጳሳት ዝወሰድዎ ስጉምቲ ብፍላይ ምምላስ ኣቡነ እንጦንዮስ ከቢድ ስግኣት ስለ ዘሕደረሉ እቲ ስርዓት፥ ኣብ ርእሲ እዞም ጳጳሳት ከቢድ ስጉምቲ ብምውሳድ፥ ብጀካ ኣባ ሉቃስ፥ ኩሎም ጳጳሳት ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ኣኣብ ሃገረ ስብከቶም ናብ ዝኾነ ከይንቀሳቐሱ ተሓይሮም ድሕሪ ምቕናይ፥ ብብሓደ ናብ ክፍሊ ሃይማኖታዊ ጉዳዳያት ተጸዊዖም፥ ዝገበርዎ ጌጋ ምዃኑ ኣሚኖም ክፍርሙ፡ የገድዶም ኣሎ። እቶም ዝበዝሑ ጳጳሳት ዕድሜኦም ልዕሊ ሰማንያ ብምዃኑ ድማ፥ ተታሊሎም ይፍርሙን ኣብ ጌጋ ይወድቁን ኣለዉ። እዚ ድማ ዳግማይ ሕማቕ ታሪኽ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ እዩ።

ስለዚ ድማ ህዝቢ ተዋህዶ እዛ ቤተ ክርስትያን ሕጂውን ኣብ ሓደገይና ኣዝዩ ኣሰካፊ ኩነታት ስለ እትርከብ ኩላትና ደቂ እዛ ቤተ ክርስትያንን ፈተውታን ሓቢርና ክንልዓል፥ ይኣክል ክንብልን ይግባእ እዩ። ብፍላይ ኣባ ሉቃስ ድማ ኣብ ልቦም ተመሊሶም ምስ ኣሕዋቶም ጳጳሳት ተረዳዲኦም ሰላም እዝ ቤተ ክርስቲያን ክሰርሑን፥ ኣብ ምምላስ ሕጋዊ ፓትርያርክ ክጽዕሩን ብስም እግዚኣብሔር ንጽውዕ።

 

ግዱሳት ደቂ ቤተ ክርስቲያን ካብ ከባቢ መንበረ ፓትርያርክ ኣስመራ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
13 COMMENTS
  • Futsum February 18, 2016

    Selam
    egziabiher neza abmdry tetabaknzerain zeibla tewahdo eduyembrela
    Nhna teketelta nab hakenga megediemnetna keitemelesnaka more aileron. (Eske abzezelenaio hagen join a nabkulu a leman haiat hageratn belay nabembasitat Russian uy nbEl. )

  • ogbai February 20, 2016

    ሕሱም ምልኪ ክቱር ውነና ኣስዒቡ፡ ሃገር ኩላ ኣብ ኢደይ ኩሉ ሀብቲውን ናተይ እዩ ናተይ ሳጥናኤል ጥራይ እዩ መማቕልተይ ኣብዚ ዓለም ዘሎ ኩሉ ናተይ እዩ ናተይ፡ ናብ ወጻኢ’ውን እደይ ሰሰዲደ ከርክብልኩም እየ በብሓደ ንኤውሮጳ ስዑድያ ኣታኣናጊደ ንኣመሪካውን ኣታኣናጊደ፡ ንኢትዮጵያውን ኣናቕተ ነዛ ዓለምውን ይብል ኣሎ ክገብራ ኢየ ናተይ ናይ ብሕቲ። ወይ ምልኪ ገፊሕ እዩ ኣፉ ተመስገን ዘይፈልጥ ኣብ ቤት መቕደስ ኣትዩ ሕሉፍ ሓሊፉ። ኣብ ሰማያዊት መንግስቲውን ኢድ ኣሎኒ ንምባል እንታይ ተሪፍዎ። ህዝብና እንታይ ኢዩ ዓኒድዎ ዓገብ ምባል ተሳእንዎ ምልኪ ሳዕሪሩ ምሒር ሓለፍዎ፡ ዋላ ከይራገም ኣፉ ለጊምዎ ቀባሕ ባሕ ጥራሕ ኮይኑ ኩሉ ገሪምዎ፡ ኤውሮጳ ኣመሪካውን ገሪምዎም ኢድ ክንስእሉ ቅሩብ ተሪፍዎም። ኣምላክ’ውን ይዕዘብ ኣሎ ሕጅስ ኣስደሚምዎ!!!

POST A COMMENT