Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ስርዓት ህግደፍ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ሃያማኖት ካብ ቁጽጽሩ ንከይትወጽእ፥ ንጳጳሳት ኣብ ዕጽው ግዛ ጅሆ ሒዝዎም ኣሎ፣

ስርዓት ህግደፍ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ሃያማኖት ካብ ቁጽጽሩ ንከይትወጽእ፥ ንጳጳሳት ኣብ ዕጽው ግዛ ጅሆ ሒዝዎም ኣሎ፣ ስርዓት ህግደፍ ብድፍኢትን ተጽዕኖን ናይ ገዳማትን ኣድባራትን ነቶም ክልተ ካድራት ድሕሪ ምብራሩ፥ እቲ ናታቶም ቦታ ካልእ ጥቕሚ ህግደፍ ዝሕሉ ኣብ ቦታ

ስርዓት ህግደፍ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ሃያማኖት ካብ ቁጽጽሩ ንከይትወጽእ፥ ንጳጳሳት ኣብ ዕጽው ግዛ ጅሆ ሒዝዎም ኣሎ፣

ስርዓት ህግደፍ ብድፍኢትን ተጽዕኖን ናይ ገዳማትን ኣድባራትን ነቶም ክልተ ካድራት ድሕሪ ምብራሩ፥ እቲ ናታቶም ቦታ ካልእ ጥቕሚ ህግደፍ ዝሕሉ ኣብ ቦታ ዮፍታሄን ሃብቶምን ክትክእ፥ ነታ ቤተ ክርስትያን ከም ቀደሙ ክቆጻጸራ ላዕልን ታሕትን ይብል ኣሎ፣

ብተወሳኺ ነቶም መጋበርያታቱ ኮይኖም ዝጸንሑ፥ ዮፍታሄን ሃብቶምን ካብ ተነጽሎ ናይ ህዝብን ቤተ ክርስትያን ንምክልኻልን፥ ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስትያን ዝገበርዎ ጉዶም ከይቅላዕን፥ ውግዘት ገዳማት ንኽለዓለሎም ጻዕርታት የካይድ ኣሎ፣ ነቶም ጳጳሳት ንምርዓድን ንምምብርካኽን፥ ዝመሓዞ መፈራርሒ ድማ፥ ኣብ ህዝቢ ዝተዘርግሐ፥ ናይ ኣቡነ እንጦንዮስ ውግዘት ኣብ ርእስኹም ኣሎ ነጻ ኣይኮንኩምን፣ ስለዚ ነቲ እቶም ገዳማውያን ኣብ ርእሲ ዮፍታሄን ጸሓፊኡ ሃብቶምን ዘንበርዎ ውግዘት ንኸልዕልዎ ኣገድድዎም፣ ብዝተረፈ ፓትርያርክ ዝወገዝኹም ንኣኻትኩም ኣብ ሓደጋ ከውድቐኩም እዩ፣ መንግስቲውን እቲ ንሱ ዝፈትዎ እንተዘይገርኩም ደሞዝኩም ደው ከብሎ እዩም ኣብ ዝዓበየ ሓደጋ ክትወድቁ ኢኹም፣ ብምባል ኣብ ከቢድ ስክፍታን ራዕድን ኣእትይዎም ይርከብ። መብዛሕትኦም ጳጳሳት ብዕድመ ሽማግለታት ስለ ዝኾኑ፥ ኣብ ዳግማይ ጌጋ ንኸይወድቁ ንኣማኒ ተዋህዶ ከቢድ ሓሳባትን ጾርን ኮይንዎ ኣሎ፣

ብኣንጻሩ እቲ ኣቡነ እንጦንዮስ ዝገበርዎ ውግዘት ድሕሪ ውደቅት እዞም ክልተ ካድራት ኣብ መላእ ህዝቢ ብፍላይ ድማ ኣብ ከተማ ኣስመራ ብብዝሒ ተዘርጊሑን ተፈሊጡን መዘራረቢ ኮይኑ ኣሎ፣

በዚ መሰረት ድማ፥ ነቶም ገዳማውያን ኣቦታት እቶም ጳጳሳት ጸዊዖም ነቲ ውግዘት ከልዕሉ የገድድሞም ኣለዉ። ገዳማውያን ኣቦታት በዚ ተጽዕኖ ተሰናቢዶም ሓሳባቶም ንኸይቅይሩ ብዙሕ ህዝቢ ኣብ ትዕዝብቲ ንኸይወድቁ ስግኣት ኣሕዲሩ ኣሎ፣

ንብዙሕ ሰብ ኣገሪሙን ዘሎ ድማ ስቕታ ናይቲ ኣብ ወጻኢ ዝነብር ኣማንን ብፍላይ ድማ ነቲ ንነውሕ እዋን ብዓውታ ክቃለስ ዝጸንሐ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካን እዩ፣ ምስቲ ዘለዎም ኣፍልጦን ከካይድዎ ዝጸንሑ ቃልስን ዘይሳነ ስቕታ ምምራጾም፥ ዘተሓሳስብ እዩ፣ ሰብ ኣብ ረመጽ ኮይኑ እናተዋግአን መስዋእቲ እናኸፈለን፥ ኣብ ኣፍደገ ዓወት ምስ ተበጽሐ ስቕ ምባሎም ሕቶ ዝፈጥር እዩ። ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ እምበርዶ ኣብ ቁጽጽር ህግደፍ ኣይወደቐን ዘብል ጥርጣረውን ዘሕድር እዩ፣

ስለዚ ዘሎኩም ናጽነትን ናይ መራኸቢ ዕድላትን ኩነታት ቤተ ክርስትያን ኣብ ህዝብና ክትዝርግሑ እዋኑ ስቕታ ዝሕረዮ ኣይኮነን።

ህዝቢ ተዋህዶ ፓትርያርኩ ኣብኡ ተሃይሮሞ ኣብ ውግዘትን መርገምን ወዲቑ ዘሎ፣ ኣስተውዒልና ምርዳእ ከድልየና እዩ፣ ስርዓት ህግደፍ ብጀካ ንተዋህዶ ሃይማኖት ንኻልእ ሃይማኖታት ኣይደፍረንን እዩ፣ ካቶሊክ ጳጳሳቶም ብሓቅን ብፍትሕን ደው ኢሎም ብልሒ ካራ ረጊጾም እናኸዱ ክቡራት እዮም፥ ከኒሻ ጸገም የብሎምን ፕረሲደንቶም ብምልኣት ልቦም ኣገልግሎቶም ይፍጽሙ፥ ሙፍቲ ኤርትራ ኣይተኣስሩ ኣይተሓየሩ ቃሕ ብዝበሎም ንህዝቦም ይመርሑ ኣለዉ፣። ቀኒእናሎም ዘይኮነ ኣንቋዕ ፈጠረሎም ንኣና ከምኡም ከማስለና ድማ ንምነ፣

ካብ ወጻኢ ናብ ሃገር ኣትዩ ኣብ መርዓ፥ ቀብሪ፥ ሓዘን ዝንከራተት፥ ሕልፍ ሓሊፉ ረይሳ ወለዱ  ዝተጓሕፎ፥ ዓዲ ኣቤቶ ከይዱ ብሃይማኖቱ ዝምርመርን ዝእሰርን ወዲ ተዋህዶ ሃይማኖት ጥራይ እዩ፣

ኣቦ ኩልና ኣመንቲ ተዋህዶ ሃይማኖት ፓትርያርክ ኣቡነ እንጦንዮስ ኣብ ማሕዩር እናበለዩ ስለምንታይ ኣቦ በይንና እዚ መከራ ይወርዶም? ኢልና ዘይምእዋይና ጥራይ ዘይኮነ፥ ንስርዓት ህግደፍ መናውሒ ኢዱ ኣብ ቤተ ክርስትያን ኮናዮ ኢና፣

ስለዚ ህግደፍ ካብ ቤተ ክርስትያን ተዋህዶ ኢዱ ክሳብ ዘውጽእን ፓትርያርክና ክሳብ ዝምለሱን  ቃልስና ዝያዳ ክሕይልን ክብርትዕን ኣለዎ ንብል፣

ግዱሳት ካብ ኣስመራ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
32 COMMENTS
  • Agaze 2014 October 18, 2014

    መግለጺ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስቲያን ኤርትራ፡ መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ፣ ኤውሮጳን ማእከላይ ምብራቕን
    እዚ፥ ስምረት ገዳማት ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ኣቶ ዮፍታሄ ድሜጥሮስን ቀሺ ሃብቶም ርእሶምን ዝኣወጅዎ ውግዘት ምኽንያት ብምግባር ዝወጽአ ዘሎ መግለጺ ኣህጉረ ስብከታት ሰሜን ኣሜሪካ፥ ኤውሮጳን ማእከላይ ምብራቕ እዩ።
    ቅዱስ እንጦንዮስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ወፓትርያርክ ዘሃገረ ኤርትራ፥ ብ13 ጥሪ. 2006፥ “ሕጊ እንተ ረገጽካዮ ተመሊሱ እዩ ዝረግጸካ” ዝበልዎ ረዚን ትንቢታዊ ቃል ብግብሪ ክፍጸም ንርእዮ ስለዘሎና ንኣምላኽ ነመስግን።
    ኣህጉረ ስብከታት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ብተደጋጋሚ ክገልጾ ከምዝጸንሐ፥ ኣቶ ዮፍታሄ ድሜጥሮስን ቀሺ ሃብቶም ርእሶምን፥ ንኹነታት ጳጳሳት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ብምምዝማዝ፥ “ዋና ኣማሓዳሪ፥ ፈጻሚ ኩሉ ጉዳያት” ዝብል ስም ተጠቒሞም፥ ቤተ ክርስቲያን ምሉእ ብምሉእ ጅሆ ሒዞማ ጸኒሖም እዮም። ካብዚ ዝነቐለ፥ ንልዕሊ ዓሰርተ (10) ዓመታት፥ ኣብ ልዕሊ ቤተ ክርስቲያንን ኣገልገልታን ዘውረድዎ ሃስያ፥ ኣብ ውሽጢ ምእመናን ዘስረጽዎ ምፍልላይ፥ ዘውረድዎ ግፍዒ፥ ዕንወት፥ ውግዘትን ምፍልላይን ብዓቕሚ ናይዚ ጽሑፍ’ዚ ክዝርዘር ዝከኣል ኣይኮነን።
    እዞም ክልተ ውልቀ-ሰባት፥ ካብ ሓላፍነት ቤተ ክርስቲያንን ካብቲ ደረት ኣልቦ-ስልጣኖምን ተኣልዮም ኣለዉ። እዚ፥ ጽቡቕን ሓደ ስጉምቲ ንቕድሚትን እዩ። ቤተ ክርስቲያን ክትድበስ፥ ምስ ኣሓት ኣብያተ ክርስቲያናት ኮነ ምስ ኣድማሳዊ ሕብረት ኣብያተ ክርስቲያናት ብኽብሪ ክትስራዕ፥ ሓቢርና ንኣምላኽ ከነምስግን እንተኾይኑ ግና፥ እቲ ቀኖናዊ ግህሰት ምስ ዝዕረን ካብ መንግስታዊ ተጽዕኖ ናጻ ምስ እትኸውንን ጥራይ እዩ። እዚ ዝኸውን ድማ፥ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፓትርያርክ እንጦንዮስ ነቲ ኣብ ልዕሊ ጳጳሳት ዘንበርዎ ውግዘት ንኸልዕልዎ ዕድል ክወሃቦም ይግባእ።
    በዚ መሠረት፥ ኣህጉረ ስብከታት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ፥ ነቲ ገዳማውያን ኣቦታት ዝወሰድዎ ስጉምቲ ብኣድናቖት እናኣመጎሰ፥ እዚ ዝስዕብ ለበዋታትን ጻውዒትን ብኣኽብሮት የቕርብ፣
    1. ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቅዱስ እንጦንዮስ ካብ ዘለዉዎ ማሕዩር ብህጹጽ ነጻ ውጺኦም ናብ ሕጋውን መንፈሳዊን መንበሮም ይመለሱ።
    2. እቶም ብሰንኪ እምነቶም ዝተኣስሩ ኣገልገልቲ ቤተ ክርስትያንን ምእመናንን ይፈትሑ።
    3. ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ካብ መንግስታዊ ተጽዕኖ ናጻ ኮይና ብቀኖናዊ ፓትርያርክ ዝምራሕ ቅዱስ ሲኖዶስ ትመሓደር።
    4. ቤተ ክርስቲያን ሓዋርያዊ ሰንሰለታ ሓልያ ብሓደ መጓሰ ክትምራሕ፥ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቅዱስ እንጦንዮስ ኣብ መንበሮም ተመሊሶም ውግዘታዊ-ፍትሓት ክህቡን ወግዓዊ-ዕርቂ ክግበርን።
    5. ስምረት ገዳማውያን ኣቦታት ዝጀመርክሞ ዝነኣድ ስጉምትን መንፈሳዊ ትብዓትን ክትቅጽልዎ፥ ስለ ሓቂ፥ ፍትሕን ርትዕን ድማ ወትሩ ብጸሎት ክትነቕሑ ንምሕጸን።
    6. ጳጳሳትን ገዳማውያን ኣቦታት ብኦርቶዶክሳዊ ሓድነት ተጠርኒፍኩም ንዝጸንሐ ከቢድ ውግዘትን ምፍልላያትን ብምሕረትን ዕርቅን ንኽውዳእ ክትጽዕሩ ንላቦ።
    7.ምእመናን ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ፥ “ዓገብ” ብዘይምባልና ኣብ ሃገርናን ህዝብናን ወሪዱ ዘሎ ከቢድ ግህሰት፡ ስደትን ሞትን ተረዲእና “ኣቦና ይፈትሑ” ኢልና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ሰብን ክንቀርብ ይግባእ።

    ልዑል ኣምላኽ መዓልቲ ሓቂ፥ ዕርቅን ሰላምን ይሃበና። ዕድመን ጥዕናን ንቅዱስ ፓትርያርክ ኣቡነ እንጦንዮስ ሂቡ፥ ንቤተ ክርስቲያንናን ሃገርናን ድማ ሰላምን ምሕረትን የውርደልና። ኣሜን።
    መንበረ ጵጵስና ኣኅጉረ ስብከታት ሰሜን ኣሜሪካ፥ ኤውሮጳን ማእከላይ ምብራቕን
    16 ጥቅምቲ 2014 (፮ ጥቅምቲ ፳፻፯ ዓ.ም ግእዝ)

  • aman hagos October 18, 2014

    ዝከበርካ ጽሓፊ ምስቲ ዝበልካዮ ኩሉ ይሰማማዕ’የ እንተኾነ ግን ዓዲ ኣቤቶ ናይ ሰዓብቲ ተዋህዶ መዳጎኒት ጥራሕ ዘይኮነስ ናይ ሙሉእ ህዝቢ ኤርትራ ግሃነም ስቃይን ዉርደትን ሙኻና ክብለካ ይፈቱ። ዓዲ ኣቤቶ ሃይማኖት ዘይትፍሊ ቤት ማእሰርቲ ናዚስታዊ ስርዓት ህግደፍ’ያ እንቋዕ’ዉን ኣይፈላለየትና እቲ ምንታይ ደራኺት ምሕያል ሓድነትናን ቃልስናን ኣንጻር’ዚ ዲክታቶራዊ ስርዓት ስለዝኾነት።

  • Mesinas October 19, 2014

    መራሕቲ ሃይማኖት!

    መራሕቲ ሃይማኖት መምህራን ናይ ህዝቢ
    ኣብያተ ጸሎትና ብመንፈስ ከይዓቢ
    ሓሊኹ ሒዙዎ ናይ ሃገርና *ኩቢ *ንሓድሽ ብቚሊ ዘራእቲ ሱሩ ዚበልዕ ሓሰኻ
    *ሮሶብ ንኪቕንጠጥ ናይ ስቓይና ሰርቢ *ጸሊም ጽዑቕ ደበና
    ጸሎትኩም ኣዕርጉ ንኡስኩም ምስ ዓቢ!

    ኣብ ክንዲ ሓገዙ ንምስፋሕ እምነትና
    ካብቲ ገንዘብ መባእ ወፈያ ህዝብና
    *ሕልቢ ከም ዝሃበ ምቐሉኒ ዝብለና *ዘርኢ ዝሃበ ሰብ፡ ብዓል ፈረቓ
    ጉዳመኛ ስርዓት ዘይሓፍር ረኺብና!

    ካብ ጥፍኣት ክትድሕን እዛ ብርኽቲ ዓዲ
    ህዝብና ከይሕየር ወትሩ ብዘይ ፍርዲ
    ዕድሚኡ ከብቅዕ ናይ ሓደራ ቀይዲ
    ካህናትና ጸልዩ ኣዚሙ *መረግዲ *ብጸናጽልን ብኾበሮን ዚዝየም መንፈሳዊ ዜማ
    ሃገር ርእሳ ኣድኒና ክትረግፍ ከም *ጭዕዲ *ዝነቐጸ ዕሙር ሳዕሪ
    ነዚ እኩይ ስርዓት ኣሳሪ ሓራዲ
    ገበን’ዩ በሉዎ *እጨጌ ምስ *ቃዲ! *ናይ ቤተክህነት ጠቕላሊ ዳኛ *ናይ ምስልምና ዳኛ

    መላኺ *ኣብሊስ እዩ እምነት ዘየብሉ *ድያብሎስ፡ ሸይጣን
    ፓትርያርክ ዝኣስር ኣምላኽ ዘገልግሉ
    ኣውደኣመት ኣብ መገሻ ምውዓሉ
    ደም ንጹህ ዝጐስዕ ቅተል ዝኣመሉ
    ከመይ ጌርኩም ኢኹም መራሒ’ዩ ትብሉ!?

    እተን ማዕከናት ዜና ብስምና ጸዊዑ
    ቃልና ዘየቃልሕ ድምጽና ሰሚዑ
    ብጥሜት እናሞትና ከብድና ጠልቂዑ
    ጓይላ እናተኸለ ይብለና ሳዕስዑ!

    ፋሲካ እንተኾነ ትንሳአ የሱስ
    ካህን ኪሰብከና ቃላት መጽሓፍ ቅዱስ፡
    ሮሞዳን እንተኾነ ፍትሓት ጾመ ልጓም
    *ሙላህ ኪምህረና ቊርኣን ብምትርጓም፡ *ናይ ምስልምና ካህን
    ዋላ ሓንቲ ሰዓት ኣብ ሚድያ ቀሪቦም
    ህዝብና ክምህሩ ዕድል ዘይህቦም!

    ሸኻትናን ካህናትናን ሞያኦም ኣኽቢሮም
    ቃል ኣምላኽ ክሰብኩ ንህዝቢ ኣፋቒሮም
    ቤት ጸሎት ሃኒጾም ዝፈትሑ ሽግሮም
    ቀዳሞት ገዛእትስ ኣመንቲ’ዮም ኔሮም!

    ኣንታ ሎሚ ደኣ እንታይ እዩ ወሪዱና
    እምነት ኣልቦ ስርዓት ነጊሱ ኣብ ልዕሌና
    ገበን ተቖጺሩ ናብ ጸሎት ምኻድና
    ኣብ ጉድጓድ ሰፊሮም *ቆሞስ መሻይኽና*ሓላፊ ምሕደራ ቤተክርስትያን
    ጠበቓ ንጹሃን ኣያ ካብ ሰኣንና
    ጎይታ ሰማይ ምድሪ ምሕረትካ ሃበና!

    ካብ ሓውኹም መሲናስ 17-2-2012

POST A COMMENT